ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከ ብ4 ጥሪ 2024 ንናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዘርጊሖም። ንሶም ከም ዝገለጽዎ ባይቶ ሃገሮም ብ1998 ዓለምለኸ ናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ቀዋሚ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ንምሕያሉ ይስረሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
ከም ኣካል ኣይቲ ምእንቲ ናጽነት ሃይማኖት ዘለዎም ተገዳስነት፡ ንኤርትራ፡ በርማ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ስዑዲያ፡ ታጂክስታንን ቱርከሚስታንን ከም ኣብነት ሕሱም ሃይማኖታዊ ጥሕሰት ናይ ዝፈጸማ ሃገራት ከም ዝፈልጥወን ሓቢሮም። ብዘይካዚ ንኣልጀርያ፡ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን ከም ብፍሉይ ምክትታል ዝግበረለን ሃገራት ከም ዝመዝገብወን ሓቢሮም። ጉዳይ ኣልሸባብ፡ ቦኮ ሃራም፡ ኣይሲስን ከምኣቶም ንዝኣመሰሉ ጉጅለታትን እውን ምክትታል ከም ዝገብሩ ጠቒሶም።
ኣብዚ ዝርዝር ብዘይተጠቕሳ ሃገራት እውን ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝፈጸም ዝጠቐሱ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መግስታት፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዓለም ዝፍጸም፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ሰዓብቲ ሃይማኖት ዘለዎም ማሕበረ-ኮማትን ኣብያተ-እምነቶምን ዝፍጸም ጥሕሰታት ንኽከላኸሉ ጸዊዖም። ከምኡ እውን ብሰንኪ ብሰላማዊ ኣገባብ ምግላጽ ሓሳብካ ንዝፍጸም ናይ ነዊሕ ግዜ ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ተኸተልቲ ሓደ እምነት ኣንጻር ካልኦት ኣመንቲ ንዝግበር ምልዕዓል ክቆጻጸርዎ ይግባእ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣንጻር ናጽነት ሃይማኖት ዝፍጸም ጥሕሰታት፡ ትካላዊ፡ ሜላውን ኣዕሚቑ ዝሰረጸን እዩ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስቶም ዝጸዋወሩን ጽልኢ ዘይድግፉን ወገናት ኮይና፡ ሓደ እዋን ህዝብታት ኩሉ ክብሮም ዝሕለዉላ ዓለም ክንሃንጽ ኢና ኢሎም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ካብ 4 ክሳብ 11 ጥሪ 2024፡ ኣብ ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ግሪክ፡ ኣማን፡ ጆርዳን፡ ኳታር፡ ዱባይ፡ ኢማራት፡ ሱዕዲያ፡ እስራኤልን ዌት ባንክን ዑደት የካይዱ ኣለዉ።
ናብ ኤርትራውያን ዘቕነዐ ከይከውን ዘሰክፍ መግለጺ ኢሚግረሽን ኢትዮጵያ፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰላማዊት ዳዊት፡ ዳይረክተር ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ
ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጽእተኛታን ብዛዕባ ሕጋውነት ክሕዝዎ ዝግበኦም ናይ መንነት ሰነድን መንበሪ ፈቓድን ዝምልከት ተሪር መግለጺ ብ4 ጥሪ 2024 ኣውጺኡ። እቲ ትካል ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ዝተገደደ ኣብታ ሃገር ብዘይሰነድ ከምኡውን ሕጋዊ ብዘይኮነ ሰነድ ዝነብሩ ሰባት ከም ዘለዉ ስለ ዘረጋገጸ ምዃኡ ኣፍሊጡ።
ሰላማዊት ዳዊት ዳይረክተር ኢሚግረሽን ኢትዮጵያ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሓት ወጻእተኛታት፡ ብዘይሕጋዊ ግዝያዊ ይኹን ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ፡ ፓስፖርት፡ ቪዛን ካልእ ሰነዳትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ናይታ ሃገር ይነብሩ ከምዘለዉ ሓቢራ። ካብቶም ዘይሕጋውያን ዝበለቶም፡ 18 ሺሕ ዘይሕጋዊ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ፡ ዝያዳ 1,500 ዘይሕጋዊ ቪዛን 1,800 ብዘይሕጋዊ ንትውልደ-ኢትዮጵያ ዝወሃብ ፍሉይ ሰነድን ሒዞም ይነብሩ ከም ዘለዉ ጠቒሳ።
ምስዚ ብተተሓሓዘ ኩሎም ዘይሕጋዊ ሰነድ ሒዞም ዘለዉ ወገናት፡ ካብ 10 ጥሪ ክሳብ 8 ለካቲ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቦም ሕጋዊ ከልብስዎ፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋውያን ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጣ፡ እቲ ስጉምቲ እንታይ ከም ዝኸውን ግና ኣይጠቐሰትን።
እዚ መግለጺ ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዝምዕብል ዘሎ ሕማቕ ዝምድና፡ እቲ መጠንቀቕታ ዝያዳ ናብ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዘቕነዐ ከይከውን ብዙሓት ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይተን ሃገራት ሕማቕ ዝምድና፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ወጽእተኛታት ኤርትራውያንን ሶማሊውያንን ዝበዝሐ ኣሃዝ ዝሕዙ እዮም። ብፍላይ ሶማላውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ንእሽቶ መቃድሽ” ክሳብ ምባል ዝበጸሐ ከባብታት ኣለዎም።
Eritrea Liberty Magazine Issue Nr.82
Written by EPDP Foteign Affairs OfficeEritrea Liberty Magazine Issue Nr.82
