ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ትራምፕ ገዲፉ፡ ብዛዕባኡ ግዳ ዘይዛረብ
2026-05-26 21:12:51 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 108 timesመበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ24 ጉንበት 2026 ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ተዘኪራ ውዒላ። እዛ ዕለት ምስ ዝተፈላለየን ዝተደባለቐን ስምዒታት ኤርትራውያን ክትዝከር እንከላ፡ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ሓደ፡ “ኣብታ ዕለት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚኸ እንታይ ኮን ክብል ኢዩ?” ትብል ነይራ። እቲ ትጽቢት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ነቒልካ ግና፡ “እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ” ዝብል ናይ ብዙሓት በቲ ተመኩሮ ዝሓለፉ መደምደምታ ነይሩ። እቲ መደረ ከኣ ብመንጽር ኤርትራዊ ውድዕነት ከምቲ ዝተገመቶ፡ “እንተፈታሕካዮስ ጥራይ ቁጻር” ኮይኑ።
ኢሳያስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ኣስታት 22 ደቓይቕ ዝወሰደ መደረ እዩ ኣስሚዑ። ኣብ መደርኡ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደሉ ብሓፈሻ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዝብሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ጉዳያት ሃገሩ ከመሓይሽ ዝትስፈወሉ ዝነበረ መራሒ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ትራምፕ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ዘተኮረ ነይሩ። ትራምፕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ሃገራት ንምኽዕባትን ልዕልና ንምርካብን ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምብኻን ንልቓሕ ኣሜሪካ ክሳብ 40 ትሪልዮን ዶላር ከም ዘብጸሐ ድማ ኣቃሊዑ።
ኣብ ኢራን፡ ቬንዝወላ፡ ግሪንላንድ፡ ኩባ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ይኽተሎ ብዛዕባ ዘሎ ስምዒታዊ ግህሰትን ምዕጻው ወሽመጥ ሆርሙዝን ቁጠባዊ ማህሰይቱን ጠቒሱ። ብፍላይ ተመኩሮ ቨንዝዋላን ኢራንን መግለጺ ዓብልል-ገብት ፖሊሲ ትራምፕ ምዃኑ ኣቃሊዑ። ትራምፕ “ብመን ከማይ” ተነይቱ ዝዕንድርን ኢደወነናዊ ስጉምትታት ብምውሳድ ናይ ዓለምና ሓያል መሲሉ ክቐርብ ነቲ እንደጋና ኣመሪካ ዓባይ ክንገብራ” ንዝብል ጭረሖ ዝምጥን ሓይልን ልዕልና ተክኖለጅን ኣብ ባይታ ከም ዘየለ ብምጥቃስ ከኣ፡ ንትራምፕ ኣነኣኢስዎ። እዚ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ንምኽዋል ዝቐረበ ዝመስል ኮይኑ፡ ነቲ መደረ ሰሚዖም ብጥሪኡ “እዋይ ኢሳያስ ንትራፕ ዝገበሮ” ዝብሉ ግሩሃት ኣይተሳእኑን።
ኢሳያስ ንትራምፕ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዝርዝራዊ ኣቀራርባ ብናይ ልኡላውነት ሃገራት ግህሰታትን በይናዊ ስጉምትታትን ክኸሶ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከም ናይ ቬንዝወላ ዝኣመሰለ ከይውሰድ ስለ ዝሰግአ እዩ ዝብሉ’ኳ እንተለዉ፡ “እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ንቡር ዘየብሉ ግህሰታትከ ይስቆሮዶ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ተዓዘብቲ እውን ብዙሓት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ “ካብ ብናይ ካለኦት ትወራዘ ናትካ ግዳ ዘይትገብር?” ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዘዛርብ ኣይኮነን። ኢሳያስ ብዛዕባ ኣህጉራን ዞባውን ምዕባለታት ኣይዛረብ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብዛዕባ ዓንዳሪ ተግባራት ትራምፕን ዞባዊ ምዕባለን ክሳብ ክንድዚ ከጭነቕ እንከሎ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ዘቤታዊ ጸገማታን ክሳብ ክንድዚ ዘይምግዳሱ ከኣ፡ ኣተሓሕዛኡ ክሳብ ክንደይ ከም ልማዱ ደገደገ ምባል ይቕጽል ከምዘሎ ዘረድእ እዩ።
