Elimination of Violence against women 2024
ባህግና Bahgna Media 01.12. 2024: ምስ ህዝብና ኸ፡ ንናበብ ኣለና ዶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኸ፡ ንህግደፍ ክጽበ ድዩ፡
Written by Bahgna MediaMedia
Elimination of violence against women 2024
2024 Elimination of Violence against women
ኣምበሳደር ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል
ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዮሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምስ ዩትብ-መዲያ ኤምባሲ ኤርትራ ለንደን፡ ብ26 ሕዳር 2024 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ከም ዝጠቐሰ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዝምድና ዘንቆልቆለ፡ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምቁራጹ ምዃኑ እውን ቢቢሲ ኣመልኪታ።
ኣምበሳደር ዮሃንስ ሃይለሚካኤል ናይቲ ምንቁልቋል ዝምድና ተሓታቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና “ቀቲሉ ይቐብሮ ኣሎ” ከም ዝበለ እውን ቢቢሲ ነቲ ቃለ መጣይቕ ብምጥቃስ ኣስፊራ።
እቲ ኣምበሳደር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትግበር ሕልሚ ዝሓልም እዩ ዝነብር ከም ዝበለን ኣብቲ ኣገላልጻኡ ዘይእሩም ቃላት ከም ዝተጠቕመን እውን እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዙ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይረጋጋእ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ግደ ትጻወት ኣላ ከም ዝበለከኣ ጠቒሳ። ቢቢሲ ናይቲ ኣምበሳደር ቃለ መጠይቕ፡ ምኽንያቱ ብዘይተሓበረ ድሕሪ ውሱን ግዜ ከም ዝተኣለየ ብምጥቃስ፡ ነቲ ቃለ መጠይቕ ብዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ርኢቶ ከምዘየለ ድማ ኣስፊራ።
ነብያት ጌታቸው ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ኤርትራ ዝተፈጥረ ጸገም የለን ከም ዝበለ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግና ምስቲ ጠጠው ምባል በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵይን ምቁራጽ ርክብ ተለፎንን ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራትን ኣተሓሒዝካ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም መንግስታት መግለጺ ኣይሃቦ እምበር እቲ ዝምድና ጽቡቕ ከም ዘየለን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም ዘለዉን ኣመልኪታ።
ቃለ መጠይቕ ኣምበሳደር ዮሃነስ ሃይለሚካኤል ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ከም መንግስታዊ ሓላፊ ኣብ ህልዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝተዛረበ ቀዳማይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ብቕልጡፍ ካብቲ መዲያ ከም ዝእለ ምግባሩ እዩ።
Elimination of violence against women 2024
ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ምዕራፍት ቃልሲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዓለምና ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ ናይ ዓወት ወሳኒ ዝነበረ፡ ነቲ ብቓልሱ ዘመዝገቦ ዓወት ብዝምጥን ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ሓደ ገጽ ናይ ተመኩሮኡ እዩ። ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ነዚ ህዝብና ዘለዎ ዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።
ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ በቲ ዝተጸበናዮ ኣገባብ ኣብቲ ዝተለምናዮ እዋን ቀልጢፉ ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያታት ካብ ዝበሃሉ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝብና ከምቲ ዝድለ ተቢዑ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዘይምዕሳሉ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝጥቀስ እዩ። ብግብሪ’ውን ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሜዳ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንህልዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራን ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ብቐረባ ዝተገንዘቡ፡ ወገናት ድማ፡ “ስለምታይ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ወጻዒኡ ህግደፍ ይኸውን?” ንዝብል ሕቶኦም፡ ነቲ ህዝቢ ብምንእኣስ ደጋጊሞም ክዛረብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ኣብ ናጽነት ዘብጸሐ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብልሑን ትብዓቱን ነኪዩ ርእሱ ከም ዘድነነ እቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምህላዉ ንክሕዶ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ቀንዲ ውጹዕን ብስዕረት ህግደፍ ዝጥቀምን ንሱ እናሃለወ ምዃኑ ከኣ ኣባና ኣብቶም ኣብቲ ቃልሲ ዘለና ከይተረፈ ኣገራሚ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቶም ኣበይ ይሃሉ ብዘየገዳስ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብግቡእ ዘይርድእዎ ነቲ ህዝቢ ክሳብ “ንወጽዓን ባርነትን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ” ብዝብል ዘይቅቡል ስነመጎት ክገልጽዎን ከነኣእስዎን ይህቅኑ እዮም።
እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ስቕታኡ፡ ብመጀመርያ ለውጢ ካብ ዘይምብሃግ ዝነቅል ዘይምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ነባሪ ደኣ ኣይክኸውንን እዩ እምበር፡ ለውጥን ዓወትን እናበሃገ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣዝዩ ጽንዑን ጨካንን ኣብ ሓደ ስድራቤት ከይተረፈ ምትእምማን ዘጥፍእ፡ መርበባዊ መቑሕ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ” ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብዘይካቲ ነባር፡ ስሩዕን ግሉጽን ተቓውሞ፡ ከም በርሊን ማኒፈቶ፡ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ዝኣመሰሉን፡ ገሊኦም በላሕቲ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተረኽበታትን ካለኦት ደሃዮም ዘይተሰምዑን ምኽሳቶም፡ እቲ ዝድለ ለውጢ’ኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግዜኡ ሓልዩ ዝነቱግ ህዝባዊ ናይ ለውጢ እሳተ-ጐመራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ እሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክናበብ ዝግበኦ ዝተፈላለየ መልክዓት