ኢትዮጵያ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ክኢላታት መዲያን ከተ ቋርጽ ተጸዊዓ

2025-09-24 08:53:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 115 times

ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል (Human Rights Watch)፡ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ነሃሰ 2025 ጀሚራ ተካይዶ ዘላ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ክኢላታት መዲያን ንከተቋርጽ ካብ ናይሮቢ ብዝዘርግሖ መግለጺ ጸዊዑ። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ፡ እቶም ሓሳብካ ብናይ ምግላጽ መሰሎም ስለ ዝተጠቕሙ ጥራይ ተኣሲሮም ዘለዉ ብህጹጽ ንክፍትሑ’ውን ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሉ “ሱቕ ንምባል” ንዝወስዶ ስጉምትታ፡ “ምክልኻል ጸጥታ ሃገር” ዝብል ጉልባብ ከም ዝህቦ እውን፡ ምክትል ሓላፊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃ ከም ዘፍለጠ ኣብቲ ዜና  ተጠቒሱ። እቲ ምክትል ሓላፊ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን ክኢላታትን መዲያን ዒላማ ማእሰርቲ ካብ ምግባር ክቑጠቡን እቶም ብዘይፍትሒ ተቀይዶም ዘለዉ ከኣ ብህጹጽ ንክፍትሑን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብ3 መስከረም 2025 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣባላት ፍደራል ፖሊስን ሲቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታን፡ ትዕግስቲ ዘሪሁን፡ ምንታምር ጸጋውን እሸተ ኣሰፋን ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት ብሕቲ ኤፍኤም ሬድዮ ከም ዝኣሰሩ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ መእሰሪኦም ድማ ብዛዕባ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕና ምድላው ብምቕራቦም ምዃኑ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኣብ 13 ነሃሰ 2025 ድማ ብረት ተዓጢቖም ገጾም ዝሸፈኑ ኣባላት ጸጥታ፡ ዮናስ ኣማረ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዳላዊ ብሕታዊት ጋዜጣ ሪፖርተር፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተኣስረ’ውን እቲ ትካል ኣብቲ  ጸብጺቡ ኣስፊሩ። ኣብቲ ዝተኣሰረሉ እዋን ፖሊስ ብዛዕባቲ ኩነታት ተሓቲቱ ስለ ዝኸሓደ፡ ሃለዋት ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ጋዜጣኛ ከይተፈልጠ ክሳብቲ ዝተፈትሓሉ ዕለት 22 ነሃሰ 2025 ከም ዝጸንሐ ድማ ኣቃሊዑ።

እቲ መጠንቀቕታ መልእኽቲ፡ ብመንጽር ናይ ኢትዮጵያ ኮነ ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ሓደ ሰብ ምስተኣስረ ኣበይ ከም ዘሎ ምሕባእ፡ መግለጺ ምግሃስ መሰረታዊ መሰል ምስዋርን ምዃኑ ኣፍሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ሰብ ምስተኣሰረ፡ ጥንቁቕ፡ ነጻን ግሉጽነት ዘለዎን ምጽራይ ከም ዝካየድ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም ኢሉ። እቲ ዘይምኽኑይ ማእሰርቲ ኣብ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ክኢላታት መዲያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ክልል ሶማሊያ ንዝካየድ ተመሳሳሊ ማእሰርቲ ከም ኣብነት ኣስፊሩ።

Last modified on Wednesday, 24 September 2025 11:01