ወደብ በርበራ (ሶማሊላንድ)
ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ፈደራላዊ ረፓብሊክ ሶማሊያ፡ ብ2 ጥሪ 2024 ኣብ መቃድሾ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ ብ1 ታሕሳስ 2023 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ “ወራር ኣብ ልዕሊ ሃገርና እዩ” ብዝብል ብትሪ ዝቃወም፡ 9 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ሶማላውያን ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገሮም ከውሕሱ ቅሩባት ንክኾኑ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣንበሳድራ ናብ መቃድሾ ጸዊዓ’ላ። ኣብ ሞቃድሾ ንዘሎ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ክትሰጉግ እያ ዝብል ግምት እውን ኣሎ። ሶማላውያን ኣልሸባብ ከይተረፈ፡ ናይ ቅድም መራሕትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትን ተቓውመኦም የስምዑን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕሉን ኣለዉ።
እቲ መግለጺ ብምንጽር ሕገ-መንግስቲ ሶማልያን ኣህጉራዊ ሕግታትን ልኡላውነት ሶማሊያ ዝግህስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ዓረብ ሊግን ካለኦት ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ህጹጽ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣብ ጐኒ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ክስለፉ ጸዊዑ። መራሒ ሶማሊያ ብዛዕብዚ ተረኽቦ ብቐዳምነት ምስ መራሕቲ ቱርኪ፡ ቀጠር፡ ኤርትራን ግብጽን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ተሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምፍርራም ሓሓሊፎም ሓጐሶም ዝገለጹ ከባቢታት ኣለዉ። እንተኾነ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ምድንጋራት ይረአ ኣሎ። ገለ ወገናት ሃገሮም ብናጻ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝረኸበት ገይሮም ይርድእዎ። መንግስቲ እውን እቲ ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ብሓፈሻ እምበር ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘይኮነ ከነጽሮ ዝደለየ ኣይመስልን። ብሰንኪዚ ከምቲ “ባድመ ብፍርዲ ንዓና ተዋሂባ” ኢሎም ዘዕሸዉና ከይከውን ኢሎም ዝሰግኡ ኣካላት ይስምዑ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ክራይ (lease) ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ በቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ናይ ሶማሊላንድ ሃገርነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ግድነት ከም ዝጽበዮ ክገልጽ ዝደሊ ኣይመስልን። እቲ ዝካረዮ ቦታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነስ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምዃኑ’ውን ክፍለጥ ኣይደለየን።
ምስቲ ኢትዮጵያ ዘላቶ ወጥሪ፡ ክራይ ብኽራዩ ደኣ በቲ ዘለናዮ ምስ ጅቡቲ ዘይንቕጽል። እዚ ተሃዋስን ሓደገኛን ኣጀንዳ ኣብዚ ግዜዚ ንቕድሚት ምምጽኡ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት’ውን ይስምዑ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቀዋሚ ዋንነት ኣፍደገ ዝጽበዩ ዝነበሩ እውን ኣብ ምድንጋር ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ምስ ኤርትራ ውግእ ከይጅመር ዝሰግኡ ዝነበሩ ከኣ፡ “ኤርትራስ ትንፋስ ረኺባ” ይብሉ ኣለዉ። ኢትዮጵያ እቲ ናይ ምኽታም ዕለት ሓደ ጥሪ 2024 ዝመረጸትሉ፡ ኣባልነታ ኣብ ብሪክስ ዝጸደቐሉ ብምዃኑ ከም ዝኾነ ተዓዘብቲ ይግምቱ።
መራሒ ሶማሊላንድ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ስምምዕ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ክራይ ምዃኑን ብወገኖም ንኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ገምገም ባሕሮም ንወተሃደራዊ መደበርን ወደባዊ ኣገልግሎትን ዝኸውን 20 ብ90 ኪ/ሜ ዝዓቐኑ መሬት ከዳልዉላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር እትፈልጥ ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውንን ካብ መንገዲ ኣየራ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ክትረክብን ዘጠቓልል ስምምዕ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ሶማሊላንድ፡ “መሬትና ንኢትዮጵያ ካብ ምሃብ ናብ ሶማሊያ ምምላስ ይሕሸ” ዝብል ስምዒት ዘለዎም ወገናት ኣለዉ ይበሃል።
ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ተመራማርን ጋዜጠኛን ማርቲን ፕላውት ብወገኑ ነቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ፡ “መፈጸምታ ቅልውላውዶ ወይስ መጀመርታ ሓድሽ ቅልውላው” ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ፡ ዝሓደሮ ስግኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ክህነጸሉ ተሓሲቡ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሶማሊላንድ ሉግሃያ ኣዋድ ኣብ ዝበሃል ከም ዝኾነ ጠቒሱ።
ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ድሕሪ መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ዘውጽእዎ መርሂ፡ “ነቲ ኩነታት ብጽሞና እከታተሎ ኣለኹ። ኣብ ህድኣት ዞባና ዓብይ ጽልዋን ተጽዕኖን ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ ግና ቀጥታዊ ርኢቶ ኣይሃቡን። ኣስዒቦም ድማ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ናብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት፡ እቲ ኩነታት ብሰላማውን ሕውነታውን መንገዲ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኣገባብ ንክምሕጸኑ ጸዊዖም።
ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምኽታም እቲ መረዳድኢ ሰነድ፡ “ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ፈደራላዊ ረፑብሊክ ሶማሊያ፡ ብመንጽር ሕገ-መንግስታ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምዕቃብ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ እዩ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ብቕሉዕ ዝበለቶ የለን። ናብቲ መንግስቲ ዝቐርባ ማሕበራዊ መድያታት ግና ንሲማሊያ ደጊፈን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕላ ኣለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ “ግብጽን ኤርትራን ቀዳሞት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፋ እየን”፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ተኸቲላ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ክትፈልጣ እያ” ዝብሉ ብብዙሓት ዝቐርቡ ግምታት ኣለዉ።
ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎን መምስ ዝኽሰት ምዕባለታት ዝለዋወጥን ኢዩ። “ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ” ዝብል ስያመ ከኣ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ ምጥምማት እዩ። እዞም ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕዶም፡ ስለምንታይ እቲ ሓደ ነቲ ጉጅለ ከም ዝቃወም ወይ ስለምንታይ እቲ ካልእ ከም ዝድግፍ፡ ተመዓዳድዮም ይተሓታተቱ እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይምክእኣልን ዘይምጽውዋርን፡ እቲ ሓደ፡ እቲ ካልእ ወገን ብዝህቦ መልሲ ኣይተዓጋገቡን። ብሰንኪቲ ካብ ህግደፍ ዝተወርሰ፡ ዘይስልጡን ኣተሓሕዛ ፍልልይን ካብኡ ዝተወርሰ ክሕደትን፡ ኣብ ሕድሕዶም ከም ዜጋታት ኣፍልጦ ዘይምውህሃብሉን ዝጓነጽሉን ተግባር’ውን ልሙድ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ከኣ ብጽልኢ ዝተቓንነየ፡ ዘይሓላፍነታውን ዘይህዝባውን ፖሊሲታት ህግደፍ እዩ።
ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ከምዚ ሎሚ ዕርቓኑ ከይወጸ እንከሎ፡ ሓይሊ ሚዛን ናብ ደገፍቱ ዝዛዘወ ምንባሩ ይዝከር። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ዝድግፉ ናብቶም ዝቃወሙ፡ “ድሕሪ ናጽነትከ እንታይ ጐዲሉና ኢሎም እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ?፡ ህግደፍ ናጽነት ብምምጽኡ ኣብ ክንዲ ምምስጋኑ ምቅዋሙኸ እንታይ ኣምጽኦ?” ብዝብል ከነኣእስዎም ይፍትኑ ምንባሮም ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። እንተኾነ ዋላኳ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ ዝገዝኦ እንተዘይረኸበ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና እቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክቃወምዎ ዝጸሑ፡ ቅቡል ናይ ምቅዋም ምኽንያታት ከም ዝነበሮም ተነጺሩ’ዩ። ምኽንያታቶም ንመጻኢ’ውን ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ህያው እዩ።
ህግደፍ፡ ልዕሊቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓምጣርነቱ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝእ፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሰንከልከል ዝብል፡ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተወጠሐ፡ ትካልዊ ኣካይዳ ዝነጽግ፡ ልዕልና ፍትሒ ዘይቅበል፡ ዜጋታት ዝጨውን ዝቐትልን፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝግህስ፡ ኣብ ጉዳይ እምነት ኢድ ኣእትዩ ዘዳኽር፡ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከይሓርሱ፡ ከይነግዱን መሬቶም ከየመሓድሩን ዝዕንቅጽ፡ መንእሰያት፡ ከይምርዓዉን ከይድርዓዉን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ጸሚዱ ንክስደዱ ዝደፍእን ምስ ቤተሰቦም ኮይኖም ከምዘይመሃሩ ዝገብርን……ወዘተ፡ ስለ ዝኾነ፡ ከም ዝቃወምዎ ብዓንተብኡ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም።
እንተኾነ እዚ ኩሉ ዘይሰብኣዊ ተግባራቱ፡ በታ ብግጉይ ኣረዳድኣ “ናጽነት ስለ ዘምጸአ” እትብል ሸፈጥ፡ እቲ ሓቀኛ ጨካን ምስሊ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንዝተወሰነ ክሕባእ ጸኢሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናጽነት ዘምጸአ ባዕሉ ክነሱ፡ እቲ ኣፍልጦ ንህግደፍ ክምጥዎ ምጽንሑ ከኣ ከም ሓደ መርኣያ ናይ “ንዘይትፈልጦ ምድጋፍ” ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ህግደፍ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጌጋ ዝሃቦ ዘይግብኦ ክብደት መዝሚዙ ኣርዑት ጭቆናኡ ከሕይል ጸኒሑን ብኣኡ ይቕጽል ኣሎን።
