ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣልሸክ ፈኪ እስማዒል፡ ብምኽንያት ሕክምና ኣብ ካይሮ እንከሎ፡ ብ26 መስከረም 2019 ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩና። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንስዉእ ታጋዳላይ ኣሕመድ ኣሸኽ መንግስተ-ሰማይ፡ ንስድራቤቱ፡ ኣዝማዱን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ክህቦምን ጠሉ ከውርዶሎምን እናተመነኹ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክገልጽ እፈቱ።

ስውእ ተጋዳላይ ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣልሸክ ፈኪ እስማዒል፡ ኣባል ጠቕላሊት ሰክረታርያን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ጠቕላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነይሩ። ስውእ ኣሕመድ ኣልሸኽ ኣብ ኣህጕራዊ ዲፕሎማሲያዊ መደረኻትን ዋዕላታትን ብምስታፍ ንሰውራና ልዑል ተፈላጥነትን ደገፍን ዘመዝገበ ገዲምን ሓያልን ካድር ኢዩ ነይሩ። ጠቕላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ምስ ኣህጕራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ንቓባዊ ማሕበር ሃገራት ኣዕራብን ኣፍሪቃን ድልዱል ርክብ ክህልዎ ዝገበረ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ።

ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

27 መስከረም 2019                                                                                

ቀዳሞት ወለድና በቲ ዝነበሮም ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ብሓባር ዝናበረሉ ሕጊ ብምምስራት ፍሉጣትን ውሩያትን ኢዮም ነይሮም። ከምዚ ሎሚ ኮይኮነ፥ ኣብ ንሓድሕዶም ተሳንዮምን ተኸባቢሮምን ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮፍ ኢሎም፡ “ኣይፋልካን ኣቦይ እገለ፡ ነዓ ደኣ ካብ ሕጊ ዓዲ ኣይትውጻእ” እናበሉ ነገር ዘዳቕሱን ዝዓርቁን ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በብዓዱ፡ ወረድኡን ርቡኡን በብደረጃኡ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኢዩ። ከምኡ ክገብሩ እንከለዉ ነቲ ዝመርሖም ቆጽሊ የውድቑሉ እሞ ብኡ ተማእዚዞም ጸገም ከጋጥም እንከሎ “ዝባን ሕጊ” እናተበሃሃሉ ብሰላም ይነብሩ ነይሮም።

ሎሚ ሎሚ ግና ትምህርቲ እናሰፍሐን እናማዕበለን፡ ፍልጠት እውን ኣዝዩ ክብ ዝበለሉ ግዜ በጺሕና ክንስና፥ ክንዲቲ ኣእምሮ ቀዳሞት ወለድና ክንከውን  ኣይበቓዕናን። እዚ ምስቲ ግዜን ኩነታትን፥ ምዕብልናን ስልጣኔን ዝቀያየር ባህሪ ወዲ ሰብ ዘምጽኦ ጠባይ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ከመይሲ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ንሓባራዊ ረብሓ ዝጥምቱ ናብ ንዓይ ይጥዓመንን ውልቃውነትን የድህቡ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ድማ ፍልልያት ይፍጠር እሞ፡ ኣብ ርኹብን ስኡንን ይመቓቐል። ብኡ መጠን እውን እቲ ማዕርነትን ተጻዋርነትን ይሃስስ። ኣብ ከምዚ ኩነት ድማ እቲ ግሉጽነትን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ብናይ ሸፈጥን ኣንነትን ይትካእ እሞ ናብ ዘይተደልዩ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታታት ገጹ ከምዘድህብ ይገብር።

እዚ ማለት፡ እቲ ብኣነነት ዝተጎብአ ባእታ ምስ ካልኦት ኣብ ስምምዕ ክኣቱ ክጻገም ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ክወስዶ ዝኽእል ኣገባብ ወይ ተጓናጺ፥ ዓማጺ፥ ርህራሄ ዘይብሉ ናይ ውልቁ ረብሓ ጥራይ ከምዝጥምት ይኸውን። ኣብ ከምዚ ግዜ እዚ ነታ ረብሓኡ ክብል ንደቂ ሰባት ብዝኾነ መልክዕ  ኣላኺዑ ዲዩ፥ ኮታ ናብታ ዝደልያ ንምብጻሕ ብዙሕ ምስ ደቂ ሰባት ዘየሳኒ ክፍጽም ይኽእል እዩ። ንኣብነት ነፍሰ ተኣማንነት ምስ ዝስእን ብብሄር ዲዩ ብሃይማኖት፥ ቀቢላ መብቆል ኣቢሉ ንምትእስሳር ሃተምተም ክብል ይጅምር። እዚ ነቲ ዘጋጥም ሽግራት ኣብ ክንዲ ዝፈትሕን ዘተሓቛቚፍን ፍታሕ ምንዳይ ነቲ ሽግር መመሊሱ ከም ዝባላሕ ይገብሮ።

ልክዕ እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ወዲ ሰብ ናቱ ርድኢትን ሓሳብን ኣለዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ግን ምስ ካልኦት ከመይ ትሰማማዕ፥ ሓቢርካ ትሰርሕን ተኸባቢርካ ትነብርን ኣብ ዝብል ክሓስብን ክስመዖን እንተዘይክኢሉ ናብ ዓመጽ ገጹ ዝኸይድ ባህሪ ኢዩ ዘጥሪ። እዚ ከኣ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ነቲ ናቱ ሓሳብ ተቐባልነት ንኽረክብ ሃይማኖት፥ ወይ ብሄር፥ ወይ ዓሌት ከም ጭብጢ ክጥቀመሎምን ክኸፋፍለሎምን ይፍትን። እዚ ከኣ ነቲ ማሕበራዊ ምትእስሳር የጒድሎን የጒድሞን፡ ናብ ናይ ነንወገንካ ምሕብሓብ ገጹ ድማ ይድይብ።

