ሓዳስ ኣደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቃለ-መሓላ እናፈጸመት

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ኢትዮጵያ፡ ብ19 ታሕሳስ 2023 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ዝቐረበትሉ ሕጽይቲ ኣደመንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ መዝነት ከም ዘጽደቐ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እታ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ካብ ሓላፍነታ ንዝለቐቐት ናይ ቅድም ኣደ ንበር ናይቲ ቦርድ  ወ/ሮ ብቱካን መደቅሳ ንክትክእ ዝተመዘት ወ/ሮ ሜላትወርቅ ሃይሉ ምዃና እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ወ/ሮ ሜላትውርቅ ሃይሉ፡ ልዑል ደረጃ ትምህርትን ሃብታም ናይ ስራሕ ተመኩሮን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቦርድ  ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኮይና ከም ዝሰርሐትን ከኣ ኣብቲ ፓርላማ ተጠቒሱ።

ናብዚ ውጽኢት ንምብጻሕ 8 ኣባላት ዘለዉዋ ሕጹያት ከተጻሪ  ዝቖመት ኣካል ከም ዝነበረት እሞ ቅድም 55 ሕጹያት ኣዳልዩ፡ ደሓር ብምጽራይ ናብ 5 ኣጻርያ ኣብ መወዳእታ ድማ ነዛ መዝነታ ዝጸደቐላን ካኣያን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ከም ዘቕረበትን ኣብቲ መዝነታ ዝጸደቐሉ መስርሕ ተገሊጹ።

እቲ ብወግዒ ዝተገልጸ ምኽንያት ካብ ሓላፍነት ምልቃቕ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ሕማምን ናይ ስራሕ ድኻምን እዩ። እንተኾነ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጉዳይ ዳግመ-ምምዝጋብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከም ዕላዊ ውድብ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለዉ።

ጉዳይ ምርጫ ክለዓል እንከሎ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 32 ዓመታት ዝኾነ ምርጫ ከምዘየካየደትን፡ ህግደፍ ከኣ “ምርጫ ናይ ዲሞክራሲ መግለጺ ኣይኮነን” እናበለ ከም ዘላግጽን ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብዝሒ ኤርትራውያን ይእሰሩ ከም ዘለዉ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቶም ዝእሰሩ መብዛሕቶም፡ ካብ መዘናግዕን መእከብን ቦታታትን ኮይኖም ኣብ ጐደናታት ኣብ ዝግበር ጐርጓር ዝተሓዙ ከም ዘለዉ እውን ተፈሊጡ። ካብቶም ዝእሰሩ፡ መብዛሕትኦም  ናይ መንበሪ ፈቓዶም መዓልቱ ዘሕለፈ ምዃኑ  እውን ተሓቢሩ።

 ኣብዚ እዋንዚ እቲ “እንዳ ኣራ” እናተባህለ ዝጽዋዕ፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ ትካል “ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን”፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት መንበሪ ከሕድሰሎምን ናይ መርዓን ካልእ ሕጋዊ ኣገልግሎትን ክህቦምን ጀሚሩ ከም ዘሎ ከኣ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

በቶም ምንጭታት መሰረት እቲ ማእሰርቲ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ እምበር ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ዝምድና የብሉን ይብሉ። እንተኾነ ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ ኩነታት ስግኣት ስለ ዝሓደሮም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን ይወጹ ከም ዘለዉ ዝሕብሩ ወገናት ከኣ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ መዲትራኒያን ሊቢያ 61 ስደተኛታት ጥሒሎም ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ሮይተርስ ንዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት  ኣይ ኦ ኤም (IOM) ብምጥቃ  ሓቢራ። እቲ ብሮይተርስ ዝተዘርግሐ ዜና ካብቶም ግዳያት ካብ ናጀርያ፡ ጋምቢያን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ከም ዝርከብዎም ክጠቅስ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ምንባሮምን ዘይምንጋሮምን ዝበሎ  የለን።

