ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ዘደልድሉ ውዕላትን ስምምዓትን

2025-10-28 13:53:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 481 times

ዓለምና ሃዲኣን ተኻኣኢላን ክትጐዓዝ ዘኽልዋ ዘሎለዉ ንሃገራዊ ልኡላውነት፡ ሓባራዊ ህልውናን ተጠቃምነትን ማእከል ዝገበሩ ውዕላትን ስምምዓትን እዮም። እዞም ውዓላት ገሊኦም ንኩለን ሃገራት ዝገዝኡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ክልትኣዊ ወይ ስሉሳዊ ኮይኖም ዝተወሰና ሃገራት ዝግዛኣሎም እዮም።  ክልተኣዊ ስምምዓት እውን ኣካል ዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝኾንሉ ዕድል ኣለዎም። ስለዚ ዓለምና ናይ ሓያልን ዓመጸኛን መዕንደሪት ከይትኸውን ካብ ዝዕቅብዋ እዞም ስምምዓትን ውዕላትን እዮም። ነዞም ውዕላትን ስምምዓትን ዘተግብሩን ንከይጠሓሱ ዝከላኸሉ ከኣ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት እዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን  ከኣ ካብቶም ቀንድታት እዮም።

ሓንቲ ሃገር ልኡላውነታ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ቅቡል ዝኾነሉ መስርሕ ኣለዋ። ኤርትራ እውን ናብዚ ሎሚ ጨቢጣቶ ዘላ ልኡላውነት ንኽትበጽሕ ዝሓለፈቶ መስርሕ ኣለዋ ገለ ወገናት ግን፡ ብሰንኪ ጨቛኒ ምምሕዳር ህግደፍ “ልኡላውነት ዘይብላ ሃገር” ክብልዋ ዝደልዩ ኣለዉ። እንተኾነ ዝተጓዕዘቶ መስርሕ በዳሂ’ዩ ይኹን እምበር፡ እቲ ኤርትራ ልኡላዊት  ዝኾነትሉ መስርሕ ብዘቤታዊ ዕዉት ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘለዎም ውዕላትን ስምምዓትን’ውን ዝደልደለ እዩ። ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 136 ዓመታት ንኤርትራዊ ልኡላዊ ሃገራውነት ኣብ ድልዱል ባይታ ዝሰረቱ ውዕላት ከኣ ንኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

1ይ፡ ብ2 ጉንበት 1889  ንጉስ ምነሊክ 2ይን፡ ንኢጣልያን ከም ገዛኢት ኤርትራ ኣፍልጦ ንምሃብ  ዝተኸተመ ውዕል ውጫለ፡

2ይ፡ ብ10 ሓምለ 1896; ኣብ መንጎ ምነሊክን ኢጣልያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበጽሐ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ  ኢጣልያ ምንባራ  ዝተኣመነትሉ ውዕል ።

3ይ፡ ብ10 ሓምለ 1900 ኣብ ኣዲስ ኣበባ; ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ማእከላይ ዞባ ዶባተን መረብ፡ በለሳን ሙናን ምዃኑ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተሰማመዓሉ።

4ይ፡ ብ15 መጋቢት1902፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ምብራቓዊ ዞባ ዶባተን ንምንጻር ዝኸተማሉ ውዕል።

5ይ፡ ብ10 ጉንበት 1908፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ምዕራባዊ ክፋል ፡ ዶበ ኤርትራን ሱዳንን ንምንጻር ንጉስ ኢትዮጵያ ምስቲ ሽዑ ንሱዳን ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኸተምዎ ውዑል።

6ይ፡ ብ16 ነሃሰ 1928 ኢትዮጵያ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ ምስኡ ብሰላም ንምንባር ዝኽተመቶ ስምምዕ።

7ይ.ብ15 መስከረም 1952 ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ሃገራት ብፈደረሽን ክቑረና ዝተኸተመ ስምምዕ።

8ይ፡ ብ1964፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እዚ ሎሚ ዘሎ መግዛእታዊ ዶባት ሃገራት ቅቡል ኮይኑ ንክቕጽል  ዝተረዳዳኣሉ ስምምዕ።

9ይ፡ ብ28 ጉንበት 1991፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ለንደን ኣብ ህልውና ህግሓኤ፡ ህወሓትን ኣሜሪካን  ዝተበጽሐ  ስምምዕ ፕሮቶኮላዊ ምሰጋገሪ።

10ይ፡ ብ28 ጉንበት 1993 ድሕሪ ውጽኢት ረፈረንደም ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መበል 182 ልኡላዊት ሃገር ተመዝጊባ

