ካብ ኤ ኤፍ ፒ/AFP/ ዝተወስደ ስእሊ
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቛረጸ ውግእ ትግራይ፡ ናይ ቀጻሊ ውግእ ፈልሲ ዝተክል ዘሎ ስለ ዝመስል ከም ዘስግእ ሰፊሕ ዝርጋሐን ተነባብነትን ዘለዎ ጋዜጣ “ዘኢኮነሚስት/the economist/፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ27 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኣቶ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣጠንቂቓ።
እታ ጋዜጣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ወተሃደር ብናይ ዓውዲ ውግእ መነጸር፡ ኣብ ሓደ ጎቦ ተሰሪዖም ዝረኣዩ ሰባት ከም ዝተዓዘበን ንሳቶም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምዃኖምን ምርግጋጹን ትጠቅስ። እቲ ጎቦ ኣብ መሬት ናይታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓውሲ ናጻ ምምሕዳር ናይ ዘላ ክልል ትግራይ ምዃኑ እውን ይውስኽ።
ጋዜጣ ዘኢኮኖሚስት ኣተሓሒዛ ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል ቦታ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ኣትዩ ኣብ መሬት ትግራይ ሰፊሩ ኣሎ እውን ኢላ። ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ለይቲ እቲ ሰራዊት ሰለይቲ ልኢኹ ዝያዳ ርሕቀት ብምእታው ሲቪል ሰባት እናኣሰረ ከም ዝወስድ ኣስፊራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነባር ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋንዚ ምክትል ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ “ንሳቶም ውግእ ክኸፍቱ ኣይንፈቕደሎም ንሕና እውን ናብ ውግእ ኣይንኣቱን” ከም ዝበለ እቲ ካብ ዘኢኮነሚስት ዝተረኽበ ዜና ኣስፊሩ።
ዘኢኮነሚስት ነቲ ኩነታት ምስቲ፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ዝብል ኣርእስቲ ርእሰ-ዓንቀጻ ንምትእስሳር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም፡ ብዛዕባ ልዕሊ 35 ካብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ 110 ወተውሃደራዊ ጐንጽታት እናተኸታተለት ሓበሬታ እትዝርግሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩነታት ናብ ሃገርና እውን ዘንጸላሉ ዘሎ ምዃኑ ኣስተውዒሉን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ውግኣት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተራእየ ተማሂሩ ኣብ ዳግማይ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ንዘይምእታው “ዓገብ” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት ከም ዘሎ ክዝክር ይግበኦ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት ዘይምምዝጋቦም ኣጸጋሚ’ዩ ተባሂሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት (ስእሊ ኮሚሽን ስደተኛታት ኢትዮጵያ)
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 576 ሺሕ ህጻናት እቶም ዝተመዝገቡ 12% ጥራይ ምዃኖምን እንተዘይተመዝጊቦም ከኣ መሰሎም ክሕለወሎም ኣጸጋሚ ከም ዝኸውንን ሓቢሩ።
እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ህጻናት ክሳብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ብዘይምምዝጋቦም፡ ኣድላይ ሓለዋ ክግበረሎምን ዝግበኦም መስል ስደተኛ ክረኽቡን ከምዘይክኣሉ ብምጥቃስ፡ ናይ ዘይምምዝጋቦም ጠንቂ ናይቲ ትካል ዓቕሚ ድሩትነትን ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገምን ከም ዝኾነ እውን ኣስፊሩ።
እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ 2017ን 2019ን እኳ ብዛዕባ ኣመዘጋግባ ስደተኛታት ዘውጸኣቶ ኣዋጃት እንተሎ፡ ኣተገባብራኡ ግና ብፍላይ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉልን ዓፋር ኣብ ዘለዉ መደበር ስደተኛታት ድሩት ምዃኑ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝበሃል፡ መንግስታዊ ኣካሉ ኣቢሉ፡ ስደተኛታት ኣብ ዝርዝር ሃገራዊ መንነት ክሕወሱ መደብ ከም ዝሰርዐ ኣፍሊጡ። እዚ መደብ ካብ ተደጋጋሚ ምምዝጋብ ንምድሓን ተባሂሉ ዝተተለመ ድማ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ስደተኛታት ኣዕቊባ ከም ዘለ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተተቕሰ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 60, 688 ብሰንክቲ ኣብ 2023 ዝጀመረ ውግእ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ሓደስቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ 4.4 ሚልዮን ዝኾኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ከም ዘለዉዋ እውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሲቪል ኣቬሽን ኣቢሉ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ሚልዮን ዶላር (ልዕሊ 61 ሚልዮን ናቕፋ) ንክኸፍሎ ከም ዝኸሰሰ ብሚድያታት ይሕበር ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ካብ ኤርትራዊ መዘናኡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር (280 ሚልዮን ብር) ክትክፈሎ ምሕታቱ ተፈሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ንክኽፈሎ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝኸስስ ዘሎ፡ ክፍሊት ነፈርቲ ኢትዮጵያ ብናይ ኤርትራ ክልል ኣየር ዝተጠቕመኦ፡ ካሕሳ ዝጠፈአ 9650 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ 450 ባልጃታት ገያሾ፡ እቲ መንግዲ ኣየር ብምኽንያት መርመራ ኮቪድ ንገያሾ ኤርትራውያን ዘኽፈሎን ብዘይርትዓዊ ዋጋ ቲኬት ካብ ኤርትራውያን ገያሾ ዝተወስደን ዘጠቓልል ክይኑ፡ ናይ ቅድሚ 25 ዓመታት ዘይተወራረደ ሕሳብ 570 ሺሕ ዶላር ዝርከቦ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣቐዲሙ ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ስራሕ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኤርትራ ዝዓቀቦ ዶላርን ናቕፋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከመሓላልፎ ኮነ ኣብ ኣስመራ ንመንቀሳቐሲ ስራሕን መኽፈሊ ደሞዝ ሰራሕተናታትን ንክትቀመሉ ከምዘይከኣለን በቲ ባንኪ “ተወሪሱ” ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦን ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምኽንያት ከም ዝኾኖን ብምጥቃ ገንዘቡ ንምምላስ ሕጋዊ መንግገዲ ከም ዝጥቀም ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 3.5 ሚልዮን ዶላር ክሲ ዝምስርት ዘሎ፡ ነቲ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወረሶ ገንዘብ ኣከሓሒሱ ንዘይምኽፋል ዝመሃዞ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።