Written by EPDP Foreign Affairs Officeክልተ ምንቅስቓሳት ሱዳን፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ከባቢ ውተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ከፊተን የሰልጥና ከም ዘለዋ፡ “ዳርፎር-24” ዝተባህለ ትካል ዜና እሙናት ዝበሎም ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ፡
እቲ ትካል ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እቶም ናይ ሱዳን ምንቅስቓሳት፡ ብሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ናጽነት ሱዳንን ብኣል ኣሚን ዳውድ ዝምራሕ ህዝባዊ ግንባር ንሓርነትን ፍትሕን ምብራቕ ሱዳንን ምዃኖም ተፈሊጡ። እዞም ኣካላት ምስልጣን ዝጀመሩ ብናይ ቅድም ወተሃደራት ዝነበሩ ካብ ኩሉ ከባብታት ሱዳን ዝተጸውዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ቀንዲ ቆላሕታኦም ግና ናብ ምዕራብ ዳርፎርን ምብራቕ ሱዳንን ዘተኮረ ምዃኑ “ዳርፎር-24” ገሊጹ።
እዚ ምስልጣን ዝተጀመረ ማዕረማዕረ እቲ ብጀነራል ሕሚቲ ዝምራሕ፡ ፍሉይ ተወርዋሪ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ካብቲ ዝነበሮ ውሱን ከባብታት ወጺኡ ብመንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ተታሒዙ ካብ ዝነበረ ከባብታት ማእከላይ ሱዳን ብዘይውግእ ሰፊሕ ከባቢ ክቆጻጸር ምስ ከኣለ እዩ።
በቲ ዜና መሰረት፡ እዞም ክልተ ዝተጠቑሱ ምንቅስቓሳት፡ ኣቐዲሞምኳ ምስቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ከም ዝወገኑ እንተኣወጁ እንተኾነ ከምቲ ዝድለ ቆላሕታ ስለ ዘይተዋህቦ ናታቶም ሰራዊ ናይ ምስልጣን ተበግሶ ክወስዱ ዝወሰኑ እዮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኢትዮጵያን ኢመራትን ምስኡ ከም ዝወገና ዝንገረሉ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ብዙሓት ምንቅስቓሳት ሱዳንን ቀጻሊ ኣኼባታት ከካይድ ከም ዝቐነየ ተፈሊጡ።
ትካል ንግዳዊ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪታንያ፡ ብ3 ጥሪ 2024 ኣብ ጥቓ ኤርትራዊት ውደብ ዓሰብ ኣንጻር ናይ ንግዲ መርከብ ሰለስተ ሚሳይላት ከም ዝተተኮሰ ሓቢሩ። እቲ ተኹሲ ካብቲ እታ መርከብ ጠጠው ኢላትሉ ዝነበረ ካብ 1 ክሳብ 5 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ እዩ ተፈጺሙ። እቲ ነታጒ ዝተፈጸመሉ ቦታ ካብ ወደብ ዓሰብ 33 ኪለሜተር ርሒቑ ንወገን ምብራቕ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።
እቲ ፍጻመ ጋና ዝጽናዕ ዘሎ’ኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝቐረበ ኣፈናዊ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብን ሰራሕተኛታታን ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ኣይተሓበረን። እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ተወሳኺ ስግኣት ከም ዝፈጠረ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ናይቲ ተግባር ፈጸምቲ ናይ የመን ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ምዃኑን መንቀሊኡ ድማ እቲ ኣብ እስራኤል ኣንጻር ፍልስጥኤም ተካይዶ ዘላ ውግእ ኮይኑ፡ ኣካል እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ መራኽብ ንግዲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓፈሻዊ ስግኣት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም፡ ብዙሓት መራክብ ብቀይሕ ባሕሪ ምትሕልላፍ ኣቋሪጸን፡ ነቲ ነዊሕ መንገዲ ብህንዳዊ ውቅያኖስ ክመርጻ ተገዲደን ከም ዘለዋ እቲ ብዓባይ ብሪታንታ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቢሩ። ጉጅለ የመናውያን ዕጡቓት መጥቃዕቶም ከም ዝቕጽል ክገልጹ እከለዉ፡ ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ ብወገና ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ዝሳተፍኦ ሓይሊ ዕማም ኣቚማ ክትቆጻጸሮም ትጽዕር ከም ዘላ ገሊጻ። በዚ ኩነታት ብቐጥታ ካብ ዝህሰያ ወደባት ናይ ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጽን ከም ዝኾና ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎን መምስ ዝኽሰት ምዕባለታት ዝለዋወጥን ኢዩ። “ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ” ዝብል ስያመ ከኣ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ ምጥምማት እዩ። እዞም ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕዶም፡ ስለምንታይ እቲ ሓደ ነቲ ጉጅለ ከም ዝቃወም ወይ ስለምንታይ እቲ ካልእ ከም ዝድግፍ፡ ተመዓዳድዮም ይተሓታተቱ እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይምክእኣልን ዘይምጽውዋርን፡ እቲ ሓደ፡ እቲ ካልእ ወገን ብዝህቦ መልሲ ኣይተዓጋገቡን። ብሰንኪቲ ካብ ህግደፍ ዝተወርሰ፡ ዘይስልጡን ኣተሓሕዛ ፍልልይን ካብኡ ዝተወርሰ ክሕደትን፡ ኣብ ሕድሕዶም ከም ዜጋታት ኣፍልጦ ዘይምውህሃብሉን ዝጓነጽሉን ተግባር’ውን ልሙድ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ከኣ ብጽልኢ ዝተቓንነየ፡ ዘይሓላፍነታውን ዘይህዝባውን ፖሊሲታት ህግደፍ እዩ።
ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ከምዚ ሎሚ ዕርቓኑ ከይወጸ እንከሎ፡ ሓይሊ ሚዛን ናብ ደገፍቱ ዝዛዘወ ምንባሩ ይዝከር። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ዝድግፉ ናብቶም ዝቃወሙ፡ “ድሕሪ ናጽነትከ እንታይ ጐዲሉና ኢሎም እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ?፡ ህግደፍ ናጽነት ብምምጽኡ ኣብ ክንዲ ምምስጋኑ ምቅዋሙኸ እንታይ ኣምጽኦ?” ብዝብል ከነኣእስዎም ይፍትኑ ምንባሮም ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። እንተኾነ ዋላኳ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ ዝገዝኦ እንተዘይረኸበ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና እቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክቃወምዎ ዝጸሑ፡ ቅቡል ናይ ምቅዋም ምኽንያታት ከም ዝነበሮም ተነጺሩ’ዩ። ምኽንያታቶም ንመጻኢ’ውን ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ህያው እዩ።
ህግደፍ፡ ልዕሊቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓምጣርነቱ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝእ፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሰንከልከል ዝብል፡ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተወጠሐ፡ ትካልዊ ኣካይዳ ዝነጽግ፡ ልዕልና ፍትሒ ዘይቅበል፡ ዜጋታት ዝጨውን ዝቐትልን፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝግህስ፡ ኣብ ጉዳይ እምነት ኢድ ኣእትዩ ዘዳኽር፡ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከይሓርሱ፡ ከይነግዱን መሬቶም ከየመሓድሩን ዝዕንቅጽ፡ መንእሰያት፡ ከይምርዓዉን ከይድርዓዉን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ጸሚዱ ንክስደዱ ዝደፍእን ምስ ቤተሰቦም ኮይኖም ከምዘይመሃሩ ዝገብርን……ወዘተ፡ ስለ ዝኾነ፡ ከም ዝቃወምዎ ብዓንተብኡ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም።
እንተኾነ እዚ ኩሉ ዘይሰብኣዊ ተግባራቱ፡ በታ ብግጉይ ኣረዳድኣ “ናጽነት ስለ ዘምጸአ” እትብል ሸፈጥ፡ እቲ ሓቀኛ ጨካን ምስሊ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንዝተወሰነ ክሕባእ ጸኢሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናጽነት ዘምጸአ ባዕሉ ክነሱ፡ እቲ ኣፍልጦ ንህግደፍ ክምጥዎ ምጽንሑ ከኣ ከም ሓደ መርኣያ ናይ “ንዘይትፈልጦ ምድጋፍ” ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ህግደፍ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጌጋ ዝሃቦ ዘይግብኦ ክብደት መዝሚዙ ኣርዑት ጭቆናኡ ከሕይል ጸኒሑን ብኣኡ ይቕጽል ኣሎን።
ግዜ እናሰጐመ ምስ ከደ ግና፡ ህግደፍ ነቲ ተቓወምቱ ከም መቃወሚኦም ምኽንያት ዘቕርብዎ ዝነበሩ እሞ እቶም ከይፈለጥዎ ዝድግፍዎ ዝሓብእሉ ዝነበሩ ኣበሳታት ባዕሉ ብተግባር ከቐልዖ ተገዲዱ። በዚ ድማ ሓያሎ ወገናት ካብቲ ዘይተጸንዐ ደገፎም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብዘይተኣምን ተመለስ” ኢሎም ገለን ብዓውታ ገለን ድማ ብስቕታ እግሮም ክስሕቡ ጀሚሮም። ብፍላይ ኣብ 2001 ጉጅለ ህግደፍ “ስለምንታይ እቲ ሓቀኛ ተግባረይን መልከዐይን ይቃላዕ?” ብዝብል ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ሰፊሕን ግሁድን ወፈራ ምእሳርን ምስዋርን ኣካይዱ።
ኣብ ልዕሊ መቓልስቱ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ጨኪኑ። ነተን እግሪ ዝተኽላ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ንብረተንን ወሪሱ፡ ኣብኣተን ዝሰርዝሑ ንዝነበሩ ክኢላታት ከኣ ብኣልማማ ቀፊድዎም። እንደጋና ድሕሪ ውሱን ዓመታት ነቲ “ናይ 1997” ዝበሃል ሕገ-መንግስቲ፡ “ከይተተግብረ ዝሞተ” ኢልዎ። በዚ ከኣ እቲ ብውሑዳት ጥራይ ዝቃላዕ ዝነበረ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ተጋሂዱ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣሰላልፋ ተቐይሩስ ሚዛን ሓይሊ ናብ ተቓወምቱ ዛዝዩ። ብዙሓት ነቲ ተቓውሞ ኣፍልጦ ዘይህብዎ ካብ ዝነበሩ ናብቲ ቃልሲ ተጸንቢረምዎ፡ ኣብ ምቅላዑ፡ ዓብይ ብጽሒት ኣበርኪቶም፡ ይቕጽሉ ከኣ ኣለዉ።
እቶም ነዚ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዝድግፉ ዘለዉ ብፍላይ ከኣ ካብቶም ብሰንኩ ሃገሮም ዝገደፉ፡ ነቲ ብተቓወምቲ ዝቐርብ ቅኑዕን ወድዓውን ሓቂ ዘይቅበሉ እዮም። ወረ ገሊኦምስ ዋላ በቲ ህግደፍ ባዕሉ ዝተኣመነሉ ኣሉታኡ ብዘይምዕጋብ፡ ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝፍትኑ እዮም። እዚኣቶም ንጭቆናን ወጽዓን ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበሉን ሕልናኦም ንንባርንነት ሸይጦም፡ ጽባሕ ኣብ ዘጣዕሶም ግጉይ መንገዲ ዝመርጹ እዮም። ብመንጽርዚ፡ እቲ“ዝውጻዕ ንወጽዒኡ ክድግፍ ምኽንያታዊ ኣይኮነን”፡ ካብ ዝብል ስለ ዝነቕሉ እዮም ነዞም ዝተዳህለሉ ወገናት “ነቲ ዝድግፍዎ፡ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ዝብልዎም።
