ክቡር ኣቶ ያሲን ዓብደላ ም/ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ

ክቡር ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላ ሓላፊ ገንዘባዊ ቤት ጽሕፈትን ማሕበራዊ ጉዳያትን

ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2024

ክብርቲ ወሮ/ ኣድያም ተፈራን ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤልን ኣስሳሰይቲ መድረኽ

ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን

ክቡራት ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ኣጋይሽና

ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።

ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ስለ ዝዀነ ታሪኻዊ እዩ። ሎም ምዓልቲ ኣብ ቅድሜኹም ቀሪበ እቲ ኣብ ሚነሶታ ብ2019 ቀጺሉ'ውን ብ2020 ብተበግሶ ነብሰሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ንምጥርናፍ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ እተኻየደ ጻዕሪ ኣብ ፍረ ምብጽሑ ከበስር ከሎኹ ክብ ዝበለ ሓጎስን ክብርን ይስምዓኒ። ሓው ብርሃነ ኣብ ማእከልና ብህይወት እንተዝህሉ ክንደይ ባህ ምበሎ!

ጀሚርናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብዘትኣማምን መንገዲ ሸቶኡ ከም ዝሃርም ኣይንጠራጠርን፥ ከመይ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዝሰፍሐ ጥርናፈ ንኽረጋገጽ፥ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ክኽፈል፥ ክግበር ዘለዎ ሕድገታት ክግበር ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ቀዳምነታትና ሰሪዕና ንጉዓዝ ስለዘሎና እዩ። ምጥቕቓዕ ሕድሕድ ወጊድና፡ ናይ እንካን ሃባን ኢሂን ሚህን ባህሊ ሒዝና ክንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ፡ እቲ ኣብዚ ዋዕላ ብ21 ኣባላትን 3 ተጠባበቕትን ቆይሙ ዘሎ መሪሕነት ክቕጽሎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎና። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ምስራጽ፡ ውሕስነት ንምዕዋት ናይ ቀረባ መደብን መሰረት ናይ ታ ኣብ ኣእሙሮና ዘላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን እዩ።

ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትወጽእ ክሳብዛ ዕለት እዚኣ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣደዳ ስቓይን ሕማምን ድንቁርናን ድኽነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለ ዝዀነት ናብ ህዝባ ከተንብር ዘይትኽእል ሃገር ተቐዪራ ኣላ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ንቡር ዘይኮነ ኩነታት ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ። እዚ እቲ ዝኸፍኤ እዩ ከመይ ንዕኡ እንድሕሪ ለሚድካዮ ካብኡ ከመይ ጌርካ ሓራ ትወጽእ? ስለምንታይከ እዚ ዘይንቡር ከም ንቡር ተለሚዱ?

ብቐዳምነት እቲ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ብዓወት ዝዛዘሞ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስያዊ ባህሊ ስለዘይነበሮ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ሰረት ከንጽፍ ኣይክኣለን። ህዝብና ድማ እቶም ዓወት ንሓፋሽ! እንዳጨርሑ ሃገር እተቘጻጸሩ ደቁ ካብ ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝኸፍኤ ኣርዑት ባርነት ከሰክሙዎ ስለዘይተጸበየ ተገሪሁሎም። ካብ ክቱር ምእማን ሰብ ተኣሲሩ ክሰምዕ ከሎ፡ ሓንቲ ጭብጢ ከይሓዘ፡ ገለ ጌሩ ይኸውን ክብል ይስማዕ። ከምዚሉ ድማ እታ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ በብቝረብ ኣጥፊኡዋ። ዓገብ ክብለሉ ዝነበሮ ኣጋጣሚታት ብዙሕ'ዩ ገለ ካብኡ ክጠቅስ፡

* ኣብ 20 ሰነ 1991 ካብ ሎሚ ንድሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን'ዩ ዝብል ኣዋጅ ወጺኡ    

* ኣብ ድሮ ረፈረንደም ናይ መነባብሮ ምምሕያሽ ዝሓተቱ ተጋደላቲ ኣደዳ ማሰርቲ ኰይኖም

* ኣብ ረፈረንደም ምድማጽ ኣብዮም ተባሂሎም ናይ ይሔዋ መሰኻኽር ዜግነታዊ መሰሎም ተገፊፉ

* ውጉኣት ሓርነት መነባብሮኦም ንክምሓየሸሎም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝገበሩሉ ግዜ ብብረት ተቐቲሎም

* ንቤት ትምህርቲ ኣል ዲያእ ስለ እተኸላኸሉ ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦና ሓጂ ሙሳ ትኣሲሮም

  ዓሪፉም'ውን ቅድሚኦም'ውን ሓዎም ጣሃ መሓመድ ኑር ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት

  ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ን3 ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ 2008 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ ምንባሩ

  ዝዝከር'ዩ። ንኤርትራ ብዙሕ ዘበርከተት ስድራ እዚ ክወርዳ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ

* ኣቡነ ኣንጦንዮስ 16 ዓመታት ድሕሪ ምእሳሮም ዓሪፎም

* ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ካብ ዝእሰር 33 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ።

* ጀግኑ ተጋደልቲ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ካብ ከሰላ ፡ ገብረብርሃን ዘርኤ ካብ

  ሑሞራ መሓመድ ዓሊ ብራሂም ካብ ገዳርፍ ካብ ዝጭወዩ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ካልኦት