እዚ ኣብዘን መንገዲ ኣየራት ዝረአ ዘሎ ምውጣት፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝምዕብል ዘሎ ፍልልይ ምብላሑ ዘርኢ ምዃኑ ይእመን። ኣብ ርእሲቲ በረራታት ነፈርቲ ምቁራጹ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት’ውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ ተለፎን ምቁራጹን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ምጽራይ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ምስ ኢትዮጵያዊት መዘናኣ ኣብ ደቡ ሱዳን ከተማ ጁባ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ብቁራጽ ካብቲ ውድድር ምስሓባ’ውን ብመንጽርዚ ዝርአ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ብ1913 ዝተሳእለ፡ ዓለም ለኻዊ ዶባታ ዘርኢ ካርታ (MAP) ሃገረ ኤርትራ
ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ዝተደኮነሉ ጽኑዕ ባይታ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲቲ ንዓመታት ዘካየዶ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ን30 ዓመታት ብዘካየዶ ብረታዊ ቃልስን ብዘፍሰሶ ደምን ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዶም፡ ብ99.83% ድምጹን ዘትረሮ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ልኡላውነት ኤርትራ ሎሚ’ውን ሓዱሽ ኣጀንዳ ካብ ምዃን ዓዲ ብዘይምውዓሉ፡ “ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን?” ኢልካ ክትሓትት ዝድርኽ እዩ።
ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ቀጻሊ ኣጀንዳ ካብ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያታት ሓደ፡ ሓቂ ዘይተዋሕጠሎምን ንዝተኸፍሎ ዋጋ ዘስተናዕቑን፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ዘይዕጸፍ ፖለቲካውን ሕጋውን ክውንነት ምቕባል ዝጸገሞም ኢትዮጵያውያን ወገናት በብግዜኡ ቃናኦም እናቐያየሩ ዝቕልቀሉ ምዃኖም እዩ። እዞም መዕለበጥቲ ወገናት፡ “ዝኾነ እንተኾነ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ዝብሉ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጽውጽዋይ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ” ዘይወጹ እዮም። እቲ መርተዖ ኢሎም ዘቕርብዎ፡ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣብ “ነበረያነበረ” ዝምርኮስ፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጻረር፡ ህልኽን ንሓቂ ጸማም እዝኒ ምሃብን ዝደረኾ እዩ።
ብመንጽር’ቲ ዝህውትትዎ፡ እዛ ኤርትራ ግድን ኣካላ እንተዘይኮነት ኢሎም መመሊሶም ዝቑዝሙላ ኢትዮጵያ፡ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ስፍሓትን ከምዚ ዘላቶ ኣይመኾነን። ኢትዮጵያውያን ክሳብ ክንደይ ኣሚኖም ይቕበልዎ ካልእ ኮይኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ሎሚ ሒዘነኦ ዘለዋ መልክዕ፡ ብኤውሮጳውያን ገዛእቲ ምስተሃንደሰን ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተቐባልነት ረኺቡ ዝጸደቐን መልክዕ ኣብ ምሓዝ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ከም እትቕድማ ምዝኽኻሮም ኣገዳሲ እዩ።
ነዚ ታሪኻዊ ሓቂዚ ንምቕባል፡ ብመጀመርያ ካብ ትምክሕትን ጸቢብነትን ወጺኦም፡ ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ሃገር ምንባራ ክእመኑ ይግባእ። ምምናልባት ኢትዮጵያ ነቲ ብሓያላት ተሓጊዛ ፈደረሽን ኣፍሪሳ ንኤርትራ ን40 ዓመታት ብጎበጣ ዝገዘኣትሉ ግዜ ከም መርተዖ ንዋንነታ ክተቕርቦ እንተኾይና፡ ካልእ መግለጺ ፖለቲካዊ ዕሽነት እዩ። ኤርትራ “ብሰንኪ እገል ዝተባህለ ውድብ’ያ ካብ ኢድና ወጺኣ” ዝብል ምስምስ’ውን፡ ንወሳኒ ገደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ሕግን ዝዘንገዐ ህውተታ እዩ። ኣብ ኤርትራ በጺሕካ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሰርሕ ጂኦፖለቲካዊ ቀጥዒ ክትፈጥር ምድላይ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን።
ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ መመሊሱ ኣጀንዳ ናይ ምዃኑ ጠንቂ፡ ግዳማዊ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ በብግዜኡ ኣብ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘርእዮ ወለቕ ዘለቕ፡ እቲ ኣጀንዳ ዘየቋርጽ ንክኸውን ግደ ኣለዎ። ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዝመስከርዎ ዘለዉ፡ መራሒ ህግደፍ ኣብ ድሮ ነጻነት ኣስሚዕዎ ዝተባህለ ናይ ፈራሕ ሃቐነ፡ መድሎ ኣብ ዝረኽበሉዶ ናይ ምትግባሩ ሕልሚ ይህልዎ ይኸውን? ኢልካ ዘየጠርጥር ኣይኮነን። ድሕሪ ናይ 2018 ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምልላስ ኣብዚሑ ዝነበረ፡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊንየምን ኣዲስ ኣበባን ካለኦት መድረኻትን ዘስመዖም መደረታትን ዝኣተዎም መብጸዓታትን፡ በቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ወገናት ከይተረፈ፡ “እምበርከ እቲ ዘረባ ካብኡ ድዩ ዝወጽእ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ዘገደደ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ገለ ወገናት፡ “ከጸባብቕሉን ከመኻንይሉን” ዝፍትንዎ ዘይሕለፍ ውሽጣዊ ሕልሙን ባጉን ዘግሃደሉ ተረኽቦ እዩ።
