ዜናዊ ጸብጻብ፡ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ኮንፈረንስ መንእሰያት ዓፋር ተሳቲፉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤን፡ ብ28 ጥሪ 2023 ብመንእሰያት ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ “ንማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን በደላትን ግዙፍ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ምልላይን መፍትሒታት ምርካብን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ከተማ ቨስተሮስ፡ ሽወደን ኣብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። ብጻይ መንግስተኣብ ኣብዚ ንሰዲህኤ ወኪሉ ተሳቲፉ ቃል ዘስመዓሉ ኮንፈረንስ፡ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣመስጊኑ ንተሳተፍቲ ዓመተ 2023 ናይ ሰላም፡ ፍትሒን ዓወትን ክትከውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ሃገርና ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ወደባቱን ማርሳታቱን ከም እትውንን ተበሃጊት ምዃና ጠቒሱ፡ ብፍላይ ከባቢ ደንከልያ ፖታሽ፡ ጨው፡ ነዳዲ ጋዝን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ምስዚ ኩሉ ግና ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ምሕደራ ህግደፍ ህዝባ ናይ ሃብታ ተጠቃሚ ክኸውን ከምዘይከኣለ ጠቒሱ፡ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ዓማራትን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እስያን ህዝበን ኣብ ዝለዕለ ደረጃ መነባብሮ ዝርከብ ካብ ናትና ዝበለጸ ጸጋ ስለዘለወን ዘይኮና ብሳላ ዝሓሸ ምምሕዳር እዩ ኢሉ።
ሃገርና እትርከበሉ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ተፈጥሮ ሃብትን ተበሃጊ ኣቀማምጣን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ኣሜሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ንረብሓአን ክብላ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከም ዝቖረነኣ ብምሕባር፡ ሎሚ እውን ምዕራባውያንን ምብራቓውያንን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይወዳደሩ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ መንጎ ንጹልን ጸላኢ ዝዕድምን ፖሊሲ ህግደፍን ረብሐኦም ዘቐድሙ ኣህጉራውያን ሓይልታትን ተቐርቂሩ ኣደዳ ኩሉ ማሕበራዊ ጸገማት ኮይኸውን ኣሎ ክብል ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣብዚ መደርኡ ብልጽግትን ምዕብልትን ኤርትራ ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዝስከም እቲ ክመሃርን ክሰርሕን ዝኽእል፡ ሞተር ሕብርተሰብ ዝኾነ መንእሰይ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መንእሰያት ናብዚ ንክበቕዑ ብፍልጠት ክዕጠቕ ስለ ዝግበኦም ኣብዚ ዘለውዎ ሃገር ንዘሎ ዕድላት ተጠቒሞም፡ ክመሃሩን ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ከማዕብሉን ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ብመጽር ዕላማቲ ኮንፈረንሶም፡ ዝያዳ ከቕልብሎም ብዝብል ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘርዚሩ፡
1. ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጠንቂ ኩሉ ጸገማትና ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምእላይ፥
2. ልዑላውነት ናይ ሕጊ ዘረጋግጽ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምህናጽ፥
3. ብዘይ ሰላም ፍትሕን ብልጽግናን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ምእማን፥
4. ሓድነት ናይ ህዝብን መሬትን ምዕቃብ፥
5. ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን ዝብል ምስላ ከም መምርሒ ወሲድካ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መኣዲ ኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርትን ዘመናዊ ተክኖሎጅን ከምዝጽመዱ ምግባር፥
6. ግደ ስድራቤትን ግደ ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ህንጻ ጥዑይ ሕብረተሰብ ምኽባር፥
7. ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕደራ ምኽታል. . .ወዘተ።
