Thursday, 23 January 2025 19:47

Dimtsi Harnnet Kassel 23.01.2025

Written by

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ትካል ንህጹጽ ድሕነት ህጻናት (UNICEF) ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ናይ ፈጻሚ ኣካል ኣኼባ፡ ካብ ዝመረጾም ሓደ ዳይረተርን 4ተ ምክትላን፡ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝተባህለት ወኪል ህግደፍ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ምክትላት ሓንቲ ኮይና ምምዛዛ ብዙሓት ኤርትራውያን ቁተዐኦም ይገልጹ’ለዉ።

ምምሕዳር ህግደፍ፡ ንህጽናት ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ብግብረሰናይ ትካላት ከይልገስ ዕንፋት ብምፍጣር፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣገዲዱ ናብ ግዱድ ውትህድርና ብምስላፍ፡ ወለዶም ኣሲሩ ህጽናታት ናባይ ስኢኖም ከም ዝኽትሙ ብምግባርን ትሒት 5ተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጽናት ካብ ኤርትራ ከይወጹ ብምኽልካልን ዝግለጽ ጨካን እዩ።  እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ መሪሕነት ናይቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ከም ዘቖትዕ ዝተፈላለያ መዲያታት ኤርትራ ይገልጻ ኣለዋ። እቶም ዝተቖጥዑ ካብ ዝጠቕስዎም ጭካን፡ ማእሰርቲ ህጻን ሂሳም ጓል ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዶን፡ ህጽናት ደቂ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብሰንኪ ማእሰርቲ ክልቲኦም ወለዶም ምዝኽታሞምን ይጠቕሱ።

እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕጂ እውን ኮንደኾን ለውጢ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ይኸውን ብዝብል፡ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ኮይኑ’ኳ ኮይኑ እንተነበረ፡ ከጋድድ እምበር ከመሓይሽ ኣይተራእየን። ትካል ተሓላቒ መሰል ህጽናት ከኣ ኣብ ክንዲ ካብዚ ተመኩሮ ዝመሃር፡ ብግህሰት መሰል ህጽናት ክኽሰስ ናይ ዝግበኦ ጉጅለ ተወካሊት ናብ ሓላፍነት ምምዛዙ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከምዝኮነ ብምጥቃስ እቶም ኤርትራውያን  መረርኦም ገልጾም።

ሶፊያ ተስፋማርያም መድረኽ ኣብ ዝረኸበትሉ፡ መሰል ኤርትራውያን ብምግሃስን ኤርትራውያን ኣብ ስደት ካብ ድሌቶም ወጻኢ ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብ ምግዳድን ርኡይ ኣሉታዊ ግደ ካብ ዘለዎም ሓንቲ  ክንሳ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስብኣዊ ቦታ ምምዛዛ እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ዘይርዳእ ምዃኑ ከም ዘመልክት  ኤርትራውያን ብቑጠዐ ገሊጾም።

እቲ ንመሰል ህጽናት ዝጣበቕ ትካል  ሕቡራት ሃገራት፡ ብ11 ታሕሳስ 1946 ተመስሪቱ ኣብ ነውዮርክ ዝመደበሩ፡ ኣብ 190 ሃገራት ዓለም ዝንቀሳቐስ ዘሎ ምዃኑ ድሕረ ባይታኡ የመልክት።

 

 

                         كلمة رئيس القوى السياسية الارترية

                         إلى المؤتمر الثاني لتنظيم وحدة الارتريين

 

السيد / تسفا ألم رئيس لتنظيم وحدة الارتريين

السادة / أعضاء اللجنة المركزية،  واللجنة التنفيذية

الحضور الكريم

أصالة عن نفسي ونيابة عن القوى السياسية الإرترية أحييكم وأشكر دعوتكم لنا لحضور افتتاح مؤتمركم الثاني.