  ዝተጨውዩ እንተልዮም ስለ ዘይፈለጥናዮም'ምበር ክንጠቕሶም ስለዘይደለና ከም ዘይኮነ ክትርድኡልና 

  ንደሊ

* ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ጀነራላትን ሚንስትራትን ብዘይፍርዲ ካብ ዝእሰሩ ዳርጋ 23 ዓመት ኰይኑ ኣሎ

* ግዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ካብ ዝእሰሩ'ውን ዳርጋ 23 ዓመት ኰይኑ ኣሎ

* ከካብ ገዝኦም ብዓመጽ ተወሲዶም ገና ዘይተመልሱ ቁጽሪ የብሎምን

* ናይ 'ታ ሓንቲ ዝነበረትና ዩኒቨርስቲ ተመሃሮ ስለ ሕቶታት ዘቕረቡ ናብ ዊዓ ሲዲዶም ንሓደጋን ሞትን

   ኣሳጢሖሞም ነታ ዩኒቨርሲትይ ድማ ዓጽዮማ።

* ን 18 ወርሒ ዝተባህለ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ብዘይ ዓስብን ደረትን ይቕጽል ኣሎ።

* ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ንኽነብረሉ ዝኽእል ባይታ ስለዘየለ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።

* ቅዋም ሞይቱ'ዩ ካብ ዝብሃል ዓመታት ሓሊፉ

እዝን ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእ ተረኽቦታትን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክፍጸም ከሎ ህዝቢ ዓገብ ኢሉ ተቓውሞኡ ከስምዕ'ዩ ዝግባኦ ነይሩ። ሕጂ'ውን ዝመጸ ይምጻእ ንፍርሂ ቀንጢጡ ዓገብ ክብል እንተዘይጀሚሩ፤ ንመሰሉ ክሓትት እንተዘይተላዒሉ ገባቲ ስርዓት ምልኩ ከትርረሉ እምብር ክፍኵሰሉ ኣይኰነን።  

 ብሓጺሩ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምዃና፡ኣብ ትሕቲ ሓደ ጉጅለ ብመሪሕነት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅዋም ብኣዋጃት ጥራሕ ካብ ትማሓደርን  ኣብ ኣድላይነት ዘይነበሮ ውግኣት ካብ ትሽመምን፥ ብደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ክትሳቐ ጸኒሓ ኣላ። ብጀካ እቲ ስርዓት ካልእ ስራሕ ክኸፍትን ሰራሕተኛ ክቖጽርን ስለ ዘይፍቐድ ብሕታዊ ጽላት ቦታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሰብ ሰሪሑ ክነብረላ ኣብ ዘይትኽእል ሃገር ስለ እተቐየረት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት ከምርሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢሃገር ዝነብር ህዝብና ድማ በቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝብና ዝልኣኸሉ ደገፍ ስለዝነብር ናይ ሓዋላ ተጸባዪ ኰይኑ ኣሎ።

ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዘይንቡር ኣነባብራ ንምውጋድን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን እቲ እንኮ ፍታሕ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም ምዃኑ ይኣምን ንዕኡ ንምርግጋጽ ድማ ይቃለስ።

እዚ ዕማምዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዕማም እዩ። ከፍርዩ እንተዀይኖም ድማ ብሓደ ልሳን ክዛረቡ የድልዮም። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ክጥርነፉ የድልዮም። ነዚ ዘማዕደወ ድሕሪ ዕቱብ ክትዓትን ምይይጥን ብተሳትፎ ናይ ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ኣካላት ኤርትራ ኣብዘን ዝስዕባ 4 መትከላት ማለት፥

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

መሰረት ዝገበረ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ብድሕርዚ ሓያሎይ ሓይልታት ሕጂ ካባና ወጻኢ ዘለዉ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውድብ ሓድነት ኤርትራን እተሳተፍዎ፥ ብምውህሃድ መስርሕ ሓሊፉ፥ ሓያሎይ ግዜ ዝወሰደ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት እተሳተፉሉ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን መርሓ ጎደናን ተነዲፉ ምንባሩ ክጥቀስ ዝግባኦ ሓቂ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንዅሎም ኣብዚ ታሪኻዊ ምስንዳእ ሰነዳት እተሳተፉ ኣካላት ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርበሎም እፈቱ።

እዚ ሕጂ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መትከላትን ንድፍታትን ተመርኵሱ ዓንዲ ሕጊ ኣቝሙ፥ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓንጺጹ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ሓያሎይ ስጉምቲ ተጓዒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሕዳር (November)  2023 ክሳብ ዕለት 01 ንሓሰ 2024 ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖ ሓ ኤ 26 ኣኼባታት ኣክዪዱ። 2 ግዜ ንመላእ ኣባላት ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ንምልላይን ሓበሬታ ንምሃብን ኣኼባታት ኣካዪዱ። ኣብዚ ዋዕላዚ ድማ ነዚ ጽላል ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱን 3 ተጠባበቕትን ማእከላይ መሪሕነት ቅይሙ ከም ዘሎ ከበስር እፈቱ።

ሳላ'ዞም ህርኩታት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ድማ ክሰምዕን ከንብብን ንዝደሊ ብኣጻብዕቱ ጥውቕ ምባል ጥራሕ'ዩ ዘድልዮ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ እተኻየደ ኣአዳሲ ዲፕሎማስያዊ ስራህ ከኣ፡