ኣብ መደምደምታ ቃሉ ከኣ፡ ኮንፈረንሶም ንክዕወት ብምምናይ፡ ኣብ መንጐ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና እናዓበየ ክኸይድ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ። ወደብቲ እቲ ኮንፈረንስ ብወገኖም ንተሳትፎ ብጻይ መንግስተኣብ ብምምጓስ ናይ ተሳትፎ ምስክር ወረቐት ኣበርኪተምሉ።
ኣብዚ ኮንፈረንስ ኣሕዋት ነጋሽ ዑስማንን ኢድሪስ ኑሩን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምውካል ተሳቲፎም።
ሲነዶስ ኦርተዶኩሳዊት ቤተ ክርስትያ ኢትዮጵያ ብ26 ጥሪ 2023 ናይ ሰለስተ ጳጳሳት ሃይማኖታዊ መዓርግ ከም ዝቐንጣጠ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቶም መዓርጎም ዝተቐንጠጡ፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኣውንጣጢዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን ዝተባህሉ ኮይኖም፡ ናብዚ መቕጻዕቲ ዘብጸሖም ምኽንያት እቲ ብ21 ጥሪ 2023 ካብ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ምዕራብ ኣብ ክልል ኦሮሞ ወሊሶ ኣብ ዝተባህለት ከተማ፡ ብኢደወነኖም 26 ሓደስቲ ኤጲስቆጶሳት ቀቢኦም፡ ስጉምቶም ብሲነዶስ ኣፍሊጦ እንተዘይረኺቡ፡ ናብ ክልል ኦሮሞ ዝጠመተ ሓድሽ ሲነዶስ ከም ዘቑሙ ብምጥቃስ መግለጺ ብምውጸኦም ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ብ26 ጥሪ 2023 ህጹጽ ጉባአ ዘካየደ፡ ብፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ዕላዊ ሲኖዶስ ኦርተደኩስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ጳጳሳትን ንሳቶም ዝቐብእዎም፡ ኤጲስቆጶሳትን 11 ነጥብታት ዘለዎ ውሳነ ወሲኑ። በቲ ውሳነ መሰረት እዞም ዘይሕጋውያን ዝበሎም ጳጵሳትን እቶም ብኣኣቶም ዝተቐብኡን ጌጋኦም ኣሚኖም ይቕረታ እንተዘይሓቲቶም፡፡ ኩሉ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ መዓርግን ክብርን ተቐንጢጡ ከም ተራ ሰባት በቲ ናይ ቅድሚ ምንኩስና ኣስማቶም ክጽውዑን ብጸጋታት ኦርቶደኩሳዊት ቤተክርስትያ ከየገልግሉን ብጸጋታታ ከይግልገሉን ዝብል ዝርከቦ ወሲኑ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ኦርተደኩስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ግና፡ መንግስቲ ናይ ምእራም ግዲኡ ክገብር ብዘይምርኣዩ፡ ምስቶም ዕልዋ ከካይዱ ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ኣካላት ወጊኑ ኣሎ ዝብል ክስታት ምቕራብ ጀሚራ’ላ።
እዚ ኩነታት ናብ ዝኸፈአ ምክፍፋል ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖትን ህውከትን ከየምርሕ ዓብይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዚ እዚ ተረኽቦ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ጐንጽታትን ናብ ዝገደደ ደረጃ ከየዕርጎ ኣብ ብዙሓት ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ እታ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ኣትዩ ክሕምሳ እንከሎ ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ሲነዶስ ኦርተደኩሳዊት ቤተ ክርስትያ ኤርትራ ወሲኽካ፡ ናይ ሓያሎ ሃገራት ሲነዶሳት ንተግባራት እቶም ሰለስተ ጳጳሳት ዝቃወም መግለጽታት የውጸኣ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ትካላዊ ኣሰራርሓኡን
Written by EPDP Information Officeርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዝቃለስ፡ ኣብ ደንበ ለውጢ ኤርትራ ኣውንታዊ ግደ ዝጸንሖን ዘለዎን ሰልፊ እዩ። ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ጭቆና ኣወጊድካ፡ ልዕልና ህዝቢ ዝቕበል፡ ብቅዋም ዝምራሕ፡ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ፡ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክምስረት ይካየድ ኣብ ዘሎ ጻዕሪ፡ በዓል ሃብታም ተመኩሮ እዩ። እዚ ሰልፊ ብቕዋማውን ዲሞክራስያውን ትካላት ንክውንነት ሕብረተሰብና፡ ታሪኹን ዝሓለፈ ተመኩሮን ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ቀንዲ ድማ ንመጻኢ ዘማዕዱ ፖለቲካዊ ውዳበ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋሙ ብዘስፈሮ ሕግታትን ክብርታትን መሰረት ዝጐዓዝ ሰልፊ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመታት ድማ ስሩዕ ጉባአኡ የካይድ። ኣብ ጉባአኡ ንኹለ-መዳያዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ዕማማቱ ዘነጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መደባቱ ኣብ ምትግባር ዝምረሓሉን ዝቕየደሉን ዲሞክራሲያዊ ማእከላውነት ዘንጸባርቕ ሰልፋዊ ቅዋምን የጽድቕ። ከምኡ ድማ ብፍሉይ ኣብ ዝረኣዩ መድረኻዊ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ዘተኩር ፖለቲካዊ ውሳነታት ይውስን። ኣብ መንጎ ክልተ ጉባአታት ሓላፍነት ዝወስድ መሪሕነት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ይመርጽን ሰልፋዊ ትካላት የቕውምን።
ብመንጽርዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2023፡ 4ይ ስሩዕ ጉባአ ሰዲህኤ ክጋባእ ኣብ ምድላው ይርከብ። ነዚ ድሕሪ ሓያል ዕጽዋ ኮቪድ-19 ዝካየድ ጉባአ ንምድላው፡ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ትሰርሕ ኣላ። እዛ ሽማግለ ነብሳ ኣብ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ፡ ኣብ ምስንዳእ ናብ ጉባአ ዝቐርቡ ንድፊ ሰነዳት፡ ናብ ጉባአ ብቐጥታን ካብ መሰረታት ብዲሞክራስያዊ ምርጫን ዝሳተፉ ኣባላት ጉባአ ኣብ ምንጻርን ነቲ ጉባአ ዘድሊ ቁጠባን ዝተፈላለዩ ቀረባትን ኣብ ምድላው ስረሓታ ተሰላስል ኣላ። ተልእኮ’ዚ ጉባአ ኣብ ጸቢብ ሰልፋዊ ራኢ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ኣገደስቲ ኤርትራዊ ዛዕባታት’ውን ዝድህስስ ስለ ዝኾነ፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኤርትራ ዝብህጉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋቱ ብሓሳብን ግብርን ክድግፉ ጸዋዒትና እዩ።
ሰዲህኤ፡ ነቲ መሪርን ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዘዕወትዎ ምስጢራት ሓደ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ኣንጻር መሪር ጭቆና ህግደፍ ንመሰረታዊ ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ግደኡ ወሳኒ ምዃኑ ይግንዘብ። ካብዚ ነቒሉ ድማ ኤርትራዊ ብዙሕነት ብዘኽብር “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ” ከም ኣገዳሲ መርሆኡ ሒዙ ይቃለሰሉ። ከም መግለጺ ናይዚ ኣገዳሲ መርሆ ድማ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እንተ ተኻኢሉ ምሉእ ሓድነት ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ እዚ ኣብ ዘይከኣለሉ ድማ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃለስሉ መድረኽ ምፍጣር ዘይስገር ምዃኑ ይግንዘብን ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ይሰርሕን። ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዝለዓለሉ መድረኻት ናይ ምስታፉ ትርጉም ከኣ እዚ እዩ።
ሰዲህኤ፡ ከም መርኣያ ኣብ ሓደነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ብ4 ሓምለ 2017 ዘውጸኦ እማመ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ “……ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀናና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንሳተን ከኣ፦
1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤
3. ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።
ንሕሉፍን ህሉውን ተሞክሮ ሓባራዊ ስራሕ ዝርዝር ኣቢልና ክንርእዮ ከለና፡ ክሳብ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ምትእኽኻባት፡ ዋላኳ ኣውንታዊ ጐኒ ከምዘለዎ ንኣምን እንተዀና፡ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ክእከብ ከምዘይከኣለ ግን ክንእመነሉ ዘለና ሓቂ እዩ። ንደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ዝሰራሕናዮ ምጽንባራት ይኹን ጽላላት ሎሚ ንቐጻሊ ሓባራዊ ስራሕና ኣሳላጥቲ እምበር ዓንቃፍቲ ክዀኑ ኣይግብኦምን……።” ዝብል ይርከቦ። እዚ እማመ ናይ ጉባአ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ውሳነ መሰረት ብምግባር ዝወጸ እዩ።
መሰረታዊ ዕላማ ሰዲህኤ፡ ኣብ ውሱን መድረኽ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ከይዘንገዐ፡ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝያዳ ናብ መጻኢ ዘማዕዱ እዩ። ብመንጽር ኣሰራርዓ ቀዳምነት ናይ ቃልሲ ድማ፡ እዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ቅድሚት ዘስፈረ እዩ። ሰዲህኤ እዞም ነጥብታት ንኹሎም ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሰማምዑ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ።
ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ንዝተፈላልዩ ኤርትራዊ ብዙሕነት ልዑል ኣቓልቦ ዝህብ ሕብረ-ብሄራዊ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ብሓፈሻ ናይ መንነት ፍልልያቱ ተዓቂቡ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ተሳትፎ የተባብዕ፡ ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ልዑል ግምት ይህብ። ንጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝምልከቱ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ነብሶም ክኢሎም ካብቶም ትሻዕተ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝኾኑ ምግባሩ ከኣ ነዚ ዝመልክት እዩ።
ሰዲህኤ፡ ሎሚ ኮነ ኣብ መጻኢ፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን ሃገራት፡ ኣብ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ረብሓን ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይኣምን። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ “….. ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።“ ካብ ዝብል ኣብ መደብ ዕዮ ሰልፊ ዝሰፈረ ተመርኲሱ ዝወሰዶ መርገጽ ብመንጽር’ዚ እምነቱ ዝረአ እዩ
ኣሰራርሓ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ኣብ ትካላውን ሓባራውን ዝተመስረተ እዩ። ካብ ጠቕላሊ ጉባአ ጀሚርካ ክሳብ ጨናፍር ዘሎ ትካላዊ ጽፍሕታት፡ ቅዋም ብዝህቦም ሓላፍነታት፡ ምስ ልዕሊኦምን ትሕቲኦምን ዘለዉ ደረጃታት እንዳተናበቡ፡ መምርሕታት እንዳተቐበሉን ጸብጻባቶም እናቕረቡን ይሰርሑ።
ኣቶ በረኸት ስምኦን ድሕሪ ናይ 4ተ ዓመታት ማእሰርቲ፡ ናይ ኣመኩሮ ግዜኦም ፈጺሞም ብ25 ጥሪ 2023 ካብ ቤት ማእሰርቲ ባህርዳር ከም ዝተፈትሑ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/Ethiopian insider፡ ንጠበቐኦም ህይወት ሊላይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣቶ በረኸት ስምኦን “ጥረት ኮርፖረሽን” ምስ ዝተባህለት ኩባንያ ብዝተተሓሓዘ ናይ ገንዘብ ምብኻን ተኸሲሶም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኣብ ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራሲ ግንባር (ኢህወደግ)፡ ኣባል መሪሕነት ውድብ ብሄራዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ኮይኖም፡ ዝለዓለ ሓላፍነትን ተጽዕኖን ዝነበሮም ኣቶ በረኸት፡ ቅድሚ 4ተ ዓመታት ብ23 ጥሪ 2019 እዮም ምስ ካልእ ኣባል መሪሕነት ናይቲ ምቅስቓስ ዝነበሩ ኣቶ ታደሰ ካሳ (ጥቅሹ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም።
ጉዳዮም ዝከታተል ዝነበረ ኣብ ባህርዳር ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንኣቶ በረኸት ን6 ዓመታት ማእሰርትን 10 ሺሕ ብር ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክፈርዶም እንከሎ፡ ንኣቶ ታደሰ ካሳ ድማ ን8 ዓመታት ማእሰርትን 15 ሺሕ ብር ገንዘባዊ መቕጻዕትን ከም ዝፈረዶም እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።
ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብ ግዜ መንግስቲ ኢህወደግ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዝሰርሑ፡ ምስ ነፍስሄር መለስ ዜና ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም ዝንገረሎም ሓደ ካብ መስረቲ ኢህወደግ እዮም። ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ዝሰርሕሎም ሓላፍነታት ሚኒስተር ዜናን ሓበሬታን፡ ሚኒስተር መንግስታዊ ርክባት፡ ኣቦመንበር ቦርድ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ምክትል ሓላፊ ትካል ምርምርን መጽናዕትን ፖሊሲታት ይረከብዎ። ምስ ተመኩሮ ናይቲ ዝቃለስሉ ዝነበሩ ግንባር ብዝተተሓሓዘ ከኣ 2ተ መጻሕፍቲ ደሪሶም።
በዚ መሰረት ቀንዲ ዝተኣሰርሉ ምኽንያት ኣብ ፖለቲካ ብዝነበሮም መሪሕ ግደን ተሳትፎን እምበር ብምጥፍፋእ ገንዘብ ከምዘይነበረ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብ22 ጥሪ 2023 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። ኣብቲ ዝርርቦም ብዛዕባቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተፈረመ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘርእዮ ዘሎ ኣውንታዊ ምዕባለን ኣብ መስርሕ ዘሎ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ከም ዝጠቐሱ ተፈሊጡ።
