Language Policy in Multi-Ethnic Eritrea

Monday, 14 October 2019 20:24 Written by

 ጋባ ፍትሕ እና ኤርትሪርሰና ያኹ ቅረንሊ ኣዋኺሮ ሻኹን

                             ተሪ መዲዪኹ ጋብዲ ዓዳትዲር ዳበርድኒል ውሪል መርኪስሮ ሻኹን       

ሀ. ቱሲሰና

እና ወክትኒል ኤርትሪል ኒዓብባብትድ ንቲከስጛ እና ኤርትሪል እና ንኪ መለኮ ህንባኹ መሪትልድ መሪ ሕዝቢሩኹዲ ፍትሕዲ[1] ና ዕስኖ ግን ዮ ለመለም የውዲሲ ቋልነን ንኪ እን ጋብሲሳኹ ለጛ ጋባት ትግርኝዲ ዓረብዲር ንኻ ኤሪው ጋባት ኣኽላ ላህጃት ግን ይስትኩ፣ እና ኤሪ ጋባት ላህጃት/ Dialect[2] ግን ዮ መጐተው እን ዓረብድ መሀርሰውዲ ስያሰት ኤሪትሪኹል ከደመውዲ ግን፣ ጋብ እንተው ከተብሰላ ዮ መጐተው ኮዶ እን ትግርኛ ጋበውዲ ትግረ ጋባውዲ መሀርሰውዲ መሀርስገውዲ ድመናኹ ግን፣ ላኹ ገሪ ጨገም ኣኾ ዋኺስሮ ፈራኹ ጋባይልዲ ናይ ናይዲር አኽሮ ግን፣

"The post- dictatorship period in Eritrea will be marked by innumerable ethnic conflicts based on the demand for native languages rights. As with the other issues of ethnicity, language diversity  demands cannot be ignored.  Indeed, demands for pluralistic language policy are likely to come first and policy makers need to be prepared to accommodate language diversity while still promoting overall integration. The Blin language is one of the most vulnerable because of its geographical and the Blin Language speakers weakness to preserve their culture and language."

እና ንክ ይናኮል መርሕኹ ደኮ ደንቢ ውሪ ለቦ ደንቢ ይና ኮል ገባይላ ጋብዲ ና ናይዲ ቋላኹድ ገሪ ኣጭጉም ኣርስሮ ግን፣ ወንቀራ ጋቡኹ ዳድስቶ ደኩስታኹ ኣኽላ፣ እምንድክ ወንቀራ ጋባ ብጅኽ ወንቀራ ፍትሕ በለዱኽዲ ሰልፋ ወንቀራ ግን ንድመታን ፍትሕ ጠፍሕደው ( Constitution makers)  ጋባትዲ ናይ ገባይለውዲ እክብነዲ ዳበርነዲትል ከደምኒል ደለምድኖ ሻኽኑኹ፣ እና ኣውይን ንድ ገርኹድኽ ጨገምትሮ ፈራኹ ብሊና ግን ንኻ ኒ ብራ ኣካንዲ ብሊን ናብብሊናርድ ገሪ ሕይምንተዋኒንዲን ግን። እና ንኪር ዋ ዓድ ስታት ንኪትልድ ተርስነ ይና ጅዊውዲ ከደኑዲ ትበቅ የውሲ ኣርእኖኽር ና እንክኒል ለመለም ይኖር መታን ግን፡፤ ላኹ ንኪትልድ ተርስነ መሀርዳኹር ሓበራኹር እና ንኪ ኒድ እክብስኖ ህንብናኹ፣ ተሪ መድዪኹ ላገቢለታ ጋብዲ ዓዳትዲር ዳበርድነዲ ተከውነዲትል ኣር እኖኽር እማ ንኪትልተርስነ ኣምርድ ኣኽን ማልድ ተከልስሮ የመምነዲ ክድመትዲ ቋልልስኒል ደርፍፍ ብድኒኹ ዋዕላ ግን፡፤

እና ንኪ እና ግርጋ ኒል እና ወዓድ ንድ ሃደግያ ደረካኹለ 26 ኣመራ ደንቢ ቋለውዲ ጀረበውዲትልድ ጐ ግን፡፤ ይዋዓድሲ ኣንካ በናነትል ሃበ ስኩስያ ግን፡፤

  1. መድያ ራድዮ ብሊና ጋባ ፍትሕ ፍኒል ኣውሃበ ደምዕዳኹን

1.1  ጋባ ፍትሕ ውሪኹ ጀረብዲኹን

1.2  ጋባትሲ ድሂስነማ ውሪ ተከውና

1.3  ጋባታ መንፍዒትዲ ኒ ኣጭጉምዲ

  1. ተሪ መዲዩኹ ደም ዕድሮኽር መንደትሮኽር ውራ ጀረብዳኹን
  1. ጋባታ መቅርሕ

2.1. ኤምርዲ ከውዲ ማልዲ ኢራኩዲ ጀረብደኩ

  1. ጋብ ይነውሲ ቋልኹድ መርሀርስነዲ መሀርስኖ ሻኽነውዲ

3.1.  ብሊንሲ ዳበርደው እራኩ

  1. 2. ከደን መንደትናኽር እሲኖ ሻኽነው ወራታት
  1. ደንጎባ
  1. ምርኩስ ዪ ዋዓዱ
  1. ጋባ ፍትሕ ይና ውረኒ ይና ግን

1,1 ፍትሕ ጋባትዲ ዓዳትዲ ገባይል ላ ቅረን መንደርተውዱ ይና ውረኒ ግን/ ጋባ ፍትሕ ውሪኹ ጀረብዲኹን

እና ወክት ኒል ይን መንደርትና ብሪል ኤረርሰው ቅረናት ብጅኻነክ ገሪ ጋባትዲ ዓዳትዲ ከው  መንደርተው ግን፣ ንድመታን ፍትሕ ቅረኑስ ወሰነው እን ብጅኽኒስ እክብድኖኽር ዳበርድድኖኽር ሻኽኑኽ ግራ ገብድኖኽር ናድሂስኒል ደበልትድኑ ሻኽኒ፣እንዳህበንን እን በልድሊ ሰላም ዋኒሮ አኽላ። ውረኒ ግን ፍትሕ ጋቡኹ እን ጀረብዳኹዲ ሕዝቢት ላትክስሮ ቀደራኹ፣ እና ወንቀራ ኒስ ገለ መልሲ ኤረው ህንበነኩ ኤረረገው ህንበነኩ፣ ኣፍሪቂል ቋልነን እን ዲማ ጨቀጥሰው እን ዑቁቱው ኮቁራ ጋብ ግን፣ ሕዝቢር ስኒት ላበለድሊ ዋኒሮ ኣከን እን ቅረን ፍትሕ ጋብዲ ዓዳትዲ ከለብርነዲ ናጋብድ ተመሓደርድኖ ናይ ኡሮ ሻኩ፣ ነት ኮቁር ዑቁቱዲ ኤሪ ኣካንድል ላበለድሊ ስደትል መንደርተውዲ ናናይ ሲረኹ ግን፣ ስደትል ኤሪ በልድሊ መንደርተው ኣሸሽኖ ጋብሲ ድሂሰነኩ፣ እና ዋዕድ ኒል ኣን ጋብያ ጀረባኹ ብሊን ናኣካንሊ( Blin As indigenous Minority or regional sub-nation must be protected and respected according the laws of international Conventions[3]) ኣኽነውድ ና መሰል ናጋቡኹዲ ዓዳትዲ ውዕል ቅረናቱኹድ ተከውስሮኽር ዳበርዶኽር ክመት ናዀርክ ኣርእኖ ሻኽንኹን። ኒስ ዩ መላኪን እን ናዀርክ ላት ክሲሳኹሎም ለጛማ ውሪ ናሰን በጃኸውዲ ጨገም ና ዕስጊ ኣኽሮ ቀደርሰንክ ኣከን ኪደኩ የንታ ግን መሰለን፣ ንኪ ገሪ ጂጋ ህንባኹ ኤርትሪል ይና ባህሊ ጋቡኽ ዓረብዲ ትግሪኘዲ ካያ ግን የውዲ፣ በልን ኮዶ ኤርትርል ጋብስተው ጋባት ናኹርክ እኩለኩላ ግን፣ ጋብ ክድመቱዃ ተግሪንየዲ ዓረብዲ ግን የው ህንበነኩ፣ ኣን ተኩለ እና ዓረብ ግን ደውለቱኽ ጋብ የው፣ እን ዓረብድ መሀርሰው ዑቁቱ ኢስላም ግን ውሪኹ ይረን፣ እን ትግርኘዲ ገጠምሮ ቀደራኹ ኒ አኽነዲን ግን፣ ኤሪኹድ ቋልነን ኮዶ ብጅካነክ እን ለጝታ ገባይል ላኹክ ኒጋብድ ጀረበን እን ዓረብ ጋብ ድድሮግን የነኩ እማ ፈሩ እርጎ ከው ናጋብ ልጝኑዲ ዓረብዲት ድሂሶ ትግሪኛ ኣኾ ከብቲሮግን የነኩ፣ እማ ይን ብሊን እና ነወያ ጂጛ ፈረኹል ውረኒ ግን ይና ረኤይ፣

እን ኮንስቲትዩሽን 1997 ትል  ዓንቀጽ 3 ሺብ 3 ትል፣ እና ተለየሰና ይኩ>

Aricle 3 Citizenship

(3) The Equality of all Eritrean Languages is Guaranteed

ኮዶ ኒሰና ኮንስቲቱትሽን 1952 ኹል ንሰና ህንበኩ፣

Article 38: Languages

  1. Tigrinya and Arabic shall be the official languages of Eritrea
  2. In accordance with the established practice in Eritrea, the Languages spoken and written by the various population groups shall be permitted to be used in dealing with the public authorities, as well as for religious or educational purpose and for all forms expression of ideas.

