ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኣገዳሲ መድረኽ በርሊን ተሳቲፉ
2026-06-11 19:23:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 33 timesዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ በርሊን፡ “ብኽብሪ ምቕባል ዲፕሎማሲያዊ ኣሃዱታት ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝተጋበአ ርክብ ተሳቲፉ። ነቲ ብ8 ሰነ 2026 ዝተጋበአ ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ዘዳለዉን ንተሳተፍቲ ዝዓደሙን፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጀርመንን “ጀርመን ኣፍሪቃ ፋውደሽን” ዝተባህለ ማሕበርን ብሓባር ምዃኖም ዶ/ር ኣክሊሉ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ዝተሳተፈሉ ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣንበሳድራትን ወከልቲ ሃገራትን ከምኡ ከኣ ጀርመናውያን ላዕለዎት ሰብ መዚ ተሳቲፎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ወይዘሮ ሰራፕ ጉለን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ኣብ መንጎ ጀርመንን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝግበር ዲፕሎማሲያውን ቁጠባውን ዝምድና ዝያዳ ንክድልድል መጸዋዕታ ኣቕሪባ። ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ርክብ ኣብ ዲሞክራስያውን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሰረተ ክኸውን ከም ዝግበኦ ከም ዘስመረትሉ ልኡኽ ሰዲህኤ ሓቢሩ።
ዶር ኣክሊሉ ግርማይ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ምስ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ ርክባት ብሓፈሻ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ፡ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማእሰርቲ ዜጋታት ብዘይፍርዲ፡ ግዱድ ወተሃደራውዊ ኣገልግሎትን ዶብ-ሰገር ጽቕጥታትን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ተመያይጡ።