ሶማሊላንድን ብኣኣ ዝግደስ ሰነተር ክሩዝን

ኣሜሪካዊ ሰነተር ተድ ክሩዝ፡ ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ናብ ፕረሲዳንት ትራምፕ ደብዳበ ከም ዝጸሓፈ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ኣቦመንበር ንኡስ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታትን ግሎባላዊ ፖሊሲ ጥዕናን ዝኾነ ሰነተር ነዚ ዘፍለጠ ብ15 ነሃሰ 2025 እዩ።

እቲ ሰነተር ኣብቲ ደብዳበኡ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር  ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ዛዕባ ኮይኑ ቀሪቡ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኣኣ ኣቢልካ ናይ ኣሜሪካ ጸጥታዊ ረብሓ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋጽ ከም ዝከኣል ኣዘኻኺሩ። ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ኣደን ተጸጊዓ ኣብ ጐኒ’ቲ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መተሓላለፊ መራክብ  ከም እትርከብ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ ሶማሊላንድ ኣብ ምቁጽጻር ዞባዊ ራዕድን ናይ መራክብ ምጭዋይን ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከበርክት ዝኽእል ብቑዕ ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘለዋ ከኣ ኣፍሊጡ። እታ ንእሽቶ ሃገር መሓዛ ኣሜሪካ ንከይትኸውን ዝጻብእዋ ብዙሓት ወገናት ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ቻይና ብሰንክቲ ምስ ታይዋን ዘለዋ ጸገም ሃገር ክትከውን ከምዘይትደልያ  ኣስፊሩ።

እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ተጻብኦታት፡ ሶማሊላንድ መሓዛ ኣሜሪካ ንክትክውን ትብዓትን ቅሩብነትን ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ብመንጽርቲ ፈጠርቲ ራዕዲ ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልስን ኣብ ቁጠባዊ መዳይን ምስ ኣሜሪካ ንክትመሓዞ ድልውቲ ከምዘላ ሓቢሩ፡ እዚ ቅሩብነታ ብግብሪ ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ ናይ ሃገርነት ደረጃኣ ንክሕለወላ እጽውዕ  ኣለኹ  ኢሉ።

ኣብ 1960 ሃገር ኮይና ነይራ ክነሳ፡ ብውሳነኣ ምስ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተጸንበረት ሶማሊላንድ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ መምዘንታት ኣማሊኣን ካብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ዝበሃል ምርጭታት እናካየደትን፡ ከም ሃገር ኣፍልጦ ናይ ምርካባን ዘይምርካባን ዛዕባ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መራሒኣ ዓብደራሕማን መሓመድ “ዒሮ”፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ሓበሬታ’ውን ኣሎ።

መልእኽቲ ኤልዲለ

ናብ ፖሓኤ ( ፈስቲቫል ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር )

ፍራንክፈርት ጀርመን

ብቀዳምነት ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሕውነታዊ ሰላምታና ንክሉ መሪህነትን ኣባላት ፖሎቲካዊ  ሓልታት ኤርትራ፡ መሪህነትን አባላት ኤርትራ ማሕበር አብ ጀርመን ንኩሉ ተጋባኢ ብሽም ኤርታራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራሳዊ ለውጢ ንቀርብ።

ብምቅጻል እዚ ሎሚ ትገብርዎ ዘሎኩም ፈስቲቫልን ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ከም ትማሊ ሎምውን ዕውት ከምዝከውን ባዕል ሙልእ ተስፋ ኢና።

ዝከበርኩም ፖሓኤን ተጋባአቲ ከምንፈልጦ  ሰርዓት ሕግደፍ አብ ፍልልያት ተቃለስቲ እዩ ዝነብር፡ ነዚ ጮቃኒ ስርዓት ንምእላይ እንቲ እንኮ ምርጫ ሐድነት ተቃለስትን ሕዝብን ምፍጣር እዩ። ከም ተቃለስቲ  ፍታሕን አካል  ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ብዙሕ ዘተሓለለ ጻዕሪ ዝተገብሮ አብ መንጎ ኤልዲለን ፖሓኤ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎ ሀገራዊ ሓይሊ ምፍጣር  አብ ዝላዓለ ብራኸ ብጽሑ ዘሎ አብ መፈጸምትኡ ንክበጽሕ ናይ ኩሉና ተቃለስቲ ሓልታት ኤርትራ ጻዓርን ውህደት ምፍጣር እዩ።

