EPDP News

1. ህልዊ ኩነታት ኤርትራ

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግዲፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ከኹድደሉ ዝጸንሐ ጸቢብ ህግዲፋዊ ዓንኬሉ እውን ጠሊሙ ናብ ህልም ዝበለ ከሕደት ስለዝተሸመመ ምስ ህዝብና ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታቱ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ደረጃ ከምዝበጽሐ ጉባኤና ገምጊሙ። መራሒ ህግዲፍ ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ ግዜ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይንፈቅድን ብማለት ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ መላኺ መንግስቲ ጥራይ ክህልዋ ምዃኑ ኣንጊሁ ኢዩ ኣሚቱ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ገለ ፖለቲካዊ ለውጥታት ተጐዝጒዙ ንስዉር ዕላማታቱ በጨቕ ከብል ተራእዩ ኢዩ። “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኣይኮነን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ ኣዩ፣ ኣይከሰርናን ኩሉ ዝኸሰርናዮ መሊስናዮ ኣለና” …ወዘተ ኢሉ ብምድንጋር ነዛ ብመስዋእቲ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተረኽበት ሃገር ህልውና ክኸልኣ ይጓየ ከምዘሎ ጉባኤ ገምጊሙ። ብኣንጻሩ ህዝብና ነዚ ኩነታት እዚ ተረዲኡ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ መሰሉን ህልውና ሃገሩን ከኽብር ብሓደ ድምጺ ክልዓዓል ዝስትውዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ።

ጉባኤ፡ ንህግዲፍን ናይ ጭቆና ምሓውሩን ንምውጋድ ብዘለዎ ዓቕሚ ብውሽጥን ብደገን ንዘሎ ቃልሱ ኣሐይሉ ክነጣጠፍ ተበጊሱ ከምዘሎ እናረጋገጸ፤ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነቱ ከም ዓይኒ ብሌኑ ክሕልዋ ጻውዒቱ የቕርብ።

 2. ልኡላውነት ኤርትራ

ጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሰረታዊ ጉዳይ ህልውናናን መንነትናን እዩ። ኩሉ’ቲ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ መሰላትን ነጻነታትን እውን ኣብ ልኡላውነታ ዘውሐሰት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። እቲ ብዓለምለኸ ሕግታትን ውዕላትን ዝፍለጥ ናይ መሬት፡ ናይ ባሕርን ናይ ኣየርን ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ መግለጺ ሉዓላውነትና ምዃኑ ሰዲህኤ ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ህዝብና ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ ናይ ግዳም ሰራዊታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጹ ጕባኤ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ነቲ ብደም ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ሉኣላዊነት ሃገረ ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት እናኣመጐሰ፣ ነቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይተዋሕጠሎም ጸረ ሰላም ሓይልታት ድማ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክምሃሩን ካብ ተዅታዂ ተግባራቶም ክቝጠቡን የጠንቅቕ።

3. ኣድላይነት ሓባራዊ ስራሕ ደንበ ተቓውሞ

ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንዓወት ቃልስና መሰረታዊ ውሕስነት ምዃኑ ኵላትና እንሰማማዓሉ ጕዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንብዙሕ ዓመታት ጸጊሙና ምጽናሑ ድማ ዝከሓድ ኣይኰነን። ሎሚ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታቱ ተማሂሩ፡ ናብ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ገጹ የድህብ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ጕዳይ ምዃኑ ጕባኤ መዚኑ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ሰዲህኤ፡-

3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድኤ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤

3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤

3.3 ብሓሳብን ብግብርን ምስ ዝሰማምዑውድባት ኣብ ናይ ምጽንባር ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡  መሪሕነት ውድብ ንዕኡ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ወሲኑ።

4.  ብዛዕባ  ህዝባዊ ምንቅስቓስይኣክል

ምንቅስቓስ “ይኣክል” መግለጺ ናይ’ቲ ኩሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ቃልሲ እናሓየለን እናደንፍዐን ናብ ሓድሽ መደረኽ ይኣቱ ምህላዉ ዘመልክት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ምዃኑ ጉባኤ መዚኑ። ምንቅስቓስ “ይኣክል” ምስ’ቲ ቅድሚኡ ክካየድ ዝጸንሐ ንቕሎታት ክወዳደር እንከሎ፡ ናይ ህግዲፍ ናይ ቀረባ ደገፍቲ ዝነበሩ ከይተረፈ ይሳተፉዎ ምህላዎም ደምበ ተቓውሞ እናዓዀዀ ይኸይድ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤና መዚኑ። ንዘላቒ ቀጻልነቱ ዘውሕስ ኣብ ህዱእ፡ ጸዋርን ምውህሃድን ዝተደኰነ ዝምድናታትን ውዳበን ከምዘድልዮ ብምግንዛብ፡ ምእንቲ ነዚ ክበቅዕ፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ናይ ሕድሕድ ምምልላእ፡ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ዝምድናታት ንምምዕባል ሰዲህኤ ዘለዎ ድልወነት የረጋግጽ።

