ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝያዳ ክደጋገማ ዝስመዓ ብሂላት ወይ ሓረጋት “መቃለሲ ቦታ” እትብል ሓንቲ ምንባራ ዝዝከር‘ዩ። መቃለሲ ቦታ ክበሃል እንከሎ ኣብ ኣተረጓጉማ ምምንጣል ከም ዝነበረ‘ውን ርዱእ ኮይኑ፡ “ፖለቲካዊ ዕማምካ ንምዕዋት እትመርጾ መዋፈሪ ወይ መንጠሪ ከባቢ” ምባሉ ሓፈሻዊ ግንዛበ ዝህብ ይመስለና። እዚ ባይታዚ ኣብ ምምራጽ ወይ ኣብ ምውሳን ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ምእታው ድማ የድሊ። ደረጃ ስፍሓትካ፡ ቃልሲ እተካይደሉ ዘለኻ መድረኽ፥ እትምርሓሉ መትከላትን፥ ዘቐመጥካዮ ናይ ዓወት ሸቶን መዋፈሪ ባይታኻ ክትመርጽ እንከለኻ ነናይ ገዛእ ርእሶም ተጽዕኖ ኣለዎም። ንኣብነት ከም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ገዛእ መሬትካ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን፡ ከምዚ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ዘለናዮ ሃለዋት ካብ ሃገርካ ወጻኢ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን ነዚ ኣመራርጻኻ ካብ ዝጸልውዎ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ኣብቲ ትቃለሰሉ ዘለኻ እዋን ዘሎ ባህሪ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት እውን ከምኡ ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። ደሓር ከኣ መቃለሲ ባይታ ንስኻ በይንኻ ጥራይ ትመርጾ ዘይኮነ፡ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቕደልካ ኣካል ክውስኖ እውን ይኽእል‘ዩ።
ኣብ ተመኩሮ ብረታዊ ቃልስና፡ ቀንዲ መዋፈርታትና ኣብ ገዛእ ሃገርና፡ ሓራ ኣብ ዘውጻእናዮም እስትራተጅያዊ ቦታታት ከም ዝነበረ ኣይንርሰዖን ኢና። ኣብቲ እዋንቲ እቲ ጐሊሑ ዝረአ ዝነበረ መምዘኒ ናይቲ ትመርጾ ከባቢ ኣቀማምጣን መጻንዕን ኮይኑ ወተሃደራዊ መዐቀኒ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነትን’ውን ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እዚ ከም መንጠሪ እትመርጾ ናይ ቃልሲ ቦታ፡ መዕቆቢ ጥራይ ዘይኮነ እምነ-መሰረት ህዝባዊ ውደባ እተንብረሉ’ውን ስለ ዝኾነ። እዚ መቃለሲ ቦታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ምስ ናይ ወጻኢ መቃለሲ ባይታ’ውን ምምግጋብ ዝነበሮ እዩ። ማለት ንዲፕሎማሲያዊ ባይታ መባእታዊ ኣንፈት ዝንበረሉ ስለ ዝነበረ። ሽዑ ኣብ መንጎ ናይ ሜዳ መንጠሪ ቦታታትን ሃገረ-ሱዳንን ዝነበረ ምትእስሳር ናይዚ ኣብነት እዩ።
መቃለሲ ቦታ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ባዕልኻ ነጻ ኣውጺእካ ኣብ ዝተቖጻጸርካዮ ከባቢ፡ እቲ እትደልዮ መምዘንታት ምስ ኣመላኣልካ ናይ ካልእ ኣካል ጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ከይተጸበኻ ባዕልኻ እትውስኖ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ሎሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ሃገርና ወጻኢ ዘለናሉ ሃለዋት ግና መቃለሲ ቦታ ክትመርጽ እንከለኻ፡ ናትካ ድሌትን ምርጫን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ከም መቃለሲ ቦታ ዝመረጽካዮ ሉኣላዊ ሃገር መንግስትን ህዝብን ጽቡቕ ድሌት እንተዘይተወሲኽዎ ከም ድላይካ እትገብሮ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣለና። እቲ ዝመረጽካዮ ሃገር ወይ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ከፍቅደልካ እንከሎ ካብ ግብረ-ሰናይነት ወይ ሰብኣውነት ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ናቱ ፖለቲካዊ ረብሓን ሕሳባትን’ውን ከም ዝነቅል ብብዙሕ ተመኩሮ ዝተመስከረ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ሓደ ሃገር ንናይ ኤርትራ ደንበ ተቓውሞ ከም መቃለሲ ባይታ ክፈቅድን ክተሓጋገዝን እንከሎ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ዝምድና ዓብይ ጽልዋ እዩ ዝህልዎ።
ሓደ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን የመንን ኣብ ደሴት ሕነሽ ውግእ ተኻይዱ። ኣብቲ እዋን‘ቲ ዝተወሰና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሰንዓ ቤት ጽሕፈት ክሳብ ዘኽፍት ምድግጋፋት ረኺበን ነይረን። ከምኡ እውን ከምቲ ኩልና ዘይንዝንገዖ፡ መነኦም ነይሩ እቲ ጠንቂ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን ዝምድናኦም ርጉእ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ናይ ዝምድናኦም ዘይርጉእነት ኣብ ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን እውን የንጸባረቕ ነይሩ። ኣብ መንጎ እተን መንግስታት ደሓን ዝምድና ክህልው እንከሎ፡ ቦታ ተቓወምቲ ውድባት ይጸብብ ነይሩ። ይጸብብ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ተቓለስትና ግዳይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝኾንሉ ኣጋጣምታት’ውን ነይሩ። ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት እቲ ዝምድና ክሕርፍፍ እንከሎ ከኣ ሜዳ ተቓወምቲ ውድባት ይሰፍሕ። ዝምድና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝጸነሐ ዝምድናታት ዝጸላሎን ብሓፍዞቛት ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ከም ዝበጸሐን ዝከሓድ ኣይኮነን።