እቶም ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ነቲ ምዕባለ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ኣበርክቶ ጠቒሶም፡ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ምጽራይ ከካይድ ፈቓድ ንክረክብ ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣሜሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ንክትሕግዝ ቅርብቲ ምዃና ነቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣረጋጊጸምሎም። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ከም ዝተዘራረቡ እውን እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣሚሪካዊ ነባር ዲፕሎማት ሄርማን ኮሀን፡ ብ22 ጥሪ 2023 ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፍዎ ርኢቶ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንኢዶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ኤርትራ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ካብ ትግራይ ስግኣት ስለ ዘየብላ፡ ሃብቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምጥቃም ከተተኩር ይግበኣ ኢሎም።
ባህግና bahgna 110፣ ኣገደስቲ ዜናታትን፣ ስደትን መሪር ሳዕቤናቱን ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 16.01.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ21 ጥሪ 2023 መበል 12 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣኼባ ክኸፍት እንከሎ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2023 ኣብጸሓና” ኢሉ፡ ሓድሽ ዓመት ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክትከውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ እውናዊ ነጥብታት ጠቒሱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ከም ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ጸብጻባት በብሓደ መዚኑን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያትን መመላእታን ወሲኹን ኣጽዲቑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብፍላይ ካብ ዘተኮረሎም ነጥብታት፡ ምዕዋት ኣብ መጻኢ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ስሩዕ ጉባአ ሰዲህኤን ፈስቲቫል ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ከምኡ እውን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቀጻሊ በደልን ነዚ ንምውጋድ ክግበር ዝግበኦ ናይ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ቃልስን ዝብሉ ዛዕባታት ይርከብዎም።
ብመሰረት እቲ ጸብጻባት፡ ኣኼባ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ውሳነታት እውን ኣመሓላሊፉ። ፈጻሚ ሽማግለ ብሓፈሻ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝነኣድ ደረጃ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ከኣ ምድላዋት 4ይ ጉባአ ንምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ዘካይዶ ዘሎ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ ከምዘሎ ብመሰረት ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዚኑ። እዚ ተሳትፎ ኣባላት ቀጻሊ ከም ዝኸውን ርዱእ ኮይኑ፡ ምስቲ ዘለናዮ መድረኽ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑን ብመንጽር ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተደራራቢ ሰልፋዊ ዕማማትን ንዝያዳ ኣበርክቶን ተሳትፎን ምብርባር ከም ዘድሊ’ውን ተገንዚቡ።
ኣኼባ ኣብ መወዳእታ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን፡ ብክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምንዋሕ ቃልስን ከይሰልከዩ ክሳብ ጭቆና ህግደፍ ተወጊዱ፡ ልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ ስርዓት ዝትከል ብሓባር ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።
More...
ስእሊ ማሕበራዊ መራኸቢ