ደቂ ሰባት ኩሉ ህይወቶም ምስ ምንባር ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ፡ ናይ ግድን እዩ ኣብ ንሓድሕዶም ክደላለዩ። እዚ ግን ንኹሎም ብማዕረ ዘገልግልን ነቲ ዘይምዕሩይነት ብማዕርነት ዝትክእ ኣገባብ ክኸውን ይግበኦ። ማለት፡ እቲ ንደቂ ሰባት ዘተኣሳስር ሃገራዊ ቅዋም ብናይ ሃይማኖት ወይ ዓሌት ወይ ብሄር ዝተመርኰሰ ምትእስሳር ከኸውን የብሉን። እቲ ጉዳይ ንኹሉ ሃይማኖታትን ብሄራትን ከምኡ’ውን ባህሊ ብማዕረን ፍትሓውን ዝኾነ ዳንነት ዝረኽበሉ፥ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መነባብሮ ህይወት ደቂ ሰባትን እምነትን  ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ነጻነት ዝተመርኮሰ ኣሳታፊ ምትእስሳር እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ብወገኑ ንባህሪ ከመይ ገርካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ትእቱን፥ ነቲ ብሓባር ዘናብረካ ድማ ካብ ናይ ሓባር ርድኢትን ስምዒትን ነቒልካ ኣብ ረብሓ ኩሉ ዝውዕል ሓቢርካ ብምስራሕ ነቲ ቀንዲ ሽግር ናይ ድኽነት ምውጋድን ንፍልልያት ምጽባብን ቅንዲ ዕላማኡ ክኸውን ይግበኦ። እዚ እውን ኣድልዎ ብዘይብሉ ሓድሕዳዊ ኣኽብሮትን፥ ሕውነትን፥ ፍቕርን ኣቢሉ ንኻልኦት ብዘይሃሲ መፍትሒ ብምንዳይ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኩሉ ግና ብቃልሲ እምበር ከምዚ ሎሚ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሃለዋት፡ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ኰንካ ዝረጋገጽ፡  ወይ እውን መላኺ ስርዓት ክተዂበልካ እትጽበዮ ኣይኮነን።

እዚ ማለት ግና ሰባት ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካውን ሃገራውን ጉዳያት ኣሉታዊ ተጽዕኖ ብዘየሕድር ኣገባ፡ ሃይማኖታዊ ብሄራውን ኣውራጃውን ርክባት ኣይሃልዎም ማለት ኣይኮነን። እቲ መሰልን ነጻነትን ናይ እምነት፥ በብቋንቋኻ ምዝራብን ባህልኻ ምዕቃብን ይኸልእ ማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ምስ ካልኦት ብዘይገራጮ ወይ እውን ኣብ ህልኻትን ግርጭታትን ብዘየእቱን፥ ነቲ ኣብዝሓ ዘተኣሳስር ፈትልታት ብዘይበትኽን ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብማሕበራዊ ጉዳያት ኣምሲልካ ደሓር ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክተእትዎ ግን፥ ነቲ ክህሉ ወይ ክፍጠር ዝኽእል ሽግራት ብዝኸፍአ መልክዑ የጋድዶ። ምኽንያቱ ሓንሳብ በዚ ዝካየድ ምጥርናፋት ወይ ምትእስሳራት ነቲ ምርሕሓቕ መሊሱ እዩ ዘጋፍሖ። እቲ ምርሕሓቕ ኣብ ዝጋፈሓሉ ድማ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ጥሙሕ ነቲ ሽግር ኣብ ክንዲ ብግልጺ ተዛትዮም ነቲ ፖለቲካ በኪሎም እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ፍልልያት ክነብር ስለ ይደፋፍእዎ። 

Friday, 27 September 2019 00:13

መግለጺ መሪር ሓዘን

Written by

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) ኣሕዛኒ ዜና ዕረፍቲ ተሓቢሩ።

ኣቶ ግርማይ ኪዳነ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብዛ ዓለምና ብምፍላዩ፡ ንመላእ ኤርትራዊ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ እናፈለጠ ናይ ሓዘን ተኻፋልነቱ ይገልጽ።

ንነፍሰ-ሄር ኣቶ ግርማይ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱን መላእ ፈተውቱን ድማ ኣኻእሎን ጽንዓትን ይሃብ።

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

Thursday, 26 September 2019 23:20

Radio Demtsi Harnnet Kassel 26.09.2019

Written by
Wednesday, 25 September 2019 22:42

ህዝብናሲ ናይ ኢዱ ኣይረኸበን

Written by

ህዝቢ ኤርትራ፡  ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተፈላለየ መልከዓት ብዘለዎ ፈተናታት ክሓልፍ ዝጸንሐን ዘሎን ራህዋን ቅሳነትን ዝምነ ግና  ዘይረሃዎ ህዝቢ እዩ። ሃገሩ ብኣቀማምጣኣ ተበሃጊት፡ ብተፈጥሮኣዊ ሃብታ ርብሕቲ፡ ንሱ ከኣ ጻዕረኛን ብጽፍሩ ክነብር ዝኽእልን ኢድ ካለኦት ዘይጽበ ህዝቢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር ንካለኦት ዘይጐድእ ክትንከፍ እንከሎ ንመሰሉ ድሕር ዘይብል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ኤርትራ መሰልካ ተቓሊስካ እተረጋግጾ እምበር ክትኮበልካ እትጽበዮ ከምዘይኮነ ኣሚኑ ከሎ ጋና ኣብ ቃልሲ ዝተሰልፈ ህዝቢ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ኣቐዲሙ ክርህዎ ዝተቓለሰ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ጻምኡ ዘይረኸበ ህዝቢ ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ግና ድማ ውጽኢቱ ዘሕብን ምዃኑ ብምርዳእን ኣብቲ መስርሕ ዕድላትን ብደሆታትን ከም ዘጋጥም ተረዲኡን ዝወሰነ ህዝቢ እዩ። ናብ መስርሕ ቃልሲ ክኣትው እንከሎ ኣብ መሪር መስርሕ ናይ ምንባር ህርፋን ነይርዎ ዘይኮነ፡ ካልእ መሰሉ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ምስ ሰኣነ ተገዲዱ ዝመረጾ እዩ። ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኤርትራን ህዝባን ብምግዛእ፡ ረብሓኦም ከረጋግጹ ምስ ወሰኑ፡ ነዚ ሕልሞም ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንተተኻኢሉ ብዘይመሰረታዊ መጠበሪ ኣዕሽኻ እንተዘይኮነ ከኣ ኣንበርኪኽካ ምሓዙ ጥራይ ምዃኑ ወጢኖም እዮም ኣትየምዎ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተዓሸወን ኣይተንበርከኸን፡ ብኣንጻሩ ሓቂ ኣንጻር ሸፈጥ ዘለዋ ልዕልና ብዘመስከረ ኣገባብ ድሕሪ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መስርሕን ናይ ውሽጥን ግዳምን ውዲታትን ተዓዊቱ፡ ኣኽሊል ናጽነት ደፊኡ ልኣላውነቱ ከኣ ደሪቡ።

