ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መፋርቕ ናይ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ምስተመቓቐልዋ፡ ኤርትራ ብጽሒት ግዝኣት ጣልያን ኮይና። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበሪ ከተምኡን መወንጨፊቱን ገይሩ መስረታ። ነዚ ዝገበሮ ብዋጋ ናይቶም ደቀባት ጉልበት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሕርሻ መሬቶም መንዚዑ ጉልበቶም ምዝሚዙ ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉ ግዙኣቱ ብምግባር ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሮ  ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ኣይረዓሞን። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጠኑን መልክዓቱን ዝፈላለ ይኹንምበር ተቓውሞ ኣርእዩ እዩ።

ድሕሪ መወዳእታ 2ይ ውግእ ዓለም ስዕረት ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ወገን ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡  ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝጸንሓ ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ምስ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተረጋገጸን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ ብወገዒ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ናጽነቱ ንምውሓስ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ካልእ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል”  ምርጫታት ቀረበሉ። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ፖለቲካውን መኸተ ንናጽነት፡ ካልእ ኣገባብ ተኸቲሉ ቃልሱ ክቕጽል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ከኣ ብ1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ንኤርትራ ልክዕ ከምተን ኣብቲ እዋንቲ ናጽነተን ዘውሓሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግባራ ዝዓለመ ነይሩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት   ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ጠሃ መሓመድ ኑር፡ ሰይድ መሓመድ ሑሴን፡ እድሪስ ዑስማን ገላዴዎስ፡ ሰይድ ኣሕመድ መሓመድ፡ መሓመድ ሳልሕ ሑመድ፡ ሱሌማን መሓመድ ኣሕመድ፡ ኣደም መሓመድ ዓልን ሑመድ ሰይድ ኣንታታን ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃ ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ገለ ወገናት ዝብልዎ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉርዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝኾነ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ሃብታም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ’ውን  ቀጺሉ።

እቲ ብኸምዚ ዝሃብተመ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን መግዛእታዊ ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓውትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት እውን ንኤርትራ መን ይምረሓያ ብዘየገድስ እቲ መግዛእታዊ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ክሳብ ዘይተወገደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ክቕጽል ግድን ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚ ን60 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ንዝጀመሩ ሓርበኛታትና ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገርና ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ምምላስ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ዘይተኸፍለ ዕዳ ዘብሎም ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ንተካኢና ወለዶ ከነረክብ ባህርያዊ ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ ድማ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” እንብለሉ ስራሕ ዝዓመምና ክንከውን ይግበኣና።  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ዕለት፡ መንእሰይ ወለዶ ተኸኣኢሉ፡ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተረዲኡ ብሓባር ዝቃለሰሉ ባህሊ ከነውርሶ  ግበኣና። ከምዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ግና እቲ ዝትከኣና ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ታሪኽ እውን ክተሓሳሰበና እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ26 ነሃሰ 2021 ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ን8ይ ግዜኡ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መእተዊ  እቲ ኣኼባ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ተረኺቦም ብዛዕባቲ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቦም። ንሶም ኣብቲ መብርሂኦም እቲ ኩነታት ኣሰካፍን ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮን ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣገንዚቦም።

እቲ ኣኼባ ኣብቲ ብኽፉት ዝተኻየደ ቀጻማይ ክፋሉ ኣንበሳድራት ናይተን ኣባል ሃገራት ነናይ ሃገሮም መርገጽ ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዖም። ብሓፈሻ ክረኣይ እኝከሎ ሩስያ፡ ቻይና፡ ህንድን ኬንያን ዝመሳሰል ዝተፈልየ ርኢቶ ነይርወን። እተን ኣሜሪካ፡ ኣየርላንድ፡ ዓባይ ብሪታንያን ፈርንሳይን ዝርከበአን ካለኦት ሃገራት ከኣ ተመሳሳሊ ርኢቶ ኣንጸባሪቐን። ኣንበሳድራት ናይ ኩለን ሃገራት ካብ ዘይተፈላለያሎም፡  ነጥብታት፡ ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ክኣትዉ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ብህጹጽን ብቐጻልን ናብ ዝምልከቶም  ክቐርብ ኮሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክተሓባበሩ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጽእ ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብዚ ጉዳይዚ ነቲ ዘተ ንክሕግዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወሲንዎ ዘሎ “ፈጣሪ ራዕዲ” ዝብል ከልዕሎ ዘዘኻኸሩ ሓሳባት እውን ነይሮም።