እታ ስደተኛታት ጽዒና ዙዋራ ካብ እትበሃል ከተማ ሊቢያ ዝነቐለት ጃልባ 86 ሰባት ኣሳፊራ ከም ዝነበረትን ካብኣቶም 25 ከም ዝደሓኑን ካብቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ኣይ ኦ ኤም፡ እቲ እዞም ስደተኛታት ክሰግርሉ ዝፈተኑ መስመር ሓደገኛ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2023 ጥራይ ኣብቲ መስመር ኣስታት 2,200 ሰባት ከም ዝሞቱን እዚ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ከም ዝዛየደን  ኣፍሊጡ። ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት 153 ሺሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብመንገዲ ሊቢያ ኢጣልያ ከም ዝበጽሑ ድማ ተተቒሱ።

ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ  ሰዲህኤ፡ ብ10 ታሕሳስ 2023 ስሩዕ  ኣኼባኣ ከም ዘካየደት ኣደመንበር ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ሓቢራ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ዛዕባ ንጥፈታት ናይታ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ብተናጸልን ብሓባርን ዳህሲሰን ሓፈሻዊ ሚዛን ኣንቢረን።

 ኣባላት ምምሕዳር ናይታ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ፡ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ወ/ሮ ገርጊሽ ነጋሽን ወ/ሮ ገነት ሃብተጊዮርጊስን ኣብ ዞባታት ይግበር ብዛዕባ ዘሎ ናይ ምሕዳስ ጎስጓታትን ዝተወስደ ስጉምትታትን ዝምልከት ጸብጻባት ኣቕሪበን፡ ኣብ ቐጻሊ ክስርሓሉ ምዃኑ ድማ ሓቢረን።

ወ/ሮ ትዕበ ተኬኤ ኣባል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወድባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ፡ ንዳግማይ ምብርባርን ዳህሳስን ብዝምልከት ወጺኡ ዘሎ መደብ ስራሕ፡ ብመገዲ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወድባዊ ጉዳያት፡ ኩሉ ክግበር ዝከኣል ንክስራሕ፡ ብዕቱብ ክትነጥፈሉ ምዃና ሓቢራ።

ብድሕሪ እዚ ኣደ መንበር  ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዩ ሰዲህኤ፡  ወ/ሮ ኣስገድት ምሕረተኣብ፡ በታ ትመርሓ ዘላ ምትእስሳር ዝግበር ዘሎ ስራሕ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ።  ኣብ 3ይ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ዝቐርብ ንምምሕያሽ ውሽጣዊ ቅዋም ዝምልከት ነጥብታት ከኣ ገሊጻ። ወ/ሮ ጸጋሂወት ሓጎስ ተሓዚት ገንዘብ  ፕሮጀክት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዩ ብወገና፡ ጽብጽብ ኣቕሪባ። ኣኼባ ወ/ሮ ሉላ ተስፋዝግን ወ/ሮ ግድይ መሓርን  ንምዕዋት ፕሮጀክት ይወስድኦ ንዘለዋ ኣብነታዊ ንጥፈታት ኣድንቖቱን ሞጎሱን ኣቕሪቡለን።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ብበርገሳዊ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዩ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት  ዝምልከት  ሓፈሻዊ ምይይጥ ኣካይደን። ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕመን ብዝፈቕዶ ምትሕብባር ክገብራ ምዃነን ድማ ተስማሚዐን። ብምቅጻል ይካየድ ንዘሎ መስርሕ ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩለን ኤርትራዊ ዉድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኣብ ዝምልከት ድማ ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ሓርነታዊ ቃልሲ ንምብጻሕ፡ ዘትስፉ ቀዳማይ ስጉምት ስለ ዝኾነ ኣመጒሰን፡ዝያዳ ንኽስስንን ንኽዓብን ከኣ ኩሉ ንኽሰርሓሉ ተማሕጺነን። ኣብ መድምደምታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዋሕስ ሓርነት ህዝብን ሃገርን ስል ዝኾና፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ግቡእ ቦትእን ንክሕዛ፡ እተን ተሳተፍቲ ጻዊዕተን ኣቕሪበን።

.ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ 23 ዓመታት ብ12 ታሕሳስ 2000፡ ብሓገዝ ዓለምለኸ ሕብረተሰብ ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ከም ዝኸታማ  ወሃብ ቃል ክፍሊ ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ናይቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ቀንዲ ሕመረት ምውሓስ ሰላምን ምቛም ናይ ሓብር ዶብ ዝውስን ኮሚሽንን ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

 ኣተሓሒዙ ድማ ኣብቲ ብ2018 ዝተሓደሰ እሞ  ታሪኻዊ ተባሂሉ ዝነበረ ስምምዕ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዝወጸ ኮሚሽን ዶብ ዝወሰኖ ከም ዝኽብረኦን ዘተግብረኦን ቃል ኣትየን  ከም ዝነበራ ጠቒሱ።

እዚ መበል 23 ዓመት ምኽታም ስምዕ ኣልጀርስ ምኽንያት ብምግባር መግለጺ ዘውጸ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ፡ እቲ ስምምዕ መንፈሱ ከይተቐየረ ንክትግበር ዘለዎ ምሉእ ደገፍ እንደጋና ኣነጺሩ። እቲ ስምምዕ ልኡላውነታውን ሓድነታውን መንፈሱ ከይተቐየረ ክትግበር ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ኣድላይን ኣገዳስን ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይቲ ስምምዕ ምትግባር ንዞባዊ ምርግጋእ’ውን ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዝወሰኖ መስረት፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክትግበር ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ ንስሙኳ ንምምስማር ሓሓሊፉ ዘልዕሎ እንተኾነ ንትግባረ ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ቆላሕታ ነፊግዎን ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘምስል መግለጽታት ክህብ ከም ዝጸንሐን  ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ11 ታሕሳስ 2023 ንኣቶ ታየ ደንደኣ ኣደሮ ካብ ዝልጣኑ ኣሰናቢቱዎ። ኣቶ ታየ ደንደኣ ኣባል ናይቲ 250 ኣባላት ዘለዉዎ ማእከላይ ኮሚተ ብልጽግና፡ ኣባል ክልላዊ ቤት ምኽሪ ኦሮሚያን ምክትል ሚኒስተርን፡ ሚኒስተሪ ሰላምን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ በዓል መዚ እዩ።

ታየ ኣብ ኣካይዳ ብልጽግናን ኣመራርሓ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነቐፈታኡ ከንጸባርቕ ዝጸንሐ እዩ። ብፍላይ ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ዝፈሸ ዘተ፡ ናይቲ ፍሽለት ተሓታቲ መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስን እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት መፍትሒ ከምዘየምጽእን ብምጥቃስ፡ ግሁድ ተቓውሞ ምስ ኣስመዐ ኣዛራቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ብዘይካ ምፍላሽ ዘተ ኣብ ታንዛንያ፡ ኣብ ኦሮሚያ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ይወርድ ናይዘሎ ዕንወትን ህልቂትን መንግስቲ ተሓታቲ ምዃኑ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከቃልዕ ዝጸንሐ እዩ።

ኣቶ ታየ ካብ ዝልጣን ወሪድካ ምስተባህለ፡ ናብ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ “ብዛዕባ መደመር ዝጸሓፍካዮን ዝተዛረብካዮን ኣሚነ ስዒበካ እየ። ሎሚ ግና ኣብ ዝተዛረብካዮ ዘይትጸንዕ ጥራይ ዘኮንካ፡ ብደም ሰብ እትጻወት ኣረመንየ ምዃንካ ተገንዚበ ኣለኹ።  ሓቂ መሲሉኒ ኣብቲ ብስም ህልውና ሃገር ክካየድ ዝጸንሐን ካብ ምቅትታል ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ሃገር ዘብረሰ ውግኣት ክስዕበካ  እንከለኹ ክትንእደኒ ጸኒሕካ ኢኻ። ሎሚ ምስተረደኣኒ ናይ ኣሕዋት ምቅትታል ጠጠው ይበል ስለ ዝበልኩ ግና ካብ ስልጣን ኣውሪድካኒ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።