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣቚሙ ኣብ ዕለት 05ን 06ን ሰነ (June) 2024 ብክብ ዝበለ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሰበ ስልጣን ብራሰልስ ዕዉት ርኽክባት ኣካዪዱ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካል ናይዚ ዑዶትዚ ክኸውን ነይርዎ ግን ብጸገማቱ ብኣካል ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ኩሉ ካብ ምድላው ዝቐርብ ትሕዝቶ ክሳብ ውጽኢቱ ዝተኸታተለ ስለ ዝዀነ ከም ኣካል ናይዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክቝጸር ይክኣል።

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤኡ ድሕሪ ምግባር ምስ ፖሓ ኤ ሓቢሩ ዝሰፍሐ ጽላል ከቕውም ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

ከምኡ'ውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ኀውጢ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣካል ናይዚ ፖሌቲካዊ ሓይሊ' ዚ ኰይኑ ከደልድሎ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ 4 መትከላት ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፖሌቲካዊ ሓይልታት ኣካል ናይዚ ጽላልዚ ኰይኖም ግዴኦም ከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝዓለመ ትጽቢታት ምእንቲ ከርዊ፥ ነቲ ኣብዚ ዋዕላ ዝቖመ መሪሕነት ምሉእ ሓላፍነት ሂቡዎ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሕሱም ጨካን ምሕደራ ሓራ ዝገላገል ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ምዃኑ ይኣምን። ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ካልእ ሓይሊ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ሃለዋት ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ዘሎ ብንቕሓትን ትብዓትን ከይወገደ ሓራ ክኸውን ስለዘይክእል ብቐዳምነት ንፍርህን ራዕድን ደርቢዩ ንመሰሉ ክጣበቕ የድልዮ። ገባቲ ስርዓት ሻዲኑ ዘሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ስለ ዝቦኾረ እዩ። እዚ ባህሊ'ዚ ክምለስ ኣለዎ።

መላኺ ስርዓት ንልዑላውነት ሃገርና ክከላኸል ከም ዘይክእል፡ብኣንጻሩ ብዘይ ወኸሳን ደገፍን ድልየትን ህዝብና ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ካብ ኣፍ'ቲ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ "2 ህዝቢ ኢዮም ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ'ዩ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ኣይከሰርናን. . . "ወዘተ. . . ክብል ከሎ ብግልጺ ምስማዕና እኹል ጭብጢ'ዩ። እዚ ርኡይ ጥልመት'ዩ። ኵሎም ሃገራውያን ድማ ኣንጻሩ ደው ክብሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ኣብ ስልትታቱ ክቕይሮ ዘለዎ ንገራት እኳ እንተለዎ፡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ።  ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽኩ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ካየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንዝተኸልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን ብዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።

እንተ'ቶም ዑቝባ ሓቲቶም ክነሶም ንሕና ምስ መንግስትና ዝብሉ ካልእ ኩሉ ገዲፎም ንጠቕሞም ክብሉ ኢዶምን እግሮምን መልሓሶምን  ክዕቅቡ ነተሓሳስቦም። ንምዕዶና ነጺጎም ናይ ጥፍኣት መገዲ ክቕጽሉ ምስ ዝመርጹ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ነጠንቅቖም።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርከብ ዓመጻዊ ስጉምታት ተወጊዱ ንፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዝውተር ንጽውዕ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።

ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን  ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ኣውላላ ኣብ ዝበሃል ጫካ ዝነበሩ፡ ከባቢ 2500 ሱዳናውያን ስደተኛታት “ናብ ሃገርና ብእግሪ ክንምለስ ኢና” ከም ዝበሉ “ሬድዮ ደባንጋ” ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።

ናይቶም ኣብ ጫካ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ኣካል፡ ንሬድዮ ደባንጋ ከም ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ዝበጽሑ ድሕሪ 98 መዓታት ኣብ ጫካ ምጽናሕን ኣብ ክልተ ሰሙን ጥራይ 2ተ ሰባት ብጥይት  ካለኦት ክልተ ቆልዑ ድማ ብጥሜት ምስ መቱዎምን ከምኡ ከኣ 23 ሰባት ምስ ቆሰልዎም ምዃኑ እታ ሬድዮ ሓቢራ። በዝን ብካልእን ምኽንያታትን ልዕሊ 6 ሺሕ ዝነበረ ቁጽሮም ናብ ከባቢ 2500 ከም ዝወረደ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብቶም ስደተኛታት 24 ኣካለ-ጐደሎ፡ 64 ሕሙማት መንሽሮ፡ ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሕማም ኩሊት፡ ብዝሒ ደምን፡ ልብን ኣዝማን ዝተጠዑ ሰባት ከም ዝርከብዎም፡ እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ናይቶም ስደተኛታት ኣወሃሃዲ ኣካል፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ  ተሓባበርቲ ኣካላትን ነቶም ስደተኛታት ከሰንይዎም ጸዊዑ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ብወገኖም ኩመርን ኣውላላን ካብ ዝበሃሉ መደበራት፡ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 35 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ሕድሽ መደበር ኢፍተር ናይ ምስግጋር መደብ ከም ዘሎ ሓቢሮም። እዞም ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ ብመተማን ኩምሩክን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ እዮም።