እቲ ካልእ ቆላሕታ ዘድልዮ ዛዕባ፡ ህግደፍ ከም ቁርዲድ ምስ ናጻነትን ልኡላውነትን ተጣቢቑ ክሕባእ ዝደሊ ምዃኑ እዩ። ነዚ ዝያዳ ንምንጻር ኣብ 1994 ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቋንቋ ትግርኛ “ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ተባሂሉ ዝተሓተተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ንግንባርን ህዝብንሲ መንዩ ክልተ ኣካላት ገይርዎም?” ብዝብል ቁጠዐ ንሕቶ ብሕቶ ዝመለሰሉ ኣጋጣሚ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክሳብ ሎሚ እውን ሜላታት እናቐያየረ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሸፈጥ እዩ። ካብዚ ስለ ዝነቅል እዩ ከኣ “ነዓይ ዝቃወም ንልኡላውነት ኤርትራ ዝቃወም እዩ፡ ነዓይ ዝድግፍ ከኣ ንልኡላውነት ዘኽብር እዩ” ዝብል ግጉይ መጎት ኣስሪጹ ዘፈራርሕን መሰል ዜጋታት ዝገፍፍን ዘሎ። ነዚ ከም ሓቂ ወሲዶም በቲ ሓደ ወገን “ንህግደፍ እንድግፍኮ ንልኡላውነትና ክንብል ኢና” ኢሎም ነብሶም ዘደዓዓሱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ጉጅለ ንዝቃወሙ ወገናት ከም “ጸረ ልኡላውነት” ስኢሎም ከቕርቡ ክፍትኑ እንዕዘቦም። እዚ ምህዞ’ዚ እዩ ከኣ፡ “ንህግደፍ ምቅዋም፡ ልኡላውነት ምጽራር ኣይኮነን” ዘብለና።
ስለዚ እቲ “ኣነ ናጻነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ስለ ዝበሉ ጥራይ ከም ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ “ንህግደፍ እቃወም እየ” ንዝበሉ ከኣ ከም ናጽነትን ልኡላውነትን ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣምሲልካ ምቕራብ፡ መሰረት ዝሰሓተ ኣጉል ሓሳብን ግጉይ ኣገላልጻን ዝኸውን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኤርትራን ህዝባን ዘይሓልፉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግና ከም ዝኾነ ስርዓት ግዜኡ ወዲኡ ዝዕዘርን ድሓር ክንድቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣብ ታሪኹ ብኣሉታ ዝዝንቶ ኮይኑ ዝሓልፍ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልኡላውነትን ኣጀንዳነት ብወገን ኢትዮጵያ ብሕቶ ዋንነት ገምገም ባሕርን ወደብን ኣጐልቢብካ ናይ ምቕራቡ ዓመጸኛ ፈተነ ክስማዕ እንከሎ፡ ዝያዳ ይንህር። ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ከስተውዕልዎ ዝግበኦም፡ ከምቲ ንሳቶም ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣብኡ ዝተሃንጸ ሓጽብን ክለዓል እንከሎ፡ “ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ናይ ኩሉ ዜጋ ዋኒን እዩ” ኢሎም ወገሐ-ጸብሐ ዝሰብክዎ፡ ጉዳይ ልኡላውነትን ናጻነትን ኤርትራ’ውን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከቶ እምበር፡ ናይ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ዝነፈጎ ጉጅለ ዋኒን ከምዘይኮነ ከስተውዕሉ ነዘኻኽሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብዘይካ ውሑዳት፡ መልክዑን ኣገባቡን ዳኣ ይፈላለ’በር፡ ኣብ መስርሕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከም ዘለዉ ርኡይ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ “ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዘይዋገ””፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ከባብያዊ ምትሕግጋዝን ዘትከለ፡ ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ምዝማድ ኣድላይ እዩ። “ነቲ ስርዓት ከነዋድቐኩም እሞ ልኡላውነትኩም ቆራሚምና ክንጥቀም” ኣብ ዝብል ዘድህብ ዝምድና ግና፡ ጥዕና ዘየብሉን ኢድ ኣእታውነት ዝዕድምን ስለ ዝኸውን፡ ብዝመጾ ይምጻእ ተቐባልነት የብሉን። ስለዚ “ንህግደፍ ምቅዋም፡ ልኡላውነት ምጽራር ኣይኮነን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ “ሓቢርና ቀጥ ንበል” መጸዋዕታና እዩ።
ኣቡ ኣግላ ( ቀይሕ ቆቢዕ ዝለበሰ ጀነራል)ን ሰዓብቱን ምስ ሰራዊት ሱዳን (ስእሊ ካብ ሱዳን ትሩቡን)
ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ናይቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ናብቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝእዘዝ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸንበረ መርበብ ሓበሬታ ሬድዮ ዳባንጋ ኣፍሊጣ። ናይዚ ኣቡ ኣግላ ከይኪል ዝተባህለ ኣዛዝን ሰዓብቱን ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ንህላወ ሰራዊት ሕመቲ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ዓብይ ጽፍዒት ምዃኑ ተገሊጹ። ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ናይቲ ኣዛዚ ናብኡ ምምጻእ ኣረጋጊጹ፡ ኣገዳሲ እዋናዊ ሱምቲ እዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ከይኪል ቅኑዕ ምርጫን ከም ዝወሰደ ክጠቅስ እንከሎ፡ እቲ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣዛዚ ብወገኑ ነቲ ዝጸንሖ ወገን፡ ናይ ወጻኢ መሳርሒ እዩ ኢልዎ። ከይኪል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሓይሊ ሕመቲ ተቖጻጺርዎ ዝጸንሐ ቦታታት ንምምላስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ተበግሶ ኣብ ዝወሰደሉ እዩ።
ከይኪልን ሰዓብቱን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣብቲ ዝነበርዎ ወገን፡ ወተሓደራዊ ሓለፍቲ፡ መራሕቲ ቀቢላታትን ቤተሰብ ከይኪልን ይዛተዩ ኣብ ዝነበርሉ፡ ሩፋ ኣብ ዝተባህለ ጽዑቕ ውግእ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ከባቢ ኣልጀዚራ እዩ። ውተሃደራዊ ክኢላታት እዚ ኩነታት ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሐ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ክቕይሮ እዩ ዝብል ርኢቶ ይህቡ ኣለዉ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ኣካላት ናይቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከቡ መደበራቱ ኢዶም ንክህቡ ማዕጾ ክፉት ምዃኑን ምሉእ ምሕረት ኣከም ዝገብረሎምን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ስጉምቲ ብካለኦት ኣዘዝቲ’ውን ክቕጽልዩ ዝብል ግምት ኣሎ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ዘሎ ዕጡቕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ፡ ናይ ምድኻሙ ጠንቂ ሕቡራት ኤመራት ዓረብን ካለኦት ሃገራትን ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኣጽዋር ይህበኦ ምህላወን’ዩ ኢሉ ክኸስስ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ውሑስ ቦታ ክወስዶም እናሓተቱ