ከምቲ “ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ዝበሃልን ግንዛበ ቀስ ኢሉ ብመስርሕ ስለ ዝመጽእን እቲ ካብታ ናይ ወጽዓ ባቡር ወሪድካ ናብታ ናይ ለውጢ ባቡር ናይ ምስፋር ጉዕዞ ሎሚ እውን ቀጻሊ እዩ። ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ከም ዝቕጽል ከኣ ባህርያዊ እዩ። ህግደፍ ካብቲ ኣብ ስሰዐን በሓትነትን ዝምስረት ዘየናሕሲ ፖሊሲኡ ስለ ዝነቅል፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ገንዘቦም ከውፍሩ ኣይፈቕድን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ገዛእ ሃገሮም መንበሪ ገዛ ክሃንጹ እኳ ኣይፈቕደሎምን። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ሰብ ጸጋ፡ ቁጠባ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ኣንጐላን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን የስብሑ ምህላዎም ድማ ናይዚ ውጽኢት እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዘይምንግስታዊ ትካላትን ማሕበራትን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረን መሳለጢ ክሃንጻ ክሓታ እንከለዋ፡ “እቲ ገንዘብ ኣምጸአኦ’ሞ ባዕልና ክሃንጾ ኢና” ብዝብል ምስምስ እቲ ጉጅለ ዝኾለፈን ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃንጹ ማሕበራዊ ትካላት ከም ዝወረሰ እውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገለ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ገንዘብ ከዋጽኡ ተንቀሳቒሶም ስለ ዝተኸልከሉ “ጫውጫው” ክብሉ ተዓዚብናዮም። ካብዚ ሓሊፎም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ነጻጊ ተግባራት፡ ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ክነሱ፡ ምስ ተለኣኣኽቲ ኤምባሲታትን ኣብኡ ዝሰርሑ ዕቡሳትን ክራገሙ ተሰሚዖም። እዚ ድማ “ነቲ ዝድግፍዎ’ስ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ኮይኖም ምጽነሖም ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ገባቲ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ዝነበረን ክድግፍዎ ዝጸንሑን እምበር፡ ሓድሽ ዝፍጠር ዘሎ ስለዘይኮነ።
ወደብ በርበራ (ሶማሊላንድ)
ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ፈደራላዊ ረፓብሊክ ሶማሊያ፡ ብ2 ጥሪ 2024 ኣብ መቃድሾ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ ብ1 ታሕሳስ 2023 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ “ወራር ኣብ ልዕሊ ሃገርና እዩ” ብዝብል ብትሪ ዝቃወም፡ 9 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ሶማላውያን ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገሮም ከውሕሱ ቅሩባት ንክኾኑ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣንበሳድራ ናብ መቃድሾ ጸዊዓ’ላ። ኣብ ሞቃድሾ ንዘሎ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ክትሰጉግ እያ ዝብል ግምት እውን ኣሎ። ሶማላውያን ኣልሸባብ ከይተረፈ፡ ናይ ቅድም መራሕትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትን ተቓውመኦም የስምዑን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕሉን ኣለዉ።
እቲ መግለጺ ብምንጽር ሕገ-መንግስቲ ሶማልያን ኣህጉራዊ ሕግታትን ልኡላውነት ሶማሊያ ዝግህስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ዓረብ ሊግን ካለኦት ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ህጹጽ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣብ ጐኒ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ክስለፉ ጸዊዑ። መራሒ ሶማሊያ ብዛዕብዚ ተረኽቦ ብቐዳምነት ምስ መራሕቲ ቱርኪ፡ ቀጠር፡ ኤርትራን ግብጽን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ተሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምፍርራም ሓሓሊፎም ሓጐሶም ዝገለጹ ከባቢታት ኣለዉ። እንተኾነ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ምድንጋራት ይረአ ኣሎ። ገለ ወገናት ሃገሮም ብናጻ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝረኸበት ገይሮም ይርድእዎ። መንግስቲ እውን እቲ ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ብሓፈሻ እምበር ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘይኮነ ከነጽሮ ዝደለየ ኣይመስልን። ብሰንኪዚ ከምቲ “ባድመ ብፍርዲ ንዓና ተዋሂባ” ኢሎም ዘዕሸዉና ከይከውን ኢሎም ዝሰግኡ ኣካላት ይስምዑ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ክራይ (lease) ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ በቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ናይ ሶማሊላንድ ሃገርነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ግድነት ከም ዝጽበዮ ክገልጽ ዝደሊ ኣይመስልን። እቲ ዝካረዮ ቦታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነስ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምዃኑ’ውን ክፍለጥ ኣይደለየን።
