“ማእከል መሰልጠኒ ሕግን ምርምርን ኦሮሚያ” ዝተባህለ ትካል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል  ናይ ምሁራት ሕጊ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ዋና ኣፍደገ ባሕሪ ንምዃን እትገብሮ ጻዕሪ፡ ካብ ታሪኻውን ፖለቲካውን ዓውዲ ሓሊፉ፡ ዓለም ለኻዊ ሕጋዊ ደገፍ ክረክብ ዘኽእሎ ምምኽኻር እዩ ተኻይዱ ይብል።

እዚ ኣበሃህላ  እቶም ናይ ሕጊ ምሁራት ዓለም ተማእዚዛ ትምርሓሉ ዘላ ሕጊ ናብ ረብሐኦም ንምቕያር ተላዚቦም ንምባል እንተኾይኑ፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘይጭበጥ ናይ ሕልሚ ዓለም ይሕንብሱ ከም ዘለዉ ዘመልክት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ካብቲ ኣኼባ ዝተዘርሐ ጸብጻብ፡ “ኢትዮጵያ ኣባልቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮንቨክሽን ማያዊ ሕጊ”  ከምዘይኮነት ጠቒሱ፡ ልማዳዊ ሕግን ክልተኣዊ ስምምዓትን ከም ቀንዲ መከራኸሪ ብምውሳድ ኢትዮዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ድሌታ ከተረጋግጽ እትኽእለሉ ዕድላት ሰፊሕ ምዃኑ ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ምግላጾም ይጠቅስ። ካብዚ ኣበሃህላዚ ክትውሰድ እትኽእልን ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ተቐባልነት ዝህልዋን ቁምነገር ፡እታ “ብክልተኣዊ ስምምዓት” እትብል ሓረግ ጥራይ እያ።

እቲ ዜና “ወድብ ኣልባ ምዃን ቁጠባዊ ተጽዕኖ ኣለዎ፡ ንኣገልግሎት ወደብ ዝኽፈል ወጻኢ ቢልዮናት ዶላራትዩ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንትዮጵያ መሰረታዊ እዩ፡” እናበለ ይዝርዝር። እዚ ኩሉ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናይ 130 ሚልዮን ህዝቢ  ሕቶ ስለ ዝኾነ ክትግበር ኣለዎ ዝብል ድማ ይውስኽ። ኣብዚ ንምድኻም እንተዘይኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘለዋን ቁጠበኣ ቅልጡፍ ዕቤት የርኢ ብምህላዉን ዘይናታት ኣፍደገ ባሕሪ ክትዕምጽ የኽእላ እዩ   ዝብል ኣምር፡ ዝገንጸልካ መዝገብ እንተገንጸልካ ሕጋዊ ቅቡልነት የብሉን። እቲ ሓቂ ከምኡ እናሃለወ ምድግጋሙ እዩ ከኣ “ጸማምሲ ሓደ ደርፉ” ዝብል።

ካብዚ ዛዕባ ከይወጻእና፡ ነባር ኣባል መሪሕነት ህወሓት ዝነበረ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን “ሊላይ ቲቪ” ምስ ዝተባህለ መመዲያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ናጽነት ኤርትራ ትድግፍ ዲኻ?” ተባሂሉ ምስተሓተ፡ “ናጻናት ኤርትራ እድግፎፍ እየ፡ እንተኾነ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዘውሕስ ክረጋገጽ ነይርዎ ዝበሎ  ጃላ መልሲንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑሎ።  

Saturday, 04 April 2026 17:26

Dimtsi Harnnet Sweden 04.04.2026

Written by

ምምሕዳር ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዘውጸኦ ስድተኛታት ካብ ሃገሩ ናይ ምስጓግ መደብ መሰረት ግዳይ ዝኾኑ፡ ብ2 ማዝያ 2026 ናብ ኡጋንዳ ከም ዝኣተዉ፡ ጋዜጣ ዘጋርዲያን ሓቢራ። ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል መዚ ኡጋንዳ እቶም ስደተኛታት ክሳብ ናብ ካልእ ሃገር ዝሰጋገሩ ኣብ ሃገር ኡጋንዳ ከም ዝጸንሑ ንሮይተርስ ከም ዝሓበረ እውን ተፈሊጡ።