ግዜ እናሰጐመ ምስ ከደ ግና፡ ህግደፍ ነቲ ተቓወምቱ ከም መቃወሚኦም ምኽንያት ዘቕርብዎ ዝነበሩ እሞ እቶም ከይፈለጥዎ ዝድግፍዎ ዝሓብእሉ ዝነበሩ ኣበሳታት ባዕሉ ብተግባር ከቐልዖ ተገዲዱ። በዚ ድማ ሓያሎ ወገናት ካብቲ ዘይተጸንዐ ደገፎም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብዘይተኣምን ተመለስ” ኢሎም ገለን ብዓውታ ገለን ድማ ብስቕታ እግሮም ክስሕቡ ጀሚሮም። ብፍላይ ኣብ 2001 ጉጅለ ህግደፍ “ስለምንታይ እቲ ሓቀኛ ተግባረይን መልከዐይን ይቃላዕ?” ብዝብል ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ሰፊሕን ግሁድን ወፈራ ምእሳርን ምስዋርን ኣካይዱ።
ኣብ ልዕሊ መቓልስቱ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ጨኪኑ። ነተን እግሪ ዝተኽላ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ንብረተንን ወሪሱ፡ ኣብኣተን ዝሰርዝሑ ንዝነበሩ ክኢላታት ከኣ ብኣልማማ ቀፊድዎም። እንደጋና ድሕሪ ውሱን ዓመታት ነቲ “ናይ 1997” ዝበሃል ሕገ-መንግስቲ፡ “ከይተተግብረ ዝሞተ” ኢልዎ። በዚ ከኣ እቲ ብውሑዳት ጥራይ ዝቃላዕ ዝነበረ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ተጋሂዱ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣሰላልፋ ተቐይሩስ ሚዛን ሓይሊ ናብ ተቓወምቱ ዛዝዩ። ብዙሓት ነቲ ተቓውሞ ኣፍልጦ ዘይህብዎ ካብ ዝነበሩ ናብቲ ቃልሲ ተጸንቢረምዎ፡ ኣብ ምቅላዑ፡ ዓብይ ብጽሒት ኣበርኪቶም፡ ይቕጽሉ ከኣ ኣለዉ።
እቶም ነዚ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዝድግፉ ዘለዉ ብፍላይ ከኣ ካብቶም ብሰንኩ ሃገሮም ዝገደፉ፡ ነቲ ብተቓወምቲ ዝቐርብ ቅኑዕን ወድዓውን ሓቂ ዘይቅበሉ እዮም። ወረ ገሊኦምስ ዋላ በቲ ህግደፍ ባዕሉ ዝተኣመነሉ ኣሉታኡ ብዘይምዕጋብ፡ ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝፍትኑ እዮም። እዚኣቶም ንጭቆናን ወጽዓን ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበሉን ሕልናኦም ንንባርንነት ሸይጦም፡ ጽባሕ ኣብ ዘጣዕሶም ግጉይ መንገዲ ዝመርጹ እዮም። ብመንጽርዚ፡ እቲ“ዝውጻዕ ንወጽዒኡ ክድግፍ ምኽንያታዊ ኣይኮነን”፡ ካብ ዝብል ስለ ዝነቕሉ እዮም ነዞም ዝተዳህለሉ ወገናት “ነቲ ዝድግፍዎ፡ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ዝብልዎም።
ከምቲ “ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ዝበሃልን ግንዛበ ቀስ ኢሉ ብመስርሕ ስለ ዝመጽእን እቲ ካብታ ናይ ወጽዓ ባቡር ወሪድካ ናብታ ናይ ለውጢ ባቡር ናይ ምስፋር ጉዕዞ ሎሚ እውን ቀጻሊ እዩ። ክሳብ ውድቀት እቲ ጉጅለ ከም ዝቕጽል ከኣ ባህርያዊ እዩ። ህግደፍ ካብቲ ኣብ ስሰዐን በሓትነትን ዝምስረት ዘየናሕሲ ፖሊሲኡ ስለ ዝነቅል፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ገንዘቦም ከውፍሩ ኣይፈቕድን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ገዛእ ሃገሮም መንበሪ ገዛ ክሃንጹ እኳ ኣይፈቕደሎምን። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ሰብ ጸጋ፡ ቁጠባ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ኣንጐላን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን የስብሑ ምህላዎም ድማ ናይዚ ውጽኢት እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዘይምንግስታዊ ትካላትን ማሕበራትን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረን መሳለጢ ክሃንጻ ክሓታ እንከለዋ፡ “እቲ ገንዘብ ኣምጸአኦ’ሞ ባዕልና ክሃንጾ ኢና” ብዝብል ምስምስ እቲ ጉጅለ ዝኾለፈን ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃንጹ ማሕበራዊ ትካላት ከም ዝወረሰ እውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገለ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ገንዘብ ከዋጽኡ ተንቀሳቒሶም ስለ ዝተኸልከሉ “ጫውጫው” ክብሉ ተዓዚብናዮም። ካብዚ ሓሊፎም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ነጻጊ ተግባራት፡ ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ክነሱ፡ ምስ ተለኣኣኽቲ ኤምባሲታትን ኣብኡ ዝሰርሑ ዕቡሳትን ክራገሙ ተሰሚዖም። እዚ ድማ “ነቲ ዝድግፍዎ’ስ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ” ኮይኖም ምጽነሖም ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ገባቲ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ዝነበረን ክድግፍዎ ዝጸንሑን እምበር፡ ሓድሽ ዝፍጠር ዘሎ ስለዘይኮነ።
ኢትዮጵያን ሶማሊላድን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ከቲመን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸተሙ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን። እቲ ን50 ዓመታት ከም ዝጸንሕን ድሕሪ 2ተ ኣዋርሕ ቀዋሚ ስምምዕ ኮይኑ ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉን ሰነድ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ቢሂ ኣብዲን ከም ዝተኸተመ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ሰነድ ትሕዝቶ ንናይ ኢትዮጵያ ድሌት ኣፍደገ ባሕርን ናይ ወደብ መማረጽን ዘውሕስ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኢስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ሬድዋ ሑሴን፡ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መርሂ፡ ኢትዮጵያ ብኽራይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዘኽእላ እዩ ኢሎም። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ፈስቡክ ሕሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ ርኢቶ፡ “እቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዝተኸተመ መሰማምዒ ሓሳብ፡ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን መርበብ ዝኸፍት እዩ” ኢለምዎ።
