ስርዓት ህግደፍ ኩሎም “ዑቑር ሰራዊት” ዝብሎም ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ክኸቱ ብመንገዲ ምምሕዳራዊ መሓውሩ ከም ዝጸውዖም ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት እቲ መጸዋዕታ ካብ 14 መስከረም 2022 ከም ዝተተግበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ብዘይእዉጅ ናብ ግንባራት ዝተወስዱ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣባልነት ዕቑር ሰራዊት ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ንዘለዎም ዘጠቓልል እዩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ብምህላዉን ዜጋታት ኣብ ጐደናታት ከይተረፈ ናይ መንነት ወረቐት ከርእዩ ይድገዱ ስለ ዘለዉን ኣብ ህዝቢ ዓቢይ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሕዲሩ ከም ዘሎ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቶም ኣባላት ዕቑራት ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ግላዊ ጉዳዮም ዝጸንሑ ዝምልከት ኮይኑ፡ እቶም ኣብ መንግስታዊ ኣካላት ዘለዉ ግና “ትሑዛት እዮም” ብዝብል ኣብዚ ናይ ሕጂ ዙርያ ከምዘይተጸውዑ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ እሞ ምምሕዳር ህግደፍ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሙ ዝሳተፈሉ ዘሎ ውግእ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኤርትራ ኢድ ምእታዋ ጥራይ ዘይኮነ ገዚፍ ሰራዊትን ኣጽዋርን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብባሕርን ብኣየርን ብቐጻሊ ናብ ኤርትራ ይጐዓዝ ከም ዘሎ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣሻቒልዎ ዘሎ ኩነታት እዩ’።
ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለያ ኣህጉራውን ዓለምለኻው ኣካላት፡ ግደ ኤርትራ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ምግዳዱ ስለ ዝኾነ፡ ሰራዊታ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ይጽውዓን የጠንቅቓን ኣለዋ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ደማ ጉዳዮም ብሰላማዊ መንገዲ ከይፈትሑ ይዕንቅፍዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ፡ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ምዃኑ ብምግላጽ ህግደፍ ኢዱን እግሩን ክእክበሎም ይምሕጸኑ ኣለዉ። ምምሕዳር ህግደፍ ግና ነቲ ደቁ ኣብ መሬት ትግራይ ዝሃልቁ ዘለዉ ህዝቢ ኤርትራኳ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኤርትራዊት ኣትሌት ራሄል ዳኔል፡ ብ11 መስከረም 2022 ኣብ ኮሎምቢያ ከተማ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ከም ዝተዓወተት ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።
ራሄል ዳኔል ነዚ ናይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቀት ወዲኣ ቀዳመይቲ ክትከውን ዝወሰደላ ግዜ 23 ደቓይቕን 23 ካለኢትን ምዃኑን ካለኣይትን ሳልሰይትን ኮነን ዝኣተዋ ኬንያውያን ተወዳደርታ ከኣ ሞኒካ ንጊገን ቬረኒካ ንያሩዋን ምዃነን ተፈሊጡ።
ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ኣትሌት ራሄል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2022 እውን፡ ኣብ ኔዘር ላንድስ ኣብዚ ናይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቀት ብኤርትራዊት ኣትሌት ወይኒ ቀላቲ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ-ወሰን ኣመሓይሻ ብ30 ደቓይቕ 39 ካልኢት ብምእታው ሃገራዊ ክብረ-ወሰን ከም ዝዓተረት እቲ ዜና ስፖርት ሓቢሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንሰላማዊ መፍትሒ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ኣብ ክልሉ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዘተ ንምፍታሕ የኽእል ዝበሎ መግለጺ ብ11 መስከረም 2022 ኣውጺኡ። ኣብቲ ብመንገዲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ድምጺ ጥይት ዘይሰምዓሉ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣድላይ ዘበለ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ቀረብን ዘይስእነሉ ኩነታት ክፍጠርን ተዛማዲ ሕሰማትን ስቓይን ክውገደሉን ጽኑዕ እምነቱ ምዃኑ ኣስፊሩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ዘተኣማምን መስርሕ ሰላም ክቕጽል ከም ዝድግፍ ጠቒሱ፡ ሓባራዊ ህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክካየድን በዚ ኣቢልካ ምቹእ ናይ ዘተ ሰላም ኩነታት ንምፍጠርን ብወገን ክልል ትግራይ ቅሩብነት ከምዘሎ ሓቢሩ። ምሉእ ብምሉእ ነቲ ጸገም ብሰላም ናብ ምፍታሑ ክብጻሕ ደጋጊሙ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ በይናዊ መግለጺ ምውጻእ ቀንዲ ዕላማ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ምርግጋጽ ምኹኑ ድማ ኣስፊሩ።
መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ “ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ውጽኢታዊ መስርሕ ንጽበ ኢና” ምስ በለ፡ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ርእሲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ተቐባልነት ዝረኸቡ ኣዛተይቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ኣብ ምህናጽን ዝተበጽሓ ስምምዓት ኣብ ምትግብራርን ዝሕግዙ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ከም ዝህልዉ ሓቢሩ። ኣብ ምውህሃድ እቲ መስርሕ ዝሕግዙ ኣማኸርቲ ከም ዝህልዉ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ቀጻሊ፡ መፍትሒ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝመጽእ ንተኣማመን ኢና እውን ኢሉ።
ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ቀጺሉ ዘሎ ናብ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጻሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዘሎ ጸገም ብፖለቲካዊ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ናብ ምፍታሕ ከም ዝብጻሕ ኣስፊሩ። ክልል ትግራይ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳአን ብእባልነት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ኣዳልዩ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።
ብወገን ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ መግለጺ የለን። እንተኾነ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይቅድመ ኩነታት ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ ክገልጽ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘውጸኦ መግለጺ ነዚ ናይ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘይቅድመ ኩነት ብኣላይነት ሕብረ ኣፍሪቃ ክዛተ ድልዊ ምዃኑ ደጊፍዎ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንመርገጽ ክልል ትግራይ ደጊፉ፡ ከምቲ ልሙድ ንሓድነት ኢትዮጵያ ከም ዝከላኸል ኣነጺሩ። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ነዚ ናይ ክልል ትግራይ መገልጺ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኤርትራን ካለኦት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘጋድዱ ወገናትን ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገን ክልል ትግራይኳ ተቐውሞ የጋጥሞም እንተሃለወ፡ ዕድመ ሓላፍነት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወዲ 85 ዓመት፡ ናይ ቅድም መራሒ ናጀርያ ኦሊሰጎ ኦባሳንጆ ከም ዘናወሐ ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ኣቦመንበር ሙሳ ፋቒ መሃማት ከም ዝሓበሩ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር ኣፍሊጣ።
ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ ነዚ ዘፍለጡ ኣቐዲሞም ምስቶም ፍሉይ ልኡኽ ተዘራሪቦም ብ10 መስከረም 2022 ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ምዃኑ ተፈሊጡ። ሙሳ ፋቒ ኣብቲ መግለጺኦም ሕጂ እውን ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎም ጠቒሶም።
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝገብርዎ ልዝብ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ሓላፍነቶም፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከካይድዎ ንዝጸንሑ ስረሓት ንኢዶም። ኣብ መጻኢ ድማ ምስ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣካላት እናተሓባበሩ ስረሖም ክቕጽሉ ከም ዘተባብዕዎም እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናጀርያዊ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሕ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብተደጋጋሚ ክመላለሱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እውን እቲ ጉዕዞ ሰላም ዘገምታዊ ኮይኑ፡ ናይ ምዕዋት ዕድል ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮ። እንተኾነ ከምቲ ትጽቢቶም ኣይኮነን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብፍላይ ብወገን ትግራይ ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ኮነ ኣብቲ ዝመዘዞም ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከም ዘየብሉ ክገልጽን ናብ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘዳልዉ ክኸሶምን ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ብወገን ክልል ትግራይ እቲ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ኣብ ክንዲ ብፍሉይ ልኡኽ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓላፍነቶም ብምርጫ ንዝተዓወቱ ብዘረከቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር እሁሩ ከኒያታ ክምራሕ እሞ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ዓረብ ኢመረትን ድማ ክሳተፍዎ መጸዋዕታ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብሰላም ክፍታሕ ዝነበሮ ተስፋ ተኾሊፉ፡ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ይቕጽል ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ከምቲ ቀደሙ ብብዙሕ ኩርነዓት ብምሉእ ዓቕሙ ተሳትፎኡ ኣብቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ። ምስዚ ግና ሕጂ እውን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ናይ ምቅርራብ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ኣሚሪካ ኮነ፡ በቶም ኣብቲ ሓያል ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ አየለን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ8 መስከረም 2022 ብደቂ ኣንስትዮ ዝተወደበን ንሰላም ዝጽውዕን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዘቤታዊ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያውያን ነቲ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ብሰላም ክፍታሕ ዝጠልብን ተበግሶታት ተወሳኺ ዓቕሚ ከም ዝኸውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደባ ኢትዮጵያውያን ትካላት፡ መርበብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ እስትራተጅያዊ ተበግሶ ደቂ ኣንስትዮ ቅርኒ ኣፍሪቃን ቲምራን ዝተባህለት ማሕበርን እየን። እዚ በዘን 3ተ ናሕበራት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድላይነት ሰላም፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ብሰንኪ ውግእ ዝኽተል ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዘንጸባርቑ ጭረሓኦታት ሒዙ ከም ዝወጸ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ካብቲ ጭረሖታት “ ብውግእ ዝፍታሕ ዘይምርድዳእ የለን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓውዲ ውግእ ኣይኮናን፡ ውግእ መሳርሒ ዕቤት ዘይኮነ፡ ጠንቂ ጥሜት፡ ስደትን ዕንወትን እዩ” ዝብሉ ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መጸዋዕታ ሰላም፡ ምስቲ 35 ኢትዮጵያውያን ሲቪል ማሕበራት ብ7 መስከረም 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣክይደን ብዘውጸአኦ መግለጺ ዘቕረበኦ ተመሳሳሊ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ካለኣይ ተበግሶ እዩ። እተን 35 ሲቪል ማሕበራት ብደረጃ ኣኼባ ኣብ ዘንጸባረቐኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሰላም ንክሰፍን ውግእ ጠጠው ክብል፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሩ ዘሎ መሰረታዊ ቀረባት ናብ ንቡር ክምለስን ኣብቲ ዓሌታዊ ውግኣት ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ዝብሉ ህጹጻት ጠለባት ተንጸባሪቖም እዮም።
እዚ ተበግሶታት ሰላም ኢትዮጵያውያን ዝረአ ዘሎ፡ ነቲ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጠጠው ኣቢልካ ናብ መስርሕ ሰላም ንምእታው፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃን ካለኦት ዲፕሎማትን ምስ ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ጽዑቕ ርክባት የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዩ።
ኣቦ-መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንዝፈጸመቶ ገበን ብወግዒ ይቕረታ ክትሓታ ብ6 መስከረም 2022 ከም ዝጸውዑ ሬድዮ ድባንጋ/ DBANGA ኣቃሊሓ። እቶም ጀነራል ኣብዚ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ብምክትል ፕረሲደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰዳን ጀነራል መሓመድ ሀመቲ ዳጋሎ ዝእዘዝ ሓይልታት ህጹጽ ረዲአትን ሕድሕዶም ክዋግኡ እዮም ዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሮም።
