ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ህጹጽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ
2026-05-01 17:38:38 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 171 timesሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ይምዕብል ብዛዕባ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ኣዲስ ስታንዳርድ ፖስት ሓቢራ። እቲ ሕብረት ኣብ መጸዋዕታኡ “ዓሚቕ ስኽፍታ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብህጹጽ፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዘይርጉእን ነቲ ናይ 2022 ስምምዕ ንድሕሪት ዝመልስን ኩነታት ዝዓግት ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣትሪሩ ጸዊዑ።
ኣብዚ ብ30 ማዝያ 2026 ብናይቲ ሕብረት ወጻኢ ጉዳያት ወሃቢ ቃል ዝወጸ መጸዋዕታ፡ እቲ ሕብረት ኩሎም ወገናት ካብ ዝኾነ ይኹን ተኹታዂ ስጉምቲ ክቑጠቡ ኣዘኻኺሩ፡ ነቲ ህውከት ጠጠው ምባል ብቐጻልነት ከውሕስ ብ2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንከየፍርስዎ ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓድሽ ግጭት ካብ ዘእቱ ተግብራት ክቁጠቡ’ውን ኣዘኻኺር።
መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሓይሊ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ንክፍታሕ ኣመልኪቱ። ካብዚ ሓሊፉ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ኣዕናዊ ከም ዝኸውን ኣሚቱ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ንክልተ ዓመታት ኣብ ውግእ ጸኒሑ፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዕረፍቲ ረኺቡ ዝጸንሐ ከባቢ ብምጥቃስ፡ ሳዕቤኑ ብደረጃ ዞባ እውን ዝልክም ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽል ኣዘኻኺሩ። እዚ መግለጺ መጠንቀቕታ ዝወጸ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝዓርግ ዘሎ ናይ ውግእ ሓደጋ ተኸቲሉ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልኡኽ ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይተገለ፡ ክልተ ናብ መቐለ ከም ዝተመላለሰ ጠፍሊጡ
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ እቲ 6 ዓመታት ዝሓለፎ እሞ ዝተመርጸሉ መስርሕ ኣብ ፕሪቶርያ ዘይሕጋዊ ዝተባለ ባይቶ ክልል ትግራይ ናብ መድረኽ መጺኡ ንሌተናል ጀነራል ታደስ ወረደ ዝትክእ ፕረሲደንት ንምምራጽ ይሸባሸቡ ኣብ ዘለውሉ ናይ ወጥሪ ግዜ እዩ። ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ እቲ ፕረሲደንትነት ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ፡ እንተኾነ ነቲ መስርሕ ስለ ዘይድግፎ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዘይገብር ይገልጽ ኣብ ዘለወሉ እዩ።