ንምጅማር ርሑስ ጾም ሮሞዳን ምኽንያት ብምግባር፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝብና ድማ ብሓፈሻ ‘ሮሞዳን ከሪም’ እንቋዕ ናብ ጾመ ሮሞዳን ኣብጽሓና ብምባል ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
ናይ ሎሚ ዓመት ጾም ሮሞዳን: ንስቅያት ህዝብና ዝዛዝም፣ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ሰላምን ፍትሕን ዘንግስ፣ ነቲ ንመላእ ዓመት ምንቀስቓሳትና ደሪቱ ብዙሕ ህይወት ዝወሰደ ተላባዒ ሕማም ዝቕንጥጥ፡ ክኸውን ትምኒትናን ዕለታዊ ጸሎትናን እዩ።
ክንዲ/ መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር
12 ሚያዝያ 2021
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ11 ሚያዝያ 2021 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ እዩ ተዋሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ ብብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ሰዲህኤ እዩ ቀሪቡ።
ብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስ፡ ኣብዚ ብብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ብጻይ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን ዝተኣልየ መድረኽ፡ መሰረተ-ሓሳብ ማሕበራዊ ጉዳይን ዝህቦ ኣገልግሎትን፡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመኩሮ እንዳዛመደ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ እቶም ዝያዳ ንማሕበራዊ ጸገማት ዝቃልዑ ክፍልታት ሕብረተሰብ ጠቒሱ፡ ኣብ ምፍታሕ ናይ ማሕበራዊ ጸገም ዝያዳ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት እውን ዘርዚሩ።
ብጻይ ፍሰሃየ ምስዚ ኣተሓሒዙ ተመኩሮ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ማሕበራዊ ጉዳያት ከም መበገሲ ወሲዱ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝነበረ ተመኩሮ ኣተሓሕዛ ማሕበራዊ ጉዳይ በብመዳያቱ ገሊጹ። ኣብዚ መዳይዚ ተመኩሮ ሰዲህኤን ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝዓሞም ዘሎ ስረሓትን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ህዝባዊ ናብራ ዕቤት፡ ትምህርትን ኣካለ ጽጉማንን ካብቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝያዳ ዝንጸባረቐሎም ጽላታት ምዃኖም’ውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ካለኦት ዘይመኽሰባውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ኣብዚ መዳይ ንዝህብዎ ኣገልግሎት ዘርዚሩ። ኣብዚ እዋንዚ ሰዲህኤ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይህበሎም ካብ ዘሎ ኣገደስቲ መዳያት ከኣ ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይን ኣሰራርሓኡን ከም ኣብነት ቅቕሪቡ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ናይ ማዕዶ ወለዲ፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ብሓፈሸ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕትን ዝግበር ዘሎ ምክትታልን ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ፡ ንምዕዋት ነጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን ኣብ ዝምልከት ኣብሪሁ። ኣባላት ሰዲህኤን ማሕበራዊ ጉዳይ ዘገድሶም ኤርትራውያንን ክሳብ ሕጂ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ እውን ልግሶም ቀጻሊ ንክኸውን ጸዊዑ።
ተሳተፍቲ ኣስተምህሮ፡ ነቲ ዝተዋህበ መጽናዕታዊ መግለጺ ኣመስጊኖም፡ ዝተፈላለዮ ሕቶታት ኣቕሪቦም። በቲ ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ ፍሰሃየን ኣብዚ መዳይዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ብዘለዎም ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍትን ከኣ መልስታት ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ማሕበራዊ ጉዳይ ብሓደ ኣካል ወይ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ዝዕመም ስለ ዘይኮነ፡ ተሳተፍቲ ምሉእ ኣቕሞም ከብርክቱ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ብዘይገድስ ኩሉም ኤርትራውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘበርክትሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝሕግዝ ጐስጓስ ንክግበር ለበዋ ኣቕሪቦም።
ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ28 መጋቢት 2021 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ተኻይዱ። ነዚ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ዝተሳተፍዎን ልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደን ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝዘተየ ኣኼባ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪሕዎ። ኣቦመንበር ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ፡ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ብዳሓን መጻእክንን መጻእኩምን” ዝብል ብምቕዳምዩ፡ ንተሳትፎ ተጋባእቲ ኣመስጊኑ።
ሓደ ናይዚ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኸባ ኣጀንዳ እዋናዊ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓበሬታ ምቕራብ ነይሩ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝተዋህቦ ካልእ ኣጀንዳ ከኣ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ንርከበሉ ዘለና ከባብያዊ ምዕባለን ምሕያል መስርሕ ሓድነትን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብ23 ጥርን 14 ለካቲት 2021ን ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ብዛዕባ ኣገባብ ቃልሲ ዝገበሮ ቅዋማዊ ዳህሳስን መብርህን ሓበሬታ ምሃብ እዩ ነይሩ።
ኣቦመንበር ኣብዚ እዋንዚ ኣካቢቡና ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብዛዕባቲ ሰዲህኤ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንደሓር ሒዝዎ ዝጸንሐ ንኣገባብ ቀልሲ ዝምልከት መርገጽ ዳግመ-ዳህሳስን መብርህን ምግባር ዘድለየሉ ምኽንያታት ዝርዚሩ። ኣብ መብርሂኡ ካብቶም ነቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ግምት ዘእተዎም ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ምዕቃብን፡ ቅዋማዊ መስርሕ ምሕላውን፡ ኣገዳስነት መስርሕ ሓድነትን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣዕዚዙ ጠቒሱ። ማእከላይ ባይቶ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ ዝተኸተሎ መስርሕን ቅዋማዊ መንገድን ከኣ ጠቒሱ።
ናብቲ ማእከላይ ባይቶ “ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎን ዝሳተፎን፣ ኣብ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዝምርኰስ፣ በብእዋኑ ዝግምገምን ከከም ኩነታቱ ዝትግበርን፡ ምሉእ ስልታዊ ምትዕጽጻፍ ንምግባር ዘኽእል ኩሉ ኣገባባትን ስጉምትታትን ምውሳድ” ብዝብል ዝወሰኖ ንምብጻሕ ኣቐዲማ ፍልይቲ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ኣውጺኣ ንድፊ ምስ ኣቕሪበት ብድሕሪኡ ብደረጃ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ኣብ ደንበ ተቓውሞን ኣሰላልፋኡን ኣሕዲርዎ ዝነበረ ጽልዋ ገሊጹ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ጉዳያት ይነጽርን ይበርህን ስለ ዘሎ ሚዛናት ናብ ንቡር ቦታኡ ተመሊሱ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዕንቅፋት ከምዘይከውን ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘለዎ ሃለዋትን መስርሕ ምንዳፍን ምጽፋፍን እቲ ምጥርናፍ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣቦመንበር ዝቐረበ ኣዝዩ ጽጹይ ጸብጻብን መብርህን ምስ ተኸታተሉ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ “ማእከላይ ባይቶ ኣብ ኣገባብ ቃልሲ ከምዚ ዓይነት መብርሂ ምሃቡ ክሳብ ክንደይ ቅዋማዊ እዩ?፡ ማእከላይ ባይቶ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ዝደረኽዎ ሰልፋውን ከባብያውን ምኽንያታት እንታይ እዮም?፡ ሰልፍና ነዚ ኣብ ከባብና ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ክከታተሎዶ ጸኒሑ?፡ እዚ ብማእከላይ ባይቶ ዳግመ-ዳህሳስ ዝተገብረሉ ምብራህ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ መጻኢ መስርሕ ሓድነት ክሳብ ክንደይ ሓጋዚ ክኸውን እዩ?፡ ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ብተሳተፍቲ ቀሪቦም ብኣቦመንበር ግቡእ መብርሂ ተዋሂብዎም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ምስ ህልዊ ምዕባለታት ተዓጻጺፉ ዝወሰዶ ውሳነ ኣመጒሶም። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ብሰንኪ ህግደፍ ኣቲናዮ ዘለና ዘሻቕል መድረኽ፡ ሃገር ኣብ ምድሓን ሓጋዚ ባይታ ምዃኑ። ነዚ ዘለናዮ ሃለዋት እቲ መዋጸኦ ብሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ጥራይ ዝስገር ምዃኑን ንጉዳይ ሓድነት ቀዳምነት ምሃብ ከም ዘድልን፡ ኩሉ ሰልፋዊ ዓቕምና ከነሕይል ንኽእለሉ ኩነታት ዘንጸባርቑን ካልኦትን ርኢቶታት ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦመንበር ኣኼባ ክዓጽው እንከሎ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረበ ርኢቶታትን ለበዋታትን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበል ክገብር ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናይ ኣባላት ሰልፊ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ወሳኒ ብምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ኣባላት ከም ወትሩ ተሳትፎኦም ከሕይሉ ተላብዩ።
ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ14 መጋቢት 2021 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰዲህኤ እዩ። እቲ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ ከኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዝብል እዩ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣብቲ ዘቕረቦ ሰፊሕ መበገሲ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኣረዳድኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዘጋጥም ምድንጋራት ዝተፈላለዩ ኣብነታት ኣሰንዩ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣመጻጽኣን ባህርያትን ዝተፈላለዩ ዓይነት መንግስታትን መራሕቶም ኣብ ዝምልከት ገሊጹ።፡ ድሕረ-ባይታ ኤርትራን ህዝባን፡ ናብዚ ሕጂ ዘላትሉ ደረጃ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝነበረ ጉዕዞን ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ ኤርትራ እዚ ሒዛቶ ዘላ ደረጃ ዝሓዘት ብመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ 1890 ምዃኑ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምግሃድ ኤርትራ ከም ሃገር እውን ምስ ብዙሕነቱ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ከም ዝነበረን ኣነጺሩ።
እቲ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ እቲ ብጉልባብ ኣግኣዝያንን ካለኦት ተበግሶታትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምህሳይ ዝግበር ፈተነ ታሪኻዊ መሰረት ከም ዘየብሉ ገሊጹ። እቲ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብን ብዙሕ ዘመሳስልዎ ነጥብታት ዘለዉዎን ህዝቢ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታ ምዃኑ ኣብ ብዙሓት ኣከባቢ ዘሎ ምዃኑ ኣስፊሑ ኣመልኪቱ። ከም ኣብነት ከኣ ኣባናን ኣብ ትግራይ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዘሎ ምዃኑ ከኣ ገሊጹ። ርሑቕ ከይከደ፡ ከኣ ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ጠቒሱ። መንቀሊ ኣግኣዝያን ቋንቋ ግእዝ እንተኮይኑ ካብ ንትግርኛን ኣምሓርኛን ናብ ትግረ ከም ዝቐርብ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ድሕርቲ መብርሂ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ መህብተሚ ሓሳባት ሕቶታት ቀሪቦም። ነቲ ዝቐረበ ሕቶታት ምስ ህልዊ ኰታት ሃገርናን ከባብናን ብምዝማድ ሰፋሕቲ መልስታት ተዋሂቡ። ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ “ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ንላዕሊ መንነትዶ ክህልዎ ይኽእል?፡ ኣብ መንጎ ሃገርን ብሄርን ዘሎ ዝምድና እንታይ እዩ?፡ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ንሓድነት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ የስግእ?፡” ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ቀጻሊ ክኸውን ተላብዮም። እቶም ኣብዚ ኣኼባ ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ምእንቲ ክረኽብዎ ቀጻሊ መወከሲ ንክኸውንን፡ እቲ ኣስተምህሮ ብጽሑፍ ክዝርጋሕን ኣብ መርበብ ሓርነት ክስቀልን ብምትሕስሳብ ኣኼባ ተደምዲሙ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Written by ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ርእስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ከካይዶ ዝጸንሐ ፍሉይ ኣኼባታት፡ ብ28 ለካቲት 2021 ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ፡ 5ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብ ምጅማር እቲ ኣኼባ ሓጺር መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ኣስዒቡ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ናይ ኣኼባ ኣጀንዳ ኣዘኻኺሩ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ሰልፋዊ ዕማማት ዝድህስስ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ጸብጻባት መዚኑን ተመያይጥሉን። እቲ ጸብጻብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተዘርጊሑ ምስ ጸንሐ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት ከኣ ዝርዝራዊ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብያተ-ጽሕፈት ብመሰረትቲ ኣቐዲመን ዝተለመኦ፡ እዋናዊ ኣገዳሲ መደብ ስረሓት ከም ዝዓመማን ዝተርፈን ከም ዘሎን ተራእዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት እቲ ኣወንታዊ ጐኒ ዝያዳ ጐሊሑ ዝቕጽለሉ፡ እቲ ሕጽረታት ከኣ ዝምላኣሉ ስልትታት ቀይሱ።
ብዘይካዚ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ14 ለካቲትን 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያየጠሉ ዛዕባታት ዝትግበረሉ መንገድታት ኣሚቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣኼባ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ ሓይልታት ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሓድነት ናይ ምርግጋጽን ንምሕያል ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ሰዲህኤ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ። ብምትሕሓዝ ከኣ ብፍላይ እቲ ንኤርትራ ብቐጥታ ዝጸልዋ ኩነታት ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ምዕባለታት ዞባና ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ደረጃ ኣትዩ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሉ ከኣ ነዚ ምዕባለታት እንዳተኸታተልካ ቀጻሊ ሚዛናት ምግባር ከም ዘድሊ ኣኼባ ኣመልኪቱ።
ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ደገፍቲ ሰልፍናን ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ተሃዋሲ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ዓቕምን ሓድነትን ሰልፊ ኣብ ምሕያል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምስ ኩሎም ሓይልታት ለውጢ ሓቢርካ ዘስርሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ቃልሶም ከዛይዱ ኣኼባ ጸዊዑ።
ኣባላት ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከብ ጨንፈር ሰልፈ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 20 ለካቲት 2021 ስሩዕ ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣካይዶም። ነዚ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ሕማም ኣብ ግምት ብዘእተወ፣ እቲ ኣኼባ ብመንገዲ መረኸቢ ብዙሃን ዝተሳላሰለ ኮይኑ፡ ድሕሪ ዳሃይ ሕድሕድ ምፍልላጥን ናይ እንኳዕ ዳሓን ኣራኸበና ሰላምታ ምቅይያርን፣ ብቀጥታ ኣብቶም ነዚ እዋን ዝምልከቱ ተስሪዖም ዝነበሩ ኣጀንዳታታ ብምትኳር፡
- ነቲ ኣብ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ንኣጋባብ ቃልሲ ብዝምልከት ኣብ ቅዋም ሰልፊ ምርኩስ ገይሩ ዝገበሮ ምምሕያሽ ወይ’ውን ዝያዳ ምብርህ ዝምልከት ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣባላት ጨንፈር ቅዋም ሰልፊ ብምምርማር ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 8 ትርጉምን ምምሕያሽን ቅዋም ሰልፊ ተመልኪቱ ከም ዘሎ 75% እንተ ተሰማሚዖም ማእከላይ ባይቶ ከማሓይሽን ከብርህን ከምዝኸእል ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ድማ ሰዲህኤ ንሓቢርካ ምስራሕ ዘለዎ ድሉውነት ዘንጸባርቕን ንስለ ሓባራዊ ስራሕ ክወስዶ ዝጸንሔ ተበግሶን ዘመልክት ኮይኑ፡ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት ንምእላይ ክሳብ ክንደይ ቅሩብ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኩሎም ተቓውምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ብልቦና ክርእይዎን ክታሓባበሩን ትጽቢትና ምዃኑ ንገልጽ።
