መራሕቲ ግብጽን ጅቡትን ኣንጻር ስግኣት ቀይሕ ባሕሪ ተሰማሚዖም

2025-04-25 14:13:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 43 times

መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን መራሒ ጅቡቲ ፕረሲደንት ዑመር ገለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ጉዕዞ ስግኣት ይኸውን ንዘሎ ተርእዮታ ብትሪ ኮኒንም፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም ናይቲ ባሕሪ  ከም ዝተረዳድኡ ኣል ኣህራም ኦን ላይን (Ahram Online) ዝተባህለት መዲያ ኣፍሊጣ።

እቶም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘጋጥም ብደሆታት ሓቢሮም ብዛዕባ ምምካት ኣብ ዝተመያየጥሉ መድረኽ ምዃኑ እታ መዲያ ሓቢራ። እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብቲ ርክቦም ንኣገዳስነት ሰላም ኣብቲ ኣብ መንጎ  ቀይሕ ባሕን ወሽመጥ ዓደንን ዝዝርጋሕ ንግዳዊ መስመር ኣዕሚቖም ተመያይጦም።

መራሕቲ ክሊቲአን ሃገራት፡ ንኣድላይነት ምብርባርን ብግቡእ ከም ዝሰርሕ ምኽኣልን እቲ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብኣባልነት ዝርከበኦ ባይቶ ኣብ ዝምልከት እውን ተመያይጦም። ኣብቲ ምይይጦም ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ዓለምለኻውን ብፍላይ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝዳህሰሱ’ውን ኣል ኣህራም ኦንላይን  ሓቢራ። 

እዞም መራሕቲ፡ መንግስቲ ሶማሊያ ንምብርታዕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ደጊፎም፡ ብኣንጻሩ ኣንጻር መራሒ እታ ሃገር ዝግበሩ ፈተነታት ተቓዊሞም። ኣተሓሒዞም ድማ ሱዳናዊ ሃገራዊ ትካላት ምቅርራብ ከም ዘድሊ ጠቒሶም፡ ኩሎም ሱዳናዊ ጉጅለታት ዝሳተፍሉ መድረኽ ንክፍጠር ጸዊዕም። ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝ ንክቕጽል ተማሕጺኖም፡ ሱዳን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ንክምለሳላ ከኣ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጸገማትን መፍትሒኦምን ዝምልከት ዳህሳስ ከም ዘካየዱ እቲ ዜና ኣመልኪቱ
Last modified on Friday, 25 April 2025 16:20