ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ብ11 ሰነ 2025 “ጁየነ ኣፍሪቃ (Juene Afrique)  ምስ ዝተባህለት መጺሐት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “ነቲ ኣብ 2024 ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝያዳ ኣጠቓቕማ ወደብ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድድዳእ ፈቲሕኩምዎዶ?” ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂቡ። ኣብ መልሱ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ከባቢ ዝደለኻዮ ብሓይሊ ምርግጋጽ ከምዘይከኣል ዝተረደአ ይመስለኒ። ኢትዮጵያ ወደባት ዓሰብ፡ ጅቡቲ፡ በርበራ ወይ ሶማሊያ ክትጥቀም ትኽእል እያ።” ድሕሪ ምባሉ ድማ “እዚ ግና ንጐረባብትኻ ግቡእ ትርጉም ብዘይምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ሽምግልና ሃገረ ቱርኪ ሓጋዚ እዩ ምስ በለ ከኣ፡ “ንሕና እንተኮይና ንኢትዮጵያውያን ጅቡቲ ክረሚያ ከምዘይኮነት ነጊርናዮም ኢና” ክብል ኣስዒቡ።

ነቲ “ኣብ ወደብ ታጁራ ናይ ሓባር ምምሕዳር (Joint Management) ክህልወኩም ዘቕረብኩምዎ ሓሳብከ ብወገን ኢትዮጵያ እንታይ መልሲ ተዋሂብኩም?” ንዝብል ሕቶ እውን መልሲ ሂቡ። ኣብቲ መልሱ፡ “ኢትዮጵያ ንሕና ዘይቕበሎ እማመ ዝሓዘ ልኡኽ ሰዲዳ ነይራ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሓሊፎም ወተሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝምስርትሉ መተሓላለፊ ክንህቦም ስለ ዝሓተቱና። ስለዚ እማመኦም ስለ ዘይንቕበሎ  እዚ ዛዕባዚ ድሕሪ ሕጂ ተዓጽዩ እዩ” ኢሉ።

“ብዛዕባቲ ንዓኻትኩም ሃሳይ ዝኾነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሱዳን ክሳብ ሶማሊያ ዝዝርጋሕ መደባት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ከመይ ትርእይዎ?” ንዝብል ድማ “ንመደባት ዲፒ ዎልድ (DP world) ተቓዊምናዮ ኢና። ድሕሪ ሕጂ እውን ናብኡ ኣይክንንብርከኽን ኢና። ብዓብይኡ ፖሊሲ ኢማራት ኣብዚ ዞባ ኣፍራሲ እዩ። ኣብዚ ርኢቶዚ ከኣ በይንና ኣይኮናን” ኢሉ።

እምበኣር እዚ ዘመልክቶ፡ ኣብዚ ኣብ ዞባና ዝገለባበጥ  ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ምስ መን ከምዘላ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ምስቲ ብጉዳይ ኣገልግሎት ወደብ ኣብ ጅቡቲ ዝተንጠጠለት ምዃ ንኢትዮጵያ ዘቕስና ኣይመስልን።

ናይዚ ዘለናዮ እዋን ዘመናውነት ካብ ዝግለጸሉ ሓደ፡ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸብታት (social medias) እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዕቤት ብዝፈጠሮ ቅልጡፍ ዝርገሐ ሓበሬታ፡ ዓለምና “ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራ” እናተባህለት ትግለጽ ኣላ። ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብግቡእ ንከድምዕ  ነቲ ተሃዋስነቱ ዝምጥን ጥንቁቑን ሓላፍነታውን ኣተሓሕዛን ምምሕዳርን ወሳኒ እዩ።

ኣብዚ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢ ዓብይ ግደ ካብ ዘለዎም ኣገልግሎታት፡ ኢ-መይል፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ዋትስኣፕ፡ ዩቱብ፡ ዙም፡ ቲክቶክ፡ ቴለግራምን ፌስቡክን ንኣብነት ካብ ዝጥቀሱ እዮም። እዚኣቶም ምስቶም ነዊሕ ዝዕድሚኦም መራኸብታት ደብዳበ፡ ተለፎን፡ ጋዚጣን ሬድዮን ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ኣብ ቅልጣፈን ተኣማንነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ዝርጋሐ ስፍሓት  እውን ብልጫ ኣለዎም። ዝህብዎ ኣገልግሎት ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎም ኮይኑ፡ ኣጣቓሊልካ ክረአ እንከሎ፡ ሓባሪ፡ መሃሪ፡ ኣገልግሎት መውሃብን መዘናግዕን ኢልካ ምቕራቦም ይከኣል። ነፍሲ ወከፍ  መልክዕ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መዲያ፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሰፋሕቲ ዝርዝራት ኣተገባብራ ኣለዉዎም። ብፍላይ በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ጽፍሕን ትካላት ትምህርቲ፡ ምስ ኮምፒተርን ተንቀሳቓሲ ተለፎንን ብምንባብ ኣገደስቲ መወከሲ ሰነዳት ንምርካብ ዘኽእሉ ምዃኖም ርኡይ እዩ።