5፡ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ሃገርና

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ሃገራት፡ ከካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህግን ዞባዊ ረብሓን ብምንቃል ናብ ኤርትራ ከባቢና ይቀላቐሉ ኣለዉ። ንኤርትራ ዞባዊ መሳርሒ ክገብርዋ ዝመርጹ ሓይልታት ምስ ስርዓት ኢሳያስ ዘይንጹር ስምምዓትን ዝምድናታትን ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ። ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ደኲኑ፡ ኣብ’ቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ይሳተፍ ምህላዉ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ኤርትራውያን በዞም ናይ ግዳም ሓይልታት ይቕተሉ፡ ይንከላበቱን ይፈናቐሉን ምህላዎም ዝተሰምዖ ዓሚቝ ሓዘኑን ጓሂኡን እናገለጸ ብቕጽበት ካብ መሬት ኤርትራ ክወጹ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ኣብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንዝተደኰኑ ይኹን ብሕጂ ንኽድኰኑ ዝሕሰቡ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ናይ ግዳም ሓይልታት መደበራት፡ ካብኦም ዝርከብ ጕድኣት ደኣ’ምበር ረብሓ ስለዘየለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ክብድሆም ይጽውዕ። 

6: ኤርትራውያን ስደተኛታት

ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝወርዶ ዝነበረ ጭቆና፡ ቅንጸላን ናይ ንብረት ብርሰትንድሒሩ`ውን ብምልካዊ ስርዓተ-ምሕደራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን፤ ብተወሳኺ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝካየድ ደረት-ኣልቦ ባርነትን ዘኸተሎ ዋሕዚ ኣማእት ኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ምሉእ ዓለም ተበታቲኑ ይርከብ። ብፍላይ መንእሰያትና ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ዘጋጥሞም ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ዝዀነ ቆጺርካ ዘይውዳእ በደላት ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ንመንነትናን ክብርናን ዝደወነ ተርእዮ ኢዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡-

6.1 ጉባኤህዝብና ካብ’ዚ ኣሰቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፡ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ንምልጋስ ክቃለስ ይጽውዕ። ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን ሰዲህኤ ይምሕጸነን።

6.2  ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ሰላማዊ ናብርኦም ክመርሑ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እግሮም ንምትካል ዘኽእሎም ኵሉ መዳያዊ ደገፍን ዝተማልአ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክረኽቡ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን።

6.3 ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ኣህዛብን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘቐምጥ ስለዝኾነ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።

7፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ጕባኤ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።  

8፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ህዝበን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድሌት ውልቀ-መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ጉዳይ ኢድ ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝብል ፖሊሲ ዝተሰረተ ዝምድና ንኽህሉ ጕባኤ ደገፉ ገሊጹ።  እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገብረ ዘይንጹር ውዕል፡ ንልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ንሓደጋ ዘሳጥሕን ንዕድመ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ጭቆናኡን ዘናውሕን ስለዝዀነ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ ኣትሪሩ ይምሕጸን።

9፡ ኤርትራን ሱዳንን

ህዝቢ ሱዳን ቃልስና ንክዕወት ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ህዝብና ኣብ ምዕቛብ ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ሓልዮትን ልግስን ወትሩ እናተዘከረ ዝነብር ኣብነት እዩ። ኣብ መጻኢ እውን ምስ ሱዳን ዝህሉ ዝምድና ኣብ ናይ ሕድሕድ ጕዳይ ጣልቃ ዘይምእታውን ኣብ ንሓባራዊ ረብሓ ተሓባቢርካን ተመላሊካን ምስራሕ ዝብል ፖሊሲ ዝተሰረተ ክኸውን ጕባኤ ኣስሚርሉ።   

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጌና ግቡእ መልክዕ ዘይሓዘ ግና ድማ ተስፋ ዝህብ መስርሕ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምዝርከብ ጕባኤ መዚኑ። ህዝቢ ሱዳን መሰሉ ንምርግጋጽ ዝወሰዶ ስጕምትን ዘርኣዮ ጽንዓትን ድማ ንኢዱ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ጕባኤ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ከምዝብል እናረጋገጸ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ማዕረ እቲ ትጽቢትን ድሌትን ህዝቢ ሱዳን ክብ ክብል ተማሒጺኑ።

10፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ 3 ዓመታት ጀሚሩ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ዘምጽኦ ለውጢ ሓደ ዓመት ሓሊፉዎ ኣሎ። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣብ ምብጋሱ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን፡ ናብ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ምፍንቃልን ስደተን ዝሰፈኖ ዘይርጉእ ኵነታት ከምዝሰገረ ጕባኤ መዚኑ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ለውጢ ንኤርትራ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ለውጢ ንኢትዮጵያ ስለዝጸሉ፡ ጕባኤና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ብልጽግናን ክሰፍን ዘለዎ ትምኒት ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ጕባኤ ኰኒኑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎ ጕባኤ መዚኑ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምወትሩ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ሃገሩ ደው ክብል 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ኣብ ጐድኒ ልኡላውነት ኤርትራ ደው ዝብሉ ኢትዮጵያውያን እናመጐሰ፤ ነቶም ንኤርትራ ዳግም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኸመልስዋ ዝሕልኑን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኤርትራ ጣልቃ ዝኣትውን ኢዶም ከልዕሉን ንኵናት ጻሕታሪ ዝዀነ መግዛእታዊ ፖሊሲታቶምን መርገጻቶምን ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉን ጕባኤ ይጽውዕን  የጠንቅቕን።

11፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ኤርትራ

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ንኤርትራ ብ“ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ስም ወይ ሳጓ ከምዝጽውዓ ወይ ከምዝፈልጣ ዝዝከር ኢዩ። በዚ ከይተወሰነ ዝበዝሓ መንግስታት ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣሰኪፍዎ ፍሉይ ኮሚሽነር መረማሪት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሰይሙ ክከታተሎ ካብ ዝጸንሕ ድሮ 6ይ ዓመት ሒዙ ኣሎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ ግብሩ ፈሊጡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝከታተሉ ኣካላት ናብ ሃገርና ኣትዮም ከይምርምሩ ክኽልክል ምጽንሑን ምህላውን ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ኢዩ። ጕባኤ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምክትታልን ምምርማርን ውሳኔታት እናደገፈ፡ ነቲ ንምጥባሩ ተባሂሉ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝግበረሉ ዘሎ ሓለፋታት ቅቡል ከምዘይኰነ ብትሪ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተኣደነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዝፈጸሙ መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ጕባኤ ይምሕጸን። ኣብ ርእሲ እዚ፡-

11.1 ንውዕል ሰብኣውን ሲቪላውን መሰላት ዝፈረማ ሃገራት በቲ ባዕለን ዝፈረማሉ ቻርተር ሰብኣዊ መሰል ተማእዚዘን ክኸዳ ጕባኤ ኣትሪሩ ይምሕጸን። እዚ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል ድማ ብዘለዎ ዓቕሚ ክቃለሰሉ ምዃኑ የረጋግጽ።

11.2 እተን ምስ’ዚ ኩሉ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ኣሉታዊ ምስሉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ዝፈቐዳ፡ ዝገደደ ከኣ ነቲ ዓይነን እናረኣያ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገዚፍ ግህሰት ሸለል ኢለን፡ ነናብ ርእሰን ከይመጸን፡ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ኣየድልን ዝበላ ሃገራት ንዝወሰድኦ መርገጽ ጕባኤ   ይቃወመንን ናብ ንቡር ክምለሳ ይጽውዐንን።

11.3 ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣረሜናዊ ባህርዩ ምስ ኣስከሬን ከይተረፈ ዝባኣስ ስርዓት ምዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ነገር ኣይኮነን። ፈሪሃ እግዚኣብሀር ዘይብሉ ጸረ ሃይማኖት ዝኾነ ፍንፉን ስርዓት ስለዝኾነ ሉእ መዋእሉ ንኹለን ሃይማኖታት ኤርትራ ቅሳነት ክኸልኤንን ንመራሕተን ድማ ክኣስርን ክፈትሕን ይነብር ኣሎ። ነቶም ፍሉጣት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን በብግኡ ኣሲሩገለ ክሞቱ ገለ ብሕማም ክማስኑ ህዝቢ ኤርትራ ዕረ እናጠዓሞ ጸይሩዎ ዝነብር ዘሎ ሕሰምን ሕብረተሰብ ዓለም ዝርድኦ ግፍዕን እዩ። ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ዘለኣለም ኣብ ሕልናና ዝነብሩ እዮም። ብሂወቶም ኣብ ምድራዊ ሲኦል ክነብሩ ዝተፈርዶም ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ኣቦና ኣባ እንጦንዮስ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ሂወት  ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት መሰኻኽር የሀዋን ጴንጤ ቆስጤንከምኡውንመራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ኣቦታትና ዘውርዶ ግፍዒ ከይኣክል ሎሚ ድማ ንህዝቢ ዘገልግላ ዝነበራ ብካተሊካዊት ቤተክርስትያን ዝማሓደራ ኣብያተ ሕክምናክሊኒካትይህግረን ኣሎ። ቅድሚኡ ውን ንንብረት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ሃጊሩን ካልእ ግፍዕታት ፈጺሙን እዩ። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ዝሓንጸጾ ፖሊሲ እዩ። እዚ ስርዓትዚ እብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖትን ንብረተንን ዝፍጽሞ ግፍዒ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉ ስራሕ ምዃኑ ጉባኤ ኣጥቢቑ ይገልጽን ይዅንንን። ብኻልእ ወገን ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ኣባ እንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ዘቕረቦ ጻውዒት ጉባኤ የሞጉስ።

12. ሰዲህኤ ንኹሎም ብረት ዓጢቖም ድዮም ከይዓጠቑ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ከም ሓርበኛታት ሃገራውያን ይፈልጦም። ካብዚ እምነትዚ ተበጊሱ ንሰማዕታትና ዝገልጽ ሓወልቲ ክህሉ ይኣምን።

ብዛዕባ መቓብር ሓርበኛታት ብዝምልክት ነዚ ስርዓት ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ ሌላን ጉሌላን ዘወገደ መቓብር ሓርበኛታት ክህሉ እናደገፈ፡ ሓርበኛታትና ኣበይ ከምዝቕበሩ ዝውስኑ ድማ ወለዶምን ቤተሰቦምን ክኾኑ ከምዝግባይኣምን።

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ!

“ንዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሰላም ንፍትሒ ንብልጽግናን ምዕባለን ንቃለስ”

1 ነሓሰ 2019

3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ

ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ ሽማግለ ፈስቲቫል።

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫል።

ብስመይን ብስም መሪሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ  ናይ ደገፍ መልእክቲ ከቕረብ ክብሪ ይስማዓኒ።

ፈስቲቫልኩም ምስ  ምዕዋት ሳልሳይን ሓድነታውን  ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝብኒ ኤትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪን  ምትእስሳሩ፡ ታሪኻዊ  ኣጋጣሚ ኢዩ። እንቛዕ ካኣ ደስ በለኩም።

ኣዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፣ ህዝብና ተወዲቡ፡ ቃልሱ ኣስሚሩ ነዚ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ  ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገርክትከውንን፡ ብሕግን፡ ብልጽግቲን ብፍትሕንትመሓደርን ሃገርክትከውን፣ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። 

ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ ምሁራት ውዳቤታትን፡ ቃልሶም   ከወሃህዱ  ተግባራዊ ተበጉሶታት ተጀሚሩ ምህላዉ ብጣዕሚ ዘሖጉስ ኢዩ።

ንኣብነት፡ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ወከልቲ ማሕበረ ኮማትን ግዱሳት ደቂ ሃገርን ዝጠርነፈ፡ ብኤሪትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲምክራስዊ ለውጢ ዝፍለጥ ሰፊሕ ጽላል፡ ቅድሚ  4 ወርሒ ዕዉት ካልኣይ ጉባኤ ምክያዱ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል።

ዕላማን ጻዕርን ናይ ኤሃብደል ቡዙሑነት ህዝቢ ኤርትራ ማኣከሉ ዝገበረ፡ ውሑስ ሓድነት ዝተፈላለየ ሕብረተሰብና ንምፍጣር ኢዩ። ውዳባኡ ካኣ ንዕኡ የንጸባርቕ። ኣብዚ ሓጽር ጊዜ ምስ ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ምስ ናይ ህዝቢ ውዳቤታትን ርኽኽባት የካይድ ኣሎ።ንሰልፊ ዲሞክራኢ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ንሃገራዊ ግንባር ኤሪትራ ( 4 ውድባት ዝሓቖፈ ግንባር) ሓቢርካ ንምስራሕ ዝዓለመ ዘተ ክካይድ መልእኽቲ ኣቅሪቡ ኣሎ። ንሓበሬታ ዝኣክለ  ብዕለት 22-6-2019  ብመኣዲ ዘተ ሚንሶታ ብምትሕብባር ምስ ቲቪ ተምፖ ኣፍሪክ (tempo afric tv eritrea) ኣብ ዝተዳለወ መኣዲ ዘተ ሚኒሶታ፤ ኤሃባደለ፡ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ተረኺቡ 9 ነጥብታት  ዝሓዘለ ስምምዕ ሰነድ ፈርሞም። ቀጻሊ ርኽክባት ከካይዱ ካኣ ተሰማሚዖም ምህላዎም ብጣዕሚ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ።

እዚ ሎሚ ነጸምብሎ ዘሎና ሓድነት ናይዘን ክልተ መሓዙት ውድባት፡   ናይ ምውህሃድን፡ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ፍረ ውጻኢት ኢዩ ክበኣል ይኽእል። ስለዚ እዚ ብፖሊቲካዊ ውድባት ዝግበር  ዘሎ ምቅርራባትን፡ እዚ ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ውዳቤታት ዝወሃደሉ መስርሕ ክግበር ኣሎዎ። ነንሕድሕዱ ተማላላኢ ብሽርክነት ክቃለስ ህጹጽ መድራኻዊ ዕማም ምዃኑ ንሕና ከም ኤሃባዲለ ጽኑዕ እምነትና ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ።  ከምኡ እንተገርና ኢዩ፡ ዓወትና ክቃላጠፍ ዝኽእል። ኤሃባደል ደምበ ተቓውሞ ቃልሱ ከወሃህድ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ተበጊሶ፡ ኣብ ፈጻሚት ቤትጽሕፈቱ ነዚ ዝከታተልን፡ ዘተግብርን ፍሉይ ቤትጽሕፈት እቂሙይርከብ። ሓድነታዊ ጉባኤኹም ብምዕዋቱ፣ ሰልፍኹም ክሕይልን፡ ክድልድልን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ልሉይ ተራ ክህልዎን፣ ካብ ዘለና ምንዮትን ብምብጋስ፡ ደጊመ ብስም መሪሕነት ኤሃባደለ እንቛዕ ናብዚ ኣብቃዓኩም ክብል ደስ ይብለኒ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና።

ፍራንክፎርት ፈስቲቫል  3-08-2019

ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤና፡ “ንዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሰላም ንፍትሒ ንብልጽግናን ምዕባለን ንቃለስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2019 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ቪዝባደን ተኻይዱ።  እዚ ጕባኤ’ዚ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዋ ጨናፍርን ጉጅለታትን ሰልፍታትና ዝተወከሉ ኣባላት ተሳቲፎሞ። እቶም ብወድዓዊ ምኽንያታት ኣብ’ዚ ጕባኤ’ዚ ክሳተፉ ዘይከኣሉ ጨናፍርን ጕጅለታትን ከኣ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ዘዝርከብሉ ቦታታት ንመምርሕን ቅጥዕን ጕባኤ ኣማሊኦም ተሳትፎኦም ኣረጋገጹ።

ጕባኤ፡ ብውሽጣዊ ኮነ ብግዳማዊ መለክዓታት ክምዘን እንከሉ ኣብ ፍሉይ ኩነታት እዩ ተኻይዱ። ብውሽጣዊ መዳይ፡ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን (ሃድኤ-ሕድሪ) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ዝተኻየደ መስርሕ ሓድነት ኣብ ውጽኢት በጺሑ ዝተጸንበለሉ ምዃኑ ፍሉይን ኣብነታዊን ጉባኤ ይገብሮ። ብግዳማዊ መዳይ ከኣ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ለውጥን ዝሰዓበ ምዕባለታትን ዝተጸልወ ኩነታት፡ ንህግዲፍ ካብቲ ተሓቢእሉ ዝነበረ በዓቲ ኣይሰላም ኣይውግእ ኣውጺኡ፡ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ከምዝቃላዕ ዝገበረ መድረኽ’ዩ ነይሩ።