- ካልእ ኣባላት ጨንፈር፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝግበርን ዝረኤን ዘሎ ዘሕዝን ኲነታት ብሰፊሕ ልቦና ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ገይሮም። ከም ውጻኢቱ ነቲ ብኢሳያስ ተመሪሑ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቂም ወፍሪ፡ እሞ ድማ ንህዝብና ኣብ ገዛ ዳጒኑ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብዘይምልከቶ ሓዊ ይጠብስ ብምህላዉ ኣጥቢቆም የወግዙ።
- ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ጠጦው ንምባል ኩሎም ስለ ወጽዓን በደልን ድቂሰባት ዝሓዝኑን ዝጣበቑን፡ 1. ብቐጥታ ውግእ ጠጦው ክብል ክጽውዑን ክጽዕሩን፡
2 ሰራዊት አርትራ ካብቲ ዘይምልከቶም ቦታ ትግራይ ብዘይ ዋዓል ሕደር ወጺኢም፡ ኣብ ቦትኦም ክምለሱ፡
- ኣብ ኩሉ ቦታታት ትግራይ ብዘይ ዕንቅፋት ረዲአት ብዓለምለኻዊ ትካላትን ግብረስናይ ማሕበራትን ክኣቱ ክፍቀድን ንኸይዕንቀፍ ምክትታሉን፡
- መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓለምለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ብነጻ ክንቀሳቀሱ ከፍቅድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለትን፡ ግህሰትን ዓመጽን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ’ውን ኣብ ንብረትን ቅርስታትን ተኻይዱ ዝባሃል ኩሉ ስርቅን ዝርፍያን ብነጻ ኣካል ክጻረ ሓያላት ሃገራት ጸቕጥታተን ከሐይላን ክጽዕታን በዚ ኣጋጣሚ ብምጽዋዕ ኣኼባ ጨንፈር ተደምዲሙ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ23 ጥርን 14 ለካቲትን 2021 ብዛዕባ ሰዲህኤ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልስን ህልዊ ኩነታትን ጠለባትን ሓድነታዊ ዕዮን ኣዛሚድካ ንምምዛኑን ንምንጻሩን ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተጸውዐ ፍሉይ ኣኼባኡ ኣቐዲሙ ብኦቦመንበር ዝቐረበ ሓጺር መኽፈቲ ቃልን እቲ ኣኼባ ዝተጸወዓሉ ምኽንያትን ሰሚዑ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊ ቃሉ ኣካቢቡና ዘሎ ምዕባለታትን ነዚ ምዕባለታት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝርበሓሉ ንምውዓሉ ዝጽበየና ሓለፍነትን ኣንጸባሪቑ።
ኣኼባ ድሕሪዚ መእተዊ ቃል፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ከባብያውን እዋናዊ ጉዳያት ሓበሬታ ተለዋዊጡ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ ቀንዲ መጸውዒ ኣኼባ ዝኾነ ዛዕባ፡ “ሰዲህኤ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ” ነዊሕ ግዜ ወሲዱን ብዙሓት ጉዳያት ኣገናዚቡን ተመያይጡ። ኣኼባ ባይቶ ኣብ ምይይጡ ነቲ ኣቐዲሙ ነዚ ዛዕባዚ ብዝምልከት ኣጽኒዓ ውሳነ-ሓሳብ ከተቕርብ ኣቐዲሙ ዝመዘዛ ፍልይቲ ሽማግለ ዘቕረበቶ ንድፊ መሰረት ገይሩ ዘትዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝጸደቐ ንኣገባብ ቃልሲ ዝምልከት ውሳነ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣብቲ ውሳነ ንከተግብርን ዳግመ-ርኢቶ ንክገብርን ብጉባአ ዝተዋህቦ ቅዋማዊ ሓልፍነትን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባብናን ኣብ ግምት ብምእታውን ነዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ዝምጥን ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ውሳነ ከም ዘብርሆ፡ ሰዲህኤ ኣብ ቅዋም ተመርኲሱ ዝኽተሎ ናይ ቃልሲ ፖሊሲ ዝያዳ ብምብራህን ብምንጻርን ‘ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎን ዝሳተፎን፣ ኣብ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዝምርኰስ፣ በብእዋኑ ዝግምገምን ከከም ኩነታቱ ዝትግበርን፡ ምሉእ ስልታዊ ምትዕጽጻፍ ንምግባር ዘኽእል ኩሉ ኣገባባትን ስጉምትታትን” ከም ዝኽተል ኣረጋጊጹ።
ኣኼባ ባይቶ ነዚ ውሳነ ክውስን እንከሎ ንብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ግምት ሂቡ እዩ።፡ ብፍላይ ከኣ ደምበ ተቓውሞ ብመላኡ ካብ ሓድሕድ ምትፍናንን ፍልልያትን ወጺኡ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ከተኩር ንምሕጋዝ፣ ሰልፋዊ ሓድነትን ኣገዳስነት ሓድነታዊ ዕዮ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ንምዕዛዝ፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ደረጃታት ሓቢርካ ንምስራሕ ንምድንፋዕ ዝያዳ ግምትን ኣትኩሮን ሂቡ።
ኣኼባ ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ጽንኩርን ተኣፋፍን ኩነታት ኣባላት ሰልፊ፡ ደገፍቲ ሰልፍን ግዱሳት ኤርትራውያንን የካይድዎ ንዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ኣመጒሱ ንመጻኢ እውን ቃልሶም ከሕይሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
بيان ختامى لمؤتمر حزب الشعب الديمقراطى الأرترى بشمال اميركا
Written by EPDP Information Officeتكلل مؤتمر حزب الشعب الديمقراطى الأرترى بشمال اميركا الذى انعقد بتأريخ 16 من شهر يناير لعام 2021 تحت شعار "بوحدتنا الداخلية وتضحياتنا الجسيمة سوف نتخطى كل المراحل الحرجة" بنجاح بالغ. بعد نقاشات جادة للأجندات التى تتعلق بحزبنا, وطننا والقرن الأفريقى والتى تم اعدادها من قبل اللجنة التحضيرية سجل مؤتمرنا الأقليمى القرارات والتوصيات التالية.
1- الأجتهاد من اجل توسيع عضوية الحزب وخاصة التحرك النشط وسط الشبيبة الأرترية حتى يضاعفون من مشاركتهم النضالى. لن يتحقق النصر بدون تنظيم والألترام فعليه نطالب شعبنا ان ينظم نفسه للتصعيد من نضالاته ويقصر عمر النظام الديكتاتورى حتى يتمكن ان ينتقل للنظام العادل والديمقراطى.
2- من اجل تعزيز امكانيات الحزب المادية دعى المؤتمر للتواصل الحثيث مع كل من افراد شعبنا, الأصدقاء والأشقاء للحصول على الدعم المادى بالأضافة الى البحث وتحريك اعضاء الحزب الذين لهم الخبرة والمعرفة ثم توظيفهم لأخذ المبادرة للعمل بدراسة استثمار الرأسمال.
3- بعد تحديد مهام التوعية ونشر المعلومات المفيدة من خلال استخدام تقنية التواصل الأجتماعي المعاصر لتوجيه مشاريع الأعلام والدعاية, طالب المؤتمر كل الأعضاء ان ينشطو فى هذا المجال وانطلاقا من ذالك وضع برامج خاضعة للتنفيذ على مستوى الفروع والأعضاء.
4- وضع برامج مساعدة التي تمكن القيادة وقواعد الحزب لكي تبلور اهداف نضالاتنا من خلال الكتابات في مواقع التواصل الأجتماعية واجراء المقابلات المستمرة والتي تهدف لتصعيد نشاطاتنا الديبلوماسية في جميع الحقول للمؤسسات الدولية. قد وصى المؤتمر ان يوطد الحزب علاقات متينة مع كل القوى الأقليمية الداعية للعدالة والديمقراطية حتى ينعم اقليمنا بالسلام, الأستقرار والمصلحة المشتركة. وايضا قرر المؤتمر توطيد علاقاتنا مع المؤسسات الحكومية والمنظمات الأنسانية والخيرية على مستوى شمال اميريكا.
5- ادراكا مننا للمخاطر الجمة التى تخيم سماء بلادنا وشعبنا بخلق اوضاع مذرية على مستوى الوطن والأقليم وانطلاقا من سياسات الحزب التى صادق عليها المجلس المركزى, يدين المؤتمر الحرب التي تم تأجيجها من قبل الديكتاتور اسياس افورق بالتعاون مع رئيس وزراء اثيوبية الدكتور ابي احمد والتي نجم عنها حالة الأبادة والعزل لشعب تقراى وطالب بتوقف الحرب العبثى الذى لا ثمار له ولا طائل منه الا الدمار والخسائر داعيا بذالك ان تحل القضاية الخلافية عبر الحوار وفوق الطاولة المستديرة.
6- نعارض تصرفات الديكتاتور اسياس اللا مسؤلة التي تجعل من شعبنا ضحية للهلاك والعزاب بزجه فى اتون الحرب لا تعنيه ونعزز من مقاومتنا بالأشتراك مع طالبى العدالة ان تتوقف الحرب عاجلا ويتم جلاء الجيش الأرترى من تلك المناطق خارج حدودنا الوطنى.
7- ندعو المؤسسات الأنسانية والحكومية الدولية بأن تتدخل فورا فى ازالة الأنتهاكات وايقاف البطش والمعانات التى يتعرض لها اللاجؤن الأرتريون الذين يعيشون تحت رعاية المنظمات الأنسانية الدولية فى اقليم تقراى وتحترم سلامتهم وحقهم القانونى فى الحماية.
8- من اجل تعزيز النضال المشترك المثمر والأسراع بتقصير عمر النظام الديكتاتوري المتقطرس أكد المؤتمر العمل مع كل القوات السياسية والمجتمعات المدنية التى تتحرك فى المهجر وعلى رأسها حركة كفاية بتمتين التحالف والتعاون الدؤب على مستوى شمال اميركا.