ኣቲ ዜና ከም ዝተጠቕሶ፡ እቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ኣፍደገ ክኸፍት እዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ስምምዕ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ክም እትኣምን ከም መዕቀኒ ክትወዶ ከም ትኽእል ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ስጉምቲ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋቱን ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሰላም ከም እትግደስ ከም ዘረጋግጽን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ወደብ በርበራ ንምጥቃም፡ ምስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ኣብ ስምምዕ ምብጸሓ፡ ምስ ሶማሊ-ሞቃድሾ፡ ጅቡትን ካለኦት ኣካላት ከረሓሕቓ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2023 ዓሚ፡ 2024 ድማ ሎምዘበን” ኣብ ዝበሃላሉ ናይ ግዜ ምትኽኻእ በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2024ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።
እዛ “መጻእኩ” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት’ውን ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን፡ “እዛ ዓመት እዚኣስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ኢና ንብል። ኣብታ ዓመት ሰብ ብዘምጽኦ ሕሰምን መከራን ብምምራር “እዛ ዓመት እዚኣስ እንኳዕ ከደትልና”፡ ብዝብል ምረትና እንገልጸሉ’ውን ኣሎ። እዚ ንግዜ እነሰክሞ ምስምስ ዘይኮነ ናይ ሰባት ናይ ግንዛበ ጸገም ከምዝኾነ ክንርደኦ ይግበኣና።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ግዳ፡ ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ጸጋ ዘይምብኻን፡ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ሓላፊትን መጻኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ እቲ ንሕና እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግም ይግበኣና። ናይ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ካብቲ ዝሓለፈ እንወታን ኣሉታን ተማሂርና፡ ኣብ ዝሓሸ መጻኢ ንክንርከብን ዳግማይ ንከይንጋገን ብጥንቃቐ ናብ መጻኢ ዕማምና ንከነማዕዱን እዩ።
ኣብ 2023፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዋ ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡን ውሑዳት ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭቆና ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ፡ ኣብ 2024’ውን ዝገጥመና ብደሆ’ ቀሊል ስለ ዘይከውን ክንቅረበሉ ይግበኣና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣእትዩ “ከጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን። እንተኾነ ኮይኑስ፣ ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሳዕቤን ናይ ዘይምልከቶም ውግእ ከም ዝኾኑን ስራቤታቶም ጋና ደሃዮም ንክፈልጡ፡ ብስግኣትን ጭንቅን ይጽበዩ ኣለዉ። እዚ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ሻቕሎት እምበር ምስጢር ኣይኮነን። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ገበን ንምኽዋል፡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይኣተወን” ክብሉ ዝጸንሑ ኣብ ዓመተ-2023 ግና ኩሉ ዘመኻንይዎ ዝነበሩ ሓሶት ምዃኑ ምስተቓለዐ፡ “ዶብ ንምውሓስ ኢዩ ኣትዩ፡ ኣብ መሬቱ እዩ ዘሎ” ይብሉ ኣለዉ። ኣብቲ ጉዳይ ሻራ ዘየብለን ወገናት ከም ዝምስክረኦ ግና ሰራዊት ኤርትራ ጋና ኣብ ትግራይ ብምህላዉ ተኸሳሲ እይ።
ውግእ ትግራይ ብውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ብምቁራጹ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ “ተኾሊፍና”፡ ብዝብል ኣስናኑ ዝሕርቅም ዘሎ ህግደፍ፡ ጋና ውግእ ንክጽሕትር ኣብ ቀረባን ርሑቕን የዕገርግር ኣሎ። እዚ ምዕግርጋሩ ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ክንከታተሎ ዝጸንሕና እዩ። እዚ ተረኽቦ ኣብ 2024 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ድማ እንከታተሎ ክኸውን እዩ። ኣብዛ ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብሓይሊ ንምፍታሕ “ውግእ ኣየዋጸኣናን እዩ” ኢሎም መንገዲ ሰላም ዝሓዝሉ መስርሕ፡ 2024 ከኣ ነቲ መስርሕ ኣብ መፈጸምታ ናይ ምብጽሑ ሓላፍነት ክትርከብ እያ። ውጽኢት ናይዚ መስርሕ ሰላም፡ ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንኤርትራን ንዞባናን ዘለዎ ፋይዳ እውን ልዑል እዩ።
