ሱዳናዊ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብዓብደላ ዋሂድ ኣልኑር ዝምራሕ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን፡ ብ16 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ውግእ ኣብ ምቁራጽን ሱዳን ዳግማይ ኣብ ምህናጽን ይሕግዝዩ ኣብ ዝበልዎ  መትከላት ዘተኮረ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ነቲ ርክብ ዝወደቡ ኣካላት ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እቲ “ መትከላት ንምህናጽ ሓዳስ ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝፈረምሉ ሰነድ፡ ምስቲ ብፍላይ  ብሰልፊ ሃገራዊ ጉባአን ዘቕረበን  ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ዝጻረርን ውሳነ ሓሳብ ዝሰማማዕ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። ነቲ ስምምዕ ዝኸተሙ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ፈደራላዊ ምትእኽካብ፡ ዓረባዊ ማሕበራዊ ሰልፊ በዕስ፡ ሰልፊ ሃገራዊ ኡማ፡ ሱዳን ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ፡ እዋናዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ፡ ምሕዝነት ሱዳንን ሪፐብሊካዊ ሰልፍን ምዃኖም ከኣ ሱዳን ትሪቡን ብተወሳኺ ኣስፊራ።

ብዘይካዚ  ኣተሓባባሪ ዝተመዛበሉ ወገናትን ስደተኛታትን፡ ማሕበር ባር ዳርፎር፡ ምሕዝነት ሲቪላውያን ምብራቕ ሱዳንን ምትሕብባር ክኢላታትን ነጋዶን እውን ኣካል ናይቲ ምፍራም ምዃኖም ተጠቒሱ። ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶር ዓብደላ ሓምዶክን ጋዜጠኛ ኣልሓጅን ከኣ ነቲ ሰነድ ካብ ዘጽደቑ ፍሉጣት ባእታታት እዮም።

ካብ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ፡ ምድጋፍ ልኡላውነትን ሓድነትን ሱዳን፡ ውግእ ከም መፍትሒ ምንጻግ፡  ብውሕዱ ከም ናይ መጀመርያ ደረጃ ስጉምቲ ምስ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝተተሓሓዘ ውግእ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምቁራጽ፡ ምህናጽ መንግስታዊ ትካላትን ዝኣመሰሉን ነጥብታት ይርከብዎ።

ኣብዚ ሱዳናውያን ኣብ ሃገሮም ሰላም ንምምጻእ ዝጽዕርሉ ዘለዉ ግዜ፡ ብሓፈሻ ብዙሓት ወገናት ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝርከብዎ ኣካል ፍታሕ ንምምጻእ ይጽዕቱ ከም ዘለዉ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ዝተጠልመ ልኡላዊነታ ንክምለስ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተኸፍለ ናይ ህይወትን ንብረትን ዋጋ እልቢ ኣይነበሮን። እቲ  ብመስርሕ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ መድረኽ ዝኾነ ቃልሲ ብውሑዳት እዩ ጀሚሩ። እቶም ውሑዳት ብዕላማኦም ናይ ኩሉ ገጻት ሕብረተሰብ ምንባሩ ከኣ ካልእ መግለጺ ናይቲ ቃልሲ እዩ።  ናይ 60ታት ኤርትራውያን መንእሰያትን ተመሃሮን ኣዝዩ  ዕዙዝ ግደ ከም ዝነበሮም ድማ ታሪኽ ቃልስና እናዘከሮ ዝነብር እዩ።

ስዩም ዑቕባሚካኤል ራእሱ (ሓረስታይ)፡ ሓደ ካብቶም ናይቲ እዋንቲ ትጉሃትን ተበዓትን መንእስያት ተመሃሮ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንስዩም ሓረስታይ ከነልዕሎ እንከለና ብዘይምኽንያት ዘይኮነ፡ ኣብ ድሮ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቱ 17 ታሕሳስ 2005 ስለ ዘለና ኢና። ስዩም ኣብ 2001 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ፡ ኣብ ዝወጸ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቑ፡ ከመይ ኢሉ ፍቕሪ ሃገሩ ከም ዝሓደሮ ክዝክር እንከሎ፡ እቲ ስርጸት ሃንደበትን ብሓደ ግዜ ዝተፈጥረን ዘይኮነ፡ ብመስርሕ ምንባሩ ይጠቅስ እሞ፡  “ ሓደ መዓልቲ ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ በታ ኣብ ጐና ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ጥራይ ክትትካእ ተዓዘምኩ። ሽዑ ነቲ ኩነታት ዝተዓዚብና ተመሃሮ ናብ ክፍልና ምስ ኣተና ኣዚና ተከዝና። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ኦሮማይ ኤርትራ እናበሉ ብሓዘን የስቆርቁሩ ነይሮም። ድሕሪዚ ብዘይካ ቃልሲ መፍትሒ ከም ዘየለ ዝያዳ ክርዳእ ዝጀመርኩሉ ታሪኻዊ ተረኽቦ ነይሩ” ይብል።