ማሕበረሰብ ሕጊ ኡጋንዳ ብወገኑ፡ ብመሰረት ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ኣሜሪካን ዝተገብረ ስምምዕ 12 መበቆላዊ ዜግነቶም ዘይጠቐሶም ስደተኛታት ካምፓላ ከም ዝኣተዉ ተኣሚኑ ነቲ ተግባር ኮኒንዎ። መንግስቲ ኣሜሪካ ንብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ነናብ ሃገሮም ዝሰጐጐ ኮይኑ፡ ብዝበጸሖ ስምምዓት ብዘይካ ናብ ኡጋንዳ፡ ዜጋታት ኩባ፡ ጀማይካ፡ የመን፡ ቬትናም፡ ላኦስን ሚያማርን ዝኾኑ ግዳያት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ  ኢስዋቲኒ፡ ጋና፡ ሩዋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝሰጐጎም ከም ዘለዉ እውን ተጠቒሱ።

እቲ ማሕበረሰብ ሕጊ ኡጋንዳ፡ ነቲ ናይ ምስጓግ ተግባር ንምቅዋም፡ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ኡጋንዳ ኮነ ዜጋዊ ትካላት ሕጊ ከም ዝምጉት ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ነቲ ተግባር ዘይሰብኣውን ክብሪ ወዲሰብ ዘይህብን፡ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ካብ ዝውሰድ ጨካን ስጉምቲ ፈሊኻ ዘይረአ ከም ዝበሎ ድማ ጋዜጣ ዘጋርዲያ ጽሒፋ።

ኡጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ነሃሰ 2026 ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ስደተኛታት ካብ ኣሚሪካ ምስጓግ ኣብ ዝተሰማመዓትሉ ኣብ ኣሜርካ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ክትቅበል ተሰማሚዓ ከተብቅዕ እንተኾነ ብዛዕባ ናብ መበቆል ሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝምልከት  ዝበለቶ ከምዘይነበረ ተፈሊጡ። ቁጽሪ ናቶም ካብ ኣሜሪካ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ትጽቢት ዝግበረሎም  12 ጥራይ ዘይኮኑ ብዙሓት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።

ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ብ1 ማዝያ 2026 ብዘውጸኦ “ደረጃ ኣርባዕተ” ዝበሎ፡ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዜጋታት ኣሜሪካ ከይንቀሳቐስዎም ዝበሎም ክልላት ኢትዮጵያ ዘርዚሩ። ከም ምኽንያት ናይቲ ስግኣት ኢሉ ካብ ዝዝጠቐሶም ጠንቅታት፡ ወተሃደራዊ ጐንጺ፡ ዝተፈላለዩ ገበናትን ሰባት ጠሊፍካ ምስዋርን ይርከብዎም።

ካብቶም ኣሜሪካውያን ዜጋታት ከይንቀሳቐስዎም ኢሉ ዝዘርዘሮም ናይ ዝለዕለ ስግኣት ከባብታት፡ ክልላት፡ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉምዝን ይርከብዎም። እቲ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ እቶም ዝተጠቕሱ ክልላት ብቕልጡፍን ግዜ ዘይህብን ወተሃደራዊ ጐንጽታት፡ ፖለቲካውን ዓሌታውን ጥሕሰታትን ይሕመሱ ከም ዘለዉ ኣስፊሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ብፍላይ ኣብ ክልላት ጋንቤላን ቤንሻንጉልን ከምኡ እውን ጐንጽታት ኣብ ዘለዎም ናይ ዶብ ከባቢታት ናይ ሰባት ጠሊፍካ ምስዋር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኣስጋኢ ገበን ምዃኑ ጠቒሱ። ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ እቲ “ደረጃ ኣርባዕተ” ዝበሎ ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ “ደረጃ ሰለስተ” ስግኣት ከም እትርከብ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ግና ኩነታት ዋና ከተማ ኢትዮጵያ  ኣዲስ ኣበባ  ብዝምድናዊ ዓይኒ ህድእቲ ኣላ ኢሉ።