መንግስታት ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝዛመዱን ዝተሓጋገዙን ምስቲ ኣንጻሩ ተቓውሞ ዝለዓል መንግስቲ ክበኣሱ እንከለዉ ብናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ፖሊሲ ተሻቢቦም ጥራይ እዮም ማለት ግን ኣይኮነን። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን ፖሊሲን ነቒሎም፡ ንፍትሓውነት ናይቲ ሓይሊ ተቓውሞ ሒዝዎ ዘሎ መትከላት መዚኖም ዝገብርዎ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን እውን ኣሎ። ካብዚ ነቒሎም ድማ ነቲ ዝምድናኦም ምስ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ከይሓጸሩ፡ ህዝባዊ መልክዕ የትሕዝዎ። እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ይኹን መንግስቲ ሱዳን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ጥራይ ከይተደረቱ ካብኡ ወጻኢ’ውን ክነብሩን ክሰርሑን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ስደተኛታት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ-ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብኣውንታውን ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ሃገራት ዝህልዎም ዝምድና ሓደ ዓይነት ዘይኮነስ ብደረጃታት ዝፈላለ ነናቱ ስፍሓት ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዘርእየና።
ብዙሕ መቃለሲ ወይ መዋፈሪ ባይታ ክትረክብ ምኽኣል ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። ዓቕምን ብቕዓትን’ውን ካብዚ ብዝሒ ስለ ዝቕዳሕ። “ብዙሓት ይሃቡኻ፡ ብዙሓት ግና ኣይውቅዑኻ” ዝበሃል ምስላ’ውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ። መዛምድትኻን ተደጋግፍትኻን ብዙሓት ክኾኑ እውን ዝድገፍ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድን ከተጥርዮ ዘሎካ እውን እዩ። ዋላ’ኳ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዛምድትኻ ግደን ጽልዋን ብደረጃ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ሓደ ኣካል ዋላ ብኣዝዩ ውሱን ደረጃ ክደጋገፈካ እንከሎ፡ ናብቲ ኣንጻሩ ትቃለሶ ዘለኻ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ጸላኢኻ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ምንጻሉን ምስዓሩን ድማ ኣበርክቶ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ሃገር መቃለሲ ባይታ ክትረክብ እንከለኻ፡ ካብኡ ካብ እትጽበዮ ብዙሕ ኣበርክቶታት ሓደ ንሱ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቐደልካ ሃገር፡ ምስ ካልእ ሃገርን ዞባዊ ትካላትን ከላልየካ እሞ ካልእ መቃለሲ ባይታ ክትረክብ ከተባበዓካ እዩ። ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና መቃለሲ ባይታኡ ከስፍሕ ክቃለስ ሓደ ካብ ዕማማቱ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ካብ ሓደ ንላዕሊ መቃለሲ ባይታታት ክትረክብ እንከለኻ ምስቲ ቀዳማይ ባይታኻ ትጻላእ ወይ ትባተኽ ማለት ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እንተ ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዙሕ መቃለሲ ባይታታት ክንረክብስ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ መርገጺ እግሪ ክህልወና ከም ዘይደልን፡ ካብ ኩሉ ነጺሉ ከሕቅቀናን ዕላምኡ ምዃኑ ውሁብ እዩ። ኣብ ሓደ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ክንውስኽ እንከለና ከኣ ኣብ ስዕረቱ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።
ናይ ዝምድናን ምምራጽ መቃለሲ ባይታን ቀዳምነታት ክትሰርዕ እንከለኻ፡ ጉዳይ ጐረቤትን ብዙሓት ዜጋታትካ ዝርከብሉ ከባብን ቀዳምነት ከም ዝሕዝ ንኹላትና ንጹር እዩ። እንተኾነ እዚ ኣሰራርዓ ቀዳምነታት’ዚ ቀዋምን ሓንሳብ ምስ ተሰርሐ ዘይክፈት ዕጹውን ኣይኮነን። ብመሰረቱ ዝምድና ወይ ምምራጽ መቃለሲ ቦታ ሓንሳብ ምስ ተደኮነ ዘይቅየር ዘለኣለማዊ ዘይኮነስ፡ ብዝፍጠር ቀጻሊ ምዕባለታት ዝግዛእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታዊ የለን” ዝበሃል። ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ካብ ዝቐርበካ ኣብ ርሑቕ ምስ ዝነብር ብፖሊሲ ናይ ምዝማድ ቅሩብነትን ዝመሳሰለካ ኣካል ምዝማድ እትመርጸሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ሓድሽ መአከቢ ቦታን መቃለሲ ባይታን ምርካብ ኣብ ኩሉ ሃገራት እንተዝላባዕ’ሞ ሜዳ ጉጅለ ህግደፍ እንተዝሽምረር፡ ምጠቐመና እምበር ኣይምጐድኣናን’ሞ ሓደራ ደኣ ነስተብህለሉ።
19 December 2015
“ውድብ ወይ ምውዳብ” ዝብሉ ቃላት ንነዊሕ ግዜ ሓቢሮሙናን ሓቢርናዮምን ስለ ዝጸናሕናን፡ ንመጻኢ’ውን ሓቢርና ስለ እንህሉን ናብ ትርጉሞምን ኣድላይነቶምን ምድሃብ ብዙሕ ዘድሊ ኣይመስለናን። ቀንዲ መንቀሊና ስለ ዝኾኑ ግና ቁሩብ ሃሰስ ኢልካዮም ምሕላፍ ጽቡቕ እዩ። ምውዳብ ድሌቱን ዕላማኡን ናይ ሓባር ክነሱ፡ በበይኑ ዝጸንሐ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ምእንቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ስራሕ ከድምዕ ብሓባር ምውዳዱ ወይ ምቅርራቡ ማለት እዩ። እዚ ምውዳድ ወይ ምቅርራብ ኣብ ፖለቲካዊ ዕላማ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ካልእ ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ዕማም ንምፍጻም እውን እንጥቀመሉ መተካእታ ዘየብሉ መሳርሒ እዩ። ናይ ሕጂ ኣድህቦና ግና ናብ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘቋምት ክኸውን እዩ።
