ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ናይቲ መስርሕ ተዋሳእቲ፡ ናይ ሓባር ሸቶኳ እንተሃለዎም “ብኸመይ ናብቲ ሸቶና ንብጻሕ?” ኣብ ዝብል፡ ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ  ፍልልያት ክህልዎም ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ቀንዲ ዕማም ናይቲ ቃልሲ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምፍልልያት ኣመሓዲርካ ናይ ሓባር ጸላኢ በዲሁ ናብ ዓወት ዘምርሕ መንገዲ ከተትሕዞ ምብቃዕ እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ኮነ ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኻት ቃልስና’ውን ኣድላይነቱ ህያው እዩ።

ኤርትራውያን ካብ ኣርበዓታት ጀሚርና፡ ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ኮይና፡ ዝተፈላለዩ ናይ ኣተሓሳስባ ኣቕጣጫታት ንኽተል ምንባርና መዝገብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ቃልስና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና እውን፡ እቲ ካልእ ንኡሳት ምክፍፋላት ገዲፍና፡ ሰዓብቲ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ካልኦት ውድባትን ኮይና፡ ተሰሊፍና። ኣብ ዝነበርና ውድብ ንንበር፡ ሸቶታትና መግዛእቲ ስዒርካ ምውሓስ ነጻን ልኡላዊት ኤርትራ ነይሩ፡ ድሕሪ ክንደይ ሰዓቦ ጉተቶን ከኣ ተረጋጊጹ። 

እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ምስላፍና ከምቲ ገለ ወገናት ክገልጽዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ፡ ናይ ገስገስትን  ኣድሓርሓርትን፡ ናይ ኣስላምን ክርስትያንን፡ ናይ ከበሳን መታሕትን፡ ናይ ምሁርን ዘይምሁርን፡ ናይ ሰራሕተኛን ሓረስታይን ወይ ናይ ደገፍቲ ናጽነትን ተጻረርቲ ናጽነትን ምክፍፋል ኣይነበረን። ናይ’ቲ ናብ ዘይተደላዪ ምርጻምን ምርሕሓቕን ዝማዕበለ ምፍልላይና  ቀንዲ ጠንቂ፡ ተቐራሪብካ፡ ብሓልዮትን ምጽውዋርን ነቲ ዝነበረ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ምቅርራብን ምምሕዳርን ስለ ዘይተኻእለ እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ከኣ ነዚ ክውግኖ ዝኽእል ዓቕሚ ዘይምንባሩ እዩ ኢልካ ምድምዳም የጸግም።  በቲ ምርሕሓቕን ዘኸተሎ ምድማይን “ክጥቀም እየ” ዝብል ዘየናሕሲ ሓይሊ ስለ ዝነበረ እዩ ዝብል ከም ምኽንያት ቦታ ዘይወሃቦ ኣይኮነን። ናይቲ ናይ ሽዑ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ መቐጸልታ ከኣ ክሳብ ሎሚ’ውን ሓድነት  ሃገርናን ህዝብናን ዝሕምስን ኩሉ መሰላትና ዝግህስን ዘሎ እዩ።

ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ኣብ ዝሕንብስሉ መስርሕ ቃልሲ፡ ናይ “ናተይ ርኢቶ እዩ እቲ ቅኑዕ” ውድድር ክህሉ ነውሪ ኣይኮነን። እንተኾነ ኣብ ሓደ ጉዳይ ክልተ ቅኑዕ ስለ ዘይህሉ፡ እቲ ቅኑዕ እቲ ናትካ ምዃኑ ከተእምን ርትዓዊ ምኽንያታት ኣቕሪብካን፡ ምክርኻር መሰል እምበር ዝንጸግ ኣይኮነን። ዘይሩዘይሩ ግን እቲ መስርሕ ናይ “እንካን ሃባን” ክኸውን እንከሎ፡ ናብ ጥዑይ ሓባራዊ መደምደምታ ስለ ዝመርሕ፡ ማዕረ እቲ ክትስማዕን ክትእመንን እትደልዮ፡ ንክትሰምዕን ክትቅበልን ቅሩብ ምዃን ሓላፍነታዊ እዩ። ናብ ቅኑዕ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣወጋግና ዘብጽሕ ውሕሉል ኣገባብን ከኣ ንሱ እዩ። እዚ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብቕዓት ዝምዘነሉ እውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ኣብ ዘለና ቃልሲ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ ድማ እዚ ውሕልነትን ልቦናን  ምዃኑ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ዝሓለፍናዮ ክንመዝንን መጻኢና ክንእምትን እንከለና፡ ኣብ ክንዲ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ከካባና እንጅምር፡ ብፍላይ ንተሓታትነት ኣብ ዝምልከት ኣጻብዕትኻ ናብ ካልእ ምቕሳር፡ ክእረም ዝግበኦ ዘተዓዛዝብ ኣካይዳ እዩ።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት፡ እንተ ተኻኢሉን ተቐራሪቡን ምሉእ ፍታሕ ክተረክብ፡ ወይ ድማ ነቲ ዝፈላልየካ ወጊንካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብሓባር ክትሰርሕ፡ ቀዳማይ ቆላሕታ ናይ ትህቦም ዛዕባታት  ብጥንቃቐ ምስራዕ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦን ግዜ ዘይህብን ዛዕባ ንድሕሪት ገዲፍካ፡ ቀዳምነት ንዘይወሃቦ ቅድሚት ኣምጺእካ ፍልልያት ምብላሕ፡ ኣገባቡ ውሕሉል፡ ውጽኢቱ ከኣ ብሱልን ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ጉዳያትና ብግቡእ ዘይወገና ክነስና፡ ኣብ ዋኒን ዝምድናና ምስ ትግራይ ዝያዳ ንስሕሓብ ምህላውና ቀዳምነትና ብግቡእ ዘይምስራዕ ዘመልክት ኢዩ። ናይ ትግራይ ዛዕባ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ጽልዋ ከም ዘለዎ ከይከሓድና በቲ  እንሰርዖ ሃገራዊ ቀዳምነታትና ከነመሓድሮ እዩ ዝግበኣና።

ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና ተሃዋሲ ቃልሲ፡ ጉዳይ ዝምድና ምስ ናይ ቀረባ ይኹን  ናይ ርሑቕ  ሓይልታት ቦታ ኣለዎ። እንተኾነ እዚ ዝምድናታት ቅድሚ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይና ዝስራዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ  ኩልና ንከታተሎ ከም ዘለና፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ሓድሽ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምስተጋህደ ንኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ’ውን ጸልይዎ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዓቂብና፡ ከከም ኣመዛዝናናን ፖሊስናን እድግፎን እንቃወሞን ከም ዝህልወና ብግብሪ ርኢናዮ ኣለና። እዚ ንቡር እምበር ዘሰንብድ ኣይምኾነን።

ካብኡ ሓሊፉ ካብቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እነንጸባርቖ ብዝኸፈአ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝምድና ምስ ትግራይ ዝምልከት ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ጫፋት ምሓዝና፡ ይፈቶ ይጸላእ ድኽመትና ዝተንጸባረቐሉ እዩ።  ኣብዚ ዙርያዚ፡ ኣብ መትከል ዘይተመርኮሰ፡ ነቲ ሓደ ክትጸልእ ክትብል ነቲ ካልእ ምድጋፍ፡  ነቲ ካልእ ክትድግፍ ክትብል ከኣ ነቲ ካልእ ናይ ምኹናን ግጉይ ኣተሓሕዛ ተንጸባሪቑ። ክሳብዚ ቀረባ ብመትከል ተቓዋሚ ህግደፍ ጸኒሕካ ሎሚ ህግደፍ ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ደጋፊ መሲልካ ዘለካ ጽልኢ ንምርኣይ፡ ኣብ ፈስቲቫላት ህግደፍ ምኹዳድ ከም ናይዚ ኣብነት ዝውሰድ ተርእዮ እዩ። በቲ ካልእ ገጽ እውን ንህግደፍ ክትጸልእ ክትብል ምእንቲ ናጽነት ንዝተኸፍለ ዋጋን ንልኡላውነት ኤርትራን  ካብቲ ክብደቱ ንታሕቲ ምምዛኑ ይንጸባረቕ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ በዳሂ ዕማም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ እንታይ ይሰየም ብዘየገድስ፡ ብሓባር ከስርሓካ ዝኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ክትፈጥር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ነዚ ከነዕውት ምብቃዕናን ዘይምብቃዕናን፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምስዓርን ዘይምስዓርን ኮነ፡ ምስ ጐረባብትና ጥዑይ ዝምድና ክንፈጥር ንምብቃዕን ዘይምብቃዕን ወሳኒ ቅድመ-ኩነት እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ዋኒንካ ከየድማዕካን ዝጀምርካዮ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መድረኽ ኣደስኪልካን፡ ነቲ ስዒቡ ክመጽእ ዝግበኦ ዝምድና ቀዳምነት ምሃብ ብሱል ኣተሓሕዛ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓቕምን ናይ ውሳነ ናጽነትን ናይ ዘይምትእምማን ምልክት’ውን እዩ። እዚ ንቃልስና ኣንጻር ህግደፍ ዘዳኽም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ተበታቲና እንዛመዶ ሓይሊ እውን ዝጠቕሞ ኣይኮነን። ምናልባት ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ መስርሕ ምቅርራብና ከምቲ ዝድለ ከነዕውቶ ብዘይምኽኣልና፡ ካልእ ኣቋራጭ መንገዲ ናብ ዓወት እንተተጸቢና  ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ስለ’ዚ ኣብቲ መተካእታ ዘየብሉ ናይ ሓባር ጉዕዞ  ከነድምዕ፡ “ኣብ ዘይብሱል መምዘኒ፡ ምፍልላይ” ኣወጊድና፡ ክንሰማማዕ ኮነ፡ ክንፈላለ ጽኑዕን ብሱልን ምኽንያት  ክህልወና  ናይ ግድን እዩ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ናጻነትን ልኡላውነትን ዘንቀሎ እዩ ነይሩ። ናይቲ ሕቶ መልሲ ምርካብ ቀሊልን ኣብ ሓጺር ግዜ እተረጋገጸን ከምዘይነበረ  ታሪኽ ቃልስና ዝመስከሮ እዩ። እዚ ሕቶዚ ናብ ባዕዳውያን ገዛእትን ናይ ረብሓ መሻርኽቶምን ዝቐርበ ስለ ዝነበረ፡ መልሱ ካብኣቶም ምርካብ ኣጸጋሚ ነይሩ። ኣጸጋሚ ጥራይ ዘይኮነ ዘይከኣል ምንባሩ እውን ተረጋጊጹ። ዘይከኣል ዝኾነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ ነዚ ሕቶዚ ግቡእ መልሲ ምሃብ ምስ መሰረታዊ ረብሓ ናይቶም ክምልሱ ዝተሓተቱ ግና ዘይመለሱ  ኣካላት  ዝጻረረ ስለ ዝነበረ እዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣይተዓሸወን እምበር፡ ናይቲ ሕቶኡ መልሲ ብዝመስል ምስምሳት ንምዕሻዉ ብዙሕ ፈተነታት ተኻይድዎ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብኸፋፋልን ጠባርን  ውዲታት ኣላሽ  ከይበለ፡ ንኹሉ ናይ ሓሶት ምህዞታት  ጠሓሒሱ ስኑ ነኺሱ ቃልሱ ሳላ ዝቐጸለ ናይ ሕቶኡ ሓቀኛን መሰረታውን መልሲ ባዕሉ ክረክብ በቒዑ። ብናጽነት ከይተጠበረ ከኣ ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላውነቱ ሓንሳብን ንመወዳእታን ኮሊዑ። ናይዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ሕቶ ምሉእ መልሲ ምርካብ ግና ናይቲ ዝተናውሐ ቃልሲ መወዳእታ ዘይኮነ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ዘሰጋግር ስለ ዝነበረ፡ እነሆ እቲ ቃልሲ መልክዑ ቀይሩ ቀጻሊ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናይ ናጽነትን ልኡላውነትን ሕቶኡ መልሲ ንምርካብ እቲ መስርሕ ቃልሲ ልሙጽ ዘይነበረ፡ ሎሚ እውን ኣብ ዝያዳ ኩርኳሕ፡ ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ረቂቕን ንሕቶኻ ባዕልኻ መልሲ ናይ ምርካብ መስርሕ ቃልሲ ተጸሚዱ ኣሎ። እቲ ናይ ቀዳማይ መድረኽ ቃልሲ ሕቶኡ መልሲ ዝጽበየሉ ዝነበረ ኩነታትን ናይ ሎምን ዝተፈላለዩ እዮም። እዚ ናይ ሎሚ ሕቶ ናብ ኤርትራዊ ሓይሊ ቀሪቡ መልሲ ዝሰኣነ እዩ። እቲ ዘመሳስሎም  ናይ ክልቲኡ መድረኻት ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ መልሲ ምርካብ በቶም ጸረ ህዝቢ ሓይልታት ምስተነጽገ፡ ንምርግጋጹ ተመሳሳሊ ካብ ህዝቢ ክቡር ዋጋ ዝሓቱ ዝነሩን ዘለዉን ምዃኖም እዩ። ናይቲ ሕቶታት ትሕዝቶ ግና ይፈላለ። እቲ ናይ ቅድም ሕቶ ንናጻን ልኡላዊትን ሃገር ነይሩ። ናይ ሎሚ ድማ ሰፊሕ ዘርዝርን ረቂቕ ትርጉምን ዘለዎ፡  ንልኡላውነትን ሓርነትን ህዝቢ እዩ።

ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ መልሲ ዝጽበ ዘሎ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰለ ምንታይ፡ ብሕገ-መንግስቲ ዘይንመሓደር?፡ ብውሳኒ ድምጽና ብእነደይቦን ኣነውርዶን ኣካል ዘይንምራሕ?፡ ብሕገ-መንግስትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ዝተዋሕሱ፡ ናይ  ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ምውዳብ፡ ምቅዋምን ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድን መሰል ዘይህልወና?፡ ብዝመርጽናዮ ሃይማኖት ዘይነምልኽ?፡ መጀመርታኡ’ምበር መወዳእታኡ ኣብ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ክንኣቱ ንግደድ?፡ ካብን ናብን ሃገርናን ዓለምን ብናጻ እንንቀሳቐሰሉ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዘይህልወና?፡ ናይታ ብዋጋና ህልውነኣ ዝተረጋገጸት ሃገርና ጸጋታት ብማዕረ ተጠቀምቲ ዘይንኸውን?፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ቀሪብካ ነብስኻ ናይ ምክልኻል መሰል ዘፍቅድ መስርሕ  ፍትሒ ዘይህልወና?፡ ብዘይ ድሌትና ክንስደድ ንግደድ?” ……..ወዘተ ንኣብነት ዝጥቀሱ ኮይኖም፡ ናይቲ መልሲ ዝተነፍጎ “ስለምንታያት?” ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ እዩ።

እዚ ሕቶታትዚ ናብቲ ኣመጻጽኣኡን ባህሪኡን ርዱእ ዝኾነ፡ ንይምሰል “ንኤርትራ የመሓድራ ኣለኹ” ዝብል  ጉጅለ እዩ ቀሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ንባህሪ እዚ ጉጅለ ካብ መጀመርታኡ ኣይርደኦን ነይሩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ድሕሪ ናጽነት ንሓጺር ግዜ “ሕቶይ ክምልሰለይ እዩ”  ዝብል እምነት ኣንቢርሉ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ከምቲ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ናይ ባህሪ ጉዳይ ኮይንዎ፡ ኣይኮነንዶ መሰረታዊ ሕቶ ህዝብና ክምልስ ናብኡ ዝቐርብ ሓሳብ እውን ከምጽእ ከምዘይኮነ ቀልጢፉ እዩ ባዕሉ ምልክታት ኣርእዩ። “ንፖለቲካዊ  መሰል፡ ብውድባት ሓሸውየ የለን፡ ንክብሪ ዕድጋ ሰንበት ሰንበት ዲና ኣባጊዕ ክንሓርደሎም ድዮም ደልይምና፡ ንሕቶ ዝስተ ማይ፡ ማይ ትኸዶ እምበር ኣይመጸካን እዩ፡ ንውጉኣት ሓርነት፡ ሓንቂቖም” ዝበሎም ናይ ደሓን ከምዘይነበሩ ንዘቕለበሉ ብሩህ መልእኽቲ ጥልመት እዩ ነይሩ።  እነሆ ከኣ  ሕቶ ዝምልስ ዘይኮነ፡ ሕቶ ኣብ ልዕሊ ሕቶ ዝድልብ ጸማም መንገዲ መሪጹ ክሳብ ሎሚ  ኣብኡ የዳኽር ኣሎ። ንሓንሳብስ ተመሊሱ ሓታታይ ዝኾነሉ’ውን ኣሎ። ንመጻኢ እውን ካብዚ ሓዲርዎ ዘሎ ጽላለ ወጺኡ ንሕቶ ህዝቢ ቦታ ዝህብ መንገዲ ደሓን ክሕዝ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ዝጥቀመሉ ሜላታት ብዙሕ እዩ። ሓደ ካብኡ፡ ብቐጥታ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከትን መድረኻውን ዘይኮነ ዛዕባታት ፈጢርካ ምህውታቱ እዩ። መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ኣነኣኢስካን ግዜ ዘይሓለወን ኣምሲልካ  ምቕራብ ከኣ ካልእ መደንዘዚ ስልቱ እዩ። እተን ሎምስ ከም ሳሙና ሓቒቐን ተወዲአን ዘለዋ “ኣብ እገዳ ሓያላት ኢና ዘለና፡ ብምሕላው ልኡላውነት ተጸሚድና” ዝብላ ሓረጋት እናመጠጠ ንነዊሕ ግዜ ሸቂጡለን እዩ። “ዲሞክራሲ ቀዳማይ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ዲሞክራሲ ብምርጫ ኣይዕቀንን እዩ።” ዝብሉ መህደሚ ኣበሃህላታት ድማ ካልእ ህግደፍ ዝሕበኣሎም ዝኣረጉ ካርድታት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ዓሚሙ ዘጣጥሐ መሲሉ ብምቕራብ፡ ምስ መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘየብሎም፡  ናይ ደገደገ  ሓደገኛ ፖለቲካዊ መደዓዓሲ ዛዕባታት ምፍጣር ካልእ ተንኮሉ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ “ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ምስ ሩሲያ፡ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ምስ ቻይና ዝተሰለፈት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር” ተባሂላ ትጽወዓሉ ዘላ ተረኽቦ  ነዚ ዘርእየና እዩ።

እቲ ካልእ ህዝቢ ብጓይላን ዳንኬራን ኣረሳሲንካን ናይ ሓሶትን ጽልእን ኣጀንዳታት ፈጢርካ፡ ነቲ ቀንዲ ጉዳዩ ቦታ ከምዘይህቦ ምግባር እዩ። ናይዚ ሎምስኳ ኣይኮነንዶ ኤርትራውያን ካለኦት እውን ነቒሐምሉ ዝጻረርዎ ዘለዉ ናይ ዳንኬራን ሳዕሳዒትን ፈስቲቫላት ተልእኮ፡ ኣብ ርእሲቲ ምንጪ ኣታዊ ምኽዕባት ምዃኑ፡ ንህዝቢ መስመር ኣስሒትካ ሓቀኛ መልሲ ናይ ሕትኡ ኣብ ክንዲ ምሃብ ዝተማህዘ  መህደሚ ሜላ እዩ። እዚ ተረኽቦ ጉጅለ ህግደፍ ትወቕሰሉን ትኹንነሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ከም ሰብ ምሕሳብ ስኢኖም፡ ከምቲ ናይ ቅድም “ንኺድ ጥራይ”  ሎሚ ድማ ከም እንስሳ “እምባሕ በል” ክብሉ ጀሚሮም ዘለዉ ወግናት ጽባሕ ኣብ ታሪኽ ቀንዲ ተሓተትን ሓፈርትን እዮም። እቶም ስለ ንቃወሞ ኣብቲ ፈስቲቫላት ዘይወዓልና እውን፡ ብኩራትና ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ስለዚ ንኣሽካዕላል ጉጅለ ህግደፍ ተግባር ብዝተሰነየ፡ “ሕቶ ህዝብና መልሱ ጓይላን ዳንኬራን ኣይኮነን” ክንብልን፡ ኣሽካዕላል ብፈስቲቫል ከይድገምን ጸኒዕናን ተኣማሚናን ምምካት ኣብ ቅድሜና ዘሎ መድረኻዊ ሓላፍነት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኮነ፡ ህልውናኡ ንምርግጋጽ ካብ ዝጥቀመሎም ኣገባባት ሓደ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዝራግን ዘይምትእምማን ምፍጣርን  ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ በብግዜኡን ከከም ኩነታቱን እናቐያየረ ዝጥቀመሎም ሜላታት ኣለዉዎ። ሓደ ካብዚኣቶም እቲ “ፈስቲቫል”  ዝብል ቅዲ  እዩ። እዚ ፈስቲቫል ካብ ምእካብ ገንዘብ ጀሚሩ፡ ጸረ ህዝብነት ምስሊ ህግደፍ ኣጸባቢቕካ ናይ ምቕራብን “ንደቂ ልቢ ገርሃ” መመሊስካ ናይ ምግራህን ዕላማ እዩ ዘለዎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ስቶክሆለም ንቡር ኣዳራሽ ምስተነጽገ፡ ኣብ ጐልጐል ዝተኻየደ ፈስቲቫል እስካንደኒቪያ’ውን ተልእኮኡ ካብዚ ወጻኢ ከምዘይነበረ ተዓዚብናዮ ኢና።

ናይቲ ፈስቲቫል ተሳተፍቲ መግለጺ ብዝሖንም ዋሕዶምን ኣይኮነን። እቶም ዝተሳተፉ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዘለዎም ግንዛበን ኣተሓሳስባን እዩ እቲ ቀንዲ ጉዳይ። እዞም ተሳተፍቲ፡ ናይ ህግደፍ ጭቆናን ዘመናዊ መግዛእትን ዝረዓሙን ሓመቶም ዝፈሰሰን እዮም። ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሕልዋን ብዲሞክራስያዊ ስርዓታት ኣብ ዝምረሓን ሃገራት ዝነብሩ፡ በቲ ብጉዳይ ህዝቢ  ዝግደስ ምምሕዳራት ዝተጠቕሙ ክነሶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን  መሰላት ተጠቃሚ ከይከውን ዝጨከኑ እዮም። እዞም ወገናት “ዓድና ብበላዒ ሰብ እያ ትመሓደር ዘላ እሞ፡ ናብኣ እንተተመሊስና ዝጽበየና መቑሕን ሞትን እዩ ኣድሕኑና” ብዝቓንኡ ተማሕጺኖም፡ ምሕጽንታኦም፡  ተቐባልነት ረኺቡ ርህይዎም ከብቅዑ፡ ህዝቦም ኣብ ባርነት ክነብር ዝተሰማምዑ ጠላማትን ጸረ ለውጥን እዮም።  ህዝቦም፡ ካብ ስእነት መሰረታዊ ህይወት ዘድሕን ሕክምና ጀሚርካ፡ ብኹሉ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን እናተቐጽዐ፡ በቲ ህግደፍ ኣበሳኡ ንምሕባእ “ኣብዚ እዋንዚ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ቅስንቲ ሃገር የለን” እናበለ፡ ዘሽካዕልሎ ዘሎ ዝተሰልቡ እዮም። ብሓጺሩ ካብቲ ናይ ኩሉ ዓወትን ህልውናን መሰረት ዝኾነን ዘይሓልፍን ህዝቢ፡ ነቲ ናይ ኩሉ ሕሰምን መከራን ጠንቂ ዝኾነ፡ ሓላፊ ህግደፍ ዝመረጹ ደሓር ጣዕሳኡ ዘይወጸሎም ሳዕሳዕቲ ኤርትራዊ ወገናት እዮም።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ሕቶ ዲሞክራስን፡ ናይ ኩሎም ህዝብታት እምበር፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ጥራይ ኣይኮነን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ እውን በይኑ ተነጺሉ ጸንበለል ዝብል ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ዝግበር ዓለምለኻዊ ቃልሲ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ሕብረተሰብ ዓለም ክንድቲ ንጽበዮኳ እንተዘይኮነ፡ ንኤርትራዊ ቃልስና ደሃይ ዝገብረሉ። ኣብዚ ክካየድ ዝቐነየ ናይ “ስካንድንቪያን” ዝተባህለ ፈስቲቫል ህግደፍ ስቶክሆለም፡ ኣብ ሃገረን ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ዝጠለመ ዳንኬራ ክካየድ ዘይፈቐዳ ሽወደናዊት ኣሳ ኒልሶን ካብ ምስራዝ ክራይ መእከቢ ኣድራሽ ጀሚረን፡ ክሳብቲ ምስ ተለቪዥ ኤሪሳት፡  ዝገበረኦ ቃለመጠይቕ ኣብ ጐኒ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ኮይነን፡ ኣብነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንህግደፍ ዘቃለዐኦ።