9- نداء المؤتمر الأقليمى لقوات الدفاع الأترية: بالأمس وكما هو جلي فى سجلات التأريخ, يعلم الشعب الأرترى بأنك دفعت ثمنا باهظا بخوض المعارك المتتالية من اجل الأستقلال وضمان السيادة الوطنية. لكي يبقى في سدة السلطة فقط, غامر اسياس في الفترة السابقة بتأجيج حروب طاحنة مما جعلك ان تدفع ثمنا غاليا وراح ضحيتها الأشبال من ابناء الشعب الأرتري الذين لآ يفهمون عواقبها ولآ زرة من مصلحة لهم فيها تاركا بذالك بصمات الحزن والخسائر البالغة. واليوم نشاهد الديكتاتور اسياس افورق ينفذ على العلن تلك الشروط المسبقة التي تلفظ بها بقوله "لن نكون مكتوفي ألأيادي في الشأن الأثيوبي" ثم تدخل في الشأن الأثيوبي بشكل سافر بالرغم من محاولة نفيه بالقول "لم اتدخل" مورطا بذالك الألاف من جيش الدفاع الأرتري بالدخول في اقليم تقراي والقيام بعملية التدمير والخسائر. وهذه الحقيقة تأكدها الحكومات وشعوبها وايضا تطالبه بدورها ان يخرج في اسرع فرصة ممكنة. ولم يكن سرا انه يتربص لكى يتدخل في الحرب التي اندلعت بين اثيوبية والسودان. اذن, ينبه حزب الشعب الديمقراطي الأرتري بشمال اميركا من قاعة مؤتمره لقوات الدفاع الأرترية الموقرة ان تعي تماما بأن عواقب هذه الحروب المستمرة التي تنغمس فيها لن تكون مضرة لها فقط فحسب وبل انها سوف تأتي بالحسرة لشعبنا وتترك ارث مشين للأجيال الأرترية القادمة. في حالة استمرارك للتدخل في حروب لا تعنيك اصلا, لا تنسى بأنك تفتح الباب على مصراعيه حتى تكون ارتريا مسرحا للحروب والدمار.
عاشت الأستقلال والسيادة الوطنية دوما!!
الحقوق الأنسانية والديمقراطية للشعب الأرترى المقهور!!
المجد والخلود لشهداء وطننا الأبرار!!
مؤتمر حزب الشعب الديمقراطى الأرترى بأقليم شمال اميركا.
16 من يناير لعام 2021
ደምዳሚ መግለጺ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
Written by EPDP NA Information Officeሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ “ንኹሉ ጽንኩር መድረኻት ብውሽጣዊ ሓድነትን ተወፋይነትን ክንስዕሮ ኢና፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ብ16 ጥሪ 2021 ዘካየዶ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ። ዞባዊ ጉባኤ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዝተሰርዑ፡ ንሰልፍና፣ ንሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከቱ እዋናውያን ኣጀንዳታት፡ ብዕቱብ ድሕሪ ምምይያጥ እዞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን ለበዋታትን መዝጊቡ።
- ኣባልነት ሰልፍና ከነስፍሕ ምጽዓር፤ ብፍላይ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ንጡፍ ጎስጓስ ምክያድ። ብዘይውደባ ዓወት ስለዘይርከብ፣ ህዝብና ተወዲቡ ቃልሱ ብምሕናን፣ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ከሕጽርን ናብ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክሰጋገርን ጸዊዑ።
- ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምዕዛዝ፡ ካብ ህዝብናን ኣዕሩኽ ፈተውቲ ሃገርናን ሓገዝ ንምርካብ ብዕቱብ ክንነጥፍ፡ ከምኡ’ውን ዝተጸንዐ ወፍሪ ርእሰማል ንምክያድ ኣፍልጦን ክእለትን ዘለዎም ኣባላት ክድህስሱን ከበግሱን ምምዳብ።
- ዜናውን ፕሮፖጋንዳውን መደባት ሰልፍና ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቒሙ ዕዙዝ ምንቕቓሕን ሓበሬታን ከካይድ ከምዘለዎ ድሕሪ ምንጻር፤ ኵሎም ኣባላት ሰልፊ ክነጥፉሉ ዘለዎም ዕማም ምዃኑ’ ኣስሚሩሉ። ነዚ መሰረት ብምግባር ብደረጃ ጨናፍርን ኣባላትን ክሳለጡ ዘለዎም መዳባት ሰሪዑ።
- ኣብ ኵሉ ዓንኬላት ኣህጉራዊ ትካላት፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትና ንምብራኽን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብጽሑፍን ብቃለ መሓትትን ዕላማ ቃልስና ንምቅላሕን መሪሕነትናን መሰረታትናን ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ዘኽእል ሓጋዚ መደባት ሰሪዑ። ሰልፍና ምስ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝርከቡ ደሞክራስያውያንን ፍትሓውያንን ሓይልታት ንዞናዊ ሰላምን ርግኣትን፤ ንሓባራዊ ረብሓን ዝምድናታቱ ከደልድል ለበዋታቱ ኣመሓሊልፉ። ብደረጃ ሰሜን ኣመሪካ ድማ ምስ መንግስታዊ ኣካላትን መኽሰብ-ኣልቦ ማሕበራትን ዝምድናና ከነደልድል ጻዕርታቱ ከዛይድ ወሲኑ።
- ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጉእ ኵነታት፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ከቢድ ሓደጋ ዘንጸላሉ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ጉባኤ ብማእከላይ ባይቶ ንዝጸደቐ ፖሊሲ ሰልፊ ብምኽታል፡ ነቲ ብሽርክነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር. ኣብዪን፡ ዝተባርዐ ወግእን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝሰዓበ ህልቀትን ምዝንባልን ንዅንን። ዝካየድ ዘሎ ወራር ዘስዕቦ ዕንወትን ክሳራን ስለዝዀነ ደው ክብል ይጠልብ። ጉዳያት ድማ ኣብ ጣውላ ብልዝብ ክፍታሕ ይጽውዕ።
- ውልቀ- መላኺ ኢሳያስ ንህዝብና ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ግዳይ ስቓይን ሞትን ጌሩዎ ስለ ዘሎ፤ ብዘይ ውዓል ሕደር ደው ከብሎን ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ስግረ-ዶብ ቦታታት ክወጽእን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ተቓውሞና ከነሐይል ጸዊዑ።
- ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ደው ክብልን ድሕነቶምን ሰብኣዊ ናይ ስደተኛ ሕጋዊ መሰሎምን ክሕሎን፣ ብዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊን መንግስታውን ትካላት ክኽበር ጸዊዑ።
- ብደረጃ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ምስ ኣብ ድያስፖራ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ፖሊቲካዊ ሓይልታትን ሲቪካዊ ምንቅስቓሳትን፣ ብቐንዱ ምስ ምንቅስቓስ ይኣክል ምሕዝነትን ጥቡቕ ምትሕግጋዝን ብምዝውታር፣ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ንምሕጻር፣ ሓባራዊ ኣድማዒ ቃልሲ ከነዛይድ ጉባኤ ኣስሚሩሉ።
- ጸዋዒት ዞባዊ ጉባኤ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፤
ምእንቲ ናጽነትን ምውሓስ ልዑላውነትን በብእዋኑ ዘካየድካዮ ውግኣት ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልካሉን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦን ታሪኽ ዝሰነዶን ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ብሰንኪ ዝኣጐዶ ውግኣት ዝኸፈልካዮ ዋጋን ህዝቢ ኤርትራ ዕሸላት ደቁ ኣብዘይርድኦምን ዘይረብሕሉን ውግኣት ተጠቢሶም ዝሃለቑሉን ዝሰንከልሉን፣ ዘስዓቦ ሓዘንን ክሳራን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሎሚ’ውን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣዋፊሩ ዘካይዶ ዘሎ ዕንወትን ክሳራን፤ “ኣይኣተኹን” እናበለ ክኽሕድ’ኳ እንተፈተነ፡ “ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንርእዮ ኣይኮነን” ብምባል ዝኣንፈቶ ቅድመ-ኵነት፣ ብጋህዲ ዝፍጽሞ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ዓለምን መንግስታቱን ዘረጋገጽዎ፣ ካብኡ ክወጽእ ዝጠልብዎ ዘለዉን ሓቂ እዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተወልዐ ውግእ’ውን ኢዱ ከእቱ ይወጣወጥ ምህላዉ ምስጢር ኣይኰነን። ስለዚ ክቡር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፤ እትኣትዎ ዘለኻ ቀጻሊ ኵናት፤ ሳዕቤኑ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝብና ስቓይ ንመጻኢ ወለዶ እውን ሕማቕ ውርሻ ስለ ዝኸውን ናብ ሓድሽ ዘይምልከተካ ኲናት ከይትጥበስ ዞባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘካየዶ ጉባኤኡ ይምሕጸነካ። ኣብ ዘይምልከተና ጉዳይ ጣልቃ እንተ ኣቲኻ፤ ኤርትራ እውን ዓውዲ ውግእ ናይ ምዃና ዕድል ክፉት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።
ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ንዘልኣለም ይንበር!!
ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት ሃገርና!!
ዞባዊ ጉባኤ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ሰሜን ኣመሪካ
16 ጥሪ 2021
More...