2024 ካብ 2023 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዘለዎ ከይገድድ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራውን ዞባውን ኩነታት ከኣ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጋና ውግእ ንምቕጻል ኣብ ርሑቕን ቀረባን ኩሉ ዝከኣሎ ይጽሕትር ኣሎ። ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ፡ ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኢዶም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ እዩ። ጉዳይ ሱዳን ኣብ 2024 እውን መዋግኢ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታት ከይከውን የስግእ ስለዘሎ፡ ብዝኸፈአ መልክዑ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ክፉት እዩ።
ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ብዓብይኡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ ምእጓድ ሓዊ እንተዘይኮይኑ፡ ሰላማዊ መንገዲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ንቡር መስመር ስለ ዝወጸ ናብ ሰላም ክምለስ ዘይሕሰብ እዩ።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2024፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኦ ሓደ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ተሳትፎን ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል (ላመኣ) ብምምስራት ሓደ ኩቡዖ ንቕድሚ ሰጒሙ ኣሎ። ኣብ 2024 ከኣ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ኣጽኒዕና ሒዝና ናብ ዝሰፍሐ ጽላል ንምብራኹ ክንቃለስ ኢና።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ኣብ 2024 እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጀመሮ እሞ ኣብ መፈጸምታ ዘየብጸሖ ትልምታቱ ምትግባር፡ ናይ መጻኢ ዓመት ዕማማቱ ኣካል ክኽውን እዩ። 2023 ብመሰረት ቅዋሙ፡ 4ይ ጉባአኡ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ኣዕዊትዎ እዩ። ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመት ከኣ፡ ናይቲ ጉባአ ውሳነታት፡ ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ኣብ ምትግባር ሰፊሕ ዕማም ይጽበዮ ኣሎ።
Dimtsi Harnnet Sweden 31.12.2023
ኣዛዚ ህጹጽ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፡ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሐመቲ ብ31 ታሕሳስ 2023 ምስ ፕረሲደትን ጅቡትን እዋናዊ ኣቦመንበር ኢጋድን ኢስማዒል ዑመር ከም ዝተራኸበ ማዕከናት ዜና ጅቡቲ ሓቢረን። ኣብዚ ርክቦም፡ ጸገም ሱዳን ኣብ ትሕቲ ጽላል ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኩነታት ተመያይጦም።
ሐመቲ ናብ ጅቡቲ ዝኸደ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቻድ፡ ኡጋንዳ፡ ጋናን ኢትዮጵያን ከካይዶ ዝቐነየ ቀጻሊ ዑደት እዩ። ኣብቲ ጉዕዘኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ርእሲ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣካላት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብስቱር ከም ዝተራኸበ ዝሕብሩ ምንጭታት ኣለዉ። ሐመቲ ድሕሪ ናይ ጅቡቲ ብጸሖቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምስ መራሕቲ እተን ዝበጸሐን ሃገራት ኢጋድ፡ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዝተተሓሓዘ መብርሂ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ርክቡ ምስ መራሒ ጅቡቲ፡ ጉዳይ ሱዳን በቲ ብኢጋድ ዝቐረበ ርኢቶ ክፍታሕ ይኽእል’ዩ ዝብል ርኢቶ ከም ዘለዎን ብወገኑ በቲ መራሕቲ ኣኼባ ኢጋድ ጉዳይ ሱዳን ንቐጻሊ ንምፍታሕ ዘቕረቦ ሓሳብ ከም ዝምእዘዝሉ ኣረጋጊጹ።
ብ9 ታሕሳስ 2023 ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ኢጋድ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ብኣካል ክራኸቡ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ መን ብደረጃ ተዓዛባይ ይሳተፍ ኣብ ዝብል ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሱዳን ምትእምማን የለን።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጅቡቲ ዓሊ ዩሱፍ ብውገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርክብ ዑመር ገሌን ሐመትን ኣብ ክሊ ውሳነ መራሕቲ ኢጋድዝተኻየደ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጅቡቲ ነቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2024 ክልቲኦም ተቐናቐቲ ሱዳን ኣብ ከተማ ጅቡቲ ከካይድዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ርክብ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ሱዕድ ዓረብያ፡ ኤርትራን ግብጽን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ አመረት፡ ኢትዮጵያን ቻድን ተጐጃጅሎም ከም ዘለዉ ብሰፊሕ ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ።
ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ሄኖክ ምሉብርሃን ኮኸብ ኣፍሪቃ 2023 ከም ዝኾነ ናይቲ መደብ ኣዳለውቲ ብምጥቃስ፡ ዓለም ለኻዊ ዜና ብስክሊት/world cycling news ኣፍሊጣ። ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ሞሮካዊ ኣሸሪፍን ድማ ንሄኖክ ተኸቲሎም 2ይን 3ይን ኮይኖም። በቲ ካልእ ወገን ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣማኑኤል ገረዝግሄርን ናትናኤል ተስፋጼንን ኣርባዕቲኦም ካብቶም ቀዳሞት 10 ምሩጻት ኣፍሪቅዋያን ዕዉታት ምዃኖም እቲ ዜና ስፖርት ፍሊጡ።