ስዩም ኣብቲ ርሱን ናይ ንእስነት ግዜኡ ቃልስን ላዕልን ታሕታን ብጉዳይ ሃገር በይኑ ከምዘይነበረ ንምርዳእ፡  ኣብቲ እዋንቲ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ካብ ዝነበሮም ኣብነት ንምጥቃስ፡ “ኣስማት ኣብ ምዝካር ንፉዕ ኣይኮንኩን” ድሕሪ ምባል፡ ካብቶም ናይ ግዜ ንእስነት ናይ ቃልሲ ብጾቱ ዝነበሩ “ወልደዳዊት ተመስገን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሃይለማርያም ወልደትንሳኤ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዘካርያስ፡ በረኸት ገብረስላሴ፡”  እናበለ ብደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ የወሃህዳ ናይ ዝነበራ ኮሚተታት ኣባላት ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሱን ወልደየሱስ ዓማርን ካብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን፡ ምስ ኣብ ካለኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ  ከተኣሳስሩ ዝተመዘዙ ምንባሮም ይዝክር። 

ብረታዊ ሰውራ ኤርትራ፡ ብመሪሕነት ጀግና ሓምድ እድሪስ ዓዋት ምብሳሩ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ሃገርና ክስማዕ ግዜ ኣይወሰደሉን ዝበለ ስዩም፡ ነቲ ኣብ ውሱን ኩርናዕ ዝተጀመረ ቃልሲ ዝያዳ ንምስፋሕን ህዝቢ እምነቱ ከም ዘሕድረሉ ኣብ ምግባርን ግደ መንእሰያት ከመይ ከም ዝነበረ ክሕብር እንከሎ ከኣ፡ “እቲ ዝተጀምረ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ከም ዝሰርጽን  ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነቱ ንክዓብን ምልዕዓል ከነካይድ ከም ቀንዲ ስራሕና ወሲድናዮ” ዝብል ሓሳብ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ  ዓመታት ቅድሚ መስዋእቱ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ኣስፊሑ ኣስፊርዎ።

ሓረስታይ ካብ ቀደሙ ኣብ ወሳኒ ግደ ምውዳብ ንዓወት ኣዝዩ ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ ብዘይካቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ምውዳብ ንጥፈታት፡ ምስ ናይ ቃልሲ ብጻዩ ወልደዳዊት ተመስገን ኮይኖም፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብወን ኣብያተ-ስራሕን ትካላት ትምህርትን ሰፊሕ ውዳበታት ምክያዶም የዘንቱ። ከም መቐጽልታ ናይዚ ነቲ ናይ ሜዳ ቃልሲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ምስ ዝነበረ ህዝቢ ኣደልዲልካ ንምትእስሳሩ ካብ ሜዳ ብመደብ ናብ ውሽጢ ከተማታት ኣትዩ እናተቓለሰ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሓበሬታ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ሰፍ ዘይብል ዋጋ ካብ ዝኸፈሉ ጽኑዓት ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብኡ እውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ንክብርኽ ካብ ምጽዓር ከምዘየቋረጸ  ኣካል ታሪኹ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ።

ስዩም ሓደ ካብቶም ኣብ 1975 ብመስተንክራዊ ስርሒት ተጋደልቲ ተሓኤ ካብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዃላ ናጻ  ዝወጹ እሱራት እዩ። ድሕሪ ካብ ማእስርቲ ተፈቲሑ ናብ ውድቡ ምምላሱ፡ ኣብቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባአ ካብ ምስታፍ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ፖለቲካዊ ሓላፍነታት ተመዚዙ ግቡኡ ዝፈጸመ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘድመዓሉን “ሓረስታይ” ዝብል ስም ዘውሃቦን ከኣ ኣቦመንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርስቶት ኤርትራይውን ኮይኑ ዝተቓለሰሉ እዩ። ስዩም ኣቦመንበር ናይቲ ማሕበር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝያዳ ቆላሕታ ዝህቦ “ሕቶ መሬት ሓረስታይ ኤርትራ ምምላስ” ስለ ዝነበረ፡ በዚ ኣዝዩ ሕጉስን ሕቡንን ምንባሩ  ወትሩ ይገልጾ ነይሩ።