እዚ ውድብ ወይ ውዳበ ናይ ሓባር ዕማምን ባህግን እንዳሃለዎ ዝተበተነ ዓቕሚ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ንከድምዕ ምቅርራቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ምቅርራብ ቃል ኪዳን ኣድማዕን ቀጻልን ምእንቲ ክኸውን ዝምረሓሉ መትከላት፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ዝቕየደሉ ሕግታትን ዝመርሖ ኣካልን ዘድልዮ ፍቱን ናይ ለውጥን ቃልስን መሳርሒ እዩ። እዚኦም ዝተጠቕሱ ረቛሕታት ኣብ ዘይተማልእሉ ግዜ ግና፡ እቲ ምቅርራብ ቀጥዕን ቀጻልነትን ዘየብሉ ሓንሳብ ተራእዩ ዝቅህም ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ጥራይ ኮይኑ ዝተርፈሉ ዕድል ኣለዎ። ርግጽ እዩ ውድብ ስለ ዝሰራሕካ ጥራይ ኣይትዕወትን ኢኻ። መሳርሒ ወኒንካ ብግቡእ እንተዘይሰራሕካሉ ኣብ ፍረ ከም ዘይብጻሕ ርዱእ‘ዩ። ኣድማዕነት ውደባ እቶም ኣብኡ ዝስለፉ ኣካላት ብዘርእይዎ፡ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ጹረት፡ ኣበርክቶን ሕራነን ዝውሰን እዩ። ኣብቶም ኣብቲ ውድብ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ዝረአ ድኽመት ድማ፡ ናይቲ ውድብ ድኽመት ኮይኑ ይምዝገብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ነቲ በቶም ኣብቲ ውድብ ዝዋስኡ ኣካላት ዘመዝግብዎ ድኽመት ኣብ ምምዛን ለውጢ ንምምጻእ መተካእታ ብዘየብሉ ንውደባ ምዅናን ከኣ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ናይ ደንበ ተቓውሞና ጸገም ህላወ ውድባት ምዃኑ ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ግጉይ ፈተነ ፈጺሙ ቅኑዕን ሓላፍነታውን ኣይኮነን። ንሓደ ውድብ፡ ኣብቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ድዩ ኣብቲ ዝመርሖ ዘሎ ኣካል ዘይዕግበት ምምዝጋብን ከተዐርዮ መተካእታ ሒዝካ ምቅላስን ግና ንቡርን መሰልን እዩ። ብሰንኪ ኣብቲ ፖሊሲ ድዩ ኣብቲ መሪሕነት ዘለካ ዘይዕግበት “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝዓይነቱ ንፋስ ምዝራው ግና፡ ዓብይ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ ተወዲብካ ኣንጻር ምልኪ ምቅላስ ኣየድልን’ዩ ናብ ዝብል ግጉይ ኣንፈት ከየምርሕ”ሞ መፍቶ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ካብ ምኽላእ መሰል ምውዳብ ዝዕንገል ጉጅለ ከይትኸውን ዘሰክፍ‘ዩ።
“ህዝቢ መሰሉ ከውሕስ ይወደብን ይንቃሕን” ምባል ቅቡል እዩ። ናይ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት ተሓላቒ እየ እንዳበልካ፡ ህዝቢ ኣንጻር ህላወ ውደባት ክለዓል ኣለዎ ዝብል ስብከትን ጸዋዒትን ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ንገለ ወገናት ናብ ከምዚ ግጉይ መንገዲ ዝወስዶም ዘሎ ምናልባት ናይዘን ህሉዋት ውድባት ድኽመት ይኸውን። ነቲ ምኽንያት ከም ቅቡል እንተወሲድናዮ‘ውን ነዚ ድኽመትዚ ንምፍዋስ ናብ ዘይቅቡል ኩነኔ ከይከድካ፡ ካልእ ኣመራጽታት ከም ዘሎ ምርኣይ ጽቡቕ ይመስለና። ንሱ ድማ ነቲ ኣብቲ ውድባት ትርእዮ ዘለኻ ድኽመት ኣብቲ ውድባት ኣቲኻ ብልዙብን መተካእታ ዘሰነዮ ኣገባብን ቃልሲ ስዒርካ፡ በቲ ናትካ ርእይቶ ከም ዝምራሕ ምግባር‘ዩ።
ብእምነትና ንሓደ ፍጻመ ግጉይ እዩ ኢልካ ክትቃወሞ እንከለኻ ከም ርዱእ ናትካ ዝሓሸ ኢልካ እትኣምነሉ መተካእታ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ናትካ መተካእታ ዘይብልካ ክንስኻ ኣብ ጥራይ ኢድካ ምቅዋም ግና ሓጋዚ ኣይኮነን ዝብል እምነት እዩ ዘለና። እንተደኣ ኣብቲ ግጉይ ትብሎ ዘለኻ ውድባት ኣቲኻ ከተዕሪ ከምዘይትኽእል ደምዲምካ ከኣ፡ እቲ ዝሓሸ እትብሎ ፖሊሲ ንምዕዋት ዘኽእለካ ናትካ ውዳበ ፈጢርካ፡ ምስቲ ክትነቕፎ ዝጸናሕካ ውድባት ተወዳዲርካ ክትስዕር ምኽኣል እዩ። እዚ ነብስኻ ናይ ምውዳብ መሰል ናይ ማንም ፈቓድ ከይሓተትካ እትጥቀመሉ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ነቲ ንስኻ ዘይትኣምነሉን እትነቕፎን ውድባት ካብ ሜዳ ቃልስን ውድድርን ኣውጺእካ፡ በይንኻ እትዕንድረሉ ፖለቲካዊ ሜዳ ክትውንን ምፍታን ዘይከኣል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ በሓቲ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን። ኣንጻር በሓትነት ይቃለስ ኣለኹ እንዳበልካ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይቅዱስ ምርጫ ዳምዳም ምባል ድማ ዘተዓዛዝብ እዩ።
ንውድባት ምኹናንን ንህዝቢ ንክውደብ ምጽዋዕንከ ብኽመይ እዩ ክተዓረቕ ዝኽእል። ብእምነትና ህዝቢ ተወዲቡ ነቲ ብውድባት ክሳብ ሎሚ ዘይሰለጠ ዕማም ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን መተካእታ ኮይንካ ምቕራብን ንከተግብር መጸዋዕታ ምቕራብ ማለት’ኮ፡ ናይ ሓባር ዕላማ ክህልወካ እዩ፡ ንሕግታት ውዳበ ክትምእዘዝ ኢኻ፡ እትጥርነፈሉ መሪሕነት ክህልወካ እዩ …. ወዘተ ማለት ምዃኑ እዩ ዝርደኣና። ኩልና ከም እንርደኦ ውደባ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብውሱናት ኣብ ሓደ ጉዳይ ናይ ሓባር እምነት ብዘጥረዩ ውሱናት ሰባት ጀሚሩ እዩ እንዳዓበየን እንዳሰሰነን ዝኸይድ። እቲ ክጅመር እንከሎ ካብ ታሕቲ ኮነ ካብ ላዕሊ ዝነቐለ ውዳበ ብኸመይ ከም ዝዓቢ ንምጥጣሕ፡ ብመጀመርያ ከማለኦ ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ ዘሳልዮ መሪሕነትን ዝምረሓሉ መትከላትን ምፍጣር እዩ። ስለዚ ኣብቲ “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ዝብል መትከል ብሓባር እንተሊና፡ እቲ ንቕሎ ብታሕቲ ይኹን ብላዕሊ ውጽኢቱ ውድብ ምፍጣር እዩ። ኣብ ከባቢኻ ብዛዕባ ዝረአ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ መርተዖ ዝተመስረተ ርትዓዊ ነቐፈታ ምቕራብ መሰል እምበር ሓጥያት ኣይኮነን። እዚ ነቐፈታ ዝያዳ ኣድማዕን ሃናጽን ዝኸውን ግና፡ ብተግባር ካብቲ እትነቕፎ ኣካል በሪኽካን በሊጽካን ክትረአ እንከለኻ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና “ክንዳኻ ዘይኣኽላስ ብኣኻ ይወዓላ” ኢኻ እትበሃል።