ዝሓዘ ናይ ቃልሲ ውዳበታት፡ ነቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘነሃህር እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ “ኣነ እንተዘይሓሰብኩልካ” ብዝብል ግጉይ ፈሊጥን ሸፈጥን ንግደ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘውጽእ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንባብ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ኣድማዒ ንክኸውን ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤ (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ክወድቕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክወድቕ ዝኽእል፡ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ካብቲ ስርዓት ተሰዊሩ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ተቓውሞ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ቃለበት ክድልድል ኣለዎ። ንውሽጢ ኤርትራ ከኣ እቲ ቀንዲ ዓውዲ ተቓውሞ ክንገብሮ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዘየንጸባረቐ ተቓውሞ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ” ዝበሎ፡ “ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ተገዲስና ክንምልሶን ናይ ግድን እዩ።
እቲ ምስ ህዝቢ ዝግበር ምትእስሳርን ምንባብን ንክዕወት፡፡ ናይቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ማዕረ ቅሩብነትን ተገዳነስትን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ምውዳብ ክረዳእን ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መድረኽ ስለ ዝተነፍገ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ውድባታትን ህዝባዊ ማዕበላትን ኣካይዳ ብተገዳስነት ክቋመቶ ይግበኦ። ነቲ በብግዜኡ ብህግደፍ ኣብ ድርኩዂቱ ዝእለም ረቂቕ ተንኮላትን እውን ከስተብህለሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ እምበር፡ ተጸባዪ ለውጥን ተዓዛብን ከምዘይኮነ’ውን ክግንዘብ ይግበኦ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ፡ ሕድሕድ ንምንባብ ውሽጥን ውጻኢን ከምቲ ዝድለ ዘይጥዕም ምዃኑ’ኳ ርኡይ እንተኾነ፡ ህዝቢ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ነቲ ብማሕበራዊ መራኽብታት ዝዝርጋሕ ደሃይ “ስረሐይ” ኢሉ ክከታተሎ ይግበኦ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ህይወት ዝድህስስ፡ ንሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝምጥን ዘመላኽትን ብሩህ መጻኢ ዘርእን ክኸውን ተመራጺ ምዃኑ ክስሕት ኣይግበኦን።
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካኣዊ ውዳበታት ህዝቢ ዝቕበሎ፡ን “ይገልጸኒ እዩ” ዝብሎን፡ ግሉጽን ንጹርን ሓሳብ ከመሓላልፍ ይግበኦ። እቲ ካልእ ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ለውጢ፡ ዋና ሃገሩን ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ መስርሑን ምስኮነ፡ ሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ስሩዕን ናጻን መድረኽ ክውስኖም ዝግበኦም ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ግደኡ መንዚዕካ ኣብ ዘይህላወኡ ወሳኒ ኮይንካ ካብ ምቕራብ ምዕቃብ’ውን ህዝቢ እምነቱ ከንብረልካ፡ ሓጋዚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ስለዚ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝብህግ ህዝቢ፡ ምንባብን ተጸባይ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምሕጋዙን ምጽዓት ወሳኒ እዩ። ንሱ ዘየሰነዮ ቃልሲ፡ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ምስኡ ተዋሃሂድና ብሓባር እንስጉመሉ መድረኽ ምፍጣር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዋናውን ወሳንን እዩ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦ መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ ዓሊ ዩሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዶም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ብ26 ሕዳር 2024፡ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክዘራረቡ እንከለዉ፡ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ድማ ብትሪ ከም ዝኸሰሶ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ምስቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዘሕዝን ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ጀነራል ኣልቡርሃ፡ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሞፋዳልን ሚኒስተር ባህልን ዜና ኻልድ ዓሊ ኢልዓሲርን ሓቢሮም ናብ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዙ ከኣ ቢቢሲ ኣፍሊጣ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅሉዓት መድረኻት ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእዳውነት ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ እዩ ዝጽውዕ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ዝተዓለመ ሰራዊት እናዋፈረ ነቲ ውግእ ኣብ ምግዳድ ዝርከብ ዘሎ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ዓሊ የሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ኣብ ተመሳስሊ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ ተራኺቡ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ዝርርቦም፡ ኣብ ርእሲቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ዝምልከት ምጥቃሶም፡ ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘልዓሉ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤማራት ብምትሕብባር ናብቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ኣጽዋር ከተሰጋግር ጸኒሓ ተባሂላ ትኽሰስ እያ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሱዳናዊ ፖለቲከኛ፡ ያሲን ዓርማን ዝምራሕ፡ ግንባር ሱዳናዊ ሰውራዊ ዲሞክራሲ፡ ብ24 ሕዳር 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣንጻርቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንክስለፍ፡ ናብ ሰፊሕ ሲቪላዊ ግንባር ሱዳን መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ዓርማን ኣብቲ ጸዋዒቱ ኣተሓሒዙ፡ ሓይልታት ሰውራን ለውጥን ሱዳን ክሓብሩን ውግእ ጠጠው ዝብለሉ መንገዲ ክጸርጉን ጸዊዑ።
2024 campaign Elimination of violence against women
More...