እንተኾነ ንናጽነት ኣረጋጊጽዋ እምበር ፍሪኣስ ኣየስተማቐረን። ወጽዓ ሓይልታት መግዛእቲ ዝተጸበዮ እዩ ነይሩ። እዚ ድሕሪ ናጽነቱ እምነት ብዘንበረሎም ጠላማት ምስተጨውየ ዘጋጠሞ መከራ ግና ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ዝያዳ መሪርዎ። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ክቃለስ እንከሎ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኩሉ ብሰንኪ መግዛእቲ ዝወርዶ ዝነበረ ሕሰም ተቐንጢጡ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ንምውናን እዩ ነይሩ። ብግብሪ ግና ብመልክዕ እምበር ብትሕዝቶስ ድሕሪ ስዕረት ገዛእቲ እውን እቲ ወጽዓ ገዲዱ እምበር ኣይተወገደን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ደጊምስ ግዜ ነዊሑ ቃልሲ’ውን መሪሩ ኢሉ ኣይተንበርከኸን። እነሆ ከኣ ዝተፈላለዩ ጸገማት እንዳተበራረይሉ፡ ክንድቲ ንናጽነት ዘካየዶ ናይ 30 ዓመታት ዝገማገም  ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ተጸሚዱ።

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ምጽማድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣዝዩ ብዙሕን ክቡርን እዩ። ናይ ንዋትስ ይትረፍ እሞ፡ እልቢ ዘየብሉ ክቡር ህይወት ከፊሉ። ምእንቲ መሰሉ ክብል ተመቚሑን ተሰዲዱን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ክሳብ ሎሚ ነቲ ናይ ቃልሱ ስንብራት መሊሱ ዝጐድእ እምበር ቁስሉ ዘሕዊ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ። ንመስዋእቲ ደቁ፡ ብጽቡቕ ህይወት ደቆም ኣብ ክንዲ ዘደዓዕስ፡ ዕድል ናይቶም ደቂ ስዉኣት’ውን ጸልማት ምዃኑ ይርኢ ኣሎ። ብመስዋእቲ ደቀን ኣብ ቃልሲ “ኣደ ስዉእ” ተባሂለን ተሓቢነን፡ ብሞት ደቂደቀን ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝሓዝና ዘለዋ ኤርትራውያን ኣደታት ውሑዳት ኣይኮናን።

ናይዚ ኩሉ ጸገምን መረረን ቀንዲ ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ ኣይኮነንዶ እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ፡ ህግዲፍ እውን ኣፍ ኣውጺኡ’ኳ “ኣነ እየ ተሓታቲ” እንተዘይበለ ብውሽጡስ ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። እቶም ዝተረፍና ንብዓት ህዝብና ክንሕብስን ኣብ ቃልሲ ከነሳትፎ ዝወሰናኸ፡ ኣብ ክንዲ ኩሉ እቲ ሓጥያት ናብቲ “ኮነ ኢሉ” ኣንጻር ህዝቢ ዘንቀደ ጉጅለ ምድርባይ “ንሕናኸ ክንድቲ ክንኮኖ ዝገበኣናዶ ምስ ህዝብና ኣለና?” ኢልና ነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ብዙሕ ዝጐድለና ከምዘሎ ከም ዘመልክት ከኣ ፍሉጥ እዩ። ድሌትና ካብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይፍለ ውድባት ንኹን ሰልፍታት ከምኡ’ውን ማሕበራት እቲ ራህዋ ከም እንደልዮ ፍሉጥ እዩ። “እሞ ግብርናኸ ምስቲ ድሌትናዶ የሳኒ?” ኣብ ዝብል ግና ኣዘራራቢ እዩ። ገለን ብጉርሒ ገለን ብገርሂ ድሌትናን ግብርናን ከምዘየሳኒ ርኡይ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ከምቲ እትደልዮን ንህዝቢ እትኣትዎ ቃልን ክትበቅዕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ብደሆ እዚ፡ እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ እንዳተደራበና እንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ኩልና “ናትና” ኢልና ዓትዒትና ክንሕዞን ብሓላፍነታዊ ቃልሲ ክንሰግሮን ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።

ሎሚ ህዝብና ከምቲ “ዝቐበጸን ዝነቐጸን ኩሉ ሓደ” ዝበሃል፡ ካብ ህግዲፍ ቀቢጹ እዩ። ብኣንጻሩ ኣባና ኣብቶም ምእንቲ መሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና እምነቱ ኣንቢሩ፡ ድኽመታትና ኣለሊና ጻማኡ ክንከፍሎ ይጽበየና ኣሎ። ከምቲ “ካብቲ ኮነ ኢሉ ክጐድኣካ ዘንቀደ ዝብድለካ፡ እቲ እምነት ዘንበርካሉ ክደግመካ እንከሎ ይኸፍእ” ዝበሃል፡ ናትና ኣለናልካ እንዳበልና ዘይምህላው ንህዝብና ዝያዳ ከም ዝሃስዮ ፍሉጥ እዩ። ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ ህግድፍ፡ ተኣሲሩ፡ ተጨውዩ፡ ደኽዩ፡ ፍትሒ ስኢኑ፡ ኣደዳ ስደት ኮይኑ፡ ኮታ ባዲሙስ ካባና ከኣ ተስፋ ክስእን እንከሎ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተሻብ ይውቃዕ” ዝበሃል እቲ በደል ተደጋጋሚ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እቲ ማዕረ ባህጊ ህዝብና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ጸገማት እንፈልጦን ክስገር ዝከኣልን ክነሱ ክንሰግሮ ዘይምኽኣልና እዩ።  

ኣብ ረብሓ ብዙሓት ዝውዕል ዕላማታት ብውሑዳት ተበጊሱ፡ ኣብ ጉዕዞኡ ንቡዙሓት ጸንቢሩ ከም ዝዕወት ብዙሕ ናይ ታሪኽ ኣብነታት ክጥቀስ ዝከኣል ኢዩ። ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብነት  ክንወስዶ ንኽእል።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዛ ሒዝናያ ዘሎና ወርሒ መስከረም፡ ቅድሚ 58 ዓመታት ክጅምር ከሎ ብኣጻብዕ ብዝቑጸሩ ጀጋኑ ደቂ ሃገር'ዩ ተበጊሱ። ነቲ ቃልሲ ዝጀመርዎ፡ ናይ ሃገርን ህዝብን፡ ፍቕርን ተበጃውነትን ደሪኽዎም ደኣምበር ናይ ህዝቢ ልኡኻት ወይ ተወከልቲ ኮይኖም ኣይነበሩን። ኣካውነኦም ይኹን ሕብረተ-ስባዊ ድሕረ-ባይትኦም ንምልኣት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን። ኮታ ብኹሉ መዕቀኒታት ትሕዝቶኦም ኣዚዩ ትሑት ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ሒዘምዎ ዝተበገሱ ዕላማ፡ ንብዙሓት ዘርብሕ  ህዝባዊ ዕላማ ስለዝነበረ ኣብ ጉዕዞኡ ብቑጽሩ እናሰፍሐ፡ ሕብረተሰብኣዊ ምልኣት እናረጋገጸ፡ ብኹሉ ምዐቀኒታት እናዓበየ መላእ ህዝቢ ተጸንቢርዎ ክዕወት ድማ ኪኢሉ።