እና ለጛትልድ ገሪኹድክ ኤርትሪ ጋባትሲ ተከውረሪ እን 1952 ኤረርስረሪ ዓንቀጽ ጋባታ ናይድ ቁልደሪ፣ ኤርትሪል ገሪ ጋባት ዋነትር፣ ጋብስተትር ከተብሰትር ከለብረቲ ኒልድ ኮዶ መንግስቲትል ኣኽን ሚህሮዲ ሃይማናትዲ ናጋብድ እሲድኖ ኣፍቀደኩ።

እን 1997 ከተብሳኹ ፍትሕ ጋቡኹ መላኪን ባርህ ኣኽላ፣ መሰለን ኩገነር ጋብዲድ ሚህሮ ህንበኩ ይስተኩ መላኪን በተ-መንግስቲቲል ብሊንድ ጋቢቶኽር ኩረኤይ ደኩስቶኽር ቀደራላ። እንደ ንኪትልድ ተርስድነ ተብድና ተርሳ ዓንቀጽ ፍትሕ ጋቡኹ ኣዋኸ ገምን ኪዳኹን ተካኹንኩም። መድያ ኒተሪ እና ወንቀራኒስ ወንተስኒል ካባኹ ኣምር ኡዋኹ ኣኽሮ ሻኩ የንታ ግን፡

5.1 Esman, Milton. J. 1992. " The state and Language Policy" International Political Science Review, Volume 13, no. 4 pp. 381-396

5.2 Horowitz, Donald L. 1985. Ethnic Groups in Conflict. Berkeley CA: University of California Press.,

5.3 Fishman Joshua A. 1989. Language and Ethnicity in minority Sociolinguistic Perspective. Clevedon, Avon: Multilingual matters.

5,4. Van Dyke, Vernon. 1985. Human Rights, Ethnicity, and Discrimination. Westport, CT: Greenwood Press

[1] Constitutional language Policy

  1. My definition of a dialect is simply this: "A variation of a given language spoken in a particular place or by a particular group of people." Therefore, when I use the term dialect, I am not making any sort of judgment about the quality or "correctness" of that variety of English. I believe that American, British, Canadian, and Australian English are all dialects of the English language, and that none of them is any better or more proper than any other.[2] Blin Language is a given language but is not a dialect. Those who call a given language as a dialect are not correct but abusing the word dialect in order to assimilate local languages

[3]1.  Universal Declaration of Human Rights

  1. International Conventions on Economic, Social and Cultural Rights
  2. International Conventions civil and political Rights
  3.  Van Dyke, Vernon. 1985. Human Rights, Ethnicity, and Discrimination. Westport, CT: Greenwood Press

ልክዕ እዩ ወዲ-ሰብ ኣብ ዕለታዊ ዕዮኡ ብዝፍረዮ ውጽኢት ክምጎስን ክሽለምን ጽቡቕ እዩ። ክፉእ ዝገብርን ዝጭቑንን ግና ኩሉ ግዜ ስሙ ብኽፉእ ስለ ዝለዓል መጎስን ሽልማትን ዘይኮነስ መርገምን ኩኔነን እዩ ዝገጥሞም።  ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ናይ ሰላም ሽልማት ይበቕዖ ዲዩ ኣይበቕዖን ካልእ ኮይኑ፥ በቲ ናይ ሰላም ሽልማት ዘጽንዕ ሃገር ተመሪጹ ስለዘሎ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ንዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ እንቋዕ ኣሓጎስካ ክብሎ ግቡእ እዩ።

ብዛዕባ ከመይነት ናይ ሰላም ሽልማት ኣወሃህባ ምናልባት ኣብቲ ኣገባብ ኣመራርጻ ዘድልዩን ክማልኡ ዘለዎም ጉዳያትን ክህልው ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር እታ ዓባይ ነጥቢ ምኽንያት ናይዚ ሽልማት ኮይና ዝቐረበት፥ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኩነታት “ኣይሰላም ኣይውግእ” ሎሚ ብሰላማዊ መገዲ ተረጋጊኡ  ወይ ፍታሕ ተረኺቡ ዝብል እዩ። ዶክተር ኣብዪ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝገበሮም ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ከምዘለዉ ማንም ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። በዚ እውን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝብልዎ ዘለዉ እንተርኢና፥ እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ሓደ ውልቀሰብ ደኣ ይውሰዶ እምበር ናይ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽልማት ኢዮም ዝብልዎ።

እንቲ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ጉዳይ ግን ካብቲ ናይ “ኣይሰላም ኣይኲናት” ሎሚ ብሰላም ተደምዲሙ ኢልካ ዝውዳእ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ውጽኢት ኣለዎ? ኢልካ እንተሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ የለን። ስለዚ እቲ ኣይሰላም ኣይኲናት ዝብል፡ እቲ ውግእ ደው እንተበለ ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ ስግኣት፡ ዘይተረጋገአንን ሕንፍሽፍሽን ኩነት እያ ዘላ። እዚ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዕ እምበኣር ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝሰምዖ ነቲ ናይ ዶክተር ኣብይ ኣብ ክንዲ ኢሰያስ ኮይኑ ንኤርትራ ወኪሉ ክዛረብ ዝጸደቐሉ መስርሕ ጥራይ ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውለቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ንዓመታት ሓቢእዎ ዝጸንሐ ዕላማ ሎሚ በብቑሩብ የግህዶ ኣሎ።

ከምቲ እንግሊዛውያን ዝምስልዎ “the ends justfy the means”እቲ መወዳእታ ናይቲ ኣገባብ ወይ ሜላ መግለጺ እዩ። ገርሀኛታት ብምዃና ግን እነሆ እቲ ሰላሕታ ወራር ንጥፍኣት ኤርትራ መመሊሱ እዩ ቦሎኽ ዝብለ ዘሎ። ኣብዚ ህዝቢ ድሕሪቲ ፍጻሜ ከይነቅሕ ዘስግእ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ዲክታቶር ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክፍጽሞ ዝደሊ ዝነበረ እነሆ “ነዓይ ወኪልካ ተዛረበለይ” ኢሉ ንዶክተር ኣቢዪ ክውክሎ እንከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ናይ የዋሃት ትርጓሜ ገርና ክንትርጉሞ ኣይግባእን።

ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ዝሃሰያ ዘሎ ኢሰያስ ንበይኑ ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ መጀመርያ እቶም ኣብ ሰብዓታት ምስ ኢሰያስ ኮይኖም ንኢሰያስ ቅኑዕ ኣገባብ ትኽተል የሎኻን ኢሎም ንዝቃወሙ ዝንበሩ ዝጥፍእዎም ሰባት እዮም። ንሳቶም ድማ ገሊኦም ብህይወቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ክህልዉ ከለዉ ገሊኦም ድማ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ መይቶም ኢዮም። ስለዚ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራን ንሃገረ ኤርትራን እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ፡ ቅድሚ ምስላፉ እውን ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ስግኣታቶም ከም ዝነበሮም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክግለጽ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። እንተኾነ ግን በቲ ዝነበረ ናይ ሰውራ ቅልውላው ስለ ዝተሸፈነ ንብዙሓት ግሩሃት ኣደናጊርሉ እዩ። እቲ ካልኣይ ንሕና ኤርትራውያን ኣጸቢቕና ዘይነቓሕናሉ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዞባውን ኣህጉራውን ፍሕሶታት እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ዝያዳ ዝምልከቶ ደምበ ተቓውሞ ተጠርኒፉ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክገጥም ዘይምብቅዑ እዩ። እቲ ራብዓይ ነጥቢ ድማ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ደገ፥ ተቓዋማይ ይኹን ደጋፊ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተጽዕኖ ፈጢሩ፡ ሃገሩ ከድሕንን መሰሉ ከውሕስን ኣይተንቀሳቐሰን።

