ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ናይ 2019-2020 ዓመተ-ትምህርቲ ኣብ ክፍላ ወርሒ መጋቢት ብምዝዛም ተምሃሮኣን መማህራናን ናብ ዕረፍቲ ኣፋንያ። ሎምዘበን ብሰንኪ እቲ ህይወት ሰብ ዝቐዝፍ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ ኮቪድ 19፤ እቲ ኣጋይሽ፡ ወለድን ቤተ-ሰብን ዓዲምካ ዝኽበር ዝነበረ ናይ ኣተዓጻጽዋ ቤት ትምህርቲ ልምዲ፡ ክትግበር ኣይተኻእለን። እዚ ንክንክን ጥዕና ተመሃሮን ኩሎም ተዋሳእትን ዝዓለመ ውሕሉል ስጕምቲ ኰይኑ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንናይ ሕማም ኮሮና ዝርገሐ ንምግታእ ዝሕግዝ ሕክምናዊ ስጕምቲ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጋዊ ግዴታ’ውን እዩ።

እዚ ዝሓለፈ ትምህርታዊ ዓመት ብሕማም ቫይሩስ ኮቪድ 19 ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ዘስዓቦ ጸጥታዊ ኵነታት እውን ስለ ዝተጸልወ፣ ብዙሕ ናይ ስሩዕ ትምህርቲ ምቁራጽ ዝተራእየሉ ዓመት እዩ ኔሩ። ይኹን’ምበር መማህራን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ብዘርኣይዎ ትግሃትን ተወፋይነትን፣ ነቲ ዝተቛረጸ ግዜ ካብ ግዜ ዕረፍቶም ብምትካእ፣ ነቲ ምዱብ ዓመታዊ ትምህርቲ ኣብ እዋኑ ከም ዝውዳእ ገይሮም እዮም።

ቤት ምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ነዚ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ 696 ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተመሃሮ ብምምዝጋብ እያ ጀሚራቶ። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ማለት ጸጥታዊ ምኽንያታትን ሕማማትን ገሊኦም ድማ ዓዲ ብምቕያርን ብተደጋጋሚ ግዜ ትምህርቲ ይቋረጽ ሰለዝነበረ ኣብ ጕዕዞ ሓያለ ተማሃሮ ጐዲሎምና እዮም። እቲ ብዕለት 15 መጋቢት ዝተዓጽወ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ናይ መጨረሻ መርመራ ዝተሳተፉ 580 ኰይኖም ካብኣቶም 525 ተመሃሮ መሕለፊ ነጥቢ ከምጽኡ ከልዉ 55 ግን ትሕተ-መሕለፊ ነጥቢ እዮም ረኺቦም።

ሎሚ ዓመት ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራ ብብጸይቲ ኣልጋነሽ ኢሳቅ ኣቢለን ዝሰደዶኦ ሓጋዝ ገንዘብ ንልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ወደ ሸሪፋይ ኣብዚ ዓመት 2 ግዜ ናይ ሸሹድሽተ ኣዋርሕ ዝኽውን ሞዴስ ተዓዲለን።

Wed Sherifay School 2020 2

ኣቤል ገብረየሱስ ዝብሃል ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ኤርትራዊ፣ ብሓው ትኩእ ተስፋይ ኣቢሉ ንቤት ትምህርቲ ወደ ሸሪፋይ 20 ካርቶን ዘወፈዮ ጥራውዝትን ቢሮታትን ንተምሃሮ ተዓዲሉ።

ዓብደላ ማሕሙድ ሳልሕ ዝስሙ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ኤርትራዊ ድማ፣ ኣሕዋት ኣሕመድ ማሕሙድ ስሩርን ኣንዋር ዓብዱን ብዝሓበሩዎ መሰረት ናብ ቤት ትምህርትና ብምምጽእ ብሓንቲ ኢርትራዊት ማሕበር   منظمة صابرين لشؤون الانسا نية كسلا ( Sabrin organization for humanitarian Affairs ) ንሶም ዝውክልዎ ኣቢሉ 24 ካርቶን ጥራውዝቲ፡ 5 ኰዓሳሱ እግሪ፡ ናይ ጂኦመትሪ መሳሪሕታት፡ ካልእ ናይ ትምህርቲ ናውትን ናይ ብልጫ ሽልማትን ኣወፍዩ። ከምኡ’ውን ንነፍስወከፍ ምምህር ሓደ ሸሕ (1000) ጂኔ ሱዳን ሓገዝ ሂቡ።

Wed Sherifay School 2020 3

ኣብ መጨረሻ እቲ ብንፋስን ካልእ ባህርያዊ ኵነታትን ዓንዩ ወይ ተበላሽዩ ዝጸንሐ ክፍልታት ድሕሪ ምዕጻው ትምህርቲ ንምጽጋኑ ኣብ ምጅማር ንርከብ። ብመሰረት ትእዛዝ ሚንስትሪ ትምህርቲ ሱዳን፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓደ ክፍሊ ክመሃሩ ስለ ዘይብሎም፣ መጠነኛ ወይ ዓቕምና ዘፍቅዶ ንኽልቲኦም ጾታታት ተመሃሮ ዝፈሊ ክፍልታት ኣብ ምትግባር ተጸሚድና ኣሎና።

ኣብ መጨረሻ ንመማህራንን ተመሃሮን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን መሓዙት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይን ብአባ ግብራይ እትመሓደር ካቶሊካዊት ቤት ትምህርትን፣ ብፍላይ ከኣ ንመዋሊት ቤት ትምህርትና ዝዀነት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበራ ማሕበር ስዊዝ ንህጻናት ኤርትራ (Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE)) ዕዙዝ ምስጋናና ነቕርብ።