ዓለም ለኻዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ውግእ ነብሶም ከድሕኑ ካብ ሱዳን ናብ ሃገሩ ናይ ዝኣተዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ድሕንነት ንከኽብር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስተባርዐ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፡ ነብሶም ከድሕኑ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ መጀመርያ መብዛሕትኦም መዕቆቢ ረኺቦም ከም ዝነበሩ እቲ ሰብኣዊ ትካል ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብቲ ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተዓቖብሉ ክልተ መደበራት ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ጉጅለታት ቅትለት፡ መጭወይትን ምስዋርን ከም ዘጋጠሞም እውን እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።
ነቶም ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ዝበሃል መዕቆቢ መደበራት ናይ ምስጋሮም ስጉምቲ’ኳ እንተ ተወስደ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝካየድ ውግእ ስለ ዝገደደ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ሓድሽ መዕቆቢ መደበራት እውን ውሕስነት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ዜና ጢቒሱ።
“
እዞም ሱዳናውያን ግዳያት ዝሓሸ ድሕነት ንክረኽቡ’ኳ ናብ ኢትዮጵያ እንተ ኣተዉ፡ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝተጸበይዎ ከም ዘይጸነሖም ተጠቒሱ፡፡ ላየተቲታ ባደር ዝተባህሉ፡ ምኽትል ዳይረክተር ናይቲ ትካል ሰብኣዊ ሓለዋ ኣብ ኣፍሪቃ ሓቢሮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ንክፍጽም ድማ ጸዊዖም።
እቲ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ምስ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝተኻየዱ ቃለ መጠይቓት መሰረት ብምግባር ከም ዝጠቐሶ፡ መንነቶም ዘይፍለጥ ዕጡቓት ወገናት ከምኡ እውን ናይ መንግስቲ ኣባላት ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተፈላለዩ በደላት ከውርዱ ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ብዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል መጸዋዕታ ቀሪቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጀነቫ
ኣርበዓን ሓሙሽተን ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ኣካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ብዛዕባ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጠንቂቑ፡ እቲ ግህሰት ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ ዘተ ክካየድን እኹል ዓለምለኸ ረዲአት ንጽጉማት ክቐርብን ከም ዝጸውዐ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታትዳር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።
ኣብቲ በተን ሃገራት ጐኒንጐኒ መስርሕ መበል 57 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ10 ጥቅምቲ 2024 ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዘሎ ብደሆ ንዝረአ ዝተወሰነ ኣውንታዊ ስጉምታት ኣፍልጦ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር መግለጺ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሲኑ ዝነበረ ናይ ህጹጽ ግዜ ገደብ ኣዋጅ ምልዓሉን ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ሰላም ንምምጻእ ይግበር ንዘሎ ፈተነታትን ኣተባቢዑ።
ብዛዕባቲ ብመንግስታዊ ኮነ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሰባት ጃምላዊ ምእሳር፡ ምስቓይ፡ ምስዋር፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ምቕታል ሲቪልን ዝምልከት እቲ መግለጺ ተሪር መጠንቀቕታኡ ኣቃሊሑ። ኣብ ምግዳብ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ካብን ናብን ምንቅስቓስን ምእሳር ጋዜተኛታትን ዝረአ ዘሎ ግህሰታት ከም ዘተሓሳስቦ’ውን ኣስፊሩ።
እዚ ናይ 45 ሃገራት መጠንቀቕታ ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኮይና ምስተመርጸት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝወጸ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ብመጽርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዘሎ፡ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ መንግስቲ ማእከሉ ግዳያት ወጽዓ ብዝኾነ ኣገባብ ብደረጃ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንክትግበር እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጸዊዑ። ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተክኒካዊ ደገፍ ንክጥቀምሉ ከኣ ኣተሓሳሲቡ።
ህግደፍ ካብ ዝምዘነሎም መሰረታዊ ባህርያቱ ሓደ፡ ዝወስዶም ስጉምትታት፡ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእትዉ ኢደ-ወነናዊ ምዃኖም እዩ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ልጓም ዘየብሉ ስዲ ኣካይዳ ምቕጻል ንክጥዕሞ እዩ ከኣ፡ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚሩ ናይ ህዝቢ ኣፍልጦን ምርጫን ካብ ዘለዎም ትካላትን ዝምርሕሉ ሕግታትን ዝሃድም። ኣብ ክንድኡ ንመሸፈኒ ብዝኾንዎ ናይ ውልቀ ወይ ናይ’ቲ ጉጅለ ስምዒታት፡ ድሌትን ትጽቢትን ጥራይ ብዘረጋግጽ ቁርጽራጽ ኣዋጃት ዝመርሕ።
ህግደፍ ዝውጥኖም ትልምታት፡ ኣይኮነንዶ በቲ ዋና ሃገሩ ዝኾነ ህዝቢ፡ ብመብዛሕቶም ካብቶም መሳርሒ ንክኾንዎ ስልጣን ዝምጥዎም ኣካላት እውን ዘይፍለጡ እዮም። ኣርሓ ህግደፍ ቃሕ ክብሎ እንከሎ ከም ድላዩ ንህዝቢ መብጸዓታት ይኣቱ። ክሳብ “ብኣዋርሕ ለውጢ ከምጽእ እየ” ኢሉ ቆጸራ ዝሕዘሉ ኩነት ኣሎ። እቲ ብግብሪ ዘርእዮ ግና ሓታታይ ከም ዘየብሉ ፈሊጡ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ፡ በብግዜኡ ነቲ ህዝቢ ዝነብሮ ዘሎ ጸገማት ተመሊሱ ይዝርዝረሉ። ተኸታቲሉ “እቲ ቅድም ዝበልካና ደኣ ኣበይ በጺሑ?” ኢሉ ዝሓቶ ስለ ዘየብሉ ከኣ፡ ኣይስከፍን።
ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ዘውጸኦ ኣዋጃት ይኹን ሕግታት እውን እሙን ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከት ብዙሓ ኣብነታት ምቕራብ ዝከኣል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ስልጠናን ኣገልግሎትን ዕድመኡ 18 ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ዝኣወጆ መደብ ግዱድ ወትህድርና ሳዋ፡ ክሳብ ክንደይ ምኽንያታት ፈጢሩ እንዳናወሐ ኣበይ ከም ዘብጸሖ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ነቲ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዕቃበ እናሃለዎ፡ ብህዝባዊ ተሳትፎ ብመንገዲ ረፈረንዱም ጸዲቑ ዝተባህለ፡ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ጽልእን ንዕቀትን “ከይተወለደ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ብዝብል ሕጫጨ ከም ዝጐሓፎ ካልእ መርኣያ ናይ ዘይተኣማንነቱ እዩ። ነቲ “ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ቀረባ ግዜ እትርእይዎ ክኸውን እዩ” ዝበሎ ከመይ ገይሩ ደሃዩ ከም ዘጥፈኦ’ውን ተወሳኺ መርኣያ ሃላልነቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣውዒልካ ዘሕድር ዝርዝር ጥልመታቱ ምቕራብ ይከኣል።
ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ዝፈልጦን ዝተዋሰኣሉን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምትግባር ክሳብ ሎሚ ዘርእዮ ዘሎ ምድህላል ከኣ ተጠቃሲ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ብዕጥይጥይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓቢኡ፡ ደጋፊ ትግባረ ናይቲ ብይን ኮይኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሃንጠየ ይዝከር። ናቱ ሓቢኡ ኣንጻር “ዓንቀፍትን ዘራያትን” ዝበሎም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብዙሕ ክስታትን ጸለመን ኣቕሪቡ። ድሕሪ 2018 እቲ ምኽንያታት ተቐንጢጡ ናይ ምትግባር ዕድል ኣብ ኢዱ ምስ ወደቐ፥ ኣይኮነንዶ ክትግብር ከም ኣጀንዳ ከልዕሎ’ውን ኣይደለዮን ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ቀዳምነትና ኣይኮነን” ብዝብል ጠንጢንዎ። በቲ ዘርኣዮ ዘይምግዳስ ከኣ፡ “እንታይ ብዘይምጥራር ዶብ ኣቢሉ ከብጽሖ ዝደለየ ስለ ዘለዎ’ዩ ዝጓስዮ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት ነይሩን ኣሎን። ኩሉዚ ተደሚሩ ህግደፍ ብጉጅላዊ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን’ምበር ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ምግዳስ ዘይንታዩ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
እቲ ዘይግልጹነቱ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝምድናኡ ምስ ጐረባቲ እውን፡ “እንታይ ረብሓ ህዝቢ ከረጋግጸለይ ይኽእል?” ብዝብል ዝተቓነየ ከምዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ክሳብ ሎሚ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኡ ኣብነት እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ኣብ 2018 ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብ ዘይተጸበይዎ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ “ሓድሽ ዝምድና ፈጢርና” ኢሉ ምስ ኣውደኽደኸ፡ እዚ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍትሕ፡ ገለ ወገናት ከም ዝመጽእ ክግምቱ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ “ደጊም ንድሕሪት ዘይምለስ ፍቕሪ እዩ” ስለ ዝበልዎ፡ ኣካታዒ ተረኽቦ ኮይኑ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ዝተጀመረ ጉርብትና ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ምስ ተዓዘበ፡ ብዝሓደሮ ቅንእን ስግኣትን፡ ህርፋኑ ጥራይ ዘርውየሉ ገይሩ ከመሓድሮ ግዜ ኣይወሰደሉን። ድሕሪ 4ተ ዓመታት በቲ ዘይተጸንዐ ዝምድና ኣቢሉ ከረጋግጾ ዝሓሰቦ ምስተኾለፈን በቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ዓይኑ ደም ስለ ዝነጠቦን በብቑሩብ ክቑርምሞ ጀሚሩ።
ከምቲ ውግእ 1998-2000 ክጅመር እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኤርትራውን ንብረቱን ዘይተገደሰ እሞ ደሓር ብዙሕ ምንግልታዕን ዛሕዛሕን ዘኸተለ፡ ሎሚ’ውን ቅድም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሰኣኖ ሕክምና፡ መርዓን ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ናብ ኢትዮጵያ ዝመላለስ ኤርትራዊ ከይተገደሰ፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንክቋረጽ ወሲኑ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝለመዶ ናይቲ መንገዲ ኣየር ገንዘብ ካብ ባንክ ብምርሳይ ከኣ ተኸሲሱ። ቀጺሉ ኣብ ኤርትራ መተካእታ ዝኸውን ናይ ዋይፋይ መስመር’ኳ ኣብ ዘየብሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ መስመር ተለፎን ኣቋሪጹ። ብሰንክዚ ሃንደበታዊ ምቑራጽ ርክብ፡ እቲ ዝጸንሐ ስኽፍታ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት ቀሊል ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብቲ ናይ 2018 ብዘይፍለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ፡ ከምቲ ናይ ጎንደር ስምምዕ ሰለስተ ኣካላት፡ ሎሚ ድማ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ስሉሳዊ ስምምዕ ጸጥታ ከም ዝተኸተመ ይስማዕ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር መራሒ ግብጺ ንመጀመርያ ግዜኡ፡ መራሒ ሶማሊያ ከኣ ን7ይ ግዜኡ ናብ ኣስመራ መጺኦም። እቲ ስምምዕ “ንጥቡቕ ጉርብትናን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋጽ” ዝብል ስያመ’ኳ እንተተዋህቦ፡ ሓቢርካ ንኢትዮጵያ ንምኽባብ ምዃኑ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ግብጽን ሶማሊያን ንኢትዮጵያ ክኸባ እንከለዋ ነናተን እዉጅ ምኽንያት ኣለወን። ግብጺ ንህንጸት ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጠጠው ከተብሎ ካብዘይከኣለት፡ ኣካል’ቲ ምምሕዳሩ ኮይና ዓቐን ዝዕቆርን ናብኣ ዝፍኖን ማይ ናይ ምክትታል ድሌት ዘይተዓጽወ ፋይል ኣለዋ። ሶማሊያ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትያ ምስ ኣካለይ ዝኾነት ሶማሊላንድ ኣገልግሎት ወደብ ክትረክብን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህብን ሃቂና ዝብል ክሲ ኣለዋ።