ሄኖክ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ካብቶም 5 ቀዳሞት ክኸውን ጸኒሐ፡ ነዛ ናይ ሎሚ ክረኽባ ከኣ ይብህግ ነይረ፡ ረኺበያ ድማ” ከም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ “ክለብ ኣስታና ዙር ዓለም/Astana World Tour Club” ዝተጸንበረ ሄኖክ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣህጉራዊ ሻምፒዮን ጋና፡ ዙር ሩዋንዳን ዙር ቻይና ቀላይ ኩጋሂን ከም ዝተሳተፈ’ውን ተገሊጹ።
ኣብ ቶም ዝሓለፉ12 ዓመታዊ ውድድራት ኣፍሪቃ፡ 8 ዓመት ኤርትራውያን ብደረጃ ኣዋርድ ምሩጻት ተወዳደርቲ ኮይኖም ከም ዝተዓወቱ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ ብደረጃ ምሩጻት ኣፍሪቃይውያን ዝተኻየደ ውድድር ብትሮፒኣል ኣሚሳ ቦንጎ ዝተዳለወ እዩ። እቶም ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ዓወታት ዝተዓወቱ ኤርትራውያን፡ ናትናኤል ብርሃነ ብ2012፡ መኽሰብ ደበሳይ ብ2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብ2015፡ ተስፎም ዑቕባይ ብ2016፡ ቢኒያም ግርማይ ድማ ንሰለስተ ንተኸታተልቲ ዓመታት ዝተዓወቱ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ መንግስቲ ህግደፍ ተጻወታ ንውድዳር ናብ ወጻኢ ምስ ከዱ ኣብኡ ከይተርፉ ብዝብል ተንኮል ብዝፈጠሮ ምስምስ ናብ ሻፒዮን ዓለም 2026 ዘብጽሕ ምጽራይ ከይጀመረት ከም ዝተኸልክለት ዝፍለጥ እዩ።
Bagna 183: 1ይ ክፋል1ይ ክፋል ቃለ መሕተት ኣቦ መንበር ሰደህኤ
ባህግና፣ Bagna Media 183: 1ይ ክፋል ቃለ መሕተት ምስ ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 29.12.2023
Written by Bahgna MediaMedia
More...
እተን ግዳያት ሆያም ኣዶን ኣላ መሓመድ ዓብደላን
መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣላ መሓመድ ዓብደላን ሆያም ኣብዶን ዝተባህላ፡ ሱዳናውያ ነጠፍቲ/activists/ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተኣስራ ኣፍሊጣ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ግዝኣት ሰናር ብኣካላት ወተሓደራዊ ጸጥታ ከም ዝተኣስራ ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
እቲ ማእሰርቲ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገር ኡጋንዳ ክስልጥና ጸኒሐን ምስተመልሳ ብ25 ታሕሳስ 2023 እዩ ተኻይዱ። እቶም ዝኣሰርወን ወተሃደራዊ ኣካላት፡ ስለምንታይን ኣበይን ከምዝኣሰርወን ከምዘይገለጹ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይታ መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳይረክተር፡ ሃላ ካሪብ እቶም ኣሰርቲ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ወተሃደራት ዝቆጻጸርዎ ከባቢ ናይ ምግዳብን ምዕንቃፍን ዕላማ ከምዘለዎምን ብፍላይ ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘካይዳ ተቓወምቲ ከም ዘተኩሩ ኣቃሊዐን።
እታ ዳይረክተር ኣተሓሒዛ፡ ምእሳር ደቂ ኣንስትዮን ምዕንቃፍ ምንቅስቓሰንን፡ ብክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣካላት ሱዳን ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢላ። ምኽንያቱ ከኣ ክልቲኦም ናይቲ ዝወቐደ እስላማዊ መግስቲ ተረፍመረፍ ምዃኖም ገሊጻ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እታ ዳይረክተር ናይቲ መርበብ እተን ዝተኣስራ ኣባላተን ብህጹጽ ንክፍተሓ ተሪር ምሕጽታ ኣቕሪባ።
ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ ናይታ መርበብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ትካል ሰብኣዊ መሰልን ካለኦት ሰብኣዊ ኣካላትን፡ ኣብ ምሕላቕ ነጠፍትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ኢዶም ከእትዉ ጸዊዑ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን፡ ብኣላይነት ኢጋድ 28 ታሕሳስ 2023 ኣብ ጅቡቲ ብኣካል ክራኸቡ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ፡ ዕለቱ ናብ ዘይተገልጸ ወርሒ ጥሪ 2024 ከም ዝተናወሐ ተሓቢሩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ምምዝጋብ ኤትራውያን ስደተኛታት ክቕጽል ጸዊዑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ንሰለስተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ምምዝጋብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቕልጡፍ ንክቕጽል ከም ዝጸወዐ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 27 ታሕሳስ 2023 ሕታማ ሓቢራ። እቲ ኮሚሽ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይምምዝጋቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ከም ዝተገደበን ቅድሚ ሕጂ 200 ዝኾኑ ናብታ እተስግኦም ኤርትራ ብግዲ ከም ዝተመልሱን ገሊጹ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ዝገለጸ፡ ብ26 ታሕሳስ 2023፡ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ዝምልከት ናይ 2022-2023 ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ ምዃኑ ተፈሊጡ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ድሕሪ ናይ 2018 ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉን ኣብ ግዜኡ ብሰንኪ ዘይምምዝጋቦም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከቢድ ጸገም ይወድቁ ምህላዎም ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