“ህዝቢ እዩ ወሳኒ” ዝብል ኣምር  ኣብ ቅድሚ ስዩም ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ንሓርነት ዝካየድ ዘሎ ቃልስና’ውን ኣብ ብዙሕ መደረኻት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ፍሉይ ግምት ይህቦ ከም ዝነበረ፡ በቲ “ ኣብ ዓወት ክንበጽሕ፡ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ምስ ቃልሲ ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽብ ቀለበት ክድልድል ኣለዎ፡ ህዝቢ ዘይሳተፎ ቃልሲ ናይ ምዕዋቱ ዕድል ውሑስ ኣይኮነን” ዝብል ኣበሃህላኡ ወትሩ ዘይሃስስ’ዩ። ስዩም ብዙሓት ናይ ጽንዓት መለለይታት  ዝነበርዎ ኮይኑ፡ “ንዝኣመነሉ ብትብዓት ናይ ምቅላሕ፡ ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚት ምስራዕ፡ ኣርሒቕካ ንቕድሚት ምጥማትን ንዓኡ ዝምጥን ውጥን ምትላምን”  ከኣ ካብቶም ዝግለጸሎም  ነይሮም።

ስዩም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ  ተወፋይነቱን ጽንዓቱን ከም ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት እውን ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ሓላፍነታት፡ ብፍላይ ድማ ቅድም ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ደሓር ከኣ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ካብቲ ዝመርሖ ውድብ ሓሊፉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን ኣፍልጦን ተቐባልነትን ንክረክብ ዘበርከቶ ታሪኽ ዘይርሰዖ እዩ።

ኣብዚ መበል 20 ዓመት መስዋእቲ ስዩም ንዝክረሉ ዘለና ጽንኩር እዋን፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነትን ኣርሒቕካ ምርኣይን ናይ ስዩምን ካለኦት ኣሰር ገዲፎም ዝሓለፉ ሓርበኛታትን፡ መንእሰያት ኤርትራ ከም ኣርኣያኦም ክወስድዎ ዝግበኦም ሃብታም ናይ ቃልሲ ውርሻ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ታሪኽ ተደጊሙ፡ ሃገርነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝሓልሙ ኣካላት ብዘይሕፍረት ድምጾም ዘስምዕሉ ዘለዉ ወሳኒ መድረኽ፡ ኣብ ቅድሚ መንእሰይ ዘሎ ሓላፍነት ተደራራቢ ከም ዝገብሮ ምርዳእ ወሳኒ’ዩ።

ሃገር፡ ኩሉ ክሓልፍ እንከሎ፡ ዘይትሓልፍ ናይ ኩሎም ደቃ ጸጋ  እያ። ሃገር ዜጋታታ ከም ኣደ  ዝሕልውዋን ዘኽብርዋን እምበር፡ ንሳ ንኽትገብሎምና ዝጸባጸብዋ ኣይኮነትን። ሃገረይ እንታይ ክገብረልኪ እምበር፡ እንታይ ትገብርለይ ኣይባሃልን ዝብል ዓሚቕ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ከኣ፡ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ሃገር ተስፋን ጽላልን እትኸውን ከኣ ብህዝባ ክትምዕርግን ክትለምዕን እንከላ እያ። ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ትርጉም የብሎምን ዝበሃልን ብሓደ ዓይኒ ርኢኻ ዋጋ እንኸፍለሎምን ከኣ ካብዚ ዜግነታዊ መሰልን ግቡእን ነቒልካ እዩ። ምእንቲ ህዝቢ ወይ ምእንቲ ሃገር ምውፋይ ፈላሊና ዘይረኣይ እውን ካብዚ ዘይከሓድ ሓቂ  ብምንቃል እዩ። ህዝብን ሃገርን፡ ዝሓልፍ ስርዓት  እናፋነዉ ንሓድሽ ከኣ እናተቐበሉን፡  ህልውናኦም  ቀጻሊ እዩ።

