ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ጉባአ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ተሳቲፉ
2025-04-17 19:19:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 281 timesልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 5 ማዝያ 2025 ን3 ተኸታታሊ መዓልታትት ዝተኻየደ ጉባአ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ሓቢሩ። ናይቲ ሰልፊ ጉባአ “ሰላምን ውሑስ መጻእን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ከም ዝተኻየደ እውን እቲ ኣባላት ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ ብጾት ማህደር ዑቕባዝግን ሙሴ ዓማርን ዝኣባላቱ ልኡኽ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ጉባአ 300 ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጹ ጉባአተኛታት ከም ዝነበሩን ካለኦት ብሓላፍነቶምን ናይቲ ሰልፊ ነባር ኣባልነቶምን ዝተሳተፉ ምንባሮም’ውን እቲ ልኡኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተዓደሙ ወከልቲ ኣጋይሽ ምንባሮም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ ጉባአ ብኣቦመንበር ናይቲ ሰልፍን መራሒ መንግስቲ ናይታ ሃገርን ዮናስ ኮይኑ፡ ኣብቲ መኽፈቲ መደረኡ፡ ኣብዚ ዘይርጉእነትን ህውከትን ዝበዝሖ ግዜ ድሕነት ህዝብን ናጽነትን ንምሕላው፡ ጽኑዕ ፖልቲካዊ ምሕደራ የድሊ።” ምባሉ ተሓቢሩ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ምትእትታው ፖሊሲታት ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ፡ ምስ መሓዙትን ጐረባብትን ሃገራት ከምኡ እውን ምስ ትካል ናቶ ተቐራሪብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡ ንናይ 1940 ተመኩሮ ሃገሩ ብምዝካር፡ ናይታ ሃገር ሓይልታት ፍልልይ ኣለና ብዘይምባል ሓቢርካ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ምስላፍ የድሊ ምባሉ ተገሉጹ።
ንማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝምልከቱ ድማ፡ ናይ ሕክምና፡ ደሞዝ፡ ውሕስነት፡ ጡረታ፡ ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ ዝምልከቱ መሰላትን ንዝምድና ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝምልከቱ ፖሊሲታት ድሕሪ ምጥቃስ ብዛዕባ ኣድላይነትን ጐዳእነትን ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ምህርትን ሕክምናን ኣዘኻኺሩ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ተመሃሮ ምዝራቡ እውን ናይቲ ልኡኽ ሰዲህኤ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናብቲ ጉባአ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይቲ መራሕ መንግስትን ሓላፊ ሰልፊ ዕዮን ነርወይ ብዛዕባ፡ ጸዓት፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት መጐዓዝያ፡ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ውሽጣዊ ድሕንነት፡ ሃብቲ መሬት፡ ክሊማ፡ ቀረጽን ዝኣመሰሉን ናይታ ሃገር ፖሊሲታት ምድህሳሱ ድማ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባአ ካብ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ናይ ኤርትራ፡ ደንማርክ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ፡ ፍልስጥኤም፡ ኩርዲስታን፡ ዒራቕ፡ ነይሮም። ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ’ቶም ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ጐኒንጐኒ እቲ ጉባአ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዝገበረን ንመጻኢ ዘቕጽሎ ሌላ ከም ዝገበረን ከኣ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሞደልነት ሃገር ኖርወይ ንዕዱማት ኣጋይሽ መግለጺ ተዋሂቡ።