ንሕና ኤርትራውያን ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ነቲ ዝደልይዎ ሸርሕታት ንኽፍጽሙ ኤርትራ ነፍሳ ክኢላ ኣይተመሓድርን እያ ኢሎም ብቑተባ ኣዳኺመምዋ እዮም። ሎሚ እውን ብማዕዶ ኮይኖም ይኹን ብቐረባ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም ዝተበየነ ጉዳይ ዶብ ኣብ ክንዲ ክትግበር ዝጽዕሩ፥ 25 ኪሎሜተር መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከምዝኸውን ገይሮም በዚ ተስፋ ዝቖረጸ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ። እዚ ኹሉ ድማ፥ ኢሳያስ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሙ ከተግብር ዝተወፈየሉ ህያብ’ዩ ዝመስል።  እቲ ሽልማት ናይ ሰላም ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ፍሕሶታት ዘተግብር ስለዝኾነ ኢሳያስ እውን ተሸላሚ ኢዩ ንምባል፡ ካብቲ “ኣብ ክንዳይ ኰንካ ቃል ኣቕርበለይ” ዝበሎ ሓሊፉ እንታይ ጭብጢ ምቕራብ የድሊ። ስለዚ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ዓሳ መጻወድያ እንታይ ከምዘሎ ገና ክንበጽሖ ኣይከኣልናን እሞ ኣይንተሃመል።

ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ ይኸውን፡ ኣብቲ ሓድሽ ዕርክነት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊን ዝተጀመረሉ ግዜ፡ ወዮ ዲክታተር ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን፡ ኣይኮነንዶ ናይ መራሒ ሃገር፡ ናይ ሓደ ተራ ጥዑይ ሰብ ክትብሎ ዘይትኽእል መደረታት ኣስሚዑ ነይሩ። ኣብቲ መደረታቱ ቀንዲ ካብ ዘጉለሖም ሓረጋት ከኣ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ደጊም ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚርናዮ ዘለና ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ደማዊ ውግእ ኣይከሰርናን፡ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹ …..ወዘተ” ዝብሉ ነይሮም። ገለ ነዚ ሰሚዖም ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ደግፍቱ፡ “እዋእ መሊቑዎ እንተዘይኮይኑ ካብ ልቡ ኣይኮነን” ዝብል ግምት ነይርዎም። ንሱ ግና “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ናይ ብሓቀይ እየ” ብዝብል መሊቑዎ ዘይኮነስ ናይ ብሓቁ ምዃኑ ኣረጋጊጽሎም። ድሕሪ እዚ ካብ ቀደሙ እውን ብኣኡ ሕጉሳት ዘይነበሩ ኤርትራውያን፡ በዚ ብንዕቀትን ብደዐን ዝተላዕጠጠ መደርኡ ኣዝዮም ሓዚኖም። ምሕዛን ጥራይ ዘይኮነ ተቖጢዖም። እቲ ቁጠዐ ከኣ እነሆ ነቲ ኣንጻሩ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘህጥር ጭረሖ “ይኣክል” ተወሊዱ።

ከምቲ “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ኢሳይያስ ዘርባዕባዕ ምስ ተዓዘበ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣፉ መሊኡ፡ “ምናልባት ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይነ እንተሰራሕኩ ሓድሽ ከይኮነኩም ኢሳይያስ ሓላፍነት ሂቡኒ እዩ” ኢሉ። ዘረባ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤውሮጳ ከይዱ ክሳብ ብስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕላት ናይ ምኽታም ስጉምቲ ወሲዱ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ምርድኡ ብዘጸገም “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንኸውን” ዝብል በዚ መጸ ዘይተባህለ፡ ናይ ሕሳብ ቀጥዒ ኣስሚዑና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ በዚ ኣየብቀዐን፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ካለኣይ ንጉስ ምነሊክ ኣዲስ ኣበባ፡ መናፈሻ ኣስሪሑ ብ10 ጥቅምቲ 2019 ከመርቕ እንከሎ፡  መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓዲሙ፡ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ከላሊ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ምስበጸሐ            “ንኤርትራ ዝምልከት ኢሳይያስ ንስኻ ወኪልካ ቃል ኣስመዓለይ ኢሉኒ እዩ” ኢሉ ብስም ኤርትራ ከኣ በቲ ዝጥዕሞ ኣገባብ ሓጺር መደረ ኣስሚዑ።

ብዙሓት ነዚ ዝተዓዘቡ ወገናት ከኣ “ሕራይ ንሱስ ኣይምጻእ ስለምንታይ፡ ከምቲ መራሒ ጅቡቲ ዝገበሮ በቶም ናቱ ተለኣኽቲ ሚኒስተራትከ ዘይውከል?፥ ካብኡ ሓሊፉኸ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ኣንበሳድራት፡ ሰመረ ርእሶም ኣንበሳድር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ዶ/ር ኣርኣያ ደስታ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን እንዳሃለዉስ ብሓዲኦም ዘይውከል? ምናልባት ክሊትኦም እንተዘይሃለዉኸ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ ዝበሃል ኤምባሲ ዝተመደቡ፡ ኤርትራከ የለዉን ድዮም?” ዝብሉ ሕቶታት የቕርቡ ኣለዉ። ነዚ ሕቶዚ ዘቕርቡ ኤርትራውያን፡ ወዮ ዲክታቶር ካብቲ ሓንሳብ ዝጀመሮ ጽላለ ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ ዝብል ተስፋ ዝነበሮም እዮም። ነቶም ኮነ ኢሉ ኤርትራዊ ክብሪ ከራኽስ ዘንቀደ ንድሕሪት ዘይምለስ ዕብዳን ዘንጸላልዎ ዘሎ ምዃኑ እንግንዘብ ግና፡ በዚ ናይ ዶ/ር ኣብይ ናይ ውክልና መደረ “ወረ ጋና” ደኣ ንብል እምበር ኣይተገረምናን። ብዛዕባዚ ተረኽቦ ብዙሕ ከም ዝበሃል ርዱእ ኮይኑ፡ በቲ ፊትንፊት ዝረአ ትርጉሙ፡ ኢሳይያስ ካብዞም ዝጠቐስናዮም ኤርትራውያን ንዶ/ር ኣብይ ዝኣምንን ዘቕርብን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

እዚ ተግባር ብመጀመርያ፡ ከምቲ ሓደ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ተናዒቖም ህዝቢ ዘንዓቑ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “ እቲ ንመጀመሪያ ዝተሃርመ ውሳኔ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ውሳኔታት ኢዩ።” ዝበሎ፡ ነቶም ከም መራሒ ህግዲፍ “ናትና እዩ” ኢሎም ዝስዕብዎ ዘለዉ ወገናት ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ነቲ ፍረቃልሱን መስዋእቲ ደቁን ዝተጠልመ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ እዩ። ከምቲ “ዓሻ ሰበይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡  ደቁ ስለ ዘይሞቱ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ ከይኣኽሎ፡ ሎሚ ድማ ብኸምዚ ዓይነት ውርደት ክድብሶ እንከሎ መዓንጣኡ ዘይሓርርን ዘይሓፍርን ኤርትራዊ የለን ዝብል እምነት ኣለኒ። ናይ ወለዶ ሓረግ ብምምዛዝ ዘይኮነ፡ ብኣተሓሳስባ “ዲክታቶር ኢሳይያስ ኤርትራዊ ኣይኮነን” ምባል ነቲ ኩነታት ብግቡእ ዝገልጾ እምበር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጸለመ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ኩነታት፡ ከቢድ ንምቕያሩ ዝግበር ቃልሲ ከኣ መሪር ምዃኑ ዘመልክትን ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመናን እዩ። ኢሳይያስ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ሓሓሊፉ ዘይኤርትራዊ ማዕጾታት ይኩሕኩሕ ከም ዘሎ ዘመላኽት’ውን እዩ። ንኤርትራዊ ልኡላውነት እንዳጓሰየ ኣብ ከባቢና ስጋ ከም ዝረአየ ሽላ ክዝንቢ ዝውዕል ዘሎ እውን ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ ንሱ ርኹስ ዕላማኡ ንምዕዋት ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ንሕና ነዚ ክንምክቶ እንኽእል ከኣ፡ ናቱ ቆጺርካ ዘይውዳእ በደላት ብምጽብጻብ ዘይኮነ፡ ንዓና ዝምልከት ብምስራሕ ጥራይ እዩ። ስለዚ ብዙሓት ክንስና ሓደ ኮይና ክንትንስእ ኩነታት ደጋጊሙ ይጠልበና ከምዘሎ ነስተውዕል።

 

 

ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ዝርከብ ከተማ Image

 

ቱርኪ ነቲ ኣንጻር ኩርዳውያን ንእትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ፡ ኣሜሪካ ጸቕጢ ክትገብር ጻውዒት ይቀረብ ኣሎ።

ጸሓፊ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ማርከ ኣስፐር፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን እትወስዶ ዘላ ወደሃደራዊ መጥቃዕቲ "ሓደገና ሳዕቤን ከስዕበላ" ምዃኑ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ተሓዝ ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቨን ሙኒቺን'ውን ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ሓዲሽ እገዳ ክንበር ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።