እቲ ኣብ መንጎ ባዕዳውያን ገዛእትን ደቂ ሃገርን ዝነበረ ግርጭት፡ ብምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ምስ ተፈትሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግም መግዝእቲ ኢዩ ኣትዩ። እቲ ሓዲሽ መግዛእቲ፡ ካብቲ ቅድም ዝነበረ ዝመረረን ዝኸፍአን ኮይኑ፡ እቲ ሕማቕ ዕድል “ንሕና ኢና ናጻ ኣውጺእናካ” ብዝብሉ ምኹሓት ደቂ ሃገር  ተራእዩ።

እቶም ንሓደገኛነት ናይቲ ድሕሪ ምብራር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ዝተተኽለ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ዘለለዩን፡ ኣንጊሆም ተቓውምኦም ዝጀመሩን ተቓለስቲ ኣዚዮም ውሑዳት ኢዮም ነይሮም። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኢዮም ኣብ ፈቐዶ ኣምባሲታት መንግስትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ትካላትን ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ክስምዑ ብቁርን ጸሓይን ሓኾት ዝብሉ ዝነበሩ።

ኮይኑ ግን "በትሪ ሓቅስ ትቐጥን'ምበር ኣይትስበርን ከም ዝበሃል" እቲ ሓቅን  ቅኑዕን ዕላማ ክቕህም ኣይከኣለን። መመሊሱ ሰፊሑን ኣጉላዕሊዑን ፡ሙሉእ ህዝቢ ዓቲርዎ ናብ ዓወት ከምርሕ ይረአ ኣሎ። ንተቓለስቲ ፍትሒ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ዘሐጉሶምን ዘሕብኖምን ክህሉ ኣይክእልን።

እዚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም፡ ብፍላይ ብመንእሰያት፡ ብስም "ይኣክል" ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምልካዊ ስርዓት ኢርትራ ዓቢ ደወል ናይ ውድቀቱ ኮይኑ ኣሎ። መንእሰያት ዋናታት ጉዳይ  ሃገሮም ከምዝኾኑ ዘረጋግጽሉ፡ ዓቢ ህዝባዊ ስራሓት ክፍጽሙ ንርኢ ኣሎና።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም-ሰንበት ዕለት 21/09/2019 ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዘርዕድ ንደለይቲ ፍትሒ ድማ ተስፋ ዝኹልዕ ሰፊሕ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንዶን ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ መጸንበሊ ናይቲ ቅድሚኡ ክኸይድ ዝጸንሐ ስራሓት ኮይኑ፡ ንመጻኢ ውን ኣዚዩ ጠቓሚ ሓሳባትን ርእይቶታን ዝወሓዘሉ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ኣተስፋዊ ድረጃ ምብጽሑ ንኹሎም ተዋሳእቲ ምስጋና ዝግብኦም ኢዩ። ብፍላይ ድማ፡ ንሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ ሒዘሞ ንዝመጹ ስም ውድቦም ቀይሮም ነዚ ተታሒዙ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝምጥን ስም (ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ Eritrean Mass Movement) ክወስዱ ምኽኣሎም ዝምስገን ኢዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣተስፋውን ኣብነታውን ዝኾነሉ መለለይታት ኣለዎ።

ዝምርሓሉ ዓንደ-ሕጊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዝነብሮ ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ ፍትሒ- ኣልቦ ኩነታት ሓራ ንምግባር ማእከሉ ዝገበረ ንኹሉ ኤርትራዊ ምስ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምባሌታቱ ዝጥርንፍ ኢዩ።

ኣሰራርሓኡ ኣሳታፊ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ንምሁራት፡ ክኢላታትን ኣብ ቃልሲ ምኩራትን እናዓደመ ካብኦም ሓሳባትን ምኽርን ክሰንቕ ምኽኣሉ ተወሳኺ ሓይሊ ከም ምርካብ ዝቑጸር ኢዩ።

ንከተማ ሎንደን ኣብ ዞናታት ብምምቃል፡ ኣብ ዘዞናኡ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ በቢዝኽእሎ ንክዋሳእ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ምጅማሩ ዘድምዕ ናይ ቃልሲ ሜላ ኢዩ። ነዞም ክሳብ ሎሚ እናሰርሓሎም ዝመጽአ ኣገባባት ሒሒዙ እናኣማዕበሎምን ክኸይድ እንተኪኢሉ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ካብ 12 ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ተወኪላ፡ ብ36 ኣባላት ቆይማ ዘላ ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምዓልቲ ጽምብላ ንስራሓ ዝጠቕማ ዓቢ ቁም-ነገር ሰርሓ ኢያ። ካብ ኩሉ ተሳታፋይ ሓሳባት እትሰንቀሉ ዓውደ-ስራሕ (work shop) ኣዳልያ፡ ሃብታም ዝኾነ፡ ርእይቶታትን መተሓሳሰቢታትን ከተዋህልል ኪኢላ።

ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ቀንዲ ስርሓ፡ ንህላወ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስዓር ስለዝኾነ፡ ብዘቑሞም ክፍልታቱ ኣቢሉ ንጥፈታቱ ከበርትዕ ከድሊዮ ኢዩ። ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ፕሮፖጋንዳዊ መዳያት ክብርትዕን ኣብዚ መዳያት'ዚ ተዋፊሮም ክተሓጋገዙ ዝኽእሉን ከለልን ከድሊዮ ኢዩ።

እናዓበየን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ መታን ንመላእ ሕብረተ ሰብኣዊ ክፍሊታትና ጠርኒፉ ዝጎዓዝ ክኸውን፡ ዕቱብ ጻዕርታት ከድሊዮ ኢዩ። እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ሕጽረታቱ እናጸብጸባካ፡ ኣማዕዲኻ እትጥምቶ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ኣብ ምሕጋዙን ንዘለዎ ሕጽረታት ኣብ ምምላእን ተዋሳኢ ሙዃን ዘድሊዮ ኢዩ።

 
 
An aerial view of part of the Red Sea coast, with hotels and resorts in Sharm el-Sheikh, is seen through the window of an airplane, Egypt, December 7, 2015. REUTERS/Amr Abdallah Dalsh - GF10000257526
Order from Chaos

 Zach Vertin Tuesday, March 12, 2019

The Red Sea has fast become an arena of geopolitical intrigue, as new engagement between Gulf and African states is challenging old assumptions and erasing old boundaries. Expanding economic and strategic interests are driving unprecedented activity on both shores, while great powers pay increasing attention to the maritime gem in the middle, the Bab al Mandab—a strategic chokepoint and gateway to one of the world’s most heavily-trafficked trade waterways.