ኢድሪስ እስማዒል፡ ኣምሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ

ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ብ15 መጋቢት 2020 ምስ ጨንፈር ኣወስትራልያ ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብዚ ብቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ተጸዊዑ፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ኣሕዋት መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ኣቦመንበር ጨንፈር ኣውስትራልያ ሓው ሃይለየሱስ ገብራይ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣቕሪቡ። ድሕር’ዚ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንደሓር፣ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ሃገርናን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

ሓው መንግስተኣብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ጀሚሩ፡ ንጥፈታት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብውሳነ ጉባአ መሰረት ምስ ዝተፈላለዩ ውድባትን ግንባራት ክግበር ዝጸንሐ ርክባትን ውጽኢቱን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክካይድ ዝጸንሐ ናይ ሰልፊ ተሳትፎን ኩነታት ጨናፍርን ዞባታትን ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብዝምልከት ደቂቕ ዝርዝር ኣቕሪቡ።

ሓው መንግስተኣብ ንሃለዋት ናይ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘቕረቦ መሰረታዊ ሓሳብ ከኣ፡ ኣነቓቕላ ዋዕላ ሚኖሶታ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ንቕሎ ኣደታት ኣብ ጀርመን፡ ምልዓል ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ተበግሶ ሓባራዊ ስራሕ ወከልቲ ውድባት ኣብ ጀርመንን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ ተሳትፎ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉዚ ምንቅስቓሳት ከመይ ከም ዝነበረ ኣረዲኡን። ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ሰዲህኤ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ዝተኻየደ ርክብን ሒዝዎ ዘሎ ኣቕጣጫን ገሊጹ። ንመጻኢ እውን ንዅሎም ጽላላትን ውድባትን ዘሳትፍ ዋዕላ ለንደን ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኩሉቲ ርክባት ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ተስፋ ዝህብ ምዃኑን ሰዲህኤ ክሳብ ዘተኣማምን ውጽኢት ዝምዝገብ ጻዕሩ ቀጻሊ ምዃኑን ንተሳተፍቲ ሓቢሩ።

ብዘይካዚ ሓው መንግስተኣብ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩሉኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ህዝብና ብሰንኪ ህግዲፍ ዘሕልፎ ብዛዕባ ዘሎ ሕሰምን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሎሚ እውን ሕመቖም ንምሕባእ ዝዓለመ ናይ ላዕለዎት ኣዘዘቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበራትን ትካላትን ኣኼባታትት የካይዱ ምህላዎም ጠቒሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኩነታት ብጽሞና ርእዩ ቃልሱ ንከሐይል ድማ ጸዊዑ።

ሓው ደበሳይ በየነ ብወገኑ ብዛባዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሕጂ እውን እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ርክብ ግሉጽነት ከምዘየብሉ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ነቲ መራሒ ህግዲፍ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዑደቱ ኮነ ቃለ-መጠይቑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዝህድድ መልክዑ ክህቦ ዝጸንሐ መግለጽታት ተኸቲሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናት ኣንጻር ልኡልዋነት ኤርትራ ይጽሑፍን ይምድሩን ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሓሳቡ ዘይቀየረ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ድፍኢት ህግዲፍ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ኤርትራውያን ናይ ስደተኛ መሰሎም ይጠሓስ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ብግቡእ ከቕልብሉ ከም ዝግበኦም ኣስፊሩ።

ድሕር’ዚ መበገሲ መግለጽታት ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ “ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከመይ ይመስል፡ ተጽዕኖ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ዘገምታውነት ጉዕዞ ሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን፡ …… ወዘተ” ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም፡ በቶም መራሕቲ ኣኼባ ከኣ ዝርዝር መልሲ ተዋሂብዎ።

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ጨንፈር ኣወስትራልያ ሰዲህኤ፡ መደባት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከም ወትሩ ዘለዎ ቅሩብነት ብምጥቃስ፡ “ንርከበሉ ዘለና እዋን ወሳኒ ስለ ዝኾነ ቃልስና ብተዓጻጻፊ ከነሐይል ይግበኣና፡ ውድባት ናይ ሓባር ጽላል ንምምስራት ጀሚረናኦ ዘለዋ ቃልሲ ከሕይለኦ ይግበአን፡ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምቅይያር ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ክቕጽል ይግበኦ” ዝብሉ ቅቡላት ርኢቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

እዚ ኣካል ናይቲ ብ29 ለካቲት 2020 ብቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ተጸዊዑ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ኣባላት ሰዲህኤ እዩ።

Current Information about Coronavirus

ሓበሬታ፡ ካብ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ ንምድሓን ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐ

ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ጀሚሩ ዝተፈልጠ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ፣ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ (14 መጋቢት 2020) ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ምሉእ ዓለም ተለኺፎም ይርከቡ። እዚ ብዘይርአን ዘይስማዕን ደረት-ዶብ ዘይክልክሎ ዝለክፍ ድቀ-ፍጥረት (ቫይሩስ) እንተዘይ ተኸላኺልካዮ ንህዝቢ ዓለም ከጥፍእ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዝፍራሕ ስለዝዀነ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ተላባዒ ሕማም “ኣህጉራዊ ፓንደሚክ” ሰምይዎ ኣሎ። ድሮ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ መዘናግዒ ንግዳዊ ከባብታትን ተዓጽዩ መገሻ ብህዝባዊ መጐዓዝያታት (ብነፋሪት፣ መርከብ፣ ኣውቶቡሳትን ወዘተ) ብኣዋጅ ክኽልከል ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወት ህዝብን ሃገርን ብኸቢድ ዝጐድእ ኰይኑ’ሎ። ቁጠባዊ ዕብየት ድሕሪ ጥዕና ማሕበረ-ሰብ ስለዝስራዕ፣ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቢ ምስተረጋገጸ፣ ቁጠባ ናብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