ሎሚ ብኣንጻር’ቲ ቅድም ብመልክዕ ጽሑፍ ዝካየድ ዝነበረ ዘይቅልጡፍ ኣገባብ ምልውዋጥ መልእኽቲ፡ ሳላ እዞም ዘመናዊ ምህዞታት ማሕበራዊ መራኸብታት፡ ብምስልን ድምጽን ብዝተፈላለዩ መልክዓት ብቕጽበት  ምትሕልላፍ  ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ  ተበጺሑ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ተረሓሒቕካ ክነስኻ፡ እናተረኣኣኻን እናተሰማማዕካን ክሳብ ሰፋሕቲ ጉባአታት፡ ኮንፈረንሳት፡ ኣስተምህሮታትን ቃለመጠይቓትን ኣብ ዝካየድሉ ደረጃ ተበጺሑ  ስለ ዘሎ፡ በዚ ዕቤት ዘይጽለው፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መነባብሮ ወዲ ሰብ የለን።

ብዘመናዊ መራኸቢ ብግቡእ ንምጥቃም፡ ዝሓቶ ወጻኢ ርትዓዊ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ንክጥቀምሉ ዘተባብዕ እዩ። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ዓለም 5.56 ቢልዮን ማለት 67,9%  ተጠቀምቲ  ኢንተርኔት ክኾኑ እነከለዉ፡ ካብኣቶም እቶም 5.24 ቢልዮን ማለት 63.9% ተጠቀምቲ  ማሕበራዊ መዲያ እዮም። እቲ ዝገርም ከኣ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀም 0.4% ጥራይ እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ 2024፡ 1.58 ሚልዮን ኤርትራውያን ወነንቲ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ምንባሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ዝተኻየደ’ሞ ኣብ ጉግል ዝሰፈረ መጽናዕቲ  ይምስክር።

ኣብዚ እዋንዚ ሰባት ብደረጃ ዓለም ንማሕበራዊ መራኸቢ ከከም ዝንባለኦም፡ ንሓበሬታ፡ ንንግዳዊ ምንቅስቓስ፡ ንትምህርቲ፡ ንምርምርን ንመዘናግዒ፡ ደሃይ ንምፍልላጥ፡ ብዓብይኡ ድማ ንፖለቲካዊ ተልእኮ ዝጥቀሙ ዘለዉ ሳላ ዘመናዊ ዕቤት ዝተረኽበ ስልጡን ህያብ እዩ። በዚ መሰረት መንግስታት ኣብ ምሕላቕ ንዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብን  ዘለዎም ቅሩብነት ንምምዛን ከም ናይ ፖለቲካዊ ባህሪ መዕቀኒ ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ እዩ። እዚ ዘመናዊ መራኽቢ ናብ ኩሉ ዜጋ ከም ዝባጻሕን ብዘይመንግስታዊ ኣካላት’ውን  ክውነንን ዝፈቕዱን ንዕቤቶም ዝጽዕሩን ምምሕዳራት ዝነኣዱ እዮም።   እቶም ህዝቢ ናይዚ ዘመናዊ ዕቤት ተጠቃምን ወናንን ከይከውን ዝዕንቅፉን ዝእግዱን ድማ ኣብ ምምሕዳሮም ናይ ዝሰግኡን ጸረ ህዝብነቶምን መርኣያ ኮይኑ ኣብ ዝቐርበሉ ዘበን ኢና ንርከብ ዘለና።

ህግደፍ ብመንጽር ኣጠቓቕማ ኮነ ዋንነት ማሕበራዊ መራኸብታት ክምዘን እንከሎ፡ ካብቶም ጸረ ህዝቢ ባህሪኦም ንምሕባእ፡ ህዝብን ማሕበራዊ መራኸብን ከምዘይራኸቡ ብምግባር፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም  ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምጥቃም ዕድል ዘየብሎም።