Author

Zach Vertin

Visiting Fellow - Brookings Doha Center

Nonresident Fellow - Foreign Policy

Here, at the nexus of the Red Sea and the Gulf of Aden, a series of state actors—with different cultures, different models of government, and different styles of diplomacy—are feeling each other out. Opportunities and risks abound, and as in any emerging frontier, the rules of the game are yet to be written.

Establishing a “Red Sea forum,” where concerned states might come together to discuss shared interests, identify emergent threats, and fashion common solutions, is a sensible next step. Efforts are underway to shape such a collective, and as leaders from these rapidly integrating regions sketch further blueprints, four design elements are worthy of consideration.

The Context

But first, some context. The United Arab Emirates (UAE), Saudi Arabia, Qatar, and Turkey have each deepened relations with states in the Horn in recent years, hoping to win friends, investments, and influence. (Reviews to date are mixed; some African states have reaped benefits while others have been destabilized.) The most tangible manifestation of this engagement has been a real-estate boom on the African coast, where new military bases and seaports have accompanied diplomatic and commercial investments in Somalia, Djibouti, Eritrea, and Sudan.

Ethiopia, the largest country in the Horn, also figures prominently in the new calculus, as does sometimes-rival Egypt, home to the Red Sea’s longest mainland coastline. Since mid-2017, these new forays into the Horn have also been colored by the Gulf crisis, a toxic feud that has infected politics in several African states as rival camps vie for access. Yemen rounds out the dizzying chessboard, where the onset of war deepened interest in strategic access to nearby African shores as well as control of the Red Sea’s southern gate.

Hundreds of billions of dollars in annual trade flows through this 20-mile wide waterway each year en route to Europe, Asia, and the Gulf. The narrow strait is also critical for freedom of navigation throughout the Mediterranean and Western Indian Ocean, thus making it the subject of interest in Washington, Brussels, and most recently, Beijing. The recent arrival of the Chinese navy in Djibouti—the tiny port nation already host to the U.S. and four other foreign militaries—means the Red Sea and Gulf of Aden are now also a theater for great power rivalry. (Russia, India, Saudi Arabia, and Japan have all signaled interest in establishing a military footprint here, too.)

The Idea

As I argued recently in Foreign Affairs, the idea of a Red Sea forum, as advanced by some forward-thinking diplomats in the region and in the West, is a good one. Such a collective could confront issues as diverse as trade and infrastructure development, maritime security, mixed migration, environmental protection, and conflict management. For example, tens of thousands of irregular migrants leave the Horn of Africa each year en route to the Gulf, often by way of Yemen. Meanwhile, huge numbers of Yemeni refugees, displaced by war, flee in the opposite direction—ending up not only elsewhere on the Arabian Peninsula, but across the Horn of Africa. States on both shores would benefit from a common conversation about this increasingly complex landscape, especially in the event of a post-war transition in Yemen.

One issue must ripen before this aspirational forum can become a reality, however, and another before its value can be fully realized. First, Gulf Arab states should resolve (or otherwise de-escalate) the ongoing Gulf crisis, which has polarized the Red Sea region and will complicate the participation not only of its feuding protagonists but also of their African allies. Second, states in the Horn should coordinate efforts toward re-balancing what are, at present, deeply asymmetric relationships with small, wealthy Arab monarchies. This will not happen overnight, of course, but the sweeping political and economic changes currently underway in Ethiopia and across the Horn provide a starting point. To be clear, the transformational potential of these transitions is matched only by their potential to destabilize, but success advancing domestic reforms, coupled with progress toward regional integration, could allow these African states to come to a Red Sea forum on a more equal footing.

Early attempts to convene Red Sea states have encountered obstacles, but these efforts will, and should, continue.

Mostly recently, Saudi Arabia attempted to take the lead, inviting foreign ministers to Riyadh under the banner of “Arab and African Coastal States of the Red Sea and the Gulf of Aden”. But the meeting’s lackluster result reflected not only insufficient diplomatic advance work, but differing views over composition and objectives. Ethiopia was not invited, for example, reportedly at the request of Egypt. Cairo’s attempts to exclude Addis Ababa are not really about Ethiopia’s littoral deficit, but about competition over regional influence and the hotly contested waters of the Nile.

African institutions have also initiated efforts toward a Red Sea collective; the African Union issued a mandate to build consensus around a Forum, while IGAD— Intergovernmental Authority on Development, an East African bloc—recently issued a communiqué committing its members to “formulate shared norms” and develop “common goals” on the Red Sea agenda. But such collaboration has yet to materialize. Eritrea, a key player, has so far resisted, a familiar posture given its president’s aversion to multilateral fora that might cede any authority (it was also a no-show at the Saudi ministerial).

European partners have also signaled interest in supporting a forum, given considerable investments in the region and a desire for secure shipping lanes and stable migration flows. New U.N. Security Council member Germany, together with EU officials, first invited Red Sea states to a gathering on the margins of the U.N. General Assembly in September 2018. But it also failed to launch, felled not only by disagreements over whom should be at the table, but whether the West should be involved at all.

Such fits and starts are to be expected as a diverse group of states attempt to forge a new diplomatic framework, especially as the boundaries of this new arena are still being defined. Champions of a Red Sea forum are right to continue the legwork in the meantime, narrowing gaps and laying a foundation for when the moment is right. Lessons may also be drawn by examining other such fora—curiosity has been expressed, for example, about both ASEAN (the Association of Southeast Asian Nations) and the Baltic Sea Forum. As efforts mature and blueprints are revised, Red Sea states and interested partners should consider the following four elements.

The Design Elements

1Ethiopia must be party to any forum. The fact that the country of 100 million doesn’t technically have any Red Sea coastline isn’t grounds to exclude one of the region’s most important players—a country of keen interest to Gulf actors and a lynchpin of politics, economics, and infrastructure development across the Horn. Other “neighborhood” states with important interests and relationships in the Red Sea and Gulf of Aden should likewise be involved in some fashion, including the UAE, Qatar, and Oman.

2This critically important mechanism should not be misappropriated for use as a military bloc against Iran. (Some believed this was among Riyadh’s motivations in January.) Regional security can and should be an anchor of Red Sea dialogue, but it must not dominate the agenda, distract from a broader menu of shared interests, or risk further polarizing the region.

