EPDP News

ስእሊ  ማሕበራዊ መራኸቢ

ሰራዊት ኤርትራ ካብ 20 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ካብ ከተማታት ክልል ትግራይ ይወጽእ ከም ዘሎ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ሓቢራ።  እቲ ሰራዊት ብናይ መካይን ቃፍላይ ከም ዝወጸ ዝሓበረት እታ ማዕከን፡ ምውጻእ እዚ ሰራዊት ንትግባረ እቲ ድሕሪ ከቢድ ዕንወት ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም  ኣገዳሲ ምዕባለ ከም ዝኸውን ገሊጻ።

ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ዓብይ ዕንቅፋትን ብደሆን ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብዚ ድሕሪ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝሞትሉ ውግእ ብሰላም ንክፍታሕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኑ ኣንጻር ትግራይ ክዋጋእ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ኣካልቲ ስምምዕ ከምዘይነበረን በዚ ሕጉስ ከምዘይኮነን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ዝተፍላለዩ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብወገኖም፡ እተን ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝጸዕና ብዙሓት መካይን ካብ ሽረ ብኣንፈት ዓዲ ዳዕሮ ንወገን ሸራሮ ከም ዝተጓዕዛ ምስክርነቶም ሂቦም። ብዘይካዚ ነበርቲ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን እውን ናይቲ ሰራዊት ምውጻእ ኣረጋጊጾም፡ ኣብቲ ዝወጽሉ ዝነበረ ሰዓታት ጐደናታት ንዓኣቶም ጥራይ ተሓዚኡ፡ ምንቅስቓስ ካለኦት ኣካላት ተኸልኪሉን ኣገልግሎት ተለፎን ተቛሪጹን ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም።

ኣካላት ሰብኣዊ መሰልን ዝተፈላለዩ መንግስታትን በብግዜኡ ሰራዊት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዝተፈላለዩ በደላት ብምቅዋም፡  ካብ ትግራይ ክወጽእ ክጽውዑን እንተዘይወጺኡ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ከጠንቅቑን ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይን ኤርትራን ብዛዕባ ምውጻእ ናይቲ ሰራዊት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ስምምዕ ተዓዘብቲ ዝነበሩ ወገናትን ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ ትሮንድሃይ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ፡ ብስም ማሕበረሰብ  ኤርትራ (Den Eritreiske Forening I Midt Norge) ዝተዳለወ፡  ን14 ጥሪ 2023 ተሓሲቡ  ብምስጢር ክስረሓሉ ዝጸንሐ መደብ ወጋሕ ትበልለይቲ፡ ብተባዕ ሕጋዊ መስርሕ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝፈሸለ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሉ ዝጸንሑ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናይዚ ዝፈሸለ መደብ ዕላማ “ወጋሕ ትበል ነይቲ” ብዝብል ባህላዊ ጉልባብ፡ ገንዘብ ንምእካብን ጸረ ህዝብን ምልካውን ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኣስሪጽካ፡ ህዝቢ ግዳይቲ ጉጅለ ንምግባርን እዩ ነይሩ። እቶም ኣዳለውቲ ነዚ ጸረ ህዝቢ መደባቶም ንምዕዋት፡ ብምስጢር ካብ ናይታ ከተማ ፖሊስን ምምሕድርን ፈቓድ ረኺቦም ነይሮም እዮም። በዚ ፈቓድ ተኣማሚኖም ድማ፡ እኽለማይ ኣዳልዮም፡ በጀት መሓሪ፡ ሁመድ እድሪስን ኣሚር ጠዓመን ዝተባህሉ ደረፍትን ተለሃይትን ካብ ሃገረ ሽወደን ገንዘብ ከፊሎም ኣምጺኦም ከም ዝነበሩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ነዚ ኩነታት ክጸናጸኑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ከተማ ትሮንድሃይ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ናይቲ ዝዳሎ ዝነበረ መደብ ሓደገኛነት ዝገልጽ ብኣማኢት ዝቑጸር ናይ ቴለፎን መልእኽትን መጠንቀቕታን ናብ ፖሊስ እታ ከተማ ኣመሓላሊፎም። እዚ መልእኽቲ ዝበጸሖ ፖሊስ ኣብቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ዕለት 14 ጥሪ 2023 ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ፡ እቲ ብምስጢር ክዳሎ ዝጸንሐ መደብ ንክቋረጽ ወሲኑ። እዚ ናይ ፖሊስ ውሳነ ዝበጸሖም ኣዳለውቲ፡ ብዘይሙዚቃ ኣብቲ ኣቐዲሞም ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ ኮይኖም፡ ነቲ ዘዳለዉዎ እኽለማይ ክምገብዎኳ እንተሓተቱ ብፖሊስ ተቐባልነት ስኢኖም ነናብ ዝመጽዎ ከም ዝተበተኑ ተፈሊጡ።

እቶም ኣዳለውቲ ነቲ ምድላው ምስ ህግደፍ ምትእስሳር ዘየብሉ ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ትምኒት መግለጺ ከምስልዎኳ ካብ ኣዳራሽ ወጻኢ ባነራት እንተዘርግሑ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ግና፡ ስእልታት ተዓለምቲ ሳዋ ሰቒሎም፡ “ተዋጊኡ ዝሰዓረ መጒቱ ዝረተዐ ዘይጸዓድ ህዝቢ” ዝብልን ካልእን ህግደፋዊ ጭረሖታት ለጢፎም ከም ዝነበሩ ተቓሊዑ።

ነዚ መደብ ዘፍሸሉ ብሓፈሻ ናይታ ከተማ ነበርቲ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ መንእሰያት ድማ ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ። ኣብዚ እቲ ዝነኣድን ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግበኦን እቶም መንእሰያት መደባቶም ንምዕዋት ዝኸድዎ መስርሕ ሰላማውን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብን  ምንባሩ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ህግደፍ ነቲ ዘፍሸሎ ስርሒት ዝምዝምዘሉ ዕድል ኣይረኸበን።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ካብ ዝተኣስሩ 5 ጋዜጠኛታት ተለቪዥን ትግራይ፡ እቶም ሰለስተ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ናይቲ ክልል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ዝተፈትሑ  ተሓቢሩ። እዞም ጋዜጠኛታት ቅድሚ 8 ኣዋርሕ  ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፡ ምስ ጸላኢ ብምትሕብባር ናይ ጸላኢ ፕሮፖጋንዳ ዘርጊሕኩም ብዝብል ክሲ እዮም ተኣሲሮም። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተፈትሐ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ን16 ዓመታት ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ምስጋናው ስዩም፡ ኣብቲ ስራሕ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰይሙ ብዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተመደቡ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተፈትሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት፡ ተሾመ ጣምያለው፡ ምስጋናው ስዩምን ሓበን ሓለፎምን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ጌና ዘይተፈትሑን ኣብ መደበር ፖሊስ ተታሒዞም ዘለዉን፡ ክሶም ካብ ናይቶም ዝተፈትሑ ዘይፍለ  ድማ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነንን ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይዞም ዘይተፈትሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ን18 ለካቲት 2023 ብቖጸራ ተታሒዙ ከም ዘሎ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

.ናይ ጋዜጠኛ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ጠበቓ፡ ኣቶ ኣብረሃ ካሕሳይ፡ እቲ ቤት ፍርዲ  መስርሕ ፍርዲ ብዘይምኽታሉን  ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ብዘይክሲ ምእሳሩ፡ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ፕረስ ከም ዘየኽበረን፡ ጋዜጠኛ ሓሳቡ ብምግላጹ ከምዘይእሰር ዝከላኸል  ዓለምለኻዊ ሕግን ከም ዝጠሓሰን ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። እቶም ጠበቓ መስርሕ እቲ ፍርዲ ስሉጥ ዘይምንባሩ እውን ነቒፎም።

ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠናታት፡ ኣይኮነንዶ ክፍትሑን ብጠበቓ ተሓጊዞም ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ዝተኣስርሉ ቦታን ሃለዋቶም እኳ ከምዘይፍለጥ ዝዝከር እዩ።

 

ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኣቶ ቴድሮስ ምህረቱ፡ ቃለ-መሓላ ዘፈጽም ዳኛን ወ/ሮ መኣዛ ኣሽናፍን

ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ምስ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻእ፡ ፕረዚደንት ፌደራል ጠላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኮይነን ዝጸንሓ ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊን ምኽትለን ኣቶ ሰለሞን አረዳን ብፍቃዶም ካብ መዝነቶም ከም ዝወረዱን፡ ኣብ ክንደኦም ኣቶ ቴድሮስ ምህረቱን ወ/ሮ ኣበባ እምቢኣለን ብቕደም ሰዓብ ፕረሲደንትን ምክትልን ኮይኖም ካብ 17 ጥሪ 2023 ጀሚሮም ከም ዝተክእዎም ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን።

እቶም ብፈቓዶም ካብ መዝነቶም ስሒቦም ዝተባህሉ፡ ብፖለቲካዊ ምኽንያት፡ ኣብ ክንዲ ተሰጒጎም ትበሃሉ፡ “ብፈቓድኩም ስሒቡ”  ዝብል ተጽዕኖ ከም ዝተገብሮም ክሕብሩ ዝጸንሑ ወገናት ኣለዉ።

ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ ቅድሚ ፕረሲደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ምዃነን፡ “እናት ባንክ” ዝበሃል ፋይናንስያዊ ትካልን ማሕበር ናይ ሕጊ ክኢላታት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን ብምምስራትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታዊ ናይ ሕጊ ትካላትን ናይ ምስራሕ ተመኩሮ ከም ዘለወን ይንገር። እቶም ዝተክእወን ኣቶ ቴድሮስ ምህረቱ ድማ ብደረጃ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ክምህሩ ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ቀጻሊ ናይ ሚኒስተራትን ኣንበሳድራትን ምቅይያራት ተጸሚዶም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሚኒስተራት ማዕድን፡ ትራንስፖርትን ሎጂስትክን፡ ሕርሻን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ካብ ናብ ካቢነ ኣባልነቶም ምውራድ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።  እዚ ምቅይያራት ብመንጽር መርገጽ ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሮተርያን ናይሮብን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።

ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ኣብ 2021 ብዝነበረ ጸብጻብ መሰረት ልዕሊ 580 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕበን ወጻኢ ካብ  ሃገሮም ከም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋዜጠኛን እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውትን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ማርቲን ፕላውት ኣብቲ መጽናዕቱ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2022 ብዝተገብረ ዳህሳስ፡ እዞም መብዛሕተኦም  ግዳይ ስደትን ምሕታት ዑቕባን ክኾኑ ዝተገደዱ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ዝተኸተሎ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣስፊሩ።

 ንምኽንያታት ስደት ብዝምልከት ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ክገልጽ እንከሎ፡ ገደብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ናይ ጉልበት ምዝመዛን፡ ንነዊሕ ግዜ ብዘይፍርዲ ማእሰርትን ብኩራት ናጽነት እምነትን ካብቶም ቀንድታት እዮም ኢሉ ኣስፊርዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፡ ናይ ርኢቶኻ ምግላጽን ምሕሳብን ምቁጽጻር ከም ዘትርር ብምጥቃስ፡ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህድኣት ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

እቲ መጽናዕቲ ንፖለቲካውን ዲሞክራስያውን ሃለዋት ኤርትራ ክጠቅስ እንከሎ፡ ብዘይተመርጸ ውልቀሰብ  እትምራሕ፡ ሓጋጊ ኣካል፡ ናጻ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ናጻ መዲያን ናይ ፍትሒ ኣካላትን ዘየብላ ሃገር ኢሉዋ። ምስዚ ብዝዛመድ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሕጂ ዘይመንግስታዊ መድያታት ዓጽዩ ጋዜጠኛታተን ምእሳሩ ኣዘኻኺሩ፡ ኤርትራ ናጻ ካብ እትኸውን ምርጫ ዘይተኻየደላ ሃገር ክብል ጠቒሱዋ።

ህልዊ ምምሕዳር ኤርትራ፡ እቲ ዝተጠቕሰ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባራት ከመሓይሽ ይትረፍ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ምእታዉ፡ ኣብ ሰራዊት ዘጋጠሞ ጉድለት ንምምላእ ቀጻሊ ግፋ  የካይድ ከምዘሎ መስኪሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን ሰፊሕ ማእሰርትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ምፍጻሙ ይቕጽል ምህላዉ ኣቃሊዑ።

ማርቲን ፕላውት ኣብ መጽናዕቱ፡ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዘኣ እንተ ኣመሓየሸት” ብዝብል፡  ብ2021 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኮይና’ኳ እንተተመዘዘት፡ ብግብሪ ግና ጨቋኒ ኣተሓሕዛኣ ካብ ምትራር ሓሊፉ ለውጢ ከምዘየምጸአት ንኤርትራ ብዝምልከት ዝቐረበ ፍሉይ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ ኢሉ።

Mahfuz

 ተጋዳላይ ማሕፉዝ ኣደም ኣሕመድ፡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ርያድ፡ ብዝሕደሮ ሕማም ብዓርቢ ዕለት 13 ጥሪ 2023  ዓሪፉ። ብዕለት 14 ጥሪ 2023  ኣብ ከተማ ርያድ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስዉእ ማሕፉዝ ብ1958 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ኢዩ ተወሊዱ። ኣብ ብሪገድ 44 ንነዊሕ እዋን ተቓሊሱ።

ሰዲህኤ፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፥ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

14 ጥሪ 2023

ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣዲስ ኣበባ)፡ ሕጋዊ ፓስፖርት ክወሃቦም ንዝሓቱ ኤርትራውያን፡ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ምስምሳት ፈጢሮም ብምንጻግ፡ ናብ ውልቃዊ ጅባኦም ዝኣቱ ገንዘብ እናኽፈሉ ክንህበኩም ከም ዝብልዎምን እቲ ዝህብዎም ፓስፖርት ከኣ ዘይሕጋዊ (forged) ምዃኑን ምንጭታት ሰዲህኤ ኣቃሊዖም።  

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም  ንሕክምናን ንዝተፈላለዩ ጉዳያትን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንክገሹ ካብቲ ኤምባሲ ፓስፖርት ዝሓቱ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ኤምባሲ መዝጊቡን ገንዘብ ኣኽፊሉን “ኣብ ዘለኹምዎ ኮይንኩም ብስልኪ ሕተቱ”  ካብ ምባል ሓሊፉ ዝህቦ  ተግባራዊ ምላሽ የለን። ኣማሪሮምን ተጨኒቖም ንዝሓቱ ከኣ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ርእሲቲ ናብቲ ኤምባሲ ዝኣቱ ዓቐን ገንዘብ፡ ክሳብ 400 ዶላር ብላዕ (ጉቦ) ከም ዝሓትዎም ተፈሊጡ። እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ዝያዳ 400 ዶላር ብላዕ ምስ ወሰዱ ዝህብዎ ፓስፖርት ዘይሕጋዊ  (forged) ምዃኑ እዩ።

ካብቲ ሕጋዊ ፓስፖርት ንምሃብ ዘቕርብዎ ምኽንያት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓተትካዮ ፓስፖርት ንምርካብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ወኪልካ ኣድራሻ ይሓቱ እሞ ዝመላእካዮ ቀጥዒ ንውሳነ  ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ስለ ዝኾነ፡  እቲ ወኪልካ እዩ ኣብ ኣስመራ ዝከታተለልካ ዝብል መልሲ ይህብዎ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤተሰብ ናይቲ ሓታቲ ፓስፖርት፡ ኣስመራ ናብ ዘሎ ኤሚግረሽን ከይዱ ብዛዕባ ፓስፖርት ናይቲ ዘመዱ ክሓትት እንከሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመልኦ ቀጥዒ (ፎረም)  ኣይበጸሐናን ብዝብል ክሳብ ረብሪቡ ዝገድፎ የመላልስዎ።

ንገለ ድማ ንሕክምናን ካልእ ጉዳያት ንወጻኢ ክኸዱ ፓስፖርት እናሓተቱ፡ ናብ ኤርትራ ዘምልስ ወረቐት (ሊሰፓሰ) ክንህበኩም ብዝብል ክጥብርዎም ከም ዝፍትኑ፡ ካብቶም ብሰንክዚ ብልሽዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ኤምባሲ ዝተኸላበቱ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ከምተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ኤምባሲታት ናይታ ሃገር፡  ቀንዲ ስርሑ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ጸሊም ዕዳጋ ሸርፊ ገንዘብ ምውፋር ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት በብግዜኡ ዘቃልዕዎ እዩ።

ስእሊ: ኣዲስ ስታንዳርድ

ኣብ ዑደት ዘለዉ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኲን ጋንግን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን ብ11 ጥሪ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቻይና ዝተሃንጸ ማእከል ምቆጻጸሪ ሕማማት ኣፍሪቃ መሪቖም ከፊቶም። ቻይና ነቲ ማእከል ዝሃነጸቶ ኣብቲ ብ2018 ዝተኻየደ 7ይ  ርክብ ሚኒስተራት ኣፍሪቃን ቻይናን ንክትሕግዝ ብዝኣተወቶ ቃል እዩ። እቲ ናይ ቻይና ልግሲ ኣብቲ እዋን ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተናኢዱ እዩ።

እዚ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣዲስ ኣበባ ብ80 ሚሊዮን ዶላር 90 ሺሕ ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መሬት  ዝተሃንጸ ዘመናዊ  ማእከል መቆጻጸሪ ሕማማት፡ ክፍሊ ሓበሬታ፡ ማእክል ህጹጽ መጥባሕቲ፡  መመርመሪ፡  መዕቀቢ ንብረት፡ ኣብያተ-ጽሕፈት፡  መግለጺ ዝወሃበሉ ክፍልታትን መሰልጠኒ ቦታን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣድላዪ ዘመናዊ መሳርሒ ዝተገጠመሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ሃንጻ፡ ሓደ ካብቲ ግቡእ መሳርሒ ዘለዎ ዘመናዊ፡ ማእከላት ተኸታታሊ መቆጻጸርን መከላኸልን  ሕማማት ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ምስ ትካላት ህዝባዊ ሕክምና ኣባል ሃገራት  ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሕ ተፈሊጡ’ሎ።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ቻይናን ክብጻሕ ዝጸንሐ ስምምዓት፡ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን  ሚኒስተር ንግዲ ቻይናን  ንኣተገባብራ ፕሮጀክት ናይዚ  ዝተመረቐ ህንጻ ዝምልከት፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ስምምዓት ተኸቲሙ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።  

ኣብዚ እዋንዚ እቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመዘዙ ሓድሽ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኣብ ምብጻሕ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም ዝርከቡ። እተን ዝበጽሕወን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡  በኒን፡ ጋቦን፡ ኣንጎላን ግብጽን ኮይነን፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ርክብ ድማ ነብሱ ዝኸኣለ እዩ። ኣብ ግብጺ ምስ ቤት ጽሕፈት ዓረብ ሊግ ከም ዝራኸቡ ድማ ተፈሊጡ።

ምስሊ ካብብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ጓል 21 ዓመት ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳኒኤል፡ ኣብ ሃገረ ስፐይን ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ናይ ኣትለቲክስ ውድድራት ቀዳመይቲ ብምዃን ክልተ ወርቂ መዳልያታት ተዓዊታ። እቲ ራሄል ዝተዓወተትሉ ውድድራት፡ ብ6 ጥሪ 2023 ዝተኻየደ መበል 66 ሻምፒዮን ሃገር ኣቋራጺ ሻምፒዮንንን ብ8 ጥሪ 2023 ዝተሳለጠ መበል 79 ዓለምለኸ ናይ ኣትለቲክስ ሻምፒዮን ምዃኑ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ብዓወት እታ ኣትለቲካዊት ሓጐሱ ንምግላጽ ዘውጸኦ መልእኽቲ  ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡  ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ራሄል ዳኒኤል ናይ መጀመርታ ኤርትራዊ እያ።

ኣብዚ ራሄል ዝተዓወተትሉ ናይ ቀረባ ቀንዲ መወዳድታ  ዝነበራ ቅድሚ ሕጂ ናይዚ ውድድር ዕዉታት ዝነበራ ኬንያውያን ኮይነን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ባሕሬንን ብሩንድን ዝተኻፈላ ተሳተፍቲ እውን ነይረን። ኣትለቲክዊት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሪጐን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ  ውድድር ኣትለቲክስ  10 ሽሕ ሜትሮ እውን 5ይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ከም ዝፈጸመት ዝዝከር ኰይኑ፡ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ቅልጣፈኣ ድማ 30:12፡15 ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

ኣብ ሱዳን በቲ ስምምዕ መሰጋገሪ ፖለቲካዊ መስርሕ መሰረት፡ ናብ ካለኣይን  መወዳእታን ደረጃ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክኣትዉ ከም ዝተሰማምዑ፡ ሱዳን ትሪቡን  ንስሉሳዊ ኣሳላጢ ኣካል ብምጥቃስ ሓቢራ።

በቲ ናይ ሱዳን ትሪቡን ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ መስርሕ፡ እቲ ሲቪላዊ ኣካልን ወተሃደራዊ ወገንን ሱዳን፡ ቅድሚ ናብ ምርጫ ዘብጽሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራቶም፡ ኣብ 5 ዛዕባታት ክሰማምዑ ትጽቢት ይግበረሎም።

እቶም ንክሰማምዕሎም ትጽቢት ዝግበረሎም ሓሙሽተ ኣገደስቲ ዛዕባታት፡ ጸጥታዊ ዳገመ-ስርርዕ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ቅልውላው ምብራቕ ሱዳን ምፍታሕን ተረፍ-መረፍ ናይቲ ዝተወገደ መንግስቲ ዑመር ኣል በሽርን ከም ዝርከብዎም  ኣበቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ከተምቲ ናይቲ ስምምዕ መስርሕን ስሉሳዊ ኣሳለጥን፡ ሰብ መዚ፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብ8 ጥሪ 2023 ናይ መወዳእታ መስርሕ ንምብጻሕን ፖለቲካዊ ጉዳያት ንምምዕርራይን ዝምልከት ርክብ ኣካይዶም እዮም። ኣብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ሕውነት ኣብ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝተኻየደ ናይዞም ዝተጠቕሱ ፈረምቲ ኣካላት ኣኼባ፡ ናይ ሱዳን ሲቪላውን ወተሃደራውን ከተምቲ’ውን ተሳቲፎም።

ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ስምምዕ ዘይተበጽሓሎም ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምምኽኻር ድማ፡ ብ9 ጥሪ 2023 ርክብ ከም ዝግበርን ድሕሪኡ ኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ መጻኢ መርሓ-ጐደና ንምሕዳስ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። እቲ መስርሕ በቲ ዝቐለለ ኣጀንዳ፡ ምውጋድ ተረፍ-መረፍ ኣካላት ምምሕዳር መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ከም ዝጅምርን ድሕሪኡ ከከም ክብደቶም ብዛዓባቶም ዝተረፉ ምርድዳእ ከም ዝቕጽል እቲ ሰፊሕ ጸብጻብ መዝጊቡ።