ኣብ ግደ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት  ንምፍታሕ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ግና ኣብቲ ኣኽኤባ  ፍልልያት ይንጸባረቕ ነይሩ።  ኣሜሪካ ዘላቶ ወገን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኢዱ ከእቱ ዝብል ዝንባለ ክንጸባርቕ እንከሎል፡  በቲ ሓደ ወገን ከኣ እንተኾነ ኢትዮጵያ ባዕላ ክትፈትሖ ትኽእል እያ፡  ካብዚ ሓሊፉ  ብደረጃ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኣመሰሉ ዞባዊ ትካላት ክፍታሕ ይግበኦ  ዝብል ርኢቶ  ዓብላሊ  ነይሩ። ኦባሳንጆ ነዚ ጉዳይዚ ክከታተሉ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኖም ምምዛዞም  ከኣ ዳርጋ ብኹሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣንበሳድራት ቅቡል ነይሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ ትግራይ ወጺኡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑን ኣኸቲልዎ ዘሎ ተወሳኺ ናይ ንጹሃት ምምዝባል ንኹሎም ዘሰከፎም ነይሩ።  በዚ መሰረት ከኣ ከምቲ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ፍሉይ፡ ሓይልን መሊሻን ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽእ ዝግበኦ፡ ሰራዊት ትግራይ እውን ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽእ ናይ መብዛሕቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ መጸዋዕታ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ 11 ጨንፈራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጨንፈር ስዊዘርላንድ፡ ብዕለት 21 ነሓሰ 2021 ኣብ ውሽጢ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ-ስፍራ (Milchbuck Park) ዕዉት ጉባኤኡ ኣካይዱ። “ኣጆና! ድኽመታትና ንስዓር!!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማን ዕላማን እተጋብኤ ጉባኤ ጨንፈር፡ ኣብ ምጅማር ስራሓቱ እዋናዊ ሓበረታታት ብኣባላት ጨንፈር ዝኾኑ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ተዋሂብዎ። ብጾት ወልደሱስ ዓማርን፡ ዮውሃንስ ወረደን ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ሰልፊን፡ ደንበ ተቓውሞን፣ ዘይርጉእ ሓፈሻዊ ኲነታት ኤርትራን፣ እቲ ኣሻቓሊ ዝኾነ ምዕባሌታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ነጥብታት ኣልዒሎም ኣብሪሆም። እቲ ንሰዲህኤ ዝመርሕ 40 ዝኣባላቱ ማእከላይ ባይቶ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼብኡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ነሓሰ ከም ዘካየደን፡ ኣገዳሲ ጸብጻባትን ውሳኔታትን ከም ዘጽደቐን እውን ሓቢሮም።

ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሑ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት ከኣ፡ እዚ ብዝሒ መንእሰይ ዝርከቦ ሰሜናዊ ከባቢ ስዊዘርላንድ፡ ብሰዲኤን ብኹሉ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞን ዝያዳ  ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘሎዎ ባይታ ቃልሲ ምዃኑ እናሓበሩ፡ ተሳትፎ መንእሰይ ዝስሕብ ሜላታት ብኹሉ ሸነኻት የድሊ ከም ዘሎ ኣስሚሮምሉ። ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊስ፡ መንእሰይ ኣባላት ኣብ ብዙሕ ካንቶናት ዝነበርዎ ክንሱ፡ ንጡፍ ተሳትፎ ዘርእዩ ዘሎዉ ግን ኣብ 4-5 ካንቶናት ጥራይ ዝርከቡ ምዃኖም ኣሰካፊ ኢዩ ኢሎም። ስለዝኾነ ከኣ፡ ቀንዲ ኣካታዕን  ኣዛራብን ኣጀንዳ ጉባኤ ናይ መጻኢ መደባት ጨንፈር ምስራዕ ነበረ።

ንመንእሰይ ኣባላት ብቐጻሊ ምንቕቓሕን፡ ኩሉ ኣባል ግቡኡ ብጊዜዩ ከም ዘማልእ ምግባርን ንዕብየት ጨንፈር ሓጋዚ ምዃኑ ዕበት ጉባኤ ነይሩ። ኲሎም ግቡኦም ዘየማልኡ ኣባላት እውን ነቲ ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድል ተጠቒሞም ግቡኦም ኣማሊኦም። ሓገዝ ኣብ ጸገማት ሱዳን ንዝርከቡ ተቓለስቲ ዝኸውን ወፈያ እውን ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ 500 ፍራንክ ስዊስ (ከባቢ 540 ዶላር) ተኣኪቡ ብሓላፊ ናይ ጨንፈር ውደባ ኣቢሉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክመሓላለፍ ተወሲኑ።  