እዚ ብወገኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብሓደ ሸነኽ ሓያል ምብርባር ብምፍጣር ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝሰሓበ  ክኸውን እንከሎ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ዘይንጹር  ውዕል፡ ብዙሕ ሻቕሎትን ጥርጣረታትን ዝተፈጥረሉ መድረኽ ነበረ። ኣብ ርእስ’ዚ ከኣ፡ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ፡ ሓድሽ ከባብያዊ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተጋህደሉን ወቕቲ ኢዩ ተኻይዱ። 

ጕባኤ፡ ኣብ ምጅማር ዕዮታቱ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበ ንመስርሕ ምድላዉ ዝምልከት ዝርዝር ጸብጻብ ሰሚዑን ውግዓውነቱን ሕጋውነቱን ኣረጋግጊጹን። ብድሕር’ዚ፡ ኣቦ መንበራት ክልቲኡ ውድባት ንተመኵሮ ውድባቶምን ንመስርሕ ሓድነት ክልቲኡ ውድባትን ዝምልከት ጽሙቕ ዝበለ ጸብጻብ ኣቕሪቦም።

ጕባኤ፡ ነዚ ጸብጻባት’ዚ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ስትራተጂካውን ጕዳያት ሚዛኑ ኣንቢሩ። ኣብ’ዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ምእንቲ ርሁው መጻእን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ነካይዶ ዘለና ቃልስታት፡ ብመንጽር ቦታዊ፡ ዞባውን ዓለም-ለኻውን ሕልኽልኻት፡ ኣብ ከቢድ ወጥርን ብድሆታትን ኣትዩ ከምዘሎ መዚኑ። ብዛዕባ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝፈጠሮ ንመጻኢ ወለዶ ኣሉታዊ ስንብራት ዝገድፍ ዘይትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይቅዱስ ዝምድናታትን እውን ተመልኪቱ። ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ስርዓት ኢሳያስ ዝወሰዶ ስጉምትታት ንናይ ሃገርና ረብሓ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ህዝባዊ ኣፍልጦን ግሉጽነት ዘይብሉን፡ ንልዑላውነት ሃገር ዘራኽስ ተግባራት ምዃኑ መዚኑ።

3ይን ሓድነታውን ጉባኤ፡ ነቲ ብ25 ሓምለ 2019 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ብዙሓት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብሎም ኤርትራውያን ድማ ዝሃለቕሉ ናይ መርከብ ሓደጋ ዘኪሩ ናይ ሕልና ጸሎት ገይሩን ንዅሎም ስድራቤታት ግዳያት’ቲ ሓደጋ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉን።

ክልቲኡ ውድባትና ቅድሚ ጕባኤ ንክኸዶ ዝጸንሐ ጕዕዞ በብሸነኹ ዛዚሙ ናብ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ንምእታው፡ “ኣቐዲምካ ሰሪሕካ፡ ዝውገን ወጊንካ፡ ናብ ሓባራዊ ጉባኤ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ተረድኦ ክሰርሕ ስለዝጸንሐ ንብደሆታት ኮነ ንዕድላት ከከም ኣመጻጽኣኡ ኣብ ምምሕዳሩ ኣይተጸገመን።

ጉባኤ ኣብ መጻኢ 4ተ ዓመታት ዝሰርሖ ስረሓት ዘመልክት፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝምረሓሉ ቅዋምን ኣጽዲቑ።  ከምኡ’ውን፡ ነዞም ስዒቦም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዝርከቦ ጕዳያት፡-

“1. ህልዊ ኩነታትን ሉዓላውነትን  ኤርትራ፡

2፡ ኣድላይነት ብሓባር ምስራሕ ደንበ ተቓውሞ

  1. ብዛዕባ ህዝባዊ ምልዕዓል “ይኣክል”

4፡  ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ሃገርና

5: ኤርትራውያን ስደተኛታት

6፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

7፡ ሃንደበታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

8፡ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን

9፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል

  1. ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ማሕበራዊ ጉዳያትን” ዝምልከት ፖለቲካዊ ውሳነታት ወሲዱ።

ጉባኤ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኣባላት ሰዲህኤን ኵሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓቢሮም ክጸምድሉ  መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ መሓዙት ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ካብቲ ከሳቕየና ዝጸንሐ ድኽመታት ወጺእና፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ንሓድሕድ ክንማላላእ ጕባኤ ጸዊዑ።  

መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትካ ልሳንካ ኴንና ክንዛረብ፡ መሓውርካ ኴንና ክንምርሽ ዝግበኣና፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታት ከምቲ ዝተጸበኻና ክንከውን ዘይምኽኣልና ይርዳኣና እዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ማዕረ ትጽቢታትካ ዘይምብቃዕና ይቕሬታ እናሓተትና በዝን ብኸምኡ ዝኣመሰሉ ኣብ መጻኢ ከነረጋግጾም መዲብና ዘሎና ሓድነታዊ ስምምዓት ክንድብሰካ ተበጊስና ኣሎና። 