ሰራዊት ኤርትራ ካብ 20 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ካብ ከተማታት ክልል ትግራይ ይወጽእ ከም ዘሎ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ ሰራዊት ብናይ መካይን ቃፍላይ ከም ዝወጸ ዝሓበረት እታ ማዕከን፡ ምውጻእ እዚ ሰራዊት ንትግባረ እቲ ድሕሪ ከቢድ ዕንወት ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ኣገዳሲ ምዕባለ ከም ዝኸውን ገሊጻ።
ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ዓብይ ዕንቅፋትን ብደሆን ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብዚ ድሕሪ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝሞትሉ ውግእ ብሰላም ንክፍታሕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኑ ኣንጻር ትግራይ ክዋጋእ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ኣካልቲ ስምምዕ ከምዘይነበረን በዚ ሕጉስ ከምዘይኮነን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ዝተፍላለዩ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብወገኖም፡ እተን ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝጸዕና ብዙሓት መካይን ካብ ሽረ ብኣንፈት ዓዲ ዳዕሮ ንወገን ሸራሮ ከም ዝተጓዕዛ ምስክርነቶም ሂቦም። ብዘይካዚ ነበርቲ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን እውን ናይቲ ሰራዊት ምውጻእ ኣረጋጊጾም፡ ኣብቲ ዝወጽሉ ዝነበረ ሰዓታት ጐደናታት ንዓኣቶም ጥራይ ተሓዚኡ፡ ምንቅስቓስ ካለኦት ኣካላት ተኸልኪሉን ኣገልግሎት ተለፎን ተቛሪጹን ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም።
ኣካላት ሰብኣዊ መሰልን ዝተፈላለዩ መንግስታትን በብግዜኡ ሰራዊት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዝተፈላለዩ በደላት ብምቅዋም፡ ካብ ትግራይ ክወጽእ ክጽውዑን እንተዘይወጺኡ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ከጠንቅቑን ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይን ኤርትራን ብዛዕባ ምውጻእ ናይቲ ሰራዊት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ስምምዕ ተዓዘብቲ ዝነበሩ ወገናትን ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ኣብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ ትሮንድሃይ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ፡ ብስም ማሕበረሰብ ኤርትራ (Den Eritreiske Forening I Midt Norge) ዝተዳለወ፡ ን14 ጥሪ 2023 ተሓሲቡ ብምስጢር ክስረሓሉ ዝጸንሐ መደብ ወጋሕ ትበልለይቲ፡ ብተባዕ ሕጋዊ መስርሕ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝፈሸለ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሉ ዝጸንሑ ምንጭታት ሓቢሮም።
ናይዚ ዝፈሸለ መደብ ዕላማ “ወጋሕ ትበል ነይቲ” ብዝብል ባህላዊ ጉልባብ፡ ገንዘብ ንምእካብን ጸረ ህዝብን ምልካውን ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኣስሪጽካ፡ ህዝቢ ግዳይቲ ጉጅለ ንምግባርን እዩ ነይሩ። እቶም ኣዳለውቲ ነዚ ጸረ ህዝቢ መደባቶም ንምዕዋት፡ ብምስጢር ካብ ናይታ ከተማ ፖሊስን ምምሕድርን ፈቓድ ረኺቦም ነይሮም እዮም። በዚ ፈቓድ ተኣማሚኖም ድማ፡ እኽለማይ ኣዳልዮም፡ በጀት መሓሪ፡ ሁመድ እድሪስን ኣሚር ጠዓመን ዝተባህሉ ደረፍትን ተለሃይትን ካብ ሃገረ ሽወደን ገንዘብ ከፊሎም ኣምጺኦም ከም ዝነበሩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።
ነዚ ኩነታት ክጸናጸኑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ከተማ ትሮንድሃይ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ናይቲ ዝዳሎ ዝነበረ መደብ ሓደገኛነት ዝገልጽ ብኣማኢት ዝቑጸር ናይ ቴለፎን መልእኽትን መጠንቀቕታን ናብ ፖሊስ እታ ከተማ ኣመሓላሊፎም። እዚ መልእኽቲ ዝበጸሖ ፖሊስ ኣብቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ዕለት 14 ጥሪ 2023 ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ፡ እቲ ብምስጢር ክዳሎ ዝጸንሐ መደብ ንክቋረጽ ወሲኑ። እዚ ናይ ፖሊስ ውሳነ ዝበጸሖም ኣዳለውቲ፡ ብዘይሙዚቃ ኣብቲ ኣቐዲሞም ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ ኮይኖም፡ ነቲ ዘዳለዉዎ እኽለማይ ክምገብዎኳ እንተሓተቱ ብፖሊስ ተቐባልነት ስኢኖም ነናብ ዝመጽዎ ከም ዝተበተኑ ተፈሊጡ።
እቶም ኣዳለውቲ ነቲ ምድላው ምስ ህግደፍ ምትእስሳር ዘየብሉ ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ትምኒት መግለጺ ከምስልዎኳ ካብ ኣዳራሽ ወጻኢ ባነራት እንተዘርግሑ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ግና፡ ስእልታት ተዓለምቲ ሳዋ ሰቒሎም፡ “ተዋጊኡ ዝሰዓረ መጒቱ ዝረተዐ ዘይጸዓድ ህዝቢ” ዝብልን ካልእን ህግደፋዊ ጭረሖታት ለጢፎም ከም ዝነበሩ ተቓሊዑ።