                       

EPF Headed Paper

 07 ነሓሰ 2024

እቲ ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ብተበግሶ ሓርበኛ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን-ናው) ዝጀመረ መስርሕ ሓባራዊ ከይዲ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ)፡ ደጊም ናብ ልዕል ዝበለ ብራኸ ብምውጻእ 1ይ ዋዕላኡ ካብ ዕለታት 05-08 ነሓሰ 2024 ኣካይዱ፡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ እዚ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብኣካልን ብዘሎ ምዕቡል ናይ ማንዛ ርኽክባትን ብምውህሃድ ዝተኸየደ ዋዕላ’ዚ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ራዕድን ሽበራን መቕዘፍትን፡ ኣብ ዞባና ንፈጢሩዎ ዘሎ ጸገማትን ንምዕራፍ፡ ብተወሳኺ`ውን ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ምስ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደሽቲ ዘየቕስኑ ኩነታት ብምዝማድ፡ ህዝብናን ሃገራናን ካብዚ ሽግራትዚ ንምውጻኡ ክግበር ንዝግባኦ መዋጽኦታት ኩሉ ብዕምቆት ዘትዩሉ። ንዝመጽእ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጠመተ ብምግባር፡ ፖሓኤ ዝምርኮሰሎም ፖሊቲካዊ መትከላትን፡ ዕላማታትን ቅዋማዊ መቖሚታትን ሓንጺጹ።

እቲ ካብ መፋርቕ 2020 ዝጀመረ ከይዲ ጉዕዞ ብዙሕ ብድሆታት ዝነበሮ ኮይኑ፡ እሞ`ውን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብኺኖቲ ግናይ ምልካዊ ስርዓት ተጻዒኑዎ ዝጸንሕ ጉድለት፡ ናይ ተቕወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ጸገምን፡ ክብድህ ዝኸኣለ ባና ናይ ዓወት ኣብሪሁ ምህላዉ’ዩ። ብርግጽ`ውን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ሓይልታት ብሃንቀውታ ዝጽበዩዎ ትስፉው መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ’ውን ብኻልኦት ሓይልታት ከምዝትርንዕን ናብቲ ህዝብና ዝደልዮ ናይ ዓወት መንገዲ ከም ዝበጻሕና ዘበስርን ክኸውን`ዩ።

እዚ ዕዉት መስርሕዚ፡ ክዉን ዝገበሩ ኩሎም ኣባላት ናይ እዘን ሰለስተ ውድባትን ሰልፍታትን ዝነኣድ ኮይኑ፡ ብዝያዳ`ውን እቶም ነዚ ቅዱስ ዕማም ናብ’ዚ ብራኸ’ዚ ከብጽሑ ዝኸእሉ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣዚና ነመስግን። ንኹሉ ዝሓለፍዎ ስርሓቶም ዘንጸባርቕ ጸብጻቦቶም ብጽሞና ሰሚዑን ተቐቢሉን፡ ብማዕሪኡ`ውን ኣመስጊኑን። ከምኡ’ውን ነዚ ዕዉት ዋዕላና ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ምሳና ንዝቐነዩን ፡ ነዚ ህዝባዊ ዓወት ንዘቃልሑን ወነንቲ ኤሪትራዊ ማሕበራዊ መራኽቢታት ኤሪሳት፡ ኤሪፒኤም፡ መስከረም 61፡ ስኒትና ኔትዎርክ፡ ኣሰና፡ ራድዮ ኤረና፡ ሃገረይ ቲቪን፡ መላ መድያን ደጋጊምና ነመስግኖም።

ዋዕላና፡ ነቲ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝተነብረ ሃገራዊ መቆምያታት ማለት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፣ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብ፣ ዲሞክራስያዊ መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ንዝብል ቅቡል ጌሩ ንኸዕውቶ ወሲኑ ኣሎ። 

ዋዕላና፡ ንላዕለዋይ መሰጋግሪ ሽማግለን፡ ንመስርሕ ምስንዳእ ዋዕላና ብዕትበት ንዝሰርሑን እንዳኣመስገነ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሰንኪ እዚ ገባቲ ስርዓትዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ፡ ሕሰምን ስቅያትን ስድራ ቤታዊ ፍልሰትን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምዕራፍ፡ ምልጋስ ናይዚ ስርዓትዚ መተካኣታ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ህዝብና ነዚ ክዓጥቕን፡ ዘሎዋ ፖሊቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን`ውን ነዚ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ዓወት መሳልል ብሓባር ክድይቡዎን ክጸናበሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ዋዕላና ጸዊዑ።

ዋዕላና፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ክዕመሙ ዝግባኦም ህዝባውን ፖሊቲካውን መደባት ሓንጺጹን ንዝምልከቶ መሪሕነት ሓላፍነት ኣሰኪሙን። ንምክልኻል ልዑላውነት ኤርትራ፣ ንሓባራዊ መኸተ ደምበ ተቓውሞ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ንህዝባዊ ማዕበልን መንእሰያዊ ባህርያቱን፣ ንዝምድናታት ምስ ከባቢናን ዓለምናን፣ ክመጸና ንዝኽእል ዶብ -ሰገር ሓደጋታት፣ ከምኡ`ውን ንሰብኣዊ መሰላት ህዝብና ኣመልኪቱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ወሲዱ። ዋዕላና፡ ኩሎም ኣባላት ፖሓኤ ነዚ ውሳኔታት ምስ ዝምልከቶም ተመሳሰልቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክኸድድዎን፡ ከድምዑሉን ይጽውዕ። ብማዕረዚ`ውን ኣሕዋት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ንዘሎና ንኣሽቱ ፍልልያት ብምውንዛፍ፡ ንምእላይ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ሓቢርና ንኽንሰርሕ ይጽውዕ።