ሰራዊት ቱርኪ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዘለው ቦታ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ እቲ ወግእ ተወሊዑ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ቱርክን ኩርዳውያንን ሰለማዊ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን፡ እቲ ወደሃደራዊ ስጉምቲ ክቕጽል ምኳኑ ሓቢሩ። ኩርዳውያን ብወገኖም፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ምስሓብ ሰራዊት ኣሜሪካ ''ከም ጥልመት'' ከምዝርእይዎ ገሊጾም።

ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ኣብ ጐኒ ኣመሪካ ብምስላፍ ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ክዋግኡ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኮባነ ዝብሃል ቦታ ዓስኪሩ ዘሎ ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ዓርቢ ምሸት ካብ መዳፍዕ ቱርኪ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ወሃብ ቃል ፐንታጎን ገሊጹ። በቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት ሓደ-ሚእቲ-ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ሰሜናዊ ሶርያ ከም ዝተፈናቐሉ ገሊጹ።

እቲ ብሮቡዕ፡ ብሰራዊት ቱርኪ ኣንጻር ኩርዳውያን ሓይልታት ዝተፈነወ ወታሃደራዊ ስርሒታት ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት እቲ ውድብ ጠቒሱ።

ዛጊት፡ 11 ሰላማውያን ሰባትን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓትን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኩርዳውያን ሓይልታት ኣውጺእካ ''ውሑስ ዞባ'' ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ይገልጽ።

ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣሻቂሉ ዘሎ ግና፡ ሃለዋት እቶም ብሓይልታት ኩርዲ ተማሪኾም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ተሓዪሮም ዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ዕጨኦም እንታይ ክኸውን'ዩ ዝብል እዩ።

እቲ ብኩርዳውያን ተቓለስቲ ዝቘመ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ካብ ኣጋር ሰራዊት ቱርክን ደብዳብ ነፈርትን ሓያል መጥቃዕቲ ይገጥሞ ከምዘሎ መዕከናት ዜና ዓለም ይሕብራ።

ክሳብ ሕጂ፤ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኩርዳውያን ሓይልታትን ብቱርኪ ዝደገፉ ዕጡቃትን ክሞቱ እንከለው፡ ሓደ ወተሃደር ቱርኪ ከምዝሞተን፡ ሰለስተ ካልኦት ከም ዝቆሰሉን ሰራዊት ቱርኪ ሓቢሩ።

በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ገዛውቶም ራሕሪሖም ይሃድሙ ከምዘሎው ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

እንታይ ዶ: ተሪፉና እዩ?

Saturday, 12 October 2019 09:57 Written by

ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ቅድሚ ኣማእት ዓመታት ዝነበሮ ሃለዋት፥ ሎሚ ኣብታ ኣፎይ ኢሉ ኣስተርሕዩ ክነብረላ ዝነበሮ ግዜ ናጽነት፡ ኣብ ኣዚዩ ዝኸፍአን፥ ዝመረርን ኩነት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብቲ ቀደምሲ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንህዝቢ ከብሳብስን፥ ኣርዒዱ ጂሆ ክሕዝን እትጽበዮ እዩ ነይሩ። ካብ መግዛእቲ እትጽበዮ መስተርሆት ስለ ዘየለ። ስለምንታይ ደኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብደቁ ክመሓደር ኣብ ዝጀመረሉ ካብቲ ናይ ግዜ ባዕዲ ዝኸፍአ ጭቆናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሕማቕ ምሕዳራን ዝሳቐ ዘሎ? ነፍሲ ውከፍ ኤርትራዊ ነዛ ሕቶ እዚኣ ክምልስ ክበቅዕ ኣለዎ። ድሕሪዚ እቲ መፍትሒ እንታይ ክኸውን ከምዝለዎ ክሓስበሉ ይግባእ።

ኤርትራ ሃገርና ደጊም ኣብ ጉዳይ ሓንቲ ዝተረፋ የብላን። ህዝቢ ብገዛእ ገንዘቡ ብቁንጣሮ ክስለዓሉ ካብ ዝተገብረ፡ ህዝቢ ጠምዩ ዘዕንግሎ ካብ ሰኣነ፥ ሓሚሙ ዝሕከመሉ ሃዋህው ካብ ዘየለ፡ እንታይ ተሪፍዎ ደኣ ክንብል ንኽእል። እታ ሃገር ብቑጠባ ከይትብልጽግ ኣብቲ ድሕሪ 1952 ዝነበረቶ ኣዝየኡ ዝደሓረ ምንቁልቋል እያ ትርከብ ዘላ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ፥ እታ ራኢ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኢድ እቲ ተካኢ ወለዶ ክንሳ፡ እግሪ ዝተኸለ ዘበለ ናብ ስድት የምርሕ ኣሎ። እዚ ከኣ ነታ ሃገር ደው ዘብላ ዓንዲ ይፈርስ ምህላው ዘመስክር እዩ።  ሃገር ብዘይ መንእሰያት ማለት ዘራእቲ ተሓሪሱ እቶት ዘይብሉ ቀውዒ ከም ማለት እዩ። እቲ ተካኢ ወለዶ ንርእሱን ነታ ሃገርን ህዝባን ናብ ዝሓሸ ከሰጋግር ዝኽእል ሓይልን ጉልበትን ዝውንን እዩ።

እዚ ማለት ግን መንእሰይ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዋጋ ከምዘይብሎም ገይሩ ዝርዳእን ከቆናጽብን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ተካእቲ ወለዶ፡ ነቲ ሓላፍነት ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክቕበልን ሓላፍነት ክወስድን ክጽዕሩ ይግበኦ። እዚ ተካኢ ወለዶ ዝበሃል ዘሎ  በቲ ንሱ ዘርከበሉ መድረኽ ናይ ምህዞን ምርምርን ኣቢሉ ነቲ በቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝተሰርሐ ታሪኽ ክመዝንን ክፈርድን እንተኮይኑ ግን ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መድረኽ ከምዘለዎ ዘይምፍላጥ እዩ። መንእሰይ ወለዶ ንሃገሩን ህዝቡን ጠንጢኑ ንስደት ሃጽ ክብል ከሎ፥ ንሃገሩን ህዝቡን ንሓዋሩ ክርስዕ ኣይግበኦን። ዋላ እውን እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጉድለታትን ኣሉታታን እንተሃለወ፡ ብኡ ኣመሳሚሱ ኣብ ክንዲ ነታ ናቱ ራህዋ፡ ረብሓን ቅሳነትን መጻኢ ዕድሉ ዝሃንጸላ ሃገር ንኽምስርት  ብምሕሳብን ክቅላስን እዩ ዝግባእ። ወያ ሃገር ኣናተዳኸመት ትኸይድ ከምዘላ እናረኣየ፥ ካብቲ ድኽመት እቲ ከውጽኣ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ምስቶም ቀዳሞት ኣያታቱ ጥራይ ክቆራቘስ እንተኾይኑ ግን መፍቶ እቲ መላኺ ስርዓትን ጥራይ እዩ ክኽውን።

ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ናተይ እትብሎም ብጉልባብ ግዳማውን ዞባውን ዛዕባታት ነቐዝ ኮይኖማ፡ ዝደኸመት ሃገር ንኽትክውን ፍሕሶታትን ሸርሕታትን ይመሃዛ ከምዘሎ ክርደኣና ይግባእ። መጀመርያ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስማዊ ስርዓት፡ እንታይ ተልእኾ ከምዘለዎ’ኳ እንተዘይፈለጥናዮ፥ ግን ድማ እቲ ምልክታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣድኪኻ፥ እታ ሃገር ኣብ መዳያት ቁጠባውን ማሕበራውን ከምዘይትምዕብል ይገብራ ከምዘሎ ዝሕብር ወስታታት ንዕዘብ ኣለና።

እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት  በቲ ባዕሉ ዝወለዖ ኲናት ፍርቂ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ገይሩ፥ ህዝብና ሓሪሱ ከይዕንገል ዝፈጠሮ ሓደ ውዲት እዩ። እቲ ካልኣይ ውዲት ድማ፥ ዋላ’ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዶብ ንኸይሕንጸጽ ጅሆ እንተሓዘቶ፥ ኣብ ክንዲ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ክትግበር ኣለዎ ኢሉ ዝንቀሳቐስ፡ ኪኖ ዶብ ክንጥምት ኣሎና ብዝብል ሸፈጥ ተፈላሲፉልና። ካብዚ ዝገደደ ድማ ንኣብይ ኣሕመድ ወኪለካ ኣሎኹ ንዝበሎ ድማ፥ ትማሊ ኣብ ናይ ፓርክ ምረቓ ኣብ ክንዳይ ኰንካ ክትዛረብ ወኪለካ ኣለኹ ኢሉ ምድጋሙ እዛ ኤርትራስ እንታይ ደኣ ተሪፍዋዶ ኣየብልን።

መንእሰይ ዓዱ ጠንጢኑ ካብ ወጸ፥ ኤርትራ ብቑጠባ መሬት ካብ ዘበጠት፥ እቲ ተካኢ ወለዶ ድማ ምስ ቅድሚኡ ዝነበሩ ወለዱ ክነሓናሕን ክጻረፍን ኢትዮጵያ ድማ ብቑጠባን ብዓለም ለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ርኽክባታን ኣማዕቢላ ጸላዊት ሃገር ንኽትከውን ትጽዕር ኣላ። ስለዚ መጻኢ ዕድል ኤርትራ እንታይ ኮነ ክኸውን እዩ? እቲ ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተፈርደን፡ ዝምልከት ዶብ ንምሕንጻጽ’ውን ቅሩበንት ካብዘይሃለወን፥ ቀስ ብቐስ ጉዳይ ዶብ ክርሳዕ ደኣ እንታይ ተሪፍዎ።

ቃልስና ሕቶ ወለዶ ድዩ?