ኣብ ብዙሓ ከባብታት ኢትዮጵያ ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ቤት ጽሕፈት  ቆንስል ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምውካስ ኣብ ዝደልይሉ  ናይ ኢተርኔትን ካልእ ናይ ተሌ-ኮም ኣገልግሎታትን ስለ ዝቋረጽ ጸገም ከም ዝፍጠር ኣብቲ መጠንቃቕትኡ ሓቢሩ። መንግስታዊ ሰብ መዚ ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ካብታ ዋና ከተማ ወጻኢ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ፡ ፍሉይ መረጋግጺ ክሕዙ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ፡ እቲ ኤምባሲ ነዚ ዝምልከት ኣድላይ ሓገዝ ክገብር ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ከም ናይ ኢሚግረሽን ዝኣመሰሉ ሕግታት ምጥሓስ ክሳብ ምስጓግ ካብ ሃገር ከኸትል ከም ዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2026፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ ብወገኑ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ምስዚ ናይ ኣምሜሪካ ወጻኢ ጉዳይ ዝመሳሰል መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Thursday, 02 April 2026 23:20

Dimtsi Harnnet Kassel 02.04.2026

Written by

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ምምኽኻር ኢትዮጵያ፡ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘስመዖ መእተዊ ቃል፡ “ብዘይ ተሳትፎ ትግራይ ምሉእነት ናይቲ ሃገራዊ ዘተ ሸቶኡ ክወቅዕ ኣይክእል እዩ” ከም ዝበለ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። እቲ ፕሮፈሴር ኣተሓሒዙ ናይ ተጋሩ ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ኢትዮጵያውያን ምስታፍ ኣብ ምፍታሕ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገማት ብጽሒት ከም ዝህልዎን ተሳተፎ ተጋሩ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ዘርእን ምዃኑ ሓቢሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ፕሮፈኤስር መስፍን፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ትግራይ ንክጋባእ ዝተኻየደ ጻዕሪ ስለ ዘይተዓወተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ናይ ግድን ከም ዝኾነ ድማ ኣመልኪቱ። ትግራይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጽኑዕ ክብሪ ዘለዋ ክልል ምዃና ብምጥቃስ ከኣ ቀንዲ ዓላማ ናይቲ መድረኽ ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ናይ ሓባር ጸገም ብሓባር ምፍታሕ ምዃኑ ኣብሪሁ።  ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲመድረኽ ናይ ዘይተሳተፉ ተጋሩ ሓሳብ ንምቕባል ኣብ መጻኢ ናይቲ ኮሚሽን ማዕጾ ክፉት እዩ ኢሉ።

ኣብቲ ዘተ ካብ ኩሉ ዞባታት ትግራይ ዝመፁ ተወከልቲ፡ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ውድባት ናይታ ክልል ዝኾኑ  ኣስታት 400  ተሳቲፎም። እዚ ቀዳማይ ዙር ኣኼባ  ነቲ ኣብ መጻኢ ብደርጃ ኢትዮጵያ ክዝግበር ዝሕሰብ ኣኼባ ኣጀንዳ ዝኸውን ሓሳብ ናይ ምእካብ ኣኼባ ካብ 1 ክሳብ 3 ማዝያ 2026 ዝጸንሕ ኮይኑ፡ በቲ ኮሚሽን ምምኽኻር ዝተዳለወ  ምዃኑ’ውን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ኣቦመንብር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን፡ እቶም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ንኣዲስ ኣበባ እምበር ንትግራይ ከምዘይውክሉ ብምጥቃስ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝምልከት ኣኼባ ኣይኮነን ብዝብል ተቓውመኡ ብትሪ ኣስሚዑ።