ታየ ደንደኣ ኣብ ግዜ ኢህወደግ ኣባል ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተባሂሉ፡ ንዓመታት ዝተኣስረን  ሓደ ካብቶም ናይቲ ቄሮ ብዝብል ለውጢ ዘምጸአ ሓይሊ መንእሰይ ኦሮሞ መራሕቲ ከም ዝነበረ ዝንገረሉን እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ጅቡቲ፡ ሱዳናውያን ጀነራላት ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ዳጋሎን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ተራኺቦም ብዛዕባ ኣብ ሕድሕዶም ምትእምማን ዝፍጠረሉ ኩነታት ክመያየጡ ቅሩብነቶም ከም ዘርኣዩ ኣፍሊጣ። ብተመሳሳሊ ክልቲኦም ጀነራላት ሱዳን ውግእን ህውከትን ንምቁራጽ ስምምዕ ክኽትሙ ፈቓደኛታት ምዃኖም ካብ ካርቱም ተሓቢሩ።

እዚ ተስፋ ዝህብ ሓበሬታ ዝወጸ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገሌ ብ10 ታሕሳስ 2023 ኣብ ጅቡቲ ዝተጋብአ መበል 41 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ ተኸቲሉ ምዃኑ ተፈሊጡ። ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ መራሕቲ ሱዳን ውእግን ህውከትን ከቋርጹ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሶም፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ተስፋ ህብዚ ሱዳን ኣብ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ኢለምዎ።

ኣብቲ ናይ ኢጋድ ኣኼባ ዝተሳተፉ ጀነራል ኣልብርሃን፡ ዝኾነ ስምምዕ ንምውጻእ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ካብቲ ስቪል ህዝቢ ዝነብርሉ ከባብን ኣባይትን ምውጻእ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ኣስዒቦም ድማ ዝኽተም ስምምዕ ብመሰጋገሪ መድረኽ ኣቢሉ ናብ ብምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዘብጽሕ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ዝህልወሉን ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳን ዝሕለወሉን ክኸውን ከም ዘድሊ ጠቒሶም።

ጀነራል ዳጋሎ ብወገኖም ናብ ኣቦመንበር ኢጋድ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብ ሱዳን ምትእምማን ንምፍጣር፡ ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሃደሙ ናይ ቅድም መራሕቲ ምእሳር ዘጠቓልል ክኸውን ይግበኦ ከም ዝበሉ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሱዳን 15 ዲፕሎማት ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ። እዚ ናይ ሱዳን ስጉምቲ ነቲ ኢመራት ኣቐዲማ 3 ሱዳናውያን ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ክወጹ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ተኸቲሉ ዝመጸ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ይዓርግ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

ጨንፈር ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኖርወይ ብ3 ታሕሳስ 2023 ኣብ ከተማ ኦስሎ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣባላት ጨንፈር ብኣካል ዝተራኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣኼበኛታት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ኩነታት ሰልፍን ጨንፈርን ከምኡ ውን ኣብ ጻዕርታትን ዓወታትን መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ዝተኮረ ዛዕባታት ብቀዳምነት ብመሪሕነት ጨንፈር መብሪሂ ተዋሂቦም ኣስዒቦም ድማ ዓሚቊ ምይይጣ ኣካይዶም።

ኣቦ መንበር ጨንፈርን ኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይቲ ኣኼባ  ዛዕባታት ኣቕሪቡ።