ገለ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ይቃለሱ ካብ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት፡ ነዚ ተሳተፍቱ ሃይማኖቶም ድዩ፡ ቋንቋኦም ወይ ካልእ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ንወጽዓን ዘመናዊ መግዛእትን ህግደፍ ዝረዓሙ ኤርትራውያን ዝሳዕስዕሉ ፈስቲቫል፡ ከም ናይ ሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ወይ ነበርቲ ውሱን ከባቢ ኤርትራ፡ ኣምሲሎም ክገልጽዎ ክፍትኑ ተዓዚብና። እቲ መልክዕ ብደጊኡ ከምኡ መሲሉ ይኸውን። እቲ’ቲ ከርሰ ኣተሓሳስባኡ ግና፡ ሓደን ክልተን ዘይብሉ ንህግደፍን ናይ ወጽዓ ኣገባባቱን ምድጋፍ ጥራይ ዘራኸቦም ምዃኖም ምግንዛብ ኣድላዪ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣንጻር ህግደፍ ጸኒሖም፡ ካብ ግዝያዊ ግጉይ ግንዛበን ህልኽን ተበጊሶም ከም መፍትሒ ካልእ ጸቢብ ምትእኽኻብ “ናይ ደቂ ውሱን ከባቢ ፈስቲቫል” ምግባር ዝብል ሓሳብ ክሳብ ምስንዛር ዝበጽሑ ኣለዉ። ህግደፍ  ንከምዚ ኣተሓሳስባኦም ክሰምዕ እንከሎ ብክቱር ታሕጓስ  ብኹርምቱ ከም ዝስሕቕ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንምክፍፋል ከም መሳርሒ ስለ ዝጥቀመሉ።  ስለዚ እቶም ህዝብና ንክርህዎ፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንቃለስ ዘለና ክንክተሎ ዝግበና ኣገባብ፡ እቲ ናይ ህግደፍ ከፋፋሊ ሜላ ዘይኮነ፡ ናትና ኣብ ሓድነት መሬትናን ህዝብናን ኣጽኒዑ ዘትከለ ፖለቲካዊ መንገዲ እዩ። “ንህግደፍ፡ ብናትና ኣገባብ ኢና እንገጥሞ”  ዘብለና ከኣ እዚ እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ግቡእ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘይነጸረን ኣብ ፈስቲቫል ስካንድኒቪያ መሸፈጢ ዝነበረን ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ንኤርትራን ህዝባን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ፈላሊኻ ዘይምርኣይን ከከምክብደቶም ዝምጥን ሚዛን ዘይምሃብን እዩ። እቲ ሓቂ ኤርትራን ህዝባን ዝነበሩ ዘለዉን ጽባሕ ዝህልዉን ቀጸልቲ እዮም። ምምሕዳር ህግደፍ ግና ትማሊ ዘይነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ዘይህሉ ብ”ሓላፍ መንገዲ” ዝምሰል እዩ። ሃገረ-ኤርትራ ካብ 1890 ጀሚራ ቅድሚ ህግደፍ፡ ገዛእቲ ክበራረዩላ ዝጸንሐት እያ። ጽባሕ ድሕሪ ህግደፍ ድማ ክትህሉ እያ። ህግደፍ ግና ከምቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ጽባሕ ኣይክህሉን እዩ። ሃለዋቱ ከብቅዕ እንከሎ ንኤርትራ ኮነ ንህዝባ ተማሊእዎም ናይ ምኻድ ዓቕሚ ኮነ ስልጣን የብሉን። ስለዚ እቶም ምህላውን ዘይምህላውን ኤርትራን ህዝባን ብምህላውን ዘይምህላውን ህግደፍ ዝውሰን ዝመስለኩም፡ ካብዚ ብጉልባብ ህልውና ሃገር፡  ኣንጻር መሰረታዊ መሰልን ረብሓን  ህዝብኹም ተዳኽሩ ዘለኹም ሕሰቡ። እቶም ንደገፍ እቲ ጉጅለ፡ ንህልውና ኤርትራ ክብሉ ዝወሰድዎ ምርጫ ኣምሲሎም ዝቕርቡ ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዘለዉ ይረድኡ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ንህግደፍ ምድጋፍን ዕድሚኡ ክነውሕ ምጽላይን ጸገም፡ ወጽዓ፡ መግዛእትን ሕሰምን ኤርትራን ህዝባን ምግዳድ ምዃኑ ይዘክሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ውድድር ዝነብር ብምዃኑ፡ ዝድግፎን ዝቃወሞን ኣተሓሳስባ ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ። ንመን ይድግፍ? ንመንከ ይቃወም? ክውስን እንከሎ ግና መምዘኒኡ፡ ቀጻሊ ልኡላውነቱ፡ ረብሓኡ፡ ሰላሙን ህልውናኡን እምበር፡ ህግደፍ ዘዝጻሕተሮ ህልኽን ጽልእን ክኸውን ኣይግበኦን። ብኻልእ ኣገላልጻ ህዝብና ፈታዊኡ ኮነ ጸላኢኡ ህግደፍ ክመርጸሉ ከፍቅድ ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ብመሰረቱ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራን  ህግደፍን ዝተፈላለየ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተጻራሪ’ውን ስለ ዝኾነ። ንኣብነት  ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን መዕቀኒኡ ብህግደፍ እንታይ እዩ? ከመይከ ክኸውን ይግበኦ? ንምምላስ ጥንቁቕ ምስትውዓል ዘድልዮ መድረኻዊ ዛዕባ እዩ። ፈስቲቫል ስቶክሆልም ብመንጽርዚ ክንርእዮ እንከለና፡ ካብ ቀንዲ ዕማማቱ ደድሕሪ ሳጹን ህግደፍ ምህጣር ጽልእን ቅርሕንትን ምብላሕ ምንባሩ ዝተሰወረ ኣይነበረን። ስለዚ ህግደፍ ዘዝሓሰቦ፡ መጥፍኢ ድዩ መልምዒ ከይተረዳእካ ምዝላልን ከም ብዕራይ እምባሕ ምባልን ዘይኮነ፡ “ንህግደፍ፡ ብናትና ኣገባብ ኢና እገጥሞ ” ክንብል ኣብ እንግደደሉ እዋን ኢና ዘለና።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብደረጃ ዓለም ክንወዳደር እንከለና ቁጽርና ውሑድ እዩ። ብ2019 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኤርትራ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ 233 ሃገራት ኣብ መበል 133 ተሰሪዓ ኣላ።  ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ መበል 12 ሰፊራ ንረኽባ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራ ካብ 58 ሃገራት ኣብ መበል 40 ኣለና። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ድማ 2ይቲ። ውሑዳት ክንስና፡ ንብዙሓት ዝሰዓርናሉ ናይ ጽንዓት ታሪኽ  ኣለና። ቀንዲ ምስጢር ኣንጻር ብዙሓት ናይ ምስዓርና ከኣ ሓድነትና ኣጽኒዕና ምዕቃብና ምዃኑ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኮና ብዛዕባ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት መጽናዕቲ ዘካየዱ ወገናት ከይተረፉ ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዩ።

ንሓድነትና ዘይሃሰዩ፡ ብኣንጻሩ ዘደልደሉ ናይ መንነት ብዙሕነት ሃብታማት ኢና። ኣስላማይ ክስታናይ፡ ወዲ ከበሳ ጓል መታሕት፡ ጓለኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ወዲ ገጠር ከተመኛ፡ ኣብ ሃገር ዝነብር ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ፡ ከምኡ ድማ ባህልታትና፡ ቋንቋታትናን፡ ብሄራትናን፡ ብቕኒት ዘሳነየ መሳርሒ ሙዚቃ ጥዑም ዜማ ከም ዝህብ፡ ኣብ ቃልስና ጉልበትን ዓቕምን ዝኾኑና እዞም መርኣያ ብዙሕነትና እዮም። ጸላእቲ በብግዜኡ ካብዚ ብዙሕነትና ንሓደ መዚዞም ብምብላሕ ሓድነትና ከዳኽሙ ዝገበርዎ ፈተነታት ህዝቢ ኤርትራ  በብግዜኡ ኣምኪንዎ እዩ። ህግደፍ’ውን በዚ ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፈቲነሞ ዝተሳዕርሉ ጸረ ሓድነት ስልቲ ይድንድነና ከም ዘሎ ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ነዚ ናይ መንነት ብዙሕነትና ሓብሒቡን ዓቂቡን፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከምዘለና ዘርኢ መግለጺ እውን ኣለና። ኣብዚ መዳይዚ ኤርትራዊ ልኡላዊ ዜግንነትና ቅድሚት ይስራዕ። ቀደም ኮነ ሎሚ እቲ ዝወርድ መግዛእትን ወጽዓን ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝጨከነ ምንባሩን ጌና ቀጻሊ ምህላዉን ድማ ካልእ ኤርትራውያን ሓደ ምዃና መስካሪ እዩ። ከምቲ ሳላ ንኹሉ ከፋፋሊ መብጸዓታት ነጺግና ብሓባር ዝሰጐምና መግዛእቲ ስዒርና ናጻ ዝወጻእና፡ ሎሚ እውን ካብዚ ዘለናዮ ዘስካሕክሕን ነዓና ሓሊፉ ንዓለምና ዝደንጸወን  ወጽዓ ክንናገፍ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ ኩልና ምህላዉ፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከም ዘለና ካብ ዘንጸባርቑ ዝርዝር መምዘንታት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ስለ ዝነቐልና ኢና ከኣ “እቲ ወጽዓ ኣብ ኩልና፡ መፍትሒኡ ከኣ ብኹልና” ኢልና እንጭርሕን ንምትግባሩ  እንቃለስን።