ንሓደ ኣካል ክትነቅፍ እንከለኻ፡ ካብ ጸቢብ ውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ዘይዕግበት ነቒልካ ብእትስሕሎ ሴፍ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከይተድሚ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ክንሓስብ እንከለና፡ ነቲ መስረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትን ዘይዕግበታትን ንቕድሚት ከየምጻእና ካለኣይ ደረጃ ኣትሒዝና፡ ኣብ ዓበይቲ ናይ ሓባር ጉዳያት ከነድህብ ይግበኣና እንብል። እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዘይግብኦ እንብሎ ዘለና ፍልልያት፡ ካብ ውልቃዊ ቅርሕንትን ረብሓን ወይ ናይ ድሕረ-ባይታ፡ ናይ እምነትን ናይ ተመኩሮን ፍልልይ ዝነቅል ግጉይ ሚዛን ክኸውን ይኽእል።
ናይ ሓባር እምንቶ ኣሕዲርካ ንእኡ ንምዕዋት ምውዳብ ሓደ እዩ። ድሕሪኡ ዝመጽእ ነዚ እምነትካ ዘዐውት መሪሕነት ክህልወካ ምጽዓት ናይ ግድን እዩ። ሓደ ውድብ መሪሕነት ክህልዎ ናይ ግድን ካብኮነ፡ መሪሕነቱ ካብ ውሽጡ እዩ ዝወጽእ። እቲ ክመርሕ ዝተመዘዘ ኣካል ከኣ፡ በቲ ውድቡ ዝምረሓሉ ሕግታት ተቐይዱ ክመርሕ መሰሉን ግዴታኡን እዩ። ኣብ ፖለቲካ ክትዋሳእ እንከለኻ ክትመርሕ ወይ ክትምራሕ ቅሩብ ምዃን ውሁብ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ሓደ ውድብ ኣብቲ ዝወዳደረሉ ፖለቲካዊ ሜዳ ነቲ ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ መትከላት ከዐውት መሪሕ ቦታ ክሕዝ እንተጸዓተ መሰሉ ኣኽበረ እምበር መሰል ህዝቢ ኣይገሃሰን። ንሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፡ “ንምንታይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት እንተረኸበ ክመርሕ እየ” ካብ ዝብል ምጉጣጥ “ካብ ስለምንታይ ትቃለስ” ኢልካ ክትእግዶ ምፍታን ተፈልዩ ዘይርአ ግጉይ ኣቀራርባ እዩ። ከም ውድብ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሃዋህው መሪሕ ክትከውን ምሕላንን ምቅላስን ካብቲ ኣብ ፖለቲካ ዘለካ ተሳትፎ ፈሊኻ ዝረአ ኣይከውንን እዩ። ፖለቲካዊ ውድብ ኮይንካ “ንለውጢ ክቃለስ እየ ግን ከኣ ኣይመርሕን እየ ምባል ድማ ንተሳትፎኻ ጐደሎ እዩ ዝገብሮ። ኣብቲ ውድድር ብቕዓት ጐዲሉካ ወይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ስኢንካ ክትመርሕ ተዘይክኢልካ ከኣ ብጸጋ ክትቅበሎ ዝግበኣካ ፖለቲካዊ ተረኽቦ እዩ። “ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ቃልሲ ተሳተፍ ግና ክመርሕ እየ ኣይትበል” ምባል ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ በዚ ዝኽሰሳሉ ምኽንያት የብለንን። ብመንጽር እዚ ናብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክንመጽእ እንከለና፡ ጸገምና ህላወን ብዝሕን ውድባት ዘይኮነ፡ ጻዕረን ጌና ባህግታት ህዝብና ከማልእ ዘይምኽኣሉ እዩ።
ህይወት ሰባት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ስራሕ፡ ንግዲ፡ ቃልሲ፡ ሓጐስን ሓዘንን ኮታ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ዝንጸባረቕ እዩ። ሓባራውነት ኣብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘተኩር ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ናይ ሓሳባት ምጽልላውን ምድግጋፍን እውን ዘንጸባርቕ እዩ። ሰባት ነዚ ዘይተርፍ ምጽልላው ክገልጹ እንከለዉ “ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ” ብዝብል ይገልጽዎ። እዚ ሓባራውነትን ምጽልላውን ብምትእምማን ክስነይ እንከሎ ዝያዳ ጠቓሚ ይኸውን። ኣብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ምክሕሓድ፡ ምንዕዓቕን ምጥርጣርን ዝተሰረተ እንተኾይኑ ግና፡ ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይከውንን እዩ። እዚ ሓባራዊ ምጽልላው ብምትሕልላይ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ ዝሕለወሉ ኩነታት እውን ኣሎ።
ሓባራውነት ኣብ ሕድሕዶም ዝጻረሩ ግና ድማ ተኸኣኢሎም ዝኸዱ ስምዒታት እዩ ዘነባብር። ናይ ዕድመ፡ ናይ ጾታ፡ ትምህርቲ፡ ሃብትን ሓላፍነትን ፍልልያት ነቲ ተጻራርነት ካብ ዝወልዱ መዐቀንታት’ዮም። እቲ ተጻራርነት ብብዙሕ መልክዑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ዛዕባ ብዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ ዝቃነ። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ሓንሳብ ምስ ተታሕዘ ኣብኡ ዝነብር ዘይኮነስ፡ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ብከባብያዊ ጽልዋ ኮነ ኣብቲ ሰብ ብዝፍጠር ውሽጣዊ ምቅይያራት ዝምዕብል እዩ። ንኣብነት ዕድመ፡ ትምህርትን ተመኩሮን እንዳደልብካ ምስ እትኸይድ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዝነበረካ ኣረዳድኣ ናበየናይ ኣንፈት ይኹን ብዘየገድስ ይቕየር እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ማዕባሊ መስርሕ ከኣ ትኣምኖ ዝነበርካ ክትጥርጥሮ፡ ትፈትዎ ዝነበርካ ክትጸልኦ፡ ትቕበሎ ዝነበርካ ክትነጽጎ ….. ወዘተ ንቡር እዩ። እዚ ለውጥታት’ዚ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብ ኩሎም ደቂ ሰባት እዩ ዝረአ። ስለዚ ኣብ ሓደ ጉዳይ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ከተሕድር እንከለኻ እቲ ካልእ ወገን እውን ብናቱ መንገዲ ዝምዕብል እምበር፡ ናትካ ኣተሓሳስባ ተጸባዪ ጌርካ ምርኣዩ ጌጋ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ብልቢ ዝኣምነካን ንኹሉ ኣተሓሳስባኻ ዝቕበልን ዝነበረ፡ ኣብ ካልእ መድረኽ እትመርጾ መንገዲ ግጉይ ኮይኑ እንተተራእይዎ፡ “ደጊም እዚ ምርጫኻ ምርጫይ ኣይኮነን” ክብለካ ምዃኑ ከሎ ጌና ምርዳእ ልቦና እዩ።
