ልኡላውነት ኤርትራ፡ ብጥሕሰታት ህግደፍ ኣይመሳመስን’ዩ

2022-06-01 05:47:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1371 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን፡ ብፍላይ ድሕሪ 1993 ትርጉሙን ዝመጸሉ ውረድ ደይብን ተደጋጊሙ ዝተገልጸን ኣብ ቅድሚ ኩሉ ንጹር ስለ ዝኾነን፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። ልኡላዊት ኤርትራ ብመንጽር ትጽቢት ናይቲ ብቓልሱ ዘምጸኣ ህዝቢ “ብኸመይ ትምራሕን ትመሓደርን?” ዝብል ግና፡ ጌና ሕጂ እውን መሰረታዊ ኣጀንዳ ኤርትራውያን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ስለዚ ኤርትራ ልኡላውነታ ንድሕሪት ዘይምለስን ብምሉእ ሓርነት ንምስናዩ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘላን ሃገር እያ ዝብል እዩ ሓቀኛ መግለጺኣ።

ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ክነሳ፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዲክታተርነት ሓመድ ድፋጭኣ እናሰተየት ለውጢ ሃረር ትብል ዘላ ሃገር እያ። ናትና ዝያዳ ስለ ዘሕምመና፡ ደረጃታቱ’ውን ክፈላለ ስለ ዝኽእል እምበር፡ እዚ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝሓረሞ ህይወት፡ ኣብ ካለኦት ህዝብታትውን ዘሎ እዩ። ኣብ ዓለምና ልኡላውያን ኮይነን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዝነብራ ሃገራት ብዙሓት እየን። ብዙሓት ወገናት “ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ እያ” ክብሉዋ ከለዉ፡ ብዘይካኣ ምስኣ ዝመሳሰላን ኣብ ትሕቲ ሓያል ምልኪ ዝነብራን ሃገራት ከም ዘለዋ ዘመልክት እዩ።

ብመሰረቱ ዲክታተርነት፡ ብቐዳምነት በቲ  መለኽቲ ኣብ ልዕሊቲ “ህዝበይ” ዝብልዎ ዝፍጽምዎ በደል እዩ ዝግለጽ። ምልኮምን ዓመጾምን ኣብተን ዝመርሕወን ሃገራት መሊኡ ምስ ፈሰሰ ድማ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ሃገራትን ህዝብን ብዘውርድዎ ወጽዓ ወይ ኢድ ኣእታውነትን ጎበጣን  ይረኤ። ዲክታተራት ንወራራቶም ስልጣንና የቐጽለልናን ሃብቲ የኻዕብተልናን ኢሎም ዝመርጽዎ እምበር፡ ብፈቓድን ምርጫን ህዝቢ ዝትግብርዎ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ፡ ዋላ “ንይምሰል’ውን”  ኣሰር ህዝባዊ ውክልና ስለ ዘየብሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ፡ ካብ ድሌት ህዝቢ ወጻኢ ዝኸዶ ርሕቀት ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ከም ሳዕቤን ተግባራት ህግደፍ  ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፍሎ ዕዳ የብሉን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ግን፡ ብዕንደራ ናይዚ ጉጅለ ኣመኻኒኻ ንድሕሪት ኣይምለስን  እዩ።