ምስጢር ዓወትና ሓድነትና ምንባሩን ምዃኑን ከምቲ ፖለቲከኛታት ወለድና “ኤርትራውያን እቶት ሓደ ዓውድን ጸባ ሓንቲ ላምን ኢና” ዝበልዎ፡ መስካሪ እዩ። ገዛእቲ ኤርትራን ጸላእቲ ህዝባን “ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ” ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡ ወሳኒ ብጽሒት ሓድነትና ካብ ቀደም ይፈልጥዎ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክሰዓር እሞ ንሳቶም ከምድላዮም ክኾኑ፡ ሓድነቱ ምፍራስ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲኦምስ በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ወረርትን ጸረ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ክሰርሕሉ ፈቲኖም ግና ኣይተዓወቱን። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ዕድል ህግደፍ እውን ካብ ዕድል ገዛእቲ ዘይፍለ ተሰዓራይ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምስዚ ኩሉ፡ ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን ካብ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይወጸን። ጉጅለ ህግደፍ ንሓድነት ህዝብና ኣዳኺሙ ኣብ ስልጣን ክነብር ካብ ዝጥቀመሎም ቀንዲ መሳርሕታት፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ምትእምማን ከም ዝጠፍእ ምግባር  እዩ። ነዚ  ምጥልላም ናብ ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ኢድ ኣእትዩ ዝሰርሓሉ እዩ። ብዙሓት ብተንኮል ህግደፍ ቀልቦም ተሰሊቡ ካብ ሰብኣውነት ዝወጹ ሰለይቲ “ሰበይቱ ኣእሲሩ፡ ሰብኣያ ኣትሒዛ፡ ንወለዱ ኣሕሊፉ ሂቡ፡ ኣብ ልዕሊ እሙን ዓርኩ ጠሊሙን ናይ ቀርባ ቤተ ሰቡ ኣጭውዩ ወይ ኣቕቲሉ”  ዝብሉ ዛንታታት ካብቲ ጨካን ውዲት ናይቲ ጉጅለ ዝነቕሉ እዮም።

ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምስ ከበሳ ኮይኑ ኣንጻር መታሕት፡ ንሓንሳብ ምስ ኣስላም ኮይኑ ኣንጻር ክርስትያን፡ ካብዚ ሓሊፉ ምስ ተጋደልቲ ነበር ኮይኑ ኣንጻር ሲቪል …..ወዘተ፡ እናኾነ፡ በብመድረኹ ብምግልባጥ፡ ዘካይዶ ምልዕዓል ናይ ሓሶት እዩ። ንሱ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ምስ ንጸረህዝብነቱ ኣሜን ኢሎም ዝቕበሉ “እሙናት” ምስ ዝብሎም ዝተደናገሩ ወገናት ጥራይ እዩ ዝስለፍ። እቶም ዝድግፍዎ ወይ ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ  ንእኩይ ተግባሩ ዘይተረድኡ ወይ እናረኣዩን እናሰምዑን ኣንጻር ረብሓኦም ዝተሰለፉ ኒሕ ዘየብሎም እዮም። ህግደፍ ግና ኩሉ ግዜ ህግደፍ እዩ። ደጋዊ ሕብርታቱ እንተዘይኮይኑ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ኣይቅይርን እዩ።

ናይ ህግደፍ መደናጋሪ ኣቀራርባ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዘይተረድእዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንሓንሳብ ብሃይማኖት ንሓንሳብ ድማ ብኣውራጃ ናይ ውሱን ኩርናዕ ፈታዊ ወይ ጸላኢ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ እዮም። በዚ ተዓሽዮም ትሕቲ ሃገራውነት ንምስዓር ብትሕቲ ሃገራውነት ንዝውደቡ ከተባብዑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ምንባሮም ከኣ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ እዩ።

እቲ ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝተሰለፍና ዘሎ ዘይሕበል ሓቂ፡ እቲ ወጽዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፍትሒኡ እውን ብኹልና ዝመጽእ ምዃኑ እዩ። እቲ ንህዝብና ኣደዳ ኩሉ ዓይነት መከራን ስደትን ኣቃሊዕዎ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ክውገድ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ናይቶም ደገፍቱ ከይተረፈ ትጽቢትዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ነቲ ክኾነልና እንጽበዮ ኣብ ምትግባር ዘለና ድልውነትን ቅሩብነትን ግና፡ ትሕቲ’ቲ ክኾኖ ዝነበሮ ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። ተፈትወ ተጸልአ ግና “እቲ ሽግር እንዳ ኹልና፡ መፍትሒኡ ድማ ብኹልና” እዩ።

ኣብ ታሪኽና ሓድነት ህዝብና ብውዲት ገዛእቲ ዘይተበተነ፡ ዝቕበሎ ኤርትራዊ ባይታ ስለ ዘይረኸበ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ሓድነትና ንምክፍፋል ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ፡ ንሕና ባይታ እንተዘይፈጢርናሉ መኺኑ ከም ዝተርፍን ውድቀቱ ከም ዝቀላጠፍን ፍሉጥ እዩ። “ህግደፍ ዕድሜኡ ነዊሑ ዘሎ፡ ብሳላ ብቕዓቱን ህዝባዊ ተቐባልነቱን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቶም ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና እዩ” እንብል ድማ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል እዩ። ነዚ ህዝብና ዘሳቕን ብክብርና ዝዋገን ዘሎ፡ ጉጅለ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘሎ ሃጓፍ እነወግዶ፡ ሓድነትና ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን  ከነሕይል እንከለና ጥራይ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

EPDP Banner

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ፡ ክሳብዚ እዋንዚ ውሱናት ኤርትራውያን ከም ዝድግፍዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ምስቲ ጸረ ህዝብነቱ ቀጻሊ ምህላዉን ኣብ መጻኢ እውን ናብ ልቡ ክምለስዩ ዝብል ተስፋ ዘየለ ምዃኑን፡ ናይቶም ዝድግፍዎ ቁጽሪ እናሓደረ ከንቆልቁል ግድን እዩ። ካብቶም ይድግፍዎ ዝበሃሉ እሞ ከም ናይ ደገፍ መገለጺኦም ኣብ ዘዝተኸሎ ጓይላ ዝስዕስዑ በሃማት፡ መብዛሕትኦም ደገፎም ካብ ልቢ ዘይኮነ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰንበድቲ ብዙሓት እዮም። ምኽንያቱ ተሓቢኦም ብዛዕባ ህግደፍ ዝብልዎ ምስቲ ሳዕሳዒቶም ኣብ ጓይላ ዘሳኒ ኣይኮነን። ሓንሳብ ኣፍ ኣውጺኦም “ንድግፎ ኢና”  ስለ ዝበሉ፡  ኣበሳኡ እንዳርኣዩ ናብ መንገዲ ሓቂ ምምላስ ዝጸገሞም ኣለዉ። ቀንዲ ምኽንያት ስግኣቶም ምስ ነቲ ጉጅለ ዘይምድጋፎም ክመጽእ ዝኽእል ምብኳር ነገራዊ ጠቕሚ እዩ። ካብ ዘለዉዎ ሃገር ናብ ኤርትራ መገሻ ከይትኽልከልን ገዛን ካልእ ንዋትን ከይውረሰካ ምስጋእን እውን ኣብዚ ዝጽብጸብ እዩ። እንተኾነ ምድጋፍ ኮነ ምቅዋም ብሓንሳብ ብሃንደበት ዝመጽእ ዘይኮነ፡ ብመስርሕ ዝረጋገጽ ብምዃኑን ህግደፍ ደገፍ ዘውህብ ተግባርን ባህርን ስለ ዘየብሉን  ውዒሉ ሓዲሩ ጥራይ ኢዱ ከም ዝተርፍ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝተካሕደን ዘይተካሕደን ኢልካ ፈላሊኻ እትጠቕሶ የለን። ምኽንያቱ ምናልባት ደኣ ገሊኡ ብቐጥታ ገሊኡ ድማ ብተዘዋዋሪ ይኸውን እምበር፡ በዚ ጉጅለ ዘይተጠልመ ኤርትራዊ የለን። በዚ እዩ ከኣ፡ “ህግደፍ ኤርትራዊ ፈታዊ የብሉን” ኢልካ ምጥቕላል ዘየጸግም። እቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ተግባራት ኢሳያስን ጉጅለኡን ገዲፍካ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነትና ጉዕዘኡ ጥራይ እንተዳህሲስካ ንጥልመት ህግደፍ ኣዕሚቑ ዘርኢ እዩ። ዝተጠልመ ህዝቢ ናይቲ ዝጠለሞ ፈታዊ ከም ዘይከውን ውሁብ እዩ። እቲ ኢሳያስ “ብውድባት ሓሸውየ የለን” ዝበለሉ መደረ’ውን ናይ ጥልመቱን ጽልኡን መግለጺ እንድዩ፡ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ “ሕንቑቓት” ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎም፡ ተረፍ ጥይትን ቡንባን ስንኩላን ውግእ ማይሓባር ዝተረሸንሉ ተረኽቦ ኣዝዩ ፍሩይ ናይ ጽልኢ መግለጺ ነይሩ። ጽልኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝጀመሮ እንተቐጺሉ፡ ሳዕቤኑ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ከይከውን ስግኣት ካብ ዝሓደሮም ኤርትራውያን፡ ብ2000 ዓገብ ዝበሉ ብበርሊን ማንፈስቶ  ዝልለዩ ጉጅለ-13 ምሁራት ሓሳቦም ተጠሊሙ እዩ። እዚ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 13 ምሁራት ጥራይ ኣይነበረን።

ኣብ 2001 ናታቶም ቃልሲ ብዝተሓወሶ ኣብ ስልጣን ዝደየበ፡  ውሱን ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉሒላ ሓይሊ፡ ካብቶም ኣብ ውዑይን ዝሑልን  ከእትዎም ዝጸንሐ ባእታታት ዝርከብዎ ጉጅለ-15 “ደጊም ምስምስ ከይፈጠርና፡ ኣካይዳና ነተዓራሪ” ስለ ዝበሉ ኣዳዕዲዑ ጠሊሙ ኣህጢምዎም። ኣብቲ ዓመትቲ ናይ ህዝብና ናይ ሓበሬታ ጽምኢ ብዝተወሰነ ደረጃ ከርውያ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ መዲያታት ዓጽዩ፡ ንጋዜጠኛታተን ኣሲርዎም። ኣብ ልዕሊ እዞም ዝፈልጥዎ ክነሶም፡ ዝተገርሁ ወገናት ዝተወስደ ስጉምቲ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ውሱናት ባእታታት ጥራይ ዝዓለመ ዘይኮነ፡ ጽልኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደረኾ ጥልመት እዩ። ገለ ግሩሃት ግና፡ ሎሚ’ኳ ተረዲእዎም ይኸውን፡ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ዓሻ ሰብይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ሽዑ ዝተወስደ ጥልመት ኣብ  ልዕሊ ውሱናት ዝተወስደን ኣብኣቶም ዘይበጽሕን ገይሮም ይወስድዎ ነይሮም። ኣብ 2013 “ናይ ወዲ ዓሊ” እናተባህለ ዝዝከር፡ “ስርሒት ፎርቶ” ካልእ ናይ ህዝቢ ትጽቢት ዝተዓጽፈሉ ጥልመት እዩ ነይሩ። እዚታት ንኣብነት ዝጥቀስ እምበር፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊቲ ተወዲቡ ብቓልዕ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ዘርኣዮ ብደዐ ጀሚርካ፡ ጥልመት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መዓልታዊ ተረእዮ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ተደሪኹ፡ ዝወስዶ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ጥልመት ስጉምትታት ኣመላኺዑ ካልእ ትርጉም ከትሕዞ እዩ ዝፍትን። ቅድሚ ኩሉ ነቶም ተዋሳእቱ ብሕማቕ ስኢሉ፡  ከም መፈራርሒ ናብ ህዝቢ የቕርቦም። ከከም ኩነታቱ መሳርሒ ወያነ ትግራይን ምዕራባዊ ዓለምን ይብሎም። ሓሙሻይ መስርዕ ኢልካ ምጥማቖም ከኣ  ካልእ ሜላኡ እዩ። ንሓንሳብ ድማ ንገለ ናይ ለውጢ ተበግሶ ሃይማኖታዊ መልክዕ የትሕዞ’ሞ፡ ንኣመንቲ ምስልምና ወይ ኣመንቲ ክርስትና “ኣንጻር እምነትኩም መጽኹም” እናበለ የሰናብዶም። እዚ ጽልእን ጥልመትን ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዶባት እናሰገረ ጸላእቲ ናይ ምዕዳም ጠባይ ዘለዎ እዩ። እቶም ቀደም ቀራናት ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ ሎሚ እውን ዝያዳ ንዝረአ ምርኣይ ስኢኖም፡ ንዝስማዕ ከኣ ምስማዕ ስኢኖም ደንዚዞም፡ ናብ ግኡዝ ስለ ዝተቐየሩ “ከምዚ እዮም” ኢልካ ክትጠቕሶም ናብ ዘጸግምሉ ደረጃ ዝወረዱ ውሑዳት ደገፍቱ፡ ነቲ በብግዜኡ ዝምህዞ ጸለመ ከም ዘለዎ ጐሲሞም ዝግዕሩ የማነ-ጸጋም ዘይርእዩ ሽቡባት እዮም።