እቶም ጀነራል ነዚ ዝገለጹ መበል 124 ዓመት ዝኽሪ ኣብ መንጎ ሱዳናዊ ሓይልታት ማህድን ሰራዊት ዓባይ ብሪታንያን ዝተኻየደ ውግእ ካራሪ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዃኑ እታ ዘይመንግስታዊ ሬድዮ ሓቢራ። ኣል ቡርሃን ንናይ ሽዑ ተግባር ብሪታንያ፡ ዘሕትትን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ገብንን እዩ ኢለሞ። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ እዋንቲ “ሓይልታት ብሪታይን፡ ድሕሪቲ ውግእ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ቀጻሊ ቅትለትን ማሕረድትን እዮም ፈጺሞም” ክብሉ ገሊጸሞ። እቲ ተግባር ማዕረ ህልቂትን ምጽናት ዘርእን ከም ዝረአ ድማ ኣብቲ መደረኦም ገሊጾም። ውግእ ካረሪ ብ2 መስከረም 1898 ካብ ከተማ እምዱርማን ንወገን ሰሜን ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ እዩ።
ብ2008 በቶም ሎሚ ካብ ስልጣን ወሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ንዝፈጸመኦ ጨፍጫፍ ይቕረታ ክሓታን ሽዑ ዝሰረቐኦ ንብረት ከመልሳን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ብውገን ዓባይ ብሪታንያ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መልሲ የለን።
መኣዛ መሓመድን ጐበዘ ሲሳይን ዝተባህሉ ኣብ ዘይመንግስታዊ መድያታት ዝነጥፉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ ብ7 መስከረም 2022 ከም ዝተኣስሩ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። መኣዛ መሓመድ ጋዜጠኛን ኣመሓዳሪትን “ሮሃ መዲያ” ዝተባህለ ማዕከን ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽሮ ሜዳ ኣብ ዝተባህለ ዕዳጋ ከም ዝተኣስረት ኢትዮጵያን ኢንሳኢደር/ETHIOPIAN INSIDER፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ክትእሰር እንከላ ምስኣ ዝነበረት መሓዛኣን መሳርሕታን ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ እቶም ዝኣሰርዋ ናይ ቤት ፍርዲ መእዘዚ ወረቐት ዘይነበሮም ኣባላት ፈደራት ፖሊስ እዮም።
እዛ ኣብ ኣየናይ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተኣስረት ዘይተፈልጠት፡ መኣዛ መሓመድ ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ ንሳልሳይ ግዜ እያ ተኣሲራ። መኣዛ ዝተኣስረትሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባኳ እንተዘይተገልጸ፡ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ዝተመዛበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ኣዘራሪባ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ቦታ ዝካየደ ዘሎ ዓሌታዊ ምቅትታል ከመይ ከም ዝመስል ዘርኢ ሰፊሕ መደብ ኣውጺኣ ስለ ዘቃለዐት ምዃና ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ወገናት ገሊጾም።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ጐበዘ ሲሳስይ፡ ህዝቢ ሰሜን ወሎ “ነዓና ብልጽግናን ሓይልታት ትግራይን ኩሎም ሓደ እዮም” ከም ዝበለ ዝሕብር መደብ ስለ ዘቕረበ እዩ። ብዘይካዚ ጐበዘ ሲሳይ ናይ ወሎ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ኣብ ግዜ ውግእ ብድሕሪኡ ብሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝውቃዕ ስለ ዘቃለዐ እዩ ተኣሲሩ ዝብሉ እውን ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ 9 ጋዜጠኛታት ብምእሳር፡ ብደረጃ ዓለም 3ይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፡ ቻይና 50፡ ግብጺ 25 ኤርትራ ድማ 16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቅድሚኣ ዝስረዓ ምዃነን ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ይሕብር።
ምስክርነት ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝነበሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝነበሩ፡ ስተቨ ዎከር “እቲ ሕሱም ወጻዒ ምሳና ኣሎ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብ5 መስከረም 2022 ዘኣትላንቲክ/THE ATLANTIC ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘስፈርዎ ሓተታ፡ “ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብኣሰንባዲ ደረጃ ዝገሃሰላ ሃገር እያ” ዝብል ምስክርነቶም ኣሕዲሶም።
እቶም ኣንበሳድር ኣብ 2019 ናብ ኤርትራ ምስተመደቡ፡ በቲ ብቕዲ ኢጣልያ ዝተቐርጸ ህንጻታትን ኩነታት ኣየርን ኣስመራ ተመሲጦም ከም ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ፖለቲካዊ ኰነታት ኤርትራ ምስ ተረድኡ ዘሰንብድ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣብቲ ጽሑፎም ኣስፊሮም።