ኣብ መደምደምታ ናይ’ዚ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ዝያዳን ብኣካል ተራኺብካ ኣብ ክፉት መናፈሲ ቦታ እተገብረ ጉብኤ፡ ንጨንፈር እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለን ተቘጻጻሪን ብምሉእ ድምጺ ጉባኤኛታት ተመሪጾም።

Suisse 2021 2

ንሳቶም ከኣ ዳዊት ኣብርሃም፡ ኣቦ መንበር፣ ተስፋጋብር ገብረ፡ ናይ ርክብን ስርዒት ሓላፊ፣ ዓውተና ገብረዝጊ፡ ተሓዝ ገንዘብ፣ መሓሪ ዓማር ተቘጻጻሪ ኢዮም። ከምኡ’ውን ምስ መሪሕነት ጨንፈር ብቐረባ እናተራኸቡ ንጒዳይ መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝከታተሉ፡ ብጾት ሃብተኣብ ገብረሚካኤልን፡ ለተኣብ ተወልደን ተመዚዞም።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብሌነ ስዩም ብ20 ነሃሰ 2021 ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 መደብ ሃገራዊ ዘተ ከም እትሰርዕ ሓቢረን ክብል ብሉምበርግ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ብሌነ ስዩም ከም ዝገለጸኦ ዕላማ ናይቲ ሃገራዊ ዘተ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንህድኣት ዓንቂፉ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ  እዩ።

ብሌነ ስዩም እቲ ሃገራዊ ዘተ ዝካየደሉ መርሓ-መንግዲ ኣብ መወድእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ከም ዝግለጽን ድሕሪኡ ነቲ መስርሕ ዘተ ዝምልከት ኣካይዳ ቅርጻ ከም ዝወጸሉን ሓቢረን። ምስዚ ኣተሓሒዘን ከኣ እቲ ዝካየድ ዘተ ኣካል ናይቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መስርሕ ምትዕርራይ ምዃኑ ጠቒሰን። ምስዚ ግና ኣብዚ ሃገራዊ ዘተ መነመን ከም ዝሳተፉ ኣይገለጻን።

ብኻልእ ወገን ከኣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ብ19 ነሃሰ 2021፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት)፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ግጭት ንምቁራጽ ንክዛተዩ ጸዊዖም። እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብዚ መጸዋዕታኦም፡ “እዚ ግዜዚ ኩሎም ኣካላት ኣገዳስነት ሓድነትን ህድኣትን  ኢትዮጵያ ንምዕቃብ፡ እቲ መንግዲ ውግእ ከምዘይኮነ ክርድእሉ ዝግበኦም ግዜ እዩ”  ኢሎም። ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ርግኣትን ንህድኣት እቲ ኢትዮጵያ እትርከበሉ ዞባን ኪነኡን ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። ኣብ ርእሲዚ ወኪል እቶም ዋና ጸሓፊ፡ ማርቲን ግሪፊዝ ብዛዕባቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንምዝርራብ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መራሒ ህወሓት ከም ዘዛራረብዎም እቲ ካብ ብሉምበርግ ዝተረኽበ ዜና ኣረዲኡ። 

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወገና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ዝርከበሉ መንገዲ ንምርካብ  ትጽዕር ከም ዘላ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። በዚ መሰረት ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ባይደን ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ጀፈር ፈልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ብዛዕባ ዝፍጠረሉ ኩነታት ንምዝርራብ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሶም። ሓላፊት ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ብወገነን ናብ ኢትዮጵያ ሓደ ግዜ ዑዳት ኣካይደን።

እዚ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ላዕልን ታሕትን ዝበሃል ዘሎ፡  ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ሓያል ውግእ ይካየድ ኣብ ዘለወሉ እዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ውግእ ከኣ፡ ሚልዮናት ዜጋታት ኣደዳ ጥሜት ዝኾንሉ፡ ካብ ሃገሮም ዝተሰደድሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መረበቶም ዝተመዛበልሉ፡ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ዓሌታዊ ናዕብታት ይፍጠርን ኣብ ዘለወሉን  ዝተፈላለዩ ኣካላት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናይ መሰል ርእሰ ውሳነ ሕቶታት ኣብ የቕርብሉ ኣብ  ዘለዉሉን ግዜ ምዃኑ እውን ኣብቲ ናይ ማዕከን  ብሉምበር ዜና ተጠቒሱ።   

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ መጀመርታኡ ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ጠንቂ፡ ፖለቲካውን ሕገመንግስታው ዘይምትእምማን ስለ ዝኾነ፡ መፍትሒኡ ተቐራሪብካ ምዝታይ ምዃኑ ደጋጊሙ ክምሕጸን ከም ዝጸንሐ ኣይዝንጋዕን።

ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ንክፍታሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ፡ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ከኣ ብዋሕስ ተፈቲሖም። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉጅለ ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ዳዊት ይስሃቅ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐን ምስ ጠበቓ ኮነ ካልእ ቀረብ ርክብ ከምዘይነበሮን ጠቒሶም ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍታሕ ከም ዝተማሕጸኑ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ኣተሓሒዞም ከኣ ብዛዕባ ህላወ ዳዊት ስግኣት ስለ ዝሓደሮም መንግስቲ ኤርትራ እዚ ጋዜጠኛ ብህይወት ምህላዉን ዘይምህላዉን መረጋገጺ ንክህብ ሓቲተምዎ።

ዳዊት ይስሃቅ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ባህጊ ስለ ዝነበሮ ኣብ ተስዓታት ካብ ስዊድን ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ መስሪቱ ድምጺ ህዝቢ ክኸውን ጀሚሩ ዝነበረ እዩ። ደሓር ግና መንግስቲ ህግደፍ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ ብ2001 ለውጢ ንምዕጋት ኣብ ዝወሰዶ ወፈራ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ክኣስር እንከሎ ዳዊት ሓደ ካብቶም ግዳያት እዩ። ዳዊት ዝተኣስረ በቶም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝተላእከሉ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብ ጋዜጣኡ ምስ ኣውጸአ ከም ዝኾነ ኣብቲ ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት ብቢቢሲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ተጠቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ ንጉዳይ ዳዊት ብዝምልከት፡ ቤተሰቡ፡ መንግስቲ ስወድንን ዝተፈላለዩ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላትን ዳዊትን ብጾቱን ብናጻ ክፍትሑ ወይ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ምስ ቤተሰቦምን ጠበቓታቶምን ንከራኽቦ ንመንግስቲ ህግደፍ ክምሕጸንዎ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ሓድሽ መጸዋዕታ ዘቕረቡ፡ ነቲ ተሓላቒ ጉጅለ ዝወከሉ ክልተ ስዊድናውያን ጠበቓታት ኮይኖም እቶም ሓደ  ናይ ሰላም ኖበል ተዓዋቲ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሰንክዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ እቶም ኣርባዕተ ብ17 ነሃሰ 2021 ተፈቲሖም። እዞም ነፍሲ ወከፎም ብናይ 5 ሺሕ ብር ዋሕስ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት፡ ያየሰው ሽመልስን ኣበበ ባዩን ካብ ኢትዮ-ፈሮም፡ በቃሉ ኣላምረውን ፋኑኤል ክንፉን ከኣ ካብ ኣውሎ ሚድያ እዮም። እዘን ክልተ ናይ ዩቱብ ሚዲያታት፡ ኢትዮ-ፎረምን ኣውሎ ሚድያን ብዛዕባዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት፡ ርትዓዊ ሚዛን ዘለዎ ትንተና ብምሃብ ተፈላጥነት ረኺበን ዝነበራ እየን። ኣቐድም ኣቢሉ እውን  ተኣሲሮም ዝነበሩ 12 ሰራሕተኛታት ሚድያ ኣውሎ ሚድያ ከም ዝተፈትሑ ዝዝከር እዩ።

ማእከል ኤርትራ ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ “ማእከል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ” ዝተባህለ ኣካል ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ክልተ ኤርትራውያን ካብ ሃገር ግብጺ ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዎም ኣሎ። እዞም ኣብ ግብጺ ዑቕባ ዝሓተቱ፡ እሞ ናይታ ሃገር ኢሚግራሸን ናብ ኤርትራ ክመልሶም መዲቡ ዘሎ ኤርትራውያን፡ ኣለም ተስፋይ ኣብርሃምን ክብሮም ኣድሓኖም ዝተባህሉ ብቕደም ሰዓብ ካብ 2012ን 2014ን ጀሚሮም ኣብ ግብጺ ኣልኳናተር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ዘለዉ እዮም። እዞም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም መነባብሮ ዝተሰዱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ብዘይወዓልዎ ገበን ኣደዳ ስቓይን መከራን ኮይኖም ዝጸንሑ እዮም።

እቲ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ ኤርትራን ግብጽን ነዞም ሰባት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብምጥሓ እየን ክመልሰኦም መዲበን ዘለዋ። ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምምሕዳር ነዞም ግዳያት ብ8 ነሃሰ 2021 ናብ ቤት ጽሕፈት ኢምግረሽን ናይታ ሃገር ከም ዝወሰዶምን  ኣብኡ ንዝጸሑ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ብዛዕባ ምምላስ ናይዞም ግዳያት ናብ ኤርትራ ከም ዝሓበርዎምን እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