ብምቅጻል አብዚ እዋን እዚ ናይ ከባብና ጂኦ-ፖሎቲክስ አብ ሐደገኛ ተአፋፊ ኩነታት  አብ  ዝላዓለ ጠርዚ ብጽሑ አሎ፡ ክሉ ደላይ ፍትሒ ብፍላይ ክአ አብዝላዕለ ምትእክካብ ዘሎና ኤልዲል ፡ ባይቶ፡ ፖሓኤን ወዘተ ናይ ህዝቢ ሐላፍነት ተሸክምና ስለዘሎና ብሓባር ንክንምክቶ አብዚ ፈት ተጋባአቲ  ጻውዕትናናን ምሕጸንታትና ብሽም  ኤልዲለ ነቅርብ።

ኣብ መወዳእታ ኩሉ አባል ፖሓኤ ተጋባቲ ጽን እልኩም ንዝሰማዕኩምና ባአክብሮት ብሽም ኤልዲል ነመስግን። ብተውሳኪ እውን እዚ ፈስትቫልን ሀገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ዕውት ንክከውን ደግምና ሰናይ ትሚኒታና ንገልጽ።

ውድቀት ንሕግደፍ

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

አብርሀም ተወልደ ተኪኤ

አባል ማእከላዊ መርሕነትን አፈኛ ኤልዲለ

ነሐሰ 2/2025

ካናዳ

ዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር  ፖ ሓ ኤ  ብጻይ ገብረእግዚኣቤር   ተወልደ  !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታትን  ኣባላትን  ፖ ሓ  ኤ ፡

ዝከበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ  ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤትርራ 2025 እንሆ ጽቡቅ ዕድልን ተስፋን  እቲ ናይ ንግሆ ሕልምን ጠለብን ትጽቢትን ህዝብና ዝኾነን ዘሎን ሓድነት ፖሊትካውያን ሓይልታት ኤርትራ እምነ መሰረት  ሓድነት ኣቀሚጡ  ሓደ ስጉምቲ  ንቅድሚት ሰጉሙ፡ ሓደ  መሪሕነት ኣቂሙ ንኩሉ ዝሓቁፍ ጽላል ኣብ ሓጺር ጊዜ  ክምስረት  ብሓባር  ከቃልሱና ብምስምማዖም እንቃዕ  ደስ በለና ኢልና ኣብ መኽፈቲ  ሓባራዊ ፈስቲቫልና ናይ 2024  ብስራት ሂበ ነይረ ኮይኑ ግና ከመይ ከይዱን  ኣበይ በጺሑ ኣሎን ሎሚ  ክንሕበር ብተስፋ ይጽበ !!! ደጊመ

መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ፖ. ሓ. ኤ. እንቃዕ ብሰላምን ብጥዕናን ኣራኸበና ጠባይ ናይ ቃሲ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣጆኹም ኣጆና ክንዕወት ኢና !!!

  ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል  ፡

በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ብሓድነት  ንሓርነት !!! ዝብል ቅኑዕን ልክዕን ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ጽንኩር ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብዉልቀ መላኺ ኣረሚን ስርዓት  ዝወርዶ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ኣኽቲሙን  ተኣልዩን  ሓርነት ንምልባስ  ቅዋማዊ ስርዓት ተኺሉ ብሰላም ዝነብረሉ ንምዕዋት ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ  ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና  ደጊምና ደጋኢምና ነቅርብ !!!!

እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተሓኤ መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ  ኮይኑ ሎሚ  እንሆ መበል 39 ዓመትና ኮይኑ ፥ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ብፍሉይ ክብርን ኣገናዕን ነባሪ ታሪኽ ኣመዝጊብኩም ኢኹም  ኩርዑ ብልቢ ከኣ ነመስግነኩም ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ጽኑዓት  መሰረታት ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን  ተሳተፊቲ በዓልናን !!!

እወ እንሆ ዕዉት ዋዕላን ኣካይድና ዝሙገስ እካ እንተኾነ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት  ብህርኩት ዉፍይ ተሳታፍነት ክሳብ ጊዜ ዕረፍቱ ኣብ ዓራት ኮይኑ ኣጆኹም እናበለ ዝተቃለሰ ብጻይና ዓንደጽዮን ግርማይን ኣፋኒና ፣ ምሳኡ እውን ኣቦ መንበር ኮይኑ ፈስቲቫላትና ዝመርሕ ዝነበረ  ዉፍይ ስዉእ ተስፋማርያም ክብረኣብ ። ቅድሚኡ እውን  ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ክሳብ መስዋእቱ  ብጥዑም ድምጺ ሳክሰፎን ክራር በዓላትና ክኸፍተልና  ዝለምድናዮሓውና ኣለም ኣሰፋው ዕንባባ ፡ ሓውና እዮብ ሃይለ ሓውና ሃይለ ኣብ ዉራይና ዘይፍለዩ ዝነበሩ  ዉፉያት ፡ ብጻይና ኣረፋይነ እስቱፋኖስ ፡ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ፡ ብጻይ ፍርሓ ገረማርያን ሓወቦይ፡ ብጻይ ኣልኣዛር ቀለተ ፡ ጋዜጠኛ ስዉእ ሑሰን ዓሊ፣ ስዉእ ተጋዳካይ ዓብዶ ኢብራሂም ሕጂ  ምጽብጻቦም ስለ ዘጸግም ሓያሎ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ መቃልስቲ እውን ዝኸሰርናዮ ኣሎዉ ሞ   ፣  ንኽብሮም ናይሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ደቂቅ ብመዝሙር ስዉኣት ንዘክሮም ሓፍ ንበል    ።  ነቲ ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ዕላማ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል ካብዚ  መድረኽ  እዚ መንግስተሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና  ኣናኣማሓላለፍና ፡ ቅሰኑ ይብል።  ብሕማምን ዕድመ ናይ ምድፋእን  ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ዉፉያት  ኣብ ዘሎዉዎ ኮይኖም ዝካታተሉና ብጾትን እውን ኣሎዉና ፍሉይ ናይ ቃልሲ ሰላምታ ብስምኩም ይብጽሓዮም።

ክቡራትን ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳተፍቲ ሓባርዊ ፈስቲቫል 2025 ፡

ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ  ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።

  ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየ እናሰምዔ እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነትብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ  ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም  ክሳብ ሕጂ ትም፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ኣይከሰርናን ፡ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ሕጂ እውን ማእሰርቲ ኣቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባን ፣ ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 34 ዓመታት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ዓገብ ዘይምባሉ ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ? ? ?

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-

ከምቲ ኣሕዋትና ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን  ኣብ  ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝኽሪ መበል34 ዓመት ነጻነት ህገርና ዘማሓላልፎኣኦ ረዚን መልእኽቲ .  ። ። ።

ሃገርና እንደገና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ከይትኣቱ ኩልና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓደ

ድምጺ እምቢ ንውግእ እወ ንሰላም ኢልና ብሓባር ክንላዓል ንጽዉዕ !!!  ዝበሎኦ ጸዊዒ ብድርብ ንድግፎ`።

ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ፡ ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 34 ዓመታት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና ፡  ስለዚ እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኢድ ኮና ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ?  ኣሕዋት ኣባላት ይኣክልን ብርገድ ብሓመዱን ብዘይ ዉዓል ሕደር ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስማር ሓባራዊ ግንባር ኣቁምኩም ብቅልጡፍ  ንህግደፍ ምልጋስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ ኣሎ !!! ከምቲ ኣቦ ወንበር ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ 34 ዝኽሪ በዓል ነጻነት ዘቅረቦ ጸዊዒት  በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ ዝበሎ ኣነ እውን ብድርብን ብህጹጽን ብስምኩም ይጽውዕ።