Thursday, 10 October 2019 09:33 Written by

 ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ከም ህዝቢ ኩሉ ግዜ ዝነብር ስለዘየለ፡ እቲ ዝተወልደ ይዓቢ ይኣርግ ይመውት እዚ ዝነበረን ዘሎን እዩ።

ኣብ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከም ኣብነት እንተወሲድና ብፍላይ ምስ ምምጻእ ግዝኣት ኢንግሊዝ ኣብ 1941 ድሕሪ ስዕረት መግዛእቲ ጥልያን፡ ነቲ ዝነበረ ወለዶ ናብ ቃልሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝዛዘወን ዘበገሰን ነይሩ።  ነቲ ድሕሪ 20 ዓመት ዝተወለዐ ሰውራ ኤርትራ መንጸፍ እውን ንሱ እዩ ነይሩ። እቲ ንመግዛእቲ እንግሊዝን ምምሕዳር ፈደረሽን ዝተቓለሰ ወለዶ እውን ብሓቒ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን።

ሓደ ወለዶ ነቲ ዝተረከቦን ዝጸንሖን ኩነታ ክቕይር እዩ ዝደሊ። እዚ ነቲ ንሱ ከም ተካኢ ወለዶ ዘልዕሎ ሓሳብን ዘጓንፎ ዕንቕፋታትን ንምእላይ ዝገብሮ ኣብ ሚዛን ብምእታው እዩ ዝትግበር እንተተባህለ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ምልስ እንተ ኢልና  ናይ ገድሊ ወለዶ ዝብሎ ሓደ ካብ'ቲ ቐንዲ ዝጠመቶ ክእርሞ ዝተበገሰ ነቲ ኣብ ግዜ ፈደረሽን “እወ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ” ንዝብል ኣደራዕ ከም መበገሲኡ ኢዩ ወሲድዎ። ብእኡ መሰረት ከኣ እቲ ናይ ትማሊ ወለዶ ኤርትራ ከም ሃገር ክትከውን ዝኸፈልና ንኽፈል ባዕዲ ከልግስ ዘለዎ እዩ ኢሉ።

ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ እቲ ዝተደልየ ማለት ንኤርትራ ነጻን ልዕላዊትን ሃገር ናይ ምግባር መስርሕ  ተደምዲሙ። ጎድኒ ጎድኒ ናይ እቲ ቐዳማይ ዕላማ ኣብ'ታ እትፍጠር ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንኽኸውን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ እቲ ዝቕበል ወይ ተካኢ ወለዶ ዝቕጽሎ መስርሕ እዩ ነይሩ።

ሎሚ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ እንኸዶ ዘለና መንገዲ ንበይኑ ሓደ ወለዶ ጥራይ ዘካይዶ ቓልሲ ኣይኮነን። ብከምኡ ክኸይድ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ብባህሪቲ ቃልሲ ወለዶታት እናተሓጋገዙን እናተማሃሃሩን ነቲ ዘጋጥም ኩነታት ስለ ዝምክትዎ። ኣብዛ ዘለናያ ኩነታት እንተጠሚትና እቲ ዝጐበዘን ዝሸምገለን ዝኣረገን ማለት  እቲ መንእሰይን እቲ ዝዓቢ ዘሎን እናተጸላለዉ እዮም ዝጐዓዙ።

እንበኣር ሎሚ “ይኣክል” እንብሎ ዘለና፡ ናይ ሓደ ወለዶ ዕማም እዩ ወይ ንሓደ ወለዶ ጥራሕ ዝምልከት እዩ  ምባል ዝዓበየ  ጌጋ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ብሂል ዝደግሙ ስለዘለዉ ብህድኣት ምክታዕን ምምይያጥን የድልየና ኣሎ። ንሱ እዩ ድማ ነቲ ዘፈላልየና “ይኣክል” እንብለሉ።

ልክዕ እዩ ከም ሓደ ኣባል ናይቶም ናይ ገድሊ ወለዶ፡ እቲ ንዓና ዝትክእ ወለዶ ነቲ ግድነት ኮይንዎ ዝቕበሎ ሓላፍነትን ሕድርን ተሰኪሙን ነቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ተመክሮ ቀሲሙን ነቲ ሓላፍነት ክስከሞ፥ እንተዘይከኣለ ድማ እቲ ዝስዕቦ መንእሰይ ወለዶ ክትክኦ ምዃኑ ከይዘንጋዕኩ፡ እቲ ነቲ መንእሰይ፡ “ምስ እዞም ዓበይትን ኣረግቶትን ኣይትኺድ” ዝብል ርእይቶታት ቅቡል ኮይኑ ኣይረኣየንን። ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ድማ ንሕና እቶም ናይ ገድሊ ወለዶ ኢና ኣብ'ዚ ሕማቕ ኩነታት ኣውዲቕናዮ ዘለና ነዚ መንእሰይ።  ስርዓት ኢሰያስ ብዓብይኡ ኮይኑ ንሓና እውን እጃም ኣለና። ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዝግበር መስርሕ እምበኣር፡ ንሕና እቶም ናይ ትማል ወለዶ ነታ “ምልኪ ምልጋስ” እትብል እንተረኣናያ ጽቡቕ እዩ። እታ ናብ ድሞክራሲ ምሰጋገር ዘረጋግጻ ግን እቲ ተካኢ ወለዶ ምዃኑ ይኣመን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ፡ ናጻ ሃገር ዝወነነ፡ ባዕዳዊ መግዝእቲ ኤትዮጵያ ካብ ሃገሩ ምስ ሰጎገ ኢዩ። ቅድሚኡ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ወይ ብሙሉኡ ወይ ብከፊል እናተገዝአ ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ፡ ሙሉእ ኤርትራ ሓደ ማእከላይ መንግስቲ መስሪቱ ክገዝእ ዝኸኣለ መንግስቲ ኢጣልያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ካብዚ እዋን'ዚ ንደሓር ኢያ ድማ ኤርትራ፡ ከምተን ካልኦት ሃገራት፡ ከም ውጽኢት ኮሎኒያልዝም ሃገር ክትከውን ዝኽኣለት፡፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ምምጻእ ገዛእቲ ከከም ባህሉን ቦታኡን ብሕግታቱ ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ገዛእቲ ግን፡ መለለይ መንነቱ ክድምስስዎ ስለዝነበሮም፡ ከዘውትሮን ከማዕብሎን ኣይገበርዎን። ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምምሕዳር፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቖሪኑ፡ ተመሪሑ ክኸይድ'ምበር ርእሱ ከመሓድር ኣይተፈቕደሉን። ስለዚ ባዕዳውያን ካብቲ ቀንዲ ዝቐተልዎ ትሕዝቶ ሃገር፡ ህዝብና ዝነበሮ ናይ ምምሕዳር ክእለትን ባህልን ኢዩ ኔሩ። ባዕዳውያን ንዝገዝእዎ ህዝቢ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብር፡ ዝበልዎ ጥራይ ዝፍጽም ክኸውን ካብቲ ኣውራ ዝሰርሑሉ ጉዳይ ኢዩ። ህዝብና ፋሽስቲ ጣልያን ኣብ ዝወልዖ ኩናት፡ ናይ እቶን ሓዊ ክኸውን ተቐሲቡ ተወሲዱ ግዳይ ሞትን ህልቀትን ኮይኑ ኢዩ። መግዝእቲ ኢትይጵያ ድማ፡ መለለይ መንነት ህዝብና ንዝነበረ ምዕቡል ባህልን ስልጡን ምሕደራን ንክድምሰስ ዝከኣሎ ገይሩ ኢዩ።

