ደቡብ ሱዳን 17 ኤርትራውያን ምእሳራ ኣፍሊጣ

2025-10-17 16:05:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 160 times

ዳይረክተር  ደቡብ ሱዳን ኣብ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርትን ሜ/ጀነራል ኢሊያ

 ባዓል መዚ ኢሚግረሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ 17 ኤርትራውያን ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ። እቲ ማእሰርቲ ኣብ ክልተ በበይኑ ኣጋጣሚ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ጠንቁ ከኣ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተሓቢሩ። ናይታ ሃገር ሓላፊ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርት መጀር ጀነራል አሊኣስ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክሰግሩ ክብሉ ከም ዝተታሕዙ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ 10 ጥቅምቲ 2025 ናይ መጀመርያ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም 14 ኤርትራውያን ኣብ ዶባዊ ከተማ ኣወኢል ኣብ ሰሜን ባሕረ-ጋዛል ከም ዝተስሩን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከቡ እቲ ጀነራል ገሊጹ።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካለኦት  ከኣት ሕንቲ ጓለንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ጥቓ ፓሎች ዝተባህለት ከተማ ምትሓዞም ጠቒሱ። እዞም ኤርትራውያን ብዘይ ብቑዕ መንቀሳቐሲ ስለ ዝተረኽቡ ናይ ክሲ ፋይል ከም ዝተኸፍቶም’ውንእቲ ዲረክተር ጀነራል ጠቒሱ።

 ጀነራል ቾስታ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገሩ ዝተታሕዙ ጉዕዘኦም ምስቲ ብሰዳን ኣቢልካ  ደሓር ድማ ናብ ሊቢያን ባሕሪ መደትራኒያን ኣቋሪጽካ ናብ ኤውሮጳን ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣተሓሒዝዎ። እቲ ተረኽቦ ናይ መጀመሪያ ከምዘይኮነን ነዊሕ ሰንሰለት ከም ዘለዎን እውን ኣስሚርሉ።  እቶም ዝተኣስሩ ካብ 20 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ምዃኖም ከኣ ብተወሳኺ ገሊጹ።

Last modified on Friday, 17 October 2025 18:16