በቲ ናይቲ ኮሚሽን ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ “መረጋገጺ የብልኩምን፡” ብዝብል፡ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ እውን ንስደተኛ ዝግበር ሓለዋ ብዘይምርካብን ካለኦት ሕጽረታትን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰድሉ ምኽንያትን ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ከይተጸንዐ ናብ ሃገሮም ምምላስ ኢትዮጵያ ምስ ዝፈረመቶም ኣህጉራዊ ውዕላት ከም ዝጋጮ ሓቢሩ ከም ዝነበረ እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝከታተል ኢትዮጵያዊ ትካል፡ ንስደተኛታት፡ ሓድሽ መንነት ምሃብን ምሕዳስን ከም ዝጀመረኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ከምዘይተጀመረ ኣፍሊጡ። ዝርጋሐ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምከት ድማ፡ ኣብ ጋንቤላ 383 ሺሕ፡ ሶማሊያ 301 ሺሕ፡ ቤንሻንጉል 79 ሺሕ፡ ኣዲስ ኣበባ 76 ሺሕ፡ ዓፋር 58 ሺሕ፡ ኣምሓራ 22 ሺሕ፡ ትግራይ 2 ሺሕ፡ ኦሮሚያ 4 ሺሕን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ። ካብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ኢትዪጵያ፡ ኤርትራውያን 167, 391 ወይ 18 ሚእታዊት ምዃኖም ከኣ እቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።
The fighting between the Sudanese army and the RSF is backed by external supporters.
Written by Martin PlautMartin Plaut
Sudan Is on the Brink of a New Catastrophe
Martin Plaut
Dec 23
Source: Fair Observer
Sudan Is on the Brink of a New Catastrophe
Rebels have taken over Sudan’s second-largest city. The latest fighting is exacerbating a terrible humanitarian crisis and 6.7 million have fled their homes. Foreign actors are backing their respective horses in this civil war, which has major implications for the entire region.
BY MARTIN PLAUT
The picture shows a huge fire in one of the ancient markets in Sudan (Amdurman market) likely due to the war between the Sudanese army and the Rapid Support Forces.
DECEMBER 23, 2023 01:42 EDT
On Tuesday, December 19, Sudan’s second largest city, Wad Madani, fell to one of the most brutal armed groups worldwide. This made few headlines in a world obsessed with the fighting in Gaza.
The Sudanese war — which erupted in April this year — has pitted the Sudanese Armed Forces against the Rapid Support Forces (RSF). On the surface, it was no more than a quarrel between two generals. However, behind the military men are a range of outside forces. While the army has been the traditional bastion of the state, the RSF grew out of the notorious Janjaweed, a notorious Sudanese Arab militia charged with genocide for its activities in Sudan’s western region of Darfur.
As Kate Ferguson of Protection Approaches wrote:
“The RSF is the Janjaweed rebranded, the “devils on horseback” used by the Sudanese government from 2003 to implement widespread and systematic crimes against non-Arab communities across Darfur. The RSF was, and still is, commanded by Gen Mohamed Hamdan “Hemedti” Dagalo.”
The war is a tragedy for the Sudanese people. It has forced an estimated 6.7 million people to flee from their homes. According to aid agencies, this is “the largest displacement crisis globally.” Although apparently no more than a regional issue, Sudan’s conflict has the potential to reshape the politics of the region, with implications for the entire Middle East.
That reshaping might come later. At the moment, the humanitarian crisis is dire and can be grasped from two maps. The first map, by the International Organisation for Migration, shows where the population has fled.
International Organization for Migration (IOM), Dec 12 2023. DTM DTM Sudan Weekly Displacement Snapshot 13. IOM, Sudan.