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕዉት ጉባኤኡ ኣካይዱ - 16 ጥሪ 2021
Written by EPDP NA Information Officeዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ቀዳም 16 ጥሪ 2021 ዕዉት ጉባኤ ኣሰላሲሉ። እቲ ኣብ ሚያዝያ 2020 ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ንዓለምና ኣሻቒሉ ዘሎ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ ብዙም እዩ ተኻይዱ።
ጉባኤ ዞባ ኩለን ጨናፍር ዘሳተፈን ምልኣት ዘረጋገጸን ኮይኑ ቀዳም ሰዓት 7 ናይ ንግሆ ብምዕራብ ሰዓት 10 ድማ ብምብራቕ ኣብ ትሕቲ “ንኹሉ ጽንኩር መድረኻት ብዉሽጣዊ ሓድነትን ተወፋይነትን ክንሰግሮ ኢና” ዝብል ጭርሖ እዩ ጀሚሩ። ኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ካሕሳይ ብዝኽሪ ስዉኣት ድሕሪ ምኽፋቱ ናይ እንቃዕ ደሓን መጻእኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕሪ’ዚ ጉባኤ እትመርሕ ብኣርባዕተ ብጽት ማለት ያሲን ዑስማን, ግደይ መሓሪ ወልዱ, ግርማይ ኣብርሃን ፍስሃየ ሓጎስን ዝቖመት ሰክረታሪያ መድረኽ ተረኪባ ሓው ያሲን ዑስማን ነባራይ ጉባኤ መሪሑ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ቃል ሰልፊ ከቕርብ ዕድል ተዋሂቡ መስርሕ ቀጺሉ።
ኣቦ መንበር ሰልፊ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እንቋዕ ድማ ኣብ’ዚ ዓለምና ብሕማም ለበዳ ትሳቐየሉ ዘላ እዋን ጉባኤ ዞባ ክተካይዱ በቓዕኩም ድሕሪ ምባል ዕዉት ጉባኤ ዞባ ክኸውን ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ። ቀጺሉ ድሕሪ’ቲ ኣብ ነሓሰ 2019 እተሰላሰለ ዕዉት ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፍና፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብዘይ ገለ ሓጎጽጎጽ ልሙጽ መስርሕ ምትሕንፋጽ ሓሊፉ ኣብ ጉባኤ ምብጽሑ ዘኹርዕ እዩ ኢሉ። ብዘይካ’ዚ ካብ ሓድነታዊ ጉባኤና ክሳብ ሕጂ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ሰልፋዊ ፕሮግራምን ፖሊሲታትን ሰልፍና ዓበይቲ ዓወታት ኣብ ኩሉ መዳያት ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ኩሎም እተመዝገቡ ዓወታት ድማ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዓቢ ተራ ነይሩዎ ክብል ገሊጹ። ገለ ካብ ዓወታትና ንምጥቃስ ኣቦ መንበር ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣልዒሉ፡
- ድልዱል ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘዕቆበ፣ ህዝባዊ ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ውድባዊ ሕግታቱን ስነ ስርዓቱን ዝሓለወ፡ ንቑሕ ኣባል ዝውንንን፡ ድሕሪ ህልዋት ኣባላቱ ንውሉድ ወለዶ ዝቕጽልን ሰልፊ ምህናጽ፡
- ሓባራዊ ዕዮ ደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ብዘይምቁራጽ ምስራሕ፤
- ምስቶም ብፕሮግራምን፡ ስልቲ ኣሰራርሓን ዝመሳሰሉና ኣብ ምሉእ ምጽንባራዊ ሓድነት ምእታዉ፤
- ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናዊ፡ ፊናንሳውን፡ ማሕበራውን መዳያት ሰልፋዊ ዕዮ በቲ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ተወኪሉ ዕዉት ዕማም ከነሰላስል ጸኒሕናን ኣሎናን። ከም ሰልፊ ዕቤት ከነርኢ በቂዕና ኢና።
- ኣብ ውደባዊ ጉዳያት፡ መዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስርርዓት ሰልፍና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይጐዓዝ ምህላዉ፡ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ክካየድ ዝበቕዐ ምዃኑ፣ ብወገን መንእሰያት እውን ኣብ ዘተፈላለየ መዳያት ኣውራ ድማ፡ ኣብ ምትርጓም ሰነዳት ሰልፍን፡ ተሳትፎ ኣብ ማሕበራዊ መድያን ምርኡይ ተራ ምህላዉ ዘሕብን እዩ ድሕሪ ምባሉ ዘቕረቦም ነጥብታት ሓፈሻዊ ሚዛን ንምሃብ እምበር ዝርዝር ጸብጻብ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ። ቀጺሉ ኣብ ፖሊቲካዊ መዳይ፡ ብደረጃ ኤርትራን ከባቢናን፡ ኣብ ምዝዛም ዓመት 2020 ብፍላይ ሓያሎ ምዕባሌታት ከም ዝተራእየ ገሊጽ። ነዚ ንርእዮ ዘሎና ሓድሽ ምዕብልና ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተባርዐ ወግእ፡ ነቲ ዞና ብምሉኡ ኰነ ንመላእ ዓለም ዘሻቐለ ምንባሩ ኩልና እንርድኦ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ ዕንወት፡ ስደት ህልቂትን ምፍሳስ ደምን ከምኡን ከቢድ መበቆላዊ ጽልእታት ዘከተል ኣሰራት ከም ዝነበሮን ከም ዘልውዎን እውን ካብ ኩልና ስዉር ኣይኰነን። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሓቲ ሓላፍነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ምስቲ ብዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ወጊና ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወት ንሕናን ዓለምን ዘረጋገጾ እዩ። እቲ ውግእ ዞባዊ ርሕቀት ይወስድ ምህላዉ ዘርኢ ድማ፡ ብወሰናስን ዶባት ኣሳቢቡ ዝተላዕለ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወግእን ናይ ከባቢ ሃገራት መርገጻትን ምድግጋፍን ኣሎ። ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ማእከላይ ባይቶ ዝወሰኖ መሰረት፡ ብንጹር ክንጓዓዝ ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት ኢደ ጣልቃነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይንቕበልን ኣይንፈቅድን ። ነቲ ብምሕዝነት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ወራር እናኰነንና፡ እቲ ውግእ ብዘይካ ዕንወት ሞትን ስደትን ካልእ ረብሓ ሰለ ዘይብሉ፡ ንዘተን ሰላምን ዕድል ከወሃብ እዩ ጸዋዒትና። ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ከኣ ኣብ መንጎ ተጓንጸቲ ሓይልታት ዘተ ክካየድ ኣብ ልዕሊ ምጽዓር፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምሉእ ምክልኻል ክገብረሎም ጸዋዒትና ምቕራብ እዩ ክብል ኣብሪሁ። ቃል ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብምሉኡ ከንብቡ ንዝደልዩ ግዱሳት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ብምጥዋቕ ክረኽብዎ ይኽእሉ። ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ናብ ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ 16 ጥሪ 2021 (harnnet.org)
