
መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን መራሒ ጅቡቲ ፕረሲደንት ዑመር ገለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ጉዕዞ ስግኣት ይኸውን ንዘሎ ተርእዮታ ብትሪ ኮኒንም፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም ናይቲ ባሕሪ ከም ዝተረዳድኡ ኣል ኣህራም ኦን ላይን (Ahram Online) ዝተባህለት መዲያ ኣፍሊጣ።
እቶም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘጋጥም ብደሆታት ሓቢሮም ብዛዕባ ምምካት ኣብ ዝተመያየጥሉ መድረኽ ምዃኑ እታ መዲያ ሓቢራ። እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብቲ ርክቦም ንኣገዳስነት ሰላም ኣብቲ ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕን ወሽመጥ ዓደንን ዝዝርጋሕ ንግዳዊ መስመር ኣዕሚቖም ተመያይጦም።
መራሕቲ ክሊቲአን ሃገራት፡ ንኣድላይነት ምብርባርን ብግቡእ ከም ዝሰርሕ ምኽኣልን እቲ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብኣባልነት ዝርከበኦ ባይቶ ኣብ ዝምልከት እውን ተመያይጦም። ኣብቲ ምይይጦም ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ዓለምለኻውን ብፍላይ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝዳህሰሱ’ውን ኣል ኣህራም ኦንላይን ሓቢራ።
እዞም መራሕቲ፡ መንግስቲ ሶማሊያ ንምብርታዕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ደጊፎም፡ ብኣንጻሩ ኣንጻር መራሒ እታ ሃገር ዝግበሩ ፈተነታት ተቓዊሞም። ኣተሓሒዞም ድማ ሱዳናዊ ሃገራዊ ትካላት ምቅርራብ ከም ዘድሊ ጠቒሶም፡ ኩሎም ሱዳናዊ ጉጅለታት ዝሳተፍሉ መድረኽ ንክፍጠር ጸዊዕም። ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝ ንክቕጽል ተማሕጺኖም፡ ሱዳን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ንክምለሳላ ከኣ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጸገማትን መፍትሒኦምን ዝምልከት ዳህሳስ ከም ዘካየዱ እቲ ዜና ኣመልኪቱ
መዋቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣቶ ፍራህ ኣይዲድ ጃማ
ኣቶ ፋራህ ኣይዲድ ጃማ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ኣውራጃ ፑትላንድ ከተማ ገረወ ቆንስል ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ላስ ኣኖድ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብ20 ማዝያ 2025 ከም ዝተቐትለ ሆርን ኦብዘርቨር (HORN OBSERVER) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።
ነቲ ግዳይ ብ13 ጥሪ 2025 ኣብ ፑትላንድ ብዘሎ ጠቕላሊ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ኣቶ ወንድወሰን ተኽለ ዝተጻሕፈሉ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ግዳይ ዝኾነ ዲፕሎማት ፋራህ ኣይዲድ ኣብ ዶብ ሶማሊያን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናይ ምሕጋዝን ምትሕብባርን ሓላፍነት ዝነበሮ እዩ።
እቲ ዲፕሎማት ኣብታ ዝተቐትለላ ከተማ ላስ ኣኖድ ካብ ዝነበሮ ሆቴል ተወሲዱ ጉጃካድ ኣብ ዝተባህለ ሰንጭሮ ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበ ዝሓበረት እታ ምንጪ፡ ቅድሚ ምቕታሉ ሒዝዎ ዝነበረ መባይላት ከም ዝተወስደ’ውን ጠቒሳ። ናይታ ዝተቐትለላ ከተማ ምምሕዳር ሞት እቲ ግዳይ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ንኣቀታትላኡ ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየወጸአ ዝሓበረ እቲ ዜና ክሳብ ሕጂ ናይቲ ቅትለት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ድሕሪቲ ዘጋጠመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት እቲ ቆንስልን ገያሾን ስግኣት ከም ዝፈጠረ እውን ተሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ወጻእተኛታት ኣብ መደበር ንምእታውን፡ ሚኒስተራት ምስንባትን
Saturday, 19 April 2025 11:41 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ ምስልታት ከተማ ካርቱም ድሕሪ ውግእ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ጀነራል ካሊል ባሻ ሳይሪን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጽእተኛታት ካብ መንበሪ ከባብታት ናብ ዝዳለወሎም መደበራት ስደተኛ ክውሰዱ መደብ ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ሓቢረን። ናይዚ ስጉምቲ ግዳያት ካብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከም ዝርከብዎም ከኣ ካለኦት ምንጭታት ሓቢረን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሓያሎ ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዝወርዱን እቲ ስጉምቲ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል መንገዲ ንምጽራግ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ቅድሚቲ ናይ 23 ማዝያ 2023 ውግእ ሕድሕድ ምጅማሩ 837 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ውግእ ግና ውሑስ ቦታ ንምርካብ ካብኣቶም 266 ሺሕ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ክሳብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ግዜ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ጸገማት’ኳ የጋጥሞም እንተነበረ፡ ካብ መደበራት ወጻኢ ምስ ሱዳናውያን ናይ ምንባር መሰል ከም ዝነበሮም ጠቒሱ።
እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ካርቱም ኣብ ኢድ ሰራዊት ኣልቡርሃን ምእታዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ዝጸንሑ ወጻእተኛታት ካብቲ ምስ ሱዳናውያን ዝነብርዎ ዝነበሩ ከባቢ ናብ መደበራት ከም ዝውሰዱ ሓቢሩ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ መጻኢ ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር ብኸመይ ከም ዝነብሩ ዘመላኽት እዩ ኢልዎ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዓሊ ዩስፍን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዑመር በኺትን ካለኦት ሓሙሽተ ዝርከብዎምን ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዘውረደ ተፈሊጡ። እቲ ስጉምቲ ኣብ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት መንገዲ ዝጸርግ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።
ናይቶም ሚኒስተራት ምውራድ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተኣወጀ፡ እቶም ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ክልተ ሚኒስተራት ግና ካብ ስልጣኖም ከም ዝወረዱ ተኣሚኖም እንከለዉ። ብፍላይ እቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ብምውራዱ ሕጉስ ምዃኑ ጠቒሱ ንሃገሩ ዝህቦ ኣገልግሎት ግና ክቕጽለሉ ምዃኑ ምምልካቱ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ኩነታት፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሱዳናውያን ወገናት ሓቢሮም መንግስቲ ንክምስርቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ለንደን ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝተጋበአ ኮንፈረንስ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነቱ ዕጽዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ።
“ኤውሮጳዊ ኮሚተ ንወጻኢ ዝምድናታት/ECFR” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ዝሰፈረ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ትግራይ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ከም ዘላ ብምጥቃስን ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ምውጣጥ ኣትየን ከም ዘለዋ ብምሕባርን ክልቲአን ሃገራት ካብ ተግባራተን ከቋርጻ ብትሪ ጸዊዑ። ዝምድናአን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ዝተበላሸወ ዝጠቐሰ እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምድላው ንዝለዓለ ውግእ ከም ዝርከባ ኣመልኪቱ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክተት ክትጽውዕ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ክልል ዓፋር ከበድቲ ኣጽዋር ከም ዘጐዓዘት ኣብቲ ድሕረ ማይታ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝዳህሰሰ ሰፊሕ ተንተና ኣስፊሩ።
ቅድሚ ሕጂ ብ1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ዝጀመረ ውግእ ቀልጢፉ ከም ዝሰፍሓ ዝገለጸ እቲ ጽሑፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ድሕሪ ትግራይ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ 2022 ዝምድናዊ ሰላም ምርካባ፡ ኣብ መንጎአን ሰፊሕ ፍልልይ ተፈጢሩ’ሎ ኢሉ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ንትግራይ ኮነ ካለኦት ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣካላት እውን ዘየቕሰን ኩነታት ምዃኑ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካው ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውግእ ንከምርሓ ጠንቂ ከም ዝኸውን ድማ ብሰፊሑ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ሕብርተሰብ ዓለምን ኮነ ኤውሮጳ እቲ ወጥሪ ክንኪ ካብኡ ሓሉፉ ምሉእ ብምሉእ ንክቋረጽ ክጽዕቱ ምዃኖም ኣዘኻኪቱ።