ብምቅጻል ሓላፊ ምጣኔ ሃብታዊ ጉዳያት ጨንፈር ሓው ሙሴ ዓማር ብተቆጻጻሪ ገንዘብ ዝተመስከረ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻባት ሰልፍን ጨንፈርን ኣቕሪቡ፣ ኣብ ጉዕዞ ንዝተራእዩ መሰናኽላትን ድኽመታትን ብምሕባር፡ ኣብ ዝቅጽል ጉዕዞ ቃልሲ ክውገዱን ክእረሙን ከመለዎም ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ክሊዚ ዛዕባዚ ብኣባላት ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ሰልፊ ፖለቲካዊ መደባቱ ብግቡእን ኣብ ምዱብ ግዜን እንዳሰላሰል ንቅድሚት ክስጉም እንተኾይኑ፣ ኣባላት ወርሓዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊታቶም ኣብ ግዝይኡ ክኽፍሉ ከምዘለዎም ናይ ሓባር መረዳእታ ነይሩ። ኣገባብ ምኽፋል ኮነ  ምስ ገንዘባዊ ጉዳያት ዝተሓሐዘ ሕቶታት  ብመሰረት እቲ ቁዋም ሰልፍን መሪሕነት ሰልፊ ዘውጸኦ መምርሕን ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣኼባ ካብ ዝተሰማማዓሎም ጉዳያት ሓደ ነይሩ።

ምስዚ ብተወሳኺ ኣኼባ ንምዕዋት 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ብናይ ገንዘብ ወፈያ እጃሞም ዘበርከቱ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ምስጋናኡን መጎሱን ገሊጹ፡ ተሳትፎኦም ቀጻልነት ክህልዎ እውን ተላብዩ።

ብምቕጻል ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ፡ ናይ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ኣመልኪቱ፡ ጉባኤ ብዓወት ተሰላሲሉ፣ ኣብ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት ሰልፊ እውን ብሓዲሽ ኣቦ መንበሩ እንዳተማእከለ፣ ዳግመ ስስርዕ ገይሩን ዓመታዊ ውጥናቱ ኣጽፊፉን ድሮ ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከምዘሎ ገሊጹ። ንሰብኣዊ ሓይልን ፖለቲካዊ መደባትን ጨንፈር ኣመልኪቱ ድማ ጨንፈር ውሽጣዊ ሰብኣዊ ዓቕማታቱ ኣበራቢሩን ከም ብሓዲሽ ወዲቡን ብምንቅስቃስ ኣብ ከባቢኡ ጽልዋ ብዘሕድር ኣገባብ ክነጥፍ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ብተወሳኺ፡ ኣባላት ጨንፈር ምስ ዝኾነ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ፣ ልኡላውነት፡ ሓድነትን ታሪኽን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዓቂቦም ንስርዓት ህግዲፍ ብምእላይ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ምሕደራ ከተኣታትዉ ምስ ዝቃለሱ ወገናት ኩሎም ሓቢርካ ምስራሕን ናይ ሓባር ግንባር ምፍጠርን ከምዘድሊ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ግዜ መጽናዕትን ልዝብን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2023 ኣብ ዓወት ምብጽሑ ዝተኣወጀ ምሕዝነት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት መርኣያ ምዃኑ ብምጣቃስ፣ ንኣድማዕነቱ ኣብ ደረጃ ጨናፍር እውን ብዕቱብ ክስረሓሉ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ሕቶን ሪኢቶን መድረኽ፡ ክበርሃሎም ዝደለይዎ ሕቶታት ኣቕሪቦም፣ ንዕብየትን ዓወትን ሰልፊ ኢሎም ዝኣመትዎ ሪኢቶታቶም እውን ኣመዝጊቦም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ብርገድ ንሓመዱ ዝስመ ህዝባዊ ማዕበል ዝምድናን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መደባትን ኣለዎዶ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ዘዛረበ ኮይኑ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ነቲ ኣብ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተወስደ መርገጽን መትከልን ምርኲስ ብምግባር፣ ሰዲህኤ ንብርገድ ንሓመዱ ከም ሓደ ኤርትራዊ ማዕበል ጭቁናት ገይሩ ከምዝወስዶን፣ ንምዕዋቱን ንምሕያሉን እውን ኣብ ጎኑ ኮይኑ ክሰርሕን ክተሓባበርን ድሉው ምዃኑ ኣቢሩ። እንተኾነ ብርገድ ንሓመዱ ክሳብ ሎሚ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ምዃን ሓሊፉ ሓደ ትካላዊ ቅርጻን ኣሰራርሓን ዘይወነነ፡ ካብ  ምእላይ ንጨቋንን መላኽን ስርዓት ህግዲፍ ሓሊፉ  እንታይ ዓይነት ሃገራዊ መደባት ከምዘለውዎ ዘየነጸረ ብምዃኑ፣ ሰልፍና ነዚ ዕሸል ግና ከኣ  ሓያል ሃገራዊ ምንቅስቓስ፣ ከይኩለፍን ከይዕንቀፍን ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝሰርሕ ኣብሪሁ።

ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ፡  ኣብ ጨናፍር ወሪዱ መሰረታት ከበራብርን ከሕይልን ናይ ኣባል መንነት  ኣብ ምሃብን  ምሕዳስን ዝረአ  ምድንጓያት ከይህሉ ዝብልን ከምኡ ዝኣመሰሉን ለበዋታት ናብ  መሪሕነት ሰልፊ ኣቕሪቡ።  

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ማይክ ሃመር ካብ 7 ክሳብ 17 ታሕሳስ 2023 ናብ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኳታርን ከም ዝበጽሕ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ማይክ ሃመር ኣብዚ መገሻኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ክመያየጥ እዩ። 

 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ውግእ ብሰላም  ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኩነታት ከም ዝዘራረብ ተፈሊጡ። ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ብመሰረት ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ናይቶም ዕጥቂ ዘረክቡ ምጥያስን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣተገባብራ መሰጋገሪ ፍትሕን ምውጋድ ናይ ጽልኢ መደረታት ኣብ ኢትዮጵያን ከም ዝመያየጥ ተሓቢሩ፡

ኣብ ጅቡቲ  ኣብቲ መራሕቲ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ብጉዳይ ሱዳን ዘካይድዎ መበል 41 ፍሉይ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ነቲ ሽግር ብሰላም ኣብ ምፍታሕን ብቐጻሊ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረሉን ፍትሕን ተሓታትነትን ዝነግሰሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዞባውን ዓለም ለኻውን ደገፍ ከም ዝገብር ተሓቢሩ።

ኣብ ኳተር ኣብ ዝዳሎ ፎረም ከም ዝሳተፉን ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ብዛዕባ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያትን  ከምኡ እውን ብዛዕባ ሱዳንን ርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝዘራረቡ እቲ መግለጺ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ።

ሓሙስ 7 ታሕሳስ 2023 መሪሕነት ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጡ።

  • ንጥፈታት ምትእስሳር ምምዛን
  • ናይ ምትእስሳር ጉባኤ ዝግበረሉ ግዜ ምውሳን
  • ኣሰራርሓ ዘማዕብል ሓድሽ ኣብ ቅዋም ምትእስሳር ክተኣታቶ ዘለዎ ሓሳባት ምድህሳስ

ንጥፈታት ምትእስሳር ብግቡእ መዚኑ። ቤት-ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ንምሕጋዝ ዝተገብረ ጻዕርታትን ክሳብ ሕጂ ዝተበርክርተ ሓገዛትን ኣመጒሱ። በቲ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓድሕድን ንሱ ዘስዓቦ ዘይቅሱን ኩነታትን ቤት-ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ዝያዳ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣኼባ ተገንዚቡ። ኣብ ስደት ዘለዉ ደቅና ኣብ ርእሲ ምስዳዶም ክድንቁሩ የብሎምን ካብ ዝብል መትከላዊ እምነትና ተበጊሱ  ሕጂ’ውን ዝከኣል ሓገዝ ከበርክት ኣኼባ ወሲኑ።

ክሳብ ሕጂ ብደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ካብ ህዝቢ ዝተወፈየን ካብ ሽያጥ ኣቕሑት ዝተኣከበ ገንዘብን ኣተሓሕዝኡን ጸብጻብ ቀሪቡ። መሪሕነት ምትእስሳር ንዝቐረበ ጸብጻብ ገንዘብ ጽፉፍ ምንብባሩ ብምልኣት ተሰማሚዑሉ።