ሕጂ እውን

ብሓድነት ንሓርነት  !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ውድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ።

ፍራንክፎ ርት 02.08.2025

ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ገረዝጊሄር ተወልደ

ዝኸበርካ ምክትል ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ያሲን መሓመድ ዓብደላ

ዝኸበርካ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይት ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ዮውሃንስ ኣስመላሽ

ዝኸበርኩም ወከልትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ

ዝኸብርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ፈስቲቫል 2025

እዚ ብስም ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ከምኡ‘ ውን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ኣብ ፍራክፉርት ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል 2025 ፍሉይ ዝገብሮ ፡ ድሕሪ ሓባራዊ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2024 ንካልኣይ እዋን ምጽንባሉ እዩ።

ስለ‘እዚ እምበኣር እንቛዕ ኣብዚ ኣብጸሓና፡ እንቛዕ ከኣ ብደሓን መጻእኩም።

ፈስቲቫልና ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ፡

ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝኸፍኤ ማሕበራዉን ፖለተኢካዉን ዲፕሎማስያዉን ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፥

ኣብ ደገ ዝርከብ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝግመት፡ ገለ ሸነኽ ምስ ገባቲ ስርዓት ደው ኢሉ ኣብ በዓላቱን ፈስቲቫላቱን ክካፈልን ክስዕስዕን ከጣቅዕን እንከሎ፥

ዝበዝሔ ክፋል ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ናይ ኣብ በለጽን ጥቅምን ዝተመርኮሰ ናይ ሱቅ መርገጽ ሒዙ፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንዕዘብ ኣሎና።

ተመኩሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ መጀመርያ 70ታት ተመሊስና እንተረኤና፡ ህዝብን መንእሰይን ኤርትራ ብብዝሒ ኣብ ቃልሲ ምስ ተኻፈለ እዩ እተን ዝነበራ ዉዱባት  - ምስ ኩሉ ድኽመታተን - ክዓብያን ክዕወታን ክኢለን። እዚ ተኻፋልነት ህዝቢ እዩ‘ውን ናጽነት ኤርትራ ብ 1991 ዘምጸኤ።

ሕጂ‘ዉን እንተኾነ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ፡ ደንበ ተቃዉሞ ፍትሕን ዲሞክራስን ከምጽእ ኣይክእልን እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ደንበ ተቃዉሞ ድኽመታት ከምዘልውዎ ኩላትና ንመዝኖ ጉዳይ እዩ። ተኻፋልነት ህዝቢ ግን ንቅድሚት ክደፍኦን ብኣዉንታ ክጸልዎን ይኽእል እዩ።

እቲ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ሃገራዉነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘቀሙጡ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ይረኣዩ ምህላዎም፡

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣዳኺምካ፡ ብኡ መሰረት ድማ ንልዑላዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ንምውራድ፡ ዝርኣዩ ፈተነታት ብጎራብቲ ሓይልታትን ሃገራትን ንዕዘብ ኣሎና። 

ስለዚ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ እዞም ኣብዚ ፈስቲቫል 2025 ንርከብን ብሓፈሽኡ ድማ ደንበ ተቃዉሞ ንርከብን፡ ንሃገራውነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝዕቅብ ክኸዉን ጻዕሪ ዘድልዮ ናይ ኩላትና ቃልሲ እዩ።

እምበኣር ፈስቲቫል 2025 በዚ መንፈስ ተበጊሱ፡ ኣብ ዲሞክራስን ኣብ ፍትሕን  ክጋባእን ክበዓልን ተስፋ ይገብር።

ፍትሕን ዲሞክራስን ንሃገርና

/ ኣክሊሉ ግርማይ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሰናዳእቲ ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2025  

ዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ኤርትራ!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2025!

ንባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ኣብ ፈስቲቫልኩም ንኽትሳተፍ ብዝገበርኩምልና ዕድመ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምስጋናኣ ተቕርብ። ናብ‘ዚ ክቡር ፈስቲቫልኩም ብኣካል ምሳኹም ንኽንውዕል ባህጊና እኳ እንተነበረ፡ ብስራሕን ካልኦት ኣቐዲሞም ዝተታሕዙ ጉዳያትን ግን ክጥዕም ስለዘይተኻእለ እንሆ ሓጺር ናይ ምሕዝነት ቃልና ብጽሑፍ ነቕርብ።

ናይ ሎም ዓመት ፈስቲቫልኩም ዓለምና ኣዝያ ኣብ እትህወጸሉ ዘላ ህሞት፡ ሓዲሽ  ፖሊቲካዊ ምግልባጥን ምሕዝነታትን ዝርኣየሉ ዘሎ ኢዩ ዝሰላሰል ዘሎ። ኣብ ከም‘ዚ ዝኣምሰለ ንሃገርና ኤርትራ እውን ዝሓወሰ፡ ተሃዋሲ፡ በዳሂ፡ ዓመጽን ግፍዕን እናሳዕረረ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ከም‘ዚ ዓይነት ህዝባዊ ርክብ፡ ብዛዕባኡ ንምምይያጥ ዕድል ስለ ዝኸፍት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

ዝተፈላለያ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምኡ`ውን ዝተፈለየ ርእይቶ ንዝውክሉ ዉልቀ-ሰባት ናብ ሓደ መኣዲ-ዘተ ብምምጻእ ብዛዕባ ህሉውን መጻኢን ጒዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምምይያጥ ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት  ንምንዳይን ንምርካብን ዝወሰድኩሞ ተበግሶ ኣዝዩ ዝነኣድ‘ዩ።

ምስሳንን ምብርታዕን በርጌሳውያን ማሕበራት እምነ-መሰረት ናይ ሓደ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብን መንግስትን ኢዩ። ዕላማ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝኾኑ ምንቅስቃሳትን ከምኡ‘ውን ፖሊቲካውያን ውድባት ከኣ ሓንቲ ብሕጊ እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንኽትህሉው ኢዩ። ሓደ ኣብ ዓመጽ ዝተመስረተ ስርዓት በኣንጻሩ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምዘይስስና ጥራይ ዘይኮነስ ከምዘይህሉዋ እውን ኢዩ ዝገብር። ብኩራት ግደን ተራን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝንቀሳቐሳ ናይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ከኣ እዚ ኣብ መብዛሕተን ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ብቐረባ እውን ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ እንርእዮ ዘለና ሓቂ ኢዩ ሳዕብየናቱ።

እምበኣርከስ እዚ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ተሳትፎ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽትቅጽሉዎ ኣገዳስነት ኣሎው። ሃብታም ናይ ቃልሲ ተሞኩሮን ዓቕምን ከምዘሎኩም መጠን ከኣ እንተላይ እውን ምስ ኩለን ወይ ዝብዝሓ ፖሊቲካውያን ሓይሊታት ብምትሕብባር ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ወይ ጽላል ንምቛም ብዝያዳ ንኽትጽዕርሉ ናይ‘ዚ እዋን ጠለብ ኢዩ‘ሞ ንኽትደፍእሉ ትጽቢትናን ሓደራናን እዩ።

ጥምረት ናይ ተቓለስቲ ንፍትሒ ምስ ዝረጋግጽ ኢዩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ዝኾኖ፡ እቲ ጨቁኑ ሒዙዎ ዘሎ ጒጅለ ህግደፍ ከኣ ብቐንዱ ዝስዓር ኣብ መዋዳእታኡ ክኣ ሓንቲ ፍትሓዊትን ዲሞክራያዊትን ኤርትራ ክንምስርት እንኽእል።