ዋዕላና ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ነዚ ውሳኔታትዚ ንዝመጽእ 2 ዓመታት ዝመርሑ 21 ኣባላትን፡ 3 ተጠባበቕትን ዘሎዉዎ፡ መሪሕነት ኣቚሙ። ፖሓኤ ንቐጺሉ ሒዙዎ ዘሎ ፈላሚ ሓባራዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ንምዕዋት ክሰርሕ ምዃኑኣረጋጊጹ።

ዓለምና ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ክርዳእን ዘድሊ ሓገዛት ንህዝብና ክልግስን ኣንዳጸዋዕና፡ ነቲ ድሮ ተፈጺሙ ዘሎ እንዳኣመስገንና ንዝያዳ ተሳታፍነቶም ንጽውዕ።

ብሓድነት ንሓርነት! 

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ከተማ ቪስባደን፡ ጀርመን

ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ።

6 ነሓሰ 2024

EPF Headed Paper

ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንኽልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኢዩ።

ክቡር ኣቶ ያሲን ዓብደላ ም/ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ

ክቡር ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳያት

ክብርቲ ወሮ/ ኣድያም ተፈራ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ክቡራንን ክቡራትን ብኣካልን ብዙምን ተሳታፍቲ ዋዕላ

ክቡራት ብኣካልን ብዙምን ትሳተፉ ዘሎኹም ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን

ብስመይን ብስም ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካልን ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ዋዕላዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና። ዓወትን ኣሳልጦን ዝመልኦ ቅንያት ይግበረልና።

ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣደዳ ስቓይን ሕማምን ድንቁርናን ድኽነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለ ዝዀነት ናብ ህዝባ ከተንብር ዘይትኽእል ሃገር ተቐዪራ ኣላ። ኣብ ኤርትራ እቲ ንቡር ዘይኮነ ኩነታት ከም ንቡር ስለ እተወስደ ዘርዚርካ እውን ስለ ዘይውዳእ ሓደሓደ ኣብነታት ጥራሕ ክጠቅስ እየ።

* ደረት ኰነ ግቡእ ዓስቢ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ካብ 94 ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ኣሎ። መሰሉ ዝፈልጥ ንቑሕ ዜጋ ካብ 18 ኣዋርሕ ንላዕሊ ከገልግል ኣይምፈቐደን። ግን ዘይግቡእ ክነሱ ይቕጽል ኣሎ።

* ኣብ ገዛእ ሃገርካ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክትጓዓዝ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ከድልየካ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* 11 ክፍሊ ምስ ወዳእካ ናብ ሳዋ ወይ መደበር ታዕሊም ምኻድ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብዝንባሌኻን ብዓቕምኻን ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ትኣቱ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝመደበካ ምእታው ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብሰንኪ ግጉይ ኣመዳድባ፡ ስራሕ ቈልዑ ብዘይ ኣቦን ኣደን ክዓብዩ ምርኣይ ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ።

* እቲ ውልዕ ኢሉ ብኣጋኡ ዝጠፍኤ ብሕታዊ ጋዜጣታት ካብ ዝእገድ 23 ዓመታት ኣቝጺሩስ፥ ገባቲ ስርዓት ዝዝርግሖ መራኸቢ ብዙሓን ምስማዕ ጥራሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።

* ብሓጺሩ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጉጅለ ብመሪሕነት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅዋም ብኣዋጃት ጥራሕ ካብ ትማሓደርን ኣብ ኣድላይነት ዘይነበሮም ውግኣት ካብ ትሽመምን፥ ብደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ክትሳቐ ጸኒሓ ኣላ። ብጀካ እቲ ስርዓት ካልእ ስራሕ ክኸፍትን ሰራሕተኛ ክቖጽርን ስለ ዘይፍቀድ ብሕታዊ ጽላት ቦታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሰብ ሰሪሑ ክነብረላ ኣብ ዘይትኽእል ሃገር ስለ እተቐየረት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት ከምርሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ድማ በቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝብና ዝልኣኸሉ ደገፍ ስለዝነብር ናይ ሓዋላ ተጸባዪ ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ዘይንቡር ሃለዋት’ዚ ሃገሩ ናጽነትን ሓርነትን ከጓናጽፍ ን 30 ዓመታት እተቓለሰ ህዝቢ ከቶ ዝግብኦ ኣይኰነን። ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዘይንቡር ኣነባብራ ንምውጋድን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን እቲ እንኮ ፍታሕ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም ምዃኑ ይኣምን፥ ንዕኡ ንምርግጋጽ ድማ ይቃለስ።