ናይ ክልቲኦም ክሲ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ካልእ ኮይኑ፡ ምስ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምትእስሳር ኣለዎ። ናይ ህግደፍ ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስላፍ ግና፡ ነቲ ባዕሉ “ወደባት ርኸቡ ኣይትስኣኑ” ዝብሎም ዝነበረ ዘንጊዑ’ኳ፡ መልክዕ “ልኡላውነት” ከትሕዞ እንተፈተነ፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተኾልፎ ንምፍዳይ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንዓኡ ዝምልከት ጉጅላዊ ዕንደራ እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራሲ ከምቲ ዝቐደመ ህይወት ደቁ ካብ ምጥፋእን ንብረቱን ካብ ምብራስን ሓሊፉ፡ ዘይንታዩ ምዃኑ ርኡይ እዩ።
“ወዲ ወርቂ” ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኤርትራዊ ተወዳዳሪ ብሽግለታ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ኣብ ናይ 2024 ውድድር ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኬንያ ኢልዶረት ኣብ ዝተባህለት ከተማ ፍሉይ ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝመዝገበ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ጠቒሶም። ሄኖክ ኣቐዲሙ እውን ኣብ 2023 ኣብ ጋና ኣክራን፡ ብ2022 ድማ ኣብ ሻርም ኢል ሸይክን ግብጺ ተኸታታሊ ዓወታት ዘመዝገበ እዩ።
ስፖርታዊ ሄኖክ ኣብዚ ናይ 2024 ውድድር፡ ካለኣይን ሳልሳይን ንዝወጹ ደቡብ ኣፍሪቃውን ኡጋንዳውን ኣኸቲሉ እዩ ቀዳማይ ኮይኑ ወርቂ መዳልያ ተቐቢሉ። ነቲ ርሕቀት ንምዝዛም ዝወሰደሉ ግዜ 3 ሰዓታት፡ 46 ደቓይቕን 21 ሰከንድን ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
.ሄኖክ ምስ ጋዜጠኛታት ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መተይቕ፡ ነቶም ሓቢረምዎ ዝተወዳደሩ ኤርትራውያን ዘለዎ ክብሪ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዓወት ንከመዝግብ ናታቶም ግደ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ዓወት ናይ ሓባሮም ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ። ናይ ሄኖክ ምሉብርሃን ዓወት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተወዳደርቲ ብሽግለታ፡ ኣብ ኣፍሪቃዊ ዓቕሚ ዓብይ ብጽሒት ከም ዘለዎም ዘመልክት ምዃኑ ድማ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር፡ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩርን 4 ነሃስን ብድምሩ 16 መዳልያታት ረኺባ እያ ቀዳመይቲ ኮይና።
ኤርትራ ኣብ ብሽግለታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እውን ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝፍለጡ ብቑዓት ከም ዝነበርዋ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዝኽተሎ ንስፖርት ዘይምችእ ኣገባብ ካብ ብሽግለታ ወጻኢ ኣብቲ ካልእ ስፖርታዊ ውድድራት ድሕሪት ከም ዝተረፈት ዝፍለጥ እዩ።
ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ 12 ጥቅምቲ 2024 ስሩዕ ኣኼባኡ ከም ዘካየደ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓኢሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ንተሳተፍቲ ”እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ናይ ዝተኻየደ ንጥፈታት ዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ተሳተፍቲ ድማ ኣብቲ ዝቐረበ ዝርዝር መብርሂ ሃናጺ ሓስባት ኣቕሪቦም።
ኣብዚ ብማሐበራዊ መራኸኢ ዙም ዝተኻየደ ናይ 12 ጥቅምቲ 2024 ኣኼባ፡ ናይቲ ምምሕዳር ኣባላት ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ሃገራት እስካንድንቪያን ተሳቲፎም። ኣኼባ ምስቲ ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መሪር ኩነታት፡ ስሩዕ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ብቐጻሊ ንክካየድ ጸዊዑ።
ኣብ መደምደምታ ከኣ ኣብ ዞባና ዝካየድ ዘሎ፡ ኣሰካፊ ምዕባለታት ዝያዳ መግለጽን መብርህን ሰለ ዘድልዮ መሪሕነት ሰልፊ ቆላሕታ ሂቡ ንክሰርሓሉ ተላብዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብመንጽር’ዚ ንጥፈታቱ ከቀላጥፍን ከሕይልን ጸዊዑ።
More...
ጓል 85 ዓመት ዝዕድሚኤን ዝርከበኦም፡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ተኣሲሮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ መንበሪ ገዛ ኣኼባ ዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣመንቲ መሰኻኽር ጀሆቫ፡ ብ27 መስከረም 2024 ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተገፊፎም ከም ዝተኣስሩ ጀይ ዳብሊው ኦርግ (JW.ORG)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እቶም ብፖሊሲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ግዳያት 16 ደቂ ኣንስትዮን 2 ህጽናትን ዝርከብዎም 24 ምዃኖም እውን ተፈሊጡ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ሳልስቲ ናብቲ ኣቐዲሞም ዝኣሰርሉ ገዛ ተመሊሶም ጓል 85 ኣደ ከም ዝኣሰሩ ከኣ ካብቲ መርበብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ መስርሕ እቶም ህጻናት ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግና ማይ ስርዋ ናብ ዝተባህለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም።
ነዚ ብዝምልከት ናይቲ ማሕበር ወሃቢ ቃል ካብ ዓባይ ብሪታንያ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ 10 ልዕሊ 70 ዓመት ዝርከብዎም ሽማግለታት 63 ናይቲ እምነት ኣባላት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዘለዉን ኩሎም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክሲ ከም ዘይተመስረቶምን ኣፍሊጦም።