يصادف انعقاد مؤتمركم في ظل انحدار وضع شعبنا من السيئ الى الأسوء، ويعيش حياة العبودية التي لا تطاق وحرمان من أبسط حقوقه الإنسانية؛ من حقه في  التفكير، وحقه في  التعبير عن الرأي، وحق الحركة والإنتقال، ويزج به في السجون. ومن حاول الهروب من هذا الجحيم  نجده يكابد مشقة حياة اللجوء. ومن جانب آخر في ظل الحروب بين أبناء الوطن الواحد في السودان وإثيوبيا،  وفي ظل التخوف من اتساع الحرب الدائرة في الشرق الاوسط بين الاسرائيليين والفلسطينيين،  والحرب الروسية الأوكرانية، التي يصعب التكهن بنهايتها. وعلى مستوى الداخل اليوم  تلوح في الأفق غيوم  الحرب، وفي ظل هذه المرحلة الدقيقة يتطلب من الجميع اتخاذ موقف موحّد، والعمل على عزل النظام الشمولي.

عقدت القوى السياسية الإرترية مؤتمرها في أغسطس 2024، وفي هذه اللحظة تعمل اللجنة التنفيذية المنبثقة من المؤتمر لتحقيق أحد أهم القرارات والتوصيات المهمة للمؤتمر؛  ألا وهي بناء مظلة وطنية جامعة تشمل الجميع. وقد خولها المؤتمر صلاحيات كاملة لإنجاز هذه المهمة و أن يتم ذلك على أساس المبادئ الأربعة التي يؤمن بها تنظيمكم وهي:-

 1 – إزالة النظام الشمولي واستبداله بنظام دستوري قانوني ديمقراطي.

 2- الحفاظ والدفاع على سيادة إرتريا.   

 3- احترام حقوق الشعب الإرتري الإنسانية.

 4- الحفاظ على وحدة الشعب وسلامة الأراضي الإرترية.

وهنا نود ان نؤكد على أن اللجنة التنفيذية سوف تبذل كل ما في وسعها لتوحيد القوى الوطنية التي تؤمن بالمبادئ الأربعة المذكورة أعلاه،  وبناء على ذلك هنالك حوارات جارية لإقامة مظلة وطنية شاملة بين التحالف الإرتري للتغيير الديمقراطي و بين القوى السياسية الإرترية. ومن داخل هذه القاعة أناشدكم أن تلعبوا دوركم لإنجاح هذا المسعى وكل المساعي المبذولة، وأوصى أن يولي مؤتمركم الإهتمام  لإقامة مظلة وطنية شاملة وأن يعطي القيادة المنتخبة تفويضاً كاملاً لتحقيق ذلك.

في الختام أتمنى للمؤتمر النجاح  وان يكون هذا العام حافلاً بالإنجازات،  وتكاتف جهود المقاومة على المستويين الداخلي والخارجي لتحقيق طموحات شعبنا في حكم سيادة القانون والدستور.

النصر لنضال الشعب من أجل الديمقراطية

الهزيمة لنظام أسمرا الديكتاتوري

الوحدة من اجل الحرية

قرزقيهير تولدي

رئيس القوى السياسية الارترية

17 يناير 2025

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ናይ ሃገራት ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ምጽልላው ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሑ  ይርከብ። እዚ ተርእዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብደረጃ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን፡  ብፍላይ ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ንዓለምና ናብ ክልተ ደንበ ከፊልዋ ዝነበረን እዩ። በዚ ምኽንያት እየን ከኣ ሃገራት ንዝምድና ከም ኣገዳሲ  ኣጀንዳአን  ክሰርሓሉ ዝግደዳ።

