“እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር”  ክሳብ መዓስ?

2026-06-05 22:23:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 89 times

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወጽዓን ግህሰታትን ሳዕሪሩ ከም ዝጸንሐን ዘሎን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ካብ ዝፍለጥ ክንዲ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ኮይኑ’ሎ። ሕብረተ ሰብ ዓለም ንኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ብዝብል ከም ናይ ወጽዓ ኣብነት ካብ ዝጠቕሳ’ውን ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ተረድኦ ምስራጹ ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓጋዚ እዩ። እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝኸውን ግና ብተግባር ክስነ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።

“ህግደፍ ጸረ መሰረታዊ ረብሓታትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ዝብል ግንዛበ ካብ ውልቃዊ ጽልኢ ዝነቅል፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ምህዞ ዘይኮነ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት  ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ኣሳፊሑ ዘሎ ርኡይ ሓቂ እዩ። ናይ ህግደፍ ብዘይቅዋም ምምራሕ፡ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ዓጺኻ ንመንእሰይ ናብ ግዱድ ውትህድርና ምውሳድ፡ ብሓፈሻ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ምግሃስ ካብቶም ህግደፍ ኣንጻር ባህጊ ህዝቢ ምዃኑ ዘገንዝቡ መርኣያታት እዮም።  እቲ ናይ ወጽዓ ስንብራት ካብ ህይወት ኤርትራዊ ሓሊፉ፡ ንውቅብቲ ኣስመራ ወሲኽካ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዘሎ ምልክት ጉዕዞ  ናብ ምፍራስ ኣዝዩ  ዘሕፍርን ዘሕዝንን ምስሊ እዩ።

ህግደፍ ብተግባር ሰሪሑን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ መሊሱን ብምእማን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ከምዘይክእል ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብኣንጻሩ ብምፍርራሕ፡ ኣንፈት ብምቕያርን ዝተፈልየ ርኢቶ ዘለዎም ወገናት ብምጭዋይን እዩ ከረጋግጾ ክጽዕር ጸኒሑን ዘሎን። ካብኡ ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝኽእሉ ተሃወስቲ ስምዒታት እናመዝመዘ  ክትዘርግ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕልን። እዚ ካብቲ ውሁድ ዓቕምን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ከይጉሕፎ ዘለዎ ስግኣት ዝነቅል ምዃኑ፡ ካብ ህዝብና እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን።

እዚ ሓደገኛ ተንኮል ህግደፍ ክንድቲ ዝተጸበዮ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ  ውልቃውን ግዝያውን ረብሓን ስምዒትን ዝሰኸሩ እምበር፡ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ብዘየማእክል ተሰሊቦም፡ “ናብ ድላይካ ውሰደና ንኺድ ጥራይ” ዝጭርሑ ውሑዳት ኣየጥረየን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝበዘሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ካብ ልቡ ኣውጺእዎ ክነሱ፡ ስቕታ መሪጹ ምህላዉ ከኣ ካብቲ ጉጅለ እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ከም ዝረገአ ማይ ኣጽቂጡ ዘሎ፡ ማዕበል ፈጢሩ እንተተገለባቢጡ ዕድመ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝሓጽር ዘማትእ ኣይኮነን።