እዚ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዕቤትን ዘመናውነትን ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ስልጡን መሳርሒ  ርክብ፡ ዝያዳ ኩሉ ሓላፍነታዊ ምምሕዳርን ተሓታትነትን ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ክንድቲ ብሓላፍነትን ልቦናን ክተሓዝ እንከሎ ዘለዎ ሃናጺ ብልሒ፡ ኣብ ኢድ ዘይሓላፍነታውያንን ዘይርትዓውያንን ክወድቕ እንከሎ፡ ናብ ኣፍራስን መጻልእን ብልሒ ስለ ዝቕየር። ሎሚ ከምቲ በቲ ሃናጺ ብልሑ እንሕበኖ፡ በቲ ኣዕናዊ ብልሑ ዘሰክፍ ሓደገኛ ተርእዮ ከየስዕብን ዝሰግኡ ክስተታት ብዙሓት እዮም። ስለዚ ነዚ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓድሩን ብእኡ ዝግልገሉን ወገናት ነቲ ዝብልዎን ዝሰምዕዎን ኣዕሚቖም ኣመሳኺሮም ጥራይ ክርድእዎ ይገበኦም።

ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝንጸባረቐሉ ሜዳ ዝዋስኡ ወነንቲ ዘመናዊ መራኸቢ፡ ኣዝዮም ጥንቁቓትን ናይቲ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ ዝቕበል ወገን ኩለ-መዳያዊ ስምዒት ኣብ ግምት ኣእትዮምን ክዝርግሑ ግድን እዩ። “ንሃንጽ ኣለና” ኢሎም፡ ነቲ ኣፍራሲ ብልሒ ናይቲ መራኸቢ ከይመዙ ክጥንቀቑ ይግበኦም። ሰማዕትን ተዓዘብትን ናይቲ ዝዝርጋሕ መልእኽቲ’ውን፡ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኢሎም ብቲ ተሃዋሲ በዓል ክልተ ብልሒ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ቅድሚ ከምዘለዎ  ምውሳዶም ተጠንቂቖም ክመምዩን ከጻርዩን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጐኒ ሓቂ ዝስለፉ ፍትሓውያንን ዘይሻራውያንን ክኾኑ ከኣ ኣድላይ እዩ። ነዚ በዓል ክልተ ብልሒ መሳርሒ ተጠቒሞም፡ ግጉይ መንገዲ  እንተ ሒዞም ግና፡  ብዘይካቲ ዘይጥሉል ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ዝኾንዎ፡ ኣብ ሕልናኦም ዘሕድሮ ተጣዒስካ ዘይወጽእ ሃስያ ከም ዘለዎ’ውን ክግንዘቡ ይግበኦም።

ኣብዚ መድያ 4ይ ኣካል መንግስቲ እዩ ዝበሃለሉ ዘሎ ዘመን፡ ማሕበራዊ መራኽብታት ኣዝዮም ጸለውቲ ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተጠቃምነትን ተመኩሮን እንርደኦ እዩ። ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስታትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ተላኢኾም ናብ ጐስጓስ  ክዋፈሩ ልሙድ ምዃኑ ንዕዘቦ ዘለና ተመኩሮ እዩ። በዚ መሰረት ከምቲ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል፡ ስምዒት ናይቶም  መስነቕቶምን ለኣኽቶምን ንምምላእ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ዝበልናኩም ግበሩ” ክብሉ ዝደናደኑ ዘወርቲ ማሕበራዊ መዲያታት ከም ዘለዉ’ውን ጸሓይ ዝወቐዖ ኣቂ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ፡ ወነንቲ፡ ኣመሓደርትን ተኸተልትን መዲያታት፡ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም፡ ብናይ ስምዒት ውሕጅ ተወሲዶም ኣፍረስቲ ካብ ምዃን ክዕቀቡ  እነዘኻኽሮም ዘለና።

ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ፡ ናይ ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብዝተሰርዐ ወርሓዊ መደብ መሰረት፡ ብ7 ሰነ 2025 ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲኤ) ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ነቲ ህንጸት ሃገራዊ መንግስቲ ምስ ህንጸት ሃገርዝብል ኣርእስቲ ብምዝማድ፡  መቐጸልታ ነቲ ብ22 ለካቲት 2025 ዝቐረቦ  ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓው ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እዩ።