ነዚ መደብ ዘፍሸሉ ብሓፈሻ ናይታ ከተማ ነበርቲ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ መንእሰያት ድማ ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ። ኣብዚ እቲ ዝነኣድን ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግበኦን እቶም መንእሰያት መደባቶም ንምዕዋት ዝኸድዎ መስርሕ ሰላማውን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብን ምንባሩ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ህግደፍ ነቲ ዘፍሸሎ ስርሒት ዝምዝምዘሉ ዕድል ኣይረኸበን።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ስደት ኤርትራውያን ካብ 60ታት ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ ዘይዛረየ ዋሕዚ እዩ። ስደት ዝተፈላለዩ ጠንቅታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከኣ ቅድም ተኸታታሊ ወጽዓ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክኸውን እንከሎ፡ ድሒሩ ድማ ዘቤታዊ ጭቖናን ግፍዕን ህግደፍ እዩ። ስደት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ሱዳን እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና “ኤርትራዊ ስደተኛ ዘይረገጻ ሃገር የለን” ክሳብ ዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለማ ተበቲኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት፡ ብዝሒ ኣብ ዓድን ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ማዕረ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ዘብዝሕዎ’ውን ኣለዉ።
ጠንቂ ስደት ኣብ ገዛእ ሃገርካ ዘየንብር፡ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጸገም ከጋጥም እንከሎ እዩ። ስደት ግዝያዊ መዕገስን መድሓኒ ህይወትን እምበር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ናይቲ ጸገም ከምዘይኮነ ዝተረጋገጸ እዩ። ጠንቅታት ስደት ንምውጋድን መሰረታዊ መፍትሒ ንምርካብን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ናይቶም ግዳያት ስደት ብጽሒት ዓብይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ከካብ ዝነበርዎ ኩርነዓት ዓለም፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዘበርከትዎ ሰብኣውን ንዋታውን ኣበርክቶን ተሳትፎን ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዝነበሮ ግደ ህያው እዩ። እዞም ስደተኛታት ድሕሪ ናጽነት ናብ ዓዶም ክምለሱ እሞ፡ ጻማ ቃልሶም ሃገሮም ክሃንጹን ቀሲኖም ክነብሩን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ትጽቢትን ሃረርታን ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት እውን ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብተዓጻጻፊ ወሲኹ። እዚ ግምጥሊሽ ተረኽቦ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ኣይተራእየን። ምናልባት ሳሕቲ እንተኣጋጠመ እውን ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ናይ ፍልሰት መልክዕ ዝሓዘ ኣይኮነን።
ስደት መሬትካን ተወሊድካ ዝዓበኻሉ መረበትካን ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነካ። ነቲ ኣብ ሃገርካ እተስተማቕሮ ክቡር ባህልኻ፡ ቋንቋኻ፡ ልምድኻ፡ እምነትካን ቤተሰብካን እውን ዘስእን እዩ። ስደት ደረጃታት ኣለዎ። እቲ ዝኸፈአ እቲ ኣብ ድኻታትን ድሕነተንን ድሕነት ስደተኛታት ዘይሕልዋን ሃገራት፡ ኣብ መደበራት ዝሓለፍ ናብራ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መደበራት ስደተኛታት፡ መግቢ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ካልእ መሰረታዊ ቀረብን ጥራይ ኣይኮኑን ዝስእኑ። ሰብኣውነቶም እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘለዉ ኤርትራውያን ዝሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ሞትን ሕየትን ህይወት ናይዚ ኣብነት እዩ። ዋላኳ ኣብ ዝሓሸ ሃዋህው ስደት ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ይኹን መኣዲ ትምህርቲ ዝዕወቱ ስደተኛታት እንተለዉ፡ ኩሉቲ ዝረኸብዎ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ነቲ ናይ ሃገሮም ክብሪ ዝገዝእ ግን ኣይኮነን። እዚ ማለት በቲ ዝረኽብዎ ዕድል ናይ ሃገሮም ምቓረትን ክብርን ክገዝኡ ኣይክእሉን እዮም። እዚ እዩ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ኣይኮነን ዘብል።