ሃገር እትዕቀብን እትቀስንን  እቲ ካብኣ ዝተፈልየ ህልውናን ዕድልን ዘየብሉ ህዝባ ንጸጋታታ ብማዕረን ብግቡእን ተጠቃሚ ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ድማ፡ ሃገር በቲ ሓደ ወገን ምስ ህዝባ ኮይኑ ዝሕልዋ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝባ ብጸጋታት ሃገሩ ክጥቀም ዘኽእል፡ ህዝቢ ዝዋንኡ  ስርዓት ክህልዋ እንከሎ እዩ። ሓደ ስርዓት ነዚ ህዝባዊ ሓደራ ክበቅዕ፡ ምስቲ  ዘመሓድሮ መሰረታዊ ሕገመንግስታዊ   ዝቕየደሉ ውዕል ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እዚ ውዕልዚ ነቲ ዝመሓደር ህዝቢ ኮነ ነቲ ዘመሓድር ስርዓት ነፍሲ ወከፎም እንታይ ይገብሩን እንታይ ኣይገብሩን ዝድርት እዩ።

ሃገርን ህዝብን ንምምሕዳር ዝምስረቱ ስርዓታት፡ ናብ ስልጣን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክመጹ ይኽእሉ። ዝተፈላለዩ መልከዓትን ባህርያት’ውን ይህልዎም። እቲ ቀንዲ ዝምዘንሉን ዝዕቀንሉን ከኣ ንህዝብን ሃገርን ብዝህልዎም  ክብርን ብዝህብዎ ፍትሓዊ መሪሕነታዊ ኣገልግሎትን እዩ። ስርዓታት ነዚ ሕድሪ’ዚ ረብሓ ህዝቢ ኣማእኪሎም እንተዘይመሪሖም ግና፡ ዝመጽሉ ኣገባብ፡ ዝኽተልዎ ስልቲ፡ ዝጽውዕሉ ስምን ዝሕዝዎ ቅርጽን ብዘየገድስ፡ ተቐባልነት የብሎምን። ንኣብነት ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕምሶን ዝዘርጎን ዘሎ ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣሳሮ መምዘኒኡ  ተሓታትነት ዘለዎ፡ መቆጻጻሪ ውዕል ዘየብሉ ዓንዳሪ  ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕሪ ጥራይ ኣይነብርን እዩ። ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሰላም ዘውሕሰሉ፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ተጠቃምነቱ ዘረጋግጸሉን ትርግታ ልቡ ዝርደኣሉን ስርዓት እውን የድልዮ። ነዚ ዝበቅዕ ስርዓት ከማለኦም ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ መምዘንታት ከኣ ብፈቓድን ድሌትን  ናይቲ ዝመሓደር ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየበ ክኸውን  እንከሎ እዩ። ብቃሕትኡ ብዓመጽ መጺኡ፡ ከም ድላዩ ዝዕንድር ቀይዲ በተኽ ስርዓት ግና፡ ሃረርታ  ህዝቢ ከማልእ ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ናይቲ “አመሓድሮ ኣለኹ” ዝብል፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሓረሞ ጉጅለ ህግደፍን ከኣ በዚ እዩ ዝምዘን። ተተሓሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልስና ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ነዚ ካብ ናይ ጐይታን ጊላን ዝምድና ፈሊኻ ዘይርአ፡ ዝንቡዕ ዝምድና ሃገር፡ ህዝብን ስርዓትን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዕ ንምትሓዝ እዩ።

ብዘይምርጫ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጽዕት ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ዝጥቀመሉ ሸፋጢ ስልቲ፡ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታውን ምድህላል እዩ። ናይዚ መርኣያ ድማ እቲ በብግዜኡ ዘይኮኖ መሲሉ ንምቕራብ ዝፍትኖ  እዩ። ካብቲ ሃቐነታቱ  እቲ ቀንዲ ፈታዊ ሃገር መሲልካ ብምቕራብ፡  ህዝቢ ከኣ ፈታው ሃገረይ ካብ ኮነስ” ኢሉ  ንክድግፎ  ካብ ዝብል ህርፋን፡ ዕድመ ከንውሓሉ ምጽዓር እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኣብቲ ሃገርን ህዝብን ኣይሓልፉን እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም  ዝብል ኣምር ንጹር እምነት ከይሕዝ እሞ፡ ካብታ ዘይትሓልፍ ሃገር ነጺሉ ከይነጽጎ  ካብ ዝፍሕሶ ውዲታት፡  እዩ።