መራሕቲ፣ ሓለፍትን ኣካየድትን ትካላት ናይ ብዙሓት ሃገራት፣ ንምምሕዳራዊ ዕማማቶም ኣወንዚፎም፣ ብቐዳምነት ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሓበሬታ፣ ምንቕቓሕን መምርሕታትን ምሃብ ኣትኵሮም ክነጥፉ ይርከቡ። እዚ ንዓና ከም ኤርትራውያን ብቐጥታ ስለዝምልከተና ቀዳምነት ሂብና ክንነጥፈሉ ዘሎና ምዃኑ ርዱእ ስለዝዀነ በብእዋኑ ዝምዕብል ኵነታት፣ በቲ ዘሎና መራኸቢ መስኖ፣ ሓበሬታን ምኽርን ከነመሓላልፍ የድልየና።

ብማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕነት ኣባላቱን ህዝብን በቲ ዝርድኦ ቋንቋ በብእዋኑ ንዝምዕብል ሓበሬታን መምርሕን ክህብ ተበግሶ ምውሳዱ እንዳሓበርና፣ ኣብዚ ዕማም’ዚ ብፍላይ እቶም ናይ ሕክምና ኣፍልጦን ሞያን ዘለኩም ሰባት ክትሳተፉ ንዕድም። 

ንመበገሲ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ነስፍር፡

- ኮሮናቫይሩስ ንሃገር ቺና ኣላቢዑ፣ ናብ ምሉእ ዓለም እናተዘርግሐ ምልባዕ ጀሚሩን ሓደጋኡ ይቕጽል ኣሎን

- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ዘርእዮ ምልክታት፡ ምስዓል፣ ረስኒ፣ ሕጽረት ትንፋስ፣ ሕማም ርእስን ድኻምን ወዘተ ይኸውን። እቲ ሕማም ኮሮናቫይሩስ እንተዀይኑ ብመርመራ ክፍለጥ ዘለዎን ናይ ምድሓንን ንኻልኦት ንኸይልክም ምክልኻልን ዘድሊ ስጉምታት ብዝምልከቶም ናይ ሕክምና ሰበ ስልጣን ዝውሰድ እዩ፡

- ዝተጠቕሰ ምልክታት ናይ ካልእ ዓይነት ሕማም ክኸውን ስለዝኽእል ብመርመራ ምስተፈልጠ ንዕኡ ዝግባእ ክንክን ይግበረሉ።

- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ሰብ ብዝግበረሉ ግቡእ ሕክምናዊ ምእላይ ክድሕን ዕድል ስለዘለዎ፣ ክስንብድ የብሉን

ኮሮናቫይሩስ ብኸመይ ይለክፍ፡

- ኮሮናቫይሩስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እዩ ዝመሓላለፍ። ዝተለኽፈ ሰብ ጥቓ ዘይተለኽፈ እንተቐሪቡ/ቀሪባ

- ኮረናቫይሩስ ኣብ ኣየር ተጸይሩ (air born) ኣይኰነን ዝጐዓዝ። ግን እቲ ዝሓመመ ሰብ ምስ ዝስዕል ወይ እንጥሾው ምስ ዝብል፣ ምስቲ ንሱ ዝሰዶ ምራቕ (droplets) ተጸይሩ ይጐዓዝ። ከቢድ ብምዃኑ ርሕቕ እንተኢልካ ኣብ ክንዲ ናባኻ ናብ መሬት ወይ ካልእ ይዓልብ። ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ምስ ዓለበ፣ ኣብኡ ክሳብ 5-10 መዓልታት ከይሞተ ክጸንሕ ይኽእል። እቲ ጥዑይ ሰብ ነቲ ዓሊቡሉ ዘሎ ኣቕሓ ብኢዱ ምስ ዝትንክፍ ናብኡ ይሓልፍ እሞ ዓይኑ ወይ ኣፉ ወይ ኣፍንጭኡ ምስ ዝሕዝ እቲ ቫይሩስ ኣትዩ ክለክፍ ይኽእል።

- እቲ ቫይሩስ ብቖርበት ኣይኣቱን እዩ። ብኣፍ፣ ዓይኒ ወይ ኣፍንጫ እዩ ዝኣቱ።

- ኣብ ባህልና ድሕሪ ገለ እዋን ዝተራኸቡ ሰባት ሓቝፍካ ኣብ ምዕጕርቲ ምስዓም ዝውቱር’ዩ፡ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምኡ ምቕጻል ክትልከፍ ምዃንካ/ኪ ምርዳእ ስለ ዘድሊ ብናይ ማዕዶ ሰላም ክትካእ ኣለዎ

- ምስዝተለኽፈ ሰብ ናይ ኢድ ምጭብባጥ ሰላምታ ድሕሪ ምግባር፣ እታ ዝተለኽፈት ኢድ ንኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ ዓይኒ እንተ ተንኪፋ፣ ኮሮናቫይሩስ ናብ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣትዩ ናብ ደም ብምሕዋስ መጥቃዕቱ ይቕጽል

- ብኮሮናቫይሩስ ዝሓመመ ሰብ፣ ብኢዱ ዝተንከፎ ንቑጽ ገጽ ጣውላ፣ ማዕጾ፣ ኩርሲ ከምኡ’ውን ካብ ኣፉ ይኹን ኣፍንጭኡ ዝወጽእ ፈሳሲ ዝሓደጎ፣ ብገርሂ ዝተንከፈ ሰብ እሞ ከይተሓጽበ ገጹ እንተደሪዙ ይልከፍ።

ከይንልከፍ ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐን ምክልኻልን፡

- ቅድሚ ገጽና፣ ኣፍንጫና፣ ኣፍናን ዓይንናን ምትንካፍ ኣእዳውና ብሳምና ምሕጻብ፤

- ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ንባክተርያ ስለ ዝቐትልን ብኣኦም ንዝተሓላለፍ ሕማም ስለዝከላኸልን ምጥቃም

