ዘይምርድዳእ ሱዳናውያን ገያሾን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን

2026-06-08 12:59:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 100 times

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ቲኬት ብዶላር እምበር፡ ብናይ ሱዳን ፓውንድ ኣይቆርጽን ምባሉ ወጥሪ ፈጢሩ ከምዘሎ ጋዜጣ “ዜና ኤዲተር ኣፍሪቃ” ሓቢራ። ናይቲ መንገዲ ኣየር ውሳነ ናይ ሱዳን ገንዘብ ሚዛን ዘውርድ  ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ሱዳናውያን ናይ ጉዕዞ ዕድል ዘጽብብ ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፖርት ሱዳን ዘሎ ላዕለዋይ ኦፊሰር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ጉዕዞ ቲኬት ክቖርጹ ንዝመጹ ሱዳናውያን “ናይ ሱዳን ፓውንድ ኣይንቕበልን ኢና” ኢሉ ዶላር ከምጽኡ ከም ዘገደዶም ኣብቲ  ተሓቢሩ። እቲ ውሳነ ምንቁልቋል ፓውንድ በመንጽር ሸርፊ ወጻኢ ተኸቲሉ ዝመጸ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። ምኽንያቱ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ሓንቲ ዶላር ኣሜሪካ ናብ 4 ሺሕ ፓውንድ ወሪዳ ከምዘላ እዩ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሓደ ሱዳናዊ ገያሺ፡ ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሱዳናዊ ገንዘብን ባንክን ክኽፈል ቅሩብ ከምዘይኮነ ምስ ኣገደዶ ምስንባዱ ሓቢሩ፡ ዶላር ንምድላይ ናብ ጸሊም ዕዳጋ ክኸይድ ከም ዝተገደደ ብምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ንሱዳናውያን ገያሾ ከቢድ ብደሆ ኮይኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሙርታዳ ሓሰን ጁማ፡ ዳይረክተር ክፍሊ ጽዕነት መንገዲ ኣየር ሱዳን፡ ንውሳነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቒፉ፡ ናይ ወጻኢ መንገዲ ኣየራት ናይ ሱዳን ሃገራዊ ሕግታት ብምጥሓስን ዝምልከቶም ሱዳናውያን ሰብ መዚ ብዘይምውካስን ኣብ መዳያት፡ ሲቪል ኣቬሽን፡ ሸርፍን መሰል ተጠቀምት ገያሾን ምእዙዛት ክኾኑ ይግበኦም ኢሉ። ዝኾነ ኣካል ሃገራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡  ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሱዳናዊ ገንዘባዊ ፖሊሲ ጥሕሰት ክፍጽም ኣይክእልን እዩ  ዝብል’ውን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

ኢብራሂም ኣድላ ናይ ቅድም ዳይረክተር ሲቪል ኣቬሽን ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ኩነታት ሳዕቤን ናይ ውግእ ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ ኢልዎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዚ ዝገብር ዘሎ እውን ነቲ ኣብ ባንክታት ሱዳን ዘሎ ሕጽረት  ሸርፊ ወጻኢ ዝመዝመዘ እዩ ኢልዎ።

እዚ ኣብ መንገዲ ኣየር ዝረአ ኩነታት፡ በቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ውግኣትን ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ዝተጸልወ ስለ ዝኾውን፡ ናብ ምሉእ ብምሉእ  ምቁራጽ ክድይብ ከም ዝኽእል ዝግምቱ ዘለዉ ወገናት ብዙሓት እዮም።

Last modified on Monday, 08 June 2026 15:07