ኣብ ከይዲ ናይቲ ምጽልላው፡ ዝያዳ ግደ ዘለወን ፍሉያት ሃገራት’ኳ እንተለዋ፡ ዝኾነት ሃገር ዓቕማ ይዕበ ይንኣስ  ግደ ኣለዋ። ልዑል ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕምን ዝናን ዝደለባ ኣብ ዓለምና “ሓያላት”  ዝበሃላ ሃገራትን ትካላትን ዝምድና ኣብ ምቕያስ ወሳኒ ግደ ከም ዘለወን ርኡይ እዩ። ናይ ሃገራት ሓያልነት በብግዜኡ ዝለዋወጥ  ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣስማተን ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ከይተላዕለ ዘይውዕል  ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሩሲያ……ወዘተ ብዘለወን ልዕልና ኣብ ናይ ምጽላው ውድድር ዘለዋ እየን። እቲ ውድድር  ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ብምእታው ጽልዋኻ ብምስፋሕ’ውን ዝግለጽ’ዩ። ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ናይ ህልውና ስግኣትን ዘጋጥመን ሃገራት  ምስ ሓንቲ ካብዘን ሓያላት ተጸጊዐን ክዕቆባ ከም ዝግደዳ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ምግልባጣት ህያው ምስክር እዩ። ብሰንክዚ ህልውነአን ምሉእ ብምሉእ  ኣብ ኢድ ካለኦት ወዲቐን ዝሕመሳ ሃገራት’ውን ውሑዳት ኣይኮናን።

እተን ሓያላት ጽልወአን ንምሕያል ካብ ሃገረን ወጻኢ ዘካይደኦ ወፍሪ፡  መንቀሊኡ ኩለ-መዳያዊ ኮይኑ፡  እቲ ቀዳምነት ዝሰርዐኦ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዓብላልነትን  ቁጠባዊ መኽሰብ ንምድላብን እምበር፡ ናይተን ዝጸልወአን ረብሓ ቅድሚት ዝሰርዕ ከምዘይኮነ ዝተፈልጠ እዩ።   ኣብ መስርሕ ዝምድና “ምስ መን እንተኮይንካ ኢኻ ትረብሕን ትድሕንን?” ዝማእከሉ ሕቶ ምምላስ ወሳኒ እዩ። ኩነታት ክቕየር እንከሉ ምስቲ ሓደ ጸኒሕካ ናብቲ ካልእ ምጽጋዕ  ኣብቲ ጉዕዞ ዝምድና ዝረአ እዩ። ብመንጽር’ዚ እተን ተጽዕኖ ዝፈጥራ ሓያላት ኮና፡ እተን ተጽዕኖ ዝወርደን ናይ ግድን ኣብቲ ሓንሳብ ዝደኮነኦ ዝምድና ይነብራ ማለት ዘይኮነ፡ ምስ ምቅይያራት ረብሓ ዝቕየር እዩ።

 ኣብ ናይ ዝምድና ውረድ ደይብ፡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝወሃቦም ተሃወስቲ ኩርነዓት ኣለዉ። ኣብቲ ክሊ እቲ ኩርናዕ ዝርከባ ሃገራት ከኣ ንመጥቃዕቲ ኮነ ንመጎስ ዝተቓለዓ እየን። እዚ ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ሓደ ካብቲ ውድድርን ቁርቁስን ናይ ሓያላት ዘይፍለዮ ከባብታት እዩ። ሓደ ከባቢ መቆራቖሲ ዝኸውን ብዘለዎ ተበሃጊ ጀኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣን ትሕተን ልዕለን ምድሪ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዝሓቖፈ ክውንን እንከሎ’ዩ።

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዎ ናይ ንግድን ትራንስፖርትን ዓለምለኻዊ ተባሃግነት፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ መቆራቖሲ ኮይኑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ኤርትራ ከኣ ምስቲ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ሓላፍነታዊ ምምሕዳር ዘየብላ ምዃና፡ በቲ ቁርቁስ እትሰግን ግዳይ ትኸውንን እምበር እትጥቀም ኣይኮነትን። ህዝባ ናይቲ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ወደባቱ ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ነዚ’ዩ ዘመልክት። ብኣንጻሩ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝጥቀመሉን ውዲት ዝኣልመሉን ወተሃደራዊ መደበራት ኣብ ምክራይ እዩ ዝግደስ። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ’ውን እስትራተጅያዊ ተበሃግነት ኤርትራ ካብ ወተሃደራዊ ተጠማትነትን መወዳዳሪ ሓያላትን ወጻኢ ኣይኮነን። ህግደፍ ብሰንክቲ ዝኽተሎ ዕጽዊ ፖሊሲኡ ንዘጋጥሞ ሕመቕን ድሕረትን፡ ብሓፈሻ ኣንጻር ምዕራባውያን ብፍላይ ከኣ  ኣንጻር እታ ስለ ዘዕበየቶ ክባተኻ ዘይደሊ ኣሜሪካ ብቐጻሊ ከማርር እዩ ዝስማዕ።

