ካብቶም ደብዳበ ዝጻሓፉ ብኸፊል ዝርከብዎም፡

ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካን ኣወስትራሊያን ዝነብሩ ዳርጋ ኩሎም ናይ ዶክተራት ማዓርግ ዘለዎም ምሁራትን ክኢላታትን ደቂ ኦሮሞ ብ5 ሰነ 2025 ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣብ መርበብ “ኦሮሞ መዲያ ኔትዎርክ (oromo media natwork) ወጺኡ። 

እዞም ዝርዝር ኣስማቶም ምስቲ ደብዳበ ኣተሓሒዞም ዘስፈሩ 85 ምሁራትን ክኢላታትን፡ ኣብቲ ደብዳበኦም “ኣብ መበል 34 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስማዕካዮ መደረ; ኣብ ልዕሊ መንነት  ኦሮሞ ንዝፈጸምካዮ፡ ዘይተጸበናዮ መጥቃዕቲ ኣዕዚዝና ንኹንኖ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ዘትኮረ ዝመስል መደረኡ፡ ምስ ኦሮሞ ከተሓሕዞ ብምፍታን “ኦሮሞማ” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እዚ ተግባር ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንነት ኦሮሞ ዝነበሮ ኣወንታዊ ሚዛንን ኣረኣእያን ዘበላሹ እዩ ኢሎም ገሊጸምዎ።

ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ዘይጥዑይ መልክዕ ምሓዙ፡ ብ28 ለካቲት 2020 ናብ ኢሳያስ ደብዳበ ጽሒፎም ከም ዝነበሩ ዝጠቐሱ እዞም ምሁራትን ክኢላትታን፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽቶም፡ ኢድ ኣእታውነት ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘየርብሕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ካብ ምእታው ንክትቁጠቡኳ ተማህጺነምዎ እንተነበሩ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ምሕጽንታ ተቐቢሉ፡ ዘመሓይሽ  ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ  ዘለዎ ኣረኣእያ  እናኸፍአ ከም ዝመጸ ኣብቲ ደብዳበኦም ጠቒሶም።

እቶም ምሁራት ብኦሮሞነቶም ከም ዝሕበኑ ብምጥቃስ፡ እንተደኣ “ኦሮሞነት” ብኣሉታ ዝግለጽ ኮይኑ፡ “ትግርኛነት ከደኣ ብኸመይ ቅኑዕ ይኸውን?” ክብሉ ብምጥቃስ፡ መደረ ኢሳያስ ተጋራጫዊ ምንባሩ ኣስፊሮም። ኣብቲ ኣብ ዘየለ ነገር ዝበልዎ፡ “ኩሽቲኽ-ሰመቲክ” ዝበልካዮ ድማ ከምኡ ዓይነት ትረኻ ዝዕድም ዘሎ እዩ  ዝመስል ኢለምዎ። “ኤርትራኸ ካብቲ ዝበልካይ እንታይ እያ እትጥቀሞ? ንዝበል ሕቶ ከኣ መልሱ ንዓኻ ንገድፎ ድማ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ዞባና ሰላም ርሒቕዎ ናብ ግሁድ ቅልውላው ዝኣቱ ዘሎም ምዃኑ ጠቒሶም፡ መደረ ኢሳይስ ድማ ነቲ ወጥሪ መሊሱ ወጥሪ ዝውስኽ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንመንነት ህዝብና ዘዋርድ እዩ” ኢለሞ።

እዚ ኢሳያስ ኣብ መደረኡ ንብሄር ኦሮሞ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ቅድሚ እዞም ምሁራትን ክኢላታትን ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ደቂ ኦሮሞ መዛረቢ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።

 

ቃል ሓዘን

Friday, 06 June 2025 10:30 Written by

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኣመንቲ ምስልምና፡ እንኳዕ ናብ መበል 1446 በዓል ዒድ ዓረፈ (ዒድ ኣል ኣድሓ) ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበለ፡  እዚ ክቡር በዓል ናይ ሰላም፡ ቅሳነትን ራህዋን ክኾነልና ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

ኣብዛ ናይ መስዋእትነት ዕለት ኮይና፡ መጻኢና እዚ ኣብ ከባቢና  ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ውግእን ህውከትን  ተቐንጢጡ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ኤርትራውያን ብዘይ  ኣፈላላይ ሃይማኖትን ካልእን ሓቢሮም ኣንጻር ኩሉ ወጽዓታት ተቓሊሶም ዘተኣማምን ህድኣት ዘውሕስሉ ንክኸውን ዘለና እምነት ደጊምና ንገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

6 ሰነ 2025

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብ3 ሰነ 2025 “ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ተሰዊኡ” ዝብል ዜና ብኣዝዩ የሰንብድን ከቢድ ሓዘንን ሰሚዕናዮ።

ብ1943 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ግራረት ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ ኣብ ከረንን ኣስመራን ዝተማህረ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብሞያኡ መምህር ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ካብ ኣባልነት ማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ) 1958 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተሳተፈ፡ኣብውራ ድማ ብሰንኪቲ ኣብ ከተማ ከረን ብ03 መጋቢት 1958 ኣንጻር መደባት ስርዓት ሃይለ ስላሰ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፍን ተሳትፎኡን ብጸላኢ ንዝተፈላለያ ግዳያት ይቃላዕ ከም ዝነበረን ብዛዕባ ድሕረ-ባይትኡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ይምስክሩ።

 ድሕሪ ብረታዊ ተጋድሎ ምምስራት ከኣ፡ ንዝተጀመሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምዕዋት ብ1963 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ይኹን እምበር ንዝነበሮ ኣፍልጦን ስፍሓት ርኽክብን ኣብ ኣገልግሎት ሰውራ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ንምውዳብ ናብ ከተማታት ተመሊሱ ዕማማቱ ንምቕጻል ተመደበ። ጸኒሑ ግን ጠሪሱ ንሜዳ ወጺኡ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ  ካርቱም ክሳብ መላእ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ብተወፋይነት ግዲኡ ኣበርኪቱ። ደሓሪኡ’ውን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝተፈላለዩ ጽፍሒ መሪሕነታዊ ሓላፍነታት ኣብ ሜዳን ወጻእን ግቡኡ ዝፈጸመ ሓርበኛ እዩ።

መሓመድ ዑመር ንጡፍ፡ መደባቱ ንከዕውት ጐዩ ዘይደክምን ዝተረኣዮ ካብ ምዝራብ ንድሕሪት ዘይብልን፡ ተዋዛያይን መኽበሪ ብጾቱን ምንባሩ እውን ዝምስከረሉዩ።

ብመስዋእቲ ምሕላፍ ናይ ኩልና እንኸፍሎ ዕዳ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና መሓመድ ዑመር የሕያ እውን ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ብጾቱ ኣብታ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ።

መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ነባር መቓልስቶም ዝኾነ ሓርበኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር የሕያ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም እናገለጹ፡ ንስዉእ መንግስተሰማያት፡ ንቤተሰቡ፡  መቓልስቱን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይምነዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

4 ሰነ 2025

ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ

ካብ ብሄራዊ ምርጫ ብርድ ኢትዮጵያ፡ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዝያዊ ምስክር ወረቐት ዝተዋህበ ሓድሽ ውድብ፡ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 6 ሳምንታት መስራቲ ጉባአኡ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ። እዚ በቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ዝነበረ ኣካል ህወሓት ዝምስረት ዘሎ ውድብ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ትግራይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ቀበለ ኣካላቱ ዘርጊሑ ኣብያተ-ጽሕፈት ከም ዝኸፍት፡ ኢትዮ-ኢንሳይደር ነቲ ብ31 ጉንበት 2025 ኣብ ሆቲል ሸራተን ኣዲስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ’ያ ሓቢራ።

ናይቲ ሰልፊ ናይ መጀመርያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ፡ ሓደ ካብቶም መስረቲ ዝኾነ ናይ ቅድም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሃቢ ቃል ዝነበረ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ነቲ ግዝያዊ ናይ 3 ኣዋርሕ ፈቓድ ዝረኸቡ ከባቢ ሚእቲ ኣባላት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ናብ ዕላዊ ጉባአ ንምእታው ዘኽእልዎ ኣባላት ናይ ምምልማል መደብ ከም ዘለዎ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ናይ መመልመሊ መዕቀኒኦም ብዝምልከት ከም ዝጠቐሶ ድማ መጻኢት ትግራይ ንዝሃንጽ መንእሰይ ወለዶ ፍሉይ ዝያዳ ቆላሕታ ከም ዝህቡ ኣብሪሁ።

ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣተሓሒዙ፡ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ቀንዲ ኣካላት ሰለስተ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ እሞ ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ፡ ናይ ቀደም ናይቲ ውድብ ባልላት ነይሮም ንለጢ ክቃለስ ዝጸንሐን ንጡፋት  ካድራት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉን ክብል ዘርዚርዎም። ኣብ ርእሲዚ ኣባላት ህወሓት ትግራይ ንዘይነበሩ መንእሰያትን ምሁራት ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃብ እውን ኣመልኪቱ። እቲ ኣገባብ ኣመላልምላ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ጽባሕ ትግራይ ኣብ ምህናጽ ኣስተዋጸኦ ክገብሩ እዮም ዝበሎም ንምስታፍ   ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንኣመሰራርታ ብዝምልከት ከኣ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያን ኣብ ወጻእን ኣብ ዘሎ ትግራዋይ ከም ዘተኩሩ ብምጥቃስ፡ በቲ ናይ ኣመሰራርታ ኣዋጅ መሰረት፡ ሓደ ብሄራዊ ሰልፊ ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ መስራቲ ጉባአኡ ካብ ዝሳተፉ ልዕሊ 60% ነበርቲ ናይቲ ክልል ክኾኑ ስለ ዝግባእ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ኣብ ትግራይ ከም ዝኸውንን መስራቲ ጉባአኦም  ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝካየድን ሓቢሩ።

እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝድሕረ-ባይትኡ “ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ትግራይ” ዝምስረት ዘሎ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብዶ ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ኣካል ህወሓት፡ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ “ውድባዊ ኣባልነቱ ተሰሪዙ” ኣብ ዝተባህለሉ እዩ።

ዓለምና ብኩሉ ነገራ ኣብ ቀጻሊ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ መስርሕ እያ ትነብር። እቲ ለውጢ ግን፡ እወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል‘ዩ። ወዲ ሰብ ከኣ ምስዚ ቀጻሊ መስርሕ ክነብር ናይ ግድን እዩ። ምስቲ ዘይተርፍ መስርሕ፡ ኣብ ክንዲ ምስናይ ካብኡ ምትራፍ ወይ ምቕዳም ከኣ ናቱ ሳዕቤን ኣለዎ። ፖለቲካዊ ኩነታት እውን ከም ዝኾነ ተረኽቦ በዚ  ዝተጠቕሰ መስርሕ ዝግዛእ እዩ። ማለት ንጉዳያት ከም ድላይካ እትገብሮ ዘይኮነስ፣ ምስ ከቢብዎ ዝርከብ ምዕብልናታት ዝግዛእ እዩ። እዚ ከኣ፤ ናይ ፈታዊ ኮነ ናይ ጸላኢ ጽልዋ ዘጠቓልል ሰፊሕ ኣምር እዩ።

እዚ ንሕና፤ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንርከቦ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ብቐጻሊ ብደሆታት ዝተመልአ እዩ። ምስኡ ኣሳኒኻ ምንባር ከኣ ነቲ ብደሆታት ዘመክት ኣገጣጥማ ምርካብ ናይ ድሌት ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ብመሰረቱ እውን ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምቕጻል ማለት በብግዜኡ ዘጋጥሙ ግድላትን ብድሆታትን ምፍታሕ ማለት እዩ። ብደሆታትና ሓንሳብ ምስ ፈታሕናዮም ንሓዋሩ ዘይምለሱ ዘይኮኑስ፣ መልክዖምን ትሕዝተኦምን እንዳቐያየሩ ብዘይምቁራጽ ዝገሃዱ መናብርትና እዮም። ነፍሲ ወከፍ ብደሆ ከኣ ምስ ኣመጻጽእኡ፣ ጠባዩን ባህሪኡን ሓድሽ ንዕኡ ዝምጥን ኣገጣጥማ ዘድልዮ እዩ። ንጉዳያት ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ክትሕዝ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ከኣ ብደረጃ ውድብ ኮነ ውልቂ ሰብ፣ ንዓቕምኻን ብቕዓትካን ዝፈታተን እዩ። ብህዝቢ ዝቐርቡ ናይ ለውጢ ጠለባት፡ ኣብ መወዳድርትኻ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ምእራም ምንቅስቓሳትን ዝረአ ለውጥታት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብኣንጻር እትቃለሶ ዘለኻ ጸላኢኻ ዝፍጠሩ ምዕብልናታት፣ ብደሆታት ሒዞም ዝመጹ እዮም።

ኣብ ሓደ ውሱን መድረኽ ንሓደ ብደሆ ንምግጣም ዝተጠቐምናሉ ሜላን ኣታሓሕዛን ኣብቲ እዋኑ ድማ ዘዐወተና ኣገባብ፡ ኣብ ኻልኦት መደካት ኣዐዋቲ ኮይኑ ይነብር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ናይ ዝሑል ውግእ ጉዳያት ንምውጋን ንጥቀመሉ ዝነበርና ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ካልእ ጉዳያትን ኣተሓሕዛ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ ዓለማውነት (globalization) መዋእል ከም ዘለዎ ከነስርሖ እንተ ፈቲንና ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩሉ ፍልልያት ብናይ ሰዓርን ተሰዓርን ኣገባብ እዩ ዝውዳእ ነይሩ። እዚ ብናትና ናይ ኤርትራውያን ተመኩሮ እነረጋግጾ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ብሓዘንን ጓህን እንዝክሮ ውግእ ሕድሕድ ምስክር ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና ፍልልያት ኩልኻ ተዓዋቲ ብእትኾነሉ መንገዲ ናይ ምፍታሑ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ስለዚ ናይቲ እዋንቲ ቀጥዒ (format) ኣተሓሕዛ ብደሆታት ሎሚ ክንጥቀመሉ እንተ ኢልና፤ ድሕሪት ተሪፍና ኣለና ማለት እዩ። ድሕሪት ምትራፍ ድማ ሓደጋ ኣብርእሲ ምዃኑ ጉዳያት ከየርከብካዮም ማኣዝኖም ቀይሮም ንኽስዕሩካ ዕድል ዝህብ ይኸውን።

ቅድም ዝፈላልዩኻ ዝነበሩ ጉዳያት ኩነታት ምስ ተቐየረ ሎሚ ዘይፈላልዩኻ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ እዋኑ ዘሰማምዑኻ ዝነበሩ ሓሳባት ከኣ፤ ሎሚ ዘየሰማምዑኻ ናይ ምዃኖም ኣጋጣሚ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ‘ዩ፣ ኣብ ደንበ ተቓውሞና እዚ ጉዳይዚ ግቡእን ሓላፍነታውን ግንዛበ ከምዘይረኸበ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ካብ ቀንዲ ጸገማትና ሓደ እዚ ምዃኑ’ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝረአ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት እንዳጠመትካ ዝፈላልየካ ዝነበረ ሕሉፍ ተመኩሮ ምጽሕታ ናይዚ መርኣያ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንድሕሪት ምጥማት ወጺእና ንቕድሚት ተዘይኣቋሚትና፡ ንሓድሽ ብደሆታት ሓድሽ ኣተሓሕዛ ከነምጽእ ከም ዘይንኽል ብምርዳእ እዩ፡ ንተጻባኢ ድሕረ-ባይታታት ገድሊ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ብሓባር ንቕድሚት ንምምዕዳውን ንምስጓምን ዘኽእል ተባዕ ምርጫ ዝወሰደ። እዚ ስጉምቲ ብመትከል ደረጃ ቅኑዕን መተካእታ ዘይብሉን ምዃኑ ይኣምን። ምኽንያቱ መምስ ድሕረ-ባይታና ንነብረለን ካብ ሓደ ንላዕሊ ኤርትራታት ስለ ዘይብልና። ነዚ ተመኩሮ ካለኦት ፖለቲካዊ  ወገናት’ውን ክስዕብዎ እምነቱ እዩ። እዚ ስጉምቲ መርኣያ ወሳኒ ኣድላይነት ንሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ኣገጣጥማ ምርካብ ከኣ እዩ። ዕዉት ዝኸውን ግና ስለ ዝተሓንጸጸ ዘይኮነስ፡ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ሕድገትን ተወፋይነትን ከሰንዮ እንከሎ እዩ።

ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ድኽመቱ ክንዛረብ እንከለና ቅድሚት ዝስራዕ ብሓባር ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ እዩ። እዚ ድኽመት እዚ፤ ንተቓውምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብኻልኦት ዝንገሮን ካብ ካላኦት ዝማሃሮን ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውድብ ኮነ ምንቅስቓስ፤ ክምድርን  ክጽሕፍን እንከሎ ዝተቐበሎ ሓቂ እዩ። መደረን ጽሑፍን ኮይኑ ምትራፉ ድማ‘ዩ ዓወት ክኸውን ዘይካኣለ ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ደንበ ተቓውሞ፡ ንሓደስቲ ብደሆታት ኣብ ክንዲ ብሓድሽ ኣገባብ ዝገጥሞም፣ በቲ ዝኣረገን ዘይሰርሕን፣ ቕርሕንቲ ብዝተመልኤን ቀጥዕታት ክሕዞም ከም ዝጸንሐ ዘመልከት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ንናይ ውልቂ ኮነ እኩብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ንቃለስ ኣለና እንዳበልና፡  መሰሎም ንዝተጠቕሙ ወገናት ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ክንወቅስን ክንከስስን ህርድግ ካብ ምባል ክወጽእ ይድለ። እዚ ተወሳኺ፡ ንካልእ ሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ናይ ኣገጣጥማ ሜላ ከተቕርብ ናይ ዘይምብቃዕ ኣብነት እዩ። ሰዲህኤ ሓደ እዋን ኣብ መጋባእያ ተወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ንደምበ ተቓውሞን ብሓፈሻ ይሕግዝ‘ዩ ዝበሎ ሓሳብ ብምቕራቡ ጥራይ፡ በቶም ንሱ ሓይሎም፤ ንሳቶም ድማ ሓይሉ ክኾኑ ዝነበሮም ወገናት፡ ዘጋጠሞ ውግዘት ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። እቲ ኣገባብ ብቕንዕና ትሕዝትኡ መሚኻ ንኩሉ ተቓልሳይ ከገልግል ብዝኽእል መንገዲ ስለዘይተራእየ ድማ ዲፕሎማስያዊ ክፍተት ኣስዒቡ። ክሳብ ሎሚ ክንመልኦ ዘይካኣልና ሃጓፍ ከኣ ፈጢሩ። እዚ ከም ኣብነት እንጠቕሶ ዘለና እዩ‘በር፡ ከምኡ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብዙሓት ዘምለጡና ምህላዎም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ንመጻኢ ንሓድሽ ብደሆ፡ ሓድሽ ኣጋጣጥማ ናይ ምርካብ ባህሊ ሰዊዱ መምሃሪ ክኸውን ከኣ ተስፋ ንገብር።  

ኣብ ታሕቲ ብተባዕታይ ጾታ ተጻሒፉ ዘሎ እንተላይ ንኣንስታይ ጾታ ከም ዝምልከት ብቐዳምነት ከፍልጥ እፈቱ

24 ግንቦት 2025 ሃገርና ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ መበል 34 ዓመት እዩ።  ነዛ ክብርቲ ምዓልቲ እዚኣ ክርእዩ እተመነዩ ግን ክርእይዋ ዘይትዓደሉ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣሽሓት እዮም። ምእንቲ ናይ ህዝብና ናጽነትን ሓርነትን ክቡር ህይወቶም በጃ ዝሃቡ ብኣማእት ኣሽሓት እዮም ዝቝጸሩ። ሳላ ክቡር መስዋእቶም፡ ድማ ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነታ እተፈልጠላ ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኰይና ኣላ። በዚ ኣጋጣሚዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ዮሃና እብል።        

         እንተዀነ ግን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝወደቐት፥ ህዝብና መሰሉ ተጋሂሱ፡ ሓርነታቱ ተገፊፉ፡ ብደረት ኣልቦ፡ ዓስቢ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሃነኑ ጠፊኡዎ ጊላዊ ናብራ ከሕልፍ ዕጫኡ ኰይኑ ኣሎ። ብሓንቲ ራድዮን ሓንቲ ቲቪን ሓንቲ ጋዜጣን መርበብ 03 መደናጋሪ  ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንዳዘርግሐ ኣእሙሮ ህዝቢ ኣደንዚዙ፤ መላኺ ስርዓት  ጸጋታት ሃገርናን፡ ንህዝብና ብቐንዱን ፊን ከም ዝበሎ ኣብ ድላዩ ከውዕሎ ጸኒሑን ኣሎን።  እቲ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ ኵነታትዚ ወዲቕና? ከመይ ጌርና ኢናኸ ምልኪ ደርቢና ሓራ ክንከውን እንኽእል? ዝብል'ዩ።

         ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ቅዋማዊ ምሕደራ ክንተክል ኢና፤ ማሕበራዊ ፍትሒ ከነስፍን ኢና እንዳበለ ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ  ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።

         ምልካዊ ስርዓት የእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ስለ ዝዀነ ነብሱ ክጽግን ዘይሕሰብ እዩ። በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከም ዝብሃል፡ እቲ ፍታሕ ህዝብና ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። ብዘይፍቓድካ ክገዝኣካ ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የልቦን። እቲ መልሲ እምቢ ንምልኪ እወ ንሓርነት! እዩ።

         ንመሰልካ ተልዓል! ስዉኣት እኮ ኣብ ሃገርካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ክትከይድ እምበር ኣብ ምዓልቲ ናጽነት ንኸይትግፈፍ ተሸቝሪርካ እንዳትሓባእካ ንኽትነብር ኣይኮኑን ተሰዊኦም። እወ ከም ድላይካ ክትኣምን፡ ክትሓስብ፡ ክትገልጽ ክትውደብ፡ ክትንቀሳቐስ፡ ክትምሃር፡ ክትሓርስ፡ ክትጓሲ፡ ክትሰርሕ ብሓጺሩ ሓፈሻዊ ሓርነታትካ ተኸቢሩልካ ብሕግን ብቕዋምን ንኽትምሓደር እዮም ክቡር ህይወቶም ሂቦሙልካ። ግዴኻ ነታ ብኽቡር መስዋእቲ ዘረከቡኻ ልዑላዊት ሃገር ምዕቃብን ዝተገፈፈ መሰላትካ ምምንዛዕን እዩ።

         በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ።  ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ንውድቐት ምልኪ ከኣ ዘቐላጥፍ ስጉምቲ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን።

ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስማእታትና!

ብሓድነት ንሓርነት!!  

ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምልዓላ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ካብ ቀደሙ’ውን  ዘይቕስን ዝምድና፡ ናብ ወጥሪ ይዓርግ ብምህላዉ፡ ኤውራጳዊ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ጉዳያት ከም ዘሰክፎ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ገሊጹ።  እዚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ድሕሪ’ቲ ቅድሚ 7 ዓመታት ዝምድነአን ምምሕያሸን ተመሊሰን ናብ ወግእ ከይኣትዋ ኣብ ዘፍርሕ ደረጃ በጺሑሎ ኢሉ ከም ዝሰግእ ጠቒሱ።

እቲ ኮሚተ ካብቲ ዘስግኦ ምልክታት ክጠቅስ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንእሰያት ናብ ሰራዊት ከም ዝኸቱ ከም ዝገበረ ጠቂሹ፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ንክልቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ዶብ  ከበድቲ ኣጽዋርን መካናይዝድ ሰራዊትን ከም ዘስፈረት በቲ ዠውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ፍሉይ ዲፕሎማሲያዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ክኢላታት እውን እቲ ወጥሪ ናብ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከይዓርግ ስግኣቶም ይገልጹ ከም ዘለዉ ናይቲ ኮሚቲ ስምዕታ ኣስፊሩ።

እቲ ኣካል  ኣብ ዝሓለፈ 17 ማዝያ 2025 እውን እቲ ቅድም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን2ተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ ከይድገም ብዝሓደሮ ስግኣት ኣጠንቂቑ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ። እዚ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝመደበሩ ኮሚተ “መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንትግራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣብ ጌጋ ጸወታ ኣትዮም ኣለዉ” ከም ዝበለ፡ ኣብቲ ደጊሙ ዘውጸኦ መልእኽቱ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ውድብነት ብምስራዙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያውያን ናይ ጥዕና ክኢላታት ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ብዝተተሓሕዘ ተቓውሞታት ይስምዑ ኣለዉ። ስለዚ ኢትዮጵያ ብዘይካቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ወጥሪ ውሽጣዊ ኩነታታ’ውን ዘሻቕ ዝኸውን ዘሎ እዩ ዝመስል።