እዚ ዕማምዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዕማም እዩ። ፖ ሓ ኤ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ሚነሶታ ብ2019 እተጀመረ ብነብሰሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል (ሱዳን ናው) ኣብ 2020 እተቐጸለ ንሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ንምጥርናፍ ዝዓለመ ምትእኽኻብ እዩ። ድሕሪ ዕቱብ ክትዓትን ምይይጥን ብተሳትፎ ናይ ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ኣካላት ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝስዕባ 4 መትከላት ማለት፥

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

መሰረት ዝገበረ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ብድሕርዚ ሓያሎይ ሓይልታት ሕጂ ካባና ወጻኢ ዘለዉ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውድብ ሓድነት ኤርትራን እተሳተፍዎ፥ ብምውህሃድ መስርሕ ሓሊፉ፥ ሓያሎይ ግዜ ዝወሰደ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት እተሳተፉሉ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን መርሓ ጎደናን ተነዲፉ ምንባሩ ክጥቀስ ዝግባኦ ሓቂ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንዅሎም ኣብዚ ታሪኻዊ ምስንዳእ ሰነዳት እተሳተፉ ኣካላት

ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርበሎም እፈቱ።

እዚ ሕጂ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መትከላትን ንድፍታትን ተመርኵሱ ዓንዲ ሕጊ ኣቝሙ፥ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓንጺጹ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ሓያሎይ ስጉምቲ ተጓዒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሕዳር (November) 2023 ክሳብ ዕለት 01 ንሓሰ 2024

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖ ሓ ኤ 26 ኣኼባታት ኣክዪዱ። 2 ግዜ ንመላእ ኣባላት ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ንምልላይን ሓበሬታ ንምሃብን ኣኼባታት ኣካዪዱ።

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣቚሙ ኣብ ዕለት 05ን 06ን ሰነ (June) 2024 ብክብ ዝበለ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሰበ ስልጣን ብራሰልስ ዕዉት ርኽክባት ኣካዪዱ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካል ናይዚ ዑዶትዚ ክኸውን ነይርዎ ግን ብጸገማቱ ብኣካል ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ኩሉ ካብ ምድላው ዝቐርብ ትሕዝቶ ክሳብ ውጽኢቱ ዝተኸታተለ ስለ ዝዀነ ከም ኣካል ናይዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክቝጸር ይክኣል።

ንዋዕላን ፈስቲቫልን ዘሰናድኣ ሽማግለታት ቆይመን ስርሐን ኣጻፊፈን ናብዚ ዋዕላዚ ክንራኸብ በቒዕና ኣሎና። ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጽሓየን።

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን ክጸድቕ፥ ነዚ ጽላል ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱን 3 ተጠባበቕቲ ዝህልዉዎ ማእከላይ መሪሕነት ብመሰረት ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ክቐውም እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤኡ ድሕሪ ምግባር ምስ ፖሓ ኤ ሓቢሩ ዝሰፍሐ ጽላል ከቕውም ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ’ውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣካል ናይዚ ፖሌቲካዊ ሓይሊ’ዚ ኰይኑ ከደልድሎ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ 4 መትከላት ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣካል ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ኰይኖም ግዴኦም ከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝዓለመ ትጽቢታት ምእንቲ ከርዊ፥ ነቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ምሉእ ሓላፍነት ክዋሃቦ ክብ ዝበለ ትጽቢት ኣሎ።

ጀሚርናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብዘትኣማምን መንገዲ ሸቶኡ ከም ዝሃርም ኣይንጠራጠርን፥ ከመይ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዝሰፍሐ ጥርናፈ ንኽረጋገጽ፥ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ክኽፈል፥ ክግበር ዘለዎ ሕድገታት ክግበር ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ቀዳምነታትና ሰሪዕና ንጉዓዝ ስለዘሎና እዩ። ምጥቕቓዕ ሕድሕድ ወጊድና፡ ናይ እንካን ሃባን ኢሂን ሚህን ባህሊ ሒዝና ክንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ፡

እቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ክቕጽሎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎና። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ምስራጽ ውሕስነት ንምዕዋት ናይ ቀረባ መደብን መሰረት ናይታ ኣብ ኣእሙሮና ዘላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሕሱም ጨካን ምሕደራ ሓራ ዝገላገል ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ምዃኑ ይኣምን። ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ካልእ ሓይሊ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ሃለዋት ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ዘሎ ብንቕሓትን ትብዓትን ከይወገደ ሓራ ክኸውን ስለዘይክእል ብቐዳምነት ንፍርህን ራዕድን ደርቢዩ ንመሰሉ ክጣበቕ የድልዮ። ገባቲ ስርዓት

ሻዲኑ ዘሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ስለ ዝቦኾረ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ክምለስ ኣለዎ።

መላኺ ስርዓት ንልዑላውነት ሃገርና ክከላኸል ከም ዘይክእል፡ ብኣንጻሩ ብዘይ ወኸሳን ደገፍን ድልየትን ህዝብና ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ካብ ኣፍ’ቲ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “2 ህዝቢ ኢዮም ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ኣይከሰርናን. . . ወዘተ”. . . ክብል ከሎ ብግልጺ ምስማዕና እኹል ጭብጢ’ዩ። እዚ ርኡይ ጥልመት’ዩ። ኵሎም ሃገራውያን ድማ ኣንጻሩ ደው ክብሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