ኣሜሪካ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ረብሓኣን ረብሓ መሓዙታን እናቓነየት ኣጀንደኣ ካብ እትገብሮ መዋእል   ኮይኑ እዩ። ካብ ድሮ  ናጽነት ኣትሒዝና እንተተዓዘብና፡ ካብ ሄርመን ኮሀን ጀሚርካ ፖለቲከኛታታ ኣመሪካ ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳኦም ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ሚካኤል ሮቢን፡ ቲቦር ናጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ኣንበሳድራትን ኣንጻር’ቲ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ህግደፍ፡ ዘቕንዑ  ይመስሉ። ህግደፍ ከምስል’ኳ “ነብሰ-ምርኮሳ” እንናበለ ደገፍ ኣሜሪካ ከምዘይደሊ መሲሉ ዘጉባዕብዕ እንተኾነ፡ ድምጹ ሓቢኡ ራሕሶም ካብ ምልማን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ “ኣይሰላም ኣይወግእ” ግዜ ዘስመዖ ዝነበረ ናይ “ዘሪኹሙኒ” ኣውያትን  ናይ ደሓር “ኮሊፎምና”  ሕርቃኑን መረጋገጺ እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ምስግጋር፡ ኣብ ዞባና ድምጺ ናይቲ ሓድሽ ብትራምፕ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንክሰምዑ ዝጸናጸኑ መንግስታት ብዙሓት እዮም። ንኣብነት ሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ክትረክብ ብሃንቀውታ ትጽበ። ህግደፍ’ውን ሓደ ካብ ተጸበይቲ ኮይኑ፡ ብምምራጽ ትራምፕ ሓጐሶም ካብ ዝገለጹ ሓደ’ኳ እንተ ነበረ፡ መጋብሩ  ስለ ዝፈልጥን ግና መጻኢ ከምዘየቕስኖ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ በቲ ክጨንቆ እንከሎ መልእኽቱ ዘመሓላልፈሉ “ማእከል ምምርምርን መጽናዕትን ኤርትራውያን”  ዝበሃል መርበብ  ኣቢሉ ስንባደኡ ምግሃድ ጀሚሩ’ሎ።  

ካብቲ ዘሰንብዶ፡ ባህርያቱ ብደቂቕ ዝርድኡ፡ ከም ቲቦር ነጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ኣንበሳድራት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከት ናብ ሓላፍነት ምምጸኦም ዕድመኡ ዘሕጽር ከይከውን ምስግኡ እዩ። ካብቲ ስግኣቱ ዘንጸባርቕ ኣውያቱ ድማ “ክልተ ኣንጻር ኤርትራ ሽምጦም ገቲሮም ዝታረኹ ፖለቲኬኛታት'ዮም፥ / ፒተር ፋምን ኣምባሳደር ቲቦር ናግን። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ምስ ኢህወደግ ስጥመት ዘለዎ ናይ ስራሕ መሳልል ሃኒጾም ምሉእ ቱኽረቶም ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቢሎም ምጽንሖም ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ'ዩ።” ይብል። “ጉዳይ ቲቦር ናጊ "ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቁምነገር ሒዝካ ተረት" ከም ዝኸዉን ፍጹም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዝብል’ውን ይውስኸሉ።

