ህዝቢ ኤርትራን፡ ህግደፍን በበይኖም’ዮም!

2023-06-08 05:44:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 899 times

ኤርትራን ህዝባን፡ ዝነበሩ፡ ዘለዉን ዝቕጽሉን እዮም። ህግደፍን በሓቲ ምምሕዳሩን ግና ሎሚ ዘለዉ፣ ጽባሕ ግና ዘይህልዉ ሓለፍቲ እዮም። ናይ ነባሪ ህዝብን ሃገርን ናይ ሓላፊ መንግስታዊ ምምሕዳርን ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለምና’ውን ዘሎ ዘየቋርጽ መስርሕ እዩ። እዚ ዝምድና ናይ ህዝቢ ነባርነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣይኮነንዶ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ካብ ቀደሙ ጠላም፡ ህዝቦም ብልቦናን ቅንዕናን ዘመሓደሩ መንግስታት እውን ዘይርሳዕ ኣውንታዊ ዝናን ተመኩሮን ደኣ ይገድፉ እምበር፡ ነበርቲ ከምዘይኮኑ ዘረድእ እዩ።

ብሰንኪ ግጉይ ምምሕዳሮም፡ ካብ ህዝቦም ዝተነጸሉ፡ ኣገዲዶምን ኣርዒዶምን ክገዝኡ እንተዘይኮይኖም፡ ህዝቢ ኣዕጊቦም ከመሓድሩ ዘይተዓደሉ መንግስታት፡ ነብሶም ንምድሓንን ብስም ህዝባዊ ወገናውነት፡  ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑን ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ጉጅለ ህግደፍ ካብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምውራድ፡ ዘስመዖ መዝሙር “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ድማ ናይዚ ኣብነት እዩ። ጨቆንቲ  እንታይነቶም ንምሕባእ ንክጥዕሞም፡ ንሳቶም ብዛዕባቲ ህዝቢ ከምቲ ዝደልይዎ ክዛረቡ እምበር፡ ህዝቢ ብዛዕባኦም ክዛረብ ኣይፈቕድሉን እዮም። ናይ ህግደፍ ብዘይካተን መሳርሒኡ መድያታት፡ ብሕታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ምዕጻውን ጋዜጠኛታተን ምእሳርን ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓቂ ክሒዱ ማዕረ ኤርትራን ህዝብን ነባሪ መሲሉ ንምቕራብ ዝፈጥሮ ምድንጋራት ብዙሕ እዩ። “ኤርትራ ህግደፍ ከም ዘምጸኣን ኣብዘይህላወኡ፣ ህልውና ከም ዘየብላ” ኣምሲልካ ንምስኣላ ዝግበር ጻዕሪ፡ ካብቲ ሓደገኛ ምህዞታቱ ሓደ እዩ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ተግባሩ  ንምንኣድ “ኣንታ ንበረልና”  ብዝብል ዜማ ክስነ እንከሎ ከኣ ንብዙሓት ዘገርም እዩ። በዚ ግጉይን ዘይንቡርን ኣረዳድኣ ዝዓወኑ ወገናት ከኣ፡ “ንህግደፍ ምቅዋም ከም ንኤርትራ ምቅዋም፡ ንህግደፍ ምድጋፍ ከኣ ከም ንድሕነትን ህልውናን ኤርትራ ምጥባቕ”  ዝብል ተረድኦ የሕድሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንህግደፍ ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዝቃወሙን ንምውጋዱ ዝቃለሱን ወገናት “ሃገሮም ዝኸሓዱ” ዝብል ዘይምልከቶም ኮር ተገልበጥ፡  ስም ክዋሃቦም እንከሎ ድማ ዘተዓዛዝብ እዩ። እዞም ብዛዕባ ዝምድና ህዝብን ህግደፍን ግጉይ ኣረዳድኣ ዘኮማስዑ ወገናት፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ስርዓት ፈሊኻ ምርዳእ ዝሰኣኑ፡ ወይ ድማ እናፈለጡ ኩለንተናኦም ንህግደፍ ኣረኪቦም ዕርቃኖም ዝወጹ እዮም። እቲ ሓቂ ግና፡ እቶም ንህግደፍ ዘምልኹ እዮም ንህዝቦምን ሃገሮምን ጠሊሞም  ግዳይቲ መላኺ ጉጅለ ኮይኖም ዘለዉ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ፈታውን ጸላእን ዘይክሕዶ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት፡ “ህዝብን ሃገርን ምስ ህግደፍን ሓደ እዮም” ዘብል ዘይኮነ ብኣንጻሩ እዩ። ህዝቢ ምስ መንግስቲ ሓደ ኣይኮነን ዝብል ተረድኦ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን፡ ኣብቶም ሕቶ ህዝቦም ብዝግባእ ዝመለሱ መንግስታት እውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህዝብን ሃገርን ነበርቲ እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም” ዝብል መደምደምታ ኣድማሳዊ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ኣብ ኤርትራ በጺሑ እቲ ስነመጐት ክቕየር እሞ፡ ህግደፍ ማዕረ ህዝቢ ነባሪ ክኸውን ምሕላም ግና፡ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ዝሓስቦ ኣይኮነን።