ገለ ሰባት ቀደም ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ቃልስን ካልእ ኣጋጣምን ዝተላለይዎን ዝተዓራረኽዎን ኣካል፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብኣተሓሳስባ ደረጃ ከምቲ ቀደም ዝኣምኖምን ዘዝበልዎ ዝገብርን እናመሰሎም፡ ተሰካሚ ሓሳቦም ገይሮም ከጋልብዎ ይደልዩ። ከምቲ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ዝበሃል ከኣ ተቓውሞ ክገጥሞም እንከሎ ይስንብዱ። ብኣንጻሩ እቲ ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ዝገመትዎ እሞ ካብ ግምቶም ወጻኢ ዝጸንሐ ኣካል፡ ናቱ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ “የለን ንስኻ ኢኻ ግጉይ ዘለኻ እሞ እንተኾነ ናብ ልብኻ ተመለስ እንተዘየለ ሓሳብካ ቅቡል ኣይኮነን“ ክብሎም እንከሎ፡ ተኣምራት ከም ዝተፈጥረ ይሰንብዱ። ብፍላይ ምስ ጉዳይ ሃገር፡ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበን ዝተኣሳሰሩ መርገጻትን ውሳነታትን፡ ንኽብሪ ናይ ቀደም ዕርክነትን ምቅርራብን ወይ ካልእ ግዝያዊ ጠቕሚ ኢልካ ዘይኮነ፡ ሕግን ስርዓትን እንዳተወከስካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ እምነትን ሓቅን ዝተሓዝ መርገጽ እዩ። ነዚ ናይ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቅን ሚዛንን ኣነኣኢስካ፡ ናትካ ኣተሓሳስባ ተሰከምቲ ክኾኑ ክትደፋፍእ ወይ ከተመንግጎም ምድንዳን ግና ቅቡል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሰባት መሰል ምግሃስ’ውን እዩ።
ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእየካ ሓሳብ ምንጽብራቕ ሓጥያት ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ መሰል እውን እዩ። እንተኾነ ነቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ሒዝካ ናብ መቀራረቢ ሓሳብ ምስጓም እምበር፡ ካልኦት ናብቲ ናትካ ክርዕሙ ሓደ ኩርናዕ ሒዝካ ምጽባይ እሞ ድማ ምስ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክራጸም እንከሎ ሃናጺ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ግጉይ እዩ። ከምቲ ንስኻ ነቲ ናትካ ሓሳብ ናይ ምክልኻልን ምዕጋብን መሰል ዘለካ፡ ካለኦት እውን ካብቲ ናትካ ሓሳብ ዝተፈልየ ምናልባት’ውን ዝጻረር ሒዞም ከዕግቡኻን ክጸልዉኻን መሰል ከም ዘለዎም ብጭረሖን መደረን ዘይኮነ ብግብሪ ቅሩብ ምዃን የድሊ። ብኣንጻር እዚ ክትቅበል ቅሩብ ዘይኮንካ ክንስኻ፡ ካለኦት ክቕበሉኻ ምምህላል ውጽኢት ኣይህልዎን። ከምዚ ገለ ወገናት ንሳቶም ሕግን ስርዓትን እንዳጠሓሱ ንኻለኦት ብጥሕሰት ዝኸስሉ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ‘ዩ። ብሓጺሩ እቲ ካለኦት ክትግብርዎ እትደልዮ፡ ኣቐዲምካ ናይ ምትግባር ኣርኣያ ክትከውን ግድን እዩ። ካብቲ ካለኦት ክገብርዎ ዘይትደልዮ ድማ ቅድም ንስኻ ተዓቀብ።
11 July 2017
ዶክ..ደብረጽዮን ዝመርሖ ማ/ኮሚተ ህወሓት ዳግማይ ጉባአ ከምዘይገብር ኣፍሊጡ
Saturday, 18 January 2025 16:35 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ብ17 ጥሪ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ክሳብ 10 ለካቲት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ጉባአ ከካይድን: ቅድሚ 3ተ ሰሙን ናይቲ ጉባአ ነቲ ቦርድ ክሕብርን ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሽግር ብተጋሩ ጥራይ ከም ዝፍታሕ ብምጥቃስ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከም ኮሚሽን ምርጫ ዝኣመሰሉ ትካላቱን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዶም ከየእትዉ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፉ። እቲ መግለጺ ነቶም ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ እሞ እቲ ዝተኻየደ ጉባአ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሎም ካብቲ ዘካየዶ ጉባአ ዝበኾሩ ኣባላት ህወሓት ኣብዚ መግለጺኡ እውን ብክሕደት ከሲስዎም።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህወሓት “ከም ሓድሽ እየ ዝምዝግቦ” ንዝበሎ ከኣ ላግጺ ክብል ገሊጽዎ። ብዘይካዚ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ብዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት ኣብ መስርሕ ዘሎ “ኣማኻሪ ቦርድ ትግራ” ከምዘይድግፎ ብምግላጽ ኣካሉ ክኸውን ከይዘኮነ እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ንኣካይዳ ህወሕት ዘይድግፉ፡ ኣብ ትግራይ ይንቀሳቐሱ ንዘለዉ ማሕበራት ተግባሮም ንከቋርጹ ኣጠንቂቑ። ብኣንጻሩ ነቲ ናይ ቅድም መኸተ ትግራይ ንዝድግፉ ኣካላት ኣብ ጐኑ ንክስለፉ ጸዊዑ። ኣስዒቡ ድማ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ዕጡቓት ብረቶም ኣውሪድካ ምጥያስን ናብ ንቡር ህይወቶም ምምላስን መስርሕ፡ ዓቕሚ ትግራይ ዘዳኽም’ዩ ብዝብል ብትሪ ነቒፍዎ።
እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ህወሓትን ብሄራዎ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ሰፊሕ ፍልልይ ኣብ ዝተፈጥረሉ እዩ። ስለዚ እዚ ኩነታት ናይ ህወሓት በቲ ቦርድ ምስራዝ ከየስዕብን፡ ናብቲ ቅድሚ ውዕል ፕሪቶርያ ምኽታሙ ዝነበረ ኩነታት ከይምለስን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ኣብ 2020 ናብ ውግእ ካብ ዘእተዉ ስጉምታት ሓደ ክልል ትግራይ ካብ ኣፍልጦ ብሄራዊ ምርጫ ወጻኢ፡ ምርጫ ምክያዱ ነቲ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናይታ ሃገር ዘጋደዶ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ስለዚ እዚ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ናብ ሓድሽ ዘይሰላማዊ ምዕራፍ እንተማዕቢሉ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ትግራይ ጥራይ ስለ ዘይድረት፡ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ ሕድሕዶም ብግቡእ ተናቢቦምን ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮኦም ተማሂሮምን ጉዳዮም ብስልጡን ኣገባብ ምክእኣልን ዘተን ክፈትሕዎ ይግበኦም።
ኣብ 2ይ ጉባኤ ውሓኤ ዝቐረበ መግለጺ ኣቦ መንበር ፖሓኤ
Saturday, 18 January 2025 13:59 Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ.ክቡር ኣቶ ተስፋይ ኣለም፥ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
ክቡራት ኣባላት ፈጻሚ ኣካልን ማእከላይ ባይቶን ክቡራት ዕዱማት ኣጋይሽ
ኣብ መኽፈቲ 2ይ ውድባዊ ጉባኤኹም ክንሳተፍ ብምዕዳምኩም ብስመይን ብስም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን እንዳ ኣመስገንኩ ዕዙዝ ቃልሳዊ ሰላምታና አቕርበልኩም።
ጉባኤኹም፡ ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት፥ ህዝብና ብኹሉ መዐቀኒታት መነባብሮኡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ እንዳኣንቆልቆለ ብምኻዱን፥ ደረትን ዓስብን ዘይብሉ ጊላነት ክጻወሮ ስለ ዘይክኣለን፥ ናይ ምሕሳብን ምጽሓፍን ምእማንን ምንቅስቓስን መሰላቱ ተነፊጉ ኣደዳ ማሰርትን ስቓይን ካብ ምዃን ንነብሱ ናብ ከቢድ ሓደጋታት እንዳሳጥሐ ናብ ስደት ብቀጻልነት ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ውግእ ሕድሕድ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ብሓዲሽ ናይ ውግእ ደበና ኣብ ዘንጸላልወሉ ዘሎ፥ ኣብ መንጎ ፍልስጢኤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንማእከላይ ምብራቕ ከይልብዶ ኣብ ዘስግኣሉ ዘሎ፥ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ መዓልቦኡ ንምግማት ዘጸግም፥ ኣዚዩ ተሃዋሲ ዝዀነ ኵነታት እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኩሉ ደቂቕ ምክትታል ዝሓትት እዩ። ነዚ ውሁብ ኩነታት ብግቡእ ተረዲእና፡ ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ ዝንጽል ንሃገራዊ ሓይልታት ላዕለዋይ ኢድ ዝህብ ሓባራዊ መርገጽ ምሓዝ ግድን ከም ዘድሊ ንርኢ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሸሞንተ ዕዉት ዋዕላ ድሕሪ ምክያዱ ኣብዚ እዋንዚ ፈጻሚ ኣካል ኣቚሙ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ኣሎ። ሓደ ካብ ቀንዲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ዋዕላ ድማ ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ኩሉ ዝክኣል ክግበር ከም ዘለዎ እዩ። ዋዕላና ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ ነዚ ዕማምዚ ከሰላስል ምሉእ ሓላፍነት ሂቡዎ ከም ዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ስለዚ ከኣ ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ደጋጊምና ዝገለጽናየን ውድብኩም እውን ዝኣምነለን፡ 4 ሃገራዊ መቖሚያታት፡
1. ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ/ገባቲ ስርዓት ምውዳቕን ብቅዋማዊ፡ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ
2. ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ምዕቃብን ምክልኻልን
3. ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር
4. ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምሕላው ንዝኣምኑ ሃገራውያን ሓይልታት ፈጻሚ ኣካል ንምጥርናፎም ዕቱብ ንጥፈታት ከካይድ ምዃኑ ከይጠቐስና ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ዘተ ይካየድ ኣሎ፤ ከም ኣካል ልፍንቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ብዓወት ንክዛዘም ግዴኹም ከተበርክቱ በዚ ኣጋጣምዚ ምሕጽንታና ነቕርብ።
ኣብዚ ንካልኣይ ግዜ ተቃንዕዎ ዘሎኹም ጉባኤ፡ ግደ ው ሓ ኤ ኣብ ምቛም ሓደ ሃገራዊ ጽላል ከም ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባ ተወሲዱ፡ ኣብዚ ጉባኤ ንዝምረጽ መሪሕነት ሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፎም ብሓደ ልሳን ንክዛረቡ ክበቕዑ ኩሉ ዝክኣሎ ንክገብር ሓላፍነት ክትህብዎ ንላቦ።
ሓንጺጽኩሞ ዘሎኹም መደባት ብዓወት ከተሳላስዎ ብልቢ ንምነየልኩም።
ኣብ መደምደምታ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ዲሞክራስን ንክሰፍን፥ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራን፡ ህዝብና መሰሉን ክብሩን ተሓሊዉሉ ብሰላም ንኽነብር ዘሎና ባህጊ ክዉን ንምግባሩ ናይ ወጻእን ናይ ውሽጥን ደለይቲ ፍትሒ ቃልስታትና ኣዋሃሂድና ዘላቒ ፍታሕ ነምጽኣሉ ዓመት ክኾነልና እምነ።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!
ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ!! ብሓድነት ንሓርነት!!
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ.
17 ጥሪ 2025
ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ትካላትን ህግደፍ እገዳ ክትውስን ተጸዊዓ
Thursday, 16 January 2025 11:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤረድረስን ፎካስ ኤርትራን (REDRESS and Eritrea Focus) ዝተባህሉ ትካላት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍትን መንግስታዊ ትካላት ኤትራ እገዳ ንክትውስን መጸዋዕታ ከም ዘቕረቡ ብዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። እዞም ኣካላት ነዚ መጸዋዕታ ናብ ሚኒስትርታት ወጻኢ ጉዳይን ልምዓትን መጸዋዕተኦም ከቕርቡ ዘገደዶም፡ እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝተፈጸመ ግህሰትን ዕንወትን ምዃኑ እውን ጠቒሶም።
እቶም ኣብቲ ናይ እገዳ መጸዋዕታ ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ሓለፍትን ትካላትን፡ ኣብቲ ሰፊሕ ብህግደፍ ዝፍጸም ሰብኣዊ ግህሰት፡ ጃምላዊ ቅጥለት፡ ጾታዊዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ምስዋርን ምስቓይን ርኡይ ብጽሒት ዘለዎም እዮም። እዞም ክልተ ትካላት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዓባይ ብሪጣንያ ዝርዝር ገበናት ዝሓዘ ፋይል ምቕራቦም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ተሓታቲ መን ምዃኑ ኣብ ምቅላዕ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ። እዚ ዓባይ ብሪጣንያ ክትውስኖ ትጥለም ዘላ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ተሓተቲ ናይ ጉዕዞ ምኽልካልን ናይ ንብረት ምድስካል ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምምሕዳር ካብ ሰሜን ኮርያ ብዝገደደ፡ ኣብ ኩሉ ውሽጣዊ ህይወት ናይ ሰባት ኣትዩ ጥቡቕ ምቁጽጻር ከም ዝገብር ዝሓበረ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ስለ ዝግደዱ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቅልጡፍ ጽንተት ዘጋጥመን ዘሎ ሃገራት ዓለም ምዃና እውን ኣብዚ ናይዘን ክልተ ትካላት መገልጺ ሰፊሩ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ክፍሊ ገንዘባዊ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሓለፍትን ብህግደፍ ዝውነና ትካላትን ናይ መገሻ እገዳን ምድስካል ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሕሳባት ባንኮምን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ብወይዘሮ ፎዚያ ሓሽም ዝተባህለት ኣገልጋሊት ዲክታተር ኢሳያስ፡ ስማዊት “ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ” ዝምራሕ፡ ናይ 2024 መደባተይ ዝግምገምኩሉን ናይ 2025 ዓመታዊ ትልሚ ዝሕንጽጸሉን ሰሚናር ኣካይደ ምባሉ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘገረመን ከም ዘቖጠዐን፡ ብዙሓት ኤርትራዊ ማሕበራዊ መድያታት ኤርትራ ኣንጸባሪቐ።
ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ፍርድን ኣኽበርቲ ሕግን ተሳቲፈምዎ ዝተባህለ፡ ብ9 ጥሪ 2025 ዝተጋበአ ኮንፈረንስ፡ እታ ሚኒስተር ናይ 2025 ትልሚ ስራሕ ኣቕሪባ ተባሂሉ። ኣብቲ ትልማ ብዘይሕፍረት መስርሕ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ፡ ማዕረቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮን ናይ ፍትሒ ባህግን ብዘሳኒ ክዕመም ከም ዝጸንሐ ዝብል ኣብ ባይታ ዘየለ ገምጋም እያ ኣቕሪባ። ንድሕሪት ተመሊሳ ድማ ኣብ ዓመተ-2025 መስርሕ ምሕያል ፍትሕን ምንዳፍ ሓደስቲ ሕግታትን ዝምልከት መደባት ከም ዘለዋ ጠቒሳ። እዚ ድማ ከምቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ህዝቢ ንምዕሻው ዘይትግበር ቃል ዝኣትዎ መደንዘዚ መብጸዓ እያ ኣስሚዓ።
ነዚ ዝተኸታተሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ብኩራት ፍትሒ ዝፈልጡን ኤርትራውያን፡ ኣብተን ልዕሊ 300 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት ንዝያዳ 30 ዓመታት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብስ ይትረፍ፡ ኣበይ ተኣሲሮም ከምዘለዉኳ ዘይፍለጡ ከም ዘለዉ ዘኪሮም። እዞም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይፍርዲ ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉላ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ብደዐ ናይ ምስማዕ ድፍረት ከም ዘሕዘኖም ከኣ ጠቒሶም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ፊዚያ ሓሽም ካልእ ገጽ ንዕቀት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕገ-መንግስታዊ መቆጻጸርን ዋሕስን ኣብ ዘየብሉ፡ ብዝተፈላለዩ ግህሰታት ናይቲ ጉጅለ ይሳቐ ኣብ ዘለወሉ፡ “ኣብ ኤርትራ ፍትሓውን ፍርዳውን ኣገልግሎት ኣሎ” ምባል ጥራይ ወሲድካ፡ ክሳብ ክንደይ ህግደፍን ኣካላቱን ምስቲ ኤርትራዊ ክውንነትን ዝጻረሩ ምዃኖም ምግንዛብ ዘጸገም ኣይኮነን።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፓ.ሓ.ኤ ምስ ዞባታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣኼባ ኣካይዱ