እንተ’ቶም ዑቝባ ሓቲቶም ክነሶም ንሕና ምስ መንግስትና ዝብሉ ካልእ ኩሉ ገዲፎም ንጠቕሞም ክብሉ ኢዶምን እግሮምን መልሓሶምን ክዕቅቡ ነተሓሳስቦም። ንምዕዶና ነጺጎም ናይ ጥፍኣት መገዲ ክቕጽሉ ምስ ዝመርጹ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ነጠንቅቖም።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርከብ ዓመጻዊ ስጉምታት ተወጊዱ ንፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዝውተር ንጽውዕ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።  ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

6 ነሓሰ 2024

EPF Headed Paper

ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዝርከብ ንኽልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኢዩ።

ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሰሉስ ዕለት 5 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ቪዝባደን፡ ሃገር ጀርመን፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ: ነቲ ዋዕላ ብዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ኢያ ኬፊታቶ። ቀጺላ፤ ንኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፤ ንኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡ ምክትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፤ ንኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማስን መጽናዕትን ብዝገበርዎ ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋን፤ ንኹሎም ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈትን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን፤ ብኣካል ይኹን ብዙም ወይ ማንዛ ዝተሳተፉ ኣባላት ሚድያ ምስጋንኣንመጐሳን ገሊጻ። ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሚድያታት እዘን ዝስዕባ ኢየን።

1. ኤሪሳት/ Erisat

2. መስከረም 61 ነትወርክ/ September 61 Network

3. ኤሪፒእም /Eripm

4. ረድዮ ኤረና Radio Erena

5. ሃገረይ ቲቪ Hageray TV

6. ስኒትና ነትዎርክ  Snitna ነትዎርክ

7. ኣሰና /Asena

ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቭል፡ ንሓው ኣለምሰገድ ኣርኣያ፡ በዓል ሞያ ምቕራጽ ቪድዮ፡ ካብ ምኽፋት ናይ’ቲ ዋዕላ ክሳብ ምዕጻው ነቲ ተረኽቦ ብቪድዮ  ኣብ ምስናዱ፥ ከምኡ'ውን፡ ነተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሚድያታት ብሓበራ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ክብ ዝበለ ምስጋናኣን መጐሳን ገሊጻ።

ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ24 ለካቲት 2024 በኹሪ ኣኼባ ከምዘካየደት ሓቢራ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣደ መንበር፡ ምኽትል ኣደ መንበርን ዋና ጽሓፍን ተመሪጾም/ን። ብ2 መጋቢት 2024 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንነብሳ ኣብ 4 ንኡሳን ሽማግለታት ብምክፍፋል ስርሓ ጀሚራ። እተን 4 ንኡሳን ሽማግለታት ናይ ሰነዳት፡ ናይ ቀረብ/ሎጂስቲክስ፡ ዜናን ጉዳይ ተሳተፍቲ ዋዕላን መሳለጢታቱን ኢየን። ኣብ ልዕሊ’ቶም 9 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኦት ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምውሳኽ ድማ ስርሐን ጀሚረን።

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምእካብ ናይ ሕድሕድ ምልላይ መደብ ድሕሪ ምክያድ፤ ንስርሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ  ዝምልከት መምርሒታትን  መብርሂታትን ድማ ኣመሓላሊፉላ።  እቲ መምርሒታት ድማ፡-

1. ንድፊ ሰነዳት ዋዕላ ኣጻፊፋ ናብ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከተቕርብ፤

2. ንዋዕላ ዝምልከት ፋይናንስያዊ፡ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ምድላውን ዋዕላ ዝጋብኣሉ ቦታ ምርካብን፤

3. ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንምክያድ ዘድሊ ተክኒካዊ መሳለጢታት ምውዳድን ዝብል ነበረ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝጋብኣሉ ቦታ ኣብ ከተማ ቪዝባደን ክኸውን ብኣጋኡ ቦታ ብምሕዛእ፥ ወከልቲ ሰለስቲአን ፖለቲካዊ ሓይልታት ብኣካል ተራኺቦም ዝዝትይሉ መድረኽ ኣዳልያ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ዝርከቡን ዝርከባን ኣባላት ሰለስቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዙም ወይ ብማንዛ ክሳተፉ ዘኽእሎም  ኩሉ ዝከኣል መሳለጢታትን ምድላዋትን ጌይራ። ጠቕላላ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ዋዕላ ብኣካልን ብዙምን  60 ኰይኑ ገሊኦም ብኣካል ገሊኦም ከኣ ብማንዛ/ ብዙም ኢዮም ተሳቲፎም።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ብሓለፍትን ኣባላትን ለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንዝተገብረላ ምትሕብባር ብምምስጋንን ዕዉት ዋዕላ ንክኸውን ንዘለለዋ ትምኒትን ተስፋን ብምግላጽን መደሪኣ ዛዚማ። 

ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ኣካል፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ዘስምዖ ቃል ከም ዘለዎ ከነቕርቦ ኢና። ተኸታተሉና።

ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግናን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መስርሕ ምምዝጋብ ወዲኣ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ከይረኸበት ናብ መበል 14 ጉባአኣ እንተኣትያ፡ ኣብ ቀጻሊ ምርጫ ክትሳተፍን መንግስቲ ክምስርትን ከምዘይኽእል ኣፍሊጡ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነዚ ዘፍለጠ ብ22 ሓምለ 2024 ምስ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ህልዊ ኩነታት ህወሓት ብዝምልከት ብተሳተፍቲ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እዩ።