ኤርትራ ነጻ ምስ ኮነት፡ እቲ ባዕዳውያን ሒዘሞ ዝነበሩ ስርዓተ ምሕደራ፡ ኣብ ኢድ ደቁ ምስ ኣተወ፡ ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ብባዕዳውያን ዝተነፍጎ ርእሱ ናይ ምምራሕ መሰላት ክረኽቦ ሙሉእ እምነት ኢዩ ኔርዎ። ተልእኾን መብጽዓን፡ ናይቶም ናጽነት ሒዞምሉ ዝመጹ ደቁ ውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ህዝባዊ መንግስቲ ከነቕዉም ኢና፡ ህዝብና ዝርብሓሉ ስርዓተ-ምሕደራ ክንተከል ኢና ኢዩ ዝበሃል ነይሩ። ኣብ መንጎ ህዝብን ተጋደልትን፡ እዚ ሓድ-ሕድ ምትእምማን ስለዝነበረ ኢዩ ውን፡ ህዝቢ ነቲ ነጻነታዊ ተጋድሎ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተቓለሰሉ።

ንህዝባዊ ግምባር፡ ብፍላይ ኣብቲ ዳሕረዋይ ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ህዝቢ መሪሑ ጉዕዞ ሃገራዊ ናጽነት ምዝዛሙ ክብሪ ኣውሂብዎ ኢዩ። ነዚ ካብ ቅኑዕ ሚዛን ዝነቐለ ኣኽብሮት ናይ ህዝቢ ግን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ መዝሚዝዎ። ንግደ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ከናኣእሶ ድማ ተራእዩ። ዲክታቶር ኢሰያስ ከይሓፈረ ነዚ ክብል ተሰሚዑ "ንቀልዓለም ክንብል እንተዘይኮኑ፡ ነዚ ሃገር ናጻ ዝገበሮ በይኑ ህዝባዊ ግምባር ኢዩ" ብምባል ንተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ኣቆናጺቡ።

ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ክቐውም ከሎ፡ እቲ ንመጀመሪያ ዝተሃርመ ውሳኔ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ውሳኔታት ኢዩ። ኤርትራ ብኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝመሓደር መንግስቲ ክህልዋ ዝተውሰነ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ውሳነ'ዚ ቀንዲ ከኽብርዎን ክሕለቕሉን ዝነበሮም ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባርን ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብን ኢዮም ነይሮም። ነቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣብ 20 ሰነ 1991 "ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን" ዝበሎ፡ ንመትከል ምምስራት ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝጻረር ኣባሃህላ ክቃወሙስ ይትረፍ ክነቕፍዎ ውን ኣይከኣሉን። እዚ ዘመልክቶ ድማ፡ ሃገር ምስ ሓዙ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነቶም ፍጹም  ከም ዝደርበዩ ኢዩ።  ንኢሰያስ ሃገር ድላዩ ክገብራ ዘይተመልእ ቸክ ከምዘረከብዎ ኢዩ ድማ ዝቑጸር።

ንዲክታቶር ኢሰያስ፡ ንሰበ-ስልጣናቱን፡ መሳርሕቱን ብናይ ንዕቀት መንገዲ ክሕዞም ዝገበሮ ባዕሎም እቶም ሰበ-ስልጣናት ኢዮም። እቶም ክሳብ ሕጂ ምስኡ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ትካላት ክፍርስ፡ ሓባራዊ ውሳኔታት ክጥሕስ፡ መሳርሕቱ ክኣስር ትም ኢሎም ክርእይዎ እንተኾይኖም፡ ነዚ ኣሰራርሓ'ዚ ከም ንቡር ኣመራርሓ ሃገር ክኸውን ምፍቃዶም ኢዩ ዘመልክት።

በዚ ከኣ፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ እቲ ናይ መጀመርያ ንዕቀቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣናቱን መሳርሕቱን ኢዩ ጀሚርዎን ኣዘውቲርዎን። ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ ብዘይ ሓጋውን ትካላውን ኣገባብ ክሰርሕ፡ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ ተቐቢለሞ ኢዮም። እቲ ንዕኦም ዘይንቡር ዝኸውን፡ ሕጋዊ ትካላዊ ጠባይ ዘለዎ ኣሰራርሕ ክረአ ከሎ ኢዩ። ብምግራም ኢዮም ድማ፡ "ወዲ ኣፈወርቂ ድኣ እንታይ ሓሲቡ ኢዩ" ብማለት ነታ ሕጋዊት ኣሰራርሓ ይፈርሕዋን ይጠራጠሩላን። እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ስልጣኖም ኣሕሊፎም ከምዝሃቡን፡ ብክንድኡ ድማ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊኦም ንዕቀት ከምዘለዎን ዘገምት ኢዩ። ክሳብ ብጽፍዒት ዝልእኮም ሰብ-ስልጣናት ከምዘለዉ ተደጋጊሙ ዝንገር ኢዩ።

ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ንሰበ-ስልጣናቱን መሳርሕቱን ብክንድዚ ካብ ነዓቐ፡ ንታሕተዎት ኣካላትን ሓመደርቲ ሓፋሽ ህዝብን ክሰምዕን ከኽብርን ከመይ ኣቢልካ ትጽቢት ክግበረሉ። እቶም ለውጢ ክድግፉ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ፡ ሰበ-ስልጣናትን ላዕለዎት ሓለፍትን መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ድንን ኢሎም ምኻድ ነቲ ለውጢ ብዓቢ ጎዲእዎ ከምዘሎ ሓቂ ነገር ኢዩ። ነቲ ናይ ኢሰያስ ኣመራርሓ ኣሚኖምሉ ይኸዱ ከምዘየለው፡ ከናፍሮም ክረማጥጡን "ምስ መን ኮንካ'ሞ ክግበር"፡ "ከምዚ ኢልካ ክንበር ኣይክእልን ኢዩ" ክብሉ ይስምዑ ኢዮም።

ህዝብና ሰማዕን ኣማንን ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ውን፡ ኣብ ትሕቲ ነዊሕ መግዛእቲ ዝጸንሐ፡ ርእሱ ናይ ምምሕዳር ርእሰ-ተኣማንነት ገና ዘየጥረየ ህዝቢ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ስለዚ ከኣ ኣብ መራሕቱ ክህልዎ ዝኽእል እምነት ዓቢ ክኽውን ከምዝኽእል ስነ-መጎታዊ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ በደልን፡ ናብራ ህዝቢ ከማሓይሽ ብዘይምኽኣሉን ከም መራሒ ተጸሊኡ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ'ቶም ካለኦት ሰብ-ስልጣናት ዘለዎ ጽልኢ ግን ብክንዲቲ ኣብ ልዕሊ ኢስያስ ዘለዎ ዘይክኸውን ይኽእል። ደሓር ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ኢዩ "ጌርዎ"፡ "ኢልዎ" እናበሉ ሓላፍነት ዝወስድሉ ነገር ስለዘየለ ተጸላእቲ ዘይክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ህዝቢ ተጸላእቲ እንተ ዘይኮይኖም ድማ፡ ንለውጢ ትጽቢት ዝግበረሎም  ክኾኑ ይኽእሉ። ብመራሒኦም ክብሪ ዘይረኸቡ፡ ኩርሲ ስልጣን ንክሕዙ ጥራይ ዝተመደቡ ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ፡ ንዘይሕጎስሉ ናብራ ንክነብሩ ብዋጋ ዝብደል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታ መሪጾም ምቕጻሎም፡ ከም ዝኸፍአ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኢዮም።

ስለዚ፡ ከምቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኮይኖም፡ ክሓምዩን ከዕዘምዝሙን ኣብ ክንዲ ዝውዕሉ፡ ዘለዎም ቦታን ሓላፍነትን ንምኽሓስ ዝተበደለ ህዝቢ ከውዕልዎ እዋኑ ሎሚ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ካብ ዘእትዋ ጀሚሩ ኣሉታውን እወታውን ጐንታት ነይርዎ። እቲ እወታዊ ጎንታቱ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ፥ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝነበረ ክሳብ ዓስርተ ክልተ ክፍሊ ኣፍቂዱ። ከምኡ እውን ፖለቲካውያን ማሕበራት ንኽምስረታ ኣፍቂዱ። እቲ ኣሉታዊ ጎኑ ድማ፥ ኩሉ ዝነበረ ናይ ፋብሪካታት ይኹን ካልእ ቁጠባዊ ትካላት ቀንጢጡ ሸይጡ። ኣብ ህዝቢ’ውን ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዕግርግርን ዘይምስምማዕን ክፈጥር ብዙሕ ጽዒሩ ግን ኣይኮነሉን።

እተን ኣብ ግዜ እንግሊዝ ዝተፈጥራ ፖለቲካውያን ማሕበራት፥ ዋላ እኳ ንናይ ዲሞክራሲያዊ ኣንፈት መሰረት ኤርትራ ካብቲ ብጣልያንን እንግሊዝን ዝተፈጥረ ፍልልያት ኣብ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣተወ፡ ንሱ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታ ክጭብጭብ ጀመረ። ይኹን እምበር እዚ ፖለቲካዊ ምዕብልና በቲ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪን ምስኡ ተጐዝጒዙን ንሱ ዝምውሎን “ሰልፊ ኣንድነት”ምፍጣሩ፥ ተሰማዕነት ስለዝነበሮ ነቲ ሰልፍታት ቅሳነት ከልኦ። ከምኡ ኣውን ደገፍ ናይ ሓያላን ሃገራት ስለዝረኸበ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ኣእትዩ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ጠቅላይ ግዛኣት ኢትዮጵያ ክገበራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከፋፊልዎ እዩ። ካብቲ ግዜ ጀሚሩ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ እናዓዀዀ ዝስጉም ዝንበረ ዲሞክራስያዊ ተግባራት ንድሕሪት መለሶ።