ናይ ስደት ሕማቕ መነባብሮ ንምብዳህ፡ ናይቲ ስደተኛ ኮይንካ እትነብረሉ ሃገርን ህዝብን ባህርያትን መነባብሮን ምግንዛብን ምኽባርን ናይ ግድን እዩ። ናይቲ ሃገር መንግስቲ ዝምረሓሎም ሕግታትን ዘውጸኦም መምርሕታትን ምርዳእን ካልእ ግደታ እዩ። እቲ ኣብ ሃገርካ ከይፈተኻ ገዲፍካዮ ዝተሰደድካ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ናብ ዓዲ ስደት ኣይስዕበካን እዩ። ኣብ ክንድኡ ኣብኡ ክሳብ ዘለኻ፡ ናይቲ ከም ስደተኛ እትነብረሉ ሃገር ኩለ-መዳያዊ ኩነታት ምርዳእን ምልማድን የድሊ። ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘርእይዎ ጉድለታት ድማ ነዚ ካብ ዘይምርዳእ እዩ ዝነቅል። ናብራ ስደት ዝያዳ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ስለ ዘድሊ፡ ተረኽቦታት ከምቲ ዝኾንዎ እምበር፡ ከምቲ እትደልዮ ክኾኑ ከምዘይክእሉ ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓሓሊፉ ዝረአ ሕድሕድ ምጭኽኻን ቀልጢፉ እንተዘይተኣሪሙ ናብ ሕማቕ ከየምርሕን ናብ ኤርትራ ከይልሕምን ዘየስግእ ኣይኮነን። እዚ ናብቶም ዝጋጨዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኩሉ ደላይ ኤርትራዊ ሕውነትን፣ ሓድነትን ስኒትን ዘገድሶ ክቃለሰሉ ዝግበኦ እዩ።
ስደት ዝያዳ እትቃለሰሉ እምበር ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሃገርካ እትሕበኣሉ ኣተሃላልዋ ኣይኮነን። ታሪኽ ነባራት መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳንን ካልእ ከባቢታትን ከኣ ሓያል ተሳታፍነትን ጽንዓትን ዘርኣየ እዩ። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎውን ዝነኣድ እዩ። መንእሰያት ብስደት ኣመኽንዮም ክሃድምሉ ዘይክእሉ ትውልዲ ናይ ምርኽኻብን ምስግጋርን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት በሪኽ ቦታ ዝሓዘለ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ስደተኛታት መንእስያት እውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት መማረጺ ናይ ምርካብ ጸጋ ዝኸውን ብሕግን ስርዓትን፡ ብምክኣልን ምጽውዋርን ክግራሕ እንከሎ እዩ። ናይቲ ነዚ ብዙሕነት እተንጸባርቐሉ ባይታ ባህሪ ኣብ ግምት ምእታው እውን የድሊ። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ናብ ግጭትን ጐነጽን ምዕራጉን ናብ ምዝራግ ሓድነት ህዝቢ ምውሳዱን ግና ኣይኮነንዶ ኣብ ዓዲ ጓና ኮይንካ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ እንተኾነ እውን ዝምረጽ ኣይኮነን።
ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ምሉእን ኣድማዕን ዝኸውን፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮ ኣፍሪሱ ከም ሓድሽ ክጅምር እንከሎ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ከምኡ ንዝሓለፈ ተመኩሮን ዝተኸፍለ ዋጋን ግቡእ ቦታ ዝህብ፡ ካብኡ እቲ ከቐጽል ዝኽእል እወንታታት ወሪሱ፡ ኣብ ርእሲኡ እናመለአ ዝሃንጽ ክኸውን ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይኮኑ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ’ውን፣ ነቲ ዝተረከቦ ኣፍሪሱ ከም ብሓድሽ ክጅምር እየ እንተይሉ፡ ኣብ መፈጸምታ ዘየብሉ ምጅማር ምንባር እዩ ዝኸውን። ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ህልዊ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ብዙሕነታዊ ሓድነት ምዕቃብ ዓንዲ ማእከል ዓወት እዩ። ነዚ ብሃይማኖት፡ ኣውራጃን ካልእ ጸቢብነትን ኣዳኺምካ ዝረጋገጽ ዓወት የለን። ስለዚ ጉዳይ ሓድነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ይግበኦ።
ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዝስምዑ፡ “ነብሱ ቀቲሉ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣጥፊኡ፡ ንዓርኩ ጐዲኡ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ናይ ጭካነ ተግባራት፡ ቀንዲ ማህሰይቶም ኣብቶም ቀጥታ ግዳያት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይወዓልዎ ኤርትራውያን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሓደ ካብ መግለጽታት ምረት ስደት ዝኾነ ጨካን ተርእዮታት ኣብ ምውጋድ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ፍልልያት ምግፋሕ፡ በብዓቕሙን ክእለቱን ንዕርቂ: ሰላምን ስኒትን ክጽዕት ይግበኦ።