ኣምበሳደር ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል
ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዮሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምስ ዩትብ-መዲያ ኤምባሲ ኤርትራ ለንደን፡ ብ26 ሕዳር 2024 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ከም ዝጠቐሰ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዝምድና ዘንቆልቆለ፡ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምቁራጹ ምዃኑ እውን ቢቢሲ ኣመልኪታ።
ኣምበሳደር ዮሃንስ ሃይለሚካኤል ናይቲ ምንቁልቋል ዝምድና ተሓታቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና “ቀቲሉ ይቐብሮ ኣሎ” ከም ዝበለ እውን ቢቢሲ ነቲ ቃለ መጣይቕ ብምጥቃስ ኣስፊራ።
እቲ ኣምበሳደር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትግበር ሕልሚ ዝሓልም እዩ ዝነብር ከም ዝበለን ኣብቲ ኣገላልጻኡ ዘይእሩም ቃላት ከም ዝተጠቕመን እውን እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዙ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይረጋጋእ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ግደ ትጻወት ኣላ ከም ዝበለከኣ ጠቒሳ። ቢቢሲ ናይቲ ኣምበሳደር ቃለ መጠይቕ፡ ምኽንያቱ ብዘይተሓበረ ድሕሪ ውሱን ግዜ ከም ዝተኣለየ ብምጥቃስ፡ ነቲ ቃለ መጠይቕ ብዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ርኢቶ ከምዘየለ ድማ ኣስፊራ።
ነብያት ጌታቸው ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ኤርትራ ዝተፈጥረ ጸገም የለን ከም ዝበለ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግና ምስቲ ጠጠው ምባል በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵይን ምቁራጽ ርክብ ተለፎንን ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራትን ኣተሓሒዝካ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም መንግስታት መግለጺ ኣይሃቦ እምበር እቲ ዝምድና ጽቡቕ ከም ዘየለን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም ዘለዉን ኣመልኪታ።
ቃለ መጠይቕ ኣምበሳደር ዮሃነስ ሃይለሚካኤል ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ከም መንግስታዊ ሓላፊ ኣብ ህልዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝተዛረበ ቀዳማይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ብቕልጡፍ ካብቲ መዲያ ከም ዝእለ ምግባሩ እዩ።
ኣብ ትግራይ ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያን ብ12 ሕዳር 2024 ኣብ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኡ ወገናት ዝተኸተመ ዝርዝር ኣትገባብራን’ መስርሕ ትግባረ፡ ምውራድ ዕጥቂ፡ ካብ ሰራዊት ምስንባትን ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን (DDR) ሰራዊት ትግራይ፡ ብ21 ሕዳር 2024 ከም ዝተጀመረ ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ኣፍሊጠን።
ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ዘካይዶ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ተሃድሶን ምስ ምምሕዳር ትግራይን ብምትሕብባርን ምስ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት እዩ። ኣብዚ ካብ ከተማ መቐለ ውጽኢ ኢልካ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምውራድ ዕጥቂ፡ ምክትል ሓላፊ ናይቲ ኮሚሽን፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ተዓዛብት ኣጻረይትን ሕብረት ኣፍሪቃን ተረኺቦም። ኣብዚ 3 ኣዋርሕ ዝፍጸም ቀዳማይ ዙርያ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን፡ ካብቶም ናይቲ ፕሮግራም ኣካል ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ልዕሊ 250 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብዚ መጀመርታ መብዛሕትኦም ውቑዓት ዝኾኑ 75 ሺሕ ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ።
እቲ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ናብ ሕብረተሰብ ምፍናው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝውሰን ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ 7 ክልላት ብጠቕላላ 371 ሺሕ ዕጡቓት ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑን ዘድሊ በጀት ድማ 760 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ከኣ: ካብ ተሓባበርቲ 60 ሚልዮን ዶላር: ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ 1 ቢልዮን ብር ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ኣብ ውቕሮ፡ መቐለን ዓድዋን ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ መጽንሒ መደበራት ኣትዮም፡ ን4ተ መዓልታት መባእታዊ ትምህርቲ ተዋሂቦም ምስተመዝገቡ፡ ፍሉይ መለለይ መንነትን ንመትከል እግሪ ዝተመደበሎም ገንዘብን ተዋሂዎም ከም ዝፋነዉ ናይቲ ኮሚሽን ኣካላት ሓቢሮም።
እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትሕቲ መልሻ ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ መሬት ትግራይ ከይተመለሰ ይትግበር ብምህላዉ፡ ሓያሎ ተጋሩ ዘይዕግበቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ምስሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያን
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ኣብ መጀመርታ 2025 ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሓድሽ ሰራዊት ተልእኮን ምርግጋእ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይከውን ከም ዝወሰነ፡ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት እናተቐያየረ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ካብ ሃገሩ ክወጸሉ ከም ዝደሊ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ናይዚ ውሳነ ቀንዲ ተንቂ፡ እቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብሓደ ወገን ምርካብ ገምገም ባሕሪ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደን ምካብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ዛዕባ ምኽታመን እዩ። ምኽታም እዚ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ ሶማሊያ ብኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ልኡላውነተይ ዝግህስ እዩ ዝብል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።
እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ዝተኸተመሉ ግዜ ብብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት እውን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። በዚ መሰረትን ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ክትግበርኳ ትጽቢት እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን።
ማዕከን ዜና ሶማሊያ ሶና (SONA) ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር ምኽልኻል ሶማሊያ፡ ዓብደልቃድር መሓመድ ብ9 ሕዳር 2024 ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃ፡ እቲ ሓድሽ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝጸንሐ ተኪኡ ሓላፍነት ዝርከብ፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ 2025 ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይዚ ሓድሽ ዓቃብ ሰላም ኣካል ኮይኑ ንከይቅጽል እዩ እቲ ውሳነ። እቲ ሚኒስተር ናይተን ሰራዊት ዘዋጸኣ ሃገራት ዝርዝር ኣብዚ ቀረባ ከም ዝግለጽ ብምጥቃስ ካብተን ክሳብ ሎሚ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝጸንሓ ዘይትሳተፍ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ከም ዝበለ’ውን ሶና ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰራዊታ ካብ ሶማሊያ ዘይተፈልየን ኣብዚ እዋን ድማ ገሊኡ ነብሱ ክኢሉ ዝዋፈር ገሊኡ ድማ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተሰለፈ ኣብታ ሃገር ኣስታት 15 ሺሕ ሰራዊት ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ መጻኢ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሰራዊ “ክግለል የብለይን” ዝብል መጎት ተቕርብ ኣላ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ናብ ሶማሊያ ሰራዊተን ዝዋፍራ ሃገራት፡ ኣብ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ዝኣምና ክኾና ከም ዝግበአን ብምንጻር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ወጥሪ ብዘተ ናይ ምፍሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩሲያን ካብ 9 ክሳብ 10 ሕዳር 2024 ሱቺ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ሩሲያ ከም ዝካየድ ሩሲያ ኣፍሊጣ። ዕላማ እቲ ዋዕላ እቲ ኣብ 2023 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩሲያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባርን ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ንምስፋሕ ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሩሲያ ኣንቶን ኣኮቢያኮቭ ብዛዕባቲ ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ንቐጻሊ ናይ ሓባር ዕቤትን ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ዋዕላ ብዛዕባ ዝርዝር ኣተገባብራ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምልዛብ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ኣብዚ ዋዕላ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝምልከቶም ሚኒስተራት፡ ኣወሃሃድቲ ዓበይቲ ትካላት፡ ወከልቲ ኣብያተ-ስራሕ፡ ሳይነሳዊ ትካላትን ለኣኽትን ኣምጻእትን ነጋዶን ክሳተፍዎ እዮም። እቲ ርክብን ዘተን ጉዳይ ንግድን ቁጠባዊ ዕቤትን፡ ምትእስሳር ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ሓቢርካ ምስራሕን፡ ጸጥታ ምትሕግጋዝን፡ ምስፋሕ ምትሕግጋዝ ኣብ ኣባል ሃገራት ብሪክስን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከተኩር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሩሲያ ላቭሮቭ ክልተኣዊ ርክባት ንከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ኣብ ምድላው እዚ ዋዕላ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሚሃይል ቦግዳኖቭ፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ትካላት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩሲያ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ናይተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ወከልቲ ኣብ ሞስኮ ርክባት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ። ኣብዚ ርክባቱ ሓቢሮም ብዛዕባ ተክኒካዊ ኣካይዳ ናይቲ ዋዕላን ዝርዝር ኣጀንዳኡን ከም ዝተረዳድኡ ተሓቢሩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ጠቕላላ 538 መምረጺ ነጥብታት 294 ብምርካብ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሚሪካ ኮይኑ ምምራጹ ምስ ተፈለጠ፡ ኢድ ካብ ዝነኣሱ መራሕቲ ሃገራት ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ካብቶም ቀዳሞት ኮይኖም። ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብመንገዲ የማነ ገ/መስቀል ብመስመር X ዝለኣኾ፡ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓካ” መልእኽቱ፡ “ናትካ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሜሪካ ክትከውን ተመሪጽካ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምላስ ናይ ዓለም ሰላም ምርግጋእ ኣዝዩ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉአ ወሳኒ ግዜ ዘጋጠመ ክስተት እዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ኣብ መጻኢ ሓቢሮም ክሰርሑ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “እንኳዕ ዳግማይ ናብ ቤተመግስቲ ኣሜሪካ (white house) ተመለስካ” ኢሉ፡ ከምቲ ናይ ኢሳያስ “ኣብ መጻኢ ሓቢርና ንክንሰርሕ እምነ” ኢሉ።
ዶላንድ ትራፕ፡ ኣብ ናይ መበል 45 ፕረሲደንት ግዜኡ፡ ንኢሳያስ ካብ ክባ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ማዕቀባት ከም ዘልዓለሉ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ንኣብይ ኣሕመድ ዳማ ንስልጣኑ መሪቑ፡ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ምስክርነት ንክቕበል ከም ዘብቀዖ ባዕሉ ኣብቲ እዋኑ ገሊጽዎ እዩ። ሓቢሮም ናብ ውግእ ትግራይ ንክወፍሩ ከም ዝመረቐሎም’ውን ዝዝከር እዩ።
ሕጂኸ ከምቲ ናይ ቅድም በብወገኖም ክዕንድሩን ህውከት ክፈጥሩን ክተሓጋገዞም ድዩ ኣይፋሉን፡ ኣብ መጻኢ መስርሕ ዝረአ ክኸውን እዩ።
ሮናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ዙር ምርጫ ተሳዒሩ ክነሱ፡ ዳግማይ ተወዳዲሩ ምስዓሩን ኣብ ክልቲኡ ውድድራቱ ዝሰዓረን ተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ካብቲ ብፍሉይነት ዘርእዮ ረቛሕታት ኮይኑ ኣሎ።
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ንሓደ ካብ ምልክትላቱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝወከሎ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ውክልና ደብዳበ ነቲ ስጉምቲ ንክወስድ ደሪኹኒ ዝበሎ ምኽንያት ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብ ደብዳበኡ “ናብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ስለ ዝወጽእ፡ ኣብልዕሊ ናይቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ናይ ስራሕ መደብ ደሪብኩም ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ንክትሰርሑ ዝተወከልኩም ምዃንኩም ኣፍልጥ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።
ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝተዘርግሐ፡ ክታሙን ማሕተምን ዘስፈረ ደብዳበ ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ዘርጊሕዎ።
ገለ ወገናት ነቲ ስጉምቲ ከምቲ ብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ክሳብ ዝምለስ ዝሰርሕ “ውክልና እዩ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ ብምስጢር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ናይ መወዳእታ ናይ ኣቶ ጌታቸው ካብ ሓላፍነት ምውራድ እዩ ይብልዎ ኣለዉ።
ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ውክልና ከኣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምርጫ ዝጸንሕ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ እቲ ውክልና ዘሕልፎ መልእኽቲ እናተባህለ ዝጥቀስ ዘሎ ድማ “ፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ካብቶም ክዋጠጡ ዝጸንሑ ክልተ ኣካላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣውጺእካ ንመንጎኛ ጀነራል ንምሃብ ዝቐረበ መፍትሒ ንክኸውን፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ብምልዛብ ዝተበጽሐ ፍታሕ ምዃኑ’ውን ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ይወድቕ’ሎ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ተጋሩ ምሃዎም እውን ይግለጽ ኣሎ።
ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ብ26ን 27ን ጥቅምቲ 2024 ምስ መሰረታት ሰልፊ ርክብ ኣካይዱ። ናይዚ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ካብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ኣብቲ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ብምኽንያት ናይ ሰዓታት ፍልልላይ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ምስ ዝርከቡ ዘካየዶ ርክብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ምዕባለታት ሓበሬታ ምሃብን ርኢቶ ተሳተፍቲ ምስማዕን ከምኡ ድማ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝግበኦም ስረሓት ምእማትን እዩ።
ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ኣብቲ ሓበሬታኡ ብዛዕብ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት፡ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዜናዊ ልሳናት ዝካየዱ ንጥፈታን ምስ ካለኦት መድያታት ብዛዕባ ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባትን ጠቒሱ። ንመጻኢ እውን ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማገለ መደባተን ተሊመን ተበጊሰን ከም ዘለዋ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዛዕባ ዘካየዶ ቀዳማይ ዋዕላን ናይ ሓባር ፈስቲቫልን ከኣ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ድሕሪቲ ቀዳማይ ዋዕላ ምስላጡ ነብሱ ወዲቡን መደባቱ ሓንጺጹን ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከም ዘሎ ከምኡ እውን ምስ ካላኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት ንምቕጻል ድልዊ ምህላዉን ኣገንዚቡ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ህዱእን ውዱብን መስርሕ ቃልሲ ተስፋ ከም ዝህብ ከኣ ጠቒሱ።
ኣብ ኤርትራ ብዘይካቲ ጭቆና ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቀያየረ ይቕጽል ምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ከም ልማዱ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባታት ንምህዳም ናብ ደገደገ የመዓዱ ምህላዉን ሓድሽ ነገር ከምዘየለን ኣረዲኡ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ክሳብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ኣካይዳ ክኽተል ጸኒሑ ክነሱ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ስልጣን ይቕጽል ምህላዉ ከም ዘተሓሳስብን ህዝቢ ኤርትራ ሕሳቡ ክገብር ጸዊዑን።
ኣተሓሒዙ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ንኤርትራ እውን ክጸልው ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ምቅይያራትን ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣብዚ መብርሂኡ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ውዑይ ዘሎ ኩነታት ሩስያን ዩኩረይንን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዘስግእ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።
ኣብ ቀረባና ብደረጃ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻትን ቅልውላውን ከመይ ይምዕብል ከምዘሎ፡ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብዛዕባቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝመስረተኦ ኪዳን (AXIS)ን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብዝምልኸጥ ኣገንዚቡ። ብወገን ኢትዮጵያውያን በብግዜኡ ብምስምስ ኣፍደገ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ዝቐርብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ተርእዮታት ብምጥቃስ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብዚ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ተግባር ክእደቡ ኣዘኻኺሩ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብቲ ዝቐረበ መግለጺ፡ ዝያዳ ክበርሃሎ ብዛዕባ ዝደልይዎም ነጥብታት ዝምልከቱ ብዙሓት ሕቶታት ኣቕሪቦም። ብኣቦመንበርን ካለኦት ኣባላት መሪሕነትን ከኣ ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ሰፊሕ መብርህታት ሂቦም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ መሪሕነት ኣብ ምድልዳል ሰልፋዊ ዓቕምታትን ምሕያል ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ሓይልታት ለውጥን ዘድሃቡ ለበዋታት ኣቕሪቦም፡ ብመሪሕነት ዝወጹ መደባት ኣብ ምዕዋት ድማ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ከምዚ ዝኣመሰለ መላእ ኣባላት ዝሳተፍዎ ሰፋሕቲ ኣኼባታት ቀጸልነት ንክህልዎም ከኣ ተብላዮም።
ብሄራዊ ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ስእሊ)
ኣብቲ 11 ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ዝሳተፋሉ፡ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምጽራይ ንሻምፒዮና ኣፍሪቃ ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ክጋጠማ ብዕጫ ስለ ዝበጽሐን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ስታዲዩም ጁባ ክጋጠማ ከም ዝተወሰነ ደቡብ ሱዳን ኣድላይ ምድላው ትገብር ከምዘላን ናይታ ሃገር ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሊጡ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ እዘን ጋንታታት ካብቲ ንቡር ወጻኢ ኣብ 3ይቲ ሃገር ዝጋጠማ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ብዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምትእምማን እዩ።
እቲ ዜና፡ ኤርትራ ሎሚ ትሳተፍ ዘላ ንሓያሎ ዓመታት ነብሳ ከተግልል ምስ ጸንሐት ምዃና ጠቒሱ፡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰዓረት ምስ ካብ ሱዳንን ብሩንድን ዝሰዓረት ክትጋጠም እያ። ኤርትራ ክትበኩር ዝጸንሓትሉ ምኽንያት “ተጻወቲ ምስ ወጹ ኣይምለሱን እዮም” ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
ናይዘን ጋንታታት ናይ ምጽራይ ግጥማት ቀዳማይ ዙር ብሓፈሻ፡ ካብ 25 ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2024 ዝካየድ ኮይኑ፡ እቲ 2ይ ዙር ከኣ ካብ 1 ክሳብ 3 ሕዳር 2024 ዝሳለጥ ክኸውን እዩ። ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና ብፍሉይ ኩነታት 31 ጥቅምትን 3 ሕዳርን 2024 ክካየድ እዩ። ናይተን ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝሰዓራ ጋንታታት 2ይ ዙር ቀዳማይ ግጥማት ድማ ካብ 20 ክሳብ 22 ታሕሳስ ምስተኻየደ፡ ካለኣይ ግጥማት ከኣ ኣብ 25 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2024 ክሳለጥ እዩ። እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጠቓለሊ መጻረይ ግጥም ድማ ካብ 1 ክሳብ 28 ለካቲት 2025 ከም ዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብዚ ካብ 2009 ዝጀመረ ናይ ኣፍሪቃ ሻምፒዮና፡ ኣብቲ ናይ 2025 ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ 4፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ እተን ካለኦት 4 ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰሰለስተ ጋንታታት ከቕርባ እየን። ክሳብ ሎሚ ኡጋንዳን ርዋንዳን ብቕደም ሰዓብ 6ን 4ን ግዜ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሻምፒዮን ዝኾና እየን።
ደቡብ ሱዳን እምነት ተነቢሩላ፡ ንግጥም ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተዳሉ ምብቀዓ ኣብ መጻኢ ምስ ክልቲአን ሃጋራት ኣብ ዝህልዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ፖለቲከኛታት ግምቶም ይህቡ ኣለዉ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሳንሆዘ፡ ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተጸውዐ ኣኼባ ሰዓት 2ተ ክጅመር ተምዲቡ 5ተ ሰዓታት ደንጉዩ ሰዓት 7ተ ከም ዝተጀመረን ኣሸሓት ክሳተፍዎ ትጽቢት ተነቢርሉ ከብቅዕ ኣስታት 40 ጥራይ ከም ዝተሳተፍዎ ነቲ ኩነታት ብኣካል ዝረኣይዎ ሓቢሮም። እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኸር ከም ዝበልዎ፡ እቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ኤምባሲ ህግደፍ ክራይ ኣድራሽ ክኸፍል ስለ ዘይከኣለ፡ ካብቶም ዝርካቦም ተሳተፍቲ ናይ ገንዘብ ወፈያ ክሓትት ከም ዝተገደደ እውን ገሊጾም።
ፈጻሚ ጉድያት ናይቲ ኤምባሲ ኣቶ ብርሃነ ገ/ህይወት፡ “ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ምዕበለታት” ኢሉ ንተሳተፍቲ ከብርህ እንከሎ፡ “ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣባይቲ ንምህናጽን ኣብ ካልእ ልምዓታዊ ስረሓት ንምውፋርን ናብ ኤርትራ ይኣትዉ ኣለዉ፡ ስለዚ ንስኻትኩም እውን ከተውፍሩ ኣለኩም ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።” ተሳተፍቲ ብወገኖም “ቅድሚ ሕጂ ብገንዘብና መሬት ሸጥኩምልና ከተብቅዑ፡ ከይንሰርሖ ኣጊድኩምና፡ ስለዚ እትብሎ ዘለኻ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ዘጽመመና ዘይትግበር ፕሮፖጋንዳ እዩ።” ዝብል መልሲ ሂቦም ኣስንበድዎምዎ። ኣብ ርእሲዚ፡ “ምሳኻትኩም ዘሎ ርሂጽና ዘምጻናዮ ገንዘብና ኣብ ካልእ መዓላ ከነውዕሎ ክትመልሱልና እዩ ምርጫና” ከም ዝበልዎ’ውን እቲ ካብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ኦክላድን ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ኣኼባ እውን፡ ተመሳሳሊ ብደሆ ከም ዝገጠሞም እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።