መጻብቦ ክልተ ሰፋሕቲ ማያዊ ኣካላት ዘራኽብ ጸቢብ ማያዊ ኣካል እዩ። ብመንጽርዚ  ሆርሙዝ ንማያዊ ኣካላት ወሽመጥ ፐርሺያን ዖማንን እተራኽብ መጻብቦ እያ። ኣብቲ ዝጸበበ ቦታ ጎኒ ናይቲ ማያዊ ክፋል ኣስታት 33 ኪሎ ሜተር  ምዃኑ ናይ ጀኦግራፊ መዛግብቲ የረድኡ። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን  ዝኣጐድዎ ውግእ፡ መዓልታዊ መተሓላላፊት 20 ሚልዮን በርሚል ዘይተጸራየ ነዳዲ ዝጸዓና ካብ 138 ክሳብ 140 መራክብ ኮይና ዝጸንሐት ሆርሙዝ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣስጋኢት ስለ ዝኾነት ብደረጃ ዓለም  እውናዊት ኣጀንዳ  ኮይና’ላ።

ቅድሚቲ ውግእ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝንቀሳቐስ ነዳድን ጋዝን 20% በዛ መጻብቦ ይመሓላለፍ ነይሩ። ብዘይካዚ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ፐርሺያ፡ የማነ ጸጋም ናብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ርእሲ እቲ ምንቅስቓስ ነዳድን ጋስን፡ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ዝኣትውን ዝወጽእን በዛ መጻብቦ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ዝነበራ መራክብ ስለ ዝተዓገታ ዋጋ ነዳዲ ብደርጃ ዓለም ንበርሚል ክሳብ 112-115 ዶርላር ስለ ዝበጸሐ፡ ብሓፈሻ ኩለን ሃገራት ግዳይ ናይቲ ቅልውላው ኮይነን ኣለዋ። ካብ ዝጥቀማሉ ነዳዲ 60-75% በዛ መጻብቦ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ በዚ ቅልውላው ዝያዳ ተጨኒቐን ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ ፍሊፕንስ፡ ጃፓን፡ ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን፡ ይርከበአን።

ካለኦት መጻብቦታት ንምጥቃስ፡ መጻብቦ ታይዋን ንቻይናን ደሴት ታውይዋንን ፡ መጻብቦ ፓልክ ንህንድን ስሪላንካን፡ መጻብቦ ታርታሪ ንሩሲያን ደሴት ሳካሊንን፡ መጻብቦ ጹሺማ ንጃፓንን ወሽመጥ ኮርያን;  መጻብቦ በሪን ንኣላስካን ሩሲያን ዝፈላሊ ከምኡ ከኣ መጻብቦ ባብኤል መንደብን ስዊዝ ካናልን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ኢራን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ካብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ  ኣብ ባሕሪ ብዝቕበር ነታጒ ከይተረፈ ምዕጻው እዩ። በዚ መሰረት በዚ ዝሓልፋ መራክብ ንሓደ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ኣዝዩ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ዝኸፍለኦ ዋሕስ (ኢንሹራንስ) ዝለዓለ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ሰጊአን ነዳዲ ዝጸዓና መራክብ ምንቅስቓስ ስለ ዘቋረጻ እዩ ድማ ዋጋ  ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣዝዩ ከቢሩ ዘሎ። ኣሜሪካ ንሆርሞዝ ካብ ኢራን መንዚዓ ከም እትቆጻጸር’ኳ እንተፈከረት ብቐሊሉ ኣይከለትን። ኣብ መወዳእታ ብኣጋር ሰራዊት ከይትጥቀም ከኣ ስግኣት ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ደሴት ካርግ፡ ካብቲ መሬታዊ ገማግም ባሕሪ ኢራን 25 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ባሕሪ ፐርሺያ እትርከብ እያ። ስፍሓታት እዛ ደሴት ካብ 20 ክሳብ 22 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ነበርታ ከኣ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት መጻረይ ነዳዲ ኮይኖም፡ ካብ 8 ክሳብ 10 ሺሕ ይበጽሑ።  