ኣብቲ እዋን እቲ እምበኣር ራቢጣን ኣድነትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተመቕለ። እቲ ሕማቑ ድማ እቲ ራቢጣ ነስላም እቲ ኣንድነት ድማ ንክርስትያን ዝውክል ኮይኑ ኣብ ህዝቢ ሰረጸ እሞ እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ዝመስል ኮነ። እዚ ብወገኑ ነቲ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት ሰንከልከል ክብል’ኳ እንተኸኣለን፥ ናብቲ ድሕር ኢሉ ዝተፈጥረ ማሕበር ሸውዓተ ከንጸባርቕ እንተፈተነን፥ ማሕበር ሸውዓተ ግን ነቲ ፍልልያት ከጻብቦ በቒዑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እስላምን ክርስትያንን ብሓደ ኮይኖም ኣብ ማሕበር ሸውዓተ ኣባል ዘይነበረ ኤርትራዊ ብዙሕ ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ግደ ህዝቢ በቲ ዝነበሮ ስምዒት ነተን ክልተ ሰልፍታት ራቢጣ ኣልእስላሚያን ኣንድነትን ዘምጽኦ መዘዝ መዚኑ ኣይፋልኩምን ክብል ስለዘይከኣለ ግና እቲ ምፍንንጫል ዕላማ ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክዕወት ኣይከኣለን።

ቀጺሉ እቲ ብ1961 ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ  ዕላማ ብርግጽ ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ከምዝነበረ ማንም ዝኽሕዶ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ብዘይተጸንዐ ዝብል ግን ማናልባት እቲ ማሕበር ሸውዓተ ጀሚርዎ ዝነበረ ኣገባብ ብስምምዕ ተደምዲሙ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ናይ ክርስትያንን እስላምን ዝመስል ውደባ ኣይምተራእየን ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምምስራታ ዝበዝሐ ስሩዕ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ብምኽንያት ብረታዊ ቃልሲ ምእዋጅ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዛዘወ። ከምኡ እውን ደሕሪ ገለ ዓመታት ማሕበር ሸውዓተ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ ንሜዳ ወጸ። ነዚ ሓይሊ እዚ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1965 ደምሰሰቶ። እዚ እቲ ካልኣይ ምፍንጫል ሰውራ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ እውን እቲ ህዝቢ ግደ ስለዘይነበሮ “ትጋገዩ ኣሎኹም” ኢሉ ክነቅፍ ኣይከኣለን። እንታይ ደኣ ምስቲ ሓይሊ ዝሓዘ ደው በለ። ገለ ድማ ኣንጻር ተሓኤ ኮነ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወዮ እቲ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማለት ብሰንኪ ምሕደራ ዝተረኽበ ፍልልያት ሰለስተ ክፋላት  ተፈንጨሉ። ንሳቶም ድማ ብሳበ ዝምራሕ፥ ብኣደም ሳልሕ ዝምራሕ፥ ብኢሰያስ ዝምራሕ ኮይኖም ደሓር ብህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተመስረተ ውድብ ዝኾኑ እዮም።

ከምዚ እናበለ ድማ እቲ ቀዳማይ ውግእ ሓድሕድ ተጀመረ። ኣብዚ እውን ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ተራ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ኩሉ ነናቱ ስሩዓትን ተደናገጽትን ሰዓብትን ስለዘለውዎ። ድሒሩ ግና ኣብ 1974 ህዝቢ ንኽልቲኤን ውድባት ከቀራርብ ፈቲኑ እንተኾነ ኣይሰለጠን። ቀጺሉ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብህዝባዊ ግምባርን፥ ህዝባዊ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝብል ኣብ ክልተ ተፈንጨሉ። ብድሕሪዚ ሜዳ ኤርትራ ብክልተ ወድባት ተሓኤን ህግሓኤን ተባሕተ። ይኹን እምበር እቲ መን ዓብለለ ቁርቊስ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሰላማዊን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ክንዲ ዝሕዝ ናብ ጎነጽ ገጹ ኣድሃበ። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ንስልጣን መንጨበጠ ኣብ ዝብል ስለዝተመርኰሰ ግድን ኢዩ ሓደ ውድብ ክጠፍእ። በዚ መልክዕ ድማ እቲ ካልኣይ ውግእ ሓደ ሕድ ተባረዐ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ በቲ ሓደ ወገን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝባዊ ግምባርን ህዝባዊ ወያኔን ተሰለፉ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ መንጎ ኣትዩ ከገላግል ኣይፈተነን። ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ ተመኩሮ ስለ ዘየድመዐ።

ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ኣብ መጻኢ’ውን እዚ ምፍንጫል እዚ ደው ዝብል ኣይመስልን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ህዝቢ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ስለዘይተሰከመ ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ህዝቢ ዘዝኣምነሉ ሸነኽ ስለ ዝህልዎ፥ ነታ ናቱ ኢሉ ዝኣምነላ ሸነኽ ክትዕወት ካብ ዝብል ዝሓድሮ ባህጊ  ሓደ ምኽንያት ምፍንጫል ዝስስነሉ እዩ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተወደበ ሓይሊ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብን ድሌትን ኣለዎ። እዚ እምበኣር ኣብ ሓደ ሰልፍን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ናይ ሓሳብ ቁርቊስን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ክረአን ባህሪያውን ክውገድ ዘይከኣልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከከም ናይ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ክብን ለጠቕን ዝብለሉን፥ ተጽዋርነትን፥ ብዲሞራሲያዊ መንገዲ ተማእዛዝነትን፥ ንፍልልያት ብስልጡን ኣገባብ ምምእካሉን ክሳብ ዘይተረጋገጸ እምበኣር ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ህዝቢ ነቲ ዝፍንጨል “ኣይፋልካን ንሕና ውን ኣይክንስዕበካን ኢና” ስለ ዘይብል፡ እቲ ምፍንጫል ተቐባልነት ይረክብ ብምህላው እዩ ምፍንጫል ደው ዘይብል። እቲ ዘገርም ከኣ ትፍንጨል እሞ ምልስ ኢልካ ንዛተ ትብል።

 

ኤርትራውያን ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ዘተኣማምን ቅሳነት ዘይነበሮ ምንባሩን ምዃኑን ፍሉጥ እዩ። እዚ ዘይቅሱን ህይወት መልክዑ እንዳቐያየረ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ኣሎ። ኤርትራውያን ነዚ ንሓንሳብ ብናይ ባዕዲ ወረርቲ ንሓንሳብ ድማ ብዘቤታዊ ጨቆንቲ ከጋጥሞ ዝጸንሐ በደል፡ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ሓንጐፋይ ኢሉ ኣይተቐበሎን። ከም መግለጺ ሓንጐፋይ ዘይምባሉ ከኣ፡ እነሆ ነቲ ምእንቲ ሓርነቱ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመሮ ቃልሱ ይቕጽሎ ኣሎ። ንመጻኢ እውን ዋላ ግዜ ይብላዕ፡ ክሳብ ዓወት ወለዶ ካብ ወለዶ እንዳተቐባበለ ክቕጽሎ እዩ።

ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ በደል መግዛእታዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትዝርዝሮ ዘሳቕቕ ሕሱም እዩ ነይሩ። እንተኾነ ኤርትራውያን ብሕሰም እቲ መሪር መግዛእቲ ከይተንበርከኹ ክቃለስዎ ጸኒሖም። ቃልሶም ከኣ፡ ዕዉት እምበር ተንበርካኽን ሰንባድን ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ከኣ ናይዚ ትብዓት፡ ጅግንነትን ጹረትን ውጽኢት እዩ። ድሕሪ ናጽነት መልክዑን ስሙን ቀይሩ፡ ብትሕዝቶ ግና ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ህግደፋዊ መከራ ወሪዱ። ናይቲ “ኤርትራ መሬትና እምበር ህዝባስ ኣየድልየናን” ኢሉ ዝጠለመ ሓይሊ መግዛእቲ ተግባር ፍሉጥ ነይሩ። ካብ ገዛእቲ ከኣ፡ ወጽዓ እምበር ራህዋ ኣይትጽበን። ኣብቲ እዋን እቲ ምርጫ ንጹር ነይሩ፡ ነቲ መግዛእቲ ብቓልሲ ምጉሓፉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ብግብሪ ንካለኦት’ውን ኣብነት ብዝኾነ ደረጃ ኣረጋጊጽዎ።