ምስዚ ኩሉ ግና ናይዞም ሓያላት ተጽዕኖን ተግሳጥን ኣድላይ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ቃልስን ግደን እዩ። እቲ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ዕድልዩ ዘጣጥሕ።  ነቲ ዝተፈጥረ ዕድል ተጠቒምካ ናብ ረብሓ ህዝብኻ ምውዓሉ ከኣ ነዓና ንተቓለስቲ እዩ ዝምልከት። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ተጽዕኖ ሓያላት ብመንጽር ናቶም ድሌት ዝተቓነየ ስለ ዝኸውን፡  ውጽኢቱ ብኸመይ ናብ ኤርትራዊ  ረብሓን ባህግን  ይቃነ  ከሎ ጋና ከነስተውዕለሉ ዘለና እዩ። ስለዚ እዚ ክፍጠር ይኽእል ተባሂሉ ዝግመት፡ ንህግደፍ ዘርዕድ ኣሰላልፋ ንዝያዳ ረቂቕ፡ በሊሕን ሓላፍነታውን ሓባራዊ ቃልሲ እንዳለወሉ ምዃኑ  ክንግንዘብ ከድልየና እዩ።

ህይወት ሰባት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ስራሕ፡ ንግዲ፡ ቃልሲ፡ ሓጐስን ሓዘንን ኮታ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ዝንጸባረቕ እዩ። ሓባራውነት ኣብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘተኩር ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ናይ ሓሳባት ምጽልላውን ምድግጋፍን እውን ዘንጸባርቕ እዩ። ሰባት ነዚ ዘይተርፍ ምጽልላው ክገልጹ እንከለዉ “ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ” ብዝብል ይገልጽዎ። እዚ ሓባራውነትን ምጽልላውን ብምትእምማን ክስነይ እንከሎ ዝያዳ ጠቓሚ ይኸውን። ኣብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ምክሕሓድ፡ ምንዕዓቕን ምጥርጣርን ዝተሰረተ እንተኾይኑ ግና፡ ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይከውንን እዩ። እዚ ሓባራዊ ምጽልላው ብምትሕልላይ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ ዝሕለወሉ ኩነታት እውን ኣሎ።

ሓባራውነት ኣብ ሕድሕዶም  ዝጻረሩ ግና ድማ ተኸኣኢሎም ዝኸዱ ስምዒታት እዩ ዘነባብር። ናይ ዕድመ፡ ናይ ጾታ፡ ትምህርቲ፡ ሃብትን ሓላፍነትን ፍልልያት ነቲ ተጻራርነት ካብ ዝወልዱ መዐቀንታት’ዮም። እቲ ተጻራርነት ብብዙሕ መልክዑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ዛዕባ ብዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ ዝቃነ። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ሓንሳብ ምስ ተታሕዘ ኣብኡ ዝነብር ዘይኮነስ፡ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ብከባብያዊ ጽልዋ ኮነ ኣብቲ ሰብ ብዝፍጠር ውሽጣዊ ምቅይያራት ዝምዕብል እዩ። ንኣብነት ዕድመ፡ ትምህርትን ተመኩሮን እንዳደልብካ ምስ እትኸይድ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዝነበረካ ኣረዳድኣ ናበየናይ ኣንፈት ይኹን ብዘየገድስ ይቕየር እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ማዕባሊ መስርሕ ከኣ ትኣምኖ ዝነበርካ ክትጥርጥሮ፡ ትፈትዎ ዝነበርካ ክትጸልኦ፡ ትቕበሎ ዝነበርካ ክትነጽጎ ….. ወዘተ ንቡር እዩ። እዚ ለውጥታት’ዚ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብ ኩሎም ደቂ ሰባት እዩ ዝረአ። ስለዚ ኣብ ሓደ ጉዳይ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ከተሕድር እንከለኻ እቲ ካልእ ወገን እውን ብናቱ መንገዲ ዝምዕብል እምበር፡ ናትካ ኣተሓሳስባ ተጸባዪ ጌርካ ምርኣዩ ጌጋ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ብልቢ ዝኣምነካን ንኹሉ ኣተሓሳስባኻ ዝቕበልን ዝነበረ፡ ኣብ ካልእ መድረኽ እትመርጾ መንገዲ ግጉይ ኮይኑ እንተተራእይዎ፡ “ደጊም እዚ ምርጫኻ ምርጫይ ኣይኮነን” ክብለካ ምዃኑ ከሎ ጌና ምርዳእ ልቦና እዩ።