እዚ ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ንምምዝማዝ ዝጥቀመሉ ተንኮል ብቐጥታ ዝዛመድ እዩ። ውሑዳት ግሩሃት ኤርትራውያን እቲ ጉጅለ ክንቀፍን ተቓውሞ ከጋጥሞን እንከሎ፡ ሃገርን ምእንተኣ ዝተበጀዉ ሓርበኛታትን ከም ዝተተንከፉን ዝተደፍሩን ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እዚ ተረድኦዚ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝምህዞ ሓደገኛ ተንኮል ዝሓደሮም ግጉይ ተረድኦ እዩ። እንተ ኤርትራውያን ጀጋኑ ዝተሰውኡን ዝተበጀዉን ምእንቲ ዘይሓልፍ ህዝብን ዝፈትውውዋ ሃገርን እምበር፡ ምእንቲ ነቲ ንህዝቢ ደም ዘንብዕ ዘሎ ሓላፋይ ስርዓት ኣይኮኑን።

ህዝቢ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን ንምግላጽ፡ ቅድሚ ኩሉ እታ ብዋጋ ቃልሱ ዘምጸኣ ሃገርን፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባሩ   ዝቃወሞ ዘሎ ጠላም ስርዓትን ከይሓዋወስዎ ክጥንቀቕ ይግበኦ። ነዚ መሰረታዊ ተረድኦዚ እንተዘየነጺሩ ግና፡ ነቲ ሕድሩ ዝጠለመ ስርዓት ክድግፍ ክብል፡ ነታ በጃ ዝሓለፈላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቐሉ ኩነታት ክፍጠር ከም ዝኽል ኣዚሩ ክሓስብ ይግበኦ። ከይተፈለጦ ግዳይቲ ጉጅለ እንተኮይኑ ግና ኣንጻር’ታ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ክሕልዋ ዝግበኦ ሃገር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ  እዋን ብዘይምኽኑይ ፍቕሪ ህግደፍ ልቦም ዝተሰልበ ወገናት፡ ንኺድ ጥራይ እንዳበሉን ናይቲ ጉጅለ ጭረሖ እናቃልሑን፡ ኣንጻር ልኡላዊነት ሃገሮም ኣበይ በጺሖም ከም ዝነበሩ ሎሚ ይፍጠር ምስ ዘሎ ኩነታት ኣረኣእዮም ከነስተብህልሉን ክመሃርሉን ይግበኦም። ህዝቢ ኣብ ገዛእ እታ ብኹቡር ዋጋን ነዊሕ መስርሕን ቃልስን ዝተዋሕሰት ሃገሩ፡ ንዘይማእመኦ ስርዓት ናይ  ምቅዋም ምሉእ መሰል ክህልዎ መተገብአ። ግና ብሰንኪ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መሰል ተጠቃሚ ክኸውን ኣይከኣለን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ መሰረታዊ መሰሉ ከውሕስን ግዳይ ህግደፍ ከይከውንን ክትንስእ እንከሎ፡ እቲ ጉሒላ ጉጅለ ዓይኑ ደም ዝመልእ እምበር፡ ዝምርቐሉ ከምዘይኮነ ክርዳእ ይግበኦ። ካልእ ብዓንተቦ ክውገድ ዝግበኦ ዝነበረ ሎሚ’ውን ዝረአ ዘሎ ጸገም፡  ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምጽቃጥ ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን፡ ካብቲ ስርዓት ተስፋ ቆሪጽካ፡ ንዓኡ ዘረኸብካ መሲሉካ፡  ህልውና፡ ቀጻልነትን ሃገርካን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ግዳም ወስታ ምትብባዕ ፡ ከይሳዕረረ እንከሎ “ኣይፋል” ክበሃል ዝግበኦ እዩ። ናይ ከምዚ ኣተሓሳስባ ግዳይ ዝኾኑ ኣካላት ከኣ ናብ ውነኦም ክምለሱ መልእኽትና ይብጸሓዮም።

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መዲያ (ቢቢሲ)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ15 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዳጒናቶም ዘላ ኣስታት 10 ሺሕ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ካህናትን መንእሰያትን ዝርከብዎም እሱራት፡ ብዘይቅድመ ኩነት ንክትፈትሕ ጸዊዑ። ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ብ1993 ልኡላዊት ካብ እትኸውን  ክሳብ ሎሚ፡ ብወዲ 79 ዓመት ዲክታተር  እትጭቆን ዘላ እያ ክብል ገሊጽዋ።