እቶም ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ተቓውሞን ዘይፍቀዳ፡ ናይ ፕረስ ናጽነት ዘየብላ፡ ዜጋታታ ደረትን ግሉጽነትን ናብ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ክኣትዉ ዝግደዱላ፡ ምርጫ ዝበሃል ዘይረኣየት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባ ቀጻሊ ጃምላዊ መእሰርቲ ዝካየዳን ብሰንኪዚ ኣብ ሽቑርርታ ዝነብርን ሃገር እያ ዝብል ዝርዝር ምስክርነቶም ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ዘኣትላንቲክ ዝወጸ ጽሑፎም ኣስፊሮም።
እቶም ኣንበሳደር ኣብቲ ሓተታኦም “ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ ሕሱም ምልኪ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ኣሎ” ምስ በሉ፡ ንህዝባ ዘየርብሕ ክነሱ፡ “ስለምንታይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን ተሰሊፋ?” ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ቤላሩስ፡ ሶርያን ሰሜን ኮርያን ኣንጻር ዩክረይን ክስለፋ እነለዋ ምናልባት ዝረኽበኦ ረብሓ ይህልወን ምስ በሉ፡ ናይ ኤርትራ ምኽንያት ግና ካብ ምድጋፍ ምልካዊ ምምሕዳር ዝነቅል እዩ ኢሎም።
ስተቨ ዎከር፡ ናይ ሓደ ሰልፊ በሓቲ ምምሕዳር፡ ብመሰረቱ ኣዕናዊ እዩ ምስ በሉ፡ ብሰንክዚ ፖለቲካዊ በሓትነት ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ኮነ ካብ ሃገሮም ናብ ወጻኢ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት ዘየብሎም ምዃኖም መርኣያ ምልክን ዕብለላን እዩ ኢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኤርትራ ብድሕረትን ስእነትን ቁጠባ እትሰቐዮ ዘላ ከይኣኽላ፡ ዜጋታታ ብገዛእ ገንዘቦም ካብ ባንክ ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከውኡ ዘይክእሉላ፡ ብኢንተርኔት ዝተሓገዘ ዘመናዊ ናይ ባንክ ኣጠቓቕማ ዘየተኣታተወት፡ ሃገር እያ ኢለሙዋ።
ኣብ ኤርትራ ዝምደቡ ኣንበሳድራት ከካብ ሃገሮም ሒዘምዎ ዝመጹ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕግዝ መደባት ምትግባሩ ከምዘይክእሉ ጠቒሶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓታት ንዝኣመሰሉ ምምሕዳራት ብኹሎም ወገናት ክምከቱን ክቃልዑን ከም ዝግባእ ኣብቲ ንህልዊ ኩነታት ዝምልከት ትንተናኦም ኣስፊሮም።
ኣንበሳደር ስተቨን ወከር ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርሉ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም፡ ናብ ሲንፖዚየም ኤሪሳት 2022፡ ብዘመሓላለፍዊ ሰፊሕ መልእኽቲ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ብምቅላዕ ኣገዳሲ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ብዙሓት ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ምሰረት ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዛዕባ’ ዞም ዝተወሰኑ ዛዕባታት እዚ ዝስዕብ መብርሂ ይህብ።
1) ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት መደባት ፈስትቫላት ምምሕዳር ህግደፍ ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምፍሻሎም ዘበስሩ ስርሒታት ክንከታተል ቀኒና። እዚ ተረኽቦታት ብዙሕ ፖለቲካዊ ትርጉማት ዘለዎ እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ ብዘይተጸብዮ ኣገባብ ብህዝባዊ ናዕቢ ይሰዓር ከምዘሎ ሓደ ካብቲ ትርጉማቱ እዩ። ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ከኣ ወጽዓ ህግደፍ ዝመረሮም መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሐ በደላት ከም ዝተቖጥዑ እሞ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ከምዘይምለሱ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እተን ነቲ ጽልኢ ናይ ምንዛሕ፡ ተቓውሞ ኤርትራ ናይ ምንእኣስን ካብ ህዝቡ ናይ ምንጻልን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድኻምን መደባት ህግደፍ ዝፈሸለለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተገንዚበን ደጊም ክቕጽል ከም ዘይግበኦ ከም ዝዓገባን ኣብ ምውጋዱ ከም ዝተሓባበራን ቅሩብነተን ዘርኣያሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ።
ስለዚ ሰዲህኤ፡ ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ ክቕጽል ዘተባብዕን ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጸዋዒትና ነቕርብ።
2) ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ውግእ ኢድ ብምእታዉ፡ ብብዙሓት ወገናት ክኹነን ከም ዝጸንሐ ይዝከር። እቲ ኩነኔን ካብቲ ዝኣተዎ ንክወጽእ ዝቐርብ መሕጽንታታትን መጠንቀቕታን ሎሚ እውን ብብዙሓት ወገናት ብቐጻሊ ይቐርቦ ኣሎ። እንተኾነ ህግደፍ መሊሱ የግድዶ ኣሎ እምበር፡ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ሓዲርዎ ንድሕሪት ኣይበለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻሕታሪ ተግባሩ ዝመሃር፡ ሎሚ እውን ዘራይ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንሃገርና ኣራግጽ ናይቲ ናብ ትግራይ ዝወፍር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገብራ ኣሎ።
ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ብ21 ሕዳር 2020፡ “ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ኣትዩ ንልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን ኣብ መሬትና ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ንጽውዕ። …… ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። …… ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ዝብሎ መርገጹ፡ ሎሚ እውን ህያው ምዃኑ ብምርግጋጽ የሕድሶ ኣሎ።
3) ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በደል ካብ ዘውርደሎም መንገድታት ሓደ ብተኸታታሊ ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ኣፈላላይ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታው እዩ። እዚ ብቐጻሊ ዝካየድ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ተግባር ሎሚ ድማ ኣዝዩ ብዝኸፈአ ደረጃ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ዝመረሮ ህዝቢ መኸታኡ የልዕል ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ናይዚ እዋንዚ ግፋ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሰ-ጾራት፡ ኣደ ቆልዑን ኣካለ ጐደሎን ከይተረፈ፡ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ሓደ መርኣያኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ስድራቤት ናይቶም ሃዲኑ ዘይረኸቦም ንዓቕመ ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሑ፡ ዝወስዶ ዘሎ ጭካነ እዩ።
ስለዚ ሰዲህኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጨካን ተግባራት ህግደፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጻቱ የወግዞ። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዝወርዶ ዘሎ መዘና ዘየብሉ በደላት፡ መሊሱ ክሓንን እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ቃልሱ ከምዘይበኩር ዘለዎ እምነት ጽኑዕ ምዃኑ የረጋግጽ። ህግደፍ ካብዚ ዘገብሮ ዘሎ ክቑጠብ፡ ኩሎም ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ተጽዕነኦም ከሕይሉ ይጽውዕ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!
ፈጻሚ ሽማግለ
5 መስከረም 2022
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክትወጽእ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጹን ካብ 4 ክሳብ 15 መስከረም 2022 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየሪ ብወገነን ኣሜሪካ ንናይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ከም እትኹንን ምግላጸን መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተራኺቦም እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም ዘተ ንክጅመር ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣሜሪካ ከም ዘቕርቡ ተፈሊጡ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መግስትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ባእታታትን ተራኺቦም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጸሉ ብዛዕባ ዝኽእል መንግዲ ከም ዝዛራረቡ ተሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልኡላውነትን ክሕለው ከም እትደሊ ተመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ወሃቢት ቃል ኣተሓሒዘን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ከብልን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ወጻኢ ዘካይድዎ ውግእ ከቋርጹን ጸዊዐን።
ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪታንያ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክትወጽእ፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘሎ ቦታታት ክስሕብን ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቕጽልን ተማሕጺነን።
More...