መበል 13 ዓንቀጽ ኣድማሳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰል “ዝኾነ ሰብ፡  ናጻ ናይ ምንቅስቓስ  መሰል ኣለዎ”ን  “ዝኾነ ሰብ   ካብ ዝኾነ ሃገር እንተላይ ካብ ሃገሩ ናይ ምውጻእ”ን መሰላት ኣለዎን ዝብሉ  ድንጋገታት ዝሓዘ እዩ። ግብጺ ናይቲ ብ1951 ዝተበጽሐ ንስደተኛታት ዝምልከት ናይ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ውዕል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ኣካል እያ። ብመንጽርዚ ውዕላት ነዞም ኤርትራውያን ግዳያት፡ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ዜጋታት ምዃኖም ብዘየገድስ መሰልን ድሕነትን ምሕላው  ግዴተኣ ክኸውን ምተገበአ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ናይታ ሃገር ናይ 2014 ሕገመንግስቲ ኣብ ዓንቀጽ 91 ሰፊሩ ዘሎ  ንመሰል ዝምልከት ዓንቀጽ እውን ኣብ መሰል ዝኾነ ሰብ ከተተግብሮ ነይርዋ።

ኣድሓኖምን ተስፋይን ኣብቲ ክሳብ ሕጂ እውን ዘይተቛረጸ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ኮኑ ደቂ ኣንስትዮ ክሓልፍዎ ዝግደድሉ  ናይ ግዱድ ዕስክርና ባርነት ተሳቲፎም እዮም። ስለዚ ኣካል ናይቶም ካብዚ ወፍሪ ባርነት ዝሃድሙ ኤርትራውያን እዮም።

ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ብምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ምሕታት ገበን እዩ። ስለዚ እዞም ክልተ ግዳያት ናብ ኤርትራ እንተደኣ ተመሊሶም፡ ዝጽበዮም ሓደጋ  ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ብዘይፈቓድ ህግደፍ ካብታ ሃገር ዝወጸ ዜጋ ከም ከዳዕን ገበነኛን እዩ ዝቑጸር። ካብዚ ንምድሓን ከኣ “ናይ ጣዕሳ” ዝበሃል ቀጥዒ ምምላእን ካልእ ስጉምትታትን ክትወስድ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ “ማእከል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ”  መንግስቲ ግብጺ ኣብ ክንዲ ኣገዲዱ ናብ ኤርትራ ምምላሶም፡ እዞም ዝስዕቡ ዝጉምትታት ንኽወስድ ከም ዝተማሕጸነ፡ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 ነዞም ግዳያት ናብ ኤርትራ ክመልሶም ዘለዎ መደብ ክትስርዝ፡ ኣብ ክንድኡ ብዘይውዓል ሕደር ክትፈትሖም፡ ግዝያዊ ውሑስ ኩነታት ክፈጥረሎም፡ ብመሰረት  እቶም ኣቐዲሞም  ዝተጠቐሱ ውዕላትን ስምምዓትን  ኩሉ መሰላቶም ከም ዝተሓለወ ከረጋግጽንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ንጉዳዮም ቆላሕታ ሂቡ ኣብ ውሑስ ሃገር ንከዕቁቦምን ንክሓትት ንመንግስቲ ግብጺ ተማሕጺንዎ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7፡ 8ን 15ን ነሓሰ 2021 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን ኣገደስትን ዛዕባታት ዓሚቕ ዘተ ኣካይዱ ውሳኔታት እውን ኣመሓላሊፉ። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ፥ ነዚ ኣኼባ ክኸፍት እንከሎ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ጠቒሱ ብመንጽርዚ ሓላፍነት ናይዚ ኣብ ተሃዋሲ እዋን ዝተኻየደ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ኣኼባ ዝዛተየሎም ዛዕባታት ኣቕሪቡ፥ ማእከላይ ባይቶ ከኣ፡ ኣጽዲቕዎ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ መጀመርታ ነቶም ኣቐዲሞም ናብ ኣባላቱ ተዘጊሖም ዝጸንሑ ንድፊ ጸብጻባት፡ ናይ 9ተ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ገንዘብን (ኦዲተር) በብሓደ እናተመያየጠን ኣድለይቲ ኢዮም ዝበሎም ምምሕያሻት እናገበረን ድሕሪ ምኻድ፡ ነቲ ጸብጻባት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ። 

ማእከላይ ባይቶ ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስትን እዋናውያንን ዛዕባታት ፍሉይ ግምት ብምሃብ ዘትዩን ውሳነታት  እሕሊፉን።

1) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝጸንሐ ዓቕምታት ኣባላቱ ናይ ምምዕባል መደባት ኣተባቢዑ።  ህዝባዊ ስፍሓትን ኣድማዕነትን ንምብራኽ ከኣ ብዝሓየለ ደረጃ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣኼባ ወሲኑ።