ስዒቡ ኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ጸብጻብ ምንቅስቓስ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ማለት ነሕሰ 2019 ክሳብ ሕጂ ኣቕሪቡ። ሓው ደስበለ ኣብ መደብዕዮ ሰልፊ ሰፊሩ ዝርከብ ተልእኾ ሰልፊ ብምቃስ፡ ዓላማና “ሓርነት ህዝብና ዘውሓሰት፡ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት፡ ሓድነት ህዝባ ዝዓቀበት ንድኽነት፡ ንሕማምን ድንቁርናን ዝሰዓረት፡ ብልጽግቲ፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገርምህናጽ እዩ።“ ብምባል እዩ ጀሚሩ። ጉባኤና ኣብ ድሮ በዓል ሲቪካው መራሒ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ይካየድ ምህላዉ ብምዝካር፣ እነኽብሮን ካብኡ ንመሃሮጽንዓት ከምዘሎ’ውን ዘኪሩ። ኣብ ጸብጻቡ ዞባ ዘመዝገቦ ዓወታትን ዘጋጠሞ ብድሆታትን ዘርዚሩ። ሓድነታዊ ምጽንባር ብደረጃ ዞባ ንምትግባር ክሳብ ዞባዊ ጉባኤ ዝካየድ ክልቲኡ ናይ ዞባ ሽማግለታት ተጸንቢሩ ክሰርሕ ምስ ጀመረ፡ ስኒት ዝዓሰሎ ልሙጽ መስርሕ ምኻዱ ኣብሪሁ። ብኹሉ ኣባል ዞባ ንዝተለገሰ ሰፍ ዘይብል እምነትን ምትሕብባርን ኣምስጊኑ።
ቀጺሉ ንጹርን ጽፉፍን ናይ ገንዘባዊ ጉዳያት ጸብጻብ ሓው ፍስሃየ ፍትዊ ተወሳኺ ዝሃበሉ ብሓው ቦኽረጽዮን ጉብሳ ቀሪቡ። ኣታዊ ሰልፊ ካብ ወርሓዊ ዉጽኢት ጥራሕ ዘይኮነ ስልፊ ንምሕያል ዝተኻየደ ወፈያ ዕዉት ምንባሩን ብኹሎም ኣባላት ሰልፊ ዝተራእየ ተወፋይነት ዕዙዝ ምንባሩን ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ ካብ ብዙሓት ዘይኣባላት ፈተውቲ ሰልፊ ዝተወፈየ ሓገዝ ዓቢ ምንባሩ ምግላጹ ናይ ጉባኤኛ ሞራል ሓፍ ዘበለ ዘኹርዕ ሓብሬታ እዩ ኔሩ። ኣስዒቡ ብዞባ ሽማግለ ዝተዳለወት ላፕ ቶፕ ኮምፑዩተር ንዕጫ ወዲቓ ዝነኣድ ኣታዊ ከምዝገበረትን ኣብ ምዝዛም ጉባኤ ከምእትወድቕን ሓቢሩ።
ስዒባ ሓፍቲ ኣስገደት ምሕረትኣብ ጸብጻብ ምንቅስቓሳት ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቕሪባ። ሓደስቲ ኣባላት ከምእተጸንበራን ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባታተን ብግቡእ ከምዝካየድን ኣብሪሃ። ኹሉ ግዜ ቐዳማይ መደብ መሰረታትና ምስፋሕ እዩ። ነዚ መደብ’ዚ ንምዕዋት ደቂ-ተባዕትዮ ኣባላት ሓላፍነት ከምዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ፡ እንተወሓደ ሰብ ሓዳሮም ክውደባ ክተሓባበሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲባ። ኣብ ኩሉ ዝለዓል ክትዓት ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ምርግጋጽ ቀዳምነት ሂበን ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ከምዝመያየጣ ገሊጻ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንዘለዋ ተመሃሮ ንምሕጋዝ ኣብ ህዝቢ ዝተኻየደ ወፈራ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ዉጽኢት ከም እተረኽቦን ገና ድማ ይቕጽል ከምዘሎን ሓቢራ። እዚ ቅዱስ መደብ እዚ ከም ናይ ግብረሰናይ ተግባር መጠን፡ ኣብ ኣባላት ሰልፊ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ምዃኑ ዘሓጉስ እዩ ኢላ። ኣብ’ቲ ናጻ ማሕበር ደቅ-ኣንስትዮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ EWANA (Eritrean Women’s Association in North America) ወይ እዋና ብዝብል ስም ንኽቐዉም ዝኸይድ ዘሎ ቓልሲ ኣባላት ሰልፊ ይነጥፋ ምህላወን ገሊጻ።
ድሕሪ’ዚ ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ጸብጻባት ብጉባኤ ጸዲቑ። ግባኤኛታት ኣብ ኣገደስትን እዋናውያንን ኣርእስትታት ምክብባር ዝመልኦ ክትዓት ኣካይዶም። ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቡ። ጉባኤ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት ገለ ንምጥቃስ፡
- ሚዛና ኣብ’ቲ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝተራእየ ምዕብልናታትን ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ዉግእን
- ከም ሰልፊ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ሓድነታዊ ቓልሲ ከም ዞባ ኣወንታዊ ግደና ከመይ ይረጋገጽ
- ዝምድናና ምስ ኣብ ዞባና ዘለዉ ሓይልታት ተቓዉሞ ከመይ ነደልድል
- ምስ ሰበስልጣን ሰሜን ኣሜሪካን ትካላት ግብረሰናይን ዝምድና ከመይ ንፈጥርን ዘሎ ነመሓይሽን
- መሰረታት ስልፍና ከመይ ነስፍሕ
- መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ብዝያዳ ከመይ ነሳትፍ
- ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፍና ከመይ ነዕቢ ዝብሉ ኔሮም።
ንሕና ኤርትራውያን ቐንዲ ጸገምና ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ምዃኑን ኩሉ ዓቅምታትና ኣወሃሂድና ምልኪ ኣፍሪስና ፍትሓዊ ስርዓት ክንተክል ቀዳምይ ዋኒንና ምዃኑ መሰረት ዝገበረ ኣብ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ እኹል ምይይጥ ተኻይዱ። ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን’ውን ተመዝጊቡ።
ቀጺሉ ኣምራጺት ሽማግለ ስርሓ ክሳብ ትድምድም፡ እታ ተዳልያ ዝነበረት ኮምፑተር ኣብ ዕጫ ወዲቓ። ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይ ዋጋኣ ኣታዊ ዝገበረት ኮምፑተር ናብ ውፉይ ተቓላሳይ ብጻይና እስቲፋኖስ በራኺ በጺሓ። ሓውና እስቲፋኖስ ብወገኑ ነታ ኮምፕዩተር ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዘለዉ ተመሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻሙናይ ቀዳማይ ወይ ቀዳመይቲ ብልጫ ዝወጹ ተመሃሮ ኣብ ዕጫ ወዲቃ ንሓደ ወይ ሓንቲ ክትወሃብ ኣወፍዩዋ። ብዘይካ’ዚ ነቲ ዝሰዓረ ወይ ዝሰዓረት ናይ ማዕዶ ወላዲ ክረኽበሎም ተመባጺዑ። ጉባኤኛ ብምሉኡ ሓው እስቲፋኖስ ንዝገበሮ ሰናይ ተግባር ኣድናቖቱን ምስጋንኡን ገሊጹ።
ጉባኤ እናተኻየደ ናይ ምምራጽ ዕድል ተኸፊቱ ስለዝነበረ ኣምራጺት ሽማግለ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ብምጥቃም ዉጺኢት ምርጫ ንጉባኤኛታት ሓቢራ። ተወዳደርቲ ብሓጻዪት ሽማግለ ቐሪቡሎም ንዝነበረ ሕቶታት ስእሎም ኣሰንዮም ሰዲዶሞ ዝነበሩ ጉባኤኛታት ከምዝርእይዎ ተገይሩ። እቲ ሕቶታት፡ ሕጹያት መን ምዃኖም ድሕሪ ምልላዮም መሪሕነት ማለት ንዓዓቶም እንታይ ማለት ምዃኑን እንተተመሪጾም ከ ንዞባ እንታይ ክገብሩሉ መደብ ከምዘለዎምን ሓጺር መግላጺ ከቕርቡ እዩ ኔሩ። እዚ ሓድሽ ዝተእታተወ ባህሊ እዩ። ኣምራጺት ሽማግለ ዉጽኢት ምርጫ ማለት 7 ኣባላት ዞባ ሽማግለን 2 ተጠባበቕትን መን ምዃኖም ኣዊጃ።
ኣብ መደምደምታ ጉባኤኛታት በብተራ በቲ ዝወዓለ ጽፉፍ ኣገባብ ሓጎሶም ገሊጾም፡ በቲ ኹሉ ዕዉት ጉባኤ ንክኸዉን ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝተገብረ ጻዕርታት ኣመስጊኖም። ሞራልን ፍናንን ኣባላት ዞባ ሓፍ ዘበለ ጉባኤ ኮይኑ ድሕሪ 13 ሰዓታት፡ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሸት ብምዕራብ ጉባኤ ተደምዲሙ።
ክንዕወት ኢና!
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!
ቤት-ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
19 ጥሪ 2021
ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ናብ ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ 16 ጥሪ 2021
Written by EPDP Information Officeክቡር ኣቦ መንበርን ክቡራት ኣባላትን መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ!
ክቡራት ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ዞባ!
ክቡት ኣባላት መሪሕነት ሰልፍን ዕዱማት!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ሰክረታርያን ተሳተፍቲ ጉባኤን!
ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንቋዕ ናብ ምስልሳል ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ ኣብቅዓኩም እናበልኩ፡ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ኣመሓላልፍ። ነዚ ጉባኤ’ዚ ምክያድ ምብቃዕኩም ንባዕሉ ብስራት ዓወት’ዩ እናበልኩ ድማ’የ ዝጅምር።
ብምቕጻል፡ እቲ ንሚልዮናት ለኺፉ ናይ ኣማእታት ኣሽሓት ህይወት ዝወስደ፡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባዊን ህይወት ደቂ ሰባት ሓያሎ ዕንወታት ዘኽተለ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ፡ ንሰልፍና እውን ከም ዓለሙ ተንኪፍዎ፡ ንምንቅስቓስና ከኣ ደሪትዎ ጸኒሑ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ሕማም ኮሮና ዝሓለፈት ህይወት ብጻይናን ዝተጐድኡ ስድራቤታትን ኣለዉና። ካብ መድረኽ ናይዚ ጉባኤ፡ ንኩሎም ዝሓመሙ ምሕረት የውርደሎም ነቶም ህይወቶም ዝኸፈሉ ከኣ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም እናበልና ንዝክሮም። ምስ’ዚ ኩሉ ኣንጸላልዩና ዝጸንሐ ሓደጋታት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ዋላኳ’ቲ ኣብ ኣትላንታ ብኣካል ከካይዶ መዲቡ ዝነበረ ዞባዊ ጉባኤኡ እንተተዓንቀፈ፡ ምስ ዝተረኽበ ሓድሽ ምዕባሌታት ብምትዕጽጻፍ ስርሓቱ ከካይድ ምብቅዑ፡ ኣውራ ድማ ድሕሪቲ ብሓምለ 2019 ዝተኻየደ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ንመላእ ጨናፍር ዝሓቖፈ፡ ልሙጽን ዕዉትን መስርሕ ምጽንባር ምክያዱ፡ ኣዝዩ ዕዉት ምንባሩ ክንምስክረሉ ዝግባእ እዩ።
ሕጂ ከኣ እኹል መጽናዕትታቱ ድሕሪ ምክያድ፡ ብኤለክትሮኒካዊ መንገዲ ናይ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ዞባዊ ጉባኤ ከካይድ ምብቅዑ፡ ዮሃና እናበልኩ፡ ንኣባላት መሪሕነት ዞባ ሽማግለ፡ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ንሓጻይት ሽማግለን ንኩሎም እቶም ነዚ ዕዉት ስራሕ ንምስልሳል ዝወፈርኩም/ክን ኣባላት ዞባን፡ ብሓፈሻ ንኩለን ጨናፍርን፡ ኣባላትን ናይ ዮሃና መልእኽተይ አመሓላልፍ።
ብማዕዶን ብመስኮት ኮምፑተርን ዝካየድ፡ ዞባዊ ጉባኤ፡ ኣብ ምድላው ሰነዳቱ፡ ኣብ ኣሰታትፋኡን ኣመራርሓኡን ፡ ኣብ ሕጸታቱን ምምራጽ መሪሕነቱን፡ ከምቲ ዝለመድናዮን ንዓመታት ዝሰራሕናሉን ዘይኰነ፡ ሓድሽ ባህሪ፡ ሓድሽ ጠባይ፡ ሓድሽ ኣገባብ ሒዙ ከም ዝገዓዝ፡ ንህልዊ ተክኖሎጂያዊ መኽሰባት ተጠቒሙ ከም ዝሰርሕ ርዱእ እዩ። ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንመጀመርታ ግዜ ንጉባኤኡ በዚ ኣገባብ ክወስዶ ከሎ፡ ንባዕሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ሰልፊ ተመክሮን ኣብነትን እዩ። ምስኡ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ ንተዓጻጸፍ፡ ክሳብ ክንደይከ ኣሰራርሓና ምስ ህልዊ ኩነታት ብዘሳኒ መንገዲ ነካይዶ ንምምዛን ዘብቅዕ ፈታኒ ተመክሮ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ፡ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ ጉባኤ ምዃኑ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይመስልንን። ስለ’ዚ ድማ ጉባኤኛታት ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዓቢ ሓላፍነት ከም ዝሰርሑን ከም ዘዐውትዎን ምሉእ እምነት ኣለኒ።
ዝኸበርክንን ዝኸበኩምን ኣባላት ጉባኤ!
ንእግረ መንገደይ ጠቒሰዮ ከም ዝነበርኩ፡ ድሕሪ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ሰልፋዊ ፕሮግራምን ፖሊሲታት ሰልፍን፡ ናይ ስራሕ ቀዳምነታት እናሰራዕና ክንንቀሳቐስ ጸኒሕና ኣሎና። ካብ ዝተረኽበ ኣወንታዊ ምዕባሌታት ብሓጺር ነዚ ዝስዕብ ከነዋጽእ ንኽእል፥
- ድልዱል ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘዕቆበ፣ ህዝባዊ ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ውድባዊ ሕግታቱን ስነ ስርዓቱን ዝሓለወ፡ ንቑዕ ኣባል ዝውንንን፡ ድሕሪ ህልዋት ኣባላቱ ንውሉድ ወለዶ ዝቕጽልን ሰልፊ ምህናጽ፡
- ኣብዚ መዳይዚ ናይ ምጽንባር መስርሕ ብልሙጽ ኣብ ርእሲ ምክያድ፡ ናይ መላእ ኣባላት ተሳትፎ ኣብ ምሕያል ሰልፊ ምርኡይ ነይሩ። እቲ ምጽንባር ንፍልልያት ክልተ ድሕረ ባይታት ኣዝዩ ዘህሰሰ፡ ሓድነት ዘረጋገጸ ብሓቂ ዕዉት ነይሩ። ‘ንድሕሪት ዘይምለስ ሓድነት’ ንዝብል ጭርሖ ዘተግበረ ነይሩ። ብተወሳኺ ሓያል ሰልፊ ንምፍጣር ዘብቅዐ ዕዉት ፊናንሳዊ ወፍሪን፡ መዘና ዘይብሉ ተወፋይነት ኣባላትን ተራእዩ። ሓያሎ ኣባላት ዘይቅሉዓት ኰይኖም ምስ ሰዲህኤ ወጊኖም ክቃለሱ ዝመርጹ ምህላዎም ተጋሂዱ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ናይ ተደጋገፍቲ ኣባላት ሓያል ኣበርክቶ ኣመዝጊቡ።
- ሓባራዊ ዕዮ ደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ብዘይምቁራጽ ምስራሕ፤
- ኣብዚ መዳይዚ እቲ ብስምምዕ ለንደን ዝፍለጥ ንሓያሎ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝሓቖፈ ምውህሃዳዊ ውዕል ተዓዊቱ። ብኡ መሰረት ሓባራዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለን ሓይልታት ዕማምን ቆይመን። ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ሕዝባዊ፡ ዜናዊ፡ ፊናንሳዊ መዳያት ሓባራዊ ዕዮ ክካየድ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ምውህሃድ ናብ ዝበረኸ መድረኽ ሓባራዊ ዕዮ ንምስግጋር ከኣ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ቆይማ ትዋሳእ ኣላ።
- ምስቶም ብፕሮግራምን፡ ስልቲ ኣሰራርሓን ዝመሳሰሉና ኣብ ምሉእ ምጽንባራዊ ሓድነት ምእታዉ፤
- ኣብ ጉዕዞ ምጽንባራዊ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ) ዕዉት ልዝብ ድሕሪ ምክያድ ኣብ መነጎ ክልቲኡ ውድባት ምጽንባራዊ ሓድነት ተኻይዱ። እዚ ድማ ነቲ ውድብ ዘጽንሖ መቃለሲ ባይታ ዘስፍሐ፡ ንንያትናን ንያት ደገፍትናን ክብ ዘበለ ምንባሩ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። እዚ ሓድነት’ዚ ንዕዮታትና ኣብ መዳይ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣዝዩ ዝሓገዘ ኣወንታዊ ምዕባሌ ምንባሩ ከይጠቐስናዮ ዘይንሓልፍ ሓቂ እዩ።
- ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናዊ፡ ፊናንሳውን፡ ማሕበራውን መዳያት ሰልፋዊ ዕዮ በቲ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ተወኪሉ ዕዉት ዕማም ከነሰላስል ጸኒሕናን ኣሎናን። ከም ሰልፊ ዕቤት ከነርኢ በቂዕና ኢና።
- ኣብ ውደባዊ ጉዳያት፡ መዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስርርዓት ሰልፍና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይጐዓዝ ምህላዉ፡ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ክካየድ ዝበቕዐ ምዃኑ፣ ብወገን መንእሰያት እውን ኣብ ዘተፈላለየ መዳያት ኣውራ ድማ፡ ኣብ ምትርጓም ሰነዳት ሰልፍን፡ ተሳትፎ ኣብ ማሕበራዊ መድያን ምርኡይ ተራ ምህላዉ ዘሕብን እዩ።
ክቡራት ኣባላት ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
እዚ ብሓጺሩ ዝቐረበ ኣወንታዊ ውጽኢታት ሰልፋዊ ምንቅስቓስና፡ ሓፈሻዊ ሚዛን ንምቕራብ እምበር ዝርዝር ጸብጻብ ንምቕራብ ዝሕልን ኣይኰነን። ኣብ ፖሊቲካዊ መዳይ፡ ብደረጃ ኤርትራን ከባቢናን፡ ኣብ ምዝዛም ዓመት 2020 ብፍላይ ሓይሎ ምዕባሌታት ከም ዝተራእየ ኣይሰሓትን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲን ክልል ትግራይን ዝተባርዐ ወግእ፡ ነቲ ዞና ብምሉኡ ኰነ ንመላእ ዓለም ዘሻቐለ ምንባሩ ኩልና እንርድኦ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ ዕንወት፡ ስደት ህልቂትን መፍሳስ ደምን ከምኡን ከቢድ መበቆላዊ ጽላታት ዘከተል ኣሰራት ከም ዝነበሮን ከም ዘልውዎን እውን ካብ ኩልና ስዉር ኣይኰነን። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሓቲ ሓላፍነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ምስቲ ብዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ወጊና ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወት ንሕናን ዓለምን ዘረጋገጾ እዩ። እቲ ውግእ ዞባዊ ርሕቀት ይወስድ ምህላዉ ዘርኢ ድማ፡ ብወሰናስን ዶባት ኣሳቢቡ ዝተላዕለ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወግእን ናይ ከባቢ ሃገራት መርገጻትን ምድግጋፍን ኣሎ። ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ማእከላይ ባይቶ ዝወሰኖ መሰረት፡ ብንጹር ክንገዓዝ ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት ኢደ ጣልቃነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይንቕበልን ኣይንፈቅድን ። ነቲ ብምሕዝነት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ወራር እናኰነንና፡ እቲ ውግእ ብዘይካ ዕንወት ሞትን ስደትን ካልእ ረብሓ ሰለ ዘይብሉ፡ ንዘተን ሰላምን ዕድል ከወሃብ እዩ ጸዋዒትና። ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ከኣ ኣብ መንጎ ተጓንጸቲ ሓይልታት ዘተ ክካየድ ኣብ ልዕሊ ምጽዓር፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምሉእ ምክልኻል ክገብረሎም ጸዋዒትና ምቕራብ እዩ።
ተሳተፍቲ ጉባኤ!
