ጨንፈር ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኖርወይ ብ3 ታሕሳስ 2023 ኣብ ከተማ ኦስሎ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣባላት ጨንፈር ብኣካል ዝተራኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣኼበኛታት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ኩነታት ሰልፍን ጨንፈርን ከምኡ ውን ኣብ ጻዕርታትን ዓወታትን መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ዝተኮረ ዛዕባታት ብቀዳምነት ብመሪሕነት ጨንፈር መብሪሂ ተዋሂቦም ኣስዒቦም ድማ ዓሚቊ ምይይጣ ኣካይዶም።

ኣቦ መንበር ጨንፈርን ኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይቲ ኣኼባ  ዛዕባታት ኣቕሪቡ።

ብምቅጻል ሓላፊ ምጣኔ ሃብታዊ ጉዳያት ጨንፈር ሓው ሙሴ ዓማር ብተቆጻጻሪ ገንዘብ ዝተመስከረ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻባት ሰልፍን ጨንፈርን ኣቕሪቡ፣ ኣብ ጉዕዞ ንዝተራእዩ መሰናኽላትን ድኽመታትን ብምሕባር፡ ኣብ ዝቅጽል ጉዕዞ ቃልሲ ክውገዱን ክእረሙን ከመለዎም ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ክሊዚ ዛዕባዚ ብኣባላት ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ሰልፊ ፖለቲካዊ መደባቱ ብግቡእን ኣብ ምዱብ ግዜን እንዳሰላሰል ንቅድሚት ክስጉም እንተኾይኑ፣ ኣባላት ወርሓዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊታቶም ኣብ ግዝይኡ ክኽፍሉ ከምዘለዎም ናይ ሓባር መረዳእታ ነይሩ። ኣገባብ ምኽፋል ኮነ  ምስ ገንዘባዊ ጉዳያት ዝተሓሐዘ ሕቶታት  ብመሰረት እቲ ቁዋም ሰልፍን መሪሕነት ሰልፊ ዘውጸኦ መምርሕን ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣኼባ ካብ ዝተሰማማዓሎም ጉዳያት ሓደ ነይሩ።

ምስዚ ብተወሳኺ ኣኼባ ንምዕዋት 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ብናይ ገንዘብ ወፈያ እጃሞም ዘበርከቱ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ምስጋናኡን መጎሱን ገሊጹ፡ ተሳትፎኦም ቀጻልነት ክህልዎ እውን ተላብዩ።