ናይ ኩሎም እቶም ጸረ ጥልመትን ጽልእን ህግደፍ ተበግሶታት ሸቶ፡ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ  ምስራጽ እዩ። ናይዚ ቀጻሊ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ዕላማ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዚ ተበግሶ ቅድም ኮነ ሎሚ ምንጪ ናይቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ምድራቕ እዩ። ጠመትኡ ናብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ዝዓለመ ምዃኑ ከኣ ብሩህ እዩ። ምስጢር ናይቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርእዮን ዘርእዮ ዘሎን  ጽልእን ጥልመትን ካብቲ ሰይጣናዊ ኣረዳድኣኡ ዝነቅል እዩ። ህግደፍ ኣንጻር ስልጣኑ ክሳብ ዝኾነ፡ ጽልኡን ጥልመቱን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ነታ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ንምሽፋን፡ “ምእንተኣ እየ” እናበለ ዝሽቅጠላ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ፈታዊኣ ኣይኮነን።  ብዋጋኣ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል እንተኮይኑ ክምጥዋ ንድሕሪት አይብልን እዩ። ኣይሰለጦን እምበር ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ክሳብ ኢትዮጵያዊ መራሒ  ክምዝዘላ ዝተዓዘብናዮ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ስለዚ ምናልባት ክሳብ ሎሚ ብውልቂ “ጽልእን ጥልመትን ህግደፍ ኣባና ኣይበጸሐን’ ብዝብል ህግደፍ ፈታዊኦም ዝመስሎም ኤርትራዊ ወገናት እንተልዮም፡ እንተኾነ ንጉዳያት ብኹሉ ኩርናዑ ንዘመዛዝን  ክሳብ ሕጂ ህግደፍ  ዘየረኻኸበሉ የለን። “ፍጹም ኣነ ደሓን እየ” ዝብል እንተልዩ ከኣ ድሕንነቱ ንግዜኡ ምዃኑ ይረዳእ። ኩልና ኤርትራውያን ቀዳማይ ጸላኢና እቶም ህግደፍ ንምፍርራሕ ኣስማቶም ዝጽብጽበልና ናይ ግዳም ዘይኮኑ፡ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣስተውዒልና ሓቢርና ካብ ምቅላሱ ሓሊፍና ካልእ መተካእታ የብልናን። 

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኩሉ ዝሓለፍናዮ መድረኻት  ቃልሲ ማእከሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ከምኡ ኣሎ። ጽባሕ ከኣ ቀጻሊ እዩ። ናይቲ ቃልሲ ማእከል ህዝቢ እዩ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ቃልሲ ህዝባዊ ረብሓ ምርግጋጽ ምዃኑ ተገንዚቡ  ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ እዩ ማለት’ዩ፡  ናይቲ  ቃልሲ ዓወት ተረጋጊጹ ዝበሃል ከኣ ናይ ህዝቢ ሕቶታት መሰረታዊ መልሲ  ክረኽቡ እንከለዉ  እዩ።

ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ታሪኻውን ኣንጸባራቕን ዓወት እዩ፡ ካብ ዝበሃለሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ብሃንቀውታ ክጽበዮን ዋጋ ክኸፍለሉን ንዝጸንሐ ሃገራዊ  መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ  ዝኾነ እዩ። እዚ ኣንጸባራቒ ዓወት ክረጋገጽ ናይ ብዙሓት ወገናት ኣስተዋጽኦ ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ቀንዲ ማእከል ኮይኑ ናብ ዓወት ዘብጸሐ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይቶም ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ወጺኦም፡ ዝተፈላለየ መልክዕ ውዳበታት ሒዞም ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን ኤርትራዊ ሓይልታት ናይ ምውህሃድን ምምራሕን ግደ ዓብይ ምዃኑኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ንማእከላዊ ግደ ህዝቢ ዝትክእ ግና ኣይኮነን። እቲ ሓሓሊፉ ክረአ ዝጸንሐ ጌና ሎሚ እውን ኣሰራቱ ዘሎ፡ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘንጊዕካ፡ ንዓኡ ተኪእካ ናይቲ ቃልስን ዓወትን ዝለዓለ ቀላሲ ክትከውን ምፍታን፡ ካብቶም ንጉዕዞ ቃልስና ንድሕሪት ዝጐቱ ጠንቅታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ናይ ግዳም ሓይልታት ደገፍን ምትሕብባርን  እውን ካብ ምጽላውን ምትብባዕን ሓሊፉ  ንኤርትራዊ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝትክእ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ “ህዝቢ እዩ ወሳኒ” ዝበሃል፡ ንማለቱ ዝድረፍ ዘይኮነ፡ ካብዚ መስረታዊ ምኽንያት ዝነቅል እዩ።

ድሕሪ ናጽነት  ነካይዶ ናይ ዘለና ቃልሲ ማእከል እውን ከምቲ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ  ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓርነታዊ ቃልስና ጌና ኣይተዓወተን ቃልስና ግና ቀጻሊ እዩ፡  ንብል ዘለና ከኣ  መሰረታዊ ባህግታት ህዝብና ኣይተመለሰን ካብ ዝብል መሰረታዊ ዕግበት ዝነቅል እዩ። ከምቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ሳላ ህዝባዊ ማእከሉ ዘይለቐቐ ዝተዓወተ እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ብዘተኣማምን ናይ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ዕድል ዝውሰን፡ ብናይ ህዝቢ ማእከላይን ወሳናይን ቦታ ምሓዙን ዘይምሓዙን እዩ።  ህዝቢ ናይ ቃልሱን ዓወቱን ማእከል ንክኸውን ድማ ብተሳትፍኡ እምበር፡ ኢደ-እግሩ ኣኪቡ፡ ዓወት ካብ ኢድ ካለኦት ብምጽባይ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ኣብ ቃልስና ህዝባዊ ተሳትፎ ናይ ዓወትና ዋሕስ ምዃኑ ዝእመነሉ።

ፖለቲካዊ ውድባትናን ሰልፍታትናን ከምኡ እውን ካለኦት ውዳበታት፡ ንክዕወቱ እቲ ቀላሲ ግደ ህዝቢ ከይልቀቕ ክጥንቀቑ ይግበኦም። ህዝባዊ ማእከል ዘይምልቃቕ ማለት፡ እትምርሓሉ መትከላት ክትትልም፡ ፖሊሲ ክትቀርጽ፡ ውሳነታት ክትውስን ኮነ፡ ቀጥዒ ዝምድናታትካ ክትሕንጽጽ እንከለኻ፡ ኮታ መጻኢኻ ክትቅይስ እንከለኻ፡ እትምርኮሰሉ መጽናዕቲ፡ ማእከላይ ብጽሒትን ባህግን ህዝቢ ከይትስሕት ምጥንቃቕ ግድን እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ህዝቢ ትጽቢትን ወሳኒ ግደን  ዘንጊዕካ፡ መምስ ዝተቀልቀለ ጫፋት እንዳተዓዘርካ “ምስ ህዝብና ኣለና” ምባል፡ ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ ሓደጋ ዘኸትል እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መጻኢ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ከዕዝዞ እንከሎ “ሰዲህኤ፡ ምልካዊ ስርዓትን ንሱ ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን  ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ይብል።

ኣብዚ በብኩርናዑ ናይ ኣተሓሳስባ ሸለውለው ሓይልሉ ዘሎ ግዜን ኩነታትን፡ “ናይ ቃልስና ማእከል  ህዝብና እዩ”  ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ኣጽኒዕና ክንሕዝ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ መድረኽ  ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥ፡ መልከዓቱ እንተዘይተፈላልዩ፡ ኣብቲ “ናይ ቃልስና ማእከል ህዝቢ እዩ” ዝብል  ግንዛበ ጐሊሑ ዝረአ ጸገም ኣይጸነሓናን። ካብቲ ብስም ህዝቢ ዝዝመር ኣየናዩ እዩ እቲ ሓቀኛ፡ ኣየናይከ እዩ እቲ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ብስም ህዝቢ ዝዝመር ግና ደቂቕ ዳህሳስ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ከይተረፈ  ደጋፍን ሓላይን  ህዝቢ እናመሰለ “ንብዓት ሓርማዝ”  ስለ ዝነብዕ። ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዝሓለፈ መድረኻት፡ ቃልስና ከባብያዊ ናይ ምስፍሕፋሕ መልክዕ ይሕዝ ስለ ዘሎ፡ ንዓኻ ዝመስል ሃሰስ ኢልካ ምዝማድ ዘይስገር ይኸውን ኣሎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘንጊዕካ፡ ጫፋት መመዚዝካ ናይ ምጉታት ዝንባለታት ከም ዝንጸባረቕ ንዕዘብ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ረብሓ ኣብ ዘይነጸረሉ፡ ካብ በትሪ ምዕራባውያን ንምህዳም ብዝመስል፡  ምስ በዓል ሩሲያ ይሻረኽ ኣሎ።  በቲ ካልእ ወገን ድማ “ንሓንሳብ ምስ ሓይልታት ትግራይ፡ ንሓንሳብ ድማ  ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ” ኢና ዝቃንኦም ድምጽታት ዝብርኹ ዘለዉ ይመስሉ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዘድልዮ ከኣ፡  ኣብ ቅድሜና ካብዞም  ጫፋት ወጻኢ  ካልእ ምርጫ  ከምዘየለ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ነቲ ነዚ ጫፋት ዘይረዓመ ወገን፡ ካብ ቃልሲ ከም ዝበኾረ ኣምሲልካ ብምውሳድ ንስኻ ጥራይ ብጉዳይ ህዝቢ እትሕለቕ ኣምሲልካ ምቕራብ   ሓሓሊፉ ይቀላቐል  ምህላዉን እዩ። ብመሰረቱ ግና ሓደ ጫፍ ጥራይ ምጉታት፡ ንድሌት ህዝቢ ዘየንጸባርቕን ዘየሳትፍን፡  ከኸትሎ ብዛዕባ ዝኽእል ሳዕቤን ኣርሒቑ ዘይእምት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡  ንሓቢርካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ምዕዋት ዘይሕግዝ ስለ ዝኸውን ኣሰካፊ  እዩ።

ህዝቢ ዝማእከሉ፡ ሓደ ጫፍ ጥራይ ሒዝካ ምኻድ ዘኸትሎ ኣሉታዊ  ሳዕቤን ዝተረደአ፡ ሓቢርካን ተኸኣኢልካን  ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ቃልሲ ተዓዋቲ ምዃኑ ዝተገንዘበ ሓቛፊ ምርጫ ከም ዘሎ  ምግንዛብ የድሊ። ነዚ ናይ ምክእኣልን ምጽዉዋርብ  ምርጫ ምሓዝ፡  ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ብህዝቢ ዝምእከል፡ ዝሓሸ መጻኢ ዝጥምትን ሰላም ዘውሕስን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ናብ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ትዕወተሉ፡ ልዕልና ህዝብታት ተውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳይካ ናይ ምውሳን ነጻነትካ እትዕቅበሉ ተዓዋቲ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ዝወስድን መገዲ’ውን እዩ።

ጉዳያት ደባሊቕካ፡ በቲ ሓደ ወገን ንህዝባዊ ወሳንነት ከተሕይልን ከተውሕስን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ድሌታትካ እተንግሰሉ መንገዲ ምኽታል ዝቃደዉ ኣይኮነን። ናይዞም ንሓርነት ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ወገናት  ምርጫ፡ ልዕሊ ኩሉ ልኡላውነትን ናጽነትን ህዝብን ሃገርን  ቅድሚት ምስራዕ ዘይዝለል እዩ። ነዚ ዓቂብካ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ካብ ህዝቢ ብእትረኽቦ ተቐባልነትን ፈቓድን ናብ ስልጣን ምምጻእ ግና ሓላል እምበር ሓራም ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ንማእከላይ ግደ ህዝቢና ኣብ ገዛእ ጉዳዩን ሃገሩን ደፊኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። እሞ እቶም  ኣንጻርዚ ጥልመት ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢኸ፡ ጫፋት እናጎተትና ሓድነትና ብምድኻም፡   ብሓባር ናይ ምቅላስ ዕድልና ኣምኪናዶ መፍቶን ግዳይን ናይ ህግደፍ ንኸውን ወይስ ብናይ ሓባር ቅልጽም፡ ንቂመኛ ጸላኢ ህዝብና ንሰብር?