እቲ ጽሑፍ፡ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ውግእ ከም ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ፡ ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ሻቕሎት ከም ዝፈጥርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ከም ዘስዕብን ብምግንዛብ፡ ደው ንከብሎ ከም ዝጽዕር ኣገንዚቡ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ህውከት ወሲኹ፡ ከም ግብጽን ሩሲያን ንዝኣመሰላ ሃገራት ኢደን ንከእትዋ ኣፍደገ ከይከፍት ከም ዘስግእ ተመልኪቱ። ንዲፕሎማሲያዊ ኩነታት ኤውሮጳ እውን ብደሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዛዕባ ዘሎ ስግኣት ድማ ኣስፊሩ።
እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኣባይን ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያን ብዘለዋ ፍልልይ ኢራን ድማ ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ጉጅለ ሑቲ ብዘለዋ ዝምድና ብዝተሓሓዘ ንኤርትራ ክድግፋን ከዕጥቓን ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣቱ ብምሕባር፡ ብመንጽርዚ ኤውሮጳ ነቲ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ዲፕሎማሲያዊ መሪሕ ግደ ከም ዝህልዋ ጠቒሱ። ኢጣልያ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዘለዋ ሚዛናዊ ዝምድና ብሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን እናተሓገዘት እቲ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ግደ ከም ዝህልዋ ኣመልኪቱ።
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 5 ማዝያ 2025 ን3 ተኸታታሊ መዓልታትት ዝተኻየደ ጉባአ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ሓቢሩ። ናይቲ ሰልፊ ጉባአ “ሰላምን ውሑስ መጻእን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ከም ዝተኻየደ እውን እቲ ኣባላት ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ ብጾት ማህደር ዑቕባዝግን ሙሴ ዓማርን ዝኣባላቱ ልኡኽ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ጉባአ 300 ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጹ ጉባአተኛታት ከም ዝነበሩን ካለኦት ብሓላፍነቶምን ናይቲ ሰልፊ ነባር ኣባልነቶምን ዝተሳተፉ ምንባሮም’ውን እቲ ልኡኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተዓደሙ ወከልቲ ኣጋይሽ ምንባሮም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ ጉባአ ብኣቦመንበር ናይቲ ሰልፍን መራሒ መንግስቲ ናይታ ሃገርን ዮናስ ኮይኑ፡ ኣብቲ መኽፈቲ መደረኡ፡ ኣብዚ ዘይርጉእነትን ህውከትን ዝበዝሖ ግዜ ድሕነት ህዝብን ናጽነትን ንምሕላው፡ ጽኑዕ ፖልቲካዊ ምሕደራ የድሊ።” ምባሉ ተሓቢሩ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ምትእትታው ፖሊሲታት ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ፡ ምስ መሓዙትን ጐረባብትን ሃገራት ከምኡ እውን ምስ ትካል ናቶ ተቐራሪብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡ ንናይ 1940 ተመኩሮ ሃገሩ ብምዝካር፡ ናይታ ሃገር ሓይልታት ፍልልይ ኣለና ብዘይምባል ሓቢርካ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ምስላፍ የድሊ ምባሉ ተገሉጹ።
ንማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝምልከቱ ድማ፡ ናይ ሕክምና፡ ደሞዝ፡ ውሕስነት፡ ጡረታ፡ ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ ዝምልከቱ መሰላትን ንዝምድና ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝምልከቱ ፖሊሲታት ድሕሪ ምጥቃስ ብዛዕባ ኣድላይነትን ጐዳእነትን ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ምህርትን ሕክምናን ኣዘኻኺሩ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ተመሃሮ ምዝራቡ እውን ናይቲ ልኡኽ ሰዲህኤ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናብቲ ጉባአ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይቲ መራሕ መንግስትን ሓላፊ ሰልፊ ዕዮን ነርወይ ብዛዕባ፡ ጸዓት፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት መጐዓዝያ፡ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ውሽጣዊ ድሕንነት፡ ሃብቲ መሬት፡ ክሊማ፡ ቀረጽን ዝኣመሰሉን ናይታ ሃገር ፖሊሲታት ምድህሳሱ ድማ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባአ ካብ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ናይ ኤርትራ፡ ደንማርክ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ፡ ፍልስጥኤም፡ ኩርዲስታን፡ ዒራቕ፡ ነይሮም። ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ’ቶም ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ጐኒንጐኒ እቲ ጉባአ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዝገበረን ንመጻኢ ዘቕጽሎ ሌላ ከም ዝገበረን ከኣ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሞደልነት ሃገር ኖርወይ ንዕዱማት ኣጋይሽ መግለጺ ተዋሂቡ።
ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓደ: ካብ 100 ፈጠርቲ ተጽዕኖ ናይ 2025 ተባሂሉ
Thursday, 17 April 2025 21:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኢትዮጵያዊ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ሓደ ካብቶም መጽሔት ታይም ናይ 2025 ፍሉይታ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ኢሉ ዘስፈሮም ባእታታት ኮይኑ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ። እዚ ኩነታት ዶር ቴድሮስ 2ይ ዙር ትካል ጥዕና ዓለም ክመርሕ ኣብ ዝተመርጾ፡ ከም ኣብ ፖለቲካ፡ ሳይነስ፡ ኣርትን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ጽላታት ልሉይ ኣብቲ ዝርሑ ልሉይ ኣበርክቶ ከም ዝፈጸመ ዘመልክት እዩ።
እዚ ኣብ መጽሔት ታይም ዝወጽእ ዓመታዊ ዝርዝር ተጽዕኖ ፈጠርቲ ባእታታት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብቲ ዝተዋፈርዎ ንዘበርከትዎ ልሉይ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። ብመንጽርዚ ዶር ቴድሮስ ኣብቲ ዝተመደቦ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ምስፋሕ ቀረብ ሕክምና ንዘርኣዮ መሪሕነታዊ ብቕዓት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።
ድሕር’ቲ ንዝተዋህበ ኣፍልጦ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምዝርግሑ፡ ዶር ቴድሮስ ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ዝመርሖ ትካል ዘሎ ሰራሕተኛ ዘበርከቶ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ንዓኡ ዝተዋህበ ኣፍልጦ ንኹሎም’ቶም ምስኡ ዝሰርሑ እውን ዝተሃበ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ዶር ላሪ ብሪሊንት ዝተባህለ ኣብ መጽሐት ታይም ዝጽህፍ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ዶር ቴድሮስ ኣብ ኣተኣላልያ ብደሆታት ጥዕና ዓለም መትከላውን ሳይነሳውን ብዝኾኑ ውሳነታት ዝመከተ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ዶር ቴድሮስ ንትካል ጥዕና ዓለም ዝመረሓ ናይ መጀምርያ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ይንገረሉ።
ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን ትግራዋይ ምዃኑ ዝንገረሉ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ 2ይ ዙር ዲረክተር ጥዕና ዓለም ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኮይኑ፡ ቅድሚኡ ኣብ መንግስታዊ ጽፍሕታት ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ፡ ሚኒስተር ጥዕናን ወጻኢ ጉዳይን ልሉይ ኣበርክቶ ዝፈጸመ ምዃኑ ይንገረሉ።
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዘለዋ ወሲኽካ፡ 10 ኤምባሲታትን 20 ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ምዕጻው መደብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ። ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ ካብተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ግሪናዳ፡ ሌሰቶ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፑብሊክ፡ ሉግዘምበር፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ደቡብ ሱዳን ማልታን ማልዲቨስን ዘለዋ ከም ዝርከበአን ኣፍሊጡ።