Untitled 2

 ብጻይ ኣሰፋው በርሀ ኣብቲ 2ይ ክፋል ኣስተምህሮኡ፡ ህንጸት ሃገረ-መንግስቲ ምስ ህንጸት ሃገር ብምዝማድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡  ክልቲኦም ዛዕባታት ዝመላልኡ ምዃኖም ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ከባቢ ሃገር ንክበሃል ከማልኦ ብዛዓብ ዝግበኦ ተደልይነታ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ 193 ኣባል ውድብ ሕቡራት  ሃገራት ዓለምን ኮይነን ዝተመዝገባ፡ ኣብ ሸውዓቲኡ ክፍለ ዓለማት ዝተዘርገሓ ሃገራት ምህላወን ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ።

ኣተሓሒዙ ከኣ ኣመጻጸኣ ኤርትራ ከም ሃገር ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቲ ምእንተኣ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝተኻየደ ቃልስን፡ መስርሕ ረፈንደምን ድሕሪኡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ብወግዒ ምምዝጋባን ኣመልኪቱ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ከምኡ ከኣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘሕለፈቶ ሓሳረ-መከራ  ዘርዚሩ፡ ሎሚ እውን ሃገር ብዘይቅዋም ኮና ከምዘላ ኣዘኻኺሩ።

ብጻይ ኣሰፋው ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ውዳቤታት ተሰሊፎም ቃልሶም ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ መስርሕ ህንጸት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍን ብዝምልከት ኣገዳስቲ ዝበሎም መነጻጸሪ ነጥብታት ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ንግደ ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገርን ክኽተልዎ ዝግበኦም ፖሊስን ዝምልከት’ውን  ሓሳብ ኣቕሪቡ። ህንጸት ሃገር ኣብ ምዕዋት፡ ኣብ መዳይ ምልላይ ናይቶም ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘዘውትሩን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኤርትራዊ ዜጋታት ምውህሃድን ምትእምማንን ምፍጣር ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ሓያሎ ተዛመድቲ ዝዕባታት እውን ብኣብነት ዘርዚሩ።

ድሕሪቲ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መንጸፍ ንህንጸት ሃገር፡ ድሕሪ ነጻነት መስርሕ ህንጸት ሃገር ናህሩ ሓልዩ ናይ ዘይምቕጻሉ ጠንቂ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ቅድም ኮነ ሎሚ ኣብ ኣብ ምቕጻል ሃገራውነቱ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ተወሰኽቲ መብርህታት ብተሳተፍቲ ክቐርቡ እንከለዉ፡ “መስርሕ ሃገራውነት ኤርትራ መዓስዩ ጀሚሩ?” ዝብል ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስተምህሮ ንኽቕጽል ንኣካየድቲ  ጥምሮ ኣብያተ ጽሕፈት ለበዋ ኣቕሪቦም።

ፕረሲደንት ኣሚሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ4 ሰነ 2025 ነቲ ኣብ  ናይ ቀዳማይ ዙር ስልጣኑ ጀሚርዎ ዝነበረ ብምሕዳስ፡ ዜጋታት ኤርትራ እትርከበን12 ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይበጽሑ ዝእግድን ናይ ካለኦት 7 ሃገራት ዜጋታት ድማ መሰል ዝግድብ ውሳነ ከም ዝኸተመ ኤኤፍፒ (AP)  ሓቢሩ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ምርካቡ፡ ነዚ ካብ 9 ሰነ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እገዳን ገደብን ዝወሰነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሚሪካ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ እዩ። ካብዘን 12 ሃገራት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ስልጣን ትራምፕ ኣብ ዝርዝር እገዳ ዘይነበራ ከም ዝርከበን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እተን ኣብዚ ሓድሽ ውሳነ ዜጋታተን ኣሜሪካ ከይበጽሑ ዝተኣገዱ 12 ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያማር፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶሪኣል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን የመንን እየን። እተን ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ሓያል ገደብ ዝተነበረ 7 ሃገራት ከኣ ቡርንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራልዮን፡ ቶጎ፡ ቱርክመስታንን ቨንዝዋላን ምዃነን ኣብቲ ዜና ኤኤፍፒ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ምሉእ እገዳን ምድራትን፡ ሕጋዊ መንበሪ ፈቓድ ንዘለዎም፡ ህያው ዝኾነ ቪሳ ዝሓዙ፡  ከምኡ እውን ሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ምሕላው ንዝርከቡ ዜጋታት እተን ሃገራት ከምዘይምልከት ተፈሊጡ።

ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሜሪካ ነቲ ውሳነ “ናይ ታህዋኽ ስጉምቲ” ክብልዎ እንከለወ፡ ካለኦት ግና ትራምፕ ነቲ ሃገሩ ካብ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝኣተዎ ቃል’ዩ ዝፍጽም ዘሎ ይብልዎ ኣለዉ። ትራምፕ ብወገኑ ደጋጊሙ እቲ ውሳነ ናይ ኣሜሪካን ህዝባን ድሕንነት ንምሕላ እዩ ኢሉ እዩ ዝገልጾ።

የማነ ገ/መስቀል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡  ዓሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዓይሻ መሓመድ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 34 ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝበሎ መልሲ ሂባ። ንሳ ኣብቲ ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን  ዝሃበቶ ሓጺር መብርሂ፡ “ሃገር እዮም ኢልካ ክትጽወዖም ዘጸገሙ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረቡ ምፍታኖም ዝተለምደ ባህሪኦም እዩ” ክትብል ሸምጠጣ  ኣቕሪባ።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ብ3 ሰነ 2025  ንናይ ዓሻ ኣሽሙር  ክምልስ እንከሎ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ተጻረፍቲ ደገፍቲ ብልጽግና፡ ኩሉ ቆላሕተኦም ናብ ኤርትራ ገይሮም ኣለዉ” ክብል ኣብ ናይ ኤክስ/X ገጹ ጽሒፉ።

ናይ ቅድም ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ኣባል ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ “ኤርትራውያን መዓልቲ ነጻነት ከኽብሩ ኣይደልዩን እዮም” ብዝብል ኣበሃህላኡ ዝፍለጥ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፡  ሕብረተሰብ ዓለም ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ንከተውጽእ ተጽዕኖ ይግበረላ ክብል ሓድሽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣንበሳደር ዲና ሞፍቲ እውን ንመደረ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ነጻነት መልሲ ብዝመስል መልክዑ፡ ኣብቲ “ሆርን ረቪው” ኣብ ዝተባህለ ትካል ዜና ዘስፈሮ ርኢቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ብሄር ምስ ካልእ ብሄር ከተባእስ ምፍታን ዝኣረገ ባህሊ እዩ” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝህቦ ሓገዝ የቋርጽ ከም ዝበለ፡  እቲ ኣብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ርኢትኡ ይሕብር።

እዚ ምምልላስ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት፡ ካብቲ ብኢድ ኣዙር ብማሕበራዊ መራኸብታት ክሸማጠጥዎ ዝጸንሑ ወጺኦም ናብ ቀጥታዊ ናይ ቃላት ዳርባ ይኣትዉ ከምዘለዉ የመልክት። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣብ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መፍትሒ እምበር፡ ኣብ ውግእ ረብሓ ዘየብሉ ክልቲኡ ህዝብታት ድምጹ ንከስምዕ ዝጽውዕ ደወል’ዩ።

ዘመናዊ ዲፕሎማሲ modern diplomacy) ዝተባህለ ትካል፡ ብ2 ሰነ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝፈጸሞ በደል ከይተቐጽዐ፡ ዝነወሐ ግዜ ኣብ ስልጣን ጨቋኒ ምምሕዳር ዝጸንሐ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ውግኣት ተመኩሮ ዘጥረየ፡ ከምኡ እውን ከባቢ ኣብ ምሕማስ ሰፊሕ ግደ ዝጸንሖ ባእታ“ ክብል ገሊጽዎ። እቲ ትካል ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ምስዚ  ኩሉ ገበናቱ  ብዓለም ለኻዊ ትካላት ትኹረት ክግበረሉ ከም ዘይጸንሐ እውን ኣስፊሩ።

ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ 1998-2000 ውግእ ንኣስታት 20 ዓመታት፡ ኣብ ኩነተ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ 2018 ከም ዝተቐየረ መዝጊቡ። እንተኾነ እቲ ናይ 2018 ስምምዕ ኣብ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ሓባር  ራኢ ዘይኮነ፡ ኣብ ጽልእን ናይ ሓባር ጸላእየይ እትብሎ ምጥቃዕን ዝተሰረተ ምንባሩ ምስክርነቱ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር ግዝያዊ ሸቶኦም ነቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ልዑል እጃም ዝነበሮ ህወሓት ምጥቃዕ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣብ ዘእተወሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ህልቂትን ዕንወትን ከም ዘውረደ ብትካላት ሰብኣዊ መሰላት ተመዝጊቡ ዝተረጋገጸ ምዃኑ  ጠቒሱ፡ እኝተኾነ እቲ ምስ መሻርኽቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝሓዝዎ ሸቶ ንሱ ጥራይ ከምዘይነበረ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከእቱ ቅኑዕ ኣይነበረ ኢሉ፡ እንተኾነ ሎሚ እውን ዋላ’ኳ እቲ ውግእ፡ ብስምም  ምቁራጽ ተኹሲ ጠጠው እንተበለ፡ ኢሳያስ ግና ካብ ምስዋር ውግእ ዓዲ ኣይወዓለን ኢሉ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣብ መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊቲ  ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ብዝርዝር ጠቓቒሱ፡ ነቲ ክሱ ዝተለምደ ናይ ኢድ ኣዙራዊ ተግባር  እዩ ኢልዎ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨቋኒ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግዳይ ኩሉ በደላት ኮይንዎ ዝጸንሐ ዘርዚሩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኤርትራ ብዝሓለፈ ዘይኮነ፡ ብሰንክዚ ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ዝፈጥሮ ዘሎ ዞባዊ ዕግርግር ግዳይ እገዳ ክትከውን  እትኽእሎ ከምዘሎ ብምግማት ስግኣቱ ኣስፊሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንከኣቶ ዝፈቐዶ ተሓታቲ ክኸውን ይግበኦ’ውን ኢሉ።

ካብቶም  ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ካብ ካርቱም  ናብ መደበራት ዝውሰዱ

ላዕለዎት ሰብ መዚ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ዘለዉ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ናብ ሰለስተ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ዝርከባ ምምሕዳራት ክወስዱ ከም ዝጀመሩ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እቶም ላዕልዎት ሓለፍቲ ነቲ ስጉምቲ ናይ ሱዳን ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበልዎ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ስጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ፍሉይ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ኮይኖም ኣንጻርቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ኮይኖም ዝተዋግኡ፡ ኢትዮጵያውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ንምፍላጥ ክካየድ ዝጸንሐ ምጽራይ እዩ። ኣማሓዳሪ ከተማ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ብወገኑ መንግስቱ ናይቲ መስርሕ ቀዳማይ ገጽ ምትግባር ከም ዝጀመረን ኣብ ምምሕዳራት “ዋይት ናይል፡ ገዳርፍን ከሰላን” ናብ ዝርከብ መደበራት ይውሰዱ ከም ዘሎን ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ ቀዳማይ ደረጃ ምግዓዝ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝርከቡ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ቅድሚ ኣብ ሱዳን እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምጅማሩ እቲ መንግስቲ ነቶም ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ሕግታት ብግቡእ የተግብር ከም ዘይነበረ ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ።  በመሰረትቲ ኣብ ዝሐልፈ ወርሒ ማዝያ ዝተሓደሰ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጠቕላላ 824 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዘለዉን ካብዚኣቶም እቶም 69% ኣብ መደበራት ከም ዝነብሩን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

እቲ ዜና ብተወሳኺ፡ እቲ ስጉምቲ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ወጻእተኛታት ዝውሰድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ መደበራት ምስ በጽሑ፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምትሕብባር መሰረታዊ ቀረባት ክማለኣሎም ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣባላት ጸጥታ ከተማ ካርቱም ወጻእተኛታት እናሃደንካ ናይ ምሓዝ ስረሖም ከም ዝቕጽልዎ’ውን ተገሊጹ።

ኣልሳዲቕ ሱለይማና ዝተባህለ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኮሚሽነር ሰደተኛታት ብወገኑ እቲ ሓድሽ መደብ ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ካርቱምን  ማሕበራዊ ጉዳይ ስድራቤታትን ህጽናትን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብቲ መደበራት ንመግቢ፡ መጽለልን ጥዕናን ናይቶም ዝውሰዱ ዝምልከት ምድላው ከም ዝተገብረ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ብዝለዓል ሓጐስ ካብ ዝተቐበለሉ ህሞት

24 ጉንበት ቅድሚ 34 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ግዝኣታ ነጻ ዝወጸሉ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን መልእኽቲ ዮሃና ነቕርብ።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሕገ-መንግስታዊት ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ጠርጠራ ኣይነበሮን ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ጉጅለ ዘይትግበር መብጸዓታት የስምዕን ይጽሕፍን ስለ ዝነበረ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ኩሉቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ህልቂት ህዝብን ጥሪትን  ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ነይሩ።  ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም እትበጽሕ ርግጸኛ ነይሩ።

እተንኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ሎሚ’ውን ኣብ ትጽቢትን ቃልስን እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓበ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንክቱር ጭቆና ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብሓባር ቃልስኻ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ይግበኣና ።

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና ነይሩ።  ካብቲ ነዚ ትጽቢት ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ እዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ ኤርትራ ናተይ ጥራሕ እያ  ዝብል ጉጅለ ክህሉ ግምት ኤርትራውያን ኣይነበረን።  ምስዚ ግና፡  ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፡  ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝጸውዑ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ትጽቢት ህዝብና ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ኮይኑ።  እቲ እምበርከ፡ እቲ 2 ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 34 ዓመቱ መሊኡ። ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጐደ፡ ግና ከምኡ ከጋጥም ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮነ። ንናይ ህዝብና ናይ ንዕብየትን ሰላምን ትጽቢት ከኣ  ንቁልቑል ነቚትዎ ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። እንተኾነ ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ  ድሌት  ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደጋጊምካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊሙ ዘረጋግጸሉ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ መዓልቲዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ’ሎ።

እቲ ካልእ ንመበል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣህጉርና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ዝደረኾ ናብ  ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ምትፍናን፡ ብኣተኩሮ እንከታተሎ ኣብ ዘለናሉ ኢና  መበል 34 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንዝክር ዘለና።

ኩለ-መዳያዊ ዝምድና ክልል ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ እዩ ዝርከብ። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ዝያዳ ክልተ ዓመቱ’ኳ እንተሓለፎ፡ ናይ ሰላም መልክዕ ኣይሓዘን።  ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተመሓየሸ’ኳ እንተመሰለ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ግና ዘተሓሳስብ’ዩ። እዚ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ዝተኣጐደ  ህውከት ኢዱ ካብ ምእታው ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕድሮ ዘሎ ሰግኣት   ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ስግኣታት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ልምዓታዊ ዝሕተላን እውን ዘሰክፍ’ዩ።

እዚ ዘይርጉእ ዘቤታውን ከባብያውን ምዕባለታት፡ ምስቲ ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቐያየረ ክመጾ ዝጸንሐ፡  ሎሚ ድማ “ጽምዶ” እናጨረሐ፡ ክፈጥሮ ዝደሊ ዘሎ ሓሸውየ ተወሲኽዎ፡ ህዝብና መፍቶቲ ኣብ ርጉእ ኩነታት ዘይነብር ጉጅለ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን።  ድሮ ዝውሰድ ዘሎ  ዘሎ ግዱድ ግፋ፡ ነጋርቲ ውግእ ምድሳቕን ምእጋድ ካብ መገሻን እኹል ምልክት ሰግኣት’ዩ።  ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ  ኣንጻርቲ ናይ ኩሉ መከራኡ ጠንቂ ዝኾነ ዓመጸኛ ጉጅለ ድምጹ ናይ ምስማዕን ቃልሱ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ከም ዘለዎ   ምዝኽኻሩ እዋናዊ እዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

24 ጉንበት 2025

ሓንቲ ካብተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ፍርዲ መቐለ

ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ መቐለ ዝርከባ ሓንቲ ላዕለወይትን 7 ናይ ክፍለ ከተማን ኣብያተ-ፍርዲ ካብ 20 ጉንበት 2025 ጀሚረን ከም ዝተዓጽዋ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮ-ኢንሳይደር ንማሕበር ዳያኑ ትግራይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ነዚ ብዝምልከት በተን ኣብያተ- ፍርዲ ዝወጸ ስምዕታ ከም ዝሓበሮ፡ ጠንቂ ናይቲ ምዕጻውን ምቁራጽ መስርሕ ፍርድን ናይ ዳያኑ ድሕንነት ውሕሰት ብዘይምርካቡ ምዃኑን እቲ ስግኣት ክሳብ ዝፍታሕ እቲ ዕጽዋ ከም ዝቕጽልን ተሓቢሩ። 