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራን ህዝባን፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ክጭነቑ፡  ብፍላይ ከኣ ብሰንክቲ ዓቢሱ ሒዝዎም ዘሎ ዘይርጉእ ስርዓት፡ ኣንጻር  ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ጐንጺ ክኣቱ እንከሎ ወትሩ ክንሻቐል ጸኒሕና። ሻቕሎት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይምኽኑይ ጠንቂ ወራሩ ከነወግዝን ክንድቲ ዝድለ ዳኣ ሰማዒ ኣይረኸበን እምበር፡   መዋጸኦ ኢልና ዝኣመናሉ መፍትሒ ክንእምትን ጸኒሕና ኢና። ከምዚ ናይ ምኽታልና ምኽንያት ከኣ ህዝብን ሃገርን ካብ ናይ ምድሓን ሓልዮትናን ግደናን  ዝነቅል እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ዘንቀደ ኣይትምዓድ”  ዝበሃል፡ ስርዓት ኤርትራ  ንስምዕታና እዝኒ ኣይሃቦን። እኳደኣ ህዝብና ደኣ ክንድቲ ዝደለዮ እዝኒ ኣይሃቦን እምበር፡ ንምሕጽንታና ናይ ሓልዮት ዘይኮነስ፡ ናይ ክድዓትን ምንብርካኽን መግለጺ ኣምሲሉ ከቕርቦ ህርድግ ኢሉ እዩ።

እቲ ስርዓት፡ ነቲ ሓቀኛ ኣንጻር ጐረባብቲ ውግኣት ክኸፍተሉ ዝጸንሐን ዘሎን ምኽንያት እናሓበአ፡ ንስጉምትታቱ ከም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ክብል ተገዲዱ ዝኣተዎ ኣምሲሉ  እዩ ዝገልጾ። ክሳብ ሎሚ እውን ካብዚ መዕሸዊ ምህዞ ኣይወጸን። ነዚ ዘይርትዓዊ ምኽንያቱ መዝሚዙ ህዝቢ ጉልበቱ፡ ንብረቱን ደቁን ክህቦ ክጉስጉስን “እዚስ ንረብሓይ ኣይኮነን” ንዝበሉ ወገናትና ከኣ ርእሶም ከድንን ክመቁሕን ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ዘኸተሎ፡ ቅትለት፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ምምዝባልን ከኣ ምዝርዛሩ ስለ ዘጸግም “ኣዲኡ ትቑጸሮ” ኢልካዮ ዝሕለፍ እዩ።

ነቲ ካብ ጽባሕ ናጽነትና ጀሚሩ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን ትዕቢተኛን ዘይሓላፍነታውን መስርሕ ክንመዝኖ እንከለና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘኽሰሮን ዘዋረዶን እምበር ዘኽሰቦ ወይ ዘሕበኖ ከም ዘይኮነ፡ ካብቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝረኣዮ ሓቅን ዝሓልፎ ዘሎ ህይወትን ወጻኢ ካልእ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይኮነን። ስለዚ ብሰንክቲ ተደጋጋሚ ህውከት ህግደፍ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ድሒኖም ወይ ሃብቲሞም ዘይኮኑ፡ እናሓደሩ ይበርሱን  ይዓንዉን ከም ዘለዉ ኣስተብህሎ ዘድልዮ እዩ። ዝነበረ ኤርትራዊ ክብሪ ምብልሻዉ፡ ትሕተ-ቅርጺ ሃገር እናሓደረ ይዓኑ ምህላዉ፡ ኣብ ቁጠባ ምስ ባህሉ ዘይከይድ ህዝብና ተጸባይ ኢድ ሰብ ምዃኑ፡ ሃገር ናይ ምህናጽን ምስግጋርን ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ ሃገር ራሕሪሑ ስደት ምምራጹን ኣውራ ከኣ ብጅግንነትን ጽንዓትን ዝፍለጥ ዝነበረ ህዝብና፡ መለለይኡ ስደትን ፍርሕን  ኮይኑ፡ እዚ ተኣኻኺቡ ንጥፍኣት ኣቃሊዕዎ ምህላዉ  ዘርኢ እዩ። እዚ ሓደጋ ኣብዚ ወለዶዚ ዘብቅዕ ዘይኮነ፡ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገር ኤርትራ  ኣብ ሕማቕ ከየውድቕ  እውን ዘየሰክፍ ኣይኮነን።  ሰለዚ ተግባር ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ረማሲ ካብ ኮነ፡ ንሕና ብኣንጻሩ  ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን  ግደና ከነበርክት ክንቅልጥፍ ግድን እዩ።

ኣብ ውሽጣዊ ዕማም ኮነ ግዳማዊ ኢድ ምትእትታዋት ብምሉእ ድሌት ናይቲ ጀማሪኡ ጥራይ ኣይውዳእን እዩ። በይንኻ ስለ ዝጀምርካዮ ከም ድላይካ ጌርካ ቆጸራ ሒዝካ በይንኻ ትውደኦን ትዝውሮን ኣይኮነን። እቶም  ብሰንክኻ ተገዲዶም  ነቲ  መስርሕ ዝጽንበርዎ ወገናት’ውን  ነናቶም ብጽሒት ስለ ዘለዎም፡ ኣብቲ ኣወዳድኣ’ውን ሰብ ብጽሒት እዮም። እዚ ኣብ ተመኩሮ ናይዚ ህያው ዘሎ ውግእ ትግራይን ኢድ ኣእታውነት ስርዓት ኤርትራን ብጋህዲ ዝረአ ዘሎ እዩ። ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ግዜ እንዳመረጸን ምኽንያታት እንዳመሃዘን ኣንጻር፡ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ክልተ ግዜ ኢዱ ክስንዝር እንከሎ፡ ከምቲ ብድሌቱ ዝጀመሮ ብድሌቱ ከም ዝውደኦ ይመስሎ ከም ዝነበረ  ካብቲ “ንሓንሳብ ከነሕጽሮ ኢና ንሓንሳብ ድማ ከነንወሖ ኢና” ዝብሎ ዝነበረ ፈኸራታቱ ክንርደኦ ዝጸናሕና እዩ። ብግብሪ ግና ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ መበል 14 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ ማሃሪ  መደረ “ኮነ ኢልካ ብዝጽሕተር ጐንጽን ዝፍጠር ደጋዊ ጸላእን፡  ነቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝበጽሖ ውድቀት ክትሰትሮ ዘይከኣል እዩ። ብመንገዲ ወራራውን ሽበራውን መጥቃዕትታት፡ ዶብ ሰገር ምዝመዛዊ ስርሒታትን ሕጊ ኣልቦ እቶትን ኣቢልካ ድማ ናይ ሓደ ፓርቲ ወይ መራሒ ዞባዊ ልዕልና ክረጋገጽ ዘበት እዩ።  ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘየድመዐ ስርዓት፡ ኣብ ደገ እውን ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነሉን።   ምኽንያቱ እቶም ንሱ ዘስተናዕቖም ዝነበረ ወገናት፡ ነናቶም ቀያሪ ግደ ስለ ዘርኣዩ። ንኣብነት “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝበሎ ነቲ ሜዳ በይኑ ናብቲ ዝደልዮ ክዝውሮ ከም ዝኽእል ይመስሎ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ኣብቲ ባይታ ከመይ ከም ዝኾነን ከምዘሎን ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እንታይ ጐቲቱ ከምጸኣሎም ከም ዝኽእል ብሩህ እዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያኸ ተበላሒቶምዶ ህዝቦም ሃገሮምን የድሕኑ ወይ በቲ ህግደፍ ዝሃንደሶ መንገዲ ጥፍኣት ይጸድፉ ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደገኛ ፈተና እዩ።

ካብቲ ብቐጻሊ ብስርዓት ህግደፍ ክረአ ዝጸንሐ ተኹታዂ ተረኽቦታት፡ እቲ ውርደትን ክሳራን ኣብቲ ጉጅለ ጥራይ ኣይተደረተን።  ኣብ ልዕሊቲ “ዝሓሸ መጻኢ”  ሃንቀው እንዳበለ፡ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዝጠፍኦ ዘሎ ህዝብና’ውን ዝወርድ ዘሎ እዩ። እቲ ዝያዳ ዝመውት፡ ንብረቱ ዝዓኑ፡ ካብ መነባብሮኡ ዝመዛበል፡ ደቁ ዝጠፍኡን መጻኢኡ ዝጽልምትን ዘሎ ህዝቢ እዩ።  ሓደ ውግእ መዓስ ይጅመር መዓስከ ይውዳእ ወሰንቱ ኩሎም እቶም ተሳተፍቱን እንተላይ እቶም ካብ ነናቶም ሕሳብን ረብሓን ነቒሎም፡ ነቶም ተሳተፍቲ ዘዕጥቑ፡ ዘስንቑን “ኣጆኻ ድፋእ” ዝብሉን ምዃኖም ተገንዚብና ኣለና። ኣብዚ እዋንዚ ምስ ዞባና ብዝተኣሳሰረ ንዕዘቦ  ዘለና’ኳ፡ ኣብ ጐረቤትና ዝተኣጉደ ውግእ፡ በቲ ሓደ ጫፉ ክሳብ ወራር ሩሲያ  ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሰራውሩ ዝዝርግሕ ዘሎ እዩ። በቲ ካልእ ገጹ ከኣ እቲ ንኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘራኽብ ኣል ፋሽቓ ፈኸም ዝብል ዘሎን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ  ውግእ ምትእስሳር ዘለዎ ውግእን  ናይ ቀረባን ርሑቕን ዓንገልቱን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። እዚኣቶም ዋናታቶም ብዙሓት እምበር፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ህግደፍ ከድልዮ እንከሎ ዝኣትዎ፡ እንተዘየድልዮ ከኣ ሰተት ኢሉ ዝወጸሉ  ዝነበረ፡ በይኑ ዘጥፈኦን ዝኣጉዶን ሓዊ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ነቲ “ራህዋ ዝጽበ ዘሎ”   ህዝብና ክሳብ ክንደይ መጻኢኡ ከም ዝሓላልኾ ብሩህ እዩ።

ኣብዚ ኩነታት ንሕና እቶም ንሕገመንግስታዊ ብዙሕነታዊ ስርዓት፡ ሰላምን ዲሞክራስን እንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ፡  በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕሚ፡ ኣብቲ ሜዳ ሰብ ዋኒን ኢና እሞ፡ ህዝብናን ሃገርናን  ኣብ ምድሓን ግደ ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ። እጃምና ከነብርክት ክንበቅዕ ከኣ ኣጻብዕትና ናብ ስርዓት ኤርትራ ምቕሳር ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ካልኦት ውዳበታትን፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣድላይነት ተቐራሪብና ንቃለሰሉ ናይ ሓባር መድረኽ ክንሓስብ እንከለና፡ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት ብምሉእ ልብና ኣብ ግምት ከነእትዎ ሎሚ’ውን ሓደራ።

ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ምስ ኩሉቲ ዘኸተሎ ህልቂት፡ ስንክልና፡ ምምዝባላት፡ ናይ ንብረት ዕንወት፡ ስደትን ማእሰርትን ብፍላይ ብወገን ኤርትራ እንታይ ንግበር? ኣብ ዝብል ከም ሓደ ነጥበ-መቐይሮ ዝውሰድ ነይሩ። ድሕሪቲ ውግእ ኣብ ኤርትራ “ደጊም ኣብ ክንዲ ኣብ ውግእ ንሕባእ ጉዳይና ንግበር” ዝበሉ ፖለቲከኛታት ዝተኣስርሉ፡ ተስፋ ተነቢሩለን ዝነበረ ብሕታዊ ጋዜጣታትን መጺሐታትን ተኣጊደን ጋዜጠኛታተን  ዝተኣስርሉን ብዙሓት መንእሰያት ዝተሰድሉን ምንባሩ ይዝከር። ስርዓት ህግደፍ በዚ ተግባራቱን ካልእ ካብ ኤርትራ ወጻኢ  ብዝመጣጠር ዘራጊ ተግባራቱን ኣደዳ እገዳታት ክኸውን ዝጀመረሉ መድረኽ’ውን ኣስዒቡ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ድሕሪቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ዝተኸፍተ ዕድል ሰላም ዝምልከቶም ኣካላት ሰለ ዘይተጠቕምሉ፡ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ይበሃል ኣብ ዝነበረ እዋን“ኤርትራ ደጋፊ ትግባረ ውሳነ ዶብ ኢትዮጵያ ከኣ ተቓዋሚት”  ኮይነን ዝግለጻሉ ዝነበራ እዩ። ስርዓት ኤርትራ ከኣ ብተነጽሎን ብሕትውናን ተዋሒጥሉ ዝነበረ እዩ። እዚ ስርዓት ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቤታዊ ዕማም’ውን በቲ ናይ ደገ ተጽዕኖ ኣመኻንዩ ዋላ ሓንቲ  ኣይዓመመን። እኳ ደኣ ሕገ-መንግስቲ ከተግብር ትጽቢት እንዳተገብረሉ፡ ነቲ ሰነድ ሓንሳብን ንሓዋሩን “ከይሰርሐ ዝሞተ” ኢሉ ጉሒፍዎ። እቲ “ካልእ ሕገ-መንግስቲ ይነድፍ ኣለኹ” ዝበሎ ከኣ ምስ ግዜ ሃጢሙ ተሪፉ።

ብ2018 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢቲ ገዛኢ ግንባር ኢህወደግ ክሕቆን ዝጸንሐ ማዕበል ናይ ደገ ኣእዳው ተወሲኽዎ ነቲጉ፡  ክሳብ ሎሚ ጽገናዊ ድዩ መሰረታዊ ኢልካ፡  ንምስያሙ ዘጸገም ለውጢ ኮይኑ ተጋሂዱ። እቲ  ለውጢ ናብ ውሽጣዊ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ዘሕደሮ ጽልዋን ተጽዕኖን ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ለውጢ ኣኸቲሉስ፡ “በዚ መጸ ከይተባህለ” ኣብ መንጎ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ዝምለስ ብዘይመስል ዳንኬራ ዝተሰነየ ፍቕሪ ገንፊሉ። እቶም ንለውጢ እንቃለስ ዘለና፡ ኣንጻር ለውጢ ክንከውን ባህርያዊ ስለዘይኮነኳ ነቲ ጽልዋኡ ናብ ሃገርና እውን ክልሑኽ እምነት ኣንቢርናሉ ዝነበርና ለውጢ ኣይተቓወምናዮን። ብዛዕባ ቀጻሊ መዓልቦ ዝምድና ክልቲኦም መራሕቲ ግና ትዕዝብትና ረዚን ስኽፍታ ዝተሓወሶ ነይሩ። ምኽንያቱ “እዞም ክልተ መራሕቲ ዝምድናኦም  ንከቐጽሉ፡ መንዩ ንናይቲ ሓደ ፖሊሲ ክርዕም?”  ዝብል ሕቶ ምምላሱ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ።

ኣብ ርእሲዚ፡ ንናይ ኢሳያስ ስሱዕ ኣተሓሕዛ ዝምድና ተመኩሮ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ምስቲ እቲ ዝምድና ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ምንባሩ፡ ነቲ ቀንዲ ናብ ሰላም ንክመርሕ ክውገን ዝነበሮ ጉዳይ ምጥራር ዶብ ዕሽሽ ምባሉን እቲ ዝምድና ጥዕና ሃልይዎ ንክቕጽል ናቱ ብጽሒት ንዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምግላሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ካብ ጸወታ ወጻኢ ክንገብሮ ኢና” ዝብል ጭረሖ ይቃላሕ ብምንባሩ ናይቲ ሓድሽ ዕርክነት ዕድመ ክሓጽር ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ ነይሩ። ብተግባር ከኣ ኣብ ሎሚ ኮይና ክንመዝኖ እንከለና፡ ግምት ጥራይ ኮይኑ ዝተረፈ  ኣይመስልን።

ስርዓት ህግደፍ በቲ ንኤርትራ ብግቡእ ከየመሓደራ ንኢሳቶ ዘይዓገበ፡ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዝምድና’ውን ኣይዓገበን። ግዜ ከይወሰደ ከኣ ንከም ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኣመሰላ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ግደአን ኣነኣኢሱ፡ ኣብ ዞባና ጐብለል ዝኾነሉ ካልእ ባይታ ክምህዝ ተንቀሳቒሱ። ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብይ ኣሕመድን መሓመድ ፋርማጆን፡ ከምቲ ቅዲ ህግደፍ ብዘይግሉጽን ዘይትካላውን መንገዲ  ኣብ ከተማ ጎንደር  ናይ ሃታሃታ ስምምዕ ምኽታሞም ናይዚ መርኣያ ነይሩ። ከም ናይ ጽቡቕ ምቅርራቦም መግለጺ ከኣ ሰለስቲኦም ናብ ትግራይ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣንጻር ህውሓትን  ህዝቢ ትግራይን  ተሳቲፎም።

ኣብ ትግራይ ውግእ ምስ ጀመረ ኣብይን ኢሳያስን ንዝተወሰነ ብሓባር ተጓዒዞም። እቲ ውጽኢት ካብ  ትጽቢቶም ወጻኢ ምስ ኮነ ግና ኣብይ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ብወግዒ ጠቕሊሉ ስሒቡ። ክስሕብ እንከሎ ንኤርትራ ከምዘይሓበረ ከኣ፡ ኢሳያስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ። ነቲ ናይ ምስሓብ ተግባር ከኣ ግጉይ ስጉምቲ ነይሩ ኢልዎ። እዚ ኩነታት ንገዛእ ርእሱ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ድሕሪዚ በቲ ሓደ ወገን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ባዕሉ ብዝፈልጦ ምኽንያታት፡ “ካብዚ ንድሓር እቲ ጉዳይ ብዘተ እምበር ብውግእ ዝፍታሕ ኣይኮነን” ኢሉ ኣውጁ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ መሓመድ ፋርማጆ ብምርጫ ካብ ስልጣን ምስ ተወገደ  ኢሳያስ ናብ ዞባዊ ጐብለልነት መኻይዲ ስኢኑ፡ ሕልሙ፡ መኺኑ ኣብ ጎልጎል ዝወግሖ ዝብኢ ኮይኑ  ተሪፉ።

እቶም ኣብ ውግእ ትግራይ ሓቢሮም ዝተሰለፉ ወገናት፡ ስርዓት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ደሓር ነብሱ ክኢሉ ክዋሳእ ዝፍትን ዘሎ ፋኖ ኣምሓራን ንህወሓት ናይ ሓባር ጸላኢኦም ወሲዶም፡ ካብቲ ውግእ ነናቶም ዝተፈላለየ ውጽኢት ይጽበዩ ነይሮም። ኢሳያስ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ካብ ፖለቲካዊ ጸወታ ክወጽእ ተጸብዩ። ኣብይ ኣሕመድ ህወሓት ብደረጃ ፈደረላዊ መንግስቲ ስልጣን ናብ ዘይወዳደሮ ደረጃ ክወርደሉ ትምኒቱ ነይሩ። ኣምሓራ ከኣ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝነበሩ ዞባታት ራያን ወልቃይትን ምምላስ ይሓልም ነይሩ። ስለዚ ብቕደም ሰዓብ ሕነ ምፍዳይ፡ ናይ ስልጣን ሕቶን ህርፋን መሬትን  ዝነበሮም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ሸቶ ዝዕወት ዘሎ ይመስል። ናይ ኢሳያስን ፋኖ ኣምሓራን ግና ኣይተረጋገጸን። ኣብይ ከኣ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ተወሲኽዎ፡ ደጊም መሰነይታ ናይዞም ሸቶታቶም  ዘየረጋገጹ ክኸውን ይደሊ ስለ ዘየለ፡ ስርዓት ኤርትራ “ሕጂኸ ናበይ?” ኢሉ ክሓትት ተገዲዱስ መልሱ ክሳብ ክንደይ ይትግበር ብዘይፍለጥ፡  “ምስ ፋኖ ኣምሓራ”  ዝኸውን ዘሎ ይመስል።

እዚ ዘርእየና ክሳብ ሕጂ ስርዓት ኤርትራ ዘዝሰሓቦ ካርድታት ይሓሮ ከም ዘሎ እዩ። ናይታ ኣብ ኢዱ ዘላ ንወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ንምድጋፍ ዝሰሓባ ካርድ ዕድልከ እንታይ ክኸውን እዩ? ድማ  ኣብ መጻኢ ዝረአ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቻይና በቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመዘዘቶ ፍሉይ ልኡኻ ኣቢላ ክትጉስጉስ ምስ ጸንሐት፡ ምስ ወከልቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮንፈረንስ ኣካይዳ። ኤርትራ ተዓዲማ ክነሳ ኣይተሳተፈትን። “ናይ ዘይምስታፋ ምኽንያት እንታይ እዩ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ተባሂሎም ብዙሓት ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ። እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ኣስመራ ክጋባእ ጠለብ ስርዓት ኤርትራ ነይሩስ ስለ ዝተነጽገ ኮሪያን ስርዓት ኣስመራ ምስ ብልጽግና ዘየረዳድእ ስለ ዘለዎን  ዝብሉ ካብቶም ግምታት እዮም። እቲ ዝያዳ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ግምት ግና፡ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኮንፈረንስ ሰላም ስለ ዝነበረ፡ እሞ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ሰላም ህግደፍ ምዃኑ ስለ ዝርዳእን፡ እታ ሴፍ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊኡ እትምላሕ ምዃና ስለ ዝርዳእ፡ መጋብሩ ፈሊጡ እዩ በዂሩ። ምኽንያቱ ሰራዊቱ ብጉልበት ኣብ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ኣስፊሩ ዝዋጋእ ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ። እሞ ካብዚ ንደሓርከ  ደኣ ጉዕዘኡ ናበይ ገጹ እዩ?  ድማ ንከታተሎ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብዙሕነትና ብዝተፈላለየ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። ሓደ ካብኡ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ዝለዓለ ናይ ኣተሓሳስባ  ብዙሕነትና ብደረጃ “ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ” ዝግለጽ እዩ። ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና ኣብ ነፍሲ ወከፍ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣተሓሳስባታት ዝሕቆፉ፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ተቓወምቲ ወገን ኣብ ጉዳያት   ዘለዉ ኣረዳድኣታት ብዙሓት እዮም። እዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልያት ኣብዚ እዋንዚ’ውን ኣብ ክንዲ እንዳወሓደ፡ እንዳሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ። በብግዜኡ ብዝሒ ሰልፍታትና፡ ውድባትና፡ ማሕበራትናን ምንቅስቓሳትናን ናይ ምውሳኹን ምፍንጫላቱን ምስጢር ከኣ ካብቲ እናሐደረ ዝጫጫሕ  ኣተሓሳስባታት ዝነቅል እዩ።

