Saturday, 30 November 2024 21:07

Elimination of violence against women 2024

Friday, 29 November 2024 14:50

2024 Elimination of Violence against women

ኣምበሳደር ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል

ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዮሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምስ ዩትብ-መዲያ ኤምባሲ ኤርትራ  ለንደን፡  ብ26 ሕዳር 2024 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ከም ዝጠቐሰ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዝምድና ዘንቆልቆለ፡ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምቁራጹ ምዃኑ እውን ቢቢሲ ኣመልኪታ።

ኣምበሳደር ዮሃንስ ሃይለሚካኤል ናይቲ ምንቁልቋል ዝምድና ተሓታቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና “ቀቲሉ ይቐብሮ ኣሎ” ከም ዝበለ እውን ቢቢሲ ነቲ ቃለ መጣይቕ ብምጥቃስ ኣስፊራ።

እቲ ኣምበሳደር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትግበር ሕልሚ ዝሓልም እዩ ዝነብር ከም ዝበለን ኣብቲ ኣገላልጻኡ ዘይእሩም ቃላት ከም ዝተጠቕመን እውን እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዙ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይረጋጋእ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ግደ ትጻወት ኣላ ከም ዝበለከኣ ጠቒሳ። ቢቢሲ ናይቲ ኣምበሳደር ቃለ መጠይቕ፡ ምኽንያቱ ብዘይተሓበረ ድሕሪ ውሱን ግዜ ከም ዝተኣለየ ብምጥቃስ፡ ነቲ ቃለ መጠይቕ ብዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ርኢቶ ከምዘየለ ድማ ኣስፊራ።

ነብያት ጌታቸው ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ኤርትራ ዝተፈጥረ ጸገም የለን ከም ዝበለ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግና ምስቲ ጠጠው ምባል በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵይን ምቁራጽ ርክብ ተለፎንን ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራትን ኣተሓሒዝካ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም መንግስታት መግለጺ ኣይሃቦ እምበር እቲ ዝምድና ጽቡቕ ከም ዘየለን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም ዘለዉን ኣመልኪታ።

ቃለ መጠይቕ ኣምበሳደር ዮሃነስ ሃይለሚካኤል ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ከም መንግስታዊ ሓላፊ ኣብ ህልዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝተዛረበ ቀዳማይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ብቕልጡፍ ካብቲ መዲያ ከም ዝእለ ምግባሩ እዩ።

Thursday, 28 November 2024 23:10

Dimtsi Harnnet Kassel 28.11.2024

Written by
Thursday, 28 November 2024 10:11

Elimination of violence against women 2024

ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ምዕራፍት ቃልሲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዓለምና ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ  ዋጋ  ናይ ዓወት ወሳኒ ዝነበረ፡ ነቲ ብቓልሱ ዘመዝገቦ ዓወት  ብዝምጥን ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ሓደ ገጽ ናይ ተመኩሮኡ እዩ።  ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ነዚ ህዝብና ዘለዎ ዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።

ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ በቲ ዝተጸበናዮ ኣገባብ ኣብቲ ዝተለምናዮ እዋን ቀልጢፉ ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያታት ካብ ዝበሃሉ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝብና ከምቲ ዝድለ ተቢዑ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዘይምዕሳሉ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝጥቀስ እዩ። ብግብሪ’ውን ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሜዳ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንህልዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራን ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ብቐረባ ዝተገንዘቡ፡  ወገናት ድማ፡  “ስለምታይ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ወጻዒኡ ህግደፍ ይኸውን?”  ንዝብል ሕቶኦም፡ ነቲ ህዝቢ ብምንእኣስ  ደጋጊሞም ክዛረብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ኣብ ናጽነት ዘብጸሐ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብልሑን ትብዓቱን ነኪዩ ርእሱ ከም ዘድነነ እቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምህላዉ ንክሕዶ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ቀንዲ ውጹዕን ብስዕረት ህግደፍ ዝጥቀምን ንሱ እናሃለወ ምዃኑ ከኣ ኣባና ኣብቶም ኣብቲ ቃልሲ ዘለና ከይተረፈ ኣገራሚ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቶም ኣበይ ይሃሉ ብዘየገዳስ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብግቡእ ዘይርድእዎ ነቲ ህዝቢ ክሳብ “ንወጽዓን ባርነትን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ” ብዝብል ዘይቅቡል ስነመጎት ክገልጽዎን ከነኣእስዎን ይህቅኑ እዮም።

እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ስቕታኡ፡ ብመጀመርያ ለውጢ ካብ ዘይምብሃግ ዝነቅል ዘይምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ነባሪ ደኣ ኣይክኸውንን እዩ እምበር፡ ለውጥን ዓወትን እናበሃገ፡ ኣብ   ትሕቲ “ኣዝዩ  ጽንዑን ጨካንን ኣብ ሓደ ስድራቤት ከይተረፈ ምትእምማን ዘጥፍእ፡ መርበባዊ መቑሕ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ” ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብዘይካቲ ነባር፡ ስሩዕን ግሉጽን ተቓውሞ፡ ከም በርሊን ማኒፈቶ፡ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ዝኣመሰሉን፡ ገሊኦም በላሕቲ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተረኽበታትን ካለኦት ደሃዮም ዘይተሰምዑን ምኽሳቶም፡  እቲ ዝድለ ለውጢ’ኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግዜኡ ሓልዩ ዝነቱግ ህዝባዊ ናይ ለውጢ እሳተ-ጐመራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ እሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክናበብ ዝግበኦ ዝተፈላለየ መልክዓት  ዝሓዘ ናይ ቃልሲ ውዳበታት፡ ነቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘነሃህር እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ “ኣነ እንተዘይሓሰብኩልካ” ብዝብል ግጉይ ፈሊጥን ሸፈጥን ንግደ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘውጽእ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንባብ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ኣድማዒ ንክኸውን ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤ (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ኣብ  ኤርትራ ከኣ ክወድቕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክወድቕ ዝኽእል፡ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ካብቲ ስርዓት ተሰዊሩ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ተቓውሞ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ቃለበት ክድልድል ኣለዎ። ንውሽጢ ኤርትራ ከኣ እቲ ቀንዲ ዓውዲ ተቓውሞ ክንገብሮ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዘየንጸባረቐ ተቓውሞ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ” ዝበሎ፡ “ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ተገዲስና ክንምልሶን ናይ ግድን እዩ።

እቲ ምስ ህዝቢ ዝግበር ምትእስሳርን ምንባብን ንክዕወት፡፡ ናይቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ  ማዕረ ቅሩብነትን ተገዳነስትን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ምውዳብ ክረዳእን ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መድረኽ ስለ ዝተነፍገ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ውድባታትን ህዝባዊ ማዕበላትን ኣካይዳ ብተገዳስነት ክቋመቶ ይግበኦ። ነቲ በብግዜኡ ብህግደፍ ኣብ ድርኩዂቱ ዝእለም ረቂቕ ተንኮላትን እውን ከስተብህለሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ እምበር፡ ተጸባዪ ለውጥን ተዓዛብን   ከምዘይኮነ’ውን ክግንዘብ ይግበኦ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ፡ ሕድሕድ ንምንባብ ውሽጥን ውጻኢን ከምቲ ዝድለ ዘይጥዕም ምዃኑ’ኳ ርኡይ እንተኾነ፡ ህዝቢ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ነቲ ብማሕበራዊ መራኽብታት ዝዝርጋሕ ደሃይ “ስረሐይ” ኢሉ ክከታተሎ ይግበኦ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ህይወት ዝድህስስ፡ ንሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝምጥን ዘመላኽትን ብሩህ  መጻኢ ዘርእን ክኸውን ተመራጺ ምዃኑ ክስሕት ኣይግበኦን።

ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካኣዊ ውዳበታት ህዝቢ ዝቕበሎ፡ን “ይገልጸኒ እዩ” ዝብሎን፡ ግሉጽን ንጹርን ሓሳብ ከመሓላልፍ ይግበኦ። እቲ ካልእ  ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ለውጢ፡ ዋና ሃገሩን ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ መስርሑን ምስኮነ፡ ሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ስሩዕን ናጻን መድረኽ ክውስኖም ዝግበኦም  ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ግደኡ መንዚዕካ ኣብ ዘይህላወኡ ወሳኒ ኮይንካ ካብ ምቕራብ  ምዕቃብ’ውን ህዝቢ እምነቱ ከንብረልካ፡   ሓጋዚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ስለዚ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ  ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝብህግ ህዝቢ፡ ምንባብን ተጸባይ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምሕጋዙን ምጽዓት ወሳኒ እዩ።  ንሱ ዘየሰነዮ ቃልሲ፡ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ምስኡ ተዋሃሂድና ብሓባር እንስጉመሉ መድረኽ ምፍጣር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ፡  እዋናውን  ወሳንን እዩ።

ኣቦ መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ  ዓሊ ዩሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ብ26 ሕዳር 2024፡ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክዘራረቡ እንከለዉ፡ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ድማ ብትሪ ከም ዝኸሰሶ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ምስቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዘሕዝን ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ጀነራል ኣልቡርሃ፡ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሞፋዳልን  ሚኒስተር ባህልን ዜና ኻልድ ዓሊ ኢልዓሲርን ሓቢሮም ናብ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዙ ከኣ ቢቢሲ ኣፍሊጣ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ኣብ ቅሉዓት መድረኻት ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእዳውነት ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ እዩ ዝጽውዕ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን  ኣብ ኤርትራ ዝተዓለመ ሰራዊት እናዋፈረ ነቲ ውግእ ኣብ ምግዳድ  ዝርከብ ዘሎ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ዓሊ የሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ኣብ ተመሳስሊ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ ተራኺቡ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ዝርርቦም፡ ኣብ ርእሲቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ዝምልከት ምጥቃሶም፡ ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘልዓሉ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤማራት ብምትሕብባር ናብቲ ብጀነራል ኣሕመድ  ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ኣጽዋር ከተሰጋግር ጸኒሓ ተባሂላ ትኽሰስ እያ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሱዳናዊ ፖለቲከኛ፡ ያሲን ዓርማን ዝምራሕ፡ ግንባር ሱዳናዊ ሰውራዊ ዲሞክራሲ፡ ብ24 ሕዳር 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ፡  ኣንጻርቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንክስለፍ፡ ናብ ሰፊሕ ሲቪላዊ ግንባር ሱዳን መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ዓርማን ኣብቲ ጸዋዒቱ ኣተሓሒዙ፡  ሓይልታት ሰውራን ለውጥን ሱዳን ክሓብሩን ውግእ ጠጠው ዝብለሉ መንገዲ ክጸርጉን ጸዊዑ።

Page 19 of 598