ገለ ሰባት ቀደም ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ቃልስን ካልእ ኣጋጣምን ዝተላለይዎን ዝተዓራረኽዎን ኣካል፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብኣተሓሳስባ ደረጃ ከምቲ ቀደም ዝኣምኖምን ዘዝበልዎ ዝገብርን እናመሰሎም፡ ተሰካሚ ሓሳቦም ገይሮም ከጋልብዎ ይደልዩ።  ከምቲ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ዝበሃል ከኣ ተቓውሞ ክገጥሞም እንከሎ ይስንብዱ። ብኣንጻሩ እቲ ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ዝገመትዎ እሞ ካብ ግምቶም ወጻኢ ዝጸንሐ ኣካል፡ ናቱ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ “የለን ንስኻ ኢኻ ግጉይ ዘለኻ እሞ እንተኾነ ናብ ልብኻ ተመለስ እንተዘየለ ሓሳብካ ቅቡል ኣይኮነን“ ክብሎም እንከሎ፡ ተኣምራት ከም ዝተፈጥረ ይሰንብዱ። ብፍላይ ምስ ጉዳይ ሃገር፡ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበን ዝተኣሳሰሩ መርገጻትን ውሳነታትን፡ ንኽብሪ ናይ ቀደም ዕርክነትን ምቅርራብን ወይ ካልእ ግዝያዊ ጠቕሚ ኢልካ ዘይኮነ፡ ሕግን ስርዓትን እንዳተወከስካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ እምነትን ሓቅን ዝተሓዝ መርገጽ እዩ። ነዚ ናይ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቅን ሚዛንን ኣነኣኢስካ፡ ናትካ ኣተሓሳስባ ተሰከምቲ ክኾኑ ክትደፋፍእ ወይ ከተመንግጎም ምድንዳን ግና ቅቡል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሰባት መሰል ምግሃስ’ውን እዩ።

ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእየካ ሓሳብ ምንጽብራቕ ሓጥያት ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ መሰል እውን እዩ። እንተኾነ ነቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ሒዝካ ናብ መቀራረቢ ሓሳብ ምስጓም እምበር፡ ካልኦት ናብቲ ናትካ ክርዕሙ ሓደ ኩርናዕ ሒዝካ ምጽባይ እሞ ድማ ምስ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክራጸም እንከሎ  ሃናጺ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ግጉይ እዩ። ከምቲ ንስኻ ነቲ ናትካ ሓሳብ ናይ ምክልኻልን ምዕጋብን መሰል ዘለካ፡ ካለኦት እውን ካብቲ ናትካ ሓሳብ ዝተፈልየ ምናልባት’ውን ዝጻረር ሒዞም ከዕግቡኻን ክጸልዉኻን መሰል ከም ዘለዎም ብጭረሖን መደረን ዘይኮነ ብግብሪ ቅሩብ ምዃን የድሊ። ብኣንጻር እዚ ክትቅበል ቅሩብ ዘይኮንካ ክንስኻ፡ ካለኦት ክቕበሉኻ ምምህላል ውጽኢት ኣይህልዎን። ከምዚ ገለ ወገናት ንሳቶም ሕግን ስርዓትን እንዳጠሓሱ ንኻለኦት ብጥሕሰት ዝኸስሉ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ‘ዩ። ብሓጺሩ እቲ ካለኦት ክትግብርዎ እትደልዮ፡ ኣቐዲምካ ናይ ምትግባር ኣርኣያ ክትከውን ግድን እዩ። ካብቲ ካለኦት ክገብርዎ ዘይትደልዮ ድማ ቅድም ንስኻ ተዓቀብ።

