ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ወሲኽካ፡ ኤምባሲታት ክትዓጹ እያ

2025-04-15 19:56:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 260 times

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዘለዋ ወሲኽካ፡ 10 ኤምባሲታትን 20 ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ምዕጻው መደብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ። ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ ካብተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ግሪናዳ፡ ሌሰቶ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፑብሊክ፡ ሉግዘምበር፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ደቡብ ሱዳን ማልታን ማልዲቨስን ዘለዋ ከም ዝርከበአን ኣፍሊጡ።

ሲኤንኤን ብወገኑ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣመሪካ ረኺበዮ ዝበሎ ሰነድ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ 30 ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን  ናይ ምዕጻው ዕላማ፡ ኣሜሪካ ኣብ ወጻኢ ዲፕሎማሲያዊ ኣተሃላልዋኣ ክትቅይር ስለ ዝደለየት ክትወስዶ መዲባቶ ዘላ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣመርካ ብዘይካቲ ናይ ምዕጻው መደብ ኣብተን ብጉዳይ ፈጠርቲ ራዕዲ ፍሉይ ቆላሕታ ክትገብረለን ዝጸንሐት ኤንባሲታታ ኣብ ዒራቕን ሶማሊያን ድማ ኣተሃላልዋኣ ክትንኪ ምዃና ጠቒሱ።

እዚ ናይ ምዕጻውን ኣተሃላልዋ ምንካይን እማመ ዝመጽእ ዘሎ ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት መንግስታዊ ኣካላት እውን  ናይ ምጽግጋዕ መደባት ይካየድ ኣብ ዝሃለወሉ ምዃኑ  ሲኤንኤን ብተወሳኺ ጠቒሱ።

እቲ ማዕጻው 5 ኣብ ፈረንሳይ፡ 2 ኣብ ጀርመን 2 ኣብ ቦስኒያ፡ 2 ድማ ኣብ ሄርዞጎቪና ዝርከቡ ቆንስላት ኣመሪካ ከም ዝጠቓልል ከኣ ተሓቢሩ። ናይተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ኣብ ጐረባብተን ሃገራት ብዝርከባ ኤምባሲታት ኣመሪካ ክወሃብ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እውን እቲ ሲኤንኤን ዝረኸበ እማመ ከም ዘስፈረ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎ ማሕበራዊ መዲያ ተስፋ ነውስ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርዝር ናይተን ዝዕጸዋ ምህላዉ ተኣሚኑ፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ናይ ቲቦር ናጂ ርኢቶ ዝመሳሰል  እዩ ኢልዎ።

Last modified on Tuesday, 15 April 2025 22:05