ካርግ ናይ ኢራን 90% ነዳዲ ዝጻረየላ፡ ዘይተጻረየ ድማ  ዝኽዘነላን ናብ ወጻኢ ዝለኣኸላን ቁጠባዊ ማእከል  ኮይና ዝጸንሐት’ያ። እዛ ደሴት ካብ ወደብ ቡሸህር ኣስታት 55 ኪሎሜተር እትርሕቕ ኮይና፡ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ  ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 660 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ። ብሰንክ’ቲ ንጸጥተኣ ተባሂሉ ዝግበረላ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ከኣ “ዘይትፍቀድ ደሴት” ዝብል ስያመ ክወሃባ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከኣ፡  በዚ ዝጸንሓ ወሳኒ ቁጠባዊ ብጽሒት ወተሃደራዊ ዒላማ ተገይራ ዘላ እያ።

ካብ ናይ X መዲያ ዝተወሰደ ስእሊ

ሰልፊ ብልጽግና “ናይ ህልውና ስግኣት ተንተናን ስራተጅያዊ መፍትሒ መማረጽታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣዳልዩ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 ብምስጢር ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ብልጽግናን ፈደራል መንግስትን፡  ዝዘርግሖ ሰነድ ምውጽኡ ብዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ተቓሊዑ። እቲ 12 ገጻት ዘለዎ ኣብ ጸጥታውን ፖለቲካውን ስግኣታት ኢትዮጵያ ዘተኮረ ሰነድ፡ ኣብ 4 ኣስጋእቲ ናይቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራል መንግስቲ ዝበሎም ጉዳያት ዘተኮረ እዩ።

እቶም እቲ ሰነድ ዘተኮረሎም 4ተ ዛዕባታት፡ “ምትንሳእ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምብርባር ምሁራት ትግራይን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ምንቅስቓስ ፋኖ ካብቲ ተነጺልዎ ዝነበረ ናብ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ስግኣት ምዕራጉ፡ ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ጐረቤት ሱዳን ዓቕሚ ምድልዳሉን ምስ መንግስታት  ግብጽን ኤርትራን ዝምድናኡ ምድልዳልን ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራን ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ኣብ ኢትዮጵያን ብኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ግዜን ኣገባብን ዘየገናዘብ ሕቶ ቀይሕ ባሕርን ውደብን” ዝብሉ እዮም።

ብዘይካዚ እቲ ምስጢራዊ ሰነድ፡ መንግስቲ ብልጽግና ብሰንኪ ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ ህዝቢ ዝገጥሞ ዘሎ ተቓውሞ’ውን ኣብቲ ምስጢራዊ መጽናዕታዊ ሰነድ ዝተደህሰሰ እዩ። ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ብግቡእ ስለ ዘይተተግበረ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ፈጢርዎ ዘሎ ጸገም ይእመን።  ከም መዋጸኦ ድማ ነቶም ኣብቲ ክልላት ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ዝዋስኡ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ ህዝቢ ናይ ምንጻሎም፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕዶም ዘይምትእምማን ፈጥሪርካ ዝከፋፈልሉ ስረሓት ምክያድ ከም ኣስፊሩ። ብሓፈሻ ናይ መንግስቲ ወተሃደራዊ መንገዲ  ከም እንኮ መፍትሒ ምርጫ ጌርካ ምርኣይ ጌጋ ምዃኑ ጠቒሱ።

ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ናብ ናይ ህልውና ስኣት ከም ዝተመለሰ ስፍሕ ብዝበለ ኣስፊሩ። ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ግዜኡ ዘይሓለወን ልኡላውነት ኤርትራ ዝጻረር ዝመስል ህዉኽ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝስምዕዎ መደረታትን መንገሲ ኤርትራ ምስ ትግራይ፡ ፋኖን ሱዳንን ንክተሓባበር ከም ዝዓደሞ ጠቒሱ።

 ከም ናይ መጻኢ መፍትሒ ከኣ ግዜ ወሲድካ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ኣዳኺምካን ካብ ህዝቢ ነጺልካን ምቕጻል ይብል። ብናይ ብዙሓት ግዱሳት ሚዛን፡ እቲ ገምጋማዊ ሰነድ መንግስቲ ፈደራል ብሰንክቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ኣብ ጨንቂ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ይባሃል ኣሎ።

Page 7 of 646