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ኣብ 14 ሕዳር ናይ 2020 ጉባኤ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ’ውን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ጉባኤ ክካየድ ወሲኑ።

ሕሉፍ ተመኩሮና ድሕሪ ምምዛን ስራሕና ብጽፉፍ ንምክያድ ዉሽጣዊት ተቆጻጻሪት ወይ ኦዲተር ከምተድልየና ኣኼባ መዚኑ።

ኣኼባ ብህዱእ መንንፈስን ምክብባርን ተደምዲሙ።

                               

ሓለፍቲ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣሕዋት ገረዝግሄር ተወልደ ኣመበርን እስማዒል ገበይታ ሓላፊ ዜናን ምስ ተለቪዥ ኤሪሳት መደብ “ዛዕባታትና” ርክብ ኣካይዶም። ኣብዚ ብቋንቋ ትግርኛን ዓረበኛን ዝሃብዎ መርሂ፡ ፖሓኤ ኣቚመን ዘለዋ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ስሃግኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ምዃነን ጠቒሶም።

ፖሓኤ ንምምስራት ቅድሚ 4 ዓመታት ብተበግሶ ነፍስሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ብናጻ ውሳነ ናይተን ዝሳተፋ ዝነበራ ውድባት ዝተመስረተ እምበር፡ ከምቲ ገለ ወገናት ዝልዎ፡ ድሕሪኡ ናይ ዝኾነ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ኢድ ከምዘይነረ ብሰፊሑ ኣብሪሆም። ምስዚ ምትሕሓዝ ድማ ምምስራት ፖሓኤ መበገሲ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ንኹሎም ሓይልታት ኤርትራ ዘሳትፍ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ምዃኑ ኣረዲኦም።

እቶም ኣሕዋት እቲ መሰጋገሪ ኣካል ናብ ዝሰፍሐ ጽላል ዘሰጋግር ምዃኑ ምስ ገለጹ ክሳብ ኣብኡ ዝብጻሕ  ኣብ ዝተወሰኑ ከም ዲፕሎማሲያዊ፡ ዜናውን ህዝባውን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ጠቒሶም። ካብዚ ሓሊፉ እቲ መስርሕ ምምስራት ዘገምታዊ ምንባሩውን ኣይሓብኡን። እተኾነ ሳላቲ ዝተገረ ጻዕሪ፡ ኣብዚ እዋንዚ ውድባት ካብ ሕድሕድ ምጽልላምን ምጽራርን ድሒነን ምህላወን ከም ሓደ ኣውንታዊ ናይቲ ምቅርራብ ኣንፈት ጠቒሰምዎ።

ኣብዚ መብርሂኦም እቲ ብገለ ናይ ማሕበራዊ መድያታት፡ ፖሓኤ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓፋር ብዛዕባዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺበን ተባሂሉ ዝተወርየ ሓሶትን መሰረት ዘየብሉን ምዃኑ ኣብሪሆም። ብፍላይ ኣብቲ መድያ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብዝብል ስሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ሓው እስማዒል ገበይታ፡ እቲ ዝተባህለ ሓሶት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዘይስምዖም ኣካላት ዝተነዝሐ ምዃኑ ብምጥቃስ ሰፊሕ መብርሂ ሂብሉ።

ፖሓኤ ዝተመስረተሎም ነጥብታት ብዝምልከት ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ድማ፡ ሰፊሕ ዝርዝር ኣብ ዘየብሉ፡ “ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፡ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን”  ዝብሉ ዘጠቓልል ምዃኑ ጠቒሶም። 

ኣብ መወዳእታ ከኣ ብሓፈሻ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ፡ ብፍላይ ከኣ መቃለሲ ጽላል ኣብ ምምስራት ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዘለዎም ዓቕሚ ክጽዕቱ፡ ከምኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ሓባር ድምጺ ኣንጻር ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ ዓገብ ንክብል መጸዋዕታኦም ኣቕሪቦም።

Page 8 of 136