ብምቕጻል ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ፡ ናይ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ኣመልኪቱ፡ ጉባኤ ብዓወት ተሰላሲሉ፣ ኣብ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት ሰልፊ እውን ብሓዲሽ ኣቦ መንበሩ እንዳተማእከለ፣ ዳግመ ስስርዕ ገይሩን ዓመታዊ ውጥናቱ ኣጽፊፉን ድሮ ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከምዘሎ ገሊጹ። ንሰብኣዊ ሓይልን ፖለቲካዊ መደባትን ጨንፈር ኣመልኪቱ ድማ ጨንፈር ውሽጣዊ ሰብኣዊ ዓቕማታቱ ኣበራቢሩን ከም ብሓዲሽ ወዲቡን ብምንቅስቃስ ኣብ ከባቢኡ ጽልዋ ብዘሕድር ኣገባብ ክነጥፍ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ብተወሳኺ፡ ኣባላት ጨንፈር ምስ ዝኾነ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ፣ ልኡላውነት፡ ሓድነትን ታሪኽን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዓቂቦም ንስርዓት ህግዲፍ ብምእላይ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ምሕደራ ከተኣታትዉ ምስ ዝቃለሱ ወገናት ኩሎም ሓቢርካ ምስራሕን ናይ ሓባር ግንባር ምፍጠርን ከምዘድሊ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ግዜ መጽናዕትን ልዝብን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2023 ኣብ ዓወት ምብጽሑ ዝተኣወጀ ምሕዝነት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት መርኣያ ምዃኑ ብምጣቃስ፣ ንኣድማዕነቱ ኣብ ደረጃ ጨናፍር እውን ብዕቱብ ክስረሓሉ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ሕቶን ሪኢቶን መድረኽ፡ ክበርሃሎም ዝደለይዎ ሕቶታት ኣቕሪቦም፣ ንዕብየትን ዓወትን ሰልፊ ኢሎም ዝኣመትዎ ሪኢቶታቶም እውን ኣመዝጊቦም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ብርገድ ንሓመዱ ዝስመ ህዝባዊ ማዕበል ዝምድናን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መደባትን ኣለዎዶ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ዘዛረበ ኮይኑ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ነቲ ኣብ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተወስደ መርገጽን መትከልን ምርኲስ ብምግባር፣ ሰዲህኤ ንብርገድ ንሓመዱ ከም ሓደ ኤርትራዊ ማዕበል ጭቁናት ገይሩ ከምዝወስዶን፣ ንምዕዋቱን ንምሕያሉን እውን ኣብ ጎኑ ኮይኑ ክሰርሕን ክተሓባበርን ድሉው ምዃኑ ኣቢሩ። እንተኾነ ብርገድ ንሓመዱ ክሳብ ሎሚ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ምዃን ሓሊፉ ሓደ ትካላዊ ቅርጻን ኣሰራርሓን ዘይወነነ፡ ካብ  ምእላይ ንጨቋንን መላኽን ስርዓት ህግዲፍ ሓሊፉ  እንታይ ዓይነት ሃገራዊ መደባት ከምዘለውዎ ዘየነጸረ ብምዃኑ፣ ሰልፍና ነዚ ዕሸል ግና ከኣ  ሓያል ሃገራዊ ምንቅስቓስ፣ ከይኩለፍን ከይዕንቀፍን ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝሰርሕ ኣብሪሁ።

ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ፡  ኣብ ጨናፍር ወሪዱ መሰረታት ከበራብርን ከሕይልን ናይ ኣባል መንነት  ኣብ ምሃብን  ምሕዳስን ዝረአ  ምድንጓያት ከይህሉ ዝብልን ከምኡ ዝኣመሰሉን ለበዋታት ናብ  መሪሕነት ሰልፊ ኣቕሪቡ።  

ሰነ-ጥበባዊ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኢዮብ ሃይለ ረዳ፡ ብ7 ታሕሳስ 2023 ኣብ ጀርመን ዓሪፉ ዝብል ዘሰንብድ ዜና ብኣዝዩ ዓሚቕ ሓዘን ሰሚዕናዮ።

ኢዮብ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ ብሞያኡ ሰራዊትን ህዝብን ኣብ ምልዕዓልን ፍቕሪ ሃገር ኣብ ምስራጽን ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ኣወፍ እዩ። ኢዮብ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ብዝለዓለ ወነን ፍቕሪ ሃገርን ብዘዜሞም “ሓላው ሃገር ናይ ጸላኢ ጋሻ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ጀብሃዊ መሊሻ፡ ወያ ተፈታዊት ሃገረይ ኤርትራ ክስወኣላ እየ ንኽትወጽእ ሓራ፡ መን እዩ መቓልስተይ ንግዝያኡ ጥራሕ፡ መን ከእዩ ብጻየይ ብመትከል ዝምራሕ፡ ምልክት ናይ ቃልሲ ሰነድ ሰውራ፡ ውጉኣት ሓርነት ሰላም ብሓበራ …… ውዘተ” ብዝብሉ መሰጥትን ማሃርትን መዛምሩ ዘይርሳዕ ኣሰር ዘንበረ ሓርበኛ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ስነ-ጥበባዊ ኢዮም ሃይለ ድሕሪ ናጽነት ይካየድ ኣብ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ እውን፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፈስቲቫላት ኤርትራ ካስልን ፍራንክፎርትን ንሞያኡ ዝኮነ ይኹን ውዕለት ከይደለየሉ ብተወፋይነት ክሳተፍ ዝጸንሐን ግዲኡ ዘበርከተን ውፉይ ነይሩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እንዳገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ሓርበኛ ኢዮብ ሃይለ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብ ይብል

ገርዝግሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

8 ታሕሳስ 2023

   

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ማይክ ሃመር ካብ 7 ክሳብ 17 ታሕሳስ 2023 ናብ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኳታርን ከም ዝበጽሕ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ማይክ ሃመር ኣብዚ መገሻኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ክመያየጥ እዩ። 

 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ውግእ ብሰላም  ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኩነታት ከም ዝዘራረብ ተፈሊጡ። ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ብመሰረት ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ናይቶም ዕጥቂ ዘረክቡ ምጥያስን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣተገባብራ መሰጋገሪ ፍትሕን ምውጋድ ናይ ጽልኢ መደረታት ኣብ ኢትዮጵያን ከም ዝመያየጥ ተሓቢሩ፡

ኣብ ጅቡቲ  ኣብቲ መራሕቲ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ብጉዳይ ሱዳን ዘካይድዎ መበል 41 ፍሉይ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ነቲ ሽግር ብሰላም ኣብ ምፍታሕን ብቐጻሊ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረሉን ፍትሕን ተሓታትነትን ዝነግሰሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዞባውን ዓለም ለኻውን ደገፍ ከም ዝገብር ተሓቢሩ።

ኣብ ኳተር ኣብ ዝዳሎ ፎረም ከም ዝሳተፉን ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ብዛዕባ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያትን  ከምኡ እውን ብዛዕባ ሱዳንን ርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝዘራረቡ እቲ መግለጺ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ።

ሓሙስ 7 ታሕሳስ 2023 መሪሕነት ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጡ።

  • ንጥፈታት ምትእስሳር ምምዛን
  • ናይ ምትእስሳር ጉባኤ ዝግበረሉ ግዜ ምውሳን
  • ኣሰራርሓ ዘማዕብል ሓድሽ ኣብ ቅዋም ምትእስሳር ክተኣታቶ ዘለዎ ሓሳባት ምድህሳስ

ንጥፈታት ምትእስሳር ብግቡእ መዚኑ። ቤት-ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ንምሕጋዝ ዝተገብረ ጻዕርታትን ክሳብ ሕጂ ዝተበርክርተ ሓገዛትን ኣመጒሱ። በቲ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓድሕድን ንሱ ዘስዓቦ ዘይቅሱን ኩነታትን ቤት-ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ዝያዳ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣኼባ ተገንዚቡ። ኣብ ስደት ዘለዉ ደቅና ኣብ ርእሲ ምስዳዶም ክድንቁሩ የብሎምን ካብ ዝብል መትከላዊ እምነትና ተበጊሱ  ሕጂ’ውን ዝከኣል ሓገዝ ከበርክት ኣኼባ ወሲኑ።

ክሳብ ሕጂ ብደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ካብ ህዝቢ ዝተወፈየን ካብ ሽያጥ ኣቕሑት ዝተኣከበ ገንዘብን ኣተሓሕዝኡን ጸብጻብ ቀሪቡ። መሪሕነት ምትእስሳር ንዝቐረበ ጸብጻብ ገንዘብ ጽፉፍ ምንብባሩ ብምልኣት ተሰማሚዑሉ።

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ኣብ 14 ሕዳር ናይ 2020 ጉባኤ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ’ውን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ጉባኤ ክካየድ ወሲኑ።

ሕሉፍ ተመኩሮና ድሕሪ ምምዛን ስራሕና ብጽፉፍ ንምክያድ ዉሽጣዊት ተቆጻጻሪት ወይ ኦዲተር ከምተድልየና ኣኼባ መዚኑ።

ኣኼባ ብህዱእ መንንፈስን ምክብባርን ተደምዲሙ።

                               

Thursday, 07 December 2023 21:27

Dimtsi Harnnet Kassel 07.12.2023

Written by
Page 17 of 553