ካብቲ “ናተይ“ እትብሎ፡ ከም ናይ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ዝወርድ ዕሉል ወጽዓን ጥልመትን ግና፡ ህዝብና ከምዘይቅበሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ከም ዘስደምሞ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ወለድና “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝብልዎ፡ ካብቲ ናተይ እተብሎ፡ ባዕልኻ ናብ ስልጣን ዘብቃዕካዮን ብደም ደቅኻ ዝጠለለን ወገን ከምዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ መዓት ክወርደካ እንከሎ ግና፡ ትቃለሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ መዓንጣኻ ዘሕርር እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ህግዲፍ ንስዉኣት ደቆም፡ ከምቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ክብሪ ዝህቦም እንዳመሰሎም፡ ንህግዲፍ ምትንካፍ ማለት ደም ስዉኣት ምርኻስን ሕድሮም ምጥላምን እንዳመሰሎም ንህግዲፍ ዘይግበኦ ክብሪ ሂቦም ናብ ንቡር ክምለስ ተጸብየምዎ እዮም። ህግዲፍ ግና ሓንሳብ እቲ ናይ ጽቡቕ መሕሰቢኡ ስለ ዝመኸነን ንትዕግስትን ምጽማምን ህዝብና “ናይ ሕመቕ” ገይሩ ስለ ዝወሰዶ በቲ ቅድም ዘንቀዶ ጽሉል መንገዲ ይዕንድር ኣሎ። ሎሚ ግና ብዙሓት ስዉኣት ደቆም ከም ዝተጠልሙ ዝተረድኡ ኤርትራውያን  ደጊም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይተኣምን ግና ተመለስ” ኢሎም ዓው ኢሎም ኣንጻር ህግዲፍ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ቅድሚ ሕያሎ ዓመታት ዋላ ውሑዳት እንተነበርና፡ በቲ ሓደ ወገን ገበንን ግፍዕን ህግዲፍ ከነቃልዕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ድሕሪቲ ዘይተርፍ ውድቀት ህግዲፍ ዘለና ምርጫ ከነረድእ ጽዒርና ኢና። ኣብቲ ፈለማ ግዜ ህግዲፍ ጓህማም ክነሱ፡ ዝነክስ ኣስናን ዘለዎ መሲሉ ብምቕራቡ ንብዙሓት ኣጋግዩ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ንነዊሕ ግዜ ዕረ ክነሱ፡ ብዘይምቅር መዓር ተቐቢኡ ክቐርብ ዝጸንሐ ባዶ መብጸዓታት ህግዲፍ፡ ርሑቕ ከይከድካ ብተግባሩ ተቓሊዑ እዩ። እነሆ ከኣ ከም ውጽኢቱ ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ “ህግዲፍ በል ከይትሕመል” ዝብሉ ዝነበሩ ቀራናቱ  ከይተረፉ፡ ግዜን ተመኩሮን መምሃራን እዮም እሞ፡ ንህግዲፍ ብዓሚቕ ጣዕሳ “ፎእ” ይብልዎ ኣለዉ።

ገበናት ህግዲፍ እንታይ ከም ዝነበረን ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎን በብኣጋጣሚኡ ብሰፊሑ ገሊጽናዮ ኢና። ብኣንጻሩ ነዚ ዘይቅዱስ ተግባራት ህግዲፍ ንምዕጻፍ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን ምስ ሰናይ ድኽመታቱ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ገሊጽናዮ ኢና። ኣብዚ ዛዕባዚ ዘይተፈንቀለ እምኒ የለን። ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ሎሚ ኮይና ክንመዝኖ እንከለና፡ ሓያሎይ ድኽመታት ከም እንረክብ ውሁብ እዩ። ነቲ ሕጽረታት ተረዲእና፡ ነቲ ዝኾነ ንድሕሪት ክንመልሶ ከምዘይንኽእል ከኣ ፍሉጥ እዩ። እቲ  ግጉይ ተመኩሮ ዳግማይ ከምዘይድገም ምግባር ግና ይከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ወድባዊ፡ ሰልፋውን  ጽላላውን   ጽፍሕታት ክሳብ ሕጂ ዝፈጸምናዮ ሕጽረት ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። እወ ዝገደፈልና ስንብራት ቀሊል ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመታትና፡ መምህር ስለ ዝኾነ ክንመሃረሉ እሞ ዳግማይ ከምዘይንስንብር ክንገብር ይግበኣና።

ካብ ተመኩሮና ንክንመሃር ካብቲ ዝጸናሕናዮ ወጺእና፡ ካብዚ ዘለናዮ ሕልኽልኽ ዘውጽእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከነሕድር ኣለና። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብእኩብ ብደረጃ ሰልፊ፡ ውድብን ማሕበርን ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ሰባት በብዓቕሞም እውን ኣብ ምርግጋጹ ነናቶም ሓላፍነት ኣለዎም። ምኽንያቱ እዞም ዝጠቐስናዮም ኣካላት እኩብ ድምር ናይ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እዮም። ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ነብሱ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ዘየጥረየ ሰብ ሰልፉ ድዩ ውድቡ ኣብ ምሕዳስ ኣበርክቶ ኣይህልዎን እዩ። ተመኩሮና ተመሊስና ክንድህስስ እንከለና፡ ኣውንታን ኣሉታን ከም እንረክብ ንቡር እዩ። ኣብ መጻኢ ከነድምዕ ከኣ ነቲ ኣሉታ ከነወግድን ነቲ ኣውንታ ከነራጉድን ክንቃለስ ይግበኣና። ንድሕሪት ምምላስ ጸሊእና፡ ንተመኩሮና ኣብ ክንዲ ንመሃረሉ፡ መሊስና ከነነውሮን ክንጓስዮን እንተጺዒርና ግና ውጽኢትና መኽሰብ ዘየብሉ ናይ ዜሮ ድምር እዩ ክኸውን።

“ተመኩሮ መምህር እዩ” ዝብል ምሳልያዊ ጥቕሲ፡ ኣብዚ ከነካይዶ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣስካሕካሒ ተመኩሮ ላምፓዱሳን፡ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ ነበርን ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ኣዛራብቲ ዛዕባታት ኮይኖም ቀንዮም። ምውራስ ኣብያተ-ሕክምናን ትምህርት ካቶሉካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እውን ከምኡ። እቲ ቁምነገር ነቲ ዝሓለፈ ተግባራት ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ዘይድገመሉ ብልሃት ምፍጣር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ተመኩሮና እንተዘይተማሂርና፡ እቲ ሎሚ መመሊሱ ዘስገድግደና ዘሎ ተግባር ህግዲፍ ናይ ምድጋም ዕድል ኣለዎ። 

3 ኦክተውበር 2019

ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኔታንያሁ Image copyright MENAHEM KAHANA

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ኔታንያሁ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ናብ እስራኤል ብምብጻሕ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ገሊጹ'ሎ።

ነታንያሁ ነዚ ዝገለጸ፡ ንጎስጓስ መረጻ ኣብ ዝተዘርገሐ ሓጺር ቪድዮ እዩ።

እቲ ቪድዮ ኣብ ወግዓዊ ፌስቡክ ናይቲ ነታንያሁ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድ ዝተጠቀዐ ኮይኑ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ምስ እትጉስጉስ ሓንቲ ንጥፍቲ ኣባል ናይቲ ፓርቲ እንትዘራረብ ዘርእይ እዩ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ናብ ኤርትራ ክጥረዝሉ ዝኽእሉ "ጽቡቕ ምህዞ" ብምቕራብ ክሕግዞ ከምዝኽእል ከምዝገለጸሉ እዩ ዝዛረብ።

"ኣብዪ ኣሕመድ ንወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን 'ምስ ኤርትራ ሰላም ከምዝፈጠርኩ ትፈልጥ ኢኻ። [ስደተኛታት] ብጽቡቕ ኩነታት ናብ ኤርትራ ክትመልሰሉ እትኽእል ዘበናዊ ውጥን ኣብ ምምጻእ ክሕግዘካ እኽእል እየ' ኢሉኒ" ይብል ኔታንያሁ።

እዚ ድማ፡ ንእስራኤል ቅድሚ ሕጂ ዘይነበራ ሓድሽ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ነታንያሁ ገሊጹ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ'ዚ ርእይቶ ንምርካብ ንጽዕር'ኳ እንተሃለና፡ ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።

ንገለ ትሕዝቶ ናይቲ ምስ ኣብዪ ዝገበሮ ዘተ ክገልጽ ከምዘይክእል ዝተዛረበ ነታንያሁ፡ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ንምጥራዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ከምዘረጋገጸሉ ግን ገሊጹ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 23 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣለዉ። ካብዚኦም፡ ብወግዒ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ እቶም 16 ሽሕ ምዃኖም ይግለጽ።

ሕቶ ዑቕበኦም ተቐባልነት ዝረኸበ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ተቓውሞ ዘጓነፎ ኮይኑ፡ 'እቶም ዝተቓወሙኒ ኤርትራውያን እዮም' ምባሉ ከዛራርብ ጸኒሑ እዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49917799