ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንሓደገኛነት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝምልከት ክንሰምዖን ክነንብቦን ዝጸናሕና ሎሚ ብተግባር ንርእዮ ኣለና ኢሉ። ንሱ ነዚ ዝገለጸ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰዲህኤ ዝጽዋዕ ወርሓዊ መደብ ፓልቶክ ዕዱም ጋሻ ኮይኑ ብ24 ሕዳር 2018 “ተራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምብላሕ ብደሆታትና’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ እዩ።

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ እዋንዚ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ገለን ነቲ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ሓደገኛ ሳዕቤን ስለ ዘይተረድኡ፡ ገለን ከኣ እቲ ሓደገኛ ጉዕዞ እንዳተረድኦም ብውልቃዊ ሕሳባት ተሻቢቦም ደድሕሪ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝጐዓዙ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። ብኣንጻሩ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ክበሃል ብዝኽእል ኣንጻር’ዚ ኢሳይያስ መሪጽዎ ዘሎ ሓደገኛ ጉዕዞ ምዃኑ ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ኢሳይያስ ነቲ መልክዕናን ምንጪ ሓይልናን ዝኾነ ብዙሕነትና ብሓደገኛ ጥበብን ሰላሕታዊ ኣገባብን ከም መፈላለዪ ኣባሊሑ ከም መዳኸሚ ኤርትራን ኤርትራውነትን ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሐን ሕጂ እውን በዚ ግጉይ መንገዲኢ ይቕጽል ከም ዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ወልደየሱስ፡ ሃስያታቱ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ኮነ ምስ ጐረቤት ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን መልክዑ ዝሓለወ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሰረተ ዝምድና ከይህልወና ክዕንቅፍ ከም ዝጸነሐ ናይ ገዛእ ርኡሱ ሃብታም ተመኩሮ ብምድህሳ ኣስፊሑ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ኢሳይያስ ነቲ ደሓን ዝነበረ ኤርትራዊ መንነትን ልኡላውነትን ግዜ እንዳሓለወ በብቑሩብ እንዳሸራረፈ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ሓደገኛ ደረጃ ምብጽሑ ዝተገልጸሉ ኣኼባ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ቃልሲ ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ ንኹልና ፈተውቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራውያን ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘሕደረልናን ከቢድ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ከም ዘሰክመናን ኣብዚ ኣኼባ ተንጸባሪቑ። ብዙሓት ጸሓፍትን ተመራመርትን ኤርትራውያን ከም ዘረጋገጽዎ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንውድብ ጥራይ ዘይኮነ ንሃገርን ህዝብን እውን ከም ናይ ውልቁ ንብረት ቆጺሩ ክጣላዕ ድሕር ዘይብል ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸ ብኣብነታዊ ተመኩሮታት ተሰንዩ ቀሪቡ። ኣብ ቅድሜና ሓያል ብደሆ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ወልደየሱስ ቂም፡ መላኽነትን ክሕደትን ዲክታቶር ኢሳይያስ ካብ ቀደም ጀሚሩ ናይ ውልቁ እምበር ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋደልትን ከምዘይውክል ብንጹር ኣስፊሩ።

“ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳይያስ ይፈትዎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል፡ ኢሳይያስ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይፈትዎ ብተግባር ክረአ ጸኒሑ እዩ” ምስበለ ኣቶ ወልደየሱስ፡ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይፈቱ፡ ምስ ጓና ኮይንካ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ብምድኻም፡ ንህዝቢ ኣጓኒኻ ውልቃዊ ውሳነታት ብምውሳን፡ ከረጋግጾ ጸኒሑ ሕጂ ብዝገደዶ መልክዕ ብቕሉዕ ኣገባብ ይቕጽሎ ኣሎ ኢሉ።

ድሕሪቲ ሰፊሕ መግለጺ ብተሳተፍቲ፡ ካብ ቀደም ንኢሳይያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ነባራት ስለምንታይ ብዓንተቦ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምሕባሮም፡ ኢሳይያስ እዚ ኩሉ ጸይቂ ንክፍጽም ዝሓገዞ ኣጋጣምታት፡ ንጽልዋ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ከባቢና ኣብ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ዝምልከቱ ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም ግቡእ መብርሂ ተዋህብዎም። ብዘይካዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ዝሓለፈ ጉዳያት ምዝርዛር ዘይኮነ መጻኢኸ እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል  ብዙሓት “ኢሳይያስ ከይተወገደ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ኣይረጋገጽን” ዝመልእኽቶም ሃነጽቲ ሓሳባት ብምቕራብ ኣኼባ ተዛዚሙ።

Thursday, 22 November 2018 20:49

نعي اليم

Written by

توفى المناضل / ادم حامد سالم  يوم 20 / 11 / 2018م في مستشقى كسلا  بعد معانات  وصراع  طويل  مع المرض ولد المرحوم عام 1956 في مدينة هيكوتة  باقليم القاش  التحق المناضل / ادم بجبهة التحرير الارترية عام 1978 وعندما  كان يؤدي  دوره  النضالي  تعرض لاصابة  ادى لاعاقته  وظل تحت رعاية التنظيم ( الحزب ) ورغم اعاقته كان  ملتزما  يؤدي  واجبه  حتى تاريخ وفاته .

