መግለጺ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ሎሚ ኣብ ድሮ ምስግጋር ናይ 2025 ዓ.ም ኢና ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ “እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን” እናበለ ናይ ሰነይ ትምኒት መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምናን ኣመሓላሊፉ።
2024 ዓ.ም ኣብ ዓለምና ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተጋህደላ፥ መወዳደርቲ ዘይብሉ ሞት፡ ስንክልና፡ ብርሰትን ስደትን ዝተኻየዱላ፡ ናይ ዓለም ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራትን ተዓዘብቲ ዝዀኑላ ዓመት ኢያ ነይራ ኢሉ።
ነዚ ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ብሰላምን ብልዝብን እንተዘይኰይኑ፡ ብሓይሊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ፈተነታት ንዝያዳ ጥፍኣትን ዕንወትን እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ ዝርከቦ ኣይኰንን ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ እውን፡ ኣብ ክንዲ ንጐረባብቲ ሃገራት ናብ ቅልውላው ዘእቱ መደባት ምትላም፥ ብቐዳምነት ንውሽጣዊ ኰነታት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ክመልስ፥ ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ካብዚ ኣጋጢምው ዘሎ ድኽነት፡ ሕማም፥ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ናብ ንቡር ናይ ሰላም ህይወት ንኽመልሶ ኢሉ ክሓስብን ክጽዕርን ኣዘኻኺሩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ እቲ ኣብ 2024 ዝተኻየደ ዕዉት ዋዕላ ወይ ኮንፈረንስ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ 2025 ዝያዳ እናሰፍሐን ንኹሎም’ቶም ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ለውጥን ዝኣምኑ ሓይልታት ዝጥርንፍን ድሌታትን ባህግታትን ናይ ህዝብና ዘማልእ ዘመድረኽ ክኸውንን ዘለዎ ትጽቢትን ተስፋን ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ደጊሙ “እንቋዕ ናብ 2025 ዓመተ-ምህረት ኣብጽሓና፥ እዛ ዓመት’ዚኣ፡ ከኣ ንሃገርና ናብ ጐደና ሰላምን ልምዓትን ዘምርሑ ስርሓታት ዝካየዱላ፥ ድምጺ ውግእን ወረ ውግእን ዝንክየላ፥ ናይ ኣህዛብ ከባቢና ባህግታት ዝማልኡላ ዓመት ክትክውን ዘለዎ ትምኒትን ተስፋን ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ንኣባላት ፖ.ሓ.ኤ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ንምሕያል ዘድሊ ኩለንትናዊ ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራውን ንጥፈታት ከይሰልከዩ ኣበርክትኦም ከዕዙዙ ጸዊዑ።
31 ታሕሳስ 2024
እነሆ 2024 ኣፋኒና ናብ ሓድሽ ዓመት 2025 ንኣቱ ኣለና። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” ዝብል ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ። ዓመተ 2024 ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕል ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ከቢድ ወጽዓ መሊሱ ክገድድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ዝተራእየላ ዓመት ኣይነበረትን። በቲ ካልእ ወገን ግና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንምድልዳል ዕዉት ኮንፈረንስ ዘካየድናላ ተስፋ እትህብ ዓምት ስለ ዝነበረት፡ ኣብ 2025 ከኣ ዝያዳ ከም እነሕይሎ ትስፉዋት ኢና።
ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት ኩነታት ተቐይሩ፡ ኣብ ሃገርና ራህዋ ዝዓስለሉ ኩነታት ንምፍጣር፡ ካብ ህግደፍ ንጽበዮ ዘይኮነ፡ ህዝብናን ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን፡ ኩነታትና ካብቲ ዝጸንሖ ብቓልሲ ኣሕይልና እነረጋግጾ እዩ እሞ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ክንበቅዕ መጸዋዕታይ የቕርብ።
ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ከባቢናን ዞባናን ካብ ወጥርን ስግኣትን ኣይደሓነን። እንርከባ ኣብ ዘለና ሓዳስ ዓመት ዘሰሓሕቡን ዘዋግኡን ዘለዉ ጉዳያት፡ ረብሓ ህዝብታት ማእከል ብዝገብሩ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባባት ክፍትሑ እሞ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ትጽቢተይ ልዑል እዩ።
ኣብ 2024 ዓለምና’ውን ብኣዝዮም ኣዕነውትን ኣህለቕትን ውግኣትን ወጥርታትን ክትሕቆን እያ ጸኒሓ። ኣብ 2025 እዞም ወጥርታት ተፈቲሖም ዓለምና፣ ምሉእ ቆላሕተኣ ናብ ልምዓትን ሰላምን ዝኾነሉ ኩነታት ክቕየር ከኣ ትምኒተይ ኣዝዩ ዕዝዙ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደጊመ “እንኳዕ ናብ ዓመተ-2025 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበልኩ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከኣ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ 2025 እውን ፖሊሲታት ሰልፎም ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ምሕያልን እቲ ልሙድ ተወፋይነቶም ከም ዘበርኹ ዘለኒ ትምኒት ልዑል ምዃኑ እገልጽ
