ሰብ ክቡር’ዩ

2024-05-25 19:44:28 Written by  ክፍላይ ተኪአ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 147 times

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ሰብ ክቡር’ዩ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከሎኹ፡ መሪርን ዘይቅቡልን ሃለዋትና ናብ ሕብረተሰበይ ከመሓላልፍ ስለ ዝደለኹ’የ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ንሕና ኤርትራውያን’ኳ ከም ደቂሰባት ካብ ስነምግባር እናወጻእና ኣብ ኣሰቃቒ ኩነታት ጐነጻት ኣብ ነንሓድሕድና ጸኒሕና፡ ኣብ ኣሰቃቒ ናይ ደም ምፍሳስ ጭካነ ዝመልኦ በጺሕና ኣሎና።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ንሕና ከም ደቂሰባት ኣእምሮ ዝተዓደልና ክነስና፡ ንምንታይ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ንኣቱ ኣሎና? ኣንታ ሰብ ኣንቱም ሰባት ኣንታ ህዝቢ፡ ሰብ ክቡር’ዩ፤ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ’ዩ። ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን፡ በብእዋኑ ክዕዘቦን ክጥምቶን ዝጸናሕኩን፡ ለይትን መዓልትን ድቃስ ስለ ዝኸልኣኒ ተመሊሰ ንኣእምሮይ ከዛርቦ እንከለኹ ከም እንደገና ኣእምሮይ ኣብ ሕቶ ይኣቱ። እዚ ኩሉ ጭካነ ካበይ መጺኡ? ኣቱም ሰባት ንዑ ሰባት ኩኑ። ሃገር ናይ ኩላትና’ያ፡ ሃገር ድማ ህዝቢ’ዩ። ስለምንታይ ንሓቅታት ረጊጽካ ትኸይድ ኣሎኻ፡ ብርግጽ ናይ ብሓቂ ሰብ እንተኾንካ ሽግር ህዝብኻን ሽግርካን ፍታሕ እናበልኩ ደጋጊመ ብትሕትና እላበወካ ኣለኹ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣብ ሃገርካ ምንባር ዝሰእንካን ዝተኸላእካን፡ ካብ ትፈትዎም ስድራቤትካን ካብቲ ትፈትዎ ህዝብኻን ሃገርካን ሕብረተሰብካን ተፈሊኻ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ብሓባር በቲ ስርዓት ዝወረደካ ኢኻ። ካብኡ ብዉሑድ ሓደ-ክልተ እናበልኩ ክጠቅስ፡-

1 - ከም መንእሰይ ትምህርቲ ዝተሓረምካን፡ ደንቊርካ ክትነብር ዝተፈረድካን ዩኒቨርሲቲኻ ዝተዓጽወካን፤

2 - ናይ ስድራኻ መቐረት ንከይተስተማቕር ኣብ ወተሃደራዊ ባርነት ክትነብር ዝተፈረድካ፤

3 - ዓቕሚ ኣዳም በጺሕካ ሓዳርን ናብራን ከይትገብር በረኻ ኮይኑ መንብሮኻ፤

4 - ራኢ መጻኢኻ ጸልሚቱካ ጉዕዞ ስደትካ ናይ ሕየትን-ሞትን ዝኾነ ብሓውኻ ብጥይት ኣናተሰሓትካ፤

5 - ኣብ ጉዕዞ ስደትካ ኣምዑት ናውቲ ኣካላትካ ዝተሸየጥካ፤ 

6 - ኣብ ሰሃራን ኣጻምእ ምድረ-በዳን ብጽምኢ ናይ ሞ`ት ግዳይ ዝኾንካ፤

7 - ኣብ ባሕርን ውቅያኖስን ድራር ዓሳ ክትከውን ዝተፈረድካ መንእሰይ ወሎዶ ምዃንካ፤

8 - ገና’ውን እቲ ስርዓት እግረ-እግርኻ እናሰዓበ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና (Transnational Repression) እናኣውረደልካ ምንባር ዝኸልኣካ ኢኻ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን እቲ ኣውራ ዘጨነቐንን ዝገርመኒ ዘሎን፡ እቲ ኩሉ መንእሰይ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዝሓለፈ ክንሱ ናይ ሞት ጭካነ ክርኢ ከሎ፡ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ እሓዝንን እጕህን፤ እዝስ ንምንታይ - ንምንታይ - ንምንታይ ይብለካ’ሎ ህዝቢ ኤርትራ። እቲ ዋና ነገር ደላይ ፍትሒ ኩን፡ እቲ ፍታሕ ድማ ንሱ ጥራይ እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ኣብ ህዝቢ ዓለምን ሃገራትን ሳይንሳዊ ኣምር መሓድሮ ናይቲ ምዕቡል ሕብረተሰብ ክህልዎ ጉዕዞ ናይ ደቂሰባትን ኣህዛብን’ዩ። ንሱ ከኣ ቅዋም ሕግና ኮይኑ ኣብዛ ንነብረላ ምድርን ሃገርን ኣድማሳዊ ዋሕስ ናይ ደቂሰባት’ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡- ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። ኣብ ምዕቡል ሃገር ኢኻ ዘሎኻ ንመጻኢ ወሎዶ ዘይምሕሳብካ ብጣዕሚ ይገርመኒ። ሕሰብ ኤርትራዊ ደጋጊመ ብትሕትና ይብለካ ኣለኹ፤ሃገር ናይ ወለዶታት’ያ መንእሰይ ወሎዶ ንፍትሒ ይዝምር ኣሎ፡ ንፍትሒ ይቃለስ ኣሎ፡ ስዓበኒ ይብለካ’ሎ። ኢሂን-ምሂን ተበሃሂልካ ቅዋምካ ኣማእኪልካ፡ ሓታትን ተሓታትን ዘለዎ ሽግርካ ንምፍታሕ መንእሰይ ወሎዶ ሓላፍነት ኣሎካ ብሓባር ምስ ህዝብኻ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ንሕና ኤርትራውያን ን33 ዓመታት ብዘይ ቅዋም ሕጊ ከም ሃገርን ሕብረተሰብን ኣብ ባርነት ንነብር ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ለባም ኤርትራዊ ይሓፍርን ይደንን ኣሎ። ንውጽኢት ሓርንነትካ ልብኻ ከፊትካ እሂን-ምሂን ተበሃሃል፡ ደም ተፋሲስካ ሃገራዊ ዝብለካ ወይ ዝብሉኻ ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ ጥራሕ እዮም። ዘክር ኤርትራዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ዘክር ህልቂት ሩዋንዳ።

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ!

ሰላም ንህዝቢ ዓለም!

ውሕስነት ቅዋም ንወለዶና!

ብክፍላይ ተኪአ ጀርመን  

Last modified on Saturday, 25 May 2024 21:47