ንሓድሽ ብደሆ፡ ሓድሽ ኣገጣጥማ

2025-05-26 09:27:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 105 times

ዓለምና ብኩሉ ነገራ ኣብ ቀጻሊ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ መስርሕ እያ ትነብር። እቲ ለውጢ ግን፡ እወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል‘ዩ። ወዲ ሰብ ከኣ ምስዚ ቀጻሊ መስርሕ ክነብር ናይ ግድን እዩ። ምስቲ ዘይተርፍ መስርሕ፡ ኣብ ክንዲ ምስናይ ካብኡ ምትራፍ ወይ ምቕዳም ከኣ ናቱ ሳዕቤን ኣለዎ። ፖለቲካዊ ኩነታት እውን ከም ዝኾነ ተረኽቦ በዚ  ዝተጠቕሰ መስርሕ ዝግዛእ እዩ። ማለት ንጉዳያት ከም ድላይካ እትገብሮ ዘይኮነስ፣ ምስ ከቢብዎ ዝርከብ ምዕብልናታት ዝግዛእ እዩ። እዚ ከኣ፤ ናይ ፈታዊ ኮነ ናይ ጸላኢ ጽልዋ ዘጠቓልል ሰፊሕ ኣምር እዩ።

እዚ ንሕና፤ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንርከቦ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ብቐጻሊ ብደሆታት ዝተመልአ እዩ። ምስኡ ኣሳኒኻ ምንባር ከኣ ነቲ ብደሆታት ዘመክት ኣገጣጥማ ምርካብ ናይ ድሌት ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ብመሰረቱ እውን ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምቕጻል ማለት በብግዜኡ ዘጋጥሙ ግድላትን ብድሆታትን ምፍታሕ ማለት እዩ። ብደሆታትና ሓንሳብ ምስ ፈታሕናዮም ንሓዋሩ ዘይምለሱ ዘይኮኑስ፣ መልክዖምን ትሕዝተኦምን እንዳቐያየሩ ብዘይምቁራጽ ዝገሃዱ መናብርትና እዮም። ነፍሲ ወከፍ ብደሆ ከኣ ምስ ኣመጻጽእኡ፣ ጠባዩን ባህሪኡን ሓድሽ ንዕኡ ዝምጥን ኣገጣጥማ ዘድልዮ እዩ። ንጉዳያት ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ክትሕዝ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ከኣ ብደረጃ ውድብ ኮነ ውልቂ ሰብ፣ ንዓቕምኻን ብቕዓትካን ዝፈታተን እዩ። ብህዝቢ ዝቐርቡ ናይ ለውጢ ጠለባት፡ ኣብ መወዳድርትኻ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ምእራም ምንቅስቓሳትን ዝረአ ለውጥታት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብኣንጻር እትቃለሶ ዘለኻ ጸላኢኻ ዝፍጠሩ ምዕብልናታት፣ ብደሆታት ሒዞም ዝመጹ እዮም።

ኣብ ሓደ ውሱን መድረኽ ንሓደ ብደሆ ንምግጣም ዝተጠቐምናሉ ሜላን ኣታሓሕዛን ኣብቲ እዋኑ ድማ ዘዐወተና ኣገባብ፡ ኣብ ኻልኦት መደካት ኣዐዋቲ ኮይኑ ይነብር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ናይ ዝሑል ውግእ ጉዳያት ንምውጋን ንጥቀመሉ ዝነበርና ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ካልእ ጉዳያትን ኣተሓሕዛ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ ዓለማውነት (globalization) መዋእል ከም ዘለዎ ከነስርሖ እንተ ፈቲንና ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩሉ ፍልልያት ብናይ ሰዓርን ተሰዓርን ኣገባብ እዩ ዝውዳእ ነይሩ። እዚ ብናትና ናይ ኤርትራውያን ተመኩሮ እነረጋግጾ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ብሓዘንን ጓህን እንዝክሮ ውግእ ሕድሕድ ምስክር ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና ፍልልያት ኩልኻ ተዓዋቲ ብእትኾነሉ መንገዲ ናይ ምፍታሑ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ስለዚ ናይቲ እዋንቲ ቀጥዒ (format) ኣተሓሕዛ ብደሆታት ሎሚ ክንጥቀመሉ እንተ ኢልና፤ ድሕሪት ተሪፍና ኣለና ማለት እዩ። ድሕሪት ምትራፍ ድማ ሓደጋ ኣብርእሲ ምዃኑ ጉዳያት ከየርከብካዮም ማኣዝኖም ቀይሮም ንኽስዕሩካ ዕድል ዝህብ ይኸውን።

ቅድም ዝፈላልዩኻ ዝነበሩ ጉዳያት ኩነታት ምስ ተቐየረ ሎሚ ዘይፈላልዩኻ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ እዋኑ ዘሰማምዑኻ ዝነበሩ ሓሳባት ከኣ፤ ሎሚ ዘየሰማምዑኻ ናይ ምዃኖም ኣጋጣሚ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ‘ዩ፣ ኣብ ደንበ ተቓውሞና እዚ ጉዳይዚ ግቡእን ሓላፍነታውን ግንዛበ ከምዘይረኸበ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ካብ ቀንዲ ጸገማትና ሓደ እዚ ምዃኑ’ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝረአ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት እንዳጠመትካ ዝፈላልየካ ዝነበረ ሕሉፍ ተመኩሮ ምጽሕታ ናይዚ መርኣያ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንድሕሪት ምጥማት ወጺእና ንቕድሚት ተዘይኣቋሚትና፡ ንሓድሽ ብደሆታት ሓድሽ ኣተሓሕዛ ከነምጽእ ከም ዘይንኽል ብምርዳእ እዩ፡ ንተጻባኢ ድሕረ-ባይታታት ገድሊ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ብሓባር ንቕድሚት ንምምዕዳውን ንምስጓምን ዘኽእል ተባዕ ምርጫ ዝወሰደ። እዚ ስጉምቲ ብመትከል ደረጃ ቅኑዕን መተካእታ ዘይብሉን ምዃኑ ይኣምን። ምኽንያቱ መምስ ድሕረ-ባይታና ንነብረለን ካብ ሓደ ንላዕሊ ኤርትራታት ስለ ዘይብልና። ነዚ ተመኩሮ ካለኦት ፖለቲካዊ  ወገናት’ውን ክስዕብዎ እምነቱ እዩ። እዚ ስጉምቲ መርኣያ ወሳኒ ኣድላይነት ንሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ኣገጣጥማ ምርካብ ከኣ እዩ። ዕዉት ዝኸውን ግና ስለ ዝተሓንጸጸ ዘይኮነስ፡ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ሕድገትን ተወፋይነትን ከሰንዮ እንከሎ እዩ።

ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ድኽመቱ ክንዛረብ እንከለና ቅድሚት ዝስራዕ ብሓባር ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ እዩ። እዚ ድኽመት እዚ፤ ንተቓውምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብኻልኦት ዝንገሮን ካብ ካላኦት ዝማሃሮን ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውድብ ኮነ ምንቅስቓስ፤ ክምድርን  ክጽሕፍን እንከሎ ዝተቐበሎ ሓቂ እዩ። መደረን ጽሑፍን ኮይኑ ምትራፉ ድማ‘ዩ ዓወት ክኸውን ዘይካኣለ ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ደንበ ተቓውሞ፡ ንሓደስቲ ብደሆታት ኣብ ክንዲ ብሓድሽ ኣገባብ ዝገጥሞም፣ በቲ ዝኣረገን ዘይሰርሕን፣ ቕርሕንቲ ብዝተመልኤን ቀጥዕታት ክሕዞም ከም ዝጸንሐ ዘመልከት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ንናይ ውልቂ ኮነ እኩብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ንቃለስ ኣለና እንዳበልና፡  መሰሎም ንዝተጠቕሙ ወገናት ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ክንወቅስን ክንከስስን ህርድግ ካብ ምባል ክወጽእ ይድለ። እዚ ተወሳኺ፡ ንካልእ ሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ናይ ኣገጣጥማ ሜላ ከተቕርብ ናይ ዘይምብቃዕ ኣብነት እዩ። ሰዲህኤ ሓደ እዋን ኣብ መጋባእያ ተወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ንደምበ ተቓውሞን ብሓፈሻ ይሕግዝ‘ዩ ዝበሎ ሓሳብ ብምቕራቡ ጥራይ፡ በቶም ንሱ ሓይሎም፤ ንሳቶም ድማ ሓይሉ ክኾኑ ዝነበሮም ወገናት፡ ዘጋጠሞ ውግዘት ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። እቲ ኣገባብ ብቕንዕና ትሕዝትኡ መሚኻ ንኩሉ ተቓልሳይ ከገልግል ብዝኽእል መንገዲ ስለዘይተራእየ ድማ ዲፕሎማስያዊ ክፍተት ኣስዒቡ። ክሳብ ሎሚ ክንመልኦ ዘይካኣልና ሃጓፍ ከኣ ፈጢሩ። እዚ ከም ኣብነት እንጠቕሶ ዘለና እዩ‘በር፡ ከምኡ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብዙሓት ዘምለጡና ምህላዎም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ንመጻኢ ንሓድሽ ብደሆ፡ ሓድሽ ኣጋጣጥማ ናይ ምርካብ ባህሊ ሰዊዱ መምሃሪ ክኸውን ከኣ ተስፋ ንገብር።  

Last modified on Monday, 26 May 2025 11:37