ገረዝጊሄት ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
31 ታሕሳስ 2024
ኣብ ትግራይ ማእከላዊ ዞባ ከተማ ኣኽሱም ተጐልቢበን (ተሓጅበን) ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ ዝተኸልከላ ተመሃሮ፡ ኣንጻርቲ ምኽልካለን ተቓውሞ ከም ዘስመዓ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ፡ ነቲ ተግባር “ብሕገመንግስቲ ዝተዋህበና መሰል ዘየኽብርን ሃይማኖታዊ ነጻነት ዝግህስን እዩ ከም ዝበለኦ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸኦ፡ እቲ ምስ ተጐልቢብካ ናብ ቤት ትምህርቲ ምእታው ካብ ዝኽልከላ ሰሙናት ከም ዝሓለፈ እውን ገሊጸን። ኣተሓሒዘን ከም ዝበለኦ ድማ እተን ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምምሃር መሰለን እየን ነፊገንአን ምኽንያቱ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ተደላይነት ስለ ዘለዎ ኢለን። ብፍላይ ሓንቲ ተመሃሪት ከም ዝበለቶ ዋላ ሕብሩ ምስቲ ናይ ተመሃሮ ዲቪዛ ( ዩኒፎርም) ከመሳስለኦ ፈቲነን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ሓቢራ።
ጌቱ ካሕሳይ ዝተባህለ ወኪል እስላማዊ ጉዳያት ምስ ቤት ጽሕፈት ኣብያተ-ምህርቲ ናይቲ ዞባ ብዛዕባቲ ጉዳይ ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ንሱ እቲ ጸገም ብቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ እቲ ምጉልባብ (ምሕጃብ) ፍቑድ ምዃኑ ብደብዳበ ድሕሪ ምግላጹ ዝተፈጥረ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ጉዳያት ከተማ ኣኽሱም ብወገኑ ኣብ 10 ጥቅምቲ 2024፡ ደቂ ኣንስትዮ ተኸተልቲ ምስልምና ናይ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ግደታአን ክሕለወለን ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ናብተን ኣብያተ-ትምህርቲ ልኢኹ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። እቲ መልእኽቲ እቲ ምኽልካል ጉልባብ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካለኣይ ደረጃ፡ ወርዒ፡ ከንደያ፡ ኣደባባይን መሰቦን ተጽዕኖ ከም ዘሕደረ ኣፍሊጡ። በቲ ዜና መሰረት ናይ መበል 12 ክፍሊ ተመሃሮ ዝርከበአን 140 ተመሃሮ ምስ ጉልባብ ብዝተተሓሓዘ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኸልኪለን ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።
ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ጸሓፊ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ተግባር ቅድሚ ዝኣገረ ንተመሃሮ መበል 12 ክፍሊ ይሃሲ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ምክልኻል ተግባር ነቒፈምዎ። ከተማ ኣክሱም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ’ውን ብዛዕባ ምህናጽ መስጊድ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዘይተፈትሕ ዋጢጥ ዘለዋ እያ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2024 ዛዚምና ናብ 2025 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2025ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።
እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን እምበር፡ እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል፡ ከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ክንመዝኖ እንከለና፡ 2024 ክንድቲ ዝተጸበናያ ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ኣይነበረትን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውግእ፡ ህልቂት፡ ምዝንባልን ዕንወትን ዝዓንደረላ ስለ ዝነበረት “ድሕሪኣ ይቕደወና” እትበሃል ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ነጻ ህያብ ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሱ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮ ንተግሆንዶ ኮይና ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ እውን ብዙሕ ሓሊፉ እዩ።
ኣብ 2024፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደዲፍ ዝሸጡን ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ንላዕሊ “ኣዝዩ ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ይኽእል። ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ ንመጻኢ’ውን ህግደዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2025’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ናይ 2024 ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብን ሃገርን ዝኸበደ መዘዝ ዘስዕብ ስለዝኾነ።