ምስቲ ኢትዮጵያ ዘላቶ ወጥሪ፡ ክራይ ብኽራዩ ደኣ በቲ ዘለናዮ ምስ ጅቡቲ ዘይንቕጽል። እዚ ተሃዋስን ሓደገኛን ኣጀንዳ ኣብዚ ግዜዚ ንቕድሚት ምምጽኡ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት’ውን ይስምዑ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቀዋሚ ዋንነት ኣፍደገ ዝጽበዩ ዝነበሩ እውን ኣብ ምድንጋር ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ምስ ኤርትራ ውግእ ከይጅመር ዝሰግኡ ዝነበሩ ከኣ፡ “ኤርትራስ ትንፋስ ረኺባ” ይብሉ ኣለዉ። ኢትዮጵያ እቲ ናይ ምኽታም ዕለት ሓደ ጥሪ 2024 ዝመረጸትሉ፡ ኣባልነታ ኣብ ብሪክስ ዝጸደቐሉ ብምዃኑ ከም ዝኾነ ተዓዘብቲ ይግምቱ።
መራሒ ሶማሊላንድ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ስምምዕ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ክራይ ምዃኑን ብወገኖም ንኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ገምገም ባሕሮም ንወተሃደራዊ መደበርን ወደባዊ ኣገልግሎትን ዝኸውን 20 ብ90 ኪ/ሜ ዝዓቐኑ መሬት ከዳልዉላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር እትፈልጥ ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውንን ካብ መንገዲ ኣየራ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ክትረክብን ዘጠቓልል ስምምዕ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ሶማሊላንድ፡ “መሬትና ንኢትዮጵያ ካብ ምሃብ ናብ ሶማሊያ ምምላስ ይሕሸ” ዝብል ስምዒት ዘለዎም ወገናት ኣለዉ ይበሃል።
ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ተመራማርን ጋዜጠኛን ማርቲን ፕላውት ብወገኑ ነቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ፡ “መፈጸምታ ቅልውላውዶ ወይስ መጀመርታ ሓድሽ ቅልውላው” ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ፡ ዝሓደሮ ስግኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ክህነጸሉ ተሓሲቡ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሶማሊላንድ ሉግሃያ ኣዋድ ኣብ ዝበሃል ከም ዝኾነ ጠቒሱ።
ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ድሕሪ መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ዘውጽእዎ መርሂ፡ “ነቲ ኩነታት ብጽሞና እከታተሎ ኣለኹ። ኣብ ህድኣት ዞባና ዓብይ ጽልዋን ተጽዕኖን ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ ግና ቀጥታዊ ርኢቶ ኣይሃቡን። ኣስዒቦም ድማ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ናብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት፡ እቲ ኩነታት ብሰላማውን ሕውነታውን መንገዲ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኣገባብ ንክምሕጸኑ ጸዊዖም።
ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምኽታም እቲ መረዳድኢ ሰነድ፡ “ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ፈደራላዊ ረፑብሊክ ሶማሊያ፡ ብመንጽር ሕገ-መንግስታ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምዕቃብ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ እዩ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ብቕሉዕ ዝበለቶ የለን። ናብቲ መንግስቲ ዝቐርባ ማሕበራዊ መድያታት ግና ንሲማሊያ ደጊፈን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕላ ኣለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ “ግብጽን ኤርትራን ቀዳሞት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፋ እየን”፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ተኸቲላ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ክትፈልጣ እያ” ዝብሉ ብብዙሓት ዝቐርቡ ግምታት ኣለዉ።
ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎን መምስ ዝኽሰት ምዕባለታት ዝለዋወጥን ኢዩ። “ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ” ዝብል ስያመ ከኣ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ ምጥምማት እዩ። እዞም ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕዶም፡ ስለምንታይ እቲ ሓደ ነቲ ጉጅለ ከም ዝቃወም ወይ ስለምንታይ እቲ ካልእ ከም ዝድግፍ፡ ተመዓዳድዮም ይተሓታተቱ እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይምክእኣልን ዘይምጽውዋርን፡ እቲ ሓደ፡ እቲ ካልእ ወገን ብዝህቦ መልሲ ኣይተዓጋገቡን። ብሰንኪቲ ካብ ህግደፍ ዝተወርሰ፡ ዘይስልጡን ኣተሓሕዛ ፍልልይን ካብኡ ዝተወርሰ ክሕደትን፡ ኣብ ሕድሕዶም ከም ዜጋታት ኣፍልጦ ዘይምውህሃብሉን ዝጓነጽሉን ተግባር’ውን ልሙድ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ከኣ ብጽልኢ ዝተቓንነየ፡ ዘይሓላፍነታውን ዘይህዝባውን ፖሊሲታት ህግደፍ እዩ።
ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ከምዚ ሎሚ ዕርቓኑ ከይወጸ እንከሎ፡ ሓይሊ ሚዛን ናብ ደገፍቱ ዝዛዘወ ምንባሩ ይዝከር። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ዝድግፉ ናብቶም ዝቃወሙ፡ “ድሕሪ ናጽነትከ እንታይ ጐዲሉና ኢሎም እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ?፡ ህግደፍ ናጽነት ብምምጽኡ ኣብ ክንዲ ምምስጋኑ ምቅዋሙኸ እንታይ ኣምጽኦ?” ብዝብል ከነኣእስዎም ይፍትኑ ምንባሮም ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። እንተኾነ ዋላኳ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ ዝገዝኦ እንተዘይረኸበ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና እቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክቃወምዎ ዝጸሑ፡ ቅቡል ናይ ምቅዋም ምኽንያታት ከም ዝነበሮም ተነጺሩ’ዩ። ምኽንያታቶም ንመጻኢ’ውን ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ህያው እዩ።
ህግደፍ፡ ልዕሊቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓምጣርነቱ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝእ፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሰንከልከል ዝብል፡ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተወጠሐ፡ ትካልዊ ኣካይዳ ዝነጽግ፡ ልዕልና ፍትሒ ዘይቅበል፡ ዜጋታት ዝጨውን ዝቐትልን፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝግህስ፡ ኣብ ጉዳይ እምነት ኢድ ኣእትዩ ዘዳኽር፡ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከይሓርሱ፡ ከይነግዱን መሬቶም ከየመሓድሩን ዝዕንቅጽ፡ መንእሰያት፡ ከይምርዓዉን ከይድርዓዉን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ጸሚዱ ንክስደዱ ዝደፍእን ምስ ቤተሰቦም ኮይኖም ከምዘይመሃሩ ዝገብርን……ወዘተ፡ ስለ ዝኾነ፡ ከም ዝቃወምዎ ብዓንተብኡ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም።
እንተኾነ እዚ ኩሉ ዘይሰብኣዊ ተግባራቱ፡ በታ ብግጉይ ኣረዳድኣ “ናጽነት ስለ ዘምጸአ” እትብል ሸፈጥ፡ እቲ ሓቀኛ ጨካን ምስሊ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንዝተወሰነ ክሕባእ ጸኢሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናጽነት ዘምጸአ ባዕሉ ክነሱ፡ እቲ ኣፍልጦ ንህግደፍ ክምጥዎ ምጽንሑ ከኣ ከም ሓደ መርኣያ ናይ “ንዘይትፈልጦ ምድጋፍ” ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ህግደፍ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጌጋ ዝሃቦ ዘይግብኦ ክብደት መዝሚዙ ኣርዑት ጭቆናኡ ከሕይል ጸኒሑን ብኣኡ ይቕጽል ኣሎን።
ግዜ እናሰጐመ ምስ ከደ ግና፡ ህግደፍ ነቲ ተቓወምቱ ከም መቃወሚኦም ምኽንያት ዘቕርብዎ ዝነበሩ እሞ እቶም ከይፈለጥዎ ዝድግፍዎ ዝሓብእሉ ዝነበሩ ኣበሳታት ባዕሉ ብተግባር ከቐልዖ ተገዲዱ። በዚ ድማ ሓያሎ ወገናት ካብቲ ዘይተጸንዐ ደገፎም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብዘይተኣምን ተመለስ” ኢሎም ገለን ብዓውታ ገለን ድማ ብስቕታ እግሮም ክስሕቡ ጀሚሮም። ብፍላይ ኣብ 2001 ጉጅለ ህግደፍ “ስለምንታይ እቲ ሓቀኛ ተግባረይን መልከዐይን ይቃላዕ?” ብዝብል ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ሰፊሕን ግሁድን ወፈራ ምእሳርን ምስዋርን ኣካይዱ።
ኣብ ልዕሊ መቓልስቱ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ጨኪኑ። ነተን እግሪ ዝተኽላ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ንብረተንን ወሪሱ፡ ኣብኣተን ዝሰርዝሑ ንዝነበሩ ክኢላታት ከኣ ብኣልማማ ቀፊድዎም። እንደጋና ድሕሪ ውሱን ዓመታት ነቲ “ናይ 1997” ዝበሃል ሕገ-መንግስቲ፡ “ከይተተግብረ ዝሞተ” ኢልዎ። በዚ ከኣ እቲ ብውሑዳት ጥራይ ዝቃላዕ ዝነበረ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ተጋሂዱ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣሰላልፋ ተቐይሩስ ሚዛን ሓይሊ ናብ ተቓወምቱ ዛዝዩ። ብዙሓት ነቲ ተቓውሞ ኣፍልጦ ዘይህብዎ ካብ ዝነበሩ ናብቲ ቃልሲ ተጸንቢረምዎ፡ ኣብ ምቅላዑ፡ ዓብይ ብጽሒት ኣበርኪቶም፡ ይቕጽሉ ከኣ ኣለዉ።
እቶም ነዚ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዝድግፉ ዘለዉ ብፍላይ ከኣ ካብቶም ብሰንኩ ሃገሮም ዝገደፉ፡ ነቲ ብተቓወምቲ ዝቐርብ ቅኑዕን ወድዓውን ሓቂ ዘይቅበሉ እዮም። ወረ ገሊኦምስ ዋላ በቲ ህግደፍ ባዕሉ ዝተኣመነሉ ኣሉታኡ ብዘይምዕጋብ፡ ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝፍትኑ እዮም። እዚኣቶም ንጭቆናን ወጽዓን ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበሉን ሕልናኦም ንንባርንነት ሸይጦም፡ ጽባሕ ኣብ ዘጣዕሶም ግጉይ መንገዲ ዝመርጹ እዮም። ብመንጽርዚ፡ እቲ“ዝውጻዕ ንወጽዒኡ ክድግፍ ምኽንያታዊ ኣይኮነን”፡ ካብ ዝብል ስለ ዝነቕሉ እዮም ነዞም ዝተዳህለሉ ወገናት “ነቲ ዝድግፍዎ፡ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ዝብልዎም።