3Red Sea states should build into the forum a mechanism for coordination with third-tier partners outside the region—including the United States, Europe, and China. Whether the billions in seaborne trade, the ongoing war in Yemen, the development budgets flowing to the region, or the premium on free navigation in this corridor, each of these outside actors have interests in—and are already present on—the Red Sea. A forum cannot, and should not, include everyone, lest it succumb to the lowest-common denominator generalities that have sunk many a multilateral talk-shop. But neither should its core members deny that outside actors have vested interests—or turn away the partnerships and capital investments that would likely accompany new cooperation.

4The mechanism can and should aim to be flexible—more “venue” than “organization.” Every country need not convene on every issue; some matters may be dealt with more efficiently by a subset of states, others will benefit from broad participation of members and partners.

The architects and masons of a Red Sea forum have more work to do, and these design elements may help. More obstacles may be to come, but stability and prosperity in an increasingly complex neighborhood depends on their project.

Source=https://www.brookings.edu/blog/order-from-chaos/2019/03/12/red-sea-blueprints/

 እዛ 16 ዓመት ዝዕድሜኣ ሽወደናዊት ግረታ ቱንበርግ ዝተባህለት  ህብብቲ ንምክልኻል ብከላ  ኣየር ዓለምና ንምድሓን ፡ ኣብ ቤት ትምህርታ  ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን ብምክያድ ክትንቃሳቀስ ዝጀመረትን ብዕለት 23  መስከረ 2019 ኣብ ኒዩ ዮርክ መደበር  ሕቡራት ሃገራት  ኣኼባ ተረኺባ ብተሪር  ጭደራን  እንጽርጽሮትን ብኽያትን ንመራሕቲ ዓለም ነቂፋ። ምስኣ እውን ሓያሎ መንእሰያት ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ ንመደረኣ  ዘትርርን  ንገንዘብ ክትብሉ  ክፍሊ ዓለምና ትጠልምዋ ኣሎኹም  ብምባል  በብተራ  ንመራሕቲ ዓለም ነቂፎም ፡ ኣስዒቡ እውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጽሓፊ  ኣቶ  ኣንቶንዮ ጉተረዝ  ብወገኑ ዓለምና ትበኪ ኣላ ክብል ንመደረ እቶም ቆልዑ ደጊፉ። ብድሕሪ ናይ ግረታ መሳጢ መደረ  ማለት፡  ብባዶ ቃላትኩም ንእስነተይን ሕልመይን  ሰሪቅኩሙኒ ምስ በለት ልዕሊ 66 ሃገራት ንድሕነት ብከላ ኣየር ዓለም ክሰርሓ  ፈሪመ ከም  ዘሎዋ  ማዕከና ዜና ዓለም ኣቃሊሔን። ብተወሳኺ  እውን ብዕለት 23 መስከረም ኣብ ማልታ ዝተገብረ ርክብ ሚኒስተራት ዉሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኤውሮጳ ፡  ደጊም ድሕሪ ሎሚ ኢጣልያን ማልታን ንበይነን ኣይኮናን ብስደተኛታት ዘዕለቅልቃ 6ተ ሃገራት ኤውሮጳ  ክተሓባበራ ተሳማሚዔ ከም ዘሎዋ ተገሊጹ።

ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክለዓል እንከሎ እተን ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዛ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እየን። ምኽንያቱ ብዘይህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፥ ዲሞክራሲ ንኽዕምብብን ኣብ ተግባር ክውዕልን ውሕስነት ስለ ዘየለ። ስለዚ ዲሞክራሲ ህይወት ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክህልዋ። ንህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝጻረር ከኣ  መላኺ ወይ ዓብላሊ እዩ።

ብመጀመርያ “ክንደይ ዓይነት ሰልፋዊ ስርዓታት ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ነቲ ዛዕባ ዓቢ ግደ ይህቦ እዩ። ከምቲ ጉግል ዝብሎ “ሰልፋዊ ስርዓታት ኣብ ሰለስተ ይኸፈል። ቀዳማይ ዓባላሊ እንኮ ሰልፋዊ ስርዓት፥ ካልኣይ ክልተ ሰልፋዊ ስርዓት፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ስርዓተ ኣብዝሓ ሰልፍታት እዩ።” እቲ ዳሕረዋይ ሰልፋዊ ስርዓት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምነሉ ኣገባብ እዩ። እቲ  እንኮ ሰልፋዊ ስርዓት እቲ ንዲክታቶርነት ወይ ምልኪ  ዝምስርት እዩ።  ከምዚ ኣብ ዝዓይነቱ ስርዓት ውድድር ዝበሃል የለን። ወረ ኣብ ገለገለስ ከምዚ ስርዓት እሰያስ ዝኣመሰለ ምርጫ ክካየድ ይትረፍ ህላዌ ሰልፍታት ዝጻረር ጭው ዝበለ ምልኪ እውን ኣሎ። እዚ ስርዓተ እንኮ ሰልፊ ብሕታዊ ዓብላሊ ስርዓት እዩ። ነዚ ንምዕዋተ ከኣ ኣብዝሐ ሰልፍታት ኣይደልዩን እዮም።

እቲ ክልተኣዊ ሰልፋዊ ስርዓት ብፈደረሽን ይመሓደር እምበር ናቱ ኣበር ክህልዎ ይኽእል። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ክልተ ስልፍታት ጥራይ እዩ ናይ ስልጣን  ቅብብል ዝካየድ። ኣብዚ ብመጠኑ ኣብ መንጎ ክልተ ሰልፍታት ውድድር ምህላው እወንታዊ እኳ እንተኾነ፥ እተን ናኣሽቱ ሰልፍታት ኣብቲ ናይ ባይቶ መንበር ስለዘይረኽባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ኣብ ውድድር ክኣትዋ ዕድል ስለ ዘይረኽባ ዳርጋ ዘይህልዋት እየን። በዚ ዝኣክል እተን ናእሽቱ ሰልፍታት በተን ዓበይቲ ሰልፍታት ስለ ዝዕብለላ እቲ  ናይ ስልጣን ቅብብል ናይ ክልተ ሰልፍታት ምልኪ (ዋንነት) ይኸውን።