ህገድፍ ሎሚስ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሩ ተማሂሩ፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ክወቅዕዩ ይኸውን” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ነይሩ ይኸውን። እንተኾነ ብፍላይ ኢስያስ ብጉልባብ ቃለመጠይቕ ዝሃቦ መግለጽን ካለኦት ሓለፍቱን ዝኸድዎ ዘለዉ መንገድን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካብ ምንዳይ ውግእ ዝዕገስ ኣይመስልን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግብሪ ይውዕለሉ ኣብ መጻኢ ዝረአ ኮይኑ፡ ዘይቅዱስ ኪዳናት ክሳብ ምምስራት እውን ወሲኽሉ’ሎ።
ካብ ካለኣይ ፍርቂ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳን ዘይዕወት ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ከይተረፋ፡ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ፍልልይ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመተ-2025 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ግምታተን ይህባ’ለዋ። ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብዙሓት ወገናት ብምኽንያት ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ተተባቢዖም፡ ኢትዮጵያውያን ጸገማቶም ብፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ክፈትሑ’ዮም ዝብል እምነት ሓዲርዎም ነይሩ። ብግብሪ ግና ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ዕድል 2025 ኣብ ምፍታሕ እዚ፡ ነዓናው ዝጸልወና ናይ ጐረባብቲ ፖለቲካዊ ሕምስምስ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጻኢ ብትኹረት እንከታተሎ እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ 2025 ካብ 2024 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ከይረሓቕና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ ዘስግእ እዩ። ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣእዳዎም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ ከባቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ፡ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ደበና ስግኣ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ውዳበታት እምበር፡ እቲ ራህዋን ሰላማዊ መንገዲድን ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ዘዝፈሓሶ ተንኮል ምስ ፈሸሎ፡ ካልእ መንገዲ ጥፍኣት ካብ ምምሃዝ ኣብ’ዛ ንርከባ ዘለና ዓመት’ውን ዓዲ ኣይክውዕል እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረሲዳንትነት ኣሜሪካ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ምስሕሓብ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ምትፍናን እስራኤልን ኢራንን፡ ናይ ሃገረ ሲርያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምእታ’ውን፡ ኣብ 2025 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ዓለም ብሃንቅውታ እትጽበዮም ዘላ እዮም። እቲ ዝፍራሕ 3ይ ውግእ ዓለም ከይክሰት ዝሰግኡ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2025፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቀዳማይ ኮንፈረንሱን ናይ ሓባር ፈስቲቫሉን ኣቢሉ በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት ብግብሪ ናይ ምንቅስቓስ ተግባሩ ምስፍሕን ምሕያልን ኣብ 2025 ዓብይ ግምት ዝህቦ ኣጀንድኡ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2025 ኣጀንዳኡ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።
ባህግና Bahgna Media 29 12 2024: ኣየናይ ክካሓድ፡ ኣየናይ ከኣ ክእመን፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራውን፡ ጽባሕ ክምስክራ እየን:
Written by Bahgna MediaMedia
ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም
ኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብ26 ታሕሳ 2024 ነቲ 2 ሰባት ዝሞትሉ ኩነታት መዓርፎ ነፈርቲ የመን ሰንዓ ዝምልከት መብርሂ ከም ዝሃበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ዶር ተድሮስ ኣብዚ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣብ የመን ብሓይልታት ሑቲ ንኣዋርሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናይቲ ንሱ ስማርሖ ዓለም ለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት ንምፍታሕን ኣብ የመን ዘሎ ጥዕናውን ሰብኣውን ኩነታት ንምድህሳስን ኣብ የመን ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ እንከሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብነፈርቲ ከም ዝተደብደበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ዶር ቴድሮስ ናይ ሰንዓ ስርሑ ወዲኡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ንሱን ብጾቱን ኣብ መስርሕ ምውጻእ እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝወደቑን ሓደ ካብ ኣባላት ጋንታ ነፋሪቱ በቲ ደብዳብ ከም ዝተወቕዐን እውን እቲ ትካል ሓቢሩ። እቲ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ፡ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ መቆጻጸሪ ታወርን ናይ ገያሾ መዕረፊ ኣዳራሽን በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተጐድአ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ሓደ ካብቲ ክልተ ብ26 ታሕሳስ 2024ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝመርሕዎ ምምሕዳር ካብ ዝተኻየዱ እሞ ራስ ኢሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓደ ሰብ ዝሞተሉ ደብዳባት እዩ። ዶር ተድሮስ ብስምቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ናብ ስድራቤት ናይቶም በቲ ደብዳብ ዝሞቱ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ምትሕልላፉ ከኣ እቲ ዜና ኣፍሊጡ
ኤርትራ ምስ ሶማሊያ ዝህልዋ ዝምድና ዳግማይ ከም እትሓስበሉ ምግላጻ ተሓቢሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምስ ኣቢይ ዝገበሮ ስምምዕ ኣንካራ ርክብ ኣብ ኣስመራ
ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ናብ ሕማቕ ደረጃ ክወርድ ተኽእሎ ከምዘሎ ምግላጻ ሶማሊያ ጋርድ (Somaliguardian)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። ኤርትራ ነዚ ዝገለጸት ድሕሪ’ቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝጸንሐ ወጥሪ ብመንጎኝነት ቱርኪ ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ምብጻሑ እያ። ኤርትራ ነቲ ናይ ኣንካራ ስምምዕ “ህዉኽን ዘይንጹርን” ብዝብል፡ ብትሪ ከም ዝነቐፈቶ ድማ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ዓብደልቃድር እድሪስ ዝተባህለ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃን ሶማሊያን፡ ሶማሊያ ከም ልኡላዊት ሃገር ዝገበረቶ ዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ፡ ኤርትራ ዘይተጽበየቶ፡ ህዉኽን ሃሳይን እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ዓብደልቃድር እድሪስ ኣተሓሒዙ ከም ዝገለጾ፡ ድሌት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ኣብ ምርካብ ንግዳዊ ወደብ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ምምስራት ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣተሓሒዙ ድማ ሶማሊያ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ መርገጺ እግሪ ምርካብ ክትሓስበሉ ኣለዋ ዝብል መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ። ኤርትራ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣስጋኢ ምዃኑ ብምርዳእ ንዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ዳግማይ ከም እትሓስበሊ ከኣ ጠቒሱ።
እቲ ብ13 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣንካራ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሶማላውያን እውን ሓያል ህዝባዊ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ፈጢሩ እዩ። ብዙሓት ሶማላውያን ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ዘለዎም ዘይዕግበት ኣንጸባሪቖም እዮም። እቲ ፕረሲደንት ድሕሪ ስምምዕ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምፍታሕ ጽኑዕን ቀጻልን ዲፕሎማሲያዊ መንግግዲ ኣብ ምኽታል ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ገይሮም ብምርዳእ ሕርቃኖም ዝገለጹ’ውን ብዙሓት እዮም።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ናይ ኤርትራ ሻቕሎት ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምስሕሓብ፡ ዝምድነኣ ምስ ሶማሊያ ከተሕይል ዝጸንሐት ግብጺ እውን ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ብ25 ታሕሳስ 2024 ልኡኻታ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ክትሰድድ እንከላ ፕረሲደንታ ድማ ናብ ኤርትራ ምጋሹ ዝዝከር’ዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መንጎአን ወተሃደራዊ ግጭት ስለ ዝተፈጥረ እሞ፡ ናይ ምክሳስ መግለጽታት ብምውጸአን እቲ ኣብ ኣንካራ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ከይፈርስ ንቡዝሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ።
More...
ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጽምዎ ጥሕሰትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎም ዘይዕግበትን ንምንጽብራቕ ተቓውሞ ከም ዘስምዑ፡ ዩሜምዲ መዲያ (UMD Media)፡ ዝተባህለት ትካል ዜና ሓቢራ። እቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝጀመረ ዙይምዕሩይ ኣገባብ ኣመራርሓን ዘይብቑዕ ቀረብ መግብን ዝደረኾ ተቓውሞ ናብ ፖሊስ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ዝወሰደሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ ከኣ እቲ ዜና ኣፍሊጡ፣
እቶም ተመሃሮ ኣብቲ ዘስምዕዎ ተቓውሞ፡ እቲ ዝቐርበሎም መግቢ ጽርየቱ ዘይሓለወ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንቑርሲ ሓንቲ ሕብስቲ ጥራይ ትቐርበሎም ምዃና፡ ካብቲ ዘቖጠዖም ጉዳያት ሓደ ማዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቶም ተመሃሮ፡ ንመግቢ ኣብ መዓልቲ 100 ብር ከም ዝኽፈለሎም ተሓሲቡ ትምህርቶም ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ከም ዝሕሰብ ምዃኑ ከም ዘሻቕሎምን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ምምሕዳር ዝኽተሎ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ቀረባትን ነቲ ኣቐዲሞም ከስምዕዎ ዝጸንሑ ዘይዕግበት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ።
እቲ ብሰላም ጀሚሩ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሓለዋ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዕግርግር ዝማዕበለ ምልዕዓል ኣብ ልዕሊ እቶም ተመሃሮ ኣካላዊ ጥሕሰትን ማእሰርትን ከም ዘኸተለን ኣብ ልዕሊ ህንጻ መደቀሲ ተመሃሮ ጉድኣት ከም ዘውረደን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ በረኸት ዝተባህለ 5ይ ዓመት ናይ ሕጊ ተመሃራይን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሰብኣውነት ዝነጥፍን መንእሰይ ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ብዝርዝር ከም ዝገለጸላ ዩኤምዲ መዲያ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ገለ ወገናት ከኣ እቲ ተቓውሞ ምምሕዳራዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ ተልእኮ’ውን ኣለዎ ዝብል ግምት ይህብሉ እዮም።
ኣብ ትግራይ ዘለዋ 4ተ ወሲኽካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ልዕሊ 40 መንግስታዊ ዩኒቨርሲታት ምምሕዳረን ኮነ በጀተን ኣብ ትሕቲ ክልላዊ ምምሕዳራት ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ፈደራል መንግስቲ እዩ።
ካብ ጠባያት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ፡ ኣብ ዝኣተዎ ቃል ዘይምምእዛዝ እዩ። እዚ በቲ መራሒኡ በብግዜኡ ዝብሎን፡ ብግብሪ ዝኸዶ ዘይራኸብ ምዃኑን ክምዘን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዘጽድቖ ሰነዳቱ ዝጸንሖን ዘለዎን ዘይርጡብ ኣተገባብራ መረጋገጺ እዩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ፡ ሳልሳይን ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝተሰጋገረሉን ጉባአ ዘጽደቖ ቻርተር እንተ ዳህሲስካ፡ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት መለለያኡ ብምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዝኣትዎ ስኑድ ቃል ኣርሒቑ ከም ዘሎ ምርዳእ ኣየጸግምን’ዩ።
ኣብቲ ቻርተር ንትካላዊ ኣሰራርሓ ብዝምልከት፡ “እቲ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባት፡ ተሓታትነት (acountablity)፡ ግሉጽነት (transparency)፡ ብዙሕነትን (pluralism)፡ ምጽውዋርን (tolorance) ዝተመስረተ፡ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። እዞም ኣብቲ 48 ገጻት፡ ብዙሓት ምዕራፋትን ክፍልታትን ዘለዎ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝጸደቐ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ተበሃግቲ ኣምራት፡ ሎሚ ኣብ ህግደፍዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ሃሰስ ኢልካ ኣሰሮም ኣይርከብን። ብመሰረቱ እውን ኩሉ ትካላት ፈሪሱ፡ ኣብቲ ትካላት ዝዋስኡ ዝነበሩ ባእታታት ከኣ፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ሞት ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት በዂሮም ኢሳያስን ውሑዳት ኣሰነይቱን ጥራይ ኣብ ዝተረፈሉ፡ ትካል፡ ትካልውነትን ተሓታትነትን ከም ቃል’ውን ዝለዓልሉ ኣይኮኑን።
