ቃልስና ምቅብባል ሕድሪ ወለዶታት’ዩ

2023-04-29 08:39:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 800 times

ቃልሲ፡ ነዊሕ መስርሕ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቶም ዝጀመርዎ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝዓለምዎ ሸቶ ዘይከብጽሕዎ ይኽእሉ። በዚ መሰረት ነቲ መስርሕ መንእሰይ ወለዶ ይርከቦ እሞ፡ የቕጽሎ። እቲ መስርሕ ካብ ሓደ ንኡስ ምዕራፍ ናብ ካልእ እንዳተሰጋገረ ኣብ ሓደ እዋን ናብቲ ክጅመር እንከሎ ዝተኣመሞ ድሙቕ ዓወት ይበጽሕ። እንተኾነ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ዓወት ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ንተወሳኺ ዓወት መልክዓቱ እንዳቐየረ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ግምት እንዳእተወ፡  ክቕጽል ባህርያዊ እዩ። እዚ መስርሕ ምቅብባል ቃልሲ ወለዶታት ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ እዩ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ  እዩ።

ቃልሲ ኣብቲ ዝምዝገብ ዓወት ረብሓ ዘለዎም ብሓንሳብ  ኣብ ሓደ ግዜ ዝሳተፍዎ ኣይኮነን። ብብዙሕ ነናይ ገዛእ ርእሶም ምኽንያታት፡ ሓደ እንዳቐደመ እቲ ካልእ እንዳሰዓበ እዩ እቲ መስርሕ ተሳትፎ ዝቕጽል። እዚ ናይ ቃልሲ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት ሕብረተሰብ እውን በዚ መስርሕ’ዩ ዝረጋገጽ። ሓደ ኣካል  ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍ እንከሎ፡ እቲ ቃልሲ ሽዑ ዝጅምሮ ዘይኮነ፡ ተሳትፎኡ  መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ቃልስን ውጽኢቱን ምዃኑ ክእመን ናይ ግድን እዩ።

ኣብቲ ቃልሲ ዝጽንበር፡ ካብቲ ዝተሳተፈሉ ጀሚሩ ብዘርእዮ ትጉህ ተሳትፎ፡ ነቲ ኣወንታ ዝያዳ ከሕይሎን ከማዕብሎን፡ ነቲ ኣሉታን ምስ ግዜ ዘይከይድን ድማ   ምስቲ ሕድሽን ዝማዕበለን መድረኽ ንምጥዕዓም ብሃናጺ ሓሳብ ከጐልብቶ እንከሎ ቅቡል እዩ።  ቅድሜኻ ንዝተኻየደ ቃልሲ እናከሓድካ “ኣነ እየ ነዚ ቃልሲ  ጀሚረዮ” ምባል ግና፡ ሰንሰለታዊ ተመላላኢ ባህሪ  ቃልሲ ወለዶታት ዝበትኽን ኣብ ምጅማር ዘንብርን ስለ ዝኾነ ኣዐዋቲ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ መብዛሕትኡ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝረአ ምዃኑ ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ናይ ምስላፍ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እንተኾነ፡ “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” ከም ዝበሃል፡ መንእሰይ ወለዶ ናብ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክመጽእ እዩ ዝብል ተስፋን ትጽቢትንን ዕጽዊ ኣይኮነን።

ተመኩሮና ክንዕዘብ እንከለና፡ ኣብቲ ነባር ቃልሲ ዘይነበረ ኣተሓሳስባን ሜላ ቃልስን፡ በቲ ሓድሽ ወለዶ ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ መንእሰይ፡ “ከምዚ ዓይነት ጠቓሚ ምስ ህልዊ ኩነታት ዝመጣጠን ኣበርክቶ ኣተኣታትየ ኣለኹ”  እንተ እንተበለ ጌጋ ኣይኮነን። በቲ ሕድሪ ዘረክብ ወለዶ’ውን ክምጐስን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ። ብመሰረቱ እውን ከምዚ ዓይነት ትግሃትን ተበግሶን ካብቲ ተረኪቡ ከቐጽል ሓላፍነትን ሕድርን ዝቕበል፡ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ እዩ። ነቲ ቅድሜኻ ዝተኻየደ፡ ንዓኻ እውን እምነ-መሰረት ዘንበረልካ ናይ ቀዳሞት ውርሻ ምኽሓድን ንዓኣቶም ምንእኣስን ግና ነቲ ዝኽሕድ ኮነ፡ ነቲ ቃልሲ ኣብ ኮለል ዘንበርን ግዳይ ህግደፍ ንክኸውን ዕድል ዝኸፍትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ናትካ ኣስተዋጸኦ ከየርኣኻ፡ ንናይ ካልኦት ኣበርክቶ ምንእኣስ ከም ቃልሲ ምውሳድ ከኣ ካልእ ሓደጋ እዩ።

ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ዋሕዚ ተሳተፎ ወትሩ ቀጻሊኳ እንተኾነ፡ ውሱናት ነቲ ተሳትፎ ብፍላይ ዘንህርዎ መድረኻት ክረኣዩ ጸኒሖም እዮም። ስውራ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ መድረኽ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልሲ ክሰጋገር እንከሎ፡ ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ህዝብና ብህግደፍ ምስተጠልመ፡ ኣብ  መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ተዛዚሙ፡ ብዙሓት ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ተኣሰሩ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ2018 ምስ ኣብይ ኣሕመድ ብዝፈጠሮ ዘይግሉጽን ዘይንጹርን ዝምድና ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓስ ምስተራእየ…… ወዘተ ፍልይ ዝበለ ተሳትፎ ናብ ቃልሲ ዘኸተሉ ተርእዮታት እዮም።

ስለዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ይፈቶ ይጸላእ፡ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ናጽነት እውን ከይተረፈ፡ ኣካይዳ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ናጽነት ሓደገኛ ከምዝኸውን ብዝሓደሮም ስግኣት፡ ምእንቲ መጻኢ ውሑስ ሰላም፡ ምዕቡል ቁጠባን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ክኸውን ብዝእምት ዝጀመረ እምበር፡ ሓድሽን ፍሉይ ጉጅለ ዘንቀዶን ኣይኮነን። ነዚ ሓቂዚ ደፊንካ፡ እቲ ቃልሲ ካብቲ ንስኻ ድሕሪ 10ታት ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዝተሳተፍካሉ ግዜ ዝጀመረን ንነብስኻ ድማ ከም እንኮ ጀማሪ  ኣምሲልካ  ምቕራብን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ “ጌጋ እዩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሎሚ ካብ ቅድሚ ትማሊ፡ ትማልን ጽባሕን ቆሪጽካ ከተንጠልጥሎ ከም ምፍታን ዝውሰድ እዩ። ብግብራዊ መርተዖ ብዝተሰነየ፡ ነቲ ቃልሲ ንሕና መንእሰያት ምስ ተሳተፍናዮ፡ ኣሕይልናዮን ኣበሪኽናዮን ንምባል እንተዝኸውን ቅቡል ምኾነ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ገለገለ ወግናት ከምኡ ንርኢ ከምዘየለና  ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ መዓስ ኣብቲ ቃልሲ ተሰሊፍካን ኣበየናይ ናይ ዕድመ ደረጃ ኣለኻን ዘይኮነ ክሳብ ክንደይ ናብ ምዕቡል ቃልስን ዓወትን ዘሰጋገር ኣተሓሳስባ ይውንን እዩ  እቲ ልቦና።

ኣብቲ መስርሕ ምስግጋር፡ “ግዜን ኩነታትን” ብዝብል ሸፈጥ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክወርዱ ዘይብሎም ብኹሉ ወለዶታት ክረዓሙ ካብ ዝግበኦም ሓደ፡ ክብሪ ናይቶም ኣብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብንጽህና ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ምዕቃብ እዩ። እቲ ዝሓለፍዎ መስርሕ’ውን ጉዕዞ ፍትሓዊ ቃልሲ እምበር፡ ካልእ ኣነዋሪ ስም ዝወሃቦ ከምዘይኮነ፡  ተኣሚንካ ተዓቂቡ ክሰጋገር ዝግበኦ ውርሻ እዩ። ነዚ ዘይርዕም ግጉይ ኣተሓሳስባ፡ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ የለን ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ዝወስድ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ናጽነት  ገዛእቲ ብዘይዋጋ ፈትዮም ዝመጠዉልና ህያብ እያ፡ ናብ ዝብል ሓደገኛ ኣቕጣጫ ዘምርሕ መንገዲ’ውን እዩ።

ምናልባት ንገለ ወገናት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስዉኣትን መስርሕ ቃልሶምን ዘራኽስ ግጉይ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ዝወስድ ዘሎ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዝተራእየን ጌና ቀጻሊ  ዘሎን ሕሰም ከም ዝኸውን ይግመት። እቲ ሓቂ ግና ኤርትራ ኣብዚ ወዲቓቶ ዘላ ዓዘቕቲ ዝወደቐት፡ እቲ መስዋእትነት “ተራ ሞት” እቲ መስርሕ ቃልሲ ድማ “ሽፍትነት” ስለ ዝነበረ ፈጺሙ ኣይኮነን።

 እቲ ሓቀኛ ጠንቂ፡ ናይቶም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ሕድሪ በቶም ህሉዋት ኤርትራውያን ስለ ዘይተተግበረ ዝሰዓበ እዩ። ሰማእታት ንኤርትራ ዝኸበረ ዋጋ ከፊለሙላ ከብቅዑ፡ ብኸምዚ  ሓሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝስማዕ ክከሓዱ እንከለዉ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻሲ ክልተሻብ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ በቲ ሓደ ወገን በቶም ተካእቶም ክኾኑ ዝግበኦም መንእሰያት ስሞም ክድወን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሕድሮም ብህግደፍ ክጥለም እንከሎ፡ ዘሕዝን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ከኣ እዞም ንኤርትራዊ ሓርበኝነት እናጠለሙ፡ ናይ ካልኦት መስዋእቲ ከጸባብቑ ዝመጣጠሩ ምዃኖም እዩ።

Last modified on Saturday, 29 April 2023 10:53