- ነብስናን ከባቢናን ካብዚ ሕማም’ዚ ናጻ ክኸውን ብንቕሓት ምክትታል

- ብናይ ወጻኢ ቋንቋታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውሃብ ሓበሬታ ክርድኡ ዘይክእሉ ቖልዑን ነቶም ብዘይካ ናይ ኣደ-ቋንቋኦም ካልእ ዘይርድኡ ኤርትራውያንን፣ ክርድኡን ምእንቲ ነብሶም ክከላኸሉን ናይ ምሕባሮም ሕልናዊ ሓላፍነት ክንወስድ የድሊ

- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ኣባል ስድራ ወይ መሳርሕቲ ንኻልኦት ንኸይልክም ኣብ በይኑ ካብ ሰብ ርሒቑ ዝሕከመሉ ፍሉይ ቦታ ምሓዝ

ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰ.ደ.ህ.ኤ

ብዕለት 08 መጋቢት 2020 ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ብፍሉይ ጸዋዒት ዝተሰነየ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ነቶም ኣብ ምምስራት ሰልፊ ኣባላት ዝነበሩ ግን ካኣ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብቲ ሰልፋዊ ስሩዕ ሂይወት ማሕዲጎም ዝጸንሑን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ።

Meeting 08.03.2020 1

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ ኣባላት ክረኤ ዝጸንሐ ናይ ምዝሕታል ምኽንያታት ንምልላይን፡ ጠንቅታቱ ፈዊስካ ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ቃልሲ ንምስታፍን ግቡኣትካ ኣብ ምብርካት ንምትብባዕን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ናይ ኣስተምህሮ ሰሚናር ዘይኮነስ፡ ናይ ምምኽኻርን ከመይ ጌርና ናይ ቃልሲ መንፈስና ንመልስን ንምዕዋት እዩ ነይሩ። ኣኼባ ብብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ መራሕ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ምስጋና ንኣኼበኛታት እዩ ተጀሚሩ። ድሕርዚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ኣኼበኛታት ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ኣብ ኣኼባ ምስታፎም ድሕሪ ምምስጋን፡ ተሳትፎ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብዚ ኣኼባዚ፡ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ኣብ ቦትኡ ምህላዉን፡ ገዲፍዎ ካልእ ምርጫታት ዝወሰደ ከምዘየሎን ዘመልክት ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ሓድሽ ሞራልን ትጽቢትን ከነንብረሉ ከምእንኽእል ዘረጋግጽ ምልክት ከምዝኮነ ሓቢሩ።

ኣስዒቡ፡ ድሕርቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ውልቀ መላኺ ገዛኢ ስርዓት  ኤርትራን ዝተበጽሐ ኣንፈቱ ዘጥፍኤን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝገድደሎ ስምምዕን፣ ህልዊ ኤርትራዊ ኲነታት ኣብ ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞናዊ መድረኻትን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ኣብምሕያል ተቓውሞ ዝተጻወቶ ግደን፣ ዝተበገሰ ሰፊሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብፍላይ ድማ ብሰልኩታት ናይቲ ስርዓት ንኸይኩለፍ  ክግበር ዘለዎ ናይ ምጽውዋርን ልዝብን ጻዕርታትን ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ብዘይካዚ ኣብቲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ክንርሕቕ ዝተገደድናሉ ሕማቕ ግዜ፣  ግደ ናይቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ኣባላት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምንባሩን፡ ሕጂውን እዞም ኣብዚ ኣኼባ ኣንርእየኩም ዘለና ተቓልስቲ ኣካሎም ብምንባርኩምን፣ ካብ መስርሕ ቃልሲ ናብ ካልእ ከየልገስኩም ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ብምዃንኩም፡ እቲ እምነት ስለዘሎ ሕጂውን ከምቲ ዝሓለፈ ሓቢሮም ንኽቃለሱን ግዲኦም ከበርክቱን ጸዊዑ።

ብዘይካዚ፡ ሎሚ ኲነታት ሃገርና፡ ናብቲ ኣረጊትን ብመስዋእቲ ህዝብና ዝተሳዕረን ኣታሓሳስባ ገዛኣቲ ኢትዮጵያውያንን መድረኽ ዝወለዶም ስንኩፋት ኤርትራውያን ብእውርኡ ድማ ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ መንገድን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ፈተነ ከእቱ ዘኽእል እንዳኮነ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ግዜ፡ ኩልና ደቂ ሃገር ቃልስና ከነሐድስን  ኣብ ናይ ድሕነት መስርዕ ክንስለፍን ከምዝግባእ እውን አዘኻኺሩ። እቲ ስርዓት ብዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ ጸላእቱ እንዳኣብዝሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ሓይልታት ለውጢ ሓቢሮም ኽሰርሑ ልዕሊ ዝኮነ ይኹን ግዜ ተመራጺ ኣብዝኮነሉ መድረኽ ኣቲና ስለዘለና፡ ኣብ መንጎ ኩለን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ትካላትን ሰፊሕ ናይ ዘተን ልዝብን ርኽክባት ዝተኻየደ ምህላዉን ገና ክካየድ ምዃኑን እውን ሓቢሩ። ሓባራዊ ስራሓት ኣብ ምርግጋጽ ብላዕለዎት መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮነ ቦታውያን ሰረታት ዝተፈላለየ ሓይልታት ዝደፍእዎ ዘለዉን፡ ድሮ እውን ኣብ ጀርመን ናይ 14 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣባላት ብሓደ ንኽሰርሑ ምስምምዖም ብኣብነት ዘኪሩ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ዝተረጋገጸ ለውጢ ኩልና ክንኸታተሎ ዝጸናሕና ኮይኑ፣ እቲ ለውጢ ብህዝባዊ ናዕብን ምልዕዓልን እዩ ናይ ስርዓታት ለውጢ ተረጋጊጹ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገር ዝነብር ህዝቢ ብሓባርን ብሓደ ድምጽን ስለዝተበገሰሉ ድማዩ ተዓዊቱ። እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ድማ ልክዕ ከምኡ ክኸውን ስለዘለዎ ኣሰሮም ክንክተል ይግባእ።

