ቀንዲ ጸገም ኤርትራ፡ ብኩራት ዲሞክራስያዊ ስርዓት እዩ

2025-11-04 09:48:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 83 times

ኤርትራን ህዝባን ብከቢድ ጸገም ክሓልፉ ከም ዝጸንሑን ዘለዉን፡ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ።  “ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ናይ ምውዳቓ ሓቀኛ ጠንቂ፡ እንታይ እዩ?”  ዝብል ሕቶ፡ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ወገናት ክምለስን ከጨንቕን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይዚ መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ኤርትራውያን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ብምዃኑ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዘይፈልጥዎ ኣካላት  ዝህብዎ ምላሽ ግና ዝተፈላለየ እዩ። ። 

ገለ ወገናት ኤርትራ ብደረጃ ስፍሓት ንእሽቶ ብምዃናን፡ ከም ምኽንያት ናይ ጸገማ ገይሮም ከቕርቡዎ ይስምዑ። ንዋሕዲ ህዝባን ከም ጠንቂ ናይ ጸገማ ገይሮም ክርድእዎ ዝፍትኑ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ናብዚ ንዓለም ዘስደምም ዘሎ ድሕረትን ጭቆናን ምውዳቓ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ “ልኡላዊት ሃገር ምዃና እዩ” ክብሉ ዘይሓፍሩ’ውን ይስምዑ እዮም።

እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ኤርትራ ናይ ሕሰምን መከራን መርኣያ ንክትከውን ዝደረኹ እናተባህሉ ዝጥቀሱ ምኽንያታት፡ ቅቡላት ከምዘይኮኑ፡ ብዙሓት ምርተዖታት ምቕራብ ይከኣል። ኤርትራ ብስፍሓታት ኣብ መስርዕ 195 ሃገራት ኣብ  መበል 101 እትርከብ እያ። ካብተን ካብኣ ዝንእሳ ሃገራት ድማ ብዙሓት  ኣብ ዝሐሸ ኩለ-መዳያዊ ዕቤትን ህድኣትን ከም ዝርከባ ዘዳዲ ኣይኮነን። ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ እውን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መበል 132 ደረጃ እትርከብ ክትከውን እንከላ፡  ካብኣ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለወን ከኣ  ኣብ ዝሓሸ ሃለዋት ዝርከባ ምዃነን፡ ጸገም ኤርትራ ምስ ዋሕዲ ህዝባ ዘይተሓሓዝ ምዃኑ ዘርኢ ጭብጢ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ጸገም ዝወደቐት  ልኡላዊት ሃገር  ብምዃና እዩ ዝብልዎ እሞ ድማ ንክብሪ ልኣላውነት’ውን ስለ ዘነኣእስ ፈጺሙ መሰረት ዘየብሉ ሚዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ከምኡ ዝሓስቡ ናይ ምዕምጣራን ተመሊስካ ምግዘኣን ህርፋን ከይህልዎም ዘጠርጥር እዩ።  ናብቲ ክዉን ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ድማ፡  እተን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ኩለን ልኡላውያን ምዃነን እዩ።

እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ኣውዲቕዋ ዘሎ፡ ከምቲ ብርትዓውያን ገምገምቲ ተደጋጊሙ ዝጥቀስ፡ “ብኩራት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትካላቱን እዩ።” ኤርትራዊ ኣንጻር ህግደፍ ንዲሞክራዊ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ እውን እዚ ተረድኦ ስለ ዝሓደሮ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ብመዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር (GOOD GOVERNANCE) ብኣውንታ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ልኡላዊ ሃገራት፡ ሲንጋፖር፡ ስዊዘርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ማናኮን ዝኣመሰላ ተሰሊፈን ይርከባ።  ኤርትራ ኣብዚ መዕቀኒ’ዚ ካብ 193 ሃገራት ኣብ መበል 187 ምርካባ እቲ ሓቀኛ ምኽንያቱ  ብኩራት ዲሞክራሲ ምዃኑ የርኢ።  ስፍሓት መሬት ከም መዕቀኒ እንተወሰድና ማናኮ 2.08 ትርብዒት ኪ/ሜት ስፍሓት ክህልዋ እንከሎ፡ ንውሓት ገምገም ባሕራ ከኣ 3.83 ኪ/ሜ ጥራይ እዩ። ኤርትራ ከኣ ናይ ደሴታታ ወሲኽካ፡  2,234 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕርን 117,600 ትርብዒት ኪ/ሜ ስፍሓትን እትውንን ሃገር እያ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ብዕቤታን ዘመናውነታን እተዛርብ ዘላ ሃገር ቐጠር፡ ኣብ ምድረ በዳ ዝተደኮነት፡ ስፍሓት መሬታ 11,581 ትርብዒት ኪ/ሜ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ  2.8  ሚልዮን እሞ ድማ ካብቲ ዝሰርሕ ዓቕማ ልዕሊ 95% ወጻእተኛ  ምዃኑ ምስትውዓል እውን ካልእ መርኣያ ኮይኑ ዝጥቀስ’ዩ። ኤርትራ ምስቲ  ዘለዋ ኣዝዩ ጽኑዕን ጻዕራምን ህዝቢ፡ በበዓይነቱ ናይ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ 26% ካብ መሬታ ተሓራሲ፡ ብወርቂ፡ ግራናይት፡ እምነ-በረድን ፖታሽን ዝኣመሰሉ ማዕድናትን ዝተዓደለት ምዃና ተወሲኽዎ፡  ህዝባ ተጸባይ ምዃኑ እቲ ቀንዲ ምኽንያታ ኣብ ብኩራት ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳር ዝወለዶ ምዃኑ  ንምርድኡ ኣየጸግምን።  