ናይ ሓሳብ ብዙሕነት ጸጋ እምበር ሓጥያት ኣይኮነን ንብል ኢና። ከምኡ ካብ ምባል ሓሊፍና እቲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ እንምስርቶ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከረጋግጾም ካብ እንጽበዮም ረቛሕታት ሓደ ምውሓስ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ብዙሕነት ዝምርኮሰሉ፡ ብፖሊሲ ናጽነት መሰል ምውዳብን  ርኢቶኻ ምግላጽን ዝቃነን ብሕጊ ዝግዛእን ምኽንያታዊ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ብውልቃዊ ስምዒትን ረብሓን ተደሪኹ ከም ኣሜባ ዝራባሕ ብዙሕነት ግና ንድሕሪት ዝጐትት እዩ።

ብዙሕነት ብሓላፍነት ዝመሓደር፡ ምክእኣልን ምጽውዋርን ዝቕበል፡ ኣብቲ ብዙሕነት ዝወዳደሩ ኣካላት ከምቲ ናቶም ርኢቶ ተቐባልነት ክረክብ ዝደልይዎ፡ ንናይ መወዳድርቶም ካብ ናቶም ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ  ኣፍልጦ ናይ ምሃብን ምኽባርን ግደታ ከም ዘለዎም ኣብ ዘይርድእሉ ብዙሕነት ናይ ኣተሓሳስባ ሃሳዪ እዩ። እዚ ጐዳኢ ተርእዮ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣተሓሳስባኡ ንዘይቅበሉ፡ ብሓሙሻይ መስርዕ፡ ብከደዓት፡ ብወያነን በብግዜኡ ብዝረኣዩ ኣሉታዊ ዝብሎም ተርእዮታትን እዩ ዝገልጾም። ከምቲ “ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ” ዝበሃል፡ ካብቲ ኣጸላሚ  ጉጅለ ካልእ  ስለ ዘይንጽበ ኣይሕደሰናን፡ እኳደኣ ክሳብ እንስዕሮ እንቃለሶ እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ እውን ካብ ናትካ ርእይቶ   ንዝተፈልየ፡ እሞ ብሓሳብ ምምካቱ ምስዘይትኽእል፡ ክሳብ ንዋናታቱ ኤርትራውነቶም ክትነፍግ ናይ ምድንዳን ሃቐነ ይረአ እዩ። እዚ እዩ ከኣ እቲ ቀንዲ ንሓቢርካ ምቅላስ ኣዳኺሙ፡ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንከናውሕ ዝሕግዞ ዘሎ። ካብዚ ስለ ዝነቕሉ እዮም ድማ  ንተመኩሮ ተቓውሞና ብጽሞና  ዝከታተሉ ወገናት “ዕድመ ህግደፍ ብብቕዓቱን ተቐባልነቱን ዘይኮነ፡ ዝያዳ  ብድኽመት ተቓወምቱ እዩ ዝነውሕ”  ክሳብ ምባል ዝበጽሑ። 

ተቓወምቲ ህግደፍ ናይ ምቅዋምና ምኽንያት ነዊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዘይምህላዉ፡ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይክበር፡ ህዝብና መምርሒኡ ብዘይፈልጦ መራሒ ይግዛእ ምህላዉ፡ ብሰንኪ ጻሕታሪ ባህርያት ናይቲ ዝገዝኦ ዘሎ ጉጅለ ህዝብና ኩሉ ግዜ ራህዋ ሓሪምዎ ብስግኣት ዝተዋሕጠ ምዃኑ፡ ደቁ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ስለ ዝተሰዱ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ጠዋሪ ስለ ዝሰኣኑ…..ወዘተ፡ እናበልካ ነዊሕ ዝርዝር ምቕራብ ይከኣል። ዓወትና ከኣ ኩሉ ዓቕምና ኣወሃሂድና እቲ ናይዞም ኩሎም ጸገማት ጠንቂ ዝኾነ ጉጅለን ናይ ጭቆና መሳርሕታቱን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከነወግዶ ክንበቅዕ እንከለና ዝረጋገጽ  እዩ።

ደገፍቲ ህግደፍ ብዘይካቲ በብግዜኡ ካብቲ ጉጅለ ብመርዚ እናተላዕጠጠ ብጉሁድን ብስዉርን ዝወሃቦም፡ ንዓኡ ንኢዱ ንካልእ ዘጸልም ዘይሓላፍነታዊ ሓሳብ ምንዛሕ፡ ናቶም ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ዘእቱ ሓሳብ የብሎምን። ምናልባት ኣብ ውሽጦም ዝተሓብአ፡ ካብቲ ዝድግፍዎ ሓይሊ ስለ ዝፈርሑ ብውሽጠ ውሽጢ ዝሓምይሉ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውድዕነት ዝነቅል ዘይግሁድ ሓቂ ኣይህልዎምን ኢልካ ምድምዳም ግና ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ፡ ኣብ ዕላል ምስ ኣሕሊፉ ኣይህበንን እትብሎ፡  “እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር፡ እንድዒ ብገለ ግዲ ለውጢ ይመጸልና ይኸውን’ምበር ከምዚልካስ ክሳብ መዓስ፡ ሎምስ ትጽቢት ነዊሑ” ዝብል ምዕዝምዛማት መልእኽቲ የብሎምን ማለት ኣይኮነን። እቶም ቀራናት ዓው ኢሎም ካብ ዘስምዕዎ፡ ንህግደፍ ናይ ምድጋፎም ምኽንያት ግና “ነዛ ሃገር ብዘይካኡ ዝሕልዋን ዘድሕናን የለን” ዝብል ይርከቦ። እሞ “ኤርትራ ብህግደፍከ ትድሕን ድያ ዘላ ትጠፍእ? ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም ግና መልሶም ዕንይንይ እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብልሳን መራሒ ህግደፍ ከይተረፈ ብተደጋጋሚ “ኣብ ኤርትራ እንታይ ኣውንታ ኣሎ?” ኢልካ እንተ ሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ“ጥፍኣትን ንድሕሪት ምምላስን ኤርትራ፡ ህዝባን ትካላታን” ስለ ዝኾነ። ስለዚ ዝምድና ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ፡ ተጻራሪ ኮይኑ፡ ፍልልያቱ ናይ ድሕነትን ጥፍኣትን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ምርጫ ናይቲ የመሓድራ ኣሎ ዝበሃል ጉጅለ ዝያዳ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣትያ ከምዘላ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ድሕሪ ሩሲያ ንዩክረይን ወሪራ መሰል ህዝባ ምግሃሳ  ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ምምሕዳር ኤርትራ ምስ ወራርን ግህሰትን እዩ ወጊኑ ዘሎ። እዚ መሪጽዎ ዘሎ ኣሰላልፋ ንመሰልን ክብርን ህዝቢ ዩክረይን ዝጻባእ ኮይኑ፡ ኣንጻር ሓያላት ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ዝደፋፍኦ ኢዩ። እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣሜሪካ እትርከቦ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ምጽባእ ዘትከለ ምዃኑ ትንተና ዘድሊዮ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት በቲ ውሱን ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ኣንጻሩ ተሰሊፉ ዘሎ ሓይልታት እውን ይጥመት ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብቲ ብኤሪሳት ዝተወደበ ሲምፖዝየም ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝዳህሰሰ ቃል ኣስሚዖም ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም እንታይ ከም ዘመልክት ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ህግደፍ ድሕሪኡ ብጩቕ ዘይምባሉ ከኣ ስግኣቱ ሰማይ ዓሪጉ ከም ዘሎ የርኢ። ስለዚ እቶም ኤርትራ ክትጠፍእ ዘይኮነ፡ ክትድሕን እንቃለስ ዘለና፡ ንከምዚ ዓይነት ተበግሶ፡ ከምቲ “ሓጋዚታ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ንኸስሮ ናይ ሓባር ድምጽናን ተግባርናን እነበርኸሉ መድረኽ ንግበሮ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመስገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ሃገር ኮይንና፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና”፡  ክንብሎም ግድን እዩ። እቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ ወትሩኳ ኣብ ልብኻ እንተሃለወ፡ ፡ ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን እውን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን?፡ መዓስ?ን ስለምንታይ?ን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ  ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብደብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓአ ብምቕንጻሉ፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን  ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዓዶም ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት። እዚ ከኣ ናይ ህዝቢ መስዋእነትነት ናይ ምኽፋል ዕዝዙ ብጽሒት ዘመልክት’ዩ።  

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ስሱዕ ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ካልእ መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡  ሰማእታት ዝዝከሩላ ዕለት’ውን ብሃንደበት እምበር ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።

20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰዉኡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ሂቦም ዘጽንዑ ዝሰማምዕሉን ኣብ ሓደ ውድብ ናይ ዝተሰውኡ ብዝሒ ዘተኮረን እዩ።

ሰማእታት ኣብዛ ብስሞም እትጽዋዕ ዕለት ክዝከሩ ርዱእ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማኣ ግና “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተረፈ ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ዝተወሰነት ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት መላእ ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ሕድሮም ከይዝንጋዕ ዝገደፍዎ ቃልን ዝጠለመ እዩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 31 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ናጻ ዝኾነ ሃገሩ፡ የዋጽእ  ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ይነብር ኣሎ።

እቲ ጥልመት ብተደጋጋሚ እዩ ዝፍጸም። ኣብ ናይ 2018 መዓልቲ ሰማእታት፡ ጉጅለ ህግደፍ ድምጹ ኣጥፊኡ ውዲታት ክኣልም ምስ ጸንሐ፡ “ደጊም ጸወታ ወያነ ተወዲኡ/ weyane Game over” ዝብል ኣቃሊሑ  ውግእ ምስ ጐረቤት ምእዋጁ ካልእ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ናይ ምጥላሙ መርኣያ እዩ። እዚ ብቐጥታ ነቲ ሰማእታትና ድሕሪ ናጽነት ውግእን ወረ ውግእን ኣብቂዑ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ኣሳንያ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ዘትከለ ሰናይ ጉርብትና  ክህልዋ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይከሓድ ዝገደፍዎ ሕድርን ዝጠለመ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ብሰንክዚ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ዝተኣወጀ ውግእ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋን ሓዲርዎ ዘሎ ስግኣትን ባዕሉ ስለ ዝፈልጦ ኣይንዝርዝረሉን ኢና።

ሕድሪ ሰማእታት ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ኢዩ። ካብ ባህሪያቱ ካልእ ክንጽበ’ውን ኣይንኽእልን። እቲ ቀንዲ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታት ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ተካኢ ተረካቢ ሕድሪ  ዝኾነ  መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣጻብዕትኻ ናብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምምልካት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ድማ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ዘይበቐዐ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ብምጭራሕ፡ ጥራይ ሕድሪ ሰማእታት ምኽባር ኣይኮነን።  ወለድን ስድራቤትን ሰማእታት ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ሕድሪ ደቅና ይከበረልና” ብዝብል ስሙር ደራኺ ድምጺ ክኸውን ይግበኦ።

ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም  ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ሕድሮም ብተግባር ብምኽባር እዮም ዝቐስኑ። ዘቕስኖም ከይሰራሕካ “ቅሰኑልና” ምባሎም ግና ዋጋ የብሉን።  ኣብ ድሮ እዚ ንዝክሮ ዘለና መዓልቲ፡ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ብስፖዝዮም ኤሪሳት 2022 ኣቢሎም ዘመሓላለፍዎ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዃን መልእኽቲ ክሳብ ክንደይ ነቶም ሰብ ጉዳይ ሓላፍነት ከም ዘሰክመና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይና ከነስተውዕሎ ይግበኣና።

እቲ ትማሊ ብጾቱ ኣብ ሜዳ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ተቐቢሉ ዝመጸን፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛ” ዝተባህለን ተጋዳላይ፡ ሎሚ ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ፡  ክልተሻብ’ዩ ተራእዩ። ሓርበኛዊ  ታሪኹ ተደዊኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪ፡ ሰራቕን መሰል ንጹሃት ዝግህስን”  እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ቅድም ነብሱ ከድሕን ደሓር ከኣ ሕድሪ ሰማእታቱ ከኽብር  ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ውድቐትን ስዕረትን ንምልኪ!