ኣብ መደምድምታ ኩላትና ኣብ ዘዘለናዮን በብዝጥዕመናን ግን ክኣ እናተወሃሃድና ኣድማዒ በርጌሳዊ እጃምና ነበርክት። ከምኡ እንተጌርና ኣብ መወዳእታ ከምእንዕወት ጥርጥር የልቦን እሞ ኣይንሕመቕ።

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝመንጨወ ጥርናፈ ወይ እውን በርጌሳዊ ማሕበር ኢዩ። ኣብ‘ቲ ዝርከቦ ቦታን ከባብን እውን ምስ ዝተፈላለዩ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲከኛታትን እናተራኸበ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ከቃልሕን፣ ብመጠኑ ባህልን ስነጥበብን ሃገርና ከላልን ጽኒሑን ኣሎን።

ዕዉት ፈስቲቫል ንምነየልኩም

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን

02-08-2025

የመናውያን ኣብ መስርሕ ምግፋፍ ዓሳ

ኤርትራ 53 ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትፈትሕ እንከላ፡ ጉጅለ ሑቲ የመን ብወገኑ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሑ 7 ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ “የመን ኦን ላይን (YEMEN ONLINE)” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ሓበሬታ ነዚ ዝገለጸት፡ ኣብ የመን ኣውራጃ ሑደይዳ ዝርከቡ ሓለፍቲ ብምጥቃስ፡ ብ28 ሓምለ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና እዩ።

እቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝተወስደ ምልቃቕ እሱራት፡ ብናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ መንጎኝነት ብዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት መሰረት ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ከባቢ ደሴት ሓኒሽ ብኤርትራውያን ሓለውቲ ዶብ ዝተታሕዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ኤርትራውያን ወተሃደራት ከኣ ኣብዚ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ዘሰሓሕብ ከባቢ፡ ምቁጽጻር የካይዱ ብዝነበሩ ናይ ሑቲ ወተሃደራት ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቶም የመናውያን ተፈቲሖም ኣብ ሃገሮም ወረዳ ካውካሽ በጺሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ማእሰርቶም ኣብ ኤርትራ መውቃዕትን ምውራስ ጀላቡን ካልእ መግፈፊ ናውትን ዘኸተለ ከቢድ ከም ዝነበረ ምግላጾም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ኩሉቲ ክእሰሩ እንከለዉ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረት ተወሪሱ ብዘይካ ዝለበስዎ ክዳን ጥራይ ኢዶም ምምላሶም ምሕባሮም’ውን ተገሊጹ። እዚ ክስተት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ናይ ባሕሪ ምስሕሓባት ከም ዘጋድዶ ከኣ ተጠቒሱ።

ብ17 ታሕሳስ 1995 ኣብ ደሴት ሓንሽ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ንሰለስተ መዓልታት ናይ “ይግበኣኒ” ውግእ ተኻይዱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ጉዳይ ብ3 ጥቅምቲ 1996 ናብ ቀዋሚ ናይ ዕርቂ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።  እቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ቀዋሚ ቤት ፍርዲ ድማ ናይ ክልቲኦም ወገናት ክርክር ሰሚዑ ብ9 ጥቅምቲ ብ1998 ደሴት ሓኒሽ ግዝኣት የመን ንክኸውን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ትግራይ 9 ዝኣባላቱ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ (command post) ከም ዝቖመ ኣፍሪቃ ኢንተልጀንስ (African Intelligence) ዝተባህለት ማዕከን ዜና  ኣፍሊጣ። ናይዚ ኮማድ ፖስት ኣባላት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ መሪሕነት ህወሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተዋጽኡ እዮም። ናይዚ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ ኣካል ኣቦመንበር ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ናይታ ኣባልነታ ተሰሪዙ ዘሎ ውድብ ህወሓት ክኸውን እንከሎ፡ ምክትሉ ከኣ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዩ።

እቶም ካለኦት ኣባላት ናይቲ መእዘዚ ማእከል፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄርን ዶር ኣብረሃም ተኸስተን ካብ ህወሓት፡ ጅነራል ፍሰሃ ኪዳኑ (ፍሰሃ ማንጁስ)፡ ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ ጀነራል ሃይለስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)ን ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ (ጆን መዲድ)ን ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ኣብ መስርሕ ምምስራት ዘሎ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ከተማ መቐለ ዋና ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ መርበብ ሓበሬታ ቲክቫህ ኢትዮጵያ (tikvah Ethiopia) ኣፍሊጣ። ኣብ ርእሲቲ ናይ መቐለ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ’ውን ጨንፈር ከም ዝኽፈተን እቲ መስርሕ ኣብ ካለኦት ዞባታት፡ ወረዳታትን ቀበለታትን ትግራይ’ውን ከም ዝቕጽል እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ውድብ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሃሰ ወግዓዊ መስራቲ ጉባአ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከይዶም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣቢሉ ናብ ትግራይ ክመሓላለፈሉ  ካብ  ዘመሓላለፎ በዓል 8 ነጥብታት መልእኽቲ፡ ወሓት ሕጋዊ ውድብ ስለዘይኮነ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ደው ክብል፡ ህወሓት ምስ ሻዕብያ ዝገብሮ ዘሎ ርክብ ደው ከብልኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ዝውውር ሰብን ዝተዋፈሩ ሓዊሱ ምስ ፋኖ እናተራኸቡ ሰላም ዝዘርጉ ጀነራላት ንፌደራል መንግስቲ ኣሕሊፍኻ ክወሃቡ፡ ህወሓት ካብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክወፅእን ማሕተምን ቢሮን ንዝምልከቶም ኣካላት ከረክብ።” ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ብ18 ሓምለ 2025 ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድኳ እንተተራኸቡ ዝርዝር መዘራረቢኦም ግና ንመድያታት ዕጽዊ ስለ ዝነበረ ኣይተፈልጠን።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመክሊቱ፥ ንመሓመድ ዓብዱሰላም ባብክር፡ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ሒዝዎ ዝጸንሐ ዕማም ወይ ሓላፍነት ክቕጽሎ ምውሳኑ፡ ዓወት ንደለይትን ተጣበቕትን ንፍትሒ ብሓደ ሸነኽ፥ ዓቢ ጽፍዒት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ኩሎም ብራዕድን ጭቇንን ንህዝቦም ዝገዝኡ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዓለምን ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ኢዩ ኰይኑ።

እዚ ከኣ፡ ንተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዲሞክራስያውያን ሃገራትን ከካይድዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዘተባብዕን ንኹሎም ኣንጻር ጭቆና ክቃለሱ ዝጸንሑ ሸነኻት ብሓፈሻ  ዓቢ ዓወት ክኸውን እንከሎ፥ ብኻልእ ገጹ ከኣ፡ ኣብ ግዳም ንዘለዋ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ከጋጥመን ንዝጸንሐ ብድሆታት ተጻዊረን ናብ’ዚ ዓወት’ዚ ምብጽሐን ዓቢ ብስራት ኢዩ።  

እዚ ተበግሶ’ዚ ዓቢ ኣህጉራዊ ደገፍ ንኽረክብ፡ ናብ 26 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀና ሃገራት፡ ንተመዚዙ ዝጸንሐ ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሓላፍነቱ ከሐድሳሉን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ከኣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸቕጥታት ክገብራን ዝጽውዕ ወግዓዊ መልእኽትታትን መጸዋዕታን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ ኢዩ።

ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ፡ ብስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝፍጸሙ ዓበይቲ ግህሰታት ንምክትታልን ንምምዝጋብን ክቕጽል ብሓደ ሸነኽ፥ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ንዝነጥፉ ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ድማ ዋሕስነቶም ንምርግጋጽ ዝሕግዝን ክኸውን ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

8 ሓምለ 2025