2) መስርሕ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ደረጃ ከም ዝርከብን ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጻዕርን ዘጋጠሙ ብድሆታትን፥ ከምኡ’ውን ግደ ሰዲህኤ ይኹን መሓዙት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብቲ መስርሕ ብዕምቆት ተዛሪብሉ። እቲ መስርሕ ኣብ ተስፋ ዝህብ ደረጃ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣብ ዞባና ተኸሲቱ ብዘሎ ግዜ ዘይህብ ምዕባሌታት፡ ማእከላይ ባይቶ ህጹጽ ስጉምትታት ክውሰድ ዝግባእ ምዃኑ ተገንዚቡ። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምቅርራብ ማዕረ ድሌትን ትጽቢትን ህዝብና ክብ ንምባሉ ከኣ፡ ዝያዳ ዕቱብን ንቑሕን ተሳትፎ ከምዝሓትት ኣስሚርሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ድማ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ውድባትን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ባይቶ ይኣክልን ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ሓቢሮም ዝዋስእሉ ሰፊሕ  መድረኽ  ኣብ ምፍጣር ንኽጽዕት፡ ማእከላይ ባይቶ ንፈጻሚ ሽማግለ መምርሒ ሂቡ።  

3) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ብሓፈሻ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ድማ ብፍላይ ዝረአ ዘሎ ውዑይ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን ጽዕጹዕ ውግኣትን ተመያይጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ውግእ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንኪ ዝተኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድና፡ ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ዝሃልቅሉ ዘለዉ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንረብሓኡ ዘየገልግልን ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ብምሽራኽን፡ እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ብትሪ ክቃወሞን  ኣብ ጎኒ እቶም ንሓርነቱን ንፍትሒን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታቱ ደው ክብልን ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ።

ማእከላይ ባይቶ፥ ካብ ፖሊሲታትን መትከላት ሃገራዊ ልዑላውነትን ጣልቃ ዘይምእታውን ሰዲህኤ ተበጊሱ ነቲ ብጉዳይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዝንጸባረቕ ዘሎ  ክልተ ተጻራሪ ጫፋት ዝሓዘ መርገጻት እውን ዳህሲሱ። ካብ’ዚ ነቒሉ እቶም ኣብ ልዕሊ  ኤርትራውያን ስደተኛታትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን  ክዅነኑ  ከምዝግባእ ርእዩ።   ኣብዚ ውግእ’ዚ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት፡ ብሻራ ዘይብሉ ኣካል ክምርመሩን ገበነኛታት ድማ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ብዕቱብነት ክሰርሕሉ እውን ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምግታእ ገደብ ዘይብሉ ናይ ረዲአት ስርሓት ክካየድን ኣገልግሎታት ክጅመርን ጸዊዑ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግኣት ደው ንምባል፡ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺሩ። 

4) ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ውግእ ተኸቲሉ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገማትን ግህሰታትን ርእዩ። እቲ ጸገም ጌና ሕጂ እውን ከም ዘይተወገደን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣደዳ ሞት፡ ጥሜት፥ምጭዋይ፡ ምስዋርን ምብራስ ንብረቶምን ይኾኑ ብምህላዎም ኣኼባ ክብ ዝበለ ሻቕሎት ከምዘለዎ ኣመዝጊቡ። ካብዚ ነቒሉ ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ንድሕነት እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሰርሑ ዕዙዝ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ጉዳይዚ ዝተፈጸመ ገበን ተጻርዩ በቲ ተግባር ዝሕተቱ ኣካላት ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ድማ ተማሕጺኑ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብቲ ዘጽደቖ ጸብጻባትን ፍሉይ ግምት ሂቡ ዝተመያየጠሉ ኣገደስቲ ጉዳያትን ተመርኲሱ፡ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ መጻኢ ሓደ ዓመት ትልመን ክሕንጽጻ እንከለዋ ከተኩራሎም ዝግበአን ኣቕጣጫታት ኣመላኺቱ።

ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ርእዩን ዘድሊ ውሳነታት ኣሕሊፉን።  ከምኡ እውን ክጽንዑ ንዝግበኦም ጉዳያት ዝከታተላ ሽማግለታት ኣቚሙ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለን ተቖጻጻርን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ፡ ከበርክትዎ ዝጸንሑ ንዋታውን ንያታውን ሓገዛት እናመጐሰ ኣብ መጻኢ እውን ንምዕዋት መትከላቱ  ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።  ነቲ ሰላምን ራህዋን ዝብህግ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ  በቲ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ወጽዓ  ህግዲፍ  ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከይተሓለለ ክቕጽሎ ኣኼባ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፥ ዓለም ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል መስራቲ ጉባኤኡ ብዓወት ምዝዛሙ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ንኣካለ ጽጉማንን ንዘበርከቶ ሓገዛት መጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣኼባ ነቶም ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ሓገዝ ከበርክቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ወገናት ኣመጊሱ፡ ኣብ መጻእውን ሓገዞም ቀጻሊ ክኸውንን ካለኦት ነዚ ሰናይ ተግባር  ክስዕብዎን ኣተሓሳሲቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!