እቲ ካብ ቅድሙ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ “ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ክትርዳእ ምኽኣል” ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ሓደ ኩበዖ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ተረድኦኻ ብተግባር ኣሰኒኻ ግዳይ ካብ ምዃን ምድሓን ድማ እቲ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ነዚ እውን ይርደኦ እዩ። እቲ ብቐጻሊ ዝወስዶ ክቱር ምቁጽጻርን ጨካን ተግባራትን ከኣ፡ ተዓብዒቡ ዘሎ ዘይዕግበት ህዝቢ ነዲሩ ገንፊሉ፡ ከይጉሕፎ ካብ ዘለዎ ስግኣት እዩ ዝነቅል። እንተኾነ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡  እቲ ህግደፍ “ከም ቁርን ኣስሓይታን” ዝፈርሖ ወሳኒ ክስተት ኣብ መዓልቱ ከም ዝገሃድ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ግዜኡ ክሳብ ዝነወሐ ዘውርዶ ማህሰይቲ ከም ዝገድድ ተረዲእካ ምቅልጣፍ ምምጻእ ናይቲ ማዕበል   መሰረታዊ ምዃኑ ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ኮነ ውዳበታቱ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ሎሚ’ውን ምስጢሩ ከምዘይወጽእ የማነ-ጸጋሙ ጠሚጡ ዘረጋገጸ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ ህግደፍን እቲ ብሰንኩ ዝወርዶ ዘሎ ድሕረትን ድኽነትን ዝምልክተ ክዛረብ እንከሎ፡ እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር?” እትብል ሓረግ ዝጠቅስ ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራውያን ብደረጃ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ዝዝርግሖ መርበብ ስለያ ይምህምን ከም ዘሎ ዘመልክት ኮይኑ፡ ክሳብ ዝብተኽ ቃልሲ ይሓትት። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ናይታ ዝሓታ ሕቶ መልሲ ካብኡ  እምበር ካብ ካልእ ዝጽበያ ከምዘይኮነት ከቶ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ንከምዚ ዝኣመሰለ ምስምስ ህግደፍ፡ ሓደ እዋን ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን “ኩሉ ክኢልካ ናይ ምጽማም”  ሓልዮት ይውሰድ ነይሩ። ግዜ ምስ ነወሐ ግና ናይ ገዛእ ርእስኻ መሰረታዊ ዋኒን ዘንጊዕካ፡ “ህግደፍ ድላዩ ይግበር” ናይ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ ሕማቕ ኣብነት ጌርካ ይውሰድ ከምዘሎ ህዝቢ ከስተውዕለሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ነቲ ሓልዮት፡ ምጽማምን ትዕግስትን ናይ ህዝቢ ከም ሕመቕን ዘይምስትውዓል ወሲዱ ተጠቒምሉ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣሜሪካ ንራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብ ናታ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሕሳብ ነቒላ እገዳ ህግደፍ ከተልዕል “ድሌት ኣርእያ” ብዝብል ኤርትራ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣጀንዳ ኮይናላ። ህግደፍ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሸንኮለል ኣጀንዳ ብምርካቡ ሕጉስ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣሜርካ ንምሕጓስ ንድሕሪት ተመሊሱ ነቶም ትማሊ ኣብ ብርኮም ዝድፋእ ዝነበረ ሩሲያ፡ ቻይናን ካለኦትን ብምጽራፍ “ናይ ምስልባጥ ባህርያቱ” የርኢ’ሎ። ጉዳዩ ምልዓል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህደፍ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ ኣጀንዳ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታቱን “ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ንታሕቲ” ምህላዉ ርኡይ እዩ።

ብኣንጻሩ ከም  ኣሜሪካዊ ቲቦር ናጂ፡ ነርወጃዊ ክጀቲል ትሮንቮልን ዝኣመሰሉ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ነባራት ክኢላታት ዲፕሎማስን ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ጉዳይ እቲ እገዳ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ናይቲ ድምጾም ማእከል ከኣ፡ “ህግደፍ ብህዝቡ ዘይተኣምነ፡ ናይ ኣሜሪካ ተኣማኒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ብዝብል ንመንግስቲ ኣሜሪካ ጻዕርኹም ኣብ መወዳእታ ብጥልመት ህግደፍ ዝዛዘም ክኸውንዩ ዝብል ስምዕታ እዩ። ናይዞም ክኢላታትን ትካላትን  መንቀሊ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ሓቀኛ እንታይነት ህግደፍ  ዘርኢ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ካብ ስቕታ ወጺእካ ድምጽኻ ኣስምዕ።  ብመሰረቱ ካብቲ ዝጸናሕካዮ ናይ 35 ዓመታት ደረቱ ዝሓለፈ ዘቤታዊ መግዛእቲ ናጻ ንክትወጽእ፡ ድምጽኻ ብናይ ዝኾነ ግዳማዊ ኣካል ዝትካእ ከምዘይኮነ ኣስትብህል። እቲ ድምጽኻ ከተስመዓሉ ዝግበኣካ ብዓብይኡ ካብቲ ተጻዒኑካ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ሓራ ንምዃን ኮይኑ፡ ከም ውግእን ኢድ ኣእታውነትን ዝኣመሰሉ ግዜን መልክዕን እናቐያየሩ ዝመጹ ኣጀንዳታት ህግደፍ እውን ደሃይካ ከተስምዕ፡  እውናዊ ሓላፍነትካ እዩ’ሞ ሃየ ብሓደ ድምጺ ተበራበር። 

Last modified on Saturday, 06 June 2026 00:26