መበል11ይ፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ ኣልጀርስ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ውግእ 1998-2000 ንምቁራጽን ናጻ ኮሚሽን ዶብ ንቛምን ስምምዕ ዝተኸተመሉ፡ 

መበል 12፡ ብ13 ማዝያ 2002 ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልቲአን ሃገራት ብመትከል ዝተቐበለኦ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይኑ  ብወግዒ ዝገለጸሉ።

እዞም ስምምዓት በቶም ዝኸተምዎም መንግስታት ጥራይ ዝኽበሩን ዝትግበሩን፡ እቶም ከተምቲ ምስ ሓለፉ ግና ዝፈርሱ ዘይኮኑ፡ ኣብ መስርሕ ምቅይያር መንግስታዊ ስልጣን፡ ናብ ስልጣን ዘዝመጹ ተካእቲ’ውን ክቕየድሎም ዘገድዱ እዮም። ምኽንያቱ ብስም ሓላፍቲ ስርዓታት ዘይኮኑ፡ ብስም እተን ዘይሓልፋ ሃገራትን ህዝበንን ዝተበጽሑ ስምምዓት ስለ ዝኾኑ። በዚ መሰረት ካብ ግዜ መግዛእቲ ጀሚሮም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተሙ ስምምዓት ምስ ምቅይያር ስርዓታት ዝቀያየሩ ዘይኮኑ፡ ከይተሸራረፉ ክኽበሩን ክትግበሩን ናይ ግድን እዩ። ከም’ዞም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ውዕላት፡  ንጸቢብ ረብሓኻ ጥራይ እተኽብሮም ዘይኮኑ፡ ረብሓን ክብርን ካለኦት ከይትግህስ እትቕየደሎም ምዃኖም ከኣ መንግስታት ከስተውዕለኦ ይግበአን።

እዞም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፉ 136 ዓመታት ዝተኸተሙ ስምምዓት ኣብ ሕድሕዶም ተመላሊኦም ታሪኽን  ልኡላውነትን ኤርትራ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ዘብጽሑ እምበር፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝጻረሩ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ኣብቲ መስርሕ ግና ብሰንኪ ረብሓን ሻርሕን ሓያላት ንግዜኡ ከም ዝተዓንቀፉ  ታሪኽ  ይነግረና፡ ኣብቲ ኤርትራ ናጻ ክትኮነሉ ዝነበራ ወሳኒ መድረኽ፡ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ  ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ዝተገደደትሉ ግዜ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ “ብመንጽር ፍትሒ፡ ንርኢቶ ህዝቢ ኤርትራ  ቆላሕታ ክወሃቦ መተገበአ፡ እንተኾነ እስትራተጅካዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤርትራ ምስታ ምሓዛና  ኢትዮጵያ ክትጽመድ ናይ ግድን ኮይኑ’ሎ።” ዝበሎ ናይ ዓመጽ መርኣያ እዩ።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ናህሩ ዝውስኽን ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእን ዘሎ ምውጣጥ፡ ተደጋጊሞም ካብ ዝጥቀሱ ሓደ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ እዩ” ዝብል እዩ። እወ ኢትዮጵያ መውጽእን መእተውን ወደብ ከም ዘድልያ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ዘይብጸሓካ ባሕርሪ “መደበር ሓይሊ ባሕሪ እንተዘይሃነጽኩ” ምባል ግና ብሓጺሩ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ስለ ዝጥሕስ ቅቡል ኣይኮነን።

ሕቶ ተጠቃምነት ወደብ ናይ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ዝትግበረሉ ብሕጊ ዝደገፍ መስርሕ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብዘለወን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኸበት ስለ ዝኾነት ብኸመይ ተጠቃሚት ወደብ ትኸውን ሰፊሕ ናይ  ምምራጽ ዕድል ኣለዋ። እዚ ሎሚ ኣብኣ ዝጅመር ዘይኮነ፡ ባዕላ ኮነ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ክሰርሓሉ ዝጸንሐትን ዘለዋን እዩ።

ርሑቕ ከይከድካ ኣብዚ ቀረባና ኩነታት ኣጠቓቕማ ኡጋንዳ ብወደብ ኬንያ ሙምባሳ  ምውካስ ይከኣል። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ካብ “ተጠቃምነት ናብ ዋንነት” ዘሊልካ ልኡላውነት ኤርትራ ዓምጢርካ “ክትውንን” ምህንዳድ ግና፡ ምስቲ ኢትዮጵያ “መስራቲት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ከምኡ እውን ፈራሚት ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ስምምዓትን ቻርተራትን እየ”  እትብሎ ዝምጥን ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕሳቡ ክገብር  እምበር፡ ደድሕሪ  ዝሃሉ  ክሃልል ኣይግበኦን።

Last modified on Tuesday, 28 October 2025 21:15