ካብዚ ወጻኢ ህልዊ ኲነታት ኤርትራ ናብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሳዕረ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ዝጠለመ  ኣህጉራዊ መጋባእያ ዝመልስ ወስታታን፡ ናይ ይግባኣና እዩ ሕቶን ኣብዝቀላቐለሉ እዋን ንኽትኣቱ፣ ኢሳያስ ሓንቲ ድኽምትን፡ ነብሳ ዘይትኽእልን ሃገር ኮይና ንክትረኤ ሰሪሑ እዩ፣ ብኣንጻሩ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ልኡላውነት ኤርትራ ንምዕቃብ ደው ኢልና ክንምክትን ቃልና ከነስምን ከምዝግባኣናውን ብጻይ ተስፋይ ገሊጹ።

ነዚ ኣብ ምዕዋት ድማ ምስ ኩሎም ንልኡላውነት ኤርትራ ዝኣምኑ፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮነ መንግስታት ዝምድናታትና ከነበርኽን ክንፈጥርን ከምዝግባእ’ውን ኣመልኪቱ።

Meeting 08.03.2020 4

ድሕሪ ዝቐረበ መብርሂ ኣገዳሲ ክትዓትን ሓጋዚ ርእይቶታት ብምቅራብ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንኣባላት ኣብ ምእላይ ዝጸሔ ሕጽረታት ሰልፍን ሕድሕድ ናይዘይምቅብባል መንፈስን እንዳተጠቅሰ፡ ናይ ቃልሲ ሕድሪ ዝገደፈ ኣባል ከምዘየለ ብምርግጋጽ፡ ካብ ዕለተ ኣኼባ ንዳሓር ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ሰልፊ ተሳትፎታቶም ንኸበርኹ፣ “ንሕና ኣብ ጎንኹም ኣለና፡ ኣስርሑና፡ ክሳብ ክትልኡኹናን ሂይወት ዘሕትት ነገራት እንተልዩ እውን ክንፍጽም ድሉዋት ኣለና”፡ ዝብል መንፈስ ናይ ቃልስን፡ ንሓባራዊ ስራሓት ዝሕግዝ ኣገዳሲ ለበዋታትን ርእይቶታትን ኣኼባ ተደምዲሙ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ዝተላኣከ መጸዋዕታ ዝበጽሖም፡ ግን ካኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ኣኼባ ክርከቡ ዘይካኣሉን ውጻኢት ኣኼባ ክንቅበል ድሉዋት ኢና ክብሉ ናይ ዝሓበሩ ብጾት ኣስማትን  እውን ብዝርዝር ተጠቂሱ ምንባሩ ክዝከር ይካኣል።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብ1 መጋቢት 2020 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ስሩዕ ኣኼባ ኣባላቱ ብምክያድ ኣብ ህልው ኩነታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ሰልፊ፡ ጨንፈርን ሓፈሻዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓሚቚ ዘተን ክትዓትን ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ነቲ ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኩም ቃል ከፊቱ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣጀንዳታት ኣንቢቡ፡ ዝኣክል መብሪህን ሓበሬታታትን ሂቡ፣ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ከፊቱ።

ኣብ መዳይ ዕቤትን ዓወትን ሰልፊ፣ ኣኼበኛታት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ኮነ ኣብ ካልእ ዞባታት ንኽትግበር ንዝመደቦ መደባት ንትግባረኡ ካብኦም ዝጠለብ ዘበለ ንኸማልኡ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ጐኒ ንጐኒ ንምሕያል ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ንተበግሶታት ይኣክልን ኣብ ኖርወይ ጨንፈር ሓላፍነታዊ ተራ ክጻወት ከምዘለዎ እቲ ኣኼባ ኣዘኻኺሩ። ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ውደባን ውድባትን ንዝግበር ምቁንጻብን ዋጋን ኣፍልጦን ናይ ዘይምሃብ ስጉምትታት ግን ከምዘይጻወሮ ኣኼባ ኣስሚርሉ።

Norway Branch Meeting 010320 2

ጨንፈር ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጸጋታቱ ንምብራኽ የስርሑ እዮም ዝበሎም ሓደሽቲ ውዳቤታትን ሜላታትን እውን ኣተኣታትዩ። ድሕሪ ሰፊሕ ክትዓት ኣኼበኛታት ናይ ዝስዕብ 3 ኣዋርሕ መደብ ሓንጺጾም ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ብቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ዝተጸወዐ ሓፈሻዊ ሓበሬታዊ ኣኼባ ኣባላት ብ29 ለካቲት 2020 ተኻይዱ። ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ኣብዚ ኣኼባ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኤርትራውን ዞባውን ምዕባለታት፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ግደ ሰዲህኤን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሰዲህኤ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንደሓር ሓቢሩ። ኣብዚ ሰፊሕን ዝርዝራውን ሓበሬታዊ መግለጺኡ፡ በብኩርናዑ ይግበር ብዛዕባ ዘሎ ናይ ለውጢ ምልዕዓላትን ኣብ መንጎ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ርክባትን ሰፊሕ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ሓበሬታኡ ናይ ሚኖሶታ ተበግሶን ውጽኢታቱን፡ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ልዝብን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዝለዓል ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ከም ንቕሎ ኣዴታት፡ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ምቛም ማሕበር ኤርትራውያን ስነ-ኪነታውያን፡ ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ንደሞክራስን ሰላምን ኡፕሳላ፡ ንዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ምሕጻርን ንደምበ ተቓውሞ ኣብ ምሕላይን ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ብምግንዛብ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ክድፎን ከተባብዕን ጸዊዑ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ሰዲህኤ ኣብ ዘዝተዓደሞ መድረኻት ብልኡኻቱ ክሳተፍን ሓጋዝን ተቐባልነት ዝነበሮን ሓሳባት ከቕርብን ከም ዝጸንሐን እዚ ጻዕሩ ቀጻላይ ምዃኑን ኣብሪሁ።