እዚ ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣመንቲ መሰኻኽር ጀሆቫ፡ ዝፍጸም በደል ናይ ቀረባ ፍጻመ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 25 ጥቅምቲ 1994 ጀሚሩ ብቐጻሊ ክካየድ ዝጸንሐ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ዲክተቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ 1994 ናይቶም ኣመንቲ ኤርትራዊ ዜግነት ከም ዝሰረዘ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽዑቕ ግህሰታትን ዘይፍትሓዊ ማእሰርትን ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ከኣ ኣቃሊዑ።
ሃገር ብዘይ ህዝባ ሃገር ኣይትኸውንን’ያ፡ ህዝቢ እውን ብዘይሃገሩ ክብርን መንነትን ኣይህልዎን። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ምእንቲ ሃገርን ምእንቲ ህዝብን ዝግበር ቃልሲ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እምበር ፈላሊኻ ዘይርአ ዝኸውን። ህዝቢ ንሃገሩ ዝኸፍለላ ግቡኣት ኣለዎ። ብማዕሪኡ ከኣ ካብ ሃገሩ ክረኽቦ ዝግበኦ ዜግነታዊ መሰላት ኣለዎ። ሃገርን ህዝብን ነጻጺልካ ምርኣይ ከምዘይከኣልን ዝምድና ግቡእን መሰልን እውን ከምኡ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይነጻጸል እዩ።
ሃገርን ዜጋን ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ፡ ኣብ ውደባ እውን ኣባልን ዝተሰለፈሉ ትካልን ተመሳሳሊ ዝምድና ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣባላት ተምሳል ውዳበኦም እዮም፡ ውዳበታት እውን መርኣያ ኣባላቶም እዮም ክኾኑ ዝግብኦም። ግቡእን መሰልን ከም ድላይካ ተብዘሖን ወይ ተውሕዶን ዘይኮነ፡ ተመጣጢኑ ንክቕጽል ዘኽእል ዝተስነደ ቀጥዒ ኣለዎ። ብደረጃ ሃገርን ህዝብን ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ካብዚ ነጺልካ ዘይረአ ናይ ዜጋታት ግቡእን መሰልን ኣብቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ዘነጽር ሕገመንግስቲ ከይተረፈ፡ ብዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሰነዳት ዝንጸር እዩ። ብዛዕባ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፍን ኣባላቱን ክለዓል እንከሎ ድማ፡ ኣብቲ ክመሓደርሉ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዘጽድቕዎ መመሓደሪ ሕጎም ግቡእን መሰልን ዓብይ ቦታ ዝሕዙ እዮም። ግቡእን መሰልን ከከም ኩነታት ናይ ሃገራትን ዜጋአንን ናይ ውዳቤታትን ኣባላተንን ክፈላለ ዝኽእል ኮይኑ፡ ዘይስገሩ መሰረታዊ ዘመሳስሉ ነጥብታት ግና ኣለዉዎም።
ዜጋታት ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ነዓኡ መሰረት ገይሮም ንዝወጹ ሕግታት ናይ ምምእዛዝን ናይ ምትግባርን ሓላፍነት ኣለዎም። በቲ ሕግታት መሰረት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ዝግበኦም ምኽፋል’ውን ከምኡ ግቡእ እዩ። እቲ ሕግታት ማዕረማዕረቲ ግቡእ፡ መሰል እውን ዘኽብር እምበር ናብ ግቡእ ጥራይ ዝዛዘወ ክኸውን ኣይግባእን። በቲ ሕጊ መሰረት ዜጋታት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ግቡኦም ንክፍጽሙ ዝመርሕ መንግስቲ፡ መሰሎም ከይጐድል ናይ ምምጥጣን ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ንግቡእ ኣገዲድካ መሰል ምንፋግ ግና ረብሓ ዜጋ ዘየውሕስ፡ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይ ሃገር ሰላምን ልምዓትን’ውን ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ምትእምማን ዘጥፍእ ናይ ሓቢርካ ምቕጻል ሓደጋ እዩ።
ዜጋታት ግቡኦም ዝፍጽምሎም ኣገባባትን ዝሳተፍሎም መዳያትን ብዙሓት እዮም። ወተሃደር ኮይንካ ህልውና ሃገር ምዕቃብ ሓደ ኣገባብ ምፍጻም ግቡእ እዩ። ኣብ መዳይ ልምዓት ተዋፊርካ ቁጠባ ሃገር ምዕባይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት ምሃብን ከለኦትን ዜጋታት ግቡኣቶም ዝፍጽምሎም ዓውድታት እዮም። እዚ ግቡእ ብሃቦ ተረከቦ ዝፍጸም ዘይኮነ፡ ናይቶም ዝዋፈሩ ዜጋታት ኩለ-መዳያዊ ብቕዓት፡ ቅርቡነትን ዝንባለን ኣብ ግምት ምእታው ንዝያዳ ኣድማዕነት ኣድላይ ይኸውን። ኣብዚ እቲ ዜጋታት ግኡኣቶም ንኽፍጽሙ ዘዋፍር፡ ድሌት ውልቀ መራሒ ወይ ጉጅለ ዘይኮነ እቲ ግቡእን መሰልን ዝድንግግ ሕጊ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።
ኣብ መስርሕ፡ ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮምን ናይቲ ዝዋፈርሉ ዕማምን ዓላማን ናይ ምርዳእ፡ ዝምርሕሉ ሕግን ስርዓትን ኣብ ምውሳን፡ ዝመርሖም ኣካል ኣብ ምምራጽ፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ መሰረታዊ ዜግነታዊ መሰላቶም ተርዲኦም ናይ ምዕቃብን ካለኦትን ናይ ምፍላጥን ምርካብን መሰል ኣለዎም። ዜጋታት ብመንጽርቲ ኣብ ምፍጻም ግቡእ ዘርእይዎ ትግሃትን ብቕዓትን በቲ ዝመርሖም መንግስቲ ዝምጥኖም መዓርግ ኮነ ነገራዊ ሓለፋ ዘንጸባርቕ መሰል ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ዜጋታት ብምዃኖም ጥራይ ብውሕዱ ዝሕለወሎም መሰረታዊ መሰላት ኣለዎም። ኣብ ሃገርካ ናይ ምንባርን ናይ ምንቅስቓስን፡ ወረቐት መንነትን ፓስፖርትን ናይ ምውናንን መጽለሊ እትሰርሕሉ መሬት ናይ ምርካብ …… ወዘተ፣ ዝኣመሰሉ መሰላት ክዕቀበሎም ይግባእ። ነዚኣቶም ንክትረክብ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ምዃንካ ተገዲድካ ናይ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን ሰብ መዚ መጣቕዕን መቀባጠር ምዃን ኣየድልን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ንክትነብር እትሕተቶ ግቡኣት ሕጋዊ ደረት ስለዘይብሉ ዝርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣተገባብራኡ ከኣ ግቡእ ምዃኑ ተሪፉስ ናብ ኣገልጋልነት ውልቀ ሰባት ዝቐረበ እዩ። ሃገር ክትከላኸሉ ተባሂሎም፡ ዋኒን ትምህርቶምን ሓዳሮምን ነፊጎም ተገዲዶም ዝወፈሩ ብግብሪ ግና ብዘይክፍሊት ናይ ኣዘዝቶም ኣባይቲ ክሃንጹን ጀራዲኖም ክኹስኩሱን ዝውዕሉ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ባርነት ሓሊፉ፡ ሃገራዊ ግቡኣም ይፍጽሙ ኣለዉ ክበሃሉ ዓገብ እዩ። እቲ ብዝተፈላለዩ ሸፈጣት ኣብ ዘይምልከቶም ውግኣት ዝሃልቅዎ ክውሰኾ እንከሎ ድማ እቲ ዓገብ ዝያዳ ይዓርግ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መሰል ምርካብ እሞ ይጽናሕ ደሃይ ቤተሰቦም ናይ ምፍላጥ መሰል እውን የብሎምን። ካብዚ ብዝገደደ ኤርትራ ብዜግነት ኣብ ሃገርካ ናይ ምቕባር መሰል እውን ብዘየኽብር ጉጅለ እትሳቐ ሲኦል እያ ኮይና ዘላ። እቲ በብሓደ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ መሰል ዝንፈጎ ዘሎ ኣጽኒሕና፡ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ንልዕሊ 11 ዓመታት ተኸዚኑ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምቕባር መሰል ዝተነፍጎ ኣስከሬናት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ።