እቲ ነዊሕ ዝዕድመኡን ብመስርሕ ዝረጋገጽን መትከል ሰናይ ምምሕዳር፡ ብብዙሕ ብመስርሕ ዝዓቢ ዓሚቕን ሰፊሕን ትርጉም ዘለዎን ኣብ ኤርትራ ጠሪሱ በዂሩ ዘሎ ኣምር እዩ።  ካብቲ በዓል ብዙሕ መልክዕ ኣተርጓጉማኡ፡ “ስልጣን ኣብ ምምሕዳር ቁጠባ ሃገር፡ ማሕበራዊ ጸጋታትን ንዕቤት ዝውዕለሉ ቅዲ  ምኽታል እዩ” ዝብል ሓደ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ዝግለጸሎም መርኣያታት ዘለዉዎ ኣምር እዩ። “ናይ ዜጋታት ምዕሩይ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ህላወ ልዕልና ሕግን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን፡ ግሉጽነትን ንዝምልከቶም እኹል ሓበሬታ ምቕራብን፡ ምውሳድ ሓላፍነትን ምትግባር ዝተኣትወ ቃልን፡ ናይ ብዙሓት ሓሳብ ዘማእከለ መስርሕ ኣወሳስና ምኽታል፡ ማዕርነትን ኣሳታፍነትን፡ ኣድማዕነትን ብቕዓትን፡ ተሓታትነትን ርኢቶ ውሑዳት ንክስማዕ ዕድል ምሃብን” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት መግለጺኡ ውሑዳት እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ከኣ ብመንጽር ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ  ዝተቓነዩ እዮም።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ናይ ኩሎም መግለጺ ሰናይ ምምሕዳር ብኩራት ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ መዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር ከይከድና፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዋኒን፡ ሕገመንግስትን ካብኡ ዝምንጭዉ ሕግታትን የለን። ሎሚ ንኤርትራ “እመርሓ ኣለኹ” ዝብልን ንቑልቁል ዝንቆት ዘሎን “ኣነ እየ ክንዲ ኹሉ” ኢሉ ዝምካሕ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጠንቂ ብኩራት ሰናይ ምምሕዳር ከም ዝኾነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ተደጋጋሚ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ 23 ሓምለ 2025 ቃለ መጠይቕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ዘርባዕባዑ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ዓምጻጺ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ፡ እቲ በዳሊ ጉጅለ እውን ዘይክሕዶ፡ ቁባዊ ድኽነት፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ሰብኣዊ ዓመጻትን ምዝርዛሩ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ናይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ተሰዲዱ ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት’ውን በሪኹ ዝረአ እዩ።

በመንጽር’ዚ እቶም ንድሕረት ኤርትራ ሓቀኛ ጠንቂ ዘይኮኑ፡  ምኽንያታት እናጸፍጸፉ፡ ህዝብና “ኣብዚ ዘለኹዎ ሕሰም ዝወደቕኩ ነጻ ሃገር ስለ ዝወነንኩ ኢየ” ኢሉ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣጣዒስዎ ትሕቲ ሃገርነት ክሓስብ ክደፍእዎ ዝህቅኑ ወገናት ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግጉይን መደናገርን መንገዲ ከም ዘለዉ ተገንዚቦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ  ነዘኻኽር።

Last modified on Tuesday, 04 November 2025 10:53