ሰይፍ ማጋንጎ ዝተባህለ፡ ላዕለዋይ ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ፡ ብ4 ታሕሳስ 2025፡ 13  ነባር ተወዳዳሪ ብስክሊት ዘርኣጋብር ገብረህይወት ዝርከቦም ነጋዶን ሓለፍቲ ፖሊስን ብጃምላ ተኣሲሮም ብዘይፍርዲ ንኣስታት 18 ዓመታት ተዳጒኖም ዝጸንሑ ምፍተሖም ኣብ ግምት ዝኣቱ ምዃኑ ምጥቃሱ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

 ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ  ስልጣን ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ ኩሎም ካብ 2001 ጀሚሮም ብጃምላ ተኣሲሮም ዝማስኑ ዘለዉ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ዝርከብዎም ግዳያት ብዘይወዓል ሕደር ክፍትሑ ይግባእ ምባሉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ ዝኽተልዎ ሃይማኖት 5 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ማይስርዋን ካለኦት ኣብያተ ማእሰርትን ተዳጒኖም ዝጸንሑ፡ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት 20 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቦም ብድምር 98  ኤርትራውያን ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑ፡ ቢቢሲ እትርከበን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ወጻእን ኣብ ኤርትራን ዝርከቡ ምንጭታተን ብምጥቃስ ሓቢረን።

እተኾነ እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ፡ እሱራት ምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘእሰሮም ዘይቅቡል ምኽንያት ካብ መሰረቱ ምውጋድ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና እቲ መስርሕ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ምቅይያር እምበር ማእሰርቲ ዘቋርጽ ኣይኮነን።

ሕብረት ኤውሮጳን 5 ግዱሳት ሃገራትን፡ እቲ ውግእ 1998-2000 ዘቋረጸን ኮሚሽ ዶብ ንምምስራት ዘኽኣለን ብኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ዝተኸተመሉ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ብምግባር 

ንኽኽበር መጸዋዕታ ኣቕሪበን። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ  ዘውጸኦ መጸዋዕታ፡ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሕድሕደን ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብራ “እንደጋና  እጽውዕ” ይብል።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መጸዋዕታኡ፡ ንትግባረ እቲ ብክልቲአን ሃገራት  ተቐባልነት ዝረኸበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ዘለዎ ምሉእ ደገፍ “አረጋግጽ” ኢሉ። እቲ መመጸዋዕታ ከምዚ ዝበለ ንወሳንነት ምኽባር ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልቲአን ደጊሙ ፍሉይ ግምት ብምሃብ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ንዘጋጥሞም ወጥሪ ወይ ዘይምርድዳእ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን እሞ ድማ ንዝሰፍሐ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ብዝሕግዝ ጥራይ ንክፈትሕዎ ተማሕጺኑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ንውዕል ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ሓሙሽተ መንግስታት ተመሳሳሊ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እተን መግለጺ ዘውጸኣ ካናዳ፡ ጃፓን፡ ነርወይ፡ ቱርክን ዓባይ ብሪጣንያን ኮይነን፡ እቲ ስምምዕን በቲ ስምምዕ መሰረት ናይ ዝቖመ ኮሚሽ ዶብ መትከላትን ንክኽበሩ ዘለወን እምነት ኣስፊረን።

እዘን ሓሙሽተ መንግስታት’ውን ከም ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከይትንከፍ ኣዕዚዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሉ ጸገማት ንመንፈስ ናይቲ ብ2028 ኣብ ሱዕድያ ዝተኸተመ ውዕል ኣብ ግምት ብምእታው፡  ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገዲ ክፍታሕ ጸዊዐን።

እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይዘን 5ተ መንግስታትን መልእኽቲ፡ ምስቲ ብ12 ታሕሳስ 2025 ንምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ብዝምልከት ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ዝወጸ መግለጺ ዝናበብ ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ።

እቲ ብዙሓት ወገናት ዝጠቕስዎ ዘለዉ፡ ብ9 ሓምለ 2018 ብኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ  ሳዑድ ዓረቢያ ዝተኸተመ ሰነድ፡ ንውሳነ ኮሚሽ ዶብ ብዝምልከት፡ ኣብ 4ይ ዓንቀጽ “ክልቲአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግብራ ተሰማሚዐን ” እዩ ዝብል።

 شارك السيد قزقيهير تولدي، رئيس القوى السياسية الإرترية، في أعمال المؤتمر الثالث للمجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي، المنعقد في مملكة السويد، حيث ألقى كلمة تضامن باسم القوى السياسية الإرترية.