እቲ ብናይ ኣብዝሓ ሰልፍታት  ዝቕውም መንግስቲ ካብ ሰለስተ ወይ ካብ ሰለስተ ሰልፍታት ንላዕሊ ዝዋሰኣሉ እዩ። ኣብዚ እቲ ዝካየድ  ምርጫ፥ እቲ ህዝቢ ካብተን ዘለዋ ሰልፍታት ቁጽረን ይብዛሕ ይውሓድ ብዘየገድስ ንኽመርጽ ምርጫታት ኣለዎ። ካልኣይ እቲ ውድድር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስለዝካየድ ምልኪ ናይ ምስራጽ ዕድሉ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ  ሰልፍታት ነቲ መንግስቲ ብተናጸል ወይ እውን ብልፍንቲ ክቆጻጸር ይኽእላ። ሓደ ሰልፊ ንበይኑ ነቲ ዝድለ ብዝሐ ድምጺ  ናይ ሓጋጊ ኣካል ከምጽእ ኣብ ዘይክእለሉ ናይ ግድን እዩ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ነቲ ድምጺ ክምልእ ክብል ከመሓዞ ወይ ልፍንቲ ክገብር። በዚ ዝኣክል እቲ ዝምስረት መንግስቲ ልፍንታዊ ስለዝኾነ ናይ ምትሕልላው መንፈስ ኣሎ።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ዓይነት ሰልፋዊ ስርዓታት እቲ ናይ እንኮ ሰልፊ ምርጫ ከካይድ ወይ ዘይከካይድ ይኽእል። ምርጫ እንተካየደ ከኣ ነቲ ስልጣን ዝብሕቶ ንሱ ንበይኑ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ መርገጻቱ ዝኸይድ ነቲ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝተመስረተ ስርዓት ንምትካል እዩ ቀንዲ ዕላምኡ። ስለምንታይ ከምኡ ኣገባብ ይመርጽ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እምበኣር ነዚ ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝቐውም መንግስቲ ካብ ዕብለላን ጭቆናን ኣሃዳዊ ስርዓትን ነጻ ዝኾነ መንግስቲ  ንምትካልን፡ ተሳትፎ ህዝቢ ከዓዝዝን፥ ብኡ መጠን ድማ እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ናይ ምቁጽጻር ዕድል ይረክብ። እዚ ድማ በቲ “ዘይምእኩል ኣገባብ ምሕደራ” ዝብል ነቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝገትእ  ስልጣን ኣብ ላዕሊ ተኾሚሩ ገባርን ሓዳግን ዝኸውን፡ ናብ ወረዳታትን ኣውራጃታትን ይመቓራሕ ይብል። ስለዚ ካብዚ ነቒሉ እዚ ሰልፊ እዚ ነዚ ዝስዕብ ገለ ካብቲ  ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰረታዊ መሰላት ዝኣምነሉ  ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ዝቃለሰሉ ንምጥቃስ፥

1- ክሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ  ምሕብሓብ፡

2-ብሃይማኖት ይኹን ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፥ ብዘርኢ (ዓሌት) ጾታ ወይ ዝኾነ ይኹን  ኣድልዎ ዘየፍቅድ፡

3-ንስኡናትን ንኣረጋውያንን ምጥዋርን ምሕጋዝን

4--ናይ ምውዳብን ምእካብን ናጽነት ምኽባር

5-ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነት

6-ናይ ውልቀ-መሰል ምኽባርን ምክልኻልን

7- ናጽነት ሃይማኖት

8-ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ክምረጽን ክመርጽን ምኽኣል ወዘተ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ሓደ ነገር ብሓንቲ ለይቲ ከምዘይህነጽ ርዱእ እዩ። ዲሞክራሲ ድማ ከምኡ ብሓንቲ ለይቲ ክህነጽ ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ነቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ክንሃንጾ እንደሊ ስርዓተ ምሕደራ፡ ምስቲ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ ቀዳምነት’ኳ እንተዘይተሰርዐ፥ ካብ ብሕጂ እንተሓሰብናሉ ኣየኽፍእን እዩ። ኣርሒቕካ ብዘይምርኣይ እቲቅድም ነዚ ንግበር እናተባሃልና ኣብ ዓዘቕቲ ዘእተወና ተመኩሮ፡ ደጊሙ ከይደግሰና ምጥንቃቕ የድሊ።  ህዝቢ ድሕሪ እቲ ስርዓት ምውዳቕ፥ ዝምእመኦን ዘርብሖን ክፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ መትከላት ናይ ኩለን ሰልፍታት ዝቕበሎን ዘይክቕበሎን ክመራመረሉ ይግባእ። ምኽንያቱ “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሒጅ ጽረግ” እዩ ነገሩ።

ስለዚ መንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከምቲ ሓደሓ ዘይፈልጥዎ ብደገ ከጽልምዎን ዘይናቱ ክህብዎን ዝፍትንኑ ዘይኮነስ፥ ልኡላውነት ሃገርን ልዕልና ህዝብን ዝማእከሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። ነዚ ከተግብር ከኣ ናብ ዲሞክራሲ ዘብጽሕ ፖሊሲ ወሳንነት ብኣብዛሓ  ድምጺ ዝኣምን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ ከተልዕሎ እንከለኻ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ኣብ ቅነ  ዓለም-ለኻዊ  መዓልቲ ሰላም፡ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክንድህስስ ዝመረጽና። ሰላም ከም ባሕሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣምር እዩ። ኣገዳስነቱ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ወሳኒ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሰላም ኣብ ኩሉ ህይወት ደቂ ሰባት ቦታ ኣለዎ። ብዙሓት ወገናት ንሰላም “ውግእ ብዘይምህላውን ድምጺ ተኹሲ ብዘይምስማዕን” ጥራይ ይገልጽዎ። ብርግጽ ውግእን ወረ ውግእን ዘይምህላዉ ሓደ ምልክት ሰላም እዩ። እንተኾነ ውግእን ተኹስን ዘይምህላዉ ጥራይ ዘተኣማምን ሰላም ኣሎ ምባል ኣየኽእልን።