ሲኤንኤን ብወገኑ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣመሪካ ረኺበዮ ዝበሎ ሰነድ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ 30 ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ምዕጻው ዕላማ፡ ኣሜሪካ ኣብ ወጻኢ ዲፕሎማሲያዊ ኣተሃላልዋኣ ክትቅይር ስለ ዝደለየት ክትወስዶ መዲባቶ ዘላ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣመርካ ብዘይካቲ ናይ ምዕጻው መደብ ኣብተን ብጉዳይ ፈጠርቲ ራዕዲ ፍሉይ ቆላሕታ ክትገብረለን ዝጸንሐት ኤንባሲታታ ኣብ ዒራቕን ሶማሊያን ድማ ኣተሃላልዋኣ ክትንኪ ምዃና ጠቒሱ።
እዚ ናይ ምዕጻውን ኣተሃላልዋ ምንካይን እማመ ዝመጽእ ዘሎ ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት መንግስታዊ ኣካላት እውን ናይ ምጽግጋዕ መደባት ይካየድ ኣብ ዝሃለወሉ ምዃኑ ሲኤንኤን ብተወሳኺ ጠቒሱ።
እቲ ማዕጻው 5 ኣብ ፈረንሳይ፡ 2 ኣብ ጀርመን 2 ኣብ ቦስኒያ፡ 2 ድማ ኣብ ሄርዞጎቪና ዝርከቡ ቆንስላት ኣመሪካ ከም ዝጠቓልል ከኣ ተሓቢሩ። ናይተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ኣብ ጐረባብተን ሃገራት ብዝርከባ ኤምባሲታት ኣመሪካ ክወሃብ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እውን እቲ ሲኤንኤን ዝረኸበ እማመ ከም ዘስፈረ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎ ማሕበራዊ መዲያ ተስፋ ነውስ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርዝር ናይተን ዝዕጸዋ ምህላዉ ተኣሚኑ፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ናይ ቲቦር ናጂ ርኢቶ ዝመሳሰል እዩ ኢልዎ።
ልዕሊ 100 ተመዛበልቲ ተቐቲሎም፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርዶጋን ተራኺቡ
Sunday, 13 April 2025 10:48 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ሰሜን ዳርፎር፡ ዛምዛም ኣብ ዝተባህለ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 9 ሰራሕተኛታት ዓለምለኸ ትካል ሕክምናዊ ረዲአት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ኣፍሊጠን። እቲ ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ መራሒ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ብ12 ማዝያ 2025 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንታሊያ ምስ ፕረሲደንት እታ ሃገር ጠይብ ኤርዶጋን ተራኺቡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተመያየጠ ተሓቢሩ።
መዕቆቢ ዝተመዛበሉ መደበር ዛምዘም ካብ ከተማ ኢል ፋሻር 12 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ እቲ ዘይሰብኣዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጅለ ደገፍቲ መዲያታት ነቲ ፍጻመ ዝምልከት ቪድዮ ብዝምርጋሕ ከም ዘረጋገጸኦ ተፈሊጡ። ኢብራሂም ካተር ዝተባህለ ዲረክተር ጀነራል ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳንን ግዝያዊ ሚኒስተር ምምሕዳር ሰሜንን ዳርፎርን ፡ እቲ ብሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ካለኦት ህጽናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝርከብዎም ብዙሓት ከኣ ከም ዝቖሰሉን ኣቃሊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጀነራል ኣል ቡርሃን ናብ ቱርኪ ኣንታልያ ዝኸደሉ ምኽንያት “ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ” ብዝብል፡ ናይ ቱርኪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣብ ዘዳለዎ እሞ ብዛዕባ ዓለምለኻውን ዞባውን ብደሆታት ምይይጥ ዝተኻየደሉ ርክብ ንምስታፍ እዩ። ምስዚ ኣኼባዚ ጐኒንጐኒድማ ምስ ፕረሲደንት ቱርኪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብደሆታትን ክልቲኦም ወገናት ክተሓጋገዝሉ ዝኽእሉ መዳያትን ንምድህሳስ ኣብ ዝምልከት ከም ዝተመያየጡ፡ ንመገሻኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ጅነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዝተዓደመሉ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቱርኪ ንመንግስቱ ክትህቦ ብዛዕባ ዝጸንሐት ደግፍን ኣብ ልኡላውነት ሱዳን ዘለዋ ጽኑዕ መርገጽን ዝምልከት ከም ዝገለጸ ተሓቢሩ። ተዓዘብቲ ብወገኖም ቱርኪ ኣብ ኩለ-መዳያዊ ዳግመ-ህንጸት ሱዳን ግደ ከም ዝህልዋ ይሕብሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘመዝገቦ ዓወት ኤርትራ ንዝገበረትሉ ሓገዛት ከም ዘመገነ ናይ ህግደፍ መዲያታት ከይተረፋ ምሕባረን ዝዝከር እዩ
ላዕለዋይ ብሄራዊ ኮሚተ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ
ኮሚተ ብሄራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ብ9 ማዝያ 2025 ኣኼባ ኣካይዱ ሰፊሕ መግለጺ ከም ዘውጸአ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ኣብዚ ብቐዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር እናተመርሐ፡ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጀነራላት፡ ፈደራል ፖሊስን ብሄራዊ ደሕንነትን ብኣባልነት ዝርከብዎ ላዕለዋይ ኮሚተ፡ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝለተላዕሉ ዛዕባታት ብዙሓት ንህልዊ ጸጥታውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይታ ሃገር ዝዳህስሱ ኮይይኖም፡ እቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ጉዳይ ምውሓስ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ድሕሪ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ ንናይ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ማእከላይ ነጥቢ ኮይኑ፡ በቲ ተጀሚርዎ ዘሎ ብርሱን ኩነታት ክቕጽል ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምውሓስ ኣፍደገ ባሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሕጋውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ከም ዝደፍኣሉ ብጥብቂ ጠቒሱ ኣሎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሓሊፉ፡ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ እውን ግደ ከም ዝህልዎ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ” ክበሃል ዝጸንሐ ኣሰካፊ ኣቀራርባ፡ ኣብቲ መግለጺ’ኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ኣብ ባይታ ግና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ከም በዓል “ፕሮፈሰር ብሩክ ሃይለ” ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ምሁራት ዝኣመሰሉ ባእታታት ብሚድያታት ብዝህብዎ መግለጽታት፡ ክሳብ ኣብ ታሪኽ “ኤርትራ እትበሃል ሃገርን፡ ኤርትራዊ ዝበሃል ዜግነትን የለን” ናይ ምባል ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ጽላለ ከቃልሑ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ።
ኣምበስዳር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዶር. ኣብረሃም ንጉሰ
ኣምበሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣኼባ ከም ዝተሰጐጐ ኣልጀዚራ ሓቢራ። እስራኤል ካብ 2002 ጀሚሩ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ናይቲ ሕብረት ብተዓዛብነት ናይ ምስታፍ ፈቓድ ካብ ዝተዋህበን ሓገራት ሓንቲኳ እንተኾነት ኣምበሳድራ ካብዚ ናይ 7 ማዝያ 2025 ዝተሰጐ ብዙሓት ናይቲ ኣኼባ ተሳፍቲ ኣፍሪቃውያን ኣምበሳድራት ብዘስምዕዎ ተቓውሞ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ዓመታዊ ንህልቂት (Genocide) ዝምልከት ርክብ ከም ዝነበረ እውን ተፈሊጡ።
ኣልጀዚራ ብዛዕባቲ ጉዳይ ዘዘራበቶም ዲፕሎማት ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ; እቲ እስራኤላዊ ኣምበሳደር ዶር ኣብረሃም ንጉሰ ክሳተፍዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይንበረ ኣብ ተሳተፍቲ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ብሰንክ’ቲ እስራኤላዊ ኣምበሳድር ንዝተወሰነ ግዜ ተቛሪጹ ከም ዝነበረን ድሕሪ ካብቲ ኣዳራሽ ምስጓጉ ከም ዝቐጸለን ከኣ ተፈሊጡ። ነቲ ኣምበሳደር ናብቲ ኣኼባ መን ከም ዝዓደሞ ከኣ ይጻረ ከም ዘሎ ከኣ ተሓቢሩ።
እቲ ዜና ካብ 2002 ጀሚሩ ተሳትፎ ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራትን ትካላትት 87 ዝበጸሐ ኮይኑ፡ እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ስሩዓትን ፍሉይትን ኣኼባ ተሳቲፎም ሓሳብ ናይ ምሃብ እምበር ናይ ምድማጽ መሰል የብሎምን። ፍልስጥኤማዊ ውድብ ፒኤልኦ (PLO) ግና ካብ 1973 ጀሚሩ እዩ ተዓዛቢ።
ናይቲ ኣምበሳደር ካብቲ ኣኼባ ምስጓግ ብሰንክቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጢኤማውያት ትፍጽሞ ዘላ ጭካኑ ኮይኑ ተጽዕኖ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል ምዃኑ ከኣ ኣብቲ ናይ ኣልጀዚራ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ልኡኽ እስራኤል በዚ ምኽንያት ካብ ተዓዛብነት ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክስጐግ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ እውን ተዓዘብቲ ገሊጾም።