11 July 2017

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ19 ጥሪ 2025 ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣገደስቲ ስግኣታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ዘንጸባርቕት  ሓጺር መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።

ብምቕጻል ኣኼባ  ኣብቲ ኣገዳሲ ኣጀንዳ “ምምይያጥ ኣብ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ” ኣትዩ፡  በብታራ  ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ሚዛን ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእዩ ሓያላትን ድኹማትን ነጥብታት ዳህሲሱ ኣለልዩ። ኣብቲ ሚዛኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜና ተፈጢሩ ዝጸንሐ ብኩራት ቋንቋ ዓረብ ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ መዚኑ፡ ኣብቲ ዝድለ ውጽኢት ንክበጽሕ ዝያዳ ንክስረሓሉ ተረዳዲኡ። ብዘይካዚ ኣባላት ሰልፊ ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ንዘርእይዎ ዘለዉ ትግሃት ንኢዱ፡ ኣብዚ መዳይ ዝረኣዩ ሓደሓደ ሕጽረታት ተኣሪሞም ናብቲ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምለስሉ ኣንፈት ከኣ ኣነጺሩ።

ብሓፈሻ ነቲ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ፡ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ እቶም ሓያላት ጐድንታት ዝያዳ ንክሕይሉ እቶም ድኽመታት ከኣ ንክመዓራረዩ ዝሕግዙ ውሳነታት ኣሕሊፉ ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰልፊ ወጊኑ።

ካብዚ ሓሊፉ ፈጻሚ ሽማግለ ብፍሉይ ንክርእዮም ኣብ ዝቐረብሉ ዛዕባታት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ ውሳነታት ወሲኑ፡ ንክትግበር ከኣ ነናብ ዘዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ክምራሕ ተረዳዲኡ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ዝምስረት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪቲ ዘካየዶ ቀዳማይ ኮንፈረንስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ስርርዓት ኣካይዱ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ተዋፊሩ ከም ዘሎ መዚኑ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ እቲ ዝተተለመ ዘሎ መደባት ዝትግበረሉን እቲ ጽላል ንክሰፍሕ ተታሒዙ ዘሎ መደባትን ኣብ ምትግባር ሰዲህኤ ኩሉ ዘድሊ ኣበርክቶ ክገበር ቅሩብ ምዃኑ ተረዳዲኡ።

ብዛዕባ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብዚ ዞባና ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ብደሆታትን  ድህሳስን መጽናዕትን ዝግበረሉ መደብ ሰሪዑ ምዕሩይ ሚዛንምሓዝ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእል  መደብ ሰሪዑ።

ኣብ መወዳእታ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይድዎ ንዘለዉ  ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ  መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ18 ጥሪ 2025፡ ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ምስ መሰረታት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሓላፊ ቤት ጽሕፈ ብጻይ ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ፡ “ግደ ዲፕሎማሲ ኣብ እዋን ተቓውሞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ዶ/ር ኣክሊሉ ኣብ መግለጺኡ ዲፕሎማሲያዊ ስረሓት ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምጥቓሱ፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መድያታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጸሓሉ መድረኽ፡ ከመይ ከም ዘሎ እውን ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዝያዳ ንዋታውን ሰብኣዊ ዓቕሚ ስለ ዝሓትት ኣብ ግዜ ተቓውሞ በዳሂ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣተሓሒዙ ድማ ብደረጃ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ መዳይ ዝተዓሙ ስረሓትን ኣብ መጻኢ ከም መደብ ተታሒዞም ዘለዉ ናይ ስራሕ ዕማምት እውን ኣብሪሁ። ኣብ መብርሂኡ፡ ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል ከምቲ ዝድለ’ኳ  እንተዘየበራበሮ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህግደፍ ንምምካት ዘርኣዮ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ ጠቒሱ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ከምዚ ናይ ተቓውሞና ኣብ ዲፕሎማሲ ናይ ዝተዓወታ ኣብነታት ብምጥቃስ ዲፕሎማሲ ናይ ውሱናት ዘይኮነ ናይ ኩሉ ተቓላሳይ ዕማም ምዃኑ ብምሕባር ንተሳትፎ ጸዊዑ።