ኣብቲ ሰፊሕ መብርሂኡ፡ ቅድሚ ሕጂ ትግራይ ብደረጃ ኢትዮጵያ ምርጫ ተናዊሑ ክነሱ፡ ነቲ ምንዋሕ ኣይንቕበልን ብምባሎም ዘይሕጋዊ ምርጫ ብምክያዳ  ሽግር ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ሎሚ ግና ክድገም የብሉን ኢሉ። መራሕቲ ህወሓት በዚ ጀሚርዎ ዘለዉ መስርሕ ምምጋብ ከየማልኡ ናብ ጉባአ እንተኣትዮም እቲ ቀዳማይ ዝጉዳእ ከም ውድብ ህወሓት እያ፡ ድሕሪኡ ዝጉዳእ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ፡ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ዝጠቅም ኣይኮነን ኢሉ። ስለዚ ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳዶም ደጋጊሞ ይሕሰሉ ክብል ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣስታት 1030 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ካድራትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት 11 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣካይዶም፡ ዳርጋ ብናይ ርኢቶ ፍልልይ ከም  ዝዛዘሙ ሕያሎ ካብቶም ተሳተፍቲ ይገልጹ ኣለዉ።  ኣብ መወድእታ ኣኼባ፡ እቲ ካብቲ ሕጋዊ ግዜኡ 4 ዓመታት ከም ዝሓለፎ ዝንገረሉ መበል 14 ጉባአ ናይ ህወሓት  ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ክካየድ ብብዝሒ ድምጺ ወሲኑ። ናይ ህወሓት ኣባል ማእከላይ ኮሚተን ወሃቢ ቃልን ኣቶ ኣማኑኤል ኣስፋ ብወገኑ ድሕሪቲ ውሳነ ናይቲ ኣኼባ ምስ ልሳናት ናይቲ ውድብ ኣብ ዝግበሮ ርክብ፡ ጉባአ ንምክያድ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ፈቓድን ተዓዛብነትን ከይተጸበዩ ጉባአ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ። እዚ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሓውሲ መጠንቀቕታ ዘረባ ንከስምዕ ዝገደዶ እዚ ናይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣበሃህላ ምዃኑ ከኣ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ካብታ ውድብ እውን ኣኼባ ክካየድ ዘይድግፍ ወገን ከምዘሎ ይንገር እዩ።

እዚ ኣብ ርእሲቲ ናይ ራያ፡ ጸለምትን ወልቃይትን ወጥሪ ዝውስኽ ዘሎ፡ ብወገን ህወሓት “ከም ሓድሽ ምምዝጋብ ከየድለየኒ ዝነበረኒ ደረጃ ይመለሰለይ” ዝብል ሓሳብ ከተቕርብ እንከላ፡ ብወገን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ድማ “ተሰሪዝኩም ስለ ዝጸናሕኩም ከም ሓድሽ ዝተሓተትኩምዎ ቅድመ-ኩነት ኣማሊእኩም ኢኹም ትምዝገቡ” ዝብል ተጻራሪ ርኢቶ ስለ ዘለዎ እዩ። ከምቲ ቦርድ ምርጫ ዝብሎ ዘሎ እንተኮይኑ፡ ህወሓት  በይና ኮነ ከም ኣባል ኢህወደግ ዘጥረየቶ ንብረትን ገንዘብን ናይ ዘይምምላስ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል’ዩ።

ኣቦመንበር ህወሓት ዶር ደብረጽዮን ገበረሚካኤል

ዶር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል  ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሓቢሮም ንትግራይ ዝወግኡዋ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን በቲ  ከም ዝተፈጸመ ብዙሓት ዝእምንሉ ህልቂት ሰባት (Genocide) ክሕተቱ ዝግበኦም እዮም ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገኑ ዝተፈጸመ ህልቂት  ኢሎ ኢሉ ከምዘያምን ጠቒሱ፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ክሕተት  ድልዎ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ብ16 ሓምለ 2024 ምስታ ሬድዮ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ኣስታት 600 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጠቒሱ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ድማ ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሩ።

ኣብቲ ግዜ ውግእ ፕረሲደንት ክልል  ትግራይ ዝነበረ ዶር ደብረጼን፡ እቲ ውግእ ብ2 ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሮተርያ ጠጠው ስለ ዝበለ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ዝስማዕ ተኹሲ የለን ኢሉ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረብቶም ስለ ዘይተመለሱን ቅድሚ ውግእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ መሬት ብሉእ ብምሉእ ካብ ኢድ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ናጻ ብዘይምውጽኡ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ኣይተወገደን ከም ዝበለ እታ ሬድዮ ኣፍሊጣ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበሩ ዝግበኦም ዝነበሩ ምምላስ ተመዛበልትን ዕጥቂ ዝፈትሑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ መሊስካ እግሪ ምትካልን፡ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንድቲ ዝድለ እኹል ፋይናንሳዊ ሓገዝን ምትሕግጋዝ ስለ ዘይተረኽበ ኣይተተግበሩን ኢሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ካብ ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ኣብ ራያን ጸለምትን ምምላስ ጀሚሮም ከም ዘለዉን እቲ ስርሒት ኣብ ወልቃይት-ሑመራ ንክቕጽል መደብ ከም ዘሎን ይሕበር ኣሎ።