ኣብዚ ዝሓለፍናዮ መድረኽ፡ ሓያሎ ኣወንታት ከም ዘመዝገብና ጠቒስና። በዚ ዓይኒ ክንርኢ ከለና፡ እወ ብሓቂ ሰዲህኤ ምዃን ክብሪ እዩ፡ ኩርዓት እዩ። ሰዲህኤ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ሰዲህኤ ምህላዉ ዓውደ ፍልጠትና ምምዕባል እዩ። ሰዲህኤ ማለት ናይ ፖሊቲካ ስድራቤት ማለትዩ። ስድራቤት ማለት ድማ ብሓባር ንትንስእ፡ ብሓባር ንወፍር፡ ንደጋገፍ ብሓባር ድማ ንዕወት ማለት’ዩ። ስለዚ ድማ መሰረታዊ ምስጢር ሓይልና፡ ሓድነትና፣ መሰረታዊ ዕጥቅና ድማ ፕሮግራምናን ሓድሕድ ምትሕልላይናን እዩ።
እዚ ክበሃል ከሎ ግን ንሰዲህኤ ብድሆታት ኣይገጥሞን፡ ኣይምከትን፡ ወይ ድማ ኣይጽገምን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ፈተናታት ነይሮምና እዮም። ኩሎም ንሓድነት ዝበሃግናዮም፡ ዘይተዓወትናሎም፡ ክረጋገጽ ብማለት ዝጸዓርናሉን ግን ዘየሰለጠና ኣሎ፡፡ ምሳና ክጐዓዙ ጀሚሮም ኣብ መንገዲ ዝወደቑና ኣለዉ። ብሓጺሩ ከምቲ መቐረት ዓወት ዝጠዓምና፡ ናይ ውድቀት ምረት እውን ብመጠኑ ቀሲምና ኢና። ኩሉ ዝደለናዮ ከይኑልና ማለት ኣይኰነን። ብዓቢኡ ከኣ እቲ ምሉእ ዓወት ኤርትራ፡ ማለት ውድቀት ምልካዊ ስርዓትን ምህናጽ ዲሞክራስያዊት ሃገርን፡ “እዋእ! ደንጉይና’ምበር” ዘይበልና ኣይኰንናን። ግን ዘይገሃስ ቅዋም ረጊጽና፡ ዘይደክም ጽንዓትን ዘይመውት ተስፋን ተቐኒትና፡ ዘይልህልህ ጉዕዞ ሓርነት ክንምርሽ ስለ ዝመረጽና ስጊርናዮ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ፈታኒ መድረኽ ኣቲና ኣለና። ሓድነትናን ጽንዓትናን ኮታ ብቕዓትና እውን ከይተረፈ ይፍተን ኣሎ። ንሕና ጥራይ ዘይኰንና መላእ ደምበ ተቓውሞ እውን ኣብ ፈተነ ኣሎ። ኣብ ዞባና ፖሊቲካዊ ዳግመ ስርርዓት ክኸይድ ድዩ? ሰልፋዊ ናጽነትና ከመይ ክትንከፍ እዩ? ሕጂ’ኸ ዓለም እንታይ ትደሊ ኣላ? ዝብሉ ሕቶታት ፈተንቲ ኰይኖም፡ ንምልኣት ሓድነት ህዝብና፡ ከምኡውን ንልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ፡ ዝፈታትን ወስታታት ይገሃድ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ንሕና ከም ሰልፊ እቲ መጀመርታን ልዕሊ ኩሉን ክንሰርሓሉ ዘለና ውሽጣዊ ውድባዊ ሓድነትና ምሕላው እዩ። ሓድነት ሰልፍና ድማ ነቲ ዘጽደቕናዮ መደብ ዕዮን፡ ቅዋምን ብምኽባርን ኣብ ትሕቲኡ ምእዙዝነት ብምርግጋጽን እዩ ዝሕሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ነቲ ኣቐዲሙ ዞባ ዘርኣዮ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ከም ዝቕጽሎን ዘማዕብሎን እምነት ኣሎኒ።
ክቡራት ኣባላት ጉባኤ
ኣብ መደምደምታ፡ ጉባኤኹም፡ ኣብ መደብ ዕዮታትን ቅዋምን ሰልፊ ተመርኲሱ ንዞባ ኣመሪካ ዝምልከት ኣገዳሲ ውሳኔታት ከሕልፍን ንመጻኢ መድረኽ ብብቕዓት እትመርሕ ሽማግለ ብዕዉት መንገዲ ክመርጽን፡ ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ሰልፊ ከምቲ ዝለመድናዮ ሓድሽን ኣድማዒን ግንባር ክኸፍትን ልባዊ ትምኒተይን ትጽቢት ሰልፍናን ምዃኑ እገልጽ።
ብተወሳኺ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ እዚ ጉባኤ’ዚ ሓድሽ ኣገባብ ምጥቃሙ፡ ብመላእ ሰልፊ ዝውረስ ተመክሮን ከበርክትን፡ ናይ መጻኢ ተመሳሳሊ ዕዮታት ኣብነት ክኸውንን ትጽቢት ዝንበረሉ ዘሎ ብምዃኑ፡ መላእ ኣባላት ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነት ከም ዘለኩም እናስመርኩ፡ ብዓወት ዕማማትኩም ክትዛዝሙ እምነየልኩም።
ሰዲህኤ ንዲሞራስያዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራስን ምዕባሌን!
ኤርትራ ብነጻነት ትንበር!
ዝኽርን ዘላለማዊ ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!
ተስፋይ ወልደሚካኤል
ኣቦ መንበር ሰልፍፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
16 ጥሪ 2021
ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ተሳትፎ ኣባላት ተጀሚሩ
Written by EPDP NA Information Officeቀዳም ዕለት 16 ጥሪ 2021 ንግሆ ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ተሳትፎ ኣባላት ተጀሚሩ። ኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ካሕሳይ እንቋዕ ብምሉእ ጥዕናኹም ኣብቀዓኩም ብምባል ከፊትዎ። ጉባኤ “ንጽንኩር ኵነታት ብውሽጣዊ ሓድነትና ክንስዕሮ ኢና” ዝብል ቴማ እዩ ተኸፊቱ።
ናይ ጉባኤ ሰክረታሪያ ነብሳ ድሕሪ ምልላይ ኣጀንዳ ጉባኤን ሕግታት ጉባኤን ድሕሪ ምብራህ ኣቦ መንበር ሰልፊ ኣብ መድረኽ ቀረበ። ኣቦ መንበር ምስጋንኡን ኣድናቖቱን ንኣባላት ድሕሪ ምሃብ ዓሚቝ ሰልፋውን ሃገራውን ናይ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተንቲኑ ኣቕሪቡ።
ብምቕጻል ጸብጻባት ዞባ ቀሪቡ። ኣቦ መንበር ዞባ ንጥፈታት ዞባ ቀሪቡ፡ ገንዘባዊ ጉዳያት ብኣሕውት ፍስሃየ ፍትውን ቦኽረጽዮን ጉብሳን ቀሪቡ፡ ንጥፈታት ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ብሓብቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ቀሪቡ።
ጉባኤ ናይ ምሉእ መዓልቲ መደብ እዩ። ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ ክስዕብ እዩ።
ክንዕወት ኢና!