ማሕበር መማህራንን ጥምረት ሲቪል ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ: ውግእ ጠጠው ክብል ጸዊዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ብ1 መስከረም 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ካብ ዝባራዕ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ንክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ብዘይካ ድኽነት፡ ምርሕሓቕን ታሪኻዊ ተሓታትነትን ካልእ ፋይዳ ከምዘይህልዎ በቲ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ ።
.ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ከም ሓድሽ ዝጀመረ ሓደገኛ ውግእ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። እቲ ጥምረት እቲ ውግእ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘኸትል በቲ መገልጺ ሓቢሩ።
ክልቲኡ ማሕበራት ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአትን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብዘይዕንቅፋት ዝቕጽለሉ ኩነታት ክፍጠር ተማሕጺኖም። ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ብቐጻሊ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበራትን ጻዕሪ ከካይዱ ብፍላይ ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ማሕበር መምሃራን ናይ ሰላም መጸዋዕታ ደጊምዎ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቱርክ፡ ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ወገናትን እውን በብዝምልከቶም ኣካላቶም ኣቢሎም ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክእተው ተደጋጋሚ መጸዋዕታ የቕርቡ ኣለዉ።
ነዚ ብ24 ነሃሰ 2022 ከም እንደጋና ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “መን ጀመሮ?” ኣብ ዝብል፡ ዝካሰስሉ ዘለዉ እዩ።
ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንመጀመርያ ግዜ ብናጽነት ኣብ 27 ነሃሰ 2022 መሪሕነቱ ከም ዝመረጸ ዝተፈላለያ መዲያታት ናይታ ሃገር ሓቢረን። ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ካለኦት በርገሳዊ ማሕበራት ተጸጊዑ ዝሰርሕ ብኣባልነት ደገፍቲ መንግስቲ ጥራይ ዝሓቁፍ ማሕበር ከም ዝነበረ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እቲ ተመስሪቱ መሪሕነቱ ዝመረጸ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ መሰል ኣባላቱ ኣብ ምሕላው ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብታ ብተደጋጋሚ ብወተሃደራት ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረስ ንዝፍጠር ተጽዕኖን ጸቕጥን እውን ክቃለሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ 1164 ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ኣብ ሮይተርስ ንዝሰርሕ ኣቡ እድሪስ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣቦመንበሩ ንክኸውን ከም ዝመረጾ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ጌና ምስ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ዝደናገጹ ዝተባህሉ ነባራት ጋዜጠኛታት፡ እቲ ናይ ቅድም ማሕበር ከይፈረሰ ኣብ ልዕሊኡ ካልእ ማሕበር ክምስረት የብሉን ብዝብል ንመስርሕ እቲ ምርጫ ጠጠው ከብልዎ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ ተጣበቕቲ ማሕበራዊ መሰላትን ናይቲ ምርጫ ተዓዘብትን እቲ መስርሕ ምርጫ ናጻን ርትዓውን ብምንባሩ ስለ ዝደገፍዎ ከም ዘይተዓናቐፈ ተፈሊጡ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብ ብሕታዊ መድያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ዝሳተፍዎ ማሕበር ክምስረት እቲ ማሕበር ኮነ እቲ ናይ ግሊመድያ ከም ዘየለዉ ዝዝከር እዩ።
ጋዜጣዊ መግለጺ መበል 11፡ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
Written by ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ27 ነሓሰ 2022 መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብሰፊሑ ዝዳህሰሶም እሞ ብፈጻሚ ሽማግለ ንክትግበሩ መምርሒ ዝሃበሎም እዋናዊ ዛዕባታት ብደቂቕ ተመያይጡ። ኣብዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ፡ ውሳነታት ወሲኑ፡ ናይ ኣተገባብራ ዝርዝር ስኢሉ።
1) ሰልፋዊ ዓቕሚ ንምሕያልን ተሳትፎ ኣባላት ንምዝያዳን መሰረት ብምግባር ተተሊሙ ኣብ ቀረባ ግዜ ክትግበር ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ሰልፋዊ ሰሚናር ዝዕወተሉ ኣገባብን ዝካየደሉ ግዜን ወሲኑ። ከምኡ ከኣ ኣባላት ዝሳተፍሉ መንገዲን ዘድሊ ቀረባትን ብዝምልከት ዳህሲሱ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣባላት ሰልፊ መጻኢ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንምዕዋት፡ ከምቲ ዝተለምደ ክሳትፍሉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ ንኣሰራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምልከት ተወሳኺ መምርሒታት ኣውጺኡ።
2) ብሓፈሻ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ዘገምታዊ ጉዕዞ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ኣብ ዝምልከት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ቀጻሊ ግደ ሰዲህኤ እንታይን ብኸመይን ክኸውን ከም ዝግበኦ፡ ንሚዛን ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ መሰረት ብምግባር፡ ክሳብ ንካእባዊ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት፡ ውድባትን ካልኦት ናይ ለውጢ ባእታታትን ምድህሳስ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣሰራርሓ ሓንጺጹ።
3) መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ንዝተዳህሰሰ ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዓመተ- 2021-2022 ጸብጻባትን ካለኦት እውናዊ ጉዳያትን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ 2022-2023 ዓመታዊ ትልምታት ተመያይጡ ኣጽዲቑ።
4) ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝፈሽል ዘሎ ዳንኬራ ፈስቲቫላት ህግደፍ እውን ብሰፊሑ ተመያይጡ ሚዛኑ ኣንቢሩ። ኣብቲ ምይይጡ ህግደፍ ነቲ ፈስቲቫላት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዝጥምት፡ ናብ ደገ ጥራይ ክርኢ ዝጥቀመሉ መህደሚ ምዃኑ መዚኑ፡ በዚ መሰረት ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ድማ ግዳይ ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንመደባት ህግደፍ ብሕጋዊ ኣገባባት ረቲዖም ከፍሽልዎ ምብቀዖም፡ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ናብ ፍሉይ መድረኽ ከም ዝኣተወ ዘረድእ ምዃኑ ተረዲኡ። ንኹሎም እቶም ነዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኣመጒሱ፡ ቃልሶም ክቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ። ናይተን ቃልሲ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ፍትሓውነት ተገንዚበን ነቲ ፈስቲቫላት ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ዝወሰዳ ሃገራት ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን ኣመስጊኑ ምትሕብባሮም ቀጻሊ ክኸውን ድማ ጸዊዑ።
5) ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣሻቓሊ ከም ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ዳግማይ ተረዲኡ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓፋር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ተወሲኽዎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተገንዚቡ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሻቓሊ ምዃኑ መዚኑ። ኣብ ሱዳንን ጅቡትን ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ከምኡ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ተገንዚቡ። በዚ መሰረት ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ፍሉይ ምክትታል ክግበረሉ ወሲኑ። ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።
ብዘይካዚ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ውሳነታት ወሲኑ። መጽናዕቲ የድልዮም ንዝበሎም ጉዳያት ዝከታተሉ ሽማግለታት‘ውን መዚዙ።
ኣባላት ሰልፊ ናይ ክሳብ ሒጂ ቅሩብነቶም፡ ተወፋይነቶምን ተሳትፎኦምን ንኢዱ ኣብ መጻኢ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ካብ ናይ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ ንወጸሉ ዘለና መድረኽ ኣበርክተኦም ኣብ ኩሉ መዳያት ብተዓጻጻፊ ከዛይዱ ጸዊዑ።
“ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!”
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
27 ነሓሰ 2022
ዩኒሰፍ፡ ኣብ መቐለ ህጻናትን ሲቪልን ንዝተጐድእሉ ደብዳብ ነፈርቲ ኮኒኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፈጻሚ ዳይረክተር ዩኒሰፍ፡ ካተሪን ሩሰል፡ እቲ ዝመርሐኦ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ብ26 ነሃሰ 2022 ንዝተፈጸመ; ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ከም ዝኹንኖ ብዘውጸአኦ መግለጺ ኣፍሊጠን። ኣተሓሒዘን ድማ ኩሎም ወገናት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣካላት ብህጹጽ ኣብ ሰላማዊ ዘተ ንክኣትዉ ከም ዝጸውዓ፡ እቲ ኣብ መርበብ ዩኒሰፍ ዝመወጸ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መውዓሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ሓያሎ ህጽናት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ኣስፊሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተሉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና በቲ ደብዳብ 3 ህጻናት ዝርከብዎም 17 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 30 ከም ዝቖሰሉን ዝገልጽ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።
እተን ዳይረክተር በቲ መገለጺአን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መመሊሱ ይዓርግ ብዘሎ ጥሕሰታት ህጻናት ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ሓቢረን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2ተ ዓመታት ግዜ ህጻናትን ወለዶምን እቶም ዝኸበደ ዋጋ ዝኸፈሉ ምዃኖም ምስ ጠቐሳ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር እቲ ናዚ ዘብጸሐ ውግኣት ጠጠው ንክብል ጸዊዐን።
ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሚኒስተር መንግስታዊ መራኸቢታት ዶ/ር ለገሰ ትሉ ብወገኖም ነቲ በቲ ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ደብዳብ ተኻይዱ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ጉድኣት ኣውሪዱ ዝብል ዜና ነጺጎም፡ ብኣንጻሩ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከሲሰምዎ።
እዚ ደብዳብ ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን መን ከም ዝጀመሮ ዘሰሓሓቦም ዘሎ ውግእ፡ ከም ሓድሽ ብ25 ነሃሰ 2022 ድሕሪ ምብርዑ ምዃኑ ይዝከር።