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ 14 ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ድማ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ባህጊ ደለይቲ ፍትሒ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ሰዲህኤ ድማ፡ ነቲ ቅዱስ ተበግሶ እናደገፈ፡ ኣብ ኵሉ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ሓቢሮም ዝዋስእሉ ባይታታት ኣብ ምውዳድ ካብኡ ዝጥለብ ምትሕግጋዝ ከበርክት ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ መሪሕነት ሰዲህኤ፡ ድሕሪ ጉባአ ኣብ ርክብ ምስ መሓዙት ውድባትን ሰልፍታትን፡ ንመደበራት ተለቪዥን ኣሰናን ኤሪሳትን ወሲኽካ፡ ምስ ዝተፈላለየ ሚድያታት ርክባት ኣብ ምክያድን ሰልፋዊ መደባት ኣብ ምሕንጻጽን ምትግባርን ዘካየዶም ጻዕርታት ዘርዚሩ። ኣብ መጻኢ ከኣ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆታት ንምምካት ዘብቅዕ ባይታ ንምምድማድ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባላት ሰዲህኤ ዝርከብዎ ከባብታት ብደረጃ መሪሕነት ጐስጓሳት ናይ ምክያድ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ንተሳተፍቲ ሓቢሩ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ንሃለዋት ጨናፍር ሰዲህኤ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ኣወስትራልያ፡ እስራኤል፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ብዝርዝር ሓቢሩ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ንጥፈታቶም ብፍላይ ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ኣብ ምስታፍ ንከሕይሉ ኣዘኻኺሩ።

ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ንምርዳእ ናይዚ ቀረባ ግዜ “ኩሉ የለን” ዝሕመረቱ ቃለ-መጠይቕ ዲክታቶር ኢሳያስ ምውካስ እኹል እዩ ኢሉ፡ ኢሳያስ ኩሉቲ ጠንቂ ናይቲ ውድቀትን ድሕረትን ንሱ ክነሱ፡ ዘየለ ምኽንያት እንዳፈጠረ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ንዝገብሮ ፈተነታት ኣቃሊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ኣብ ዞባናን ኣብ ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ንዓና እውን ዝጸልወና ምዕባለ ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነት ክንመዝኖን ብኡ መሰረት ዝምድናና ክንሰርዕን ከም ዝግበኣና ሓቢሩ።

ድሕሪ’ቲ መበገሲ ሓበሬታዊ መግለጺ፡ መድረኽ ናይ ሕቶን መልስን ምስተኸፍተ ተሳተፍቲ፡ ምምዕባልን ምሕያልን ትካላት ሰልፊ፡ ኣብ ኣገዳስነት ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ምቅላስን ኣከዋውናኡን፡ ኵነታት ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይን፡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ዘትከሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቦም። ኣብኦም ዝተመርኰሱ መልስታትን ምይይጣትን ድማ ተኻይዶም።

ኣብዚ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ዝያዳ ካብ ዘጉልሕዎም ርእይቶታት፡ ምቅልጣፍ ምምስራት ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ፡ ሰልፋዊ ስርሓት ምሕያል፡ ኣብዚ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕልቕልቕ፡ ኩነታት ኣጽኒዕካ ሰልፍኻ ምንጻር፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ መሪሕነት ዘውጸኦ መደባት ኣብ ምዕዋት ኩሉ ዓይነት ኣበርክቶ ከወፍዩን ግቡኣቶም ክፍጽሙን ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ልኡኽ ኤርትራ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት መልሲ ሂቡ። ንሱ ኣብቲ ብ27 ለካቲት 2020 ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዘተኣማምን ክብሪ ህዝቢ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ።

ንሱ ኣተሓሒዙ እተን ላዕለወይቲ ሓላፊት ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማዕረ መሰልን ዕድልን ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሓሶት ቅልውላው ብቕራበን ከሲሱወን።

እዚ ኣብዚ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ፡ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ብዘይምርኣያ፡ ሻቕሎቶም ዝገለጽሉ ን2ይ መዓልቲ ዝተኻየደ ምይይጥ እዩ። እዚ ናይ 2ይ መዓልቲ ምይይጥ በቲ ወይዘሮ ባቸለት ንኤርትራ፡ ሶርያ፡ ኢራን፡ የመን፡ ቨንዙዋላን ካለኦትን ብዝምልከት ጸገማት ብምዝርዛር ብዘቕረበኦ ጸብጻብዩ ጀሚሩ።

እተን ወይዘሮ ኣብቲ ጸብጻበን፡ ዋላኳ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እንተተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ግና፡ ሲቪላዊ ኩነታት ካብ ምቁጽጽጻር መንግስቲ ኣይተላቐቐን፡ ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ምእካብን መሰል እምነትን፡ ከምኡ እውን መሰል ናጻ ሚድያ ፍቑድ ኣይኮነን ኢለን። ኣስዒበን ከኣ ቤት ጽሕፈተን ፍርዳዊ መስርሕ ንምምሕሽን ጽጉማት ንምሕጋዝን ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ማይን ጽሬትን ንምስራሕ ንዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ዘይምርካቡ ከም ዘሻቕለን ገሊጸን። እተን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስዒበን ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢለን።