መንግስታት ብኸመይ ናብ ስልጣን ይመጹ ነናቱ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ሓለፍትን ተተካእትን እምበር ነበርቲ ኣይኮኑን። ድሕሪ ምሕላፎም  ኣውንታዊ ኣበርክተኦም በቲ ተካኢ ወለዶ፡ ይውረስን ይምዕብልን፡ ኣሉታኦም ከኣ ታሪኽ ኮይኑ ይተርፍ። ካብዚ ሓሊፎም ሒዘምዎ ዝኸዱ ልኡላውነት ሃገር ኮነ ክብሪ ህዝቢ የለን። መንግስታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝህልውሉ ብፍላይ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ፡ ብሰንኪ ኣመጻጽኣኦም  ነብሰ ምትእምማን ስለ ዘይብሎም፡ ብዝሓድሮም ስግኣት ኣብ ህዝብን ልኡላውነቱን እዮም ከም ቁርዲድ ዝለሓጉን ዝሕብኡን። ናይ ህግደፍ ካብ ልቢ ዘይነቅልን ዘይትግበርን  ጭረሖ “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር፡ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ”  ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ዘየብሎም መንግስታት፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ኣብ ስልጣን ከቐጽሎም ከም ዝክእል ርግጸኛ ኣብ ዘይኮንሉ፡ ናብ ደገ ከመዓድዉን ኣቓልቦ ህዝቢ ንምቕያር ኣብ ዘይጉዳዮም ኢዶም ክሰዱን ባህርያዊ እዩ። ነዚ ዝምልከት ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ እንተወስድናኳ፡ ዝተፈላለዩ መንግስታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘርእይዎ ጣልቃነት ንዕዘብ።   ተመኩሮ ሳዳም ሑሴን ኣብ ኩዌት፡ ተግባር ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ፡ ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን፡ ከምኡ ከኣ ሶርያ፡ ሊቢያን የመንን ዝሓለፈኦን ዝሓልፈኦ ዘለዋን ሃለዋት ምውካስ ይከኣል።  ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ/ ትግራይ እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን። ዕምቆት ናይቲ በቶም ዓመጸኛታት  ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ህዝብታት ዝወርድ ጉድኣት ክፈላለ ይኽእል እዩ። ናይቶም ኣብ ዘይጉዳዮም ዝኣትዉ መንግስታት ተግባር ክኹነን ዝግበኦ እዩ። ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕጊ እውን ሃንደስትን ፈጸምትን ናይቲ ኢድ ኣእታውነት ክቕጽዑ ግቡእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብምስምስ ዕንደራ ናይቶም ዝዓመጹ መንግስታት፡ ናይተን ዝመርሕወን ሃገራትን ህዝበንን ናጽነትን ልኡላውነትን ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ምኽኑይን ቅቡልን ኣይኮነን።

ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ህዝቢ ኤርትራ ፈቒድዎን ወሲንዎን ዝተኻየደ ኣይኮነን። እኳ ደኣ እቲ ቀንዲ ከሳርን ተወጻዕን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ ዝተቓወሞ እዩ። ንኣብነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብዚ ዛዕባዚ ከንብሮ ዝጸንሐ ገምጋማትን ክሕዞ ዝጸንሐ ርትዓዊ መርገጻትን፡ ብ29 ጥሪ 2022 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶኡ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ጸንሐ ገበናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ውግእ ምብላሕ ኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዓቦ ብርሰትን ዕንወትን ኩኑን እዩ።”  ኢልዎ።

ሰዲህኤ ከምዚ ክብል እንከሎ ኣብ ዘይጉዳይካ ጣልቃ ምእታው ንምቅዋም ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብመሰረቱ “ውግእ መፍትሒ ናይ ዝኾነ ጸገም  ኣይኮነን ንመጻኢ እውን ኣይክኸውንን እዩ” ካብ ዝብል ፖሊሲኡ ብምንቃል እዩ። ዝያዳ ንምብራሁ ኣብ ካልእ ውሳነ መሪሕነት ሰዲህኤ “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ። …… ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ንዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን።”  ዝበሎ ምውካስ ይከኣል።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን “ከምዚ  ኮይኑ፡ ከምዚ ከጋጥም’ዩ፡ ከምዚ ተሰሚዑ” እናተባህለ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝስማዕን ዝንበብን ዘሎ ዘቕስን ኣይኮነን። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ብገለ  ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ተጋሩ፡ ህግደፍ ልኡላውነት ትግራይ ስለ ዝደፈረ፡ ድሕሪ ሕጂ “ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ውዱቕ እዩ፡ ኤርትራ ብዝኾነ ኣካል እንተ ተጠቕዐት እውን ልኡላውነታ ተደፊሩ ዘብል ኣይኮነን” ዝዓይነቱ ቅኒት ኣብ መዲያታት የንጸባርቑ ምህላዎም ዘሰክፍ እዩ። ናይዚ ስምዒት መንቀሊ፡ ኤርትራዊ ልኡላውነት ነባሪ ናይ ህዝባ መግለጺ እምበር፡ ህግደፍ ከም ድላዩ ዝጣለዓሉ ከም ዘይኮነ ዘይምርዳእ ወይ ድማ “እንዳፈለጥካ ከምዘይፈልጥካ ኰንካ ምቕራብ” እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብፍላይ ኣብ መጻኢ “ልኡላዊት ሃገረ-ትግራይ ክንተክል ኢና” ዝብል ሓሳብ ካብ ዘንጸባርቑ ወገናት ክመጽእ እንከሎ፡ ተጋራጫዊ’ውን እዩ። ስለዚ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ፡ ብጥሕሰታት ህግደፍ ኣይመሳመስን” ፡ ሰላማዊ ጉርብትናን ሕውነትን ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ገግደና ንዕመም ዝብል መልእኽቲ ክንልግሰሎም ንፈቱ።

Last modified on Wednesday, 01 June 2022 07:51