وأعرب عن تمنياته بنجاح أعمال المؤتمر، مشيرًا إلى الآمال الكبيرة المعقودة عليه في استكمال ما بدأ من جهود وطنية مشتركة تهدف إلى بناء إطار جامع للعمل السياسي. وأكد أن القوى السياسية الإرترية ترى في نجاح المؤتمر وخروجه بقرارات إيجابية مصلحة وطنية مشتركة، موضحًا أن تطلعاتها وآمالها تتقاطع مع تطلعات المشاركين في المؤتمر.

وأشار رئيس القوى السياسية الإرترية إلى أن انعقاد المؤتمر يأتي في ظل أوضاع وطنية وإقليمية ودولية بالغة التعقيد، تتسم بتزايد النزاعات والتوترات، معربًا عن أمله في أن تنسجم مخرجات المؤتمر وقراراته مع هذه المتغيرات والتحديات.

وفي سياق متصل، تطرق إلى الأوضاع الداخلية في البلاد، موضحًا أن السياسات التي انتهجها النظام خلال الأعوام السبعة الماضية أسهمت في انتهاك السيادة الوطنية، سواء بشكل مباشر أو من خلال السماح بتدخلات خارجية، إضافة إلى انتهاكات واسعة لحقوق المواطنين، الأمر الذي أدى إلى تفاقم معاناة الشعب الإرتري ودفع أعدادًا كبيرة منه إلى الهجرة واللجوء.

وأكد أن الخروج من هذا الواقع يتطلب الإسراع في بناء مظلة وطنية جامعة للعمل المشترك، مشددًا على أن تحقيق هذا الهدف لم يعد يحتمل مزيدًا من التأخير.

وفي ختام كلمته، تمنى التوفيق والنجاح لأعمال المؤتمر، وأن يشكل مخرجاته دافعًا لتعزيز العمل الوطني المشترك، مؤكدًا مجددًا الاستعداد الكامل للقوى السياسية الإرترية للتعاون والتنسيق في سبيل تحقيق الاطار الجامع من اجل  التغيير الديمقراطي المنشود.

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ14 ታሕሳስ 2025፡ ጥምሮ ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ ብዝሰርዖ ምስ  ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኣወስትራሊያ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ መቐጸልታ ናይቲ ብ6 ታሕሳስ 2025 ብምኽንያት ናይ ግዜ ፍልልይ  ምስ ካብ ኣወስትራልያ ወጻኢ ዘለዉ ኣባላት ዘሰላሰሎ እዩ።

 ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር፡ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ኩሉ ሰልፋዊ መዳያት ዝተገብረ ምንቅስቓሳት፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ዝተራእዩ ምዕባለታትን ምስ ግደ ሰዲህኤ ብምትሕሓዝ  ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መጻኢ ዓመት 2026 ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም ድማ ኣሚቱ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መብርሂኡ፡  ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ካብ ዝተዓሙ፡ ዓቕሚ ሰልፊ ናይ ምሕያልን ዝሓሸ መንገዲ ንምኽታልን ኣብ ነፍሲ ቤት ጸሕፈትን መዳይን ዝተራእዩ ምንቅስቓሳት ብደቂቑ ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መጻኢና ዝሓሸ ንክኸውን ዝሕግዝ ሓሳብ ንምውህላል መጽናኦቲ ዘካይዳ ሽማግለታት ተመዚዘን ኣብ መስሕ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

 ኣተሓሒዙ ከኣ  ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዝተኻየደ ስረሓት ንኢዱ፡  ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ገንዘባዊ ዓቕሚ  ንምሕያል ዝገበሮ ዘለዋ ተወፋይነት ብፍላይ ኣመጒሱ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብ ዘዝተመዘሉ መዳይ ዝያዳ ኣድማዒ ውጽኢት ንከመዝግብ ኣተባቢዑ። ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ምንቅስቓስ ሰልፊ ንምልላይን ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቐነዐ ወፈራ ኢትዮጵያ ንምቅላዕን ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ መድያታት መግለጺ ክህብ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ድማ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ፡ ጽላል ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክግበር ዝጸንሐ ዘተታት’ውን ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ   ውጽኢት እንተዘየመዝገበ፡ ዝተመሃርናሉ እምበር ዝኸሰርናሉ ግዜ ከምዘይነበረ  ሓቢሩ።  ኣብ መጻኢ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብዚ ጀሚርዎ ዘሎ 3ይ ጉባአ  ንምምስራት ሰፊሕ ጽላል ዘሕይል ውሳነ ክውስን ዘለዎ ተስፋ ጠቒሱ።