ህግደፍ በብግዜኡ ዝፈጥሮም መድረኻት ኣለውዎ። መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ካብቲ መድረኻት እዩ። እዚ መድረኽ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ስለ ዝኾነ፡ ብትሕዝቶኡ ኤርትራዊ መድረኽ እዩ። ህግደፍ ግና ኣቕጣጫኡ ኣስሒቱ ህግደፋዊ ፖለቲካውን ገንዘባውን ረብሓ ናብ ዝሓፍሰሉን መንነቱ ዘመላኻዓሉን ኩርናዕ እዩ ዝወስዶ። እቲ ኣብ ምድላዉ ዝፈስስ ጉልበትን ገንዘብን ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ  ገበነኛ ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ እዩ። እንተ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብምጽብባቕ  ግናይ ምስሊ ህግደፍ ዝምለስ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብቲ በዓላት ዝሳተፉ፡ እቶም ምእማኑ ክሳብ ዘጸግም ዝቖጻጸዩን ብዘይጭበጥ ተስፋ ዝዓብዱን ዘገርሙ እዮም። እቲ ዕብዳኖም ምስቲ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ዝበሃል ዝመሳሰል ብፖለቲካዊ ሕሳብ ዘይተሰነየ  ዕንደራ እዩ።

ኤርትራውያን ናጽነት፡  ዋጋ መስዋእቶም ስለ ዝኾነ፡ ክዝክርዎ ግቡእ እዩ። እንተኾነ  እቲ ዝኽሪ ኣብቲ ህግደፍ ዝተኽሎ ጓይላ ዝትግበር ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ግና ብገለ ዘይተረድኡ ወይ ተረዲኦም ክንሶም ዘይተረድኡ መሲሎም ክቐርቡ ዝወሰኑ፡  “ናብ ጓይላ ህግደፍ ዘይምኻድ ከም ንሃገርን ህዝብን ምኽሓድ” ገይሮም ዝርድእዎ ምዃኖም እዩ። ገለ ንህግደፍ ክቃወሙ ዝጸንሑ ሓሳቦም ምስቀየሩ ጓይላ ናይቲ ጉጅለ  ስለ ዘድመቑ፡ “ናብ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተመልሱ” ዝብል መደዓዓሲ ቅጽል ይወሃቦም።

መገሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ናብ ቻይና፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ሃገራትን፡ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከም ዝውዕል ኣምሲልካ ምቕራብ ካልእ ሓድሽ መደንዘዚ ኣጋጣሚታት እዩ። እዚ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ካብ ዘይምርዳእን ኣብ ሃገሩ ዘየድመዐ ጉጅለ ኣብ መገሻ ከድምዕ ካብ ምጽባይን ዝነቅል እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ምሕላው ኩሉ መሰላት፡ ብድምጹ ዘደይቦ ብድምጹ ዘውርዶ መራሕነት……..ወዘተ ምውናን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ድማ ብቓልሲ እምበር፣ ኣጋጣሚታት ፈጢርካ ካብ ዝትከል ጓይላ ዝሕፈስ ወይ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሸቐጥ ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ህግደፍ ኣበሳኡ ንምሕባእን ስምዒት ግሩሃት ንምስላብን ዝጥቀመሉ፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላም ናይዚ ዞባ እያ”  ዝብል ሸፈጥ እዩ። ነዚ ንምግናን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ቅድሚ ምማቱ “ኣብ ዓላም ዘተኣማምን ሰላም ዘለዋ ሃገር ኤርትራ ጥራይ እያ” ብምባሉ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ንሰላም ብመንጽር ድምጺ ጥይት ብምስማዕን ዘይምስማዕን ጥራይ፡ ካብ ምምዛን ዝነቅል ዘይዕቱብ ኣረዳድኣ እዩ።  እንተ ግደ ሓቂ፡ እቲ ካልእ ኣበሳ ገዲፍካ፡ “ደቃ ኣብ ዘይጉዳዮም ውግእ ኣትዮም ዝውዱኡላን ብዓለም ደረጃ ብወራርን ገበንን ዝኽሰሱላን፡ መንእሰያታ ገሊኦም ሃጽ ኢሎም ዝስደዱላ ገሊኦም ድማ ካብ መንግስታዊ ግፋ ንኽሃድሙ ምስ ኣህባይ ኣብ በዓትታት ዝሰፍሩላ፡ ኣባላት ሓደ ስድራ ቤት ምትእምማን ስኢኖም፡ ናይ ልቦም ዘይዘራረቡላ” ኤርትራስ ኣብ ሰላም ኣላ ምባል፡ ነብስኻ ምዕሻው እዩ። ደሓር ናይ ካልኦት ሰላም ክትዘርግ እንከለኻ፡ “እቲ ሓደ ንዓኣቶም እቲ ሓደ ድማ ንዓኻ ክልተ ጐዳጉዲ ኩዓት” ደይኮነን ዝበሃል። ወዮ “እንተ ክትድቕስ ጐረቤትካይ ይደቅስ” ዝበሃል ተረካብ ዘረባ ወለድናኸ ተረሲዑ ማለት ድዩ።  ስለዚ “ህዝቢ ኤርትራን ህግድፍን ሓደ ኣይኮኑን” ካብ በልና፡ ካብቲ ህግደፍ ንህልውናኡ ክብል ዝኹዕቶ ህጉም ንጠንቀቕ ጥራሕ ዘይክነ ዕድመኡ ከነሕጽሮ  እዩ ዝግበኣና።

Last modified on Thursday, 08 June 2023 07:47