ስዑዳዊ ሚኒስትርን ምክትሉን ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

2026-02-13 11:17:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 57 times

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ስዑዲ ዓረብ፡ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሓን ኣል ሳዑድን  ምክትሉ ኢንጅነር ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸርጂን ኣብ ተኸታታሊ መዓልታት ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምጋሾም ናይ ክልቲአን ሃገራት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

በዚ መሰረት ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሱዕዲ ዓረቢያ ብ12 ለካቲት 2026 ኣብ ኣስመራ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ርክቦም ብዛዕባ ታሪኻዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ቅልጡፍ ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ ቀይሕ ባሕርን ብዝምልከት ዓሚቕ ዘተ ምክያዶም ናይ ህግደፍ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን። ከምኡ እውን ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት  ዝተበጽሑ ስምምዓት ምምይያጦም ተጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ወጻይ ጉዳይ ሱዕድያ፡ ብ11 ለካቲት 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ምዝርራቡ ማዕከናት ዜና ብልጽግና ጸብጺበን። ናይቲ ርክቦም መመያየጢ ዛዕባታት፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ምንባሩ እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ብናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን፡ ናይቲ ሚኒስተርን ምክትሉን በብጽባሕ፡ ናብተን ኣብ ዝለዓለ ምትፍናን  ኣትየን ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን መገሻ፡ ቀንዲ ምኽንያት ኣትየንኦ ዘለዋ ወጥሪ ናይ ምህዳእ ፈተነ እዩ ዝብል’ዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ብውሳነን ገንዘብን ኢማራት ኣብ መሬታ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ንዝምራሕ ወገን ሱዳን ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከም ዝኸፈተት ሮይተርስ ኣብ ዘቃለዓሉ ዝተኻየደ ምዃኑ ኢትዮጵያ ካብ ኢማራት ንክትርሕቕ ንምትሕስሳብዩ ዝተኻየደ መገሻ’ዩ ክብሉ ዝስምዑ’ውን ኣለዉ።

ብዘይካዚ ሱዕድያ ኣብ መስከረም 2018 ንኢሳያስን ኣብይን በዓል 7 ዓንቀጻት ስምም ዘፈራረመት ምንባራ’ውን ምስዚ ኣተሓሒዝካ ዝረአ እዩ ዝብል ከኣ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Last modified on Friday, 13 February 2026 12:27