ህልዊ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባለታት ኣብ ዘልዓለሉ ዛዕባ ኣቦመንበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝረኣዩ ዘለዉ ቅልውላዋትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠቒሱ። ኣብዚ ከባቢና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝረኣዩ ዘለዉ ኣሰከፍቲ ምዕባለታት ዝምልከት ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህግደፍ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ወስታ ምኹኑይ ንክመስል ብዝሕግዝ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ካለኦትን ንረብሓ ህዝብናን ሰላም ሃገርናን ዘዕንቅፍ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ድሕር’ቲ ዓሚቕ መብርሂ ኣቦመንበርን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን፡ ተሳተፍቲ  ኣብዚ መወዳእታ 2025ን ድሮ 2026ን ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ድማ ቀጻሊ ንክኸውን ዘለዎም ተስፋ ኣንጸባሪቖም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ መግለጺ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ከኣ ተወሳኺ ሓሳብ ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ንዝያዳ ኣድማዕነት ይሕግዙ ዝበልዎም ርኢቶታትን ለበዋታትን ብምቕራብን ነቲ ኣኼባ ኣህብቲመምዎ።

ኣቦመንበር ኣብ መወድእታ ኣኼባ ክዛዝም እንከሎ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ምጽንሑ ደጊሙ ብምንጽብራቕ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎዝተፈላለዩ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ኣብ ምምካት ኣበርክቶኦም ከሕይሉ ብምጽዋዕ ኣኼባ ደምዲሙ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ትካል ጸጥታ ውሽጢ ሃገር፡ ንኢትዮጵያውያን ሂብዎ ዝጸንሐ ግዝያዊ ፈቓድ መንበርን ስራሕን (TPS) ክስርዞ ከም ዝወሰነ ካብ ብ12/12/2025 ጀሚሩ ክስርዞ ከም ዝወሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ናብዚ መደምደምታ ዝበጸሐ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብምግምጋምን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ድሕሪ ምዝርራብን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ግዝያዊ ፈቓድ ንዝተወሰነ ግዜ ዝወሃብን ምስ ነባሪ መንበሪ ፈቓድ ምትእስሳር ከም ዘየብሉን ናይቲ ትካል ወሃቢ ቃልል ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ዘጋጥሞም ጸገም የሎን ዝብል ተረድኦ ከም ዘለዎም ከኣ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያውያን ነዚ ዝስረዝ ዘሎ ፈቓድ ዝረኸቡ ኣብ ግዜ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ውግእ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ግዝያዊ ፈቓድ ኣሜሪካ ዕድል ዘለዎም ዜጋታት 17 ሃገራት ኮይኖም፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብኣትን እያ።

ኣብዚ እዋንዚ ክሳብ 13 ለካቲት 2026 ክምለሱ ዝገበኦን ካብ ኣሜሪካ ክወጹ ፈቓደተኛታት ዝኾኑን ኢትዮጵያውያን  ናይ 1000 ዶላር ሓገዝ ዝረኽብሉ ዕድል ከም ዘሎ ድማ ኣብቲ መገለጺ ተሓቢሩ። ፈቓደኛ ብዘይምዃን ነቲ ናይ 13 ለካቲት 2026 ገደብ ዝሕለፉ ግና፡ ንሓዋሩ ናብ ኣሜሪካ ክምለሱ ብዘይክእልሉ  ከም ዝስጐጉ ተጠቒሱ’ሎ።

ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይኖም ዝጸንሐ ኢትዮጵያውያ ኣስታት 4,504 ምዃኖ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ካብተን 17 ሃገራት ዝበዝሑ ማለት 605,504 ዜጋታት ዘለዉዋ ቬንዝዋላ እያ።  ጠቕላላ ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣብ ኣሜሪካ  ዝጸንሑ ሰባት ከኣ 1,297,635 እዮም። ካብዚ ዞባና ሱዳናውያን፡ ደቡብ ሱዳውያንን ሶማላውያንን ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ እዮም።

እዚ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ግዝያዊ ፈቓድ ተጠቀምቲ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውን ዝተወሰነ ውሳነ ኣብ  ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ጸገም ክፈትርዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ ንጸጥተኣ ሓደገኛ ዝበለቶም ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም፡ ዓሰርተ ኤርትራውያን ገበነኛታት ኣለልያ ኣስማቶም ብምዝርዛር ዘርጊሓ ከምዘላ ቢቢሲ ኣፍሊጣ።

Page 1 of 625