ፕረሲደንት ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣቶ ዳዊት ሃይለስላሴ፡ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር  ክልል ትግራይ መፍትሒ ንክረክብ ኣቒረበምዎ ካብ ዘለዉ ሕቶታት ምስ ድሕንነት ዳያኑ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ንሓለዋ ኣብ ዝምደቡ ኣካላት ጸጥታ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መገባእያ ዝምደቡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ጥራይ ስለ ዝኾኑ፡ ቁጽሪ ኣባላት ፖሊስ ወሲኹ ዘተኣማምን ሓለዋ ንክህሉ  ከም ዝሓተቱ እቶም ፕረሲደንት ጠቒሶም።

እቶም ፕረሲደንት ብተወሳኺ ከም ዝጠቐስዎ፡ ቤተሰብ ተኸሰስቲ፡ ኣብ መገባእያ ኮነ ካብኡ ወጻኢ ነቶም ዳያኑ ስለ ዘፈራርሕዎም ነዚ ዝምልከት ውሕስነት ንክረኽቡ ከኣ ኣካልቲ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቕሪበምዎ ዘለዉ ሕቶ እዩ። ብዘይካዚ ዳያኑ ብባህሪ ስረሓሖም፡ ክሳብ ናይ ሞት ብይን ክህቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ብሰንክዚ ኣካረይቲ ካብ ዝተኻረይዎ ከም ዘውጽእዎም ኣብቲ ጥርዓን ካብ ዝተጠቕሱ እዩ። 

እቶም ዳያኑ ናብ ከምዚ ደረጃ ንክበጽሑ ካብ ዝገበሮም፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ብዛዕባ ቅትለት ዘውዱ ሃብቱ ዝተባህለት መንእሰይ ጓለንስተይቲ ዳያኑ ኣብ ልዕሊ ብቕትለታ ዝተኸሱ ጥርጡራት ናይ መወዳእታ ብይን ንክህቡ ኣብ ዝተጋብእሉ፡ ብቤተሰብ ጥርጡራት ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነ ተሃቂኑ እቲ መስርሕ ስለ ዝተበተነ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንምዝራግ ዝተገብረ ፈተነ ላዕለዋይ መዝነት ዘለዎም  ከም ዝሳተፉ’ውን ኣብቲ እቲ መርበብ ዝተጠቕሰ  ስምዕታ ተመልኪቱ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ነቲ ዝቐረቦ ጥርዓን ኣጻርዩ፡ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዕንቅፋት ዝፈጠሩ ኣጻርዩ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ቃል ኣትዩ’ሎ።  

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከማል እድሪስ

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ብርሃን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝመዘዘን፡ በቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝካየድ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝገደደ ይቕጽል ከም ዘሎን ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብቀዳማይ ምኒስተርነት ዝተመዘ፡ ዶር ከማል ኣል ጠይብ እድሪስ ኣተባህለ ክኸውን እንከሎ፡ ክልተ ኣባላት  ደቂ ኣድንስትዮ እውን ምብራቓውን ማእከላይን ሱዳን ብምውካል ንኣባልነት ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ከም ዝተመዛ እቲ ብ19 ጉንበት 2025 ዝተዘርግሐ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ዝተመዘ፡ ሓደ እዋን ዲረክተር ሓለዋ  ምሁራዊ ንብረት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልእ ግዜ ድማ  ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጸሓፊ ማሕበር ንሓለዋ ዝተፈላለዩ እጻዋት  ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ተነጊሩ። ብዘይካዚ ኣብ 2010  ፕረሲደንት ሱዳን ንምዃን ምስ ዑመር ኣል በሺር ተወዳዲሩ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። 

ከማል ኢድሪስ ድሕሪ እቲ  ብ2022 ብፈቓዱ ዝለቐቐ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብደረጃ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዝምዘዝ ዘሎ ናይ መጀመርያ እዩ። ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪቲ ናይ 25 ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምምዛዙ፡ ስምምዕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምፍጣር ምስ ሰኣነ እዩ ካብ ስልጣኑ ስሒቡ። ድሕሪኡ ክሳብ ሎሚ  ቤት ምኽሪ ካቢነ ሱዳን ብግዝያዊነት’ዩ ክምራሕ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ ከም ዝሕገዝ ዝንገረሉ፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ  ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ፡ እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጀመሮ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምቕጻል ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ቀጺልዎ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታላትን ተመዛበልቲ ዝተዓቑብሉ ቦታታትን ከይተረፈ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ከቢድ ናይ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ኣሎ። እቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ብሰንክቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡  ናብ ምዕራዊ ከባብታት ኤርትራ ከይልሕም ዝሰግኡ ወገናት’ውን ኣለዉ።

Page 1 of 154