The second map, by the Famine Early Warning System, shows just how close many Sudanese are to famine, having been forced off their lands. Over half the population — 25 million people (including 13 million children) — urgently need humanitarian assistance.
The fall of Wad Madani after three days of fighting left the RSF with a precious resource. Not only did it capture a city that was home to the army’s first infantry division, the RSF now holds the urban area to which most aid agencies decamped after the fighting erupted in Khartoum, the Sudanese capital. Now, the rebel RSF holds most of Khartoum and large parts of Darfur, while the Sudanese army, under General Abdel Fattah al-Burhan, has had to decamp to the relative safety of Port Sudan.
Chatham House analysts neatly summed up the situation: “An effective partition has emerged in Sudan, with the army controlling the east and northeast and the RSF controlling much of the capital and west of the country.”
International forces fueling the conflict
The African Union (AU) and its regional body — the Intergovernmental Authority on Development (IGAD) — have made little headway in attempting to end the fighting. South Sudan, Djibouti and Ethiopia are attempting to appoint a special envoy, but even if they manage to select an appropriate mediator, it is hard to see how this envoy will make progress. The much vaunted African Standby Force, on which the AU and the international community have spent vast sums of money, is yet to be deployed. Instead, the only viable peace talks have taken place in Jeddah, which indicates that the Arab world, not the AU, is playing a more significant role in Sudan.
The fighting between the Sudanese army and the RSF is backed by external supporters. Burhan and the army look north for support. Historically, most Sudanese have looked to Egypt for support. Burhan was trained in Egypt and is a regular guest of President Abdel Fattah al-Sisi, who has just won a third term in office. The Sudanese general can also rely on the Saudis for some backing. Also, the US gives Burhan and the army lukewarm support.
The reason US support is lukewarm is simple. President Joe Biden is bogged down by the Israel-Hamas conflict in Gaza. With his reelection bid kicking off, Biden has little time to concentrate on Sudan. This apparent indifference is a mistake. Alex de Waal argues that benign neglect does not serve Washington’s interests. The Sudanese crisis will only end when the US engages more robustly.
Note that Burhan and the army have a poor support base. The RSF is much better resourced. Mohamed Hamdan Dagalo, generally referred to mononymously as Hemedti, leads the RSF. He is a former Janjaweed leader who was the deputy head of the Transitional Military Council following the 2019 Sudanese coup d’état. Hemedti has backers and the RSF has more money, men and motivation than the army.
Hemedti has links across the border in Chad, which he has exploited to the full. In fact, the RSF, is a revamped version of the Janjaweed and has terrorized Sudan. Its Arab fighters have attacked and killed African populations in Darfur.
Hemedti has also taken control of the resources of the region in general, and its gold mines in particular. He was encouraged and supported by Russia’s Wagner Group, which has taken a share of the spoils in return for supplying weapons to the RSF. This supply was tracked and traced by CNN. There is now clear evidence that the Wagner Group has been providing the RSF with missiles. Sudanese gold, flown out of Libya and on to the Russian base at Latakia paid for the weapons. This gold has not only funded Wagner, but also President Vladimir Putin’s war in Ukraine.
Apart from Russia’s Wagner Group, the UAE is the RSF’s other major backer. The Sudanese army says it has “information from intelligence, military intelligence, and the diplomatic circuit that the UAE sends planes to support the Janjaweed.” The UAE has established hospitals in Chad to provide treatment for refugees fleeing from the fighting. Although the UAE denies it, there is a widespread belief that the aid is little more than a front for weapons supplies for the RSF.
Uganda is seen as an alternative route for the UAE’s support for Hemedti’s operations. Reportedly, when a plane landed at Uganda’s main airport Entebbe in June this year, its flight documents said it was carrying humanitarian aid sent by the UAE for Sudanese refugees. Instead, “Ugandan officials said they found dozens of green plastic crates in the plane’s cargo hold filled with ammunition, assault rifles and other small arms.”
Make Sense of the World
Unique Insights from 2,500+ Contributors in 90+ Countries
I agree to receive emails and other content from Fair Observer. I understand that I may repeal my consent at any time. You can review our Privacy Policy and Terms of Use for further information...
Little surprise then that the Sudanese army declared 15 members of the UAE embassy persona non grata on December 11. But outgunned and with limited diplomatic support, Burhan’s position appears to be weakening. At this moment there seems little chance of his allies providing the Sudanese army with the backing they require to hold off the Hemedti-led RSF. If Hemedti was to succeed in his campaign to oust the Sudanese military (and he is still some way from that objective) it would be a huge boost for his backers. The UAE would have extended its influence deep into Africa. The Wagner Group would have enhanced its operations across a vast swathe the Sahel. Hemedti’s victory would strengthen Putin’s influence and finances. It would also be a major blow to the US and the West. Already the Wagner Group has effectively chased the French out of Mali. Needless to say, a great deal is riding on the outcome of the Sudanese civil war. The future not only of a country but also of an entire region is at stake.
The views expressed in this article are the author’s own and do not necessarily reflect Fair Observer’s editorial policy.