ኣብ መወዳእታ ድማ ጉባኤ ነቲ 9 ዝኣባላታ ሓጻዪት ሽማግለ መዚዙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ዝርዝር ሕጹያት፡ ኣብቲ ጉባአ ብዝተመዘዘት ኣምራጺት ሽማግለ ዝቐረበሉ ዝርዝር መርሚሩ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ዘለዉዋ፡ ብዝከኣል መጠን ንኤርትራዊ ብዙሕነት እተንጸባርቕ መሪሕነት መሪጹ፡ ናብ  ዓመታዊ ጽንብል ፈስቲቫል  ኤርትራ  ፍራንክፈርት ተሰጋጊሩ ከምዘሎ በዚ መግለጺ’ዚ ኣቢልና ንህዝብና ከነበስር ንፈቱ።

“ንዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሰላም ንፍትሒ ንብልጽግናን ምዕባለን ንቃለስ”

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታት ኤርትራ

1 ነሓሰ 2019

3ይን ሓድነታውን ጉባኤ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኣዳራሽ እቲ ብ2 ነሃሰ 2019 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦከንህይም ዝተጀመረ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ንሓድሽ ኣቦመንበሩ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪጹ። ተስፋይ ደጊጋ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝተናወሐ ናይ ናጽነትን መጻኢ ዲሞክራስን ዝቃለሱ ዘለዉን ዓብይ ክብሪ ዘለዎን ሓርበኛ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ባይቶ፡ ኣብዚ ኣኼባኡ  በቲ ሓድሽ ኣቦመንበር ብዝቐረበሉ ዝርዝር ሕጹያት ሸሞንተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ።

እቲ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ዝኣባላቱ ማእከላይ ባይቶ ብ2  ነሃሰ 2019 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ብነባር ኣባል ባይቶ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ተመሪሑ ኣብ ዘካየዶናይ መጀመርያ ኣኼባኡ እዩ ኣቦመንበር መሪጹ።  እዚ ሓድሽ ኣቦመንበር ተወዳዳሪ  ዘይነበሮ፡ ነቲ ሓላፍነት ዝምጥን ብቑዕ ብምንባሩ ብምሉእ ድምጽን ኣዝዩ ዝሞቐ ደገፍን እዩ ተመሪጹ።

ኣቦመንበር ተስፋይ ደጊጋ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊኡ ዘንበሮ እምነት ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ ካብ ኩሉ ቀጻልን ኣድማዕን ስራሕ ከም ዝጽበ ገሊጹ።

New chairmanship 2ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ቀዳማይ ኣኼባኡ እናካየደ።

እዚ ማእከላይ ባይቶ ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሃሰ 2019 ኣብ ጥቓ ፍራንክፈርት ዝርከብ ቪዝባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን እዩ ተመሪጹ። እዚ ጉባአ ኣሓት ውድባት እውን ንሓድነታዊ መጸዋዕታ ጉባአ ሰዲህኤ ቅርቡነተን ዘቃለሓሉ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ’ቲ ምርጫ ኣቦመንበራት ነበር ናይተን ዝሰመራ ውድባት፡ ብጾት ክፍለዝጊ ገ/መድህንን መንግስተኣብ ኣስመሮምን፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሓድሽ ኣቦመንበር ኣብዚ በዳሂ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝካየደሉ ዘሎ ወሳኒ መድረኽ ነቲ ሓላፍነት ብምቕባሉ ምስጋናኦም ለጊሰምሉ። 

ኣቦመንበር ድሕሪ ምምራጹ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ ናይ መሳርሕቱ ዝርዝር ሕጹያት ኣቕሪቡ፡ ብማእከላይ ባይቶ  ተቐባልነት ረኺቡ ጸዲቑ። እቶም ሕጸኦም ብባይቶ ዝጸደቐ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡  ብርሃነ ደበሱ ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያትን፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት፡ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ሰክረተር፡ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት፡ ዶ/ር ሃብተሚካኤል ተኽለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት፡ ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያትን ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን እዮም። ከምኡ’ውን ማእከላይ ባይቶ   ንኣቶ  ፍጹም  ኢሳቕ፡  ናይ ሰልፊ ጠቕላል ተቛጻጻሪ ከገልግል መሪጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ባይቶ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኣቦመንበር ኮይኖም ናይ ዝሰርሑ ዝርዝር ላዕለዎት ኣባላት ሰልፊ ኣጽዲቑ።

ኣቦመንበራት ዝጸንሑ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን ኣብ መዕጸዎ ጉባአ ቃል እናስምዑ

ፖለቲካዊ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ብ1 ነሃሰ 2019 ኣብ መዕጸዊ ስነስርዓት ናብ ተሳተፍቲ ቀሪቡ። እዚ ፖለቲካዊ ውሳነታ እቲ 35 ዝኣባላቱ ሓድሽ መሪሕነት ምስ ኣሓት ውድባት ብዝከኣል መጠን ኣብ ሓጺር ግዜ ሓድነት ከረጋግጽ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ።

እቲ ብኣቦመንበር ሰክረታርያ ጉባአ ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ዝተነበ  ናይቲ ሓድነታዊ ጉባአ ፖለቲካዊ ውሳነታት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ዘሕዝን ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝረአ ዘሎ ስግኣት፡ ህጹጽነት ሓድነት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ቅልውላው ስደትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣትን ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ካብቶም ዝተደህሰሱ እዮም። ብዘይካዚ ጉባአ፡ ኣብ ዘካየዶ ምዉቕን ፍሉይን ምይይጥ ነቶም ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብጽኑዕ ዝኣምኑ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ወገናት ንኢዱ፡ እቶም ካለኦት እውን ነዚ ኣብነትዚ ክስዕቡን ህልውና ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ክቕበሉን ጸዊዑ።

