ፖሓኤ ብዛዕባ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን መግለጺ ኣውጺኡ

2025-09-22 11:08:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 230 times

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብዛዕባቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ኣብ ዝምልከት ሒዝዎ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣቕጣጫ መግለጺ ውጺኡ። ፖሓኤ ኣብ መእተዊ ናይቲ መግለጺኡ፡ እዚ መግለጺ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መሰሉ ክዉን ንምግባር ዝውሰድ ዘሎ-ሕጋዊ መርገጽን፣ ታሪኻዊ ናይ ሓድነት ጻውዒትን፣ መጻኢ ዕጫ ኤርትራ ዝውሰን ከኣ ብህዝባ ጥራይ ምዃኑ ደጊምካ ንምእዋጅን እዩ”  ዝብል ኣስፊሩ።

ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምዕቃብን መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምላስን ንምቅላስ ዘለዎ ድልውነት ክገልጽ እንከሎ ከኣ ፖሓኤ፡ ምሉእ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግን ብድሌት ህዝባን ዝተረጋገጸ ምዃኑ፡ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንልዑላውነትና ዝበቅዕ ፍትሕን ናጽነትን ሓላፍነታዊ ምሕደራን ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽእ።ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ኩለን ሃገራትን ዝግበር ዝምድናታት፣ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመስረተ ሰናይ ጉርብትና ክኽውን፡” ክብል ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተመስረተሉ ኩሉ ረቛሕታት በብሓደ ብምዝርዛር፡ ብሓፈሻ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ክቕየድን  ካብ መንገዲ ዓመጽን ሓይልን ክወጽእን ውግእ ካብ ምጽሕታር ወጺኡ፡ ናይ ወደብ ተጠቃምነቱ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ሕግታት ጥራይ ክትግበረሉ ክሓትት  ጸዊዑ።

ኤርትራውያን ብዘለዎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ከይተረሓሓቑ ልኡላውነት ሃገሮምን ሓድነት ህዝቦምን ኣብ ምርግጋጽን  ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ብሓባር ክስጉሙን ዝጽውዕ ዝርዝር’ውን  እቲ መግለጺ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላት፡ በቲ ሓደ ወገን ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምውሓስ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ግደኦም ከበርክቱ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ “ልኡይላውነት ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን ንዝብል መሰረታዊ መልእኽቲ ኣስሚሩሉ።

Last modified on Monday, 22 September 2025 13:14