እቲ ቻርተር ዘስፈሮ ካልእ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ፡ እቲ ቃልስን ጻዕርን ብቐንዱ ድሕሪ ናጽነት ዝጅምር፡ ንሕና እቶም ናጽነት ዘምጻእና ወለዶታት፡ ሰረታት ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ከነረክብ ሓላፍነት ተረኪብና ኣለና። ዘለናዮ መድረኽ ምስግጋር፡ ኣብ ግዜ ታሪኻዊ ዕድልን ብደሆን እዩ።” ይብል። ኣብዚ ዓበይቲ ዘይተተግበሩ፡ እንተዝትግበሩ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ከለምልሙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሓረጋት ተጠቒሶም ኣለዉ። ብግብሪ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን። ዝሰፈሐ ዕቤትሲ ይትረፍ፡ ግቡእ ዝርጋሐ መብራህትን ታራ ናይ ኢንተርነት መስመርን ናይ ምርካብ ዕድል’ኳ የለን። ደሓር ርሑቕ ከይከድካ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ሕብሪ ዘይተገላገሉ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ መስከርቲ እዮም። እዚ ቻርተር ካብ ዝጸሓፍ ድሕሪ 30 ዓመታት እውን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርስ ይትረፍ፡ ንይምሰል’ውን ካብ ኢሳያስ ናብ ኢሳያስ ዘሰጋግር ምርጫ ኣይተፈተነን። ንመጻኢ’ውን ኣብ ህላወ ህግደፍ ከም ዝሰጋገር ምልክታት የለን። በዚ ከኣ ኤርትራ “ንዝነወሐ ዓመታት ብግዝያዊ መንግስቲ ዝተመርሐት ሃገር” ኣብ እትበሃለሉ ደረጃ እያ ዘላ።
ቻርተር 1994 ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዘሎ ዘይግበኦ፡“ንዲሞክራሲን ፍትሕን” ዝብል ስም ዝሓዘ ግንባር፣ ራኢታት ኢሉ ካብ ዘስፈሮም ኣብ ቁጽሪ 6፡ “ኤርትራ ምስ ጐረባብታ፡ ብስኒትን ብምትሕብባርን እናነበረት፡ ንዞባውን ዓለማውን ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን ብዓቕማ እተበርክትን እተኽብርን ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክትከውን እያ” ዝብል እውን ካብ ዘስፈሮም’ዩ። ኩሉ ከም ዝርደኦ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ምስ ነፍሲ ወከፍ ንኤርትራ ዘዋስና ሃገራት፡ ብውሕዱ ከክልተ ግዜ ኣብ ውግእ ኣትዩ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ምስ ንኤርትራ ምስ ዘይዳወባ ሃገራት እውን ኣይተሰሓሓበን ማለት ኣይኮነን። ህግደፍ ከምቲ ዝጭረሖ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶ፡ ሰላም፡ ምርድዳእን ምጽውዋርን ዘቐድም ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስ ኩለን ሃገራት ዘካየዶ ውግኣት ብዘተን ሽምግልናን እንተገደደ ከኣ ብፍርዲ ዘይፍታሕ ኣይነበረን።
“መበገስን መዕለብን ዕላማና፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ነገራውን መንፈሳውን ርውየት ኤርትራ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ዓለም እዩ” ከኣ ካልእ ኣብቲ ቻርተር እንረኽቦ ዘይተተግብረ፡ ኣብቲ ንህግደፍ ዘቖመ 3ይ ጉባአ ህግሓኤ ዝተወሰነ እዩ። ነዚ ሰነድ ኣጽዲቑ “ከተግብሮ እየ” ኢሉ ቃል ዝኣተወ ህግዲፍ እዩ እምበኣር፡ ኣብ ጐኒ ሩሲያ ተጸጊዑ፡ ንወራር ዩክረይን ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ዝደገፈ። ህግደፍሲ ብደረጃ ዓለም ይጽነሓሉ’ሞ ብደረጃ ኤርትራ’ውን ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቀ፡ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ርውየት ህዝቢ ከረጋግጽ ዘይበቐዐ እዩ።