“ኣነ ብዛዕባ መንግስቲ ዝገብሮ ብብዙሓት ሰባት ብዘይወግዓዊ መንገዲ’ውን ሓበሬታ ይበጽሓኒ እዩ፡ ንኣብነት ካቶሊካዊ ጳጳስ ቀጥታዊ ብዘይኮነ ኣገባብ፡ ለውጢ ዝሓትት መልእኽቲ ምስ ዘርሑ፡ 21 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ሆስፒታላት ተዓጽየን ዝብል ጸብጻብ በጺሑኒ። ብዙሓት ሰባት ናይ እምነት መሰሎም ስለ ዝተጠቕሙ ጥራይ ከም ዝእሰሩ ጸብጻባት ይበጽሓና እዩ። መንግስቲ መሰረታዊ መሰሎም ኣብ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ እምነትን ምእካብን ንዝተሳተፉ ብዙሓት ብቐጻሊ ብዘይፍርዲ ይኣስር እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ሰብኣዊ መሰሎም ብዝሓለወ ኣገባብ ክተሓዙ ክትገብር ይግበኣ። እቶም ብጃምላ ዝኣስሮም ክፍትሖም ይግበኣ፡ መስርሕ ፍትሓዊ ፍርዲ ከተተኣታቱ ይግበኣ፡ ናይቶም ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ሃለዋትን መጻኢ ዕድልን ከተነጽር ይግበኦ።

እቲ ዘይውሱን ግዜ ኣገልግሎትን ኣብቲ መስርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ወጽዓን እቶም ቀንዲ መንእሰያት ካብ ሃገሮም ንክስደዱ ደፋእቲ ረቛሕታት እዮም። ገለ ካብቶም መንእሰያት ብዘይክፍሊት ከም ዝሰርሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ። መንግስቲ ነቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ምምሕያሽ ከም ዝገብር ኣመልኪቱ ነይሩ፡ እንተኾነ ነዚ ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ዝተወስደ ስጉምቲ የለን።”

ንሕና አዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ 14 ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ካብ ዕለት 22.02 ክሳብ 23.02.2020 ኣብ ፍራንክፎርት፣ ሃገረ-ጀርመን፣ ሰሚናር ኣካይድና። ነቲ ብሰንኪ ሰርዓተ-ምልኪ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ መስተርሆት ንምርካብ ከኣ ብዕምቆት ተላዚብና።

Frankfurt Seminar 1

ኣብ መንጎ ስርዓታት ህግድፍን ኢህወደግን ኣብ‘ዚ መዋእል‘ዚ ዝካየድ ዘሎ፣ ንልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ዝፈታተን፣ ናይ “ምድማር“ን ሕቡአ-ውዕላትን፣ ብኸመይ ኣገባብ ተፍሸሎን ንዕድመ ህግደፍ ተሕጽርን ገምጊምና። ንፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ደምበ ደላይ ፍትሒ ናብ ሓድነትን ግብራውነትን ንኽሰጋገር ዘሎና ምርጫታት ከኣ ብዝርዝር ርኢና።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ብምሉኣቶም ኣብ ሓደ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ንጽባሕ ዘይብሃሎ አንኮ መንገዲ ቃልሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ምእንት‘ዚ ንኹልኻትኩም መሪሕነት ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ዓቕምታት ተቓላሲ ሓይልና ዝጥርነፈሉን ንህግድፋዊ ምልኪ ነሳጉጎሉን ናይ ሓድነት ቅጥዒ ኣውጺእኩም ከተቃልሱና ንጽውዕ።

Frankfurt Seminar 2

ኣብዚ ኣብ ሃገር ጀርመን ዘሎና ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ድሕሪ ደጊም በሓደ ተጠርኒፍና ሓቢርና ከንቃለስ ምሉእ ዕግበት በጺሕናሉ። ኣብ ካልእ ሃገራትን ክፍሊ-ዓለማትን ዘሎኹም ብጾት ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ ከምኡ ክትገብሩን ንመሪሕነታት ብሓደ ተጠርኒፎም ክሰርሑ ከተታባብዑ ንጽውዕ።

Frankfurt Seminar 3

ካልእ ሰሚናርና ኣገዳስነት ሂቡ ዝተካትዓሉ ኣገዳሲ ዛዕባ፣ ጉዳይ ስቪካዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን (ይኣክል) ኮይኑ፣ ናብ ኣድራሻ ናታቶም ኣመልኪትና ብቀዳምነት ንሓድሕዶም ተወሃሂዶም   ክሰርሑ ዘሎ ተደላይነት ዕዙዝ ምዃኑ ርኢና፣ ኪኖዚ ብምኻድ፣ ንሕና‘ውን ከምኡ ምስኦም ሓቢርና ክንቃለስ ምሉእ ዕግበት በጺሕና። ብሸነኾም ከኣ ተመሳሳሊ ቅሩቡነት ክህሉ ትጽቢትና ልዑል‘ዩ።

ብሓንሳብ ነድምጽ ከነስምዕ፣ ብሓንሳብ ንስራሕ ከነድምዕ!