Thursday, 09 January 2025 12:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ
8 ጥሪ 2025
ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)፡ ብ5 ጥሪ 2025 ምስ ወክልቲ ዞባ ሽማግለ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን ተራኺቦም አኼባ ኣካይዶም። እዚ አኼባ`ዚ ብሓው ተሰፋይ ወ/ሚካኤል አባል ፈጻሚት ሽማግለ ፖ.ሓ.ኤን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን፥ ከምኡ’ውን ብኣባላት ማ/ መሪሕነት ዝዀኑ ምምሕዳር ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ውደባ. ዝተመርሐ ኰይኑ፡ ንኻልኣይ ዙር ዝግበር ዘሎ ምዃኑ`ዩ።
ኣኼባ፡ ብእንቛዕ ድሓን መጻእኩምን ርሑስ ቅንያት በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና ብዝብል ናይ ሰናይ ድሌት መልእኽቲ ክቡር ሓው ተስፋይ ወ/ሚካኤል ኢዩ ተኸፊቱ። ኣኼባ ዝዛረበሉ ዛዕባታት ንምንታይ ዝዓለመ ምዃኑን እንታይ ትጽቢት ይግበረሉን ኣመልኪቱ ሓጺር መብርሂ ሂቡ። አስዒቡ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ አካይዱ ከምዝነበረ አዛኻኺሩ። ኣብኡ ዝጸደቑ መደብ ዕዮታት ንምትግባር ከኣ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ መደባተን ሰሪዐን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ከምዘለዋ ድሕሪ ምሕባር፥ እዞም ዝስዕቡ ንውዳበታት ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝምልከቱ ሰለስተ ዛዕባታት ንምምይጥ ቀሪቦም።
1. ሓበሬታታት ብዛዕባ አቃውማ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት
2. ህልው ኩነታት ዞባ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን
3. ሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ቤት ጽሕፈት ውደባ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን አውሮጳን።
ተሳትፍቲ አኼባ፡ እቲ ዝድለ ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ወከልቲ ክልቲአን ሽማግለታት ዞባታት ህልው ኩነታት ዞባታቶም ኣመልኪቶም ንጹር ስእሊ ከርኢ ብዝኽእል ኣገባብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቦም። ክልቲኦም ዞባታት ድማ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ስርሓት ኣብ ዝማዕበለ ደረጃ ከሰጋግርኦን ንስጡም ውዳበ ምቹእ ባይታ ክፈጥራ ዝኽእላ ድልዱላት ጨናፍር ክቖማን ዝከኣሎም ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖም ቃል አትዮም።
ብቤት ጽሕፈት ውድባ ንሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ዝቐረበ ንድፊ ሓሳባት ዝድለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር፥ ከም ስሉጥ መሳርሒ ኮይኖም ከገልግሉን ንመጻኢ ክትግበሩን ዝበልዎም ኩሎም ተሳተፍቲ ዝተሰማምዕሎም 7 ነጥብታት ዝሓዙ መደባት ኣነጺሮም።
አብ መጨረሻ፡
- ኣብ ናይ ሰለስተ ኣካላት ውድባትና ዝጸንሐ ልምድታት/ባህልታት ክቀራረብን ክወሃሃድን ልዑል ጻዕርን ምርብራብን ክግበር፥
- ነፍስወከፍ ኣባል አብ ኩሉ ጽፍሒ ተወዲቡ ዝቃለስ ንቻርተር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ.) ብግቡእ ተረዲእዎ፡ ብእኡ መጠን ድማ ክሰርሓሉ ዝብሉ ለበዋታት ብምቕራብ ኣኼባኡ ዛዚሙ።
ኣዘርባጃን ሰለስተ ባንደራኣ ዘምበልብላ ዝነበራ ጃላቡ ብሓይልታት ኤርትራ ስለ ዝተታሕዛኣ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ከም ዘቕረበት ሮይተርስ ሓቢራ። ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣዘርባጃን ኣይዛን ሃጂዛዳ ብ8 ጥሪ 2025 ብዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 እየ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተታሒዘን።
ወሃቢ ቃል ኣይዛን ሃጂዛዳ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብተን ብ7 ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ ጃላቡ ብጠቕላላ 18 ሰባት ከም ዝነበሩን ኩሎም ኣዘርበጃውያን ከም ዝኾኑን ኣፍሊጡ። እተን ጀላቡ ብመትረብ ስዊዝ ኣቢለን ናብ ኣቡዳቢ እናተጓዕዛ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ምስ ኣተዋ እየን ተታሒዘን።
እተን ሲኤምኤስ ፋህሊያን፡ ሲኤምኤስ ኢጂድን ሴኤምኤስን-3ን ዝተሰምያ ጀላቡ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣዘርባጃን ክፍሊ ባሕሪ ካስፒያን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ኮይነን፡ ዋላኳ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ርክብ እንተገበራን ኣድላይ ዝበሃል ዝርዝር ሓበሬታ እንተቕረባን መፍትሒ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ነቲ ኣዘርበጃናዊ ወሃቢ ቃል ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢራ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣዘርባጃን ብመንገዲ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣቢላ ናብ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ኣፍሊጣ። ነተን ጃላቡን ሰራሕተኛታተንን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ጌና ቀጻሊ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።