ዜናዊ ጸብጻብ ጉባአ፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰዲህኤ
2026-05-03 08:42:42 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 198 timesዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ጉንበት 2026 ጉባአ ኣካይዳ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባአ ኣቦመንበር ኣሰናዲት ሽማግለ ብጻይ የማነ ፍትዊ መስርሕ ምስንዳእ ከመይ ከም ዝነበረ በብደረጃኡ ዘርዚሩ ብምግላጽ፡ ተሳትፎ ኣባላት ዞባ ኣብቲ መስርሕ ዝነኣድ ከም ዝነበረ ከኣ ኣብሪሁ። ኣቦመንበር ሓጻይት ሽማገል ብጻይ ፍሰሃየ ፍትዊ ብወገኑ፡ ነቲ ዞባ ኣብ መጻኢ ንምምራሕ ሕጹያት ኮይኖም ናብ ጉባአ ዝቐርቡ ኣባላት ንምምልማል ዝተገብረ ጻዕሪ ከመይ ከም ዝነበረን ውጽኢቱን ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብቲ ጉባአ ኣብ ዘስመዖ ናይ ደገፍን ምትብባዕን ቃል፡ እዚ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ ጉባአ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተሳተፍቲ ናይ ዝሓለፍዎ መስርሕ ድልዱልን ድኹምን ጐድንታት ገምጊሞም መጻኢ ዝትልምሉ ክኸውን ተስፋይ ልዑል እዩ ኢሉ። እዚ ንከበሉ ዘለና እዋን ወሳንን ናይ ሓይልታት ለውጢ ብሓባር ምቅላስ ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ግደኡ ከወፊ ቅሩብ ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ኣተባቢዑ።
ነቲ ዞባ ክመርሖ ዝጸንሐ ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ብወገኑ፡ እታ ዞባ ክትሰርሖ ዝጸንሐት ኩለ መዳያዊ ዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኣባላት ዞባ ከርእይዎ ንዝጸንሑ ተወፋይነት ድማ ኣመስጊኑ። ኣብ መጻኢ ክእረሙ ብዛዕባ ዝበሎም ድኽመታት ድማ ኣሚቱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይቲ ዞባ ገንዘባዊ፡ ዜናዊ፡ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ምቁጽጻርን ዝምልከቱ ጸብጻባት ቀሪቦም፡ ካብኡ ብምቕጻል፡ ጉባአ ኣብቲ ጸብጻባት ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድ ከም ሰነድ ዞባ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
ድሕሪዚ ጉባአ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር እትምራሕ ሰክረታርያ መዚዙ እናተመርሐ፡ ዝቐረበ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ናይቲ ዞባ ተመያይጡ ኣጽዲቕዎ።
እዚ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰዲህኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 7 ዝኣባላታ ኣካልን ተቖጻጻርን መሪጹን ዝተፈላለዩ ለበዋታት ብምቕራብን ዕማሙ ዛዚሙ።