ናይዚ ዝሰመረ ሰዲህኤ ኣቦመንበራት ዝጸንሑ ብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን ኣብ መዕጸዊ እቲ ጉባአ ቃል ኣስሚዖም።ንሳቶም ኣብቲ ቃሎም ኩለን ኣሓት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ንንኡስ ፍልልያትን ጸገማትን ገዲፈን፡ ነቲ ጭካን ምልካዊ ስርዓት ንምውጋድን ንምትካኡን ዘኽእል ዘተኣማምን ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፈጥራ ኣትሪሮም ጸዊዖም።

Call 2ብርሃነ ደበሱ፡ ኣቤል ሃይለን ክብረኣብ ምስግናን ኣብ ስነስርዓት መዕጸዊ ጉባአ

ኣቤል ሃይለን ክብረኣብ ምስግናን፡ ብቕደም ሰዓብ፡ ወከልቲ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)ን ናይቲ 4ተ ውድባት ዝኣባላቱ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ሃግኤ)ን እውን ካብቶም ኣብቲ መዕጸዊ ጉባአ ቃል ዘስምዑ ነይሮም። ንሳቶም ብዓወት እቲ ጉባአ “እንኳዕ ደስ በለኩም” ድሕሪ ምባል፡ ውድባቶም ምስ ሰዲህኤ ጀሚረነኦ ዘለዋ ምይይጥ ብምቕጻል ነቲ ደንጉዩ ዘሎ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ከም ዘተግብረኦ ዳግማይ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም።

Call 3ከፊላዊ ኣባላት ናይቲ ሓድሽ መሪሕነት ዘርኢ መዘከርታ ስእሊ

ጉባአ ካብ ረቡዕ ናብ ሓሙስ 1 ነሃሰ 2019 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ዝኣባላቱ መሪሕነት መሪጹ። እዚ ሓድሽ መሪሕነት መንእሰይ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ወሲኽካ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ኣለወኦ። ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ኣብ ጀርመን ክሳተፉ ዘይከኣሉ ኣባላት ጉባአ፡ ነዚ ብዝምልከት ብዝወጸ መደብ መሰረት ኣቐዲሞም ኣድሚጾም እዮም። ኣብዚ ስእሊ ዘይረኣዩ ካብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ እስራኤልን ሳዑዲ ዓረብያን ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት’ውን ኣለዉ።

At its first meeting held within the halls of the Eritrea Festival launched on 2 August inside the University of Bockenheim,  the Central Council of the unified Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), elected Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga) as the new chairman. Mr. Tesfai Degiga is one of the most respected veterans of the prolonged national struggle for Eritrea’s liberation and democratic future. At the end of the meeting, the council elected the list of his 8 candidates  for the new  executive committee.

Tesfai Degiga1Designated party chairman Tesfai Degiga and the newly adopted emblem of the unified EPDP

The newly elected 35-person Central Council with five more non-voting members met Friday afternoon chaired by a senior party member, Mr. Woldeyesus Ammar, and elected him with acclamation and unlimited delight because their sole candidate for chairmanship has been  highly reluctant to take the post for personal reasons.  

In his acceptance speech, the designated EPDP chairman thanked all council members for the trust they had in him and he in turn expected continued hard work from every party member.

CC Meeting1

Newly elected Central Council at its first meeting in Frankfurt

The Central Council itself was elected at the end of the 3rd and Unity Congress of the EPDP and the Eritrean National Salvation/Hidri, which was held between 29 July and 1st August in Wiesbaden near Frankfurt, Germany. The sister organizations agreed at the congress to continue calling the unified party as EPDP.

Speaking at the end of the election process the outgoing chairmen of the converging organizations, Messrs Kiflezghi Ghebremedhin and Menghesteab Asmerom, warmly thanked the candidate for his acceptance of the challenging post at this critical moment in the uphill struggle for democratic change in Eritrea. 

After a few hours break in the evening, the new chairman submitted the list of his new executive committee and the team was acceptable to the Central Council. They are: Messrs Berhane Debesu, deputy party chairman in charge of Foreign Relations Office; Menghesteab Asmerom, head of Organizational Office; Mr. Kiflezghi Ghebrremedhin, Party Secretary;  Ms Adiam Teferra, head of Women’s Affairs; Yassin Osman Neberai, head of Youth Affairs; Dr. Habtemichael Tekle, head of Finance Office; Fessehaye Hagos, head of Social Affairs; and Debessai Beyene, head of Information Office.  The Central Committee also elected Mr. Futsum Isak as  General Auditor.

At the end of the meeting late in the evening, the Council adopted a list of senior party cadres as Administrative Committee of the Chair Office.