  1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
  2. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  3. ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
  4. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
  5. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  6. ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  7. ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ/ሰደኤ
  8. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
  9. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  10. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ
  11. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ/ሓደለ
  12. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
  13. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
  14. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

ልኡኽ ኤርትራ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት መልሲ ሂቡ። ንሱ ኣብቲ ብ27 ለካቲት 2020 ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዘተኣማምን ክብሪ ህዝቢ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ።

ንሱ ኣተሓሒዙ እተን ላዕለወይቲ ሓላፊት ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማዕረ መሰልን ዕድልን ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሓሶት ቅልውላው ብቕራበን ከሲሱወን።

እዚ ኣብዚ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ፡ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ብዘይምርኣያ፡ ሻቕሎቶም ዝገለጽሉ ን2ይ መዓልቲ ዝተኻየደ ምይይጥ እዩ። እዚ ናይ 2ይ መዓልቲ ምይይጥ በቲ ወይዘሮ ባቸለት ንኤርትራ፡ ሶርያ፡ ኢራን፡ የመን፡ ቨንዙዋላን ካለኦትን ብዝምልከት ጸገማት ብምዝርዛር ብዘቕረበኦ ጸብጻብዩ ጀሚሩ።

እተን ወይዘሮ ኣብቲ ጸብጻበን፡ ዋላኳ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እንተተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ግና፡ ሲቪላዊ ኩነታት ካብ ምቁጽጽጻር መንግስቲ ኣይተላቐቐን፡ ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ምእካብን መሰል እምነትን፡ ከምኡ እውን መሰል ናጻ ሚድያ ፍቑድ ኣይኮነን ኢለን። ኣስዒበን ከኣ ቤት ጽሕፈተን ፍርዳዊ መስርሕ ንምምሕሽን ጽጉማት ንምሕጋዝን ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ማይን ጽሬትን ንምስራሕ ንዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ዘይምርካቡ ከም ዘሻቕለን ገሊጸን። እተን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስዒበን ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢለን።

“ኣነ ብዛዕባ መንግስቲ ዝገብሮ ብብዙሓት ሰባት ብዘይወግዓዊ መንገዲ’ውን ሓበሬታ ይበጽሓኒ እዩ፡ ንኣብነት ካቶሊካዊ ጳጳስ ቀጥታዊ ብዘይኮነ ኣገባብ፡ ለውጢ ዝሓትት መልእኽቲ ምስ ዘርሑ፡ 21 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ሆስፒታላት ተዓጽየን ዝብል ጸብጻብ በጺሑኒ። ብዙሓት ሰባት ናይ እምነት መሰሎም ስለ ዝተጠቕሙ ጥራይ ከም ዝእሰሩ ጸብጻባት ይበጽሓና እዩ። መንግስቲ መሰረታዊ መሰሎም ኣብ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ እምነትን ምእካብን ንዝተሳተፉ ብዙሓት ብቐጻሊ ብዘይፍርዲ ይኣስር እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ሰብኣዊ መሰሎም ብዝሓለወ ኣገባብ ክተሓዙ ክትገብር ይግበኣ። እቶም ብጃምላ ዝኣስሮም ክፍትሖም ይግበኣ፡ መስርሕ ፍትሓዊ ፍርዲ ከተተኣታቱ ይግበኣ፡ ናይቶም ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ሃለዋትን መጻኢ ዕድልን ከተነጽር ይግበኦ።

እቲ ዘይውሱን ግዜ ኣገልግሎትን ኣብቲ መስርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ወጽዓን እቶም ቀንዲ መንእሰያት ካብ ሃገሮም ንክስደዱ ደፋእቲ ረቛሕታት እዮም። ገለ ካብቶም መንእሰያት ብዘይክፍሊት ከም ዝሰርሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ። መንግስቲ ነቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ምምሕያሽ ከም ዝገብር ኣመልኪቱ ነይሩ፡ እንተኾነ ነዚ ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ዝተወስደ ስጉምቲ የለን።”

ዓመታዊ ጉባኤ 2019 / 2020 ጨንፈር ቁ.2 ሰ.ዲ. ህ.ኤ. ሃገረ ሽወደን ብዕለት 28/02/2020 ኣብ ትሕቲ   ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባሌን ንቃለስ !!!   ዝብል መትከላዊ ጭርሖ ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣካይዱ ። እዚ ጨንፈር እዚ ኣብ 11 ከተማታት ሃገር ሽወደንን ደንማርክን ዝርከቡ ኣባላት ዝቆመ ኮይኑ : ብምልኣተ ተሳታፍነት ብዓወት ተሳላሲሉ። ብሽማግለ ጨንፈር ዝቐረበ ስርዒታውን ፖለቲካውን ምጣኔ-ሃብታውን ጸብጻብ ቅድሚ 2ተ ሰሙን ናብ ኩሉ ኣባል ዝተላእከ ድሕሪ ምስማዕ ሰክረታርያ ጉባኤ መሪጹ ብልዙብ ኣገባብ ተማያይጡ ብምሉእ ድምጺ ኣርጊኡ ንዝነበረት ሽማግለ ብምምስጋን ነጻ ኢሉዋ። ቀጺሉ ብሓጻይት ሽማግለ ዝቀረቡ 3ተ ኣባላት ንዓመተ 2020/2021 እትመርሕ ሽማግለ ብምሉእ ድምጺ ኣርጊኦም ፡ ብተወሳኺ ከኣ ክልተ ዝኣባላታ ሓጻይት ሽማግለ መሪጾም። ብጾት ኣባላት ሰልፊ ናይ ሃገረ ደንማርክ ከኣ ድሮ ናይ ባዕሎም ጨንፈር ኣብ ምቋም ስለ ዝርከቡ ጉባኤ ዓወትን ሞጎስን እናተመነየ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረሎም ቃል ብምእታው ጽቡቕ ዕድል ብምምናይ ብደስታ ተፋንይዎም። ጉባኤ ንህልዊ ኣሰካፊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብምስትብሃል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዝወሰዶ ጥንቁቕ ተረድኦን ሚዛንን ብምድጋፍ ብትዅረት ክቕጽሎ ተላብዩ ጉባኤ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ልዝብ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።

ደጊምና ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባሌን ንቃለስ !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!!

ውድቀት ንዉልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ።

Page 1 of 88