ኣቐዲመ ብምኽንያት'ዚ ክቡር ምዓልቲ መበል 33 ዓመት ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወኪለ መልእኽቲ ክህብ ዕድል ዝሃብኩሙኒ ኣሰናዳእቲ በዓል፥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፥ ብልቢ አመስግን፤ ክብረት ይሃበለይ።

ናጽነትና ከነብዕል ከሎና ዝርኣየናን ዝስምዓናን እንብህጎን ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ምእንቲ ናጽነት ሃገርናን ሓርነት ህዝብናን ዝፈሰሰ ክቡር ደም፡ እወ ብገንዘብ ዘይትመን ክቡር ህይወት ናይ ህጻናት መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ኣንስትን ሰብኡትን ሽማግለታት ከይተረፉ ኣብ ገዛውቶም ኣብ መሳጊድ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነደዱ እተቐትሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ቆላን ከበሳን በጃ ዝሓለፉ፡ዓወትና ናይ ግድን'ዩ እናበሉ እተሰውኡን ዝሰንከሉን ጀጋኑ ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓጺሩ፡ ነዚ ግፍዕታት'ዚ ዝፍጽም ዝነበረ መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ ኤርትራ ተሓግሒጉ ክሳብ ዝወጽእ እተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ይርኣየና። ትምክሕተኛታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ፈቲኹም ጸሊእኩም ኢትዮጵያውያን ኢኹም፤ መሬት ኤርትራ'ምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን'ዩ ዝብሉና ዝነበሩ ከንቱ ኰይኑ፥ ህዝብና ነቲ ብመስዋእቱ ዝጨበጦ ናጽነቱ ኣብ 1993 ሚያዝያ እተኻየደ ሕቡራት መንግስታትን ሓያሎይ ሃገራትን ዝመስከሩሉ ረፈረንደም፥ እወ ንናጽነት ብዝብል 99.8% ድምጹ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ብዓለምለኸ ደረጃ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ምግባሩ ሐበን ይስምዓና፤ የሐጕሰና። ስለዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ኣንቋዕ መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነትና ንምርኣይ ኣብቃዓና እንዳበልኩ፥ ዮሃና እብል።

ናጽነት ኤርትራ ክርእዩ እተመነዩን እተቓለሱን ኣዚዮም ብዙሓት'ዮም። ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም እተዓወቱ  መሓዙት ሃገራት ብመሪሕነት ሕመኣ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝብና ጓዕጺጾም ሃገርና ብዘይድልየት መብዛሕታኡ ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ብስም ፈደረሽን ከም ትቝረን ገበሩ። ግንቦት 24 እንተላይ ነዚ ጕድለትዚ ዝኣረመት ናይ ሓያሎይ ወለዶታት ህዝብና ድልየት ዝመለሰት ዕለት ስለዝዀነት ንዘልዓለም ከቢራ ክትነብር'ያ።

ሕያዎት ትዓዘብቲ፡ ምልኪ ዝገፍዖም/ዐን መንእሰያት፡ኤርትራ ቅዋማዊ ምሕደራ ኰነ ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሰብኣዊ መሰል ዘይከብረላ ብዘይካ ዓስብን ደረትን ዘይብሉ ባርነት (ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብሉዎ) ካልእ ስለዘይብላ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደቃ ካብዚ ናብራ እዝስ እንተሞትና ንሙት እንተድሓና ድማ ናብራና ከነማሓይሽ ንኽእል ንኸውን ብማለት ናብ ስደት ስለ ዘምርሑ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ድሕሪ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ስደተኛታት ብምፍራይ እትፍለጥ 3ይቲ ሃገር'ያ። ደቃ ግዳያት ናይ ሰብነጋዶን ፈቐዶ ምድረባዳ ስሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ዝቕዘፉ ኰላሊቶም ዝሽየጥ ሓያሎይ ካብ እቶም ብትኣምር ዓዲ ሰብ ዝኣተዉ ድማ ብድሕረ ማህሰይቲ (posttraumatic) ዝሳቐዩ እዮም። ህዝቢ ንናጽነቱ ዘየስተማቕሮ ዘዝተወልደ ንስደት ዘምርሕ ካብ ኰነ እንታይ ዝብዓል ኣለዎ እንታይ ዘሐጕስ ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገርም ኣይኮነን። ናይ ምረቶምን ጓሂኦምን ተኻፋሊ ኢና። ብርግጽ ጭው ዝብለ ምልካዊ ስርዓት'ዩ ዘሎና ይኹን'ምበር ከም ኵሎም ስርዓታት ምሕላፉ ኣይተርፎን'ዩ። ስርዓታት ይሓልፉ ህዝቢ ይነብር። ናጽነት ሃገርና ብቃልሲ ናይ መላእ ህዝብና እተረጋገጸ ስለ ዝዀነ ናይ ምዕቃቡ ሓላፍነት ናይ ኵሉ ዜጋ እዩ። ልዑላውነት ዘለዋ ሃገር ስለዘላትና ኢና ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ ቅዋማዊ ምሕደራ ይተኸል ንብል ዘሎና።

ብርግጽ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ህዝባ ብሰላም ክነብረላ ዘይክእል ናጻ ሃገር ዘይኮነትስ ብቅዋም እትማሓደር ልዕልና ሕጊ ዝነገሳ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና፡ ሓረስታይ ዝሓርሰላ፡ ነጋዳይ ዝነግደላ፡ ሸቃላይ ዘፍርየላ፡ ተማሃራይ ብፍልጠት ዝዅስኰሰላ ጾታዊ ማዕርነት ዝረጋገጸላ ሃገር ክትኮነልና ኢና ንብህግ ዝነበርናን ምእንታኡ እተቓለስናን። ባህግታትና ክዉን ክኸውን ኣይክኣለን ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጕጅለኡ ንዕላማታት ሰውራና ስለ ዝጠለምዎ እዩ። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ኵነታት ወዲቕና? ካብዚ ክንወጽእከ እንታይ ክንገብር ኣሎና? እዩ። እዚ ኣርእስቲዚ ሰፊሕ፥ መጽሓፍ ክጽሓፈሉ ዝክኣል ምዃኑ ይርድኣና''ዩ። እንተዀነ ግን ሓደሓደ ነጥብታት ብምጥቃስ ጥራሕ ቈላሕታ ክንገብረሉ ክንእእምት ኢና፡           

1 ስልጣን ንህዝቢ ከነረክብ ኢና ዝብሃል ዝነበረ ተጠሊሙ

2 ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና ዝብሃል ዝነበረ ህጣሙ ጠፊኡ

3 ኣብ ክንዲ ብትካላዊ ብዊንታ ናይ ሓደ ሰብ ዝዝወር ምሕደራ ሰፊኑ

4 ሰብኣዊ መሰላት ተጋሂሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ራዕድን ፍርህን ነጊሱ

5 ሕድሕድ ምትእምማን ከምዘይህሉ ንምግባር ብዙሕ ተሰሪሑሉ

6 ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ቦዂሩ

7  መሰል ምሕታትን ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ከም ነውሪ ተቖጺሩ

8  ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ባዕሉ ከሳሲ ባዕሉ ፈራዲ ብምዃኑ ፍትሒ ተቐቢራ

9  ንክሎም ጽላታት ቁጠባ እቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝገበቶም ህዝብና ኣደዳ ድኽነትን ስእነትን ኮይኑ  ወ ዘ ተ

ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ክንሰጋገር እንተዄናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ሕቶ ክንምልስ ከድልየና'ዩ።

ብርእይቶና፡

1  ንራዕዲ ቀንጢጡ ንዝደርበየ ህዝቢ፡ ዝኾነ ይኹን መላኺ ከንበርክኾ ኣይክእልን እዩ።ኣብ ትሕቲ ብሪጌድ 

ንሓመዱ ዝብል ጥርናፈ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢከይቅህምን ምኣዝኑ ከይስሕትን ምትብባዕን ምእላይን

 ከም ዘድልዮ ዘይክሓድ'ኳ እንተኾነ፡ ብርግጽ ፍርሒ ቅንጢጡ ዝደርበየ መንእሰይ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ወጻኢ ህዝብና ይኣክል!! ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ኣብ ውሽጢ እውን ይኣክል ኢሉ ክልዓል  ኣለዎ። እቶም ንበይኖም ነዚ ስርዓት ዝጻረሩ ዝመስሎም በይኖም ከም ዘይኮኑ ዝፈልጡ ደፊሮም ምስ ክኣምንዎ ዝኽእሉ ምስ ዝዛረቡኢዮም። ዋላ በብክልተ ዝቐውም ናይ ዝተኣማመኑ ውደባ ክፍጠርን ክሰፍሕን ኣለዎ።

 2 ንሰብኣዊ መሰል ዝግህስ ምልካዊ ትእዛዛት ምፍጻም ምእባይ ወይ ሕራይ እንዳበልካ ከም ዘይፍጸም ምግባር።

3 ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ቃልሲ ከም ዝውህሃድ ምግባር

4  ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ብሓደ ልሳን ክዛረብ  ብሓደ ኣካል ክውከል ክኽእል የድልዮ። ናብኡ ንምብጻሕ ሓቢርና ዝጀመርናዮ ምጥርናፍ ዓዂኹ ናብ ዋዕላ

 ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ከምቲ ሓው ተኽላይ ኣብርሃ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ሃገራዊ 

 ባይቶ ኣብ ኣዳራሽ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት ዘበሰሮ ኤሃባዲለ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኰይኑ

 ክቕጽል ሓቢርና ንህዝብና ተስፋ ዝህብን ባህጉ ዘርውን ስራሕ ክንሰርሕ ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምኻኑ በዚ ኣጋጥማሚዚ ክንገልጽ ባህ ይብለና።              

ብኣህጕራዊ መዳይ ክርአ ከሎ መላኺ ስርዓት ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዞባና ናይ ግርጭትን ውግኣትን ጻሕታሪ፤ ዓለምለኸ ውግእ ክልዓል ዝጽውዕ ሓላፍነት ዝጎዶሎ መራሒ ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ፈሊጣቶ ስለዘላ፡ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ሰላም ንክሰፍን ነዚ ስርዓትዚ ደርቢኻ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እንተዘይኰይኑ ካልእ መተካእታ የልቦን።

ኣብ መደምደምታ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ከም ተረካብ ሕድሪ መጠን ማዕረዚ መድረኽ ዝጠልቦ ሓቦን ጽንዓትን ተስፋን ትብዓትን ንቕሓትን ውደባን ዓጢቕካ ክትገጥም ንጽውዓካ። ሓያሎይ ካብቶም ሕጂ ዘሳጉጉኻን ዝኣስሩኻን ጽንዓትካ ምስ ርኣዩ፡ ከማኻ ውጹዓት ስለዝዀኑን ጥቕሞምን ጥቕምኻን ሓደ ምዃኑ ስለዝፈልጡን ኣብ ጎድንኻ ደው ከምዝብሉ ኣይትጠራጠር። ምስ ህዝብኻ ወግን! ምልኪ መንቁስ! ዲሞክራስያዊ ስርዓት ትኸል።

 ንኩሎምቶም ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ስለዘይክኣሉ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ሓዲሽ ህይወት ክህልዎም ተሰዲዶም ክብቅዑ ብከንቱ ደም ሕድሕድ ዘፍስሱ ዘለዉ ናብ ልቦም ክምለሱ ናብ መንገዲ ዕርቅን ሰላምን ክሕዙ ኣዕዚዝና ንምሕጸኖም።

ኣዴታትን ኣቦታትን ወሊድኩም ከም ዘይወለድኩም ዘዝተወልደ ናብ ስደትን ውግእን ስለ ዘምርሕ ዘልዕለኩም ክትስእኑ ኣዚዩ ዘሕዝን'ዩ'ሞ ደጊም ይኣክል በሉ!

መንፈሳውያን መራሕቲ መላኺ ስርዓት ዝዘርኦ ዘሎ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሕነን ተግባራት ብሕድገትን ዕርቅን ሰላምን ክትካእ ዝክኣለኩም ክትገብሩ ምሕጽንታናነቕርብ።

ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንኵሎም ሰማእታት ኤርትራ!!

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልዓለም ከቢሩ ይንበር!!

ዓወት ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!    

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ሰብ ክቡር’ዩ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከሎኹ፡ መሪርን ዘይቅቡልን ሃለዋትና ናብ ሕብረተሰበይ ከመሓላልፍ ስለ ዝደለኹ’የ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ንሕና ኤርትራውያን’ኳ ከም ደቂሰባት ካብ ስነምግባር እናወጻእና ኣብ ኣሰቃቒ ኩነታት ጐነጻት ኣብ ነንሓድሕድና ጸኒሕና፡ ኣብ ኣሰቃቒ ናይ ደም ምፍሳስ ጭካነ ዝመልኦ በጺሕና ኣሎና።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ንሕና ከም ደቂሰባት ኣእምሮ ዝተዓደልና ክነስና፡ ንምንታይ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ንኣቱ ኣሎና? ኣንታ ሰብ ኣንቱም ሰባት ኣንታ ህዝቢ፡ ሰብ ክቡር’ዩ፤ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ’ዩ። ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን፡ በብእዋኑ ክዕዘቦን ክጥምቶን ዝጸናሕኩን፡ ለይትን መዓልትን ድቃስ ስለ ዝኸልኣኒ ተመሊሰ ንኣእምሮይ ከዛርቦ እንከለኹ ከም እንደገና ኣእምሮይ ኣብ ሕቶ ይኣቱ። እዚ ኩሉ ጭካነ ካበይ መጺኡ? ኣቱም ሰባት ንዑ ሰባት ኩኑ። ሃገር ናይ ኩላትና’ያ፡ ሃገር ድማ ህዝቢ’ዩ። ስለምንታይ ንሓቅታት ረጊጽካ ትኸይድ ኣሎኻ፡ ብርግጽ ናይ ብሓቂ ሰብ እንተኾንካ ሽግር ህዝብኻን ሽግርካን ፍታሕ እናበልኩ ደጋጊመ ብትሕትና እላበወካ ኣለኹ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣብ ሃገርካ ምንባር ዝሰእንካን ዝተኸላእካን፡ ካብ ትፈትዎም ስድራቤትካን ካብቲ ትፈትዎ ህዝብኻን ሃገርካን ሕብረተሰብካን ተፈሊኻ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ብሓባር በቲ ስርዓት ዝወረደካ ኢኻ። ካብኡ ብዉሑድ ሓደ-ክልተ እናበልኩ ክጠቅስ፡-

1 - ከም መንእሰይ ትምህርቲ ዝተሓረምካን፡ ደንቊርካ ክትነብር ዝተፈረድካን ዩኒቨርሲቲኻ ዝተዓጽወካን፤

2 - ናይ ስድራኻ መቐረት ንከይተስተማቕር ኣብ ወተሃደራዊ ባርነት ክትነብር ዝተፈረድካ፤

3 - ዓቕሚ ኣዳም በጺሕካ ሓዳርን ናብራን ከይትገብር በረኻ ኮይኑ መንብሮኻ፤

4 - ራኢ መጻኢኻ ጸልሚቱካ ጉዕዞ ስደትካ ናይ ሕየትን-ሞትን ዝኾነ ብሓውኻ ብጥይት ኣናተሰሓትካ፤

5 - ኣብ ጉዕዞ ስደትካ ኣምዑት ናውቲ ኣካላትካ ዝተሸየጥካ፤ 

6 - ኣብ ሰሃራን ኣጻምእ ምድረ-በዳን ብጽምኢ ናይ ሞ`ት ግዳይ ዝኾንካ፤

7 - ኣብ ባሕርን ውቅያኖስን ድራር ዓሳ ክትከውን ዝተፈረድካ መንእሰይ ወሎዶ ምዃንካ፤

8 - ገና’ውን እቲ ስርዓት እግረ-እግርኻ እናሰዓበ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና (Transnational Repression) እናኣውረደልካ ምንባር ዝኸልኣካ ኢኻ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን እቲ ኣውራ ዘጨነቐንን ዝገርመኒ ዘሎን፡ እቲ ኩሉ መንእሰይ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዝሓለፈ ክንሱ ናይ ሞት ጭካነ ክርኢ ከሎ፡ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ እሓዝንን እጕህን፤ እዝስ ንምንታይ - ንምንታይ - ንምንታይ ይብለካ’ሎ ህዝቢ ኤርትራ። እቲ ዋና ነገር ደላይ ፍትሒ ኩን፡ እቲ ፍታሕ ድማ ንሱ ጥራይ እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ኣብ ህዝቢ ዓለምን ሃገራትን ሳይንሳዊ ኣምር መሓድሮ ናይቲ ምዕቡል ሕብረተሰብ ክህልዎ ጉዕዞ ናይ ደቂሰባትን ኣህዛብን’ዩ። ንሱ ከኣ ቅዋም ሕግና ኮይኑ ኣብዛ ንነብረላ ምድርን ሃገርን ኣድማሳዊ ዋሕስ ናይ ደቂሰባት’ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። ኣብ ምዕቡል ሃገር ኢኻ ዘሎኻ ንመጻኢ ወሎዶ ዘይምሕሳብካ ብጣዕሚ ይገርመኒ። ሕሰብ ኤርትራዊ ደጋጊመ ብትሕትና ይብለካ ኣለኹ፤ሃገር ናይ ወለዶታት’ያ መንእሰይ ወሎዶ ንፍትሒ ይዝምር ኣሎ፡ ንፍትሒ ይቃለስ ኣሎ፡ ስዓበኒ ይብለካ’ሎ። ኢሂን-ምሂን ተበሃሂልካ ቅዋምካ ኣማእኪልካ፡ ሓታትን ተሓታትን ዘለዎ ሽግርካ ንምፍታሕ መንእሰይ ወሎዶ ሓላፍነት ኣሎካ ብሓባር ምስ ህዝብኻ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ንሕና ኤርትራውያን ን33 ዓመታት ብዘይ ቅዋም ሕጊ ከም ሃገርን ሕብረተሰብን ኣብ ባርነት ንነብር ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ለባም ኤርትራዊ ይሓፍርን ይደንን ኣሎ። ንውጽኢት ሓርንነትካ ልብኻ ከፊትካ እሂን-ምሂን ተበሃሃል፡ ደም ተፋሲስካ ሃገራዊ ዝብለካ ወይ ዝብሉኻ ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ ጥራሕ እዮም። ዘክር ኤርትራዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ዘክር ህልቂት ሩዋንዳ።

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ!

ሰላም ንህዝቢ ዓለም!

ውሕስነት ቅዋም ንወለዶና!

ብክፍላይ ተኪአ ጀርመን  

መርድእ

Wednesday, 22 May 2024 18:55 Written by

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ መወዳእታ ርክብ 16 ጉንበት 2024

ኣብ ዋና ከተማ ባህሬን ማናማ ብ16 ጉንበት 2024 ዝተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምስ ሱዳን ዘለዎ ምሕዝነት ኣረጋጊጹ፡ ንልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይታ ሃገር ዘለዎ ጽኑዕ ደገፍ ድማ ኣንጸባሪቑ።

እቲ መግለጺ ንኣገዳስነት ምሕጋዝ ንቀጻልነት ትካላት ሱዳን እንተላይ ሓይሊ ምክልኻላ ኣዕዚዙ ጠቒሱ። መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ ኣብዚ ኣኼባኦም፡ ነቲ ኣብ 2023 ዝተኸተመ ደክሌረሽን ጅዳ-ሱዕድያ ከም ዝምእዘዙ ጠቒሶም። ደኽሌረሽን ጅዳ ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ መንገዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኽፈትን ድሕነት ሲቪል ሕብረተ-ሰብ ክሕለውን ዝጽውዕ እዩ።

ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ማናማ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳንን ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይልን፡ ከም  ናይ ህጹጽ መፍትሒ ቅልውላው፡ ንመድረኽ ጅዳን ተበግሶ ጐረባብቲ ሃገራትን ክቕበሉ ጸዊዑ። ኣብ ንድፊ እቲ መግለጺ  ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ከየእትዉ ዝጽውዕ ትሕዝቶ’ኳ እንተነበሮ፡ ደሓር ግና  ካብቲ ውዱእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ  ከም ዝተሰረዘ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒ ጉተረዝ ብወገኑ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ከዛይድን እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት ናብ መስርሕ ሰላም ክምለሱን ከም ዝጸውዐ ተፈሊጡ።

 

ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዝያዳ ሓደ ሺሕ ዝኾኑ፡ ካብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓደሽ መደበር ብ3 ማዝያ 2024 ከም ዝሃደሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዞም ኣብ ከባቢ መተማ ኮመር ኣብ ዝበሃል ከባቢ 8 ሺሕ ዝኾኑ ሱዳናያውያን ኣብ ዝሰፈርዎ መደበር ተዓቚቦም ዝነበሩ ሱዳናውያን ዝሃደሙ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዞም ስደተኛታት ንወገን ጐንደር ብእግሮም ጉዕዞ ጀሚሮም፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 43 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ብሰበስልጣን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝተዓገቱ ድማ ተፈሊጡ። ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ኩነታት ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ ነቲ ተበግሰኦም ዝለዕለ ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጠሮ ምዃኑ ጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ተረኽቦ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ከም ዘሎ  ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣስታት 1.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ከም ዝተሰዱን ካብኣቶም እቶም 33 ሺሕ ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደሙን ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበር ኮመር ዝሃደሙ ቅድሚ ሕጂ እውን ብተደጋጋሚ መጥቃዕት መጭወይትን ከጋጥሞም ከም ዝጸንሐ፡ እቶም ግዳያት ንሮይተርስ ሓቢሮም።  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ኩነታት “ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝሃደሙ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወት ናይ ምድሓን ተግባሩ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 ገለ ማዕከናት ዜና ካብቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ግዳያት ኤርትራውያን እውን ከም ዝርከብዎም’ኳ እንተ ጠቐሳ እንተኾነ ኣይተረጋገጸን።

ምክትል ኣመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ/BBC ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፡ ነቲ ህወሓት ምስቲ ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ክሰምር እዩ እናተባህለ ክውረ ዝቐነየ፡ ሓሶት ምዃኑ ብምጥቃስ ነጺግዎ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ህወሓትን ብልጽግናን መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ መንጎ ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብ ከተማታት መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ርክባት ዕላማኡ ንምስማር ዘይኮነ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ቀጻሊ መፍትሒ ንምርካብ ፖለቲካዊ ዘተ ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ኣብ መስርሕ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ጌና ዘይምትእምማን ከም ዘሎ ሓቢሩ፡ ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ ምስቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብጽግና ደሓን ዝኾነ ናይ ስራሕ ዝምድና ከም ዘሎ ኣስፊሩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቶም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምስ ብልጽግና ክሰምር እዩ ኢሎም ዘውርዩ ውዕል ፕሪቶርያ ንከይትግበር ካልእ ኣጀንዳ ክፈጥሩ ዝደልዩ ኣካላት እዮም ኢልዎም።

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ ንምምላስ፡ ኣብ ራያን ዞባ ምዕራብ ትግራይን ተመስሪቱ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ብፈደራል መንግስቲ ይፈርስ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሓቂ ከምዚ እንከሎ፡ ሰራዊት ትግራይ  ንከባቢ ራያ ብሓይሊ ንምሓዝ ውግእ ኣካይዱ ዝብል ወረ፡ ኮነ ኢልካ ነቲ መስርሕ ንምዕንቃፍ ዝንዛሕ ሓሶት ምዃኑ’ውን ኣቃሊዑ።

ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ውዕል ፕሪቶርያ ከይፈርስ እሞ እቲ ውግእ ከይድገስ ስግኣቶም ይገልጹኳ እንተለዉ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ግና እቲ ደማዊ ውግእ ንከይድገም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ህግደፍ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከተማ ሪጅስዊክ 25 ጉንበት 2024 ሓሲብዎ ዝነበረ ናይ ዳንኬራ መደብ ከም ዝተስረዘ፡ ኦምሮየብ ዌስት ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ንከንቲባ ናይታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ሳሂን ዝተባህለት ናይ ከተማ ሪጅስዊክ   ከንቲባ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ከምዚ ዓይነት ኣስታት 800 ሰባት ዝሳተፍዎ ጽምብልን ኣኼባን ኤርትርውያን ዘይተደለየ ሽግር ክፈጥር ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024  ኣብ ዘ ሄግ ሆላንድ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ። እታ ከቲባ ኣተሓሒዛ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ኣኼባ ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ከተማ ክግበር ከምዘይከኣል ኣረዲኣ።

እቲ ካብ መርበብ ኦምሮየብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፡  ዋላኳ ኣዳለውትን ኣካየድትን ናይቲ ፌስቲቫል እቲ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋት ንኡስን ክቆጻጸርዊ ዝኽእሉን ከም ዝኾነ ከረድኡ እንተጸዓሩ፡ ምምሕዳር ከተማ ሪጅስዊክ ግና ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ከም ዘይቅበሎ ናይታ ከተማ ምምሕዳር  ወሃቢ ቃል  ሓቢሩ።

ዋላኳ ዋና ናይቲ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት 2024 ንዘልዎም መደብ ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ፡ እቲ መደብ ተቐባልነት ንክረክብ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ጥርዓን እንተቕረበ፡ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ግና ጥርዓኑ ከጽድቖ ፈቓደኛ ከምዘይኮነ ብ23 ማዝያ 2024 ውሳነኡ ኣፍሊጡ ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካናዳ ከምኡ'ውን እስራኤል ዝተላዕለ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝብድህ፡  ህዝባዊ ማዕበል ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ስርዓት ህግደፍ  ኣብተን ንዓሰርተታት ዓመት ዝዓንድረለን ሃገራት ከይተረፈ ከቢድ ብድሆን ተቓውሞን የጋጥሞ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ።

ኤርትራዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ብ21 ማዝያ 2024 ኣብ ሃገር ኣወስትርያ ከተማ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቀዳመይቲ ከም ዝወጸት ነቲ ውድድር ዝሰረዐ ኣካል ኣፍሊጡ። ኣብዚ ውድድር ኬንያውያን ተወዳደርቲ 2ይትን 3ይትን ክወጻ እንከለዋ፡ ካልእ ኤርትራዊ ኣትለት ሄኖክ ተስፋይ ድማ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን 6ይ ከም ዝወጸ ካብ X/ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ናዝሬት እዚ ኣብ ቬና ዘመዝገበቶ ውጽኢት ኣብ መጻኢ ኣብ  ዝካየደ ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ክትሳተፍ ከም ዘኽእል እውን ተፈሊጡ።

እዛ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ኣትለት ነቲ 42 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ቀዳመይቲ ኮይና ክትውድእ ዝወሰደላ ግዜ 2 ሰዓታ፡ 24 ደቓይቕን 8 ካልኢትን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ናዝሬት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 4ይቲ ወጺኣ ዝነበረት ብደረጃ ኤርትራ ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኣትሌት እያ።