ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰለይ ክቕጽሎ’የ ኢላ

2025-04-10 07:46:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 391 times

ላዕለዋይ ብሄራዊ ኮሚተ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ

ኮሚተ ብሄራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ብ9 ማዝያ 2025 ኣኼባ ኣካይዱ ሰፊሕ መግለጺ ከም ዘውጸአ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ኣብዚ ብቐዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር እናተመርሐ፡ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጀነራላት፡ ፈደራል ፖሊስን ብሄራዊ ደሕንነትን ብኣባልነት ዝርከብዎ ላዕለዋይ ኮሚተ፡ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝለተላዕሉ ዛዕባታት ብዙሓት ንህልዊ ጸጥታውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይታ ሃገር ዝዳህስሱ ኮይይኖም፡ እቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ  ጉዳይ ምውሓስ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ድሕሪ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ ንናይ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን  ማእከላይ ነጥቢ ኮይኑ፡ በቲ ተጀሚርዎ ዘሎ ብርሱን ኩነታት ክቕጽል ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምውሓስ ኣፍደገ ባሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሕጋውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ከም ዝደፍኣሉ ብጥብቂ ጠቒሱ ኣሎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሓሊፉ፡ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ እውን ግደ ከም ዝህልዎ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ” ክበሃል ዝጸንሐ ኣሰካፊ ኣቀራርባ፡ ኣብቲ መግለጺ’ኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ኣብ ባይታ ግና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ከም በዓል “ፕሮፈሰር ብሩክ ሃይለ” ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ምሁራት ዝኣመሰሉ ባእታታት ብሚድያታት ብዝህብዎ መግለጽታት፡ ክሳብ ኣብ ታሪኽ “ኤርትራ እትበሃል ሃገርን፡ ኤርትራዊ ዝበሃል ዜግነትን የለን” ናይ ምባል ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ጽላለ   ከቃልሑ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ።

Last modified on Thursday, 10 April 2025 09:57