ደንበ ተቓውሞ ጌና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ብምዃኑ ዲፕሎማስያዊ ሓያልነቱን ተሰማዕነቱን ስለ ዘዳኽም ብሓባር ዝውፈረሉ ኩነታት ምፍጣር ንዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ ድሕሪ መግለጺ ዝተኻየደ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጢ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብሓፈሻ ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዝረአ ዘሎ ናብ ምቅላዕ ህግደፍ ዘቕነዐ ምልዕዓላት፡ ብኸመይ ናብ ረብሓ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምውዓል ከም ዝከኣል ዝምልከት ብሰፊሕ ተዘሪብሉ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተሳላሰለ ንጥፈታትን ዝተጠርየ ዝምድናታትን ኣቒብካ ንመጻኢ ኣገደስቲ ለበዋታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

እዚ ንኣባላት ሰዲህኤ ዝወሃብ ኣስተምህሮን ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣሰራርሓ ጸብጻባትን ዝምልከት፡ ኣብ መጻኢ እውን ብስሩዕ መደብ  ዝቕጽል ምዃኑ ከኣ ብኣዳላውቲ ናይቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ 6 ጋዜጠኛታት ብምድጓን ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝጥቀሳ ኤርትራ እትመርሐን  ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝኾነት መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ (ADDIS STANDARD)፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ) ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ  ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። እቶም ጋዜጠኛታት ክሳብ ሞት ብዘፍርድ “ራዕዲ” ከም ዝተኸሱ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ”ራዕዲ ወይ ጥሩፍነት” ዝብል ኣምር፡ ዘይብሩህ ትርጉም ሂቡ ከም መመሳመሲ ከም ዝጥቀመሉ ኣስፊሩ።

ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ 6 ጋዜጠኛታት የሺሃሳብ ኣበራ ዝተባህለ፡ ኣብ 2024 ብሰንክ’ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ምኽባር ሕጊ” ተባሂሉ ዝተጀመረ ደሓር ግና ናብ ኣዕናዊ ውግእ ዘምረሐ ዝተኣስረ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እቲ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኮሚተ ኣተሓሒዙ፡ እቶም ኣሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ነቶም ጋዜጠኛታት ዝኣሰርሉ ዝርዝር ምኽንያት ብንጹር ኣይገለጹን። ብዘይካ’ዚ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ ኩነታት ብምጥቃም ብዙሓት ሲቪል ሰራሕተኛታት፡ ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ከም ኣካል ናይቲ  ኣብቲ  ክልል ዝካየድ ዘሎ ወግእ  መእሰሪ ምኽንያት  ከም ዝጥቀምሉ ሓቢሩ።

ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ 16 ጋዜጠኛታት ብዘይፍርዲ ብምእሳር ቀዳመይቲ፡ ከስፍራ እንከሎ፡ ካሜሩንን ሩዋንዳን ድማ ነፍሲ ወከፈን 5 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ደድሕሪ ኤርትራ ሰሪዑ፡ ንኒጀር ከኣ ኣብ 4ይ ደረጃ ኣስፊርዋ።

ብደረጃ ዓለም ከኣ ቻይና 50 ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትመርሕ ኮይና፡ እስራኤል 43፡ ማየማር 35፡ በላሩስ 31፡ ሩሲያ 30: ጋዜጠኛታት ብምእሳር ደድሕሪ ቻይና ከም ዝስረዐን ጢቒሱ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ጸብጻቡ 361 ጋዜተኛታት ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ  እቲ ኮሚተ ክሳብ ሎሚ ብዝሰነዶ መሰረት ብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት ዓለም  2ይ ደረጃ ዝሕዝ እዩ።

 

Page 12 of 597