እዚ ንኤርትራን ህዝባን ዘሸብር ዘሎ ትምክሕተኛ ዲክታተር፡ ብዛዕባ ብሕጊ ዘይምቕያድን ኣህጉራዊ ስርዓት ዘይምኽባርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ክዛረብ እንከሎስ እቲ በይናዊ “ሕገመንግስቲ ናይ ምስራዝ፡ መንእሰያት ደረቱ ናብ ዘይፍለጥ ውትህድርና ኣገዲድካ ምእታው፡ ንብዙሓት ኣሲርካ ናብ ፍርዲ ዘይምቕራብ፡ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ከምዘይነብሩ ምግባር” ትዕቢተኛ ተግባሩ ኣይዝከሮን ኣሎ ማለት ድዩ?፡ ብመንጽር’ዚ ኢሳያስ ዓቕምን ዕድልን እንተዝረክብ ከምቲ ትራምፕ “ካብ ዘቤታዊ ምጥሓስ ሕግታት ጀሚሩ፡ ፈቐዶ ሃገራት ዝዕንድሮ ዘሎ፡ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይመበለን” ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ነዚ እዩ ዘመልክት። ነዚ ኣካይዳኡ ትምክሕቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ጥዕና ምጉዳል ጸገም’ውን ዘይተፈልዮ ምዃኑ ዝመዝንዎ ተዓዘብቲ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ብዛዕባቲ ህዝቢ ብሰፊሑ ክንገሮ ዝተጸበዮ ዞባዊ ምዕባለ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ዘሰክፍ እዩ ኢልዎ። ኤርትራኸ እቲ ብሰንኩ ተዘንጊዑ ዘሎ ዘቤታዊ ጸገማታን ከቢብዋ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋን ቅልውላውን ዘሰክፍ ኣይኮነን ይብሎ ኣሎ ማለቱ ድዩ?፡ ግደ ሓቂ ግና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደን ብዙሓት መልከዓት ዘለዎን ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላዋት፡ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ስለ ዘይተዛረበሉ፡ ካብቲ ኣሳፊሕዎ ዘሎ ኤርትራዊ ባይታ ክውገድ እዩ ማለት ከምዘይኮነ ተገንዚብካ ካብ ምቅላሱ መተካእታ የለን።
መራሒ ህግደፍ ትብዓትን ልቦናን እንተዝህልዎ፡ እቲ ቅድሚት ሰሪዑ ክዛረበሉ ዝነበሮ ቀንዲ ዋኒን ዘቤታዊ ዛዕባ እዩ ነይሩ። ብመንጽር እቲ ርኡይ ህልዊ ኩነታት ብዛዕባ ዘቤታዊ ኩነታት ኤርትራ ምዝራብ ማለት “መንገዲ ክንጸርግ ኢና፡ ኣብ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ክንሰርሕ ኢና፡ ጽሬት ትምህርቲ ክንሕሉ ኢና፡ ኣብ 2026 መስመራት ማይን ኤክትሪክን ክንዝርግሕ ኢና” ዝብሉ ተሓይኾም ዝተደርበዩ፡ ዓመት መጸት ክስምዑን ብተደጋጋሚ ዝጥለሙን ናይ ሓሶት ቃል ምእታው ኣይኮነን። እንተኾነ ከኣ ኢሳያስ ብዛዕባቲ ዝፍጽሞ በደላትን መዋጸኦታቱን ዘዛርብ ሞራል ከም ዘየብሉ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝጽበዮ እዩ።
ኣይኮነንዶ ኣብ ከም መዓልቲ ናጻነት ዝኣመሰለ ግዜኡ ሓልዩ ዝመጽእ ምኽንያታዊ ኣጋጣሚ፡ መድረኽ ፈጢርካ እውን ክዝረበሉ ብዛዕባ ዝነበሮ፡ ተደጋጋሚ ፈኸራ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብጐቦጐቦን ነቲ ህዝቢ ብዘይርደኦ ኣሽሙርን ዘይኮነ፡ ብግሉጽን ቀጥታዊ መልክዕን ክዛረበሉን ንህዝቢ ኣቕጣጫ ዘትሕዝ መልእኽቲ ክመሓላለፈሉን መተገብኦ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዝመስል ምዕባለ ከም ዘሎ ዝዝረብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ዛዓብዚ’ውን እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገሮ እዋናዊ ነይሩ ግና ኣይተገብረን።
ነቲ “ውሽጡ ሕሩር” እንከሎ ዘርእዮ ምዉቕን ፍሱህን ተሳትፎኡ ተዓዚቦም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ንዘቤታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበሎ መሲልዎም ዝግረሙ ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ኢሳያስን ጉጅለኡን ደኣ ምስ ክብሪ ናጽነት ኤርትራ ከም ቁርዲድ ተጣቢቖም ምፍላዮም ኣጸጊምዎ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ምዉቕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ በዓል፡ ንክብሪ እታ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለላ ናጽነትን ንዝኽሪ እቶም ቃሎም ዝተጠልመ ሰማእታት ተዘይኮይኑ፡ ወጽዓ ህግደፍ ንምምራቕ ዝዓለመ ከምዘኮነ ክዝንጋዕ የብሉን።