ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ 2024 ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ከባቢ ጸለምቲ ዝተመልሱ ተጋሩ፡ ብዝተፈላለዩ ብደሆታት ይጽገሙ ከም ዘለዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብዕምቆት ዘቕረበቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እታ መርበብ ሓበሬታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2024 ኣስታት 56 ሺሕ ብሰንክቲ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ካብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ምምላሶም ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዘቕረበ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ካብኣቶም እቶም 34,971 ናብ ወረዳታት ጸለምቲ፡ ላዕላይ ጸለምትን ማይጸብርን ዝተመልሱ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ኣዋርሕ እውን ነቶም ተመለስቲ ብመንግስትን ሰብኣዊ ትካላትን ቃል ዝተኣትወሎም ደገፍ ክረኽቡ እውን እንተዘይካኣሉ ሓድሽ ህይወት ክሰርዑ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ካብቲ ክቐርበሎም ዝነበሮ ግና ዘይቀረበሎም፡ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ከም ዝርከቦ ይሕበር።
እታ መረበብ ሓበሬታ ካብቶም ተመለስቲ ብዛዕባ ኩነታቶም ዘዘራረበቶም ኣብቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ሰራሕተናታት ዝነበሩ ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥሞም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኩራት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ምንቅስቓስ ነጻነትን ካብቶም ዘስግእዎም ዘለዉ ብኩራታት ምዃኖም ገሊጾምላ። እተን ዝተመልሱለን ወረዳታት ብማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ስለ ዝተረሰዓ፡ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸቕጢ ከም ዘለዋ ኣፍሊጦም። ካለኦት እታ መርበብ ዝሓተተቶም ተመዛበልቲ ናይቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ብደሆታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝገልጸሉ ከኣ ሓቢራ።
ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣገባብ ኣመላልሳ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ከም ዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ገለ ወገናት ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክመለስ ይግበኦ ክብሉ እንከለዉ፡ ካለኦት ወገናት ከኣ ተመዛበልቲ ይመለሱ፡ ናይ መሬት ዋንነት ግና ኣብ መጻኢ ብመሰረት ሕገመንግቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም። እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተጋሩ እውን ስሙር ኣረኣእያ የለን።
ባህግና Bahgna Media 22.12.2024: መዐቀኒና ኣታሓሳስባ ይኹን፡ ምርጫና፡ ምርጫ ህግደፍ ኣይኮነን
Written by Bahgna MediaMedia
ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገዲ፡ ግጉይን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱን ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ዲፕሎምሲያዊ ዝምድናታቱ’ውን ጐሊሑ ከም ዝረኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ኩሉ ዝምስርቶ ዝምድናታት ዕድመኡ ሓጺር፡ ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ኣብ ናይ ውግእን ድኽነትን ዓዘቕቲ ዝነቑት። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድናታት ድማ ብመንጽርዚ ዝምዘን እዩ።
እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይቲ ብሰንክዚ ግጉይን ኣርሒቑ ዘይርእን ተበላጺ ዝምድናታት ናይቲ ጉጅለ ዘጋጠም ኩለ-መዳያዊ ዕዳ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ህግደፍ ዝምድና ኣፍሪሱ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ክኸፍሎ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ እዩ። እቲ ኢሳያስ ባዕሉ ከይተረፈ፡ ደጋጊሙ ናይ ዶብ ከምዘይነበረ ዝተኣመነሉ ውግእ 1998-2000 ዝተኻየደሉ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ዘጋጠመ ምክልባትን ምርሳይን ምብኻንን ዓመታት ሰሪሑ ዘጥረዮ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ በሰላ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ድሮ እቲ ውግእ ዝነበረ ኩነታት ስለ ዘስገኦም፡ ህግደፍ ከሎ ግና ንክሓስበሉ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ ኢምባሲኡ ብመልክዕ ኣኼባ የቕርብዎ ዝነበሩ ናይ “ከይኮነ ንጠንቀቕ” መተሓሳሰቢ ተገዲሱ ዝሰምዖ ኣካል ኣይነበረን። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ እውን እቲ ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ እዩ ተበዲሉ እምበር፡ እቲ ጉጅለ ከምቲ ኩሉ ግዜ ከይሓፈረ ዝብሎ “ኣይከሰረን።”
ካብ ኢትዮጵያ ብምስጓጎም ዝተበደሉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ኣይኮነንዶ ኣባላት ህግደፍ ክነብሩ፡ ንሃገሮም ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ርእየምዋ ዘይፈልጡ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ዘጋጠሞም፡ ንተግባራት ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ከማርሩ ጸኒሖም። ናይቲ ጉጅለ ድፍኢትን ተንኮልን እናተወሰኾ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ኣይተሰግረን። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደልን ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ናይቲ ተረኽቦን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ዝተሰጉ ግዳያት እንተማረሩ ዝተሓዞም ኣይኮነን። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይተፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከኣ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።ኣብ መጻኢ መምሃሪ ተመኩሮ ክኸውን እውን ይግበኦ።
ህግደፍ ኣብ 2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኾርተት ክብል እንከሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ክቱር ፍቕሪ ህግደፍን ህወሓትን “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር” ከም ዝባሃል፡ እሞ ናብ ውግእ 1998 ዝተቐየረ፡ ዘኪሮም፡ ስኽፍታ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ዝምድና “ግሉጽነትን ትካላውነትን ዝጐደሎ፡ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ዘይፍለጥን ስለ ዝነበረ፡ ብህድኣት ክርኣይ ይግበኦ፡” