EPDP News

ብመጸዋዕታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ ብ28ን 29ን ጥሪ 2024 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባ ኣስታት 23 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብዎም 50 ዝበጽሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ። ካብቶም ኣብዚ ኣኼባ ዝሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ከምርከብዎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ናይዚ ኣኼባ ቀንዲ ዓላማ ኢጣልያ “ማርሻል ፕላን” ብዝብል ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊ ዝምድና ከም ሓድሽ ንምኽላስን ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ብዛዕባ ዝውሕዙ ስደተኛታት ንምዝርራብን ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብዚ ኣኼባ ኢጣልያ ኣብ ጸዓትን ካልእ ትሕተ-ቅርጽን ኣብ ኣፍሪቃ ከተካይዶ መዲባቶ ዘላ፡ ዓመታዊ 3 ሚልዮን ዩሮ ወጻኢ እትገብረሉን ንኣርባዕተ ዓመታት ዝቕጽልን  ወፍርን ናይ ምትሕብባ ልግስን ከተፋልጥ ትጽቢት ኣሎ። ብወገን ኢጣልያ ዝተዋህበ መብርሂ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝግበር ወፍሪ ንድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወን ኣብ ናይተን ሃገራት ቅሩብነት ዝተመስረተ ክኸውን እዩ።

ኢጣልያ ካብ ኣፍሪቃ እትረኽቦ ናይ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ምንጪ ጸዓት ንምዝያድ ምስ ኣልጀርያ፡ ሞዛምቢክን ሰኔጋልን ዝጀመረቶ ስምምዓት ዝያዳ ናይ ምስፍሑ መደብ ከም ዘለዋ ሮይተርስ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ናይ ዝምድና ፖሊሲ ምምሕያሽ ኣካል ኣጀንዳ ኣይዚ ኣኼባ ገይራ ሒዛቶ ከም ዘላ ተፈሊጡ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ቅድሚዚ ኣኼባ ምጽውዐን ኩነታት ንምድህሳስ ብፍላይ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ መገሻ ከምዘካየዳ ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጐኒጐኒ እዚ ኣኼባ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብመንጎኘነት ኢጣልያ ብዛዕባቲ ድሕሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ምኽታም መሰማምዒ ሰነድ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ክዘራረቡ እዮም ዝብል ግምት ዘለዎም ወገናት ኣለዉ።

ኣብ ኣስመራ፡ ዜጋታት ዝሳቐይሉ ህንጻ 2ይ መደበር ፖሊስ (ካርሸሊ)

ኣብ ከተማ ኣስመራ ብ20 ጥሪ 2024 ልዕሊ 30 ኣደታትን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ህጻናትን ዝርከብዎም ብህግደፍ ዝተኸልከለ እመነት ወገላውያን ዝኽተሉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ከም ዝተኣስሩ፡ ኦፐን ዶርስ ዝተባህለ  ናጸነት እምነት ዜጋታት ዝሕለቕ  ትካል ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዞም ግዳያት ዕለተ ልደት ህጻን ንምዝካር ኣብ መንበሪ ገዛ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩን፡  ናብ መደበር ፖሊስ ተወሲዶም ከም ዝተኣስሩን እቲ ዜና ሃቢሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝነበሩ  ናይ ካልእ እምነት ሰዓብቲ ግና ከም ዘይተታሕዙ እቲ ትካል ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ፈቓድ ዘለወን ኣካላት ሃይማኖት ክርስትና ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እዘን ፈቓድ ኣለወን ዝበሃላ እውን ህግደፍ ኢዱ ብምእታው ኣብ ልዕሊ መራሕተን ኮነ ሰዓብተን በብግዜኡ ዝተፈላለየ ዕንቅፋታትን ማእሰርትን  እዩ ዝፍጽም።

ኣብዛ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ካብ ትባሃል ነዊሕ ግዜ ዝኾና ኤርትራ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ በደላት ዝፍጸም ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዝተገብረ ሓድሽ ዳህሳስ፡ ብደረጃ ዓለም ንዜጋታት ብሰንኪ እምነቶም በደል ምስ ዝፍጽማ በዓል ቻይና፡ ሰሜን ኮርያን ኒካራግዋን ተሰሪዓ ኣብ 4ይ ደረጃ ከም እትርከብ ኦፐን ዶርስ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2024 ኣብ  ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኤርትራ፡ በርማ፣ ቻይና፣ ኩባ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኢራን፣ ኒካራጓ፣ ፓኪስታን፣ ሩስያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ታጃኪስታንን ቱርክመኒስታንን  ኣብ ዝርዝር ናጽነት እምነት ዝግህሳ ሃገራት ከም ዘስፈርወን ዝዝከር እዩ።

ኣቶ ደመቀ መኮነን ሓሰን ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ብልጽግና  እናፋነውዎ ከለዉ

 ምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ደመቀ መኮነን ሓሰን  ካብ ሰልፋዊ መዝነቱ ከም ዝወረደ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ደመቀ ካብዚ መዝነቱ ዝወረደ ብውሳነ’ቲ  ክካየድ ዝቐነየ  ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ ሰልፊ ብልጽግና እዩ።

ኣቶ ደመቀ መኮነን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተመዘ፡ ብ2012 ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርነት ደሪቡ ዝሓዘ ከኣ ብ2020 እዩ። ደመቀ መኮነን ነዚ መዝነታት፡ ቅድም ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ብሄር ኣምሓራ፡ ምክትል ፕረሲደንት ብልጽግና ዝኾነ ከኣ፡ ጨንፈር ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ብምውካል እዩ።

ንደመቀ መኮነን ተኪኡ ምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ክኸውን  ብኣኼባ’ቲ ማእከላይ ኮሚተ ብልጽግና ዝተመዘ ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ብልጽግናን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ካብ ክልል ኣምሓራ ከም ዝኾነ ድማ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ምስንባት ደመቀ ካብ ሰልፋዊ ሓላፍነት ካብ መንግስታዊ ሓለፍነት እውን ከም ዝወርድ ዘመላኽት ምዃኑ ይገልጻ ኣለዋ።

ኣቶ ደመቀ ካብ ሓላፍነት ዝወረደሉ ምኽንያት መስርሕ ምትኽኻእ ንምትእትታው ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ። ኣቶ ደመቀ መኮነን ቅድሚዚ ብደረጃ ሰልፍን ፈደራልን ሒዝዎ ዝጸንሐ ደረጃ፡ ካብ 2008 ጀሚሩ ብደረጃ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣገልጊሉ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ ብልጽግና፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መስርሕ ትግባረ ውዕል ሰላም ፕረቶርያን ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝጀመሮ ናይ ሰላም ዘተን ከም ዝቕጽሎን ኣንጻር’ቶም ሓይሊ ዝመርጹ ወገናት ከኣ መኸትኡ ከም ዝቕጽል ገሊጹ።

ገለ ካብ ግዳያት ማእሰርቲ፡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት/CPJ፡ ኣብ ዘውጸኦ ዓመታዊ ጸብጻብ 2023፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም 7ይ ቦታ ሒዛ ኣብተን 10 ቀዳሞት ኣሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝኾና ሃገራት ከምዘላ ገሊጹ። ኤርትራ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ካብ ዓለም ኣብ 7ይ ካብ ኣፍሪቃ ድማ 1ይ ደረጃ ሒዛ ዘላ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐነት ሃገር  ብምዃና እያ። ብዘይካዚ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ኮነ ኣፍሪቃ ንዝነወሐ ግዜ ጋዜጠኛታት ዝኣሰረትን ንዋላ ሓደ ካብቶም ግዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ዘየቕረበትን ብምዃና ብፍሉይ ጭካነ ከም እትረአ ከኣ እቲ ጸብጻብ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

በቲ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ፡ ብዝሒ እሱራት ጋዜተኛታት ብ2021- 30፡ ብ2022- 31 ዝነበረ ኮይንኑ ኣብ 2023 ግና ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጽዑቕ ማእሰርቲ  ጋዜጠኛታት እቲ ኣሃዝ ናብ 47 ደይቡ ኣሎ።

ኣብ ዓምተ-2023 ክሳብ ባሕቲ ታሕሳስ፡ ብደረጃ ዓለም 320 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ካብዚኣቶም እተን 47 ደቂ ኣንስትዮ እቶም 273 ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። በቲ ካልእ ወገን ድማ 303 ኣብ ሃገሮም ዝተኣስሩ ኮይኖም፡ 17 ድማ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ሞያዊ ግበኦም እናፈጸሙ ዝተኣስሩ እዮም። እዞም ኣብ ኣያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ሓፈሻ እኹል መሰረታዊ ቀረብ ዘይረኽቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብፍላይ እቶም 94 ብስእነት ሕክምና ኣብ ክቱር ስቓይ ከም ዝርከቡ ዓመታዊ ጸብጻብ ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

ብደረጃ ዓለም ካብተን ቀዳሞት 10 ኣሰርቲ ሃገራት ዓለም፡ ቻይና፡ ማየማርን ቤላሩስን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ክሕዛ እንከለዋ፡ ኤርትራ፡ ግብጽን ቱርክን ከኣ ኣብ መወዳእታ ዝተሰርዓ እየ። እዚ ናይ እሱራት ጋዜጠኛታት ኣሃዝ ኣብ ሞያዊ ስረሖም እንከለዉ ንዝተስሩ እምበር፡ ንዝተሰወሩ ወይ ብኻልእ ክሲ ንዝተኣስሩ ከምዘይምልከት እቲ ኮሚተ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ  ጀርመን፡ ኣናርቦክ

A321LR፡ ዝተመዝገበት ነፋሪት ጀርመን፡ ብ24 ጥሪ 2024፡ ናይታ ሃገር ወጻኢ ሚኒስተር ጉዳይ ኣናሌና ርቦክ ዝመርሕኦ ልኡኽ ኣሳፊራ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እናተጓዕዘት ኣብ ሰማይ ኤርትራ ምስ በጸሐት ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ከም ዝኾለለትን ድሕሪኡ ኣቕጣጫኣ ቀይራ ሳዑዲ ዓረብያ ከም ዝዓረፈትን ሮይተርስ ካብ በርሊን ዝረኸበቶ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣፍሊጣ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ኤርትራ ክትኮልል ዝተገደደት እናተጓዕዘት እንከላ ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ኣቬሽን፡  ካብ ኤርትራ ዝተሓተቶ ፈቓድ ብዘይምርካባ ምዃኑ ሓቢሮም። ናይታ ነፋሪት ኣብራሪ ብወገኑ፡ ንኣገልግሎት ዜና ጀርመን ከም ዝሓበርዎ፡ በቲ ልሙድ ኣገባብ ብተደጋጋሚ ፈቓድ ሓቲቶም መልሲ ክጽበዩ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ተጸቢዮም ብወገን ኤርትራ መልሲ ምስ ሰኣኑ መንገዶም ናብ ሱዕድያ ቀይሮም ነዳዲ ክመልኡ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም። ማዕከን ዜና ሮይተርስ  እቲ ጠንቂ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኤርትራ ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ድሕረት ከምዘላ  ኣቃሊዓ።

ናይተን ሚኒስተር መገሻ ብሓደ ወገን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንጉዕዞ ናይ ንግዲ መራኽብ ዝብልከት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምድህሳስ ምንባሩ ተጠቒሱ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገምን ኣፈታትሕኡን ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ጅቡቲ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ንምርኻብ እዩ ነይሩ።

ናይቲ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝምራሕ ልኡኽ ጀርመን ናይ መገሻ ግዜ፡ ብሰንኪ ካብ ኤርትራ ፈቓድ ዘይምርካቡ  ካብቲ ዝመደቦ ወጻኢ ከም ዝተናውሐ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተኻየደ ሰልፊ

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ክልል ትግራይ፡ ከተማታት  ሸራሮ፡ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ኣክሱምን  ዓዲ ግራትን ሰላማዊ ስልፍታት ክካየድ እንከሎ፡ ብ24 ጥሪ 2024 ድማ ኣብ ዋና ከተማ እታ ክልል መቐለ  ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ናይቲ ክልል መድያታት ኣፍሊጠን። ኣብዚ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ  ብብዝሒ ዝተሳተፍሉ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ውዕል ሰላም ፕረቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ይተግበር፡ ናጻ ዘይወጸ መሬትና  ናብ ዋናኡ ይመለስ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይመለሱ፡ ጸላእቲ ካብ መሬትና ይውጽኡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጭረሖታት ተቓሊሖም።

ኣብቲ ናይ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኽበ፡ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንድቲ ክሰርሖ ዝግበኦ ብዘይምስርሑ እቲ ውዕል ክንድቲ ዝደለ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን” ኢሉ። ኣተሓሒዙ እቲ ንሱ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ተሓታቲ ምዃኑ ብምጥቃስ ይቕረታ ሓቲቱ።  “እቲ ናይ ተመዛበልቲ ቃንዛ ክድቲ ናትኩምኳ እተዘይኮነ ንዓና’ውንን  የሕመና እዩ” ከኣ ኢሉ። “ናብ መረበትኩም ዘይተመለስኩምሉ ምኽንያት ንሕና ክንድቲ ክንሰርሖ ዝነበረና ስለ ዘይሰራሕና ኢና” ክብል ብሰፊሑ ገሊጽሎም። ኣተሓሒዙ ድማ ድሕሪ ሕጂ ጉዳይ ተመዛበልቲ ከም ቀንዲ ዛዕባና ስለ እንሕዞ  ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ዘለዎ ተስፋ ገሊጽሎም።

ብሰንክቲ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ትግራይ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘይውሑስ መጽለልታት፡ ብስእነት መግብን ሕክምናን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ተወከልቲ ናይቶም ዝተሰለፉ ኣፍሊጦም። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ፡ ካብቲ ዘድሊ ረዲአት 20% ጥራይ ይቐርብ ብምህላዉ ኣብ ትግራይ ናብ ሓደ ሺሕ ዝገማገሙ ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱን ንመጻኢ እውን እቲ ኩነታት ከም ዘስግእ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣፍሊጦም። ፍደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኮነ ክልል ትግራይ “ናብ ሞት ዘብጽሐ ጥሜት የለን” ዝብሉ መግለጽታት ብምውጽኡ ዘሰሓሕብ ኮይኑ ኣሎ።

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ሓዳስ ኣፍሪቃ/NEW AFRICA፡ ዝተባህለት መጺሐት ብዘካየደቶ ዳህሳስ ኤርትራዊ ተወዳዳሪ ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብ 100 ናይ 2023፡ ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዝኾነ፡ ብፍሉይ ሕታማ ኣፍሊጣ። እዞም ሚእቲ ኣፍሪቃውያን ጸለውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተዋፊሮም ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ እዮም።

እዛ መጽሐት ከም ዘስፈረቶ፡ ብ2 ማዝያ 2000 ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ስፖርታዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግጥማት ብቕዓቱ ዘርኣየን ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ብሽግለታ ኣንጸባራቒ ዓወታት ከመዝግብ ዝጸንሐን እዩ። ቢንያም ካብ መዳይቲ ዝወዳደረሉ ዓይነት ስፖርት ተመሪጹ ሓደ ካብቶም 100 ሰባት ክኸውን ዝበቐዐ፡ ከምቶም ካለኦት ስፖርተኛታት ልሉይ ኣበርክቶ ስለ ዘመዝገበ ምዃኑ  ተገሊጹ። ብመሰረት ትዕዝብቲ እታ መጽሐት ናይ ቢንያም ዓወት ንውልቁ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዕቤት ስፖርት ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም’ው ዘተባብዕ ምዃኑ ተጠቒሱ።

እዞም ብመጽሐት ሓዳስ ኣፍሪቃ፡ ናይ 2023 ጸለውቲ ኮይኖም በታ መጽሐት ዝተመርጹ 100 ኣፍሪቃውያን፡ ካብ ዓውድታት፡ ፖለቲካ፡ ንግዲ፡ ሳይነስ፡ ኣካዳሚ፡ ሓለዋ ኣካባቢ፡ መዲያ፡ ስነጥበባዊ ምህዞን ስፖርትን ምዃኖም ተሓቢሩ። ነዚ ሓበሬታ ሒዛ ዝወጸት ናይዛ መጺሐት ፍልይቲ ሕታም፡ ናይቲ እዞም ጸለውቲ ዝተመረጽሉ ዓውድታት ቀዋሚት መወከሲት ከም እትኸውን  ተፈሊጡ።

ጨንፈር ስያትል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ21 ጥሪ 2024  ወርሓዊ ኣኼባአ ከም ዘካየደት፡ ካብታ ጨንፈር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣኼባ ጨንፈር ብዛዕባቲ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ  ኣብ ናይ 13 ጥሪ 2024 ዘካየደቶ ኣኼኣን ዝተመያየጠትሎም  ነጥብታትን ብሰፊሑ መዚኑ።

እቶም ኣኼባ ጨንፈር ስያትል ሚዝና ዘንበረትሎም፡ ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ተላዒሎም ዝነበሩ ነጥብታት፡ ግዜን ኣገባብን መጻኢ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ፡ ናብቲ ጉባአ ሕጹያት ኣጻርያ እተቕርብ ሓጻይት ሽማግለ ምምዛዝ፡ ከምኡ እውን ጉባአ በየናይ ኣገባብ ከም ዝካየድ ምድህሳስ ከም ዝነበሩ ኣብቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ተጠቒሱ።

በዚ መሰረት ጉባአ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ማዝያ 2024 ክጋባእ ከም ዝወሰነን ነቲ ጉባአ እተዳሉ 5 ዝእባላታን 3  ዝኣባላታ ሓጻይትን ሽማግለታት ተመዚዘን ከም ዘለዋ  ምስተሓበረ ኣኼባ ጨንፈር ስያትል ብሰፊሑ ተመያይጥሉ። ኣባላት ጨንፈር ኣብዚ ኣኼበኦም ጉባአ ዞባ ንክዕወት እጃሞም ከም ዘበርክቱ ምርግጋጾም ድማ ተሓቢሩ።

ብዘይካብዚ እቲ ኣኼባ ጭንፈር፡ ብዛዕቲ ብድሮ ኣኼባኦም ኣብ ስያትል ዝተኻየደ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ብሰፊሑ ተመያይጦም ሚዛኖም ከምዘንበሩ እቲ ዜና ኣረዲኡ።

ሚካኤል ሮቢን ዝተባህሉ ጸሓፍን ተመራማርን ብ17 ጥሪ 2024  ዋሽንግተን ኤግዛማይነር/Washington examiner ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ብሊንከን ነቲ ዝለዓለ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ኣፍሪቃ ይዕገስ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ፡ ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ  ካብዛ ዓለም ኣብ ትሕቲ ዝኸፈአ ዲክታቶር  እትነብር ዘላ ሃገር እያ ኢሎም። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝባዊ ተቓውሞ ስለ ዝሰግእ ምክያድ ምርጫ ዘየፍቅድ፡ ብኣንጻሩ ንዜጋታቱ ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ባርነትን ጭቆናን ዘንብር እዩ ኢለሞ።

ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ከም ናይ ሩሲያ ዝኣመሰል መዳጐኒ ቀይሩ፡ ጭካነኡ ክሳብ  ኣሚሪካ ዘርጊሑ ኣብኡ ካብ ዘለዉ ዜጋታቱ፡ ኣብ ሃገሮም ንዝርከቡ ቤተሰቦም ጅሆ ብምሓዝ ኣገዲዱ ገንዘብ የኽፍል፡ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦን ዝምውሎን ራዕድን ዓመጽን ምዃኑ ኣቃሊዖም።

ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስትን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ኣሜሪካን፡ “ኤርትራ ኢሳያስ ክሳብ ዘሎ ሓደገኛ ኮይና ክትቅጽል እያ” ዝብል ስምምዕ ከም ዝነበሮም ብምጥቃ፡ ውሱን ጸቒጢ’ውን ይግበር ነይሩ  ዝበሉ ሮቢን፡ ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ድኽነት ክጠቕሱ እንከለዉ ከኣ፡ ኣብ 2022 ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተወ ሰደድ ካብ ዋጋ ሓደ መንበሪ ገዛ ዘይበዝሕ 346 ሺሕ ዶላር ዘውጽእ ጥራይ ምንባሩ ኣስፊሮም።

ሚካኤል ሮቢን ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንኤርትራ ዝምልከት ሓድሽ ስትራተጂ ኣውጺኡ። እቲ ሓድሽ ስትራተጂ ነቲ ናይ ቅድም መርገጽ ኣሜሪካ ዝቐየረን ንብሊንከን ምስ ኤርትራ ዘስርሕ መሲሉ ዝተራእዮምን እዩ ኢሎም። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ብሊንከን ኤርትራ ብገንዘብ ሓጊዝካን እገዳታት ኣልዒልካን ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሕን ምትዕርራይን ትቕበል ኮይኑ ከም ዝተራእዮም ጠቒሶም። እዚ ኣካይዳ ቅድሚ ሕጂ ንሓያሎ ጸሓፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ምስ ተመኩሮ ካለኦት ዲክታቶራት ተፈቲኑ ዘይተዓወተ እዩ ከኣ ኢለሞ። ሚካኤል ሮቢን ኣብ መወዳእታ ንሓድሽ ስትራተጂ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡  ዘስቕ ዘይዕወት ተስፋ እዩ ክብሉ ገሊጸምዎ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥሪ 2024፡  2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2024 ኣብጸሓኩም  ኣብጸሓና ” ኢሉ። ሓድሽ ዓመት ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክትከውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ድማ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ዞባውን እውናዊ  ሓበሬታ ሂቡ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብኹለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ ኣድላይ ዝበሎ ምምሕያሻት ገይሩ ከም ናይ ሰልፊ ሰነድ ኣጽዲቑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብመንጽርቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ  ዓመታዊ ትልሚ ብነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም መጻኢ መደባት ኣቕጣጫ ኣትሒዙ። ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስረሓት እኹል ሓበሬታ ዝረኽብሉን ተሳትፈኦም ዘበርኽሉን መድረኻት ምጥጣሕ ኣድላይ ምዃኑ ከኣ ኣሚቱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት ገይሩ፡ እቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣተባቢዑ። ዝያዳ ዝሰፍሐ ናይ ሓባር መድረኽን ምቅርራብን ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡  ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ እውን ብዘለዎ ዓቕሚ ክደፍኣሉ ከም ዝኾነ ከኣ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲዚ፡ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ተመስሪቱ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ ምምሕዳራዊ ጉዳያት  ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። ፈጻሚ ሽማግለ ብሓፈሻ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝነኣድ ደረጃ ከም ዘሎን እዚ ተሳትፎ ኣባላት ቀጻሊ ከም ዝኸውንን ርኡይ ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ምስቲ ዘለናዮ መድረኽ፡ ብፍላይ ኣብ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆናን ኣብ ዞናና ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዕባለታትን ተደራራቢ ሰልፋዊ ዕማማትን ንዝያዳ ኣበርክቶን ተሳትፎን  ቅሩብ ምዃን ከም ዘድሊ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዝለዓለ ናህሪ ምንቅስቓስ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምንዋሕ ቃልስን ከይሰልከዩ እቲ ጭቆና ንምውጋድን ሕገመንግስታውን ህዝባውን ስርዓት ንምትካልን ብሓባር ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።