elimination of violence against women introduction part 1 by Tsega Woldemariam
Written by EWANAMedia
ዓለም ለኻዊ ትካል፡ “ገስጋሲ ምሕዝነት” ብምኽንያት 25 ሕዳር ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኩለ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ኣብ ምውጋድ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ናይዚ ዓመትዚ መሰረታዊ ቆላሕታኡ ዝሃቦ ዛዕባ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ( women in politics and activism,” ዝብል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ከኣ ነተን ብጾታአን ጥራይ ድምጸን ዝዕፈንን ካብ ሕብረተሰብ ዝግለላን ብዱላት ምሕላቕ ከም ዝኾነ ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ኣብ ግምት ብምእታው “ብሓባር ኣብ ጐነን ንሰለፍ” ከም ዝብል’ውን ጠቒሱ።
እቲ ክውገድ ዝግበኦ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምፍርራሕን ግጉይ ሓበሬታ ምሃብን፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዲሞክራሲያዊ ናይ ምምራሕ ግደአ ምግላል፡ ዲሞክራሲያዊ መሰለንን ማሕበራዊ ዕቤትን ምኽልካል የጠቓልል። እቲ ዘጋጥመን ጸገም ምግሃስ መሰላተን ጥራይ ዘይኮነ፡ መትከላት ፍትሕን ማዕርነትን ዝጻረር እውን እዩ። እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ብማዕዶ ብናይ ጽልኢ መልእኽቲ ምፍርራርሕን ጾታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻምን ከም ዘጠቓልል ከኣ ገስጋሲ ምሕዝነት ተሓቢሩ።
ገስጋሲ ምሕዝነት፡ እቲ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን በደልን ዝተጸንዐን ረቂቕን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ንክውገንድ ዝኽእል ንጸኒሓዊ ኣሰራርሓ ብፍትሓዊ ትካላዊ ናይ ኣተሓሕዛ መርበብ ምትካእ ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ነዚ ንምትግባር ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ማዕርነት ናብ ዝረጋገጸላ ዓለም ክጐዓዙ ከም ዘለዎም ኣስፊሩ።
ገስጋሲ ምሕዝነት ነዚ ኣገዳሲ ዕለት መዓልቲ ኣንጻር ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።
1.ኣብ መስርሕ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ደቂ ኣንስትዮ ንዘካየደኦ ቃልሲ ምዕዛዝ፡ 2.ንዝለዓለ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ምኽታልን ምድጋፍን፡ 3.ምእንቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብሳይበር/ብማዕዶ (online) ዝግበር ረቂቕ ቃልሲ ምሕያልን ምምዕባልን፡ 4.ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ቀጻሊ ንክኸውን ምድፋእ፡ 5. ብፍላይ ከኣ ግህሰት መሰላት፡ ውግእ፡ ወጽዓን ዲክታተርነትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንከይገሃስ ኣጽኒዕካ ምቅላስ፡ ዝብሉ ይርከብዎም።
International Day for the Elimination of Violence against Women
Written by Progressive AllianceDear Comrades, dear Friends,
Today is the International Day for the Elimination of Violence Against Women. The Progressive Alliance reaffirms its unwavering commitment to combating all forms of gender-based violence. This year, we spotlight the unique struggles faced by women in politics and activism, who are disproportionately targeted by violence aimed at silencing their voices and excluding them from public life.
We uphold this day as a day of both resistance to gender-based violence and support for fellow activists and politicians. Here is the statement initiated by our Gender Equality Working Group:
X: https://x.com/PA_Solidarity/status/1860999850323574815
Website: https://bit.ly/IDEVAW2024WomenInPolitics
We thank the Gender Equality Working Group members for this initiative and to all of you for sharing this call.
In solidarity,
Machris