ኣመሪካ ናይ ደቡብ ሱዳን ቪዛ ክስረዝን ሓድሽ ከይወሃባን ወሲና
2025-04-06 12:13:31 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 340 timesሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንደቡብ ሱዳን ዝተዋህበ ቪዛ ክስረዝን ሓድሽ ከይወሃባን ከም ዝወሰነት ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ናይቲ ውሳነ ጠንቂ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣሪካ ዝምለሱ ዜጋታታ ክትቅበል ቅርብቲ ብሰንኪ ዘይምዃና ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
እቲ ነዚ ውሳነ ብዝምልከት ብ4 ማዝያ 2025 ዝወጸ መግለጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ህልዊ ቪዛ ናይ ምስራዝን ሓድሽ ከይወሃብ ናይ ምእጋድን መግለጺ ዝሃበ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ማክሮ ሩቢዮ እዩ። ንሱ ኣብቲ መግለጺኡ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ዜጋታታ ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት ንምቕጸዓ ዝተዋህበ ውሳነ እዩ።
ማክሮ ሩቢዮ ደቡብ ሱዳን ብናይ ኣመሪካ ጸጋታት ክትጥቀም ከም ዝጸንሐት ጠቒሱ፡ ድሕሪ ሕጂ ግና ናይ ኣሜሪካ ውሳነ እናነጸገት ተጠቃሚት ክትከውን ኣይክትክእል እያ ኢሉ። እቲ ውሳነ ናይ ኣሚሪካ ኣሰራርሓ ኢሚግረሽን ንምሕያል ዝተወስደ ምዃኑ እውን ኣብቲ መግልለጺኡ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ከኣ ዝኾነት ሃገር ብኣመሪካ ይኹን ብኻልእ ዜጋታታ ክትርክርብ ክትሕተት እንከላ፡ ነቲ ውሳነ ክትቅበል ናይ ግድን እዩ ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ደቡብ ሱዳን ሓሳባ ቀይራ ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ክትቅበል ፈቓደኛ እንተኮና፡ ኣብቲ ንምስራዝን ምኽልካልን ቪዛ ዝምልከት ውሳነ ዳግመ-ርኢቶ ክግበር ከም ዝከኣል ኣመላኺቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ማርድያትን ቀዳማይ ምክትሉ ሪክ ማቻርን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እቲ ኣብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተራእየ እሞ ህይወት ኣማኢት ኣሸሓት ዝቐዘፈ ውግእ ሕድሕድ ከይድገም ኣብ ዝስገኣሉ ዘሎ ግዜ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ሽማግለ ምልኣኹ እቲ ሕብረት ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ርእሲቲ ብናይ ዜጋታት ማዕበላዊ ምምዝባልን ከቢድ ሕጽረት መግብን ትሳቐ ምህላዋ ብውግእ ሕድሕ ናይ ምብራዕ ሓደጋ’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።