15 ነሓሰ 2021

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ስራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ሰናኦ)ን ሰራዊቶም  ኣንጻር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር  ክምክት ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም። ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ከረጋግጽሉ እንከለዉ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሰናኦ  ኩምሳ ደሪባ ብወገኖም ንማዕከን ዜና ኣሾሾይት ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣረጋጊጸምሉ። እዞም መራሕቲ ብዛዕባ ሓቢርካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕላው ኣቐዲሞም ክዘራረብሉ ከም ዝጸንሑ’ውን ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ብሓባር ክሰርሑ ወሲኖም ዘለዉ ክልቲኦም ኣካላት ካብ ነዊሕ ግዜ ክኸሶም’ኳ እንተጸንሓ፡ ቀጺሉ ከኣ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኢትዮጵያ (ፓርላማ) ብወግዒ “ፈጠርቲ ራዕዲ” ኢልዎም። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ከባብታት ክልል ኦሮሞ ብዘካይዶም ስርሒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኽሰስ ዝጸንሐ እዩ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፡ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ መሪር ደማዊ ውግእ ኣትዩ  ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ “ውግእ ነካይድ ዘለና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረብናሉ ቅድመ ኩነት ንክቕበል ተጽዕኖ ንምፍጣር እዩ” ኢሎም ነይሮ። ኩምሳ ደሪባ ብወገኖም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይካ ብሓይሊ ምውጋዱ ካልእ ምርጫ የለን ዝብል መግለጺ ሂቦም ነይሮም። ኩምሳ ደሪባ ወይ ጃልመሮ ከም ዝበልዎ፡ በቲ ስምምዕ መሰረት ሓበሬታ ምልውዋጥ ከም ዝህሉን ጐኒንጐኒ ኮይንካ ዘይኮነስ ኩነታት ከም ዝፈቕዶ በብዝጥዕመካ ሓቢርካ ምውጋእ ምዃኑ ገሊጾም።

ሓለፍቲ ህወሓት ብወገኖም ናብ ስምምዕ ዘብጽሕ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ዝርዝር ግና ኣይኣተዉን። ብፍላይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ትግራይን ወሃብ ቃል ወተሃደራዎ ኮማንድ ትግራይን “መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ምስ ዘለዎም ወገናት ምዝማድ ኣድላይ እዩ” ክብሉ  ገሊጾም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ፍደራላዊ መንግስቲ  ኢትዮጵያ፡ ነቲ ተረኽቦ ዝጽበይዎ ዝነበሩ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ይገልጽዎ ኣለዉ። ካለኦት ወገናት ግና እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሊሱ ከየጋድዶ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ዓለም ለኸ ምንቕስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 1 ነሃሰ 2021 “ሶቫያ ንሓድነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ፈላሚ ጉባአኡ ኣካይዱ። ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብቲ ድሕሪ ጉባአኡ ዘውጸኦ ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ኣብዚ ጉባአ ካብ ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ማለት ካብ ካናዳ፡  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ስዊትዘርላንድ፡ ጀርመን፡ ደንማርክ፡ ሽወደን፡ ደቡብ ኣፍሪቓን ከምኡ'ውን ኣውስትራልያን ዝተወከሉ ከም ዝትሳትፍዎ ሓቢሩ። 

ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል  ኤርትራውያን ብዕሊ ኤርትራውነት  ዘማእከሎ ምንቅስቓስ ኮይኑ ዝተመስረተሉ ብዙም ዝተኻየደ ጉባአ፡ ኣስታት 400 ሰባት ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ኣዋጅ ጠቒሱ። ኣብዚ ጉባአ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ምንቅስቓሳት፡ ማሕበራትን ሚድያታትን ዝተወከሉን ኣካላት ናይ ምሕዝነት መልእኽትታት ኣቕሪቦም። ብዘይካዚ ኣገደስቲ ሰነዳት ጸዲቖም ገምግማት ከም ዝተኻየደን 13 ዝኣባላታ ፈጻሚት ከም ዝተመዘትን ተፈሊጡ። እቲ ጉባአ ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