 

ሳልሳይ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድርን)ን ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ብረቡዕ 31 ሓምለ 2019፡ ናይ ብጻይ ገብረእግዚኣብሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሓይጻይት ሽማግለ ጸብጻብ ምስ ሰምዐ 35 ዝኣባላታ መሪሕነት መሪጹ።

Gereteweldeብጻይ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ፡ ኣብ ጐኒ እታ ብጻይ ተኽለ መለኪን ዝመርሓ ኣምራጺት እማግለ ጸብጻብ እንዳቕረበ

እታ ብብጻይ ተኽለ መለኪን እተመርሐት ኣምራጺት ሽማግለ ምስ ቆመት ብጻይ ገብረእግዝኣብሄር መግለጺ ንክህብ ናብ መድረኽ ተዓዲሙ። ንሱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ነቲ ብልኡኽ ሽወደን ኣብቲ ጉባአ ቀሪቡ ዝጸደቐ ሓሳብ ንምሕያል ሓጻይት ሽማግለ ኣብ መጻኢ ዝርዝር ሕጹያት ናብ ጉባአ ኣብ ምቕራብ ጥራይ ከይተወሰነት፡ እንተላይ ኣቦመንበርን መሳርሕቱን እውን ሰምያ ንክጸድቕ ናብ ማእከላይ ባይቶ ከተቕርብ ንዝብል  እንኳዕ ኣሕጐሰኩም ኢሉ። ብዘይካዚ እቲ ሓድሽ ዝተኣታተወ ዕማም ሓጻይት ሽማግለ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ ክስረሓሉ ኣብ ዝብል እውን መብርሂ ሂቡ።

votingኣባላት ጉባአ ድምጾም ብምስጢር ንክህቡ ኣብ መስርዕ

 ብዙሓት ተሳተፍቲ ጉባአ፡ ነቲ ዝተኣታተወ ኣገባብ ሕጸ፡ ዝማዕበለ ኣገባብ ምርጫ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ውድቀት ምካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብብዙሓት ሰልፍታት ተቐባልነት ንክረክብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። እዚ ኣቐዲምካ ሕጹያት ናይ ምቕራብ ቀጥዒ ብብዙሓት ማሕበራዊ ሰልፍታት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዝውተር ዲሞክራስያዊ ኣገባብ እዩ።

ብጻይ ገ/እግዘኣብሄር ተወልደ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ሕጹያት ናይ ምቕራብ መስርሕ፡ ብ29 ጨናፍር ክልቲኡ ዝሰመረ ውድባት 133 ሕጹያት ከም ዝቐረቡን ካብዚኣቶም 52 ጥራይ ቅሩብነት ከም ዘርኣዩን ገሊጹ። ኣብ ርእሲ እዞም 52 ጉባአ 6 ሕጹያት ስለ ዝወሰኸ እቶም ኣብ መወዳእታ ዝተወዳደሩ 58 ምዃኖም ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሳልሳይ መዓልቲ ጉባአ ካብ ዝተንጸባረቐ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ህጹጽነትን ኣገዳነትን ተሳትፎ መንእሰይ ዝምልከት፡ ብመንእሰይ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝቐረበ መደረ ነይሩ። እዛ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እትነጥፍ፡ ኣብ ኣሜሪካ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ምልዕዓላት  ክትሳተፍ ዝጸንሐት መንእሰይ ኣድያም ሃይለ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ከምጽእ እዩ ዝብል እምነታ ኣንጸባሪቓ።

adiamኣባል ሰልፊ መንእሰይ ኣድያም ሃይለ ንምልዕዓል መንእሰያት ብዝምልከት ኣብቲ ጉባአ መደረኣ እናስመዐት

ኣብ ናይ 1 ነሃሰ 2019 መዕጸዊ ስነስርዓት ልኡካት መሕዙት ውድባት ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ። ኣብዚ መዕጸዊ ስነስርዓት ልኡኻት መሓዙት ውድባትና እንደጋና ናይ ምሕዝነት ቃሎም ከስምዑን፡ መጻኢ ዝምድነኦም ምስዚ ዝሰመረ ሰዲህኤ ብምጥቃስ ብዛዕባቲ ደንጉዩ ዘሎ ምምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ቅርቡነቶም ክገልጹን ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓርበኛታት ናብዙ ጉባአ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ክውሕዝ ቀንዩ። ናይ ኩሎም ናይ ጽቡቕ ትምኒትን ዓወትን መልእኽቲ ትሕዝቶ ከኣ “ጉባአኹም ናብ ሓቢርካ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስ ኣብ ኤርትራ  ምቅላስ  ዘምጽእ ይኹን” ዝብል ነይሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ውድባት ደገፍ ብውልቂ ደገፎም ናይ ዝገለጹ ዝርዝር ነዊሕ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ መድረኽ ፍሉጣት  ናይ ዲሞክራሲ ተሓለቕቲ ሓርበኛታት፡ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ (ኣቡ ሓሽም እንግሊዝ)፡ ዶ/ር ዳንኤል ርዘነ (ስዊዘርላንድ)፡ ኣቶ ሰመረ ተ፡ ሃብተማርያም (ሕመኣ)፡ ዶ/ር ሳድያ ሓሰን (ስወደን)፡ ኣልጋነሽ ገብረ (ጀርመን)፡ ምክትል ሚኒስተር ሚኒስትሪ ገንዘብ ኤርትራ ነበር፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ (ሆላንድ)፡ ዶ/ር ኣልማዝ ዘርኣይ (ጀርመን)፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣማኑኤል (ስወደን)፡ ወ/ሮ  ርግኣት ሓድሽ (ስዊዘርላንድ)፡ ወ/ር ለምለም ጸሃየ (ሆላንድ)፡ ኣቶ ዘርኤማርያም ክፍለ (ሕመኣ) ይርከብዎም።