ኣብ ገጽ 42 ናይቲ ኣብ ጉባአ ናቕፋ ዝጸደቐን ተመላኺዑ ዝቐረበን መኻን“ሃገራዊ ቻርተር” ፡ “ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ናይ ሰላምን ዘይሻራውነትን እዩ” ዝብል ረዚን ሓሳብ ምስፋሩ፡ ካልእ ነቲ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ተዓዚብካ ዘገርም እዩ። ብዛዕባ ጸረ ሰላምነት ህግደፍ ዝለዓል ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህውከተኛን ጻሕታሪ ኲናትን” ዝብል ቅጽል፡ ንስም ጥራይ ዝተዋህቦ ዘይኮነ፡ ባዕሉ መሪጹ ብግብሪ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ህውከተኛ ባህሪኡ እዩ ከኣ ብእገዳታት ክቕጻዕ ዝጸንሐን ዘሎን። ብዙሕ ንድሕሪት ኬድካ መዛግብቲ ብዘይምግንጻል፡ ህልዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራት ኢድ ኣእቲኻ ምሕማስ መለለይኡ እዩ። እቶም እናመልመለ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘስርጎም ዘሎ ጉጅለታት ህያው ምስክር ናይ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ካለኦት እዮም።
“መሪሕነት እኩብ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብእኩብ ክግምግም፡ ክውስንን ክከታተልን ዘኽእሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ግድን እዩ” ዝብል ከኣ ኣብ ገጽ 46 ናይቲ ሰነድ ይንበብ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ሓቢርካ ምምዛንን ምውሳንን ይትረፍ እሞ፡ ንስሙ እውን ትርጉም ዘለዎ መሪሕነታዊ ኣሃዱ ዝበሃል የለን። በዚ እያ ድማ ኤርትራ ካብ ንቡር ወጻኢ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ ገባርን ሓዳግን ናይ ዝወደቓ ሃገራት ኣብነት ኮይና እትጥቀስ ዘላ።
ጥልመት ህግደፍ ብዘይምትግባር ቻርተር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ነዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ቻርተር ኣብ ግምት ኣእትይዩ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ እውን፡ “ዝሞተ ሰነድ” ኢሉ ጉሒፍዎ’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ምናልባት ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ገለ መራሕቲ ሃገራት፡ ናይቲ ብህዝቢ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዓንቀጻት ኣመሓይሾም ንረብሓኦም ከውዕልዎ ዘይቅቡል’ኳ እንተኾነ ይፍትኑ እዮም። ናይ ኤርትራ ግና ፍሉይ እዩ፡ ምኽንያቱ ጸዲቑ ከብቅዕ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ከይተፈተነ እዩ ናይ ሞቱ መርድእ ንህዝቢ ዝተነግረ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ብኽንድዚ ደረጃ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሰነዳት ተኻሒዱ ከብቅዕ፡ ሎሚኸ ካብቲ ጉጅለ ሓድሽ ነገር ይጽበ ዶ ይኸውን?
ሓፈሻዊ ሌላ ከተማ ኣልጀርስን ዞባታታን
ኣልጀርያ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ቱኒዝያ፡ ብምብራቕ ምስ ሊቢያ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ማሊን ናጀርያን፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ማውሪታንያን ምዕራብ ሰሃራን፡ ብምዕራብ ምስ መረኮ ከምኡ ድማ ብሰሜን ምስ ባሕሪ መደትራንያን እትዳወብ ሃገር እያ። ስፍሓት መሬታ 2, 381 741 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝባ ከኣ 43.9 ሚልዮን እዩ።
ኣልጀርያውያን ካብ 1954 ክሳብ 1962 ግንባር ሓርነት ኣልጀርያ ብዝበሃል ውድብ እናተመርሑ ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ተቓሊሶም ነጻነቶም ጨቢጦም። ኣልጀሪያ 13 ኣውራጃታትን 37 ከባብያዊ ምምሕዳራትን ኣለወኣ። ኣልጀርያ ካብ ፈረንሳ ነጻ ምስ ወጸት ብ1963 እያ ሕገመንግስቲ ኣጽዲቓ። እታ ሃገር ብኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት እትምራሕ ኮይና፡ ኣብ ናይ 2021 ምርጫ ካብተን 54 ሰልፍታት እተን 44 ተሳቲፈን ነይረን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ሃገራዊ ሓርነታዊ ግንባር ኣልጀርያ እዩ። ዕላዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ኣልጀርያ ዓረብን ታማዚትን እየን። ገንዘባ ከኣ ዲናር ይበሃል።
ኣልጀሪያ ነጻ ምስ ወጸት ድሕሪ 40 መዓልታት ጀሚራ ኣባል ዓረብ ሊግ እያ። ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ ካብተን መስረቲ እያ። ካብ ህዝቢ ኣልጀርያ እቲ 99% ዓሌት ዓረብን በርበርን እዩ።
ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተመርሐ ሰውራ ኤርትራ፡ ብ28 ጉንበት 1965 ብዝወሰኖ መሰረት ዝተኸተሎ ምምስራት ወተሃደራዊ ክፍልታት፡ ካብ ተመኩሮ ሰውራ ኣልጀርያ ዝተቐድሐ እዩ ዝብል እውን ይስማዕ እዩ።
ኣልጀርስ ናይ ኣልጀርያ ማእከል ፖለቲካ፡ ባህልን ቁጠባን ኮይና፡ ዋና ከተማ ናይታ ሃገር እያ። ብዝሒ ህዝባ ኣስታት 4 ሚልዮን ምዃኑ ይንገር። ስፍሓታ ከኣ 1,190 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ኣብታ ከተማ ብስፍሓት ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ በርበርን ፈረንሳን እዮም። ከተማ ኣልጀርስ ኣስታት 16 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ መዲተራንያ ስለ ዘለዋ ብበጻሕቲ ሃገር ተበሃጊት እያ። ኣብ ኣልጀሪያ ካብ ዘለዋ 114 ዩኒቨርሲታት እተን 23 ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ይርከባ።
ኣልጀርስ ድሕሪቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣስታት 170 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝተጎድእሉ ዝንገረሉ ውግእ፡ ቅድም ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ደሓር ድማ ቀጻሊ ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ ብምኽታል ነቲ ዘዋግአ ዝነበረ ጸገም ምዕለቢ ንምግባር ስምምዓት ዝተኸተመላ ከተማ እያ። እቲ ቀዳማይ ስምምዕ ብደረጃ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈረመ ኮይኑ፡ እቲ ካለኣይ ስምምዕ ድማ ብደረጃ መራሕቲ ሃገራት ዝተኸተመ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ካብ ዝምምዕ ኣልጀርስ ዝነቐለ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ፡ ጋና ኣብ መሬት ተመልኪቱ ኣይተዛዘመን። በዚ መሰረት ከተማ ኣልጀርስ ሎሚ’ውን መዛረቢት ኤርትራውያን ካብ ምዃን ኣይወጸትን።
ካብታ ኣስታት 23 ሺሕ ህዝቢ ከም ዝነብረላ ዝንገር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ 61 ኪሎሜተር ንወገን ደቡብ ብ23 ሕዳር 2024 4.4 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑን 10 ኪሎሜተር ዝዕምቆቱን ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቮልካኖ ዲስከቨርይ (volcano discovery) ዝተባህለ ትካል ሓቢራ። ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ በቲ ምንቅጥቃጥ ንኡስ ስምዒት ከም ዝሓደሮም ከኣ እታ መርበብ ሓቢራ። ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ቦታ 127 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣስመራ እውን ንኡስ ስምዒት ኣሕዲሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዋ ግምት ቮልካኖ ዲስካቨር ጠቒሳ።
ናይቲ ኣብ መሬት ዝፍጠር ምንቅጥቃጥ ደረጃ ዝዕቀን፡ ብክብደትን ዕምቆትን ናይቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝፍጠር ነውጺ ኮይኑ፡ ናብቲ እዚ ዘጋጠመሉ ቦታ ዘሎ ርሕቀትን ቅርበትን እውን ናቱ ተጽዕኖ ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ኣብ ዓፋር ኢትዮጵያ ካብታ ኣስታት 37 ሺሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኣዋሽ 6 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 4.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅትቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። እዚ እውን ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ 151 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ኣዝዩ ንኡስ ስምዒት ከም ዝተፈጥረ ተፈሊጡ።
ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ በቲ ምንቅጥቃጥ ጉድኣት ከም ዝውረደ ዝሕብር ጸብጻብ ዘየለን ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ግና ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባብታት ከቢድ ምንቅጥቃጥ ከየጋጥም ከም ዘስግእ ይጥቀስ።