  1. መሰረታዊ መበገሲ ምንቕስቓስ ይኣክል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህላወና ብስርዓት ህግደፍ ተኣዊጂ ዘሎ ናይ ጽንተት ኹናት፡ ብኩለንትናኡ ምብዳህን፡ ምውሓስ ሃገራዊ ክብርን፡ ምርግጋጽ ህዝባውነትን ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ኤርትራ ስለዝኾነ ከምቲ ብማዕበል " ይኣክል" ኢልና ዝኣተናዮ መብጽዓና ዳግም ብምሕዳስ፡ ንቅዱስ ተልእኮ  ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ኤርትራውያን ንምዕዋትን ጸዓትና ኣብ ፋልማይ ጉባኤና ከነዕዝዝ ይምሕጸን።
  2. ብዙሕነትን ተሳታፍነትን ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መስርሕ ምውሓስ ዋንነት ህዝባውነት፡ ዓቢ ተራ ዘለዎ፡ ምካኑ ብዝግባእ ተገንዚብና፡ ንኩሉ ብድሆታት ናይ ብዙሕነት  ብምጽውዋርን ብምክብባርን እናሰገርና፡ ምንቕስቃስ ይኣክል  ካብዚ ዘሎናዮ ዝሰፍሐ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ዘኣንግድ መኣዲ ክኾነልና፡ ንሓድነት ዝግባእ ዋጋ ምኽፋል ከምዝግባእ ነረጋግጽ።
  3. ህዝቢ ዝመሰረቱ ሰፊሕ ጥርናፈ፡ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ብምእማን፡ እዚ ካብ ባይቶታት ከተማታት፡ ናብ ደረጃ ሃገርን፡ ሕጂ 'ውን ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል ኤርትራውያን በጺሑ  ዘሎ ኣገዳሲ ከይዲ፡  ብምቕጻል ንኩሉና ድምጺ ህዝቢ ዝኸውንን  ንረብሓና ዝቃለስ ሃገራዊ ሓይሊ ክምስረት ክጽዓር የዘኻኽር።  ዘለናዮ መድረኽ፡ ናይ ህጹጽነትን ዕትበትን ዝጠልብ፡ ስለዝኾነ፡  ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል  ኤርትራውያን  ንኹሎም ተቓለስቲ  ፖለቲካዉያን ውድባትን ሰብ-ብርክን ከም ናይ ቃልሲ  መዛኑን መሻርክትን፡ ብናይ ስራሕ ውዕልን ምትሕብባርን፡ እናተመላላእና፡ ክንቃለስን፡ ንቕድሚት ብሓድነት ክንስጉምን ይጽውዕ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊኦም  ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዓ። ወሃቢት ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጁሊና ኣብ ዝሃበኦ ሓበሬታ፡ "ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ምልሻን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ከም ዝበላ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጡ።

እተን ወሃቢት ቃል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2021 ብወተሃደራት ኤርትራ ቅትለት፡ ጭውያን ኣገዲድካ ናብ ዓዶም ምምላስን ከም ዘጋጠሞም ጠቒሰን፡ ኣብ መጻኢ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክእደቡ ጸዊዐን። ወሃብ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ባባር ባሎች ብወገኖም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ መደበራት ሓደ ስደተኛ ከም ዝተቐትለን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ስደተኛታት ብሕጽረት ጽሩይ ማይን ካልእ ከም መግብን መድሃኒትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረባትን ይጽገሙ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባቶም ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘለዉ ስደተኛታት ደሃይ ካብ ዝረክብ ሳምንታት ከም ዝሓለፈ ሓቢሮም። እቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወርሓዊ ዝወሃቦም ናይ መግቢ ሓገዝ ካብ ዝቕበሉ ሓደ ወርሒ ስለ ዝኾነ ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ባባር ባሎች ጠቒሶም።

ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ውግኣት ምቕጻሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝለዓለ ሻቕሎት ሓዲርዎ ኣሎ። እቲ ዜና ኣብቲ ከባቢ ውግእ ዘስዓቦ ምፍርራሕን ክትራንን ከም ዘጋጥም’ውን ጠቒሱ። መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ ምምዝባልን ካልእ በደላትን ከም ዘሻቕሎም ጠቒሶም፡ ብዛዕባ ናይቲ ተግባር ፈጸምቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝመርሖ ናጻ ኣካል ምጽራይ ንክግበር ጸዊዖም ነይሮም።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ እንከለው፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መደበራት ዝነበሩ ኣስታት 55 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ወዲቖም ከም ዘለዉ እቶም ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሓቢሮም።

Page 11 of 105