ከም ናይ ኤርትራ ብዝኣመሰለ መሰላት ዝነፍግ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝምረሓ ሃገራት፡ መራሕተን ነቶም ዜጋታት ሓልዮም ዘይኮኑ፡ ምእንቲ ከገልግልዎም ዝፈቕድሎም ውሱናት መሰላት ኣለዎም። ዝተወሰነ ትምህርትን ጥበብን ንክቐስሙን ኣብ ዝተወሰነ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንክሳተፉን የፍቅድሎም። እዚ ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ብኤርትራ እትውከል ሰሜን ኮርያ’ውን ይረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ጉጅለ ግና ኣደንቊሩ፡ ኣድክዩን ኩሉ መሰላት ከሊኡን ዝገዝእ ሕሉፍ ጨካን እዩ። ምስዚ ኩሉ ኤርትራውያን “ሃገርኩም ኣበይ እዩ?” ክንባሃል እንከለና መልስና ብሓበንን ኩርዓትን “ኤርትራ” ዝብል እዩ። ከምዚ ኢልና ምምላስና፡ ብኤርትራውነትና ክንረኽቦ ዝነበረና ዝተነፍግናዮ መሰል ከምዘሎ ብምዝጋዕ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ጸገም ኣብ ኤርትራውነት ዘይኮነ፡ ኣብቶም ዝመርሕዋ ዘለዉ ዓመጸኛታት ምዃኑ ናይ ምግንዛብና ሓላፍነታዊ መርኣያ እዩ።
ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክርሲያውን ፍትሓውን ብዝብሉ ንተግባሩ ዘይምጥኑ ቅጽላት ተሓቢኡ፡ ንግቡኣት ኣራጒዱ፡ መሰላት ነፊጉ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ’ዩ እሞ፡ ነቲ ብስም ዝመላኽዖ መንነቱ ብሓባር ናይ ምቅላዑ ቃልስና ነሕድስ መልእኽትና እዩ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ቴለፎን ርክብ ካብ 8 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ከም ዝተቛረጸ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ገሊጸን። ተጠቀምቲ እውን ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከምቲ ልሙድ ርክብ ተለፎን ከካይዱ ፈቲኖም ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም። እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ብመነኦም ከም ዝተጀመረ ብወግዒ ዝተገልጸ’ኳ እንተዘየለ፡ ብወገን ኤርትራ ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ።
ርክብ ተለፎን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ’ቲ ካብ 1998 ካሳብ 2000 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ምስ ጸንሐ፡ ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ናይ ሃታሃታ ርክብ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 እዩ ዳግማይ ተኸፊቱ።
ድሕሪ ውግእ ትግራይ፡ ንህግደፍ ብዘየሳተፈ ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ምባሉ፡ ህግደፍ ንምቁራጽ እቲ ውግእ ስለ ዘይደገፎ ርክቦም ክዝሕትል ጀሚሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ዝሕተላ ድማ ብወገን ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከካይዶ ዝጸንሐ በረራ ከም ዘቋረጽ ምስ ኣፍለጠ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ እቲ በረራ ቅድሚቲ ኤርትራ ዝወሰነቶ ናይ ግዜ ገደብ ምስ ኣቋጻረጸት እቲ ፍልልይ እናጐለሐ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ናይ ተለፎን ምቁራጽ ከኣ ናቱ መቐጸልታ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኢንተርኔት ዘይምህላዉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን ምስ ቤተሰቦም ናይ ምርኻብ ጸገም ከጋጥም እዩ።
ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣቶ ግርማ ወ/ጊዮርጊስ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመን ኣንበሳድር ሳህለወርቅ ዘውደን
ንዝሓለፈ 6ተ ዓመታት ፕረሲደንት ፈደራል ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኮይና ክትመርሕ ዝጸንሐት ኣንበሳደር ሳህለውርቅ ዘውደ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2024 ካብ ስልጣና ወሪዳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ብዝጸንሐ ኣንበሳደር ታየ እጽቀስላሴ ተተኪኣ። ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ብሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ን2ይ ዙር 6ተ ዓመታት ክትቅጽል እናኸኣለት ዝወረደትሉ ምኽንያት ከም ዘይተገለጸን ናይ ስንብታ ቃል ከተስምዕ ከም ዘይተፈቕደላ እውን ተፈሊጡ።
ምስታ ፕረሲደንት ነበር፡ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሮም ኣብ ሓላፍነታት ክትቅጽል ከም ዘይኮነት ከናፍሱ ቀንዮም እዮም። ንሳ እውን ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ናይ “x” ሕሳባ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ምስቲ ብዶር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ምቕጻል ከምዘይጠዓማን ብፍላይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ስቕታ መሪጻ ከም ዝቐጸለት ምጥቃሳ ኣዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ብኸምዚ ኣገባብ ዝወረደት ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ዘውደ፡ እቲ ብሕጊ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ዝረኽብዎ ናይ መንበሪ ገዛ፡ መካይን፡ ደሞዝ፡ ሰራሕተኛ ገዛን ናይ ክብሪ ሓለዋን ሓለፋታት ክፍቀደላ ድዩ ኣይፍቀዳን ድሮ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናይቲ ስማዊ ፕረሲደንትነት ግዜኦም ከይኣኸለ ምስቲ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣብ ፖለቲካዊ ብዘይርድዳእ ካብ ሓላፍነቶም ዝወረዱ፡ ነፍሰ-ሄር ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ መሰሎም ምስተነፍጎም ክሳብ ኣብ ቤት ፍርዲ ምኽሳስ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ካብ ግዜ መንግስትነት ኢህወደግ ጀሚሩ ገሊኦም ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ገሊኦም ድማ ብሞት 8 ዓመታት ምሉእ ብፕረሲደንትነት ዝቐጸለ የለን።