ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ትካላዊ ኣሰራርሓኡን

2023-01-25 10:20:37 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1843 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዝቃለስ፡ ኣብ ደንበ ለውጢ ኤርትራ ኣውንታዊ ግደ ዝጸንሖን ዘለዎን ሰልፊ እዩ። ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ጭቆና ኣወጊድካ፡ ልዕልና ህዝቢ ዝቕበል፡ ብቅዋም ዝምራሕ፡ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ፡ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክምስረት ይካየድ ኣብ ዘሎ ጻዕሪ፡ በዓል ሃብታም ተመኩሮ እዩ። እዚ ሰልፊ ብቕዋማውን ዲሞክራስያውን ትካላት ንክውንነት ሕብረተሰብና፡ ታሪኹን  ዝሓለፈ ተመኩሮን ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ቀንዲ ድማ ንመጻኢ ዘማዕዱ ፖለቲካዊ ውዳበ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋሙ ብዘስፈሮ ሕግታትን ክብርታትን መሰረት ዝጐዓዝ ሰልፊ እዩ።  ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመታት ድማ ስሩዕ ጉባአኡ የካይድ። ኣብ ጉባአኡ ንኹለ-መዳያዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ዕማማቱ ዘነጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መደባቱ ኣብ ምትግባር ዝምረሓሉን ዝቕየደሉን ዲሞክራሲያዊ ማእከላውነት ዘንጸባርቕ ሰልፋዊ ቅዋምን የጽድቕ። ከምኡ ድማ ብፍሉይ ኣብ ዝረኣዩ መድረኻዊ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ዘተኩር ፖለቲካዊ ውሳነታት ይውስን። ኣብ መንጎ ክልተ ጉባአታት ሓላፍነት ዝወስድ መሪሕነት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ይመርጽን ሰልፋዊ ትካላት የቕውምን።

ብመንጽርዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2023፡ 4ይ ስሩዕ ጉባአ ሰዲህኤ ክጋባእ ኣብ ምድላው ይርከብ። ነዚ ድሕሪ ሓያል ዕጽዋ ኮቪድ-19 ዝካየድ ጉባአ ንምድላው፡ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ትሰርሕ ኣላ። እዛ ሽማግለ ነብሳ ኣብ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ፡ ኣብ ምስንዳእ ናብ ጉባአ ዝቐርቡ ንድፊ ሰነዳት፡ ናብ ጉባአ ብቐጥታን ካብ መሰረታት ብዲሞክራስያዊ ምርጫን ዝሳተፉ ኣባላት ጉባአ ኣብ ምንጻርን ነቲ ጉባአ ዘድሊ ቁጠባን ዝተፈላለዩ ቀረባትን ኣብ ምድላው ስረሓታ ተሰላስል ኣላ። ተልእኮ’ዚ ጉባአ ኣብ ጸቢብ ሰልፋዊ ራኢ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ኣገደስቲ ኤርትራዊ ዛዕባታት’ውን ዝድህስስ ስለ ዝኾነ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኤርትራ ዝብህጉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋቱ ብሓሳብን ግብርን ክድግፉ  ጸዋዒትና እዩ።  

ሰዲህኤ፡ ነቲ መሪርን ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዘዕወትዎ ምስጢራት ሓደ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ኣንጻር መሪር ጭቆና ህግደፍ ንመሰረታዊ ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ግደኡ ወሳኒ ምዃኑ ይግንዘብ። ካብዚ ነቒሉ ድማ  ኤርትራዊ ብዙሕነት ብዘኽብር “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ” ከም ኣገዳሲ መርሆኡ ሒዙ ይቃለሰሉ። ከም መግለጺ ናይዚ ኣገዳሲ መርሆ ድማ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እንተ ተኻኢሉ ምሉእ ሓድነት ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ እዚ ኣብ ዘይከኣለሉ ድማ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃለስሉ መድረኽ ምፍጣር ዘይስገር ምዃኑ ይግንዘብን ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ይሰርሕን። ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዝለዓለሉ መድረኻት ናይ ምስታፉ ትርጉም ከኣ እዚ እዩ።

ሰዲህኤ፡ ከም መርኣያ ኣብ ሓደነትን ሓቢርካ  ምስራሕን  ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ብ4 ሓምለ 2017 ዘውጸኦ እማመ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ “ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀናና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንሳተን ከኣ፦

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤

3. ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤

4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።

ንሕሉፍን ህሉውን ተሞክሮ ሓባራዊ ስራሕ ዝርዝር ኣቢልና ክንርእዮ ከለና፡ ክሳብ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ምትእኽኻባት፡ ዋላኳ ኣውንታዊ ጐኒ ከምዘለዎ ንኣምን እንተዀና፡ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ክእከብ ከምዘይከኣለ ግን ክንእመነሉ ዘለና ሓቂ እዩ። ንደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ዝሰራሕናዮ ምጽንባራት ይኹን ጽላላት ሎሚ ንቐጻሊ ሓባራዊ ስራሕና ኣሳላጥቲ እምበር ዓንቃፍቲ ክዀኑ ኣይግብኦምን…… ዝብል  ይርከቦ። እዚ እማመ ናይ ጉባአ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ውሳነ መሰረት ብምግባር ዝወጸ እዩ።

መሰረታዊ ዕላማ ሰዲህኤ፡ ኣብ ውሱን መድረኽ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ከይዘንገዐ፡ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝያዳ ናብ መጻኢ ዘማዕዱ እዩ። ብመንጽር ኣሰራርዓ ቀዳምነት ናይ ቃልሲ ድማ፡ እዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ቅድሚት ዘስፈረ እዩ። ሰዲህኤ እዞም ነጥብታት ንኹሎም ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሰማምዑ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ።

ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ንዝተፈላልዩ ኤርትራዊ ብዙሕነት ልዑል ኣቓልቦ ዝህብ ሕብረ-ብሄራዊ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ብሓፈሻ ናይ መንነት ፍልልያቱ ተዓቂቡ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ተሳትፎ የተባብዕ፡ ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ልዑል ግምት ይህብ። ንጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝምልከቱ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ነብሶም ክኢሎም ካብቶም ትሻዕተ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝኾኑ ምግባሩ ከኣ ነዚ ዝመልክት እዩ።

ሰዲህኤ፡ ሎሚ ኮነ ኣብ መጻኢ፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን ሃገራት፡ ኣብ ሰላም፡  ምክብባርን ናይ ሓባር ረብሓን ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይኣምን። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ “….. ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ  ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ  ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።“ ካብ ዝብል ኣብ መደብ ዕዮ ሰልፊ ዝሰፈረ ተመርኲሱ ዝወሰዶ መርገጽ ብመንጽር’ዚ እምነቱ ዝረአ እዩ

ኣሰራርሓ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ኣብ ትካላውን ሓባራውን ዝተመስረተ እዩ። ካብ ጠቕላሊ ጉባአ ጀሚርካ ክሳብ ጨናፍር ዘሎ ትካላዊ ጽፍሕታት፡ ቅዋም ብዝህቦም ሓላፍነታት፡ ምስ ልዕሊኦምን ትሕቲኦምን ዘለዉ ደረጃታት እንዳተናበቡ፡ መምርሕታት እንዳተቐበሉን ጸብጻባቶም እናቕረቡን ይሰርሑ።

Last modified on Wednesday, 25 January 2023 11:24