ከምቲ “ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ዝበሃልን ግንዛበ ቀስ ኢሉ ብመስርሕ ስለ ዝመጽእን እቲ ካብታ ናይ ወጽዓ ባቡር ወሪድካ ናብታ ናይ ለውጢ ባቡር ናይ ምስፋር ጉዕዞ ሎሚ እውን ቀጻሊ እዩ። ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ከም ዝቕጽል ከኣ ባህርያዊ እዩ። ህግደፍ ካብቲ ኣብ ስሰዐን በሓትነትን ዝምስረት ዘየናሕሲ ፖሊሲኡ ስለ ዝነቅል፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ገንዘቦም ከውፍሩ ኣይፈቕድን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ገዛእ ሃገሮም መንበሪ ገዛ ክሃንጹ እኳ ኣይፈቕደሎምን። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ሰብ ጸጋ፡ ቁጠባ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ኣንጐላን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን የስብሑ ምህላዎም ድማ ናይዚ ውጽኢት እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዘይምንግስታዊ ትካላትን ማሕበራትን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረን መሳለጢ ክሃንጻ ክሓታ እንከለዋ፡ “እቲ ገንዘብ ኣምጸአኦ’ሞ ባዕልና ክሃንጾ ኢና” ብዝብል ምስምስ እቲ ጉጅለ ዝኾለፈን ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃንጹ ማሕበራዊ ትካላት ከም ዝወረሰ እውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገለ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ገንዘብ ከዋጽኡ ተንቀሳቒሶም ስለ ዝተኸልከሉ “ጫውጫው” ክብሉ ተዓዚብናዮም። ካብዚ ሓሊፎም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ነጻጊ ተግባራት፡ ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ክነሱ፡ ምስ ተለኣኣኽቲ ኤምባሲታትን ኣብኡ ዝሰርሑ ዕቡሳትን ክራገሙ ተሰሚዖም። እዚ ድማ “ነቲ ዝድግፍዎ’ስ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ኮይኖም ምጽነሖም ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ገባቲ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ዝነበረን ክድግፍዎ ዝጸንሑን እምበር፡ ሓድሽ ዝፍጠር ዘሎ ስለዘይኮነ።
More...
ኢትዮጵያን ሶማሊላድን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ከቲመን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸተሙ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን። እቲ ን50 ዓመታት ከም ዝጸንሕን ድሕሪ 2ተ ኣዋርሕ ቀዋሚ ስምምዕ ኮይኑ ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉን ሰነድ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ቢሂ ኣብዲን ከም ዝተኸተመ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ሰነድ ትሕዝቶ ንናይ ኢትዮጵያ ድሌት ኣፍደገ ባሕርን ናይ ወደብ መማረጽን ዘውሕስ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኢስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ሬድዋ ሑሴን፡ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መርሂ፡ ኢትዮጵያ ብኽራይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዘኽእላ እዩ ኢሎም። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ፈስቡክ ሕሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ ርኢቶ፡ “እቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዝተኸተመ መሰማምዒ ሓሳብ፡ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን መርበብ ዝኸፍት እዩ” ኢለምዎ።
ኣቲ ዜና ከም ዝተጠቕሶ፡ እቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ኣፍደገ ክኸፍት እዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ስምምዕ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ክም እትኣምን ከም መዕቀኒ ክትወዶ ከም ትኽእል ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ስጉምቲ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋቱን ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሰላም ከም እትግደስ ከም ዘረጋግጽን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ወደብ በርበራ ንምጥቃም፡ ምስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ኣብ ስምምዕ ምብጸሓ፡ ምስ ሶማሊ-ሞቃድሾ፡ ጅቡትን ካለኦት ኣካላት ከረሓሕቓ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2023 ዓሚ፡ 2024 ድማ ሎምዘበን” ኣብ ዝበሃላሉ ናይ ግዜ ምትኽኻእ በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2024ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።
እዛ “መጻእኩ” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት’ውን ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን፡ “እዛ ዓመት እዚኣስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ኢና ንብል። ኣብታ ዓመት ሰብ ብዘምጽኦ ሕሰምን መከራን ብምምራር “እዛ ዓመት እዚኣስ እንኳዕ ከደትልና”፡ ብዝብል ምረትና እንገልጸሉ’ውን ኣሎ። እዚ ንግዜ እነሰክሞ ምስምስ ዘይኮነ ናይ ሰባት ናይ ግንዛበ ጸገም ከምዝኾነ ክንርደኦ ይግበኣና።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ግዳ፡ ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ጸጋ ዘይምብኻን፡ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ሓላፊትን መጻኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ እቲ ንሕና እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግም ይግበኣና። ናይ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ካብቲ ዝሓለፈ እንወታን ኣሉታን ተማሂርና፡ ኣብ ዝሓሸ መጻኢ ንክንርከብን ዳግማይ ንከይንጋገን ብጥንቃቐ ናብ መጻኢ ዕማምና ንከነማዕዱን እዩ።