ሓቂ እዩ፡ ውግእን ድምጺ ጥይትን ዘይምህላዉ መርኣያ ሰላም  እዩ። እንተኾነ ብኩራት ሰላም ብረቂቕ ድምጺ ኣልቦ ጨንቅን መከራን እውን ዝግለጽ እዩ። “ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው’ዩ” ዝብል ትርጉም ዘየዕግቦም ወገናት ንሰላም፥ ምስ ርግኣት፡ ዕረፍቲ፡ ራህዋ፡ ስምምዕ፡ ሕብረት፡ ዕርቅን ልዋምን ኣሰንዮም ይገልጽዎ እዮም። እዞም ምቁራት ቃላት ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘይምህላዎም ከኣ፡  ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሕልናን ኣተሓሳስባን ህድኣት የብሉን። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ከኣ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላው እዩ። ኣብ ኤርትራ ሰላም ብዛዕባ ዘይምህላዉ ብዙሕ ምርምር ምክያድ ዘድልዮ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና ነቲ ኩሉ ዝርእዮ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እንተዳህሲስናዮ፡ ሰላም ዘይምህላዉ ምርዳእ ኣይክጽግመናን።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን፡ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኣመንካዮ ሃይማኖት ናይ ምስዓብ መሰል የለን። እዛ ብዛዕባ ሰላማ ንዛረበላ ዘለና ኤርትራ ኣብ ህልውናኣ ከም ሃገር  እውን ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ምኽንያቱ መሬት ኤርትራ ብዘይኣፍልጦ ህዝባን ብዘይግሉጽ ውዑላትን ይሽየጥን ይልወጥን ስለ ዘሎ። ብሰንኪ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዓዶም ምስራሕ፡ ምምሃርን ምውላድን ምዝማድን ዝሓረሞም መንእሰያት እግሮም ናብ ዝመረሖም ስለ ዝፈለሱ ዓድታት ኤርትራ ሰብ ኣልቦ ኮይነን እየን። እቲ ኣብ ዓድኻ ሓሪስካን ነጊድካን ምፍራይን ምዕባይን ይትረፍ እሞ፡ ሎሚ ብዙሓት ቁሸታት ሃገርና ሰብ ምስ ሞተ ጉድጓድ ዝኹዕትን መኣውይቲ ዝነግርን መንእሰይ ይሓርመን ከም ዘሎ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ወላድ መኻን ኮይኖም ዝጥውሮም ዝሰኣኑ ሽማግለታት ከኣ ብዙሓት እዮም። ካብዚ ዝዓቢ ምስኣን ሰላም ከኣ የለን።

ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት የለን። እታ ሃገር እትምረሓሉ ሕግን ዝመርሓ ዘሎ ኣካልን ኢደ-ወነናውያን እዮም። እቲ ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ከኣ መመሊሱ ይኸርር’ዩ ዘሎ። እቲ ዝምድና ዝያዳ ክኸርር እንከሎ ከኣ እቲ ቃልሲ ብኽንድኡ ደረጃ እዩ ዝዓርግን ዝውጠርን። እዚ ከኣ ናይ ሰላም ምህላው ምልክት ኣይኮነን።  ህግዲፍ ከይሓፈረ ጸረ-ሰላም ባህርያቱ ሓቢኡ፡ ኤርትራ ሰላም ዝሓረማ ክንሳ “ናይ ሰላም ደሴት” ክብላ ዝፍትን ምዃኑ ከኣ ዘገርም እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብን ኣብ ክንዲ ዘንብቡን ዝድህስሱን፡ ነቲ ናይ ህግዲፍ ሸፋጢ ናይ ሰላም ኣተረጓጉማ ተኸቲሎም፡ ንኤርትራ ከም ብሰላም እትልለ ኣብ ገነት እትነብር ሃገር ክገልጽዋ ምፍታኖም ዘገርም  እዩ። እሞ ኸኣ ኣብ ዘዘለዉዎ ናይ ስደት ሃገር ሓቀኛ ሰላም እንዳስተማቐሩ።

ንኤርትራ ምስ ኩነታት የመን፡ ሶርያን ሶማልያን ኣወዳዲርካ፡ ዝሓሸ ሰላም ዘለዋ ትመስል እያ። ናይዚ መበገሲ ከኣ ኣብ ኤርትራ ተኹሲ ዘይምስምዑን ኣብ ውግእ ሰባት ዘይምማቶምን እዩ። እቲ ቀንዲ ናብ ከምዚ መደምደምታ ዝወስድ መደዓዓሲ ምኽንያት እቲ ናይ ህግዲፍ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ካብኣቶም ዝሓሸ ዘይኮነ፡ ምስ ካብኣቶም ዝኸፈአ ናይ ምውድዳር፡ ንቕድሚት ዘይኮነ ንድሕሪት ዘማዕዱ ኣካይዳ እዩ። ኣብዚ ሓደ ክበርህ ዝግበኦ ነጥቢ፡  ኣብ ኤርትራ ሰባት ኣብ ውግእ ዘይሞቱ ምዃኖም እዩ። ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ሰላም ዘይምህላዉ፡ ሰባት ኣብ ዓው ኢልካ ዘይዝረበሉን ዘይግሉጽን ውግእ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ እንከለዉ ኣብ ዶባት ኮነ ኢልካ ብትእዛዝ ሰብ መዚ መንግስቲ ዝቕንጸሉ መንእሰያት ብዙሓት እዮም። ኣንጻር ስርዓት ሓሲብኩም፡ ልኡኻት ናይ ወያኔ  ኢኹም እናተባህሉ፡ ዝእሰሩን ዝቕተሉን፡ ናይ ላምፓዱሳ ተረኽቦ ወሲኽካ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝሃልቁ ዘለዉ’ውን ውጽኢት ኣብ ኤርትራ  ሰላም ዘይምህላው እዩ። እዚ ከኣ ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው ማለት ጥራይ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። ብዓብይኡ እንዳ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ወሪዱ ዘሎ ናይ ሕልናን ሞራልን ሞትን ተስፋ ምቑራጽን ዓብይ ግምት  ዝወሃቦ መርኣያ ብኩራት ሰላም እዩ።

ንሕና ንሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ኢና እንቃለስ ዘለና። ኣብ ሃገርና ሰላም እንተዝህሉ፡ ዘሎ ሰላም ከነምጽእ ኣይመተቓለስናን። ህዝብና ከኣ ወትሩ ንሰላም ዝሃርፍ እዩ። “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ምምሕዳር ኣምጸኣልና” ዝብል ኣበሃህላ ህዝብና፡ ሰላም ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ እዩ። ምርግጋጽ ሰላም እቲ ሓደ “ህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ኣካል ከረጋግጾ ዝግበኦ መባእታዊ ሓላፍነት እዩ። ህግዲፍ ነዚ ከውሕስ ስለ ዘይከኣለ ጥራይ “ውዱቕ ምምሕዳር እዩ” ምባሉ እንተዘይውሒድዎ፡ ኣይበዝሖን እዩ። ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ሰላም ዝዝከረሉ ቅነን ሰላም ዓብይ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ግዜን ብዛዕባ ሰላም ምዝራብና፡ ዓለም በይና ሰላምና ከተረጋግጸልና ንምጽዋዕ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ግዳም ጽልዋታት ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ብጽሒት ከም ዝህልዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሰላምና ካብ ኢድና እዩ። ብመሰረቱ ቃልስና ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን  ኣብዛ ሰላም ሓሪምዋ ዘሎ ኤርትራና ዘተኣማምን ሰላም ብምርግጋጽ’ዩ ክግለጽ።

Page 8 of 326