اللهم أرحمه برحمة واسعة ويلهم أهله وزويه بالصبر وحسن العزاء.

ተጋዳላይ ኣደም መሓመድ ሳልም፡ ኣባል ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ከሰላ፡ ብምኽንያት ሕማም ብ20 ሕዳር 2018 ተሰዊኡ።

ስውእ ኣደም መሓመድ ሳልም፡ ብ1958 ዓ.ም ኣብ ሃይኮታ ተወሊዱ። ብ1978 ዓ.ም ድማ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ። ኣብ 1980 ኣብ ውግእ ድሕሪ ምስንካሉ፡ ኣብ’ቲ ብተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰዲህኤ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ ዝመሓደር ዘሎ መእለይ ኣካለ ጽጉማን ተዓቝቡ ጸኒሑ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንስውእ ኣደም መሓመድ ሳልም፡ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ ድማ ጽንዓቱን ምሕረቱን የውርደሎም እናበልና፡ ብስም ሰዲህኤ ብስም ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ።

1.   ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

2.   ሰዲህኤ

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዕለት 24 11 2018 ካብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ዝጅምር ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብምድላው ንኹሉ ግዱስ ሃገራዊ ዜጋ ብኽብሪ ይዕድም። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ላዕለዎት ካድራት ናይቲ ሰልፊ ዝኾነ ኣቶ ሹማይ በርሀን ብሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ናይቲ ሰልፊ ኣቶ መድሃኔ ሃብተዝግን ነዚ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዕን ኣካይዳ ስርዓት ኣስመራን ከም ኣሉታዊ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራዊ ድያስጶራ ዓንቀፍቲ ዝምባሌታትን ብዝምልከት ዝትንትን ሰፊሕ ኣስተምህሮ  ድሕሪ ምሃብ፣ ዝያዳ ግዜ ግን ንተሳትፎ ኣኼባኛታት ክወሃብ እዩ።

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ FURUSET SENTER እዩ።

ብደሓን ምጹ!!!

ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፣ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ! 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዒራቕን ኣብ ዝለኣኾ መዘክር ፡ ኣብ ከተማ ባግዳድ ናይ ዘለዉ ውሑዳት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ሰነድ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ስጉምቲ ንክወስዱ ሓቲቱ።

እቲ ናይ 15 ሕዳር 2018 መዘክር ሰዲህኤ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ ሞሓመድ ኣልሓኪምን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲን እዩ ተላኢኹ። ብዘይካዚ ቅዳሕ ናይቲ መልእኽቲ ኣብ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ናብ ዝምልከቶም ሓገዝቲ ኣካላት እውን ተላኢኹ። ሰዲህኤ ኣብዚ መልእኽቱ ካብ ከተማ ባግዳድ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋንዚ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ዒራቕ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሰነዳቶም ምሕዳስ ስለ ዝደንጐዮም፡ እሞ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ዒራቕ ናይ ስደተኛ መሰሎም ንክሕሎ ሰነዳቶም ግድን ክሕደስ ኣለዎ ይብልዎም ስለ ዘለዉ ኣብ ጸገም ከም ዝወደቑ ኣስፊሩ።

እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ነባራት ተቓለስቲ ናጽነት ኮይኖም፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዘይከኣሉ እዮም። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ንዘይምሕዳስ ሰነዳቶም ዝህቦ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ኩነታት ስለ ዝተቐየረ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል እዩ።

መዘክር ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ለውጢ ከምዘየብሉ ኣትሪሩ ገሊጹ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን መንግስቲ ዒራቕን ነቲ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ጉዳይ ሰነድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግቡእ ክሕዝዎ ተማሕጺኑ።

In a memorandum sent to the UNHCR chief and to the Foreign Minister of Iraq, the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) requested for an urgent attention and action to solve the documentation problems of the small Eritrean community in Baghdad.

The EPDP memorandum, dated 15 November, was addressed both to Iraqi Foreign Minister Mohammed Alhakim and to UNHCR High Commissioner Filippo Grandi, with copies to his legal protection aides. In it, the EPDP noted that, according to information it obtained from Baghdad, long-time resident Eritreans are currently facing documentation problems because the local UNHCR office delayed to renew their expired papers while Iraqi authorities are asking for renewed refugee documents in order to let them have refugee status in the country.

The Eritrean refugees, most of them veterans of the liberation struggle who could not return home after 1991, say that the UNHCR office in Iraq is not renewing their refugee documents alleging that “the situation is changing in Eritrea” and that they “may go home soon.”

The EPDP memo stressed that the situation in Eritrea is not changing and strongly appealed to the UNHCR and the Government of Iraq to address the documentation problems being faced by the old caseload of Eritrean refugees in Iraq.

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ ናይዚ ቅንያት መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ኩልና ክንከታተሎ ዝጸናሕና እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ክውስን እንከሎን፡ ደሓር እውን በብግዜኡ ከሕድሶን ከመሓይሽን እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝጸንሐ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ሕጂ እውን መመሊሱ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ናይቶም ነቲ እገዳ ዝወሰኑ ልዕለ ሓያላን ክብርን ልዕልናን እዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ኰነታት ዘይቋምት እገዳ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ክንድቲ ዝድለ ሓጋዚ ኣይነበረን።

እቲ እገዳ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዝወሰኖ ኣካል ነቲ ውሳነኡ ተኸታቲሉ ከተግብሮ ዘይምኽኣሉ ከኣ ካልእ ነቲ እገዳ ትርጉም ዘስኣኖ ነይሩ። ብዛዕባዚ እገዳ ክለዓል እንከሎ ኣብ ኤርትራውያን ኣካታዒ ዝነበረ፡ እቲ እገዳ ንህዝቢ ይጐድእዶ ኣይጐድእን ዝብል ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ወዮደኣ ከምቲ ዝተዓዘብናዮ ኣይተተግበረን እምበር ብንጹር ኣብ ውሱናት ሓለፍቲ ህግደፍን ምንቅስቓስ ንብረቶምን ዘነጻጸረ ስለ ዝነበረ፡ ንህግደፍ ዝቐጽዕ እምበር ንህዝቢ ዝብድል ኣይነበረን። ህግደፍ ግና ኣብቲ ካልእ ጉዳይ ነቲ ህዝቢ “ኣነ ኣለኹልካ” ዘይበሎ፡ ኣብዚ እገዳ በጺሑ “በደለይ በደልካ እዩ” እንዳበለ ክመጻደቕ ከም ዝጸንሐ ዝተኸታተልናዮ እዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክጐድኦ ዝጸንሓን ዝጐድኦ ዘሎን እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ በይንዎ ዘሎ፡ ከቢድን ንኩሉ መዳያት ህይወቱ ሓላሊኽዎ ዘሎ ዘቤታዊ እገዳ እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይዚ ትካልን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ግቡእ ግምት ኣይሃብዎን። ባዕሉ ዝመዘዞ መርማሪ ኣካል ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ በብግዜኡ ከቕርቦ ንዝጸንሐ ጸብጻባትን ናይ ስጉምቲ ሓሳባትን ዝሃቦ ክብደትን ዝወሰዶ ውሳነን ዘይምህላዉ ከም ናይ ሸለልትነቱ ኣብነት ዝውሰድ እዩ። እዚ ከኣ ኤርትራውያን ጉዳይና ከም ቀደምና ባዕልና እንሕዞ እምበር ካብ ካልእ ኣካል ዘይንጽበየሉ ምዃኑ ዘገንዝብ እዩ። ምኽንያቱ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ስማዊ እገዳ ዝበለ እንተበለ፡ ኩሉቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ደበና ኣብ ቦታኡ ስለ ዘሎ። እቲ ዘገድስ መን እንታይ ኢሉ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ባይታ ዝንበብ ዘሎ ኩነታት ምርኣይን ምድህሳስን እዩ።

ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት እገዳ ይውሰን እዩ። ምስ ናይ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ዝኸበደ እገዳታት’ውን ይውሰን። ምስዚ ኩሉ እቶም እገዳ ዝተወሰኖም መንግስታት ብዛዕባቲ እገዳ ኣብ ምቑዛም ከይተወሰኑ ብዘለዎም ዓቕሚ ናይ ህዝቦም ሕቶ ክምልሱ ይጽዕሩ። ጉጅለ ህግደፍ ዝመረጾ ግና ኣብቲ ስማዊ እገዳ ተሓቢእካ ምስቲ እገዳ ዝምድና ዘየብሉም ጉዳያት እንዳዘርዘርካ ምቑዛም እዩ። ብዘይካዚ ብዘይግቡእ ኣብ ልዕለይ ዘይምኽኑይ እገዳ ተወሲኑ እንዳበለ፡ እቲ ሕሱም ጉጅለ ብግዲኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሲንዎ ዝጸንሐ ሕጂ እውን ዘይተላዕለ ህግደፋዊ እገዳ ክሳብ ክንደይ ንህይወት ህዝብና ከም ዝሓላለኾ እንዳ ኩሉ ኤርትራ ዘሎ ስለ ዝኾነ ምዝርዛሩ ኣድላይ ኣይኮነን። ህግደፍ ንእገዳ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዘቕልብ ደገደገ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ምእንቲ ክቋየቕ ከም ሜላ ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ንእገዳ’ውን ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ንዝነበረ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ሃዋህው ከም መህደሚ ካብ ሕቶ ህዝቢ ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። ጉዳይ ሕገመንግስቲ፡ ጉዳይ ምርጫ፡ ጉዳይ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ጉዳይ ፍልሰት መንእሰያት፡ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ጉዳይ ልዕልና ሕግን፡ ጉዳይ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትን ዝኣመሰሉ ክለዓሉ እንከለዉ፡ ንዝምድና ምስ ኢትዮጵያን ንእገዳን እንዳቐያየረ ክሕበኣሎም ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት እቲ ኩነታት ምስተቐየረ፡ ካብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳይ ንምህዳም ዘርኣዮ ህድማን ሸታሕታሕን ተዓዚብናዮ ኣለና። እዚ ህድማ ዘገርም’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ተበላጺ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ዘይተጸበናዮ ግና ኣይኮነን። ሕጂ ከኣ እነሆ እታ ናብ ኤርትራዊ ጉዳይ ከየድህብ ክሕበኣላ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ዕርዲ እገዳ ፈሪሳ ኣላ። ደጊም ምኽንያታቱ ሰለ ዝተወደአ ህግደፍ ናብ ዜቤታዊ ጉዳያት ክኣቱ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካልእ መመሳመሲ ምኽንያት ከም ዝምህዝ ግና ዝግመት እዩ።

ብመንጽር እዚ ኩነታት፡ መንገዲ ህግደፍ በቲ ዝገመትናዮ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ሓንሳብ ኣብ ናይ ጸረ ህዝቢ ናይ ኣተሓሳስባ ጫካ ስለ ዝሰፈረ፡ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዚ ንርእዮ ዘለና ዋላ ብግጉይን ዘይውሑስን ኣተሓሕዛ እዚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ እንተሓዘ፡ ጉዳይ እገዳ እውን እንተተላዕለ ንህዝቢ ዝርህርህ ሕልናን ዓቕምን ከምዘይህልዎ ክንግንዘብ ይግበኣና። እዚ ማለት ከኣ ካብ ቃልስና እምበር፡ ካብ ህግደፍ ዝምጽወት ፍታሕ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጉጅለ በዚ ተኸፊቱሉ ዘሎ መዓጹ ካብ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ተዓኹሊልካ ምውዓል ወጺኡ ኤርትራዊ ዛዕባ ዕሽሽ ኢሉ ዝዓበየ ዞባዊ ቅጫ ከናዲ ደድሕሪ ጉዳዮም ዝወገኑ መራሕቲ ሃገራት ሃተምተም ክብል እምበር ናብ ኤርትራዊ ጉዳይ ከቕልብ ከምዘይኮነ ይነግረና ኣሎ። ብፍላይ እቶም ህግደፍ ነብሱ ንከድሕን በብግዜኡ ንዝስነዖም ምኽንያታት ክትምርቕሉን ከተቃልሕሉን ዝጸናሕኩም ወገናትና፡ ዝያዳ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኤርትራን ህዝባን ከም ዝቐርብኹም ተረዲእኩም “ክሳብ እተኣምን ኪድ ካብ ዘተኣምን ተመለስ” ከም ዝበሃል “ደጊም ኣይምስኻን” ክትብልዎ ንምሕጸነኩም። እቶም ካብ ቀደም ለውጢ ክንሓትትን ምእንታኡ ክንቃለስን ዝጸናሕና ከኣ እዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ንጉጅለ ህደፍ ዘጻብበሉን ዘቃለዖን፡ ንዓና ከኣ ሓጋዚ ምዃኑ ተረዲእና ከይሰልከና ንቕድሚት ክንደፍእ ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

 ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይና፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ክለዓል እንከሎ፡ እቶም ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኰለንተናና ኣዛራቢ እዩ እንተተባህለ’ውን ምግናን ኣይኮነን። እዚ ኣተሃላልዋና ርጉእ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ። ወረ ሃለዋትና ዘይርጉእ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ገሌና ኤርትራውያን ክንድቲ ክንሻቐሎ ዝግበና ንሻቐል ዘይምህላውና ከኣ ዘተዓዛዝብ እዩ። እዚ ከምቲ “መነባብሮ እንተ ኢልካዮ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝበሃል፡ ነዚ ዘለናዮ ሃለዋት ኣብ ክንዲ ክንቅይሮ ንቃለስ ለሚድናዮን ርዒምናዮን ከይነራጥጥ እውን ዘየሰክፍ ኣይኮነን።

ተመኩሮና ከም ዝሕብሮ ጉጅለ ህግደፍ ካብዞም ኣዛረብቲ ዛዕባታት ከከም ግዜኡ እንዳመረጸ በብታራ ኣብ ሓዲኦም ተሓቢኡ ክነብርዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን። ከከም ዘዋጽኦ ንሓንሳብ ጉዳይ ወጥሪ ምስ ኢትዮጵያ፡ ንሓንሳብ ኢድ ኣእታውነት ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ንሓንሳብ ድማ እገዳ (ማዕቀብ) እንዳቐያየረ ይሕበኣሎም። ቀንዲ ጸገሙ እዞም ዝተጠቕሱ ዘይመሰረታዊ ግዳማዊ መሕቢእታት ዘይኮኑስ ዘቤታዊ ስንፍናኡ ምዃኑ ከተልዕለለኡ እንከለኻ ግና ርእሱ ይሓምም። ኮታ ከምኡ ዝገብር ከምቲ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ዝበሃል ብዛዕባ ካለኦት እምበር ብዛዕባኡ ዘዛርብ፡ ትዕግስቲ፡ ትብዓትን ግሉጽነትን ስለ ዘይነበሮን፡ ዘየብሉን ንመጻኢ እውን ስለ ዘይህልዎን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስቲ ብጉዳይ እገዳ ክራገሞ ዝጸንሐ ምምሕዳር ኣሜሪካ ከም ዝተዓርቀ ነጊሩና ኣሎ። ነቲ ብዜጋታቱ ዘይተፈትወ ምምሕዳር ሮናልድ ትራምፕ ከኣ ናይቶ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ጌጋታት ንምእራም ዝቃለስ ዘሎ ክብል ንኢድዎ። ኣብ መስርሕ ምዕራይ ጌጋታት ምምሕዳር ኣሚሪካ ምስ ትራምፕ ከም ዝተሓጋገዝ ከኣ ኣተንቢሁልና። እዚ ጉዳይ ዘገርምን “ኣበይ ኣለኻ ዘይበልዎስ ኣብዚ ኣለኹ ይብል” ዘብልን እዩ። ጉዳይ’ቲ ዓንቂፉኒ ክብሎ ዝጸነሐ ዝምድና ምስ ሕወሓት ከኣ “ጸወታ ተወዲኡ” ብዝብል ቃና ገሊጽዎ ሓሊፉ። እቲ ሓቂ ከምኡ ድዩ ኣይኮነን ኢሳይያስ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ውድዕነት ዝውስኖ እዩ። ዲክታተር ኢሳይያስ ግና ቅድሚ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ናይ ካለኦት ጸወታ ብዛዕባ’ቲ ዝምረሓሉ ሕጊ ዘየብሉ ጸወታኡ እንተዝዛረብ መምሓረሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ መጣልዒ ዛዕባታት፡ ይቀበሎ ኣይቀበሎ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኮይኑ እዩ። ሕጂ ተሪፋቶ ዘላ መሕብኢት፡ እታ እገዳ እትብል ሓረግ እያ። ኩሉቲ ሃገር ከይነልምዕ ዓንቂጹና ክብሎ ዝጸንሐ መመሳመሲ ምኽንያታት ዓዳጊ ምስ ሰኣነ፡ እነሆ ኣብዛ “እገዳ” እትብል ተላሒጉ ኣሎ። ዝኾነ ንዝቐርብ ናይ “ሃየባ ለውጢ ኣምጽኡ?” ሕቶ፡ “እዋእ እንታይ ለውጡ ደኣ ዓለም ኣጻቢባትልና ኣብ እገዳ እንዲና ዘለና” እትብል ከም ናይ መወዳእታ መከላኸሊት ዕርዲ ተቐርቂሩላ ኣሎ። ህግደፍ እገዳ ዝብሎ ዘሎ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ እንዳማቱ ኢዱ ምእታዉ ዝተነብሮ ግና ድማ ነኺሱ ዘየድሚ ኮራርምቲ ዘየብሉ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ስጉምቲ እዩ። ንሕና እቲ ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታው ኣየቕጽዕን እዩ ዝብል መደምደምታ’ኳ እንተዘይብልና፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንእገዳ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓ ክኸውን ነይሩዎ በሃልቲ ኔርና፡ ሕጂ እውን እዚ እምነትና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክትርደኦ’ሞ ንመራሕቲ ህግደፍ ፈልዩ ብዝቐጽዕ ኣገባብ ከትርሮ ከነተሓሳስብ ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ እውን ኣብኡ ኢና ዘላና።

ንሕና ቀዳምነት እንህቦን ክእለ እንቃለሰሉን እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንቢርዎ ዘሎ ኣደንዛዚ ዘቤታዊ እገዳ እዩ። እዚ እገዳዚ፡ መሰል ምንቅስቓስ ዝኸልእ፡ ብገዛእ ገንዘብካ ግዜኡ ዝሓለፎ ናይ መቑነን ኣርዑት ዝጽዕን፡ ተኸሲስካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብ ዘየፍቅድ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቤተሰብካን ካለኦት ዝምልከቶም ከይበጽሑኻ ዝነጽግ፡ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ሰሪሕካ ምብላዕን መጽለሊ ምቕላስን ዝነፍግ፡ ኣብ ሃገርካ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝነጽግ፡ ዝመረጽካዮ እምነት ከይትስዕብ ዝዕንቅጽ፡ ብዓብዩ ከኣ ብዘይሕገ መንግስቲ ከትግዛእ ዘገድድን ልዕልና ሕጊ ዘይቅበልን ብህግደፍ ዝተጻዕነ እገዳ ኣሎ። ስለዚ ንሕና ቅድሚ ኩሉ እዚ ህግደፍ ዝወለዶ እገዳ ክለዓል ባዕልና ክንቃለስ ኣለና በሃልቲ ኢና። እቲ ቀንዲ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ኣሳፊሑ ዘሎ እገዳ ኣቐሚጥካ፡ ናብቲ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝምልከት ዋናታቱ ምስ ክብሮም ዘተሓሕዝዎ ምምጥጣር ፍትሓዊ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ኣጻብዕቱ ናብ ገዛእ ርእሱ ዘቕንዕ፡ ብዛዕባ ካለኦት ክዛረብ ዕድል ዝህብ እዩ። ንዲክታቶር ምትብባዕ ከኣ ዋጋ ዘኽፍል ተግባር እዩ። ዓዲ ደሓን መሲልዎም ኮራርምቱ ምስ ዝወደአ ህግደፍ ንዘኹድዱን ዝዘርይሉን ናይ ቀረባን ርሑቕን ወገናት ከኣ ብጽሞና ምስ ነብሶም ክማኸርሉ ዝግበኦም ጉዳይ እዩ።

እቲ ውሽጣዊ ህግደፋዊ እገዳ ቀንዲ ሃሳይ ምዃኑ ኣብ ገዛእ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና። ህግደፍ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ዝምልከት ሕቶ ክቐርቦ እንከሎ ንእገዳ እዩ ከም ዘይመመለሲ ምኽንያት ዘቕርብ። እንተኾነ ኣሉታዊ ተጽዕኖ እገዳ ዝርደኣና’ኳ እንተኾነ፡ ውሽጣዊ ዓቕምን ቅሩብነትን እንተዘይርሒቑካ ብቤትምኽሪ ጸጥታ ማዕቀብ ተነቢሩልካ ምስተበሃልካ፡ ዘቤታዊ ዋኒንካ ኣቋሪጽካ ብዛዕባ እገዳ ምቑዛም ቅቡል ኣይኮነን። ካብ ዘቤታዊ ማዕቀብ ናጻ እንተኮይንካ ብዙሕ ክስራሕ ይከኣል እዩ። ተመኩሮ እተን ዝተፈላለየ ጽላታት ዘለዎ እገዳ ተጻዊረን ካብ ምህናጽ ሃገረንን ምምዕባል ህዝበንን ዓዲ ዘይወዓላ ሃገራት ምዕዛብ ይከኣል። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘረደኣና እምበኣር ቀንዲ ጠንቂ ልምሰት ሃገርና ናይ ግዳም ዘይኮነ፡ ዘቤታዊ እገዳ ምዃኑ እዩ።

ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ፡ ቀንዲ ጉዳይና ብዛዕባቲ ቆሪጽካ እምበር ስሒብካ ዘይውዳእ በደል ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ምዝርዛር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክንድቲ ዝኣኽሎ ዝተዘርበሉ ግሉጽ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ቀንዲ ጉዳይና ነዚ እንዳሓደረ ዝገድድ እምበር ዘይመሓየሽ ዘሎ በደልን ህድማን ህግደፍ ንምዕጻፍ እንታይ ክንገብር ኣለና? ዝብል እዩ። መልሱ ንጹርን ሓደን እዩ፡ ናይ ህግደፍ ዘይፍጸም መብጸዓን ካብ ኤርትራዊ ውድዕነት ምህዳምን ንምምካት፡ ብሓባር ንሰጉም ዝብል ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ በበይንና ከም እንለምስ እንተ ሓቢርና ግና ከም እነድምዕን እነስምዕን ውሁብ ስለ ዝኾነ።

Friday, 09 November 2018 12:43

ቃል ሓዘን

Written by

ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ገብረስላሴ ማና (ጃዕመል) ኣብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ትካላት ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብ8 ሕዳር 2018 ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፎም። ኣብቲ ዝዓረፍሉ ዕለት ከኣ  ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ለቡ ቤተሰቦም፡ ፈተውቶምን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ታሪኽ ህይወቶም ከም ዝሕብሮ ብ1947 ኣብ ከባቢ ኣስመራ ቤት መኻእ ዝተወልዱ ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር፡ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ሰውራዊ ባይቶ ጀሚሮም ክሳብ ዕለተ ሞቶም ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይኖም ኣብቲ ምእንቲ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብዝለዓለ ደረጃ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ነይሮም። ኣቶ ገብረእዝኣብሄር ገ/ስላሴ ኣብ ልዕሊቲ ዝነበሮም ህዝባዊ ሓልዮት፡ ነብሶም ንምኽኣል እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ መዳያት ክሳተፉ ዝጸንሑ ህርኩት ነይሮም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብሞት ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እንዳገለጸ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፋሊ ብምዃኑ ንቤተሰቦም ጽንዓት ንመዋቲ ከኣ መንግስተ-ሰማያት ይምነ።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

9 ነሓሰ 2018

ርእሰ-ዓንቀጽ

ብሓፈሻ ኣብ ዞናና ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ኩነታት ምስተፈጥረ ብዙሓት ኣዛረብቲ ኩነታት ተጋሂዶም። ሓደ ካብቲ ሓድሽ ዝተጋህደ ኩነታት ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ንሱ ዝመርሖ መርዛም ጉጅለን ካብ ሓደ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ ሃንደበት ናብ ካልእ ኩርናዕ ምንጣር ነይሩ። እዚ ኩነታት ኣይኮነንዶ ኣብ ኤርትራውያን ኣብ ካለኦት እውን ብዙሓት ሕቶታት ዘልዕሉ ስምዒታት ፈጢሩ ጸኒሑን ኣሎን። ካብቶም ነቲ ሕቶታት ክምልሱ ትጽቢት ዝተገብረሎ ሓደ ከኣ ዲክታቶር ኢሳይያስ ነይሩ። ንሱ ግና ግብሩ ፈሊጡ ንነዊሕ ግዜ ምጽቃጥ መሪጹ ጸኒሑ። ደሓር ግና እቲ ምጽቃጥ ብዝኸዶ መንገዲ መሕላፍ ምስ ከልኦ ብ3 ሕዳር 2018 ዓይኑ ተዓሚቱ ኣድሚጹ።

ክዛርብ እዩ ምስተባህለ “እንታይኮን ክብል ይኸውን?” ዝብል ሕቶታ ይለዓል ነይሩ። ናይ ብዙሓት ግምት ከም ቀደሙ ኮለል ክብል እምበር ሓድሽ ከምጽእ ዘኽእሎ ሞራል ከምዘየብሉ ዝእምት ነይሩ። ውሕዳት ዘይቀበጹ ግና ከምቲ “ነዳይሲ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል ያኢ ኢሳይያስስ ሓደሽ ነገር ከምጸኣሎም ነዚ ፈሊጡ ከምዘይምለስ ዝጐበጠ ሰብኣይ ኣቀናኒዖም ሰብ ኣምሲሎም ከቕርቡ ይፍትኑ ነይሮም። “እሱራት ይፈትሑ ክብል እዩ። ዶብ ሕጂ ይጠረር ክብል እዩ። ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ንቡር ናይ 18 ኣዋርሕ ግዜኡ ክመልሶ እዩ፡ ነቲ ብምስጢር ዝንደፍ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ እዩ።” ክብሉ ጀሚሮም ነይሮም። እንተኾነ እቶም “ሓድሽ ዘምጸኦ ነገር የብሉን” ዝበሉ ሓቃቶም ምንባሮም ኢሳይያስ በቲ 4 ሕቶታት ንምምላስ ሓደ ሰዓትን ዕስራ ደቓይቕ ዝገበሮ ኮለል ኣረጋጊጽሎም። እቶም ካብ ኢሳይያስ ሓድሽ ዝተጸበዩ ከኣ እነሆ ማይ ሓቚኖም ተሪፎም። ንመን ክድግፉ ከም ዝጸንሑ ከኣ ነብሶም ክሓኩ ግዜ ይሓቶም ኣሎ።

ኢሳይያስ ዝሃቦ ቃለ-ምልልስ ኣይኮነንዶ ሰማዒ ኮይንካ ክትርደኦ፡ ንዓኡ እውን ይርደኦ ነይሩ ክትብል ዘጸግም እዩ። ቃላት መመሪጹ እዩ ዘውጽእ ነይሩ እምበር፡ እቲ ቃላት ተደሚሩ ዝህቦ ጠላሕ ዝብል ትርጉም ኣይነበሮን። ብሓፈሻ ክምዘን እንከሎ ግና፡ ምስ ትጽቢት ህዝቢ ዘየሳኒ፡ ካብ እዋናዊ ኣጀንዳ ዝረሓቐ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ብቐጥታ ዘይምልስ፡ ኮነ ኢልካ ከምቲ “ንግበሮሞ ኣይነጸብቆ” ዝበሃል ህዝቢ ንምትላል ዝተሃንደሰ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ምናልባት እተን ካብቲ ዓቕሊ ጽበትን ምድንጋር ዝዓብለሎ ዓጀውጀው ኣዋጺእካ ክትርደአን እትኽእል ሓሳባቱ፡ “ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጋኣና ጉዳይ ዶብ ኣይኮነን፡ ጉዳይ ዶብ እንተዝነብር ብልዝብ መተፈትሐ፡ ሎሚ ምስ ኢትዮጵያ ስኒት ፈጢርና ዘለና ኢትዮጵያ ንውሳነ ዶብ ብዘይቅድመኩነት ተቐቢለዮ ስለ ዝበለት ኣይኮነን፡ ጉዳይ ዶብ ኣብቲ ዓብይ ኣጀንዳ ንእሽቶ ነጥቢ እዩ፡ ሎሚ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ትስፉው ኩነታት ክስምሙ (ከበላሽዉ) ዝደልዩ እዮም፡ ሎሚ ብዛዕባ 480 ሚልዮን ህዝቢ ከባቢና ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና።” ዝብላ ንኹሉ እቲ ዳርጋ ን20 ዓመታት ክግዕረሉ ዝጸንሐ ዝዓጽፋ ሓረጋት እየን። ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኡስ ጉዳይ ስለ ዝነበረ ኣየልዓልናዮን” ዝበሎ ከኣ ጽቡቕ ገይሩ ኣረጋጊጽሉ። ስለዚ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣብዚ ቃለ-መጠይቑ፡ ቅርኑ ጥራይ ዘይኮነ ቅርኒ ናይቶም “ኢሳይያስ ነቲ ደቅናን ኣሕዋትናን ንዝተሰውእሉ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ሸለል ክብሎ እዩ ምብላ እሞ ዘበት እዩ” ዝብሉ ዝነበሩ እውን እዩ ሰሊዑ ደርብይዎ።

እንግሊዛዊ ጸሓፍን ተመራማርን ማርቲን ፕላውት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ “ ታሪኽ ኢሳይያስ፡ ታሪኽ ድኹም ውሳነን ድኹም ውጽኢት እዩ፡ ኣብ ግዜ ፕረሲደንትነቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተሰዱ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን፡ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሚእቲ ሺሕ ስደተኛታት ዝፈጢሩ፡ ኣብ ሰለስተ እዉጃትን ክልተ ዘይእዉጃትን ውግኣት ዝኣተወ መራሒ’ዩ።” ዝበሎ ከኣ ብዝተወሰነ መልክዑ ንግዕዙይ ኣካይዳዚ ሰብኣይ ዝገልጽ ኣበሃህላ እዩ።

እምበኣር፡ ኢሳይያስ ከምዚ ዝገብር ዘሎ፡ ኮነ ኢሉ ንኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእ እምበር፡ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ቁምነገር ከይገበርካ ናብ 480 ሚልዮን ህዝቢ ከባቢና ምምጥጣር ብኹሉ መለክዒ ግጉይ ምዃኑ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ከምቲ ኣባ ተኽለሚካኤል ዝበልዎ፡ ቀዳማይ ድሌት ኤርትራውያን ልኡላውነት ናይታ ደቆም ዝወደቑላ ኤርትራ እምበር ፊኖን ስሚንቶን ከምዘይኮነ፡ ጠፊእዊ ኣይኮነን፡ ልኡላውነትና ይነጸር ንዝብሉ ሰመምቲ (ኣባላሸውቲ) ዝብሎም ዘሎ። እዝን ካልእ ኣበሃህላኡን ከኣ ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ናቱ ስዉር ጸኒሑ መመሊሱ ዝገሃድ ዘሎ ኣጀንዳን በበይኑ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ህዝቢ ኣንጻር ድሌቱ ኣብ ልዕሊ ዝኸይድ መራሒ እንታይ ክገብር ከም ዝግበኦ ከኣ ኣይኮነንዶ “እምቢ ንመግዛእቲ” ኢሉ ተቓሊሱ ንዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ ንካልእ’ውን ብሩህ እዩ። ነዚ እንዳረአኻ ሎሚ’ውን ኢሳይያስ መራሒ ኤርትራን ህዝባን እዩ ኢልካምስናዩ ግና ከምቲ “ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ይውዕላ”ዝበሃል እዩ ክኸውን።

ኢሳይያስ ናይ ኤርትራ፡ ኤርትራ ከኣ ናይ ኢሳይያስን ግጅለኡን ከምዘይኮኑ በሪሁ እዩ። ንኢሳይያስን ጉጅለኡን ብሰንኪ ገበናቶም ኣብ ልዕሊ መላእ ኤርትራን ህዝባን ናቶም ምሃብ ንቡርኳ እንተኾነ፣ ደጊም እቲ ፍታሕ ንዓኣቶም ብምርጋምን ብምኹናን ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ብግብሪ ብመሰረቱ ካብም ዝሓሽካ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ኮይንካ ምቕራብ እዩ። ኢሳይያስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክመጸሉ ዝጸንሐ ዘይጥዑይ ኣገባብ፡ ብዘየዳዲ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ምዃኑ ብዘይሕብእብእ ኣርእዩና ኣሎ። እቲ ዝተርፍ መልሲ ካብ ህዝብናን ካባናን እዩ። እቲ መተካእታ ዘየብሉ መልሲ ከኣ፡ ብሓባር ኮይንካ እንተላይ ክሳብዚ ቀረባ ደግፍቱ ብዝነበሩ ወገናት ዝረአ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ምሕያልን ምሕያልን ጥራይ እዩ።

Page 13 of 87