ኣብ 2023፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዋ ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡን ውሑዳት ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭቆና ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ፡ ኣብ 2024’ውን ዝገጥመና ብደሆ’ ቀሊል ስለ ዘይከውን ክንቅረበሉ ይግበኣና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣእትዩ “ከጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን። እንተኾነ ኮይኑስ፣ ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሳዕቤን ናይ ዘይምልከቶም ውግእ ከም ዝኾኑን ስራቤታቶም ጋና ደሃዮም ንክፈልጡ፡ ብስግኣትን ጭንቅን ይጽበዩ ኣለዉ። እዚ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ሻቕሎት እምበር ምስጢር ኣይኮነን። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ገበን ንምኽዋል፡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይኣተወን” ክብሉ ዝጸንሑ ኣብ ዓመተ-2023 ግና ኩሉ ዘመኻንይዎ ዝነበሩ ሓሶት ምዃኑ ምስተቓለዐ፡ “ዶብ ንምውሓስ ኢዩ ኣትዩ፡ ኣብ መሬቱ እዩ ዘሎ” ይብሉ ኣለዉ። ኣብቲ ጉዳይ ሻራ ዘየብለን ወገናት ከም ዝምስክረኦ ግና ሰራዊት ኤርትራ ጋና ኣብ ትግራይ ብምህላዉ ተኸሳሲ እይ።
ውግእ ትግራይ ብውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ብምቁራጹ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ “ተኾሊፍና”፡ ብዝብል ኣስናኑ ዝሕርቅም ዘሎ ህግደፍ፡ ጋና ውግእ ንክጽሕትር ኣብ ቀረባን ርሑቕን የዕገርግር ኣሎ። እዚ ምዕግርጋሩ ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ክንከታተሎ ዝጸንሕና እዩ። እዚ ተረኽቦ ኣብ 2024 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ድማ እንከታተሎ ክኸውን እዩ። ኣብዛ ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብሓይሊ ንምፍታሕ “ውግእ ኣየዋጸኣናን እዩ” ኢሎም መንገዲ ሰላም ዝሓዝሉ መስርሕ፡ 2024 ከኣ ነቲ መስርሕ ኣብ መፈጸምታ ናይ ምብጽሑ ሓላፍነት ክትርከብ እያ። ውጽኢት ናይዚ መስርሕ ሰላም፡ ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንኤርትራን ንዞባናን ዘለዎ ፋይዳ እውን ልዑል እዩ።
2024 ካብ 2023 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዘለዎ ከይገድድ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራውን ዞባውን ኩነታት ከኣ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጋና ውግእ ንምቕጻል ኣብ ርሑቕን ቀረባን ኩሉ ዝከኣሎ ይጽሕትር ኣሎ። ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ፡ ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኢዶም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ እዩ። ጉዳይ ሱዳን ኣብ 2024 እውን መዋግኢ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታት ከይከውን የስግእ ስለዘሎ፡ ብዝኸፈአ መልክዑ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ክፉት እዩ።
ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ብዓብይኡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ ምእጓድ ሓዊ እንተዘይኮይኑ፡ ሰላማዊ መንገዲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ንቡር መስመር ስለ ዝወጸ ናብ ሰላም ክምለስ ዘይሕሰብ እዩ።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2024፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኦ ሓደ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ተሳትፎን ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል (ላመኣ) ብምምስራት ሓደ ኩቡዖ ንቕድሚ ሰጒሙ ኣሎ። ኣብ 2024 ከኣ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ኣጽኒዕና ሒዝና ናብ ዝሰፍሐ ጽላል ንምብራኹ ክንቃለስ ኢና።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ኣብ 2024 እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጀመሮ እሞ ኣብ መፈጸምታ ዘየብጸሖ ትልምታቱ ምትግባር፡ ናይ መጻኢ ዓመት ዕማማቱ ኣካል ክኽውን እዩ። 2023 ብመሰረት ቅዋሙ፡ 4ይ ጉባአኡ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ኣዕዊትዎ እዩ። ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመት ከኣ፡ ናይቲ ጉባአ ውሳነታት፡ ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ኣብ ምትግባር ሰፊሕ ዕማም ይጽበዮ ኣሎ።