ኣብ ዘይብሱል መምዘኒ፡ ምፍልላይ

2022-08-14 10:32:39 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1436 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ናይቲ መስርሕ ተዋሳእቲ፡ ናይ ሓባር ሸቶኳ እንተሃለዎም “ብኸመይ ናብቲ ሸቶና ንብጻሕ?” ኣብ ዝብል፡ ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ  ፍልልያት ክህልዎም ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ቀንዲ ዕማም ናይቲ ቃልሲ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምፍልልያት ኣመሓዲርካ ናይ ሓባር ጸላኢ በዲሁ ናብ ዓወት ዘምርሕ መንገዲ ከተትሕዞ ምብቃዕ እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ኮነ ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኻት ቃልስና’ውን ኣድላይነቱ ህያው እዩ።

ኤርትራውያን ካብ ኣርበዓታት ጀሚርና፡ ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ኮይና፡ ዝተፈላለዩ ናይ ኣተሓሳስባ ኣቕጣጫታት ንኽተል ምንባርና መዝገብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ቃልስና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና እውን፡ እቲ ካልእ ንኡሳት ምክፍፋላት ገዲፍና፡ ሰዓብቲ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ካልኦት ውድባትን ኮይና፡ ተሰሊፍና። ኣብ ዝነበርና ውድብ ንንበር፡ ሸቶታትና መግዛእቲ ስዒርካ ምውሓስ ነጻን ልኡላዊት ኤርትራ ነይሩ፡ ድሕሪ ክንደይ ሰዓቦ ጉተቶን ከኣ ተረጋጊጹ። 

እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ምስላፍና ከምቲ ገለ ወገናት ክገልጽዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ፡ ናይ ገስገስትን  ኣድሓርሓርትን፡ ናይ ኣስላምን ክርስትያንን፡ ናይ ከበሳን መታሕትን፡ ናይ ምሁርን ዘይምሁርን፡ ናይ ሰራሕተኛን ሓረስታይን ወይ ናይ ደገፍቲ ናጽነትን ተጻረርቲ ናጽነትን ምክፍፋል ኣይነበረን። ናይ’ቲ ናብ ዘይተደላዪ ምርጻምን ምርሕሓቕን ዝማዕበለ ምፍልላይና  ቀንዲ ጠንቂ፡ ተቐራሪብካ፡ ብሓልዮትን ምጽውዋርን ነቲ ዝነበረ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ምቅርራብን ምምሕዳርን ስለ ዘይተኻእለ እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ከኣ ነዚ ክውግኖ ዝኽእል ዓቕሚ ዘይምንባሩ እዩ ኢልካ ምድምዳም የጸግም።  በቲ ምርሕሓቕን ዘኸተሎ ምድማይን “ክጥቀም እየ” ዝብል ዘየናሕሲ ሓይሊ ስለ ዝነበረ እዩ ዝብል ከም ምኽንያት ቦታ ዘይወሃቦ ኣይኮነን። ናይቲ ናይ ሽዑ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ መቐጸልታ ከኣ ክሳብ ሎሚ’ውን ሓድነት  ሃገርናን ህዝብናን ዝሕምስን ኩሉ መሰላትና ዝግህስን ዘሎ እዩ።

ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ኣብ ዝሕንብስሉ መስርሕ ቃልሲ፡ ናይ “ናተይ ርኢቶ እዩ እቲ ቅኑዕ” ውድድር ክህሉ ነውሪ ኣይኮነን። እንተኾነ ኣብ ሓደ ጉዳይ ክልተ ቅኑዕ ስለ ዘይህሉ፡ እቲ ቅኑዕ እቲ ናትካ ምዃኑ ከተእምን ርትዓዊ ምኽንያታት ኣቕሪብካን፡ ምክርኻር መሰል እምበር ዝንጸግ ኣይኮነን። ዘይሩዘይሩ ግን እቲ መስርሕ ናይ “እንካን ሃባን” ክኸውን እንከሎ፡ ናብ ጥዑይ ሓባራዊ መደምደምታ ስለ ዝመርሕ፡ ማዕረ እቲ ክትስማዕን ክትእመንን እትደልዮ፡ ንክትሰምዕን ክትቅበልን ቅሩብ ምዃን ሓላፍነታዊ እዩ። ናብ ቅኑዕ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣወጋግና ዘብጽሕ ውሕሉል ኣገባብን ከኣ ንሱ እዩ። እዚ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብቕዓት ዝምዘነሉ እውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ኣብ ዘለና ቃልሲ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ ድማ እዚ ውሕልነትን ልቦናን  ምዃኑ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ዝሓለፍናዮ ክንመዝንን መጻኢና ክንእምትን እንከለና፡ ኣብ ክንዲ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ከካባና እንጅምር፡ ብፍላይ ንተሓታትነት ኣብ ዝምልከት ኣጻብዕትኻ ናብ ካልእ ምቕሳር፡ ክእረም ዝግበኦ ዘተዓዛዝብ ኣካይዳ እዩ።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት፡ እንተ ተኻኢሉን ተቐራሪቡን ምሉእ ፍታሕ ክተረክብ፡ ወይ ድማ ነቲ ዝፈላልየካ ወጊንካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብሓባር ክትሰርሕ፡ ቀዳማይ ቆላሕታ ናይ ትህቦም ዛዕባታት  ብጥንቃቐ ምስራዕ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦን ግዜ ዘይህብን ዛዕባ ንድሕሪት ገዲፍካ፡ ቀዳምነት ንዘይወሃቦ ቅድሚት ኣምጺእካ ፍልልያት ምብላሕ፡ ኣገባቡ ውሕሉል፡ ውጽኢቱ ከኣ ብሱልን ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ጉዳያትና ብግቡእ ዘይወገና ክነስና፡ ኣብ ዋኒን ዝምድናና ምስ ትግራይ ዝያዳ ንስሕሓብ ምህላውና ቀዳምነትና ብግቡእ ዘይምስራዕ ዘመልክት ኢዩ። ናይ ትግራይ ዛዕባ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ጽልዋ ከም ዘለዎ ከይከሓድና በቲ  እንሰርዖ ሃገራዊ ቀዳምነታትና ከነመሓድሮ እዩ ዝግበኣና።

ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና ተሃዋሲ ቃልሲ፡ ጉዳይ ዝምድና ምስ ናይ ቀረባ ይኹን  ናይ ርሑቕ  ሓይልታት ቦታ ኣለዎ። እንተኾነ እዚ ዝምድናታት ቅድሚ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይና ዝስራዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ  ኩልና ንከታተሎ ከም ዘለና፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ሓድሽ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምስተጋህደ ንኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ’ውን ጸልይዎ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዓቂብና፡ ከከም ኣመዛዝናናን ፖሊስናን እድግፎን እንቃወሞን ከም ዝህልወና ብግብሪ ርኢናዮ ኣለና። እዚ ንቡር እምበር ዘሰንብድ ኣይምኾነን።

ካብኡ ሓሊፉ ካብቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እነንጸባርቖ ብዝኸፈአ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝምድና ምስ ትግራይ ዝምልከት ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ጫፋት ምሓዝና፡ ይፈቶ ይጸላእ ድኽመትና ዝተንጸባረቐሉ እዩ።  ኣብዚ ዙርያዚ፡ ኣብ መትከል ዘይተመርኮሰ፡ ነቲ ሓደ ክትጸልእ ክትብል ነቲ ካልእ ምድጋፍ፡  ነቲ ካልእ ክትድግፍ ክትብል ከኣ ነቲ ካልእ ናይ ምኹናን ግጉይ ኣተሓሕዛ ተንጸባሪቑ። ክሳብዚ ቀረባ ብመትከል ተቓዋሚ ህግደፍ ጸኒሕካ ሎሚ ህግደፍ ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ደጋፊ መሲልካ ዘለካ ጽልኢ ንምርኣይ፡ ኣብ ፈስቲቫላት ህግደፍ ምኹዳድ ከም ናይዚ ኣብነት ዝውሰድ ተርእዮ እዩ። በቲ ካልእ ገጽ እውን ንህግደፍ ክትጸልእ ክትብል ምእንቲ ናጽነት ንዝተኸፍለ ዋጋን ንልኡላውነት ኤርትራን  ካብቲ ክብደቱ ንታሕቲ ምምዛኑ ይንጸባረቕ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ በዳሂ ዕማም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ እንታይ ይሰየም ብዘየገድስ፡ ብሓባር ከስርሓካ ዝኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ክትፈጥር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ነዚ ከነዕውት ምብቃዕናን ዘይምብቃዕናን፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምስዓርን ዘይምስዓርን ኮነ፡ ምስ ጐረባብትና ጥዑይ ዝምድና ክንፈጥር ንምብቃዕን ዘይምብቃዕን ወሳኒ ቅድመ-ኩነት እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ዋኒንካ ከየድማዕካን ዝጀምርካዮ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መድረኽ ኣደስኪልካን፡ ነቲ ስዒቡ ክመጽእ ዝግበኦ ዝምድና ቀዳምነት ምሃብ ብሱል ኣተሓሕዛ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓቕምን ናይ ውሳነ ናጽነትን ናይ ዘይምትእምማን ምልክት’ውን እዩ። እዚ ንቃልስና ኣንጻር ህግደፍ ዘዳኽም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ተበታቲና እንዛመዶ ሓይሊ እውን ዝጠቕሞ ኣይኮነን። ምናልባት ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ መስርሕ ምቅርራብና ከምቲ ዝድለ ከነዕውቶ ብዘይምኽኣልና፡ ካልእ ኣቋራጭ መንገዲ ናብ ዓወት እንተተጸቢና  ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ስለ’ዚ ኣብቲ መተካእታ ዘየብሉ ናይ ሓባር ጉዕዞ  ከነድምዕ፡ “ኣብ ዘይብሱል መምዘኒ፡ ምፍልላይ” ኣወጊድና፡ ክንሰማማዕ ኮነ፡ ክንፈላለ ጽኑዕን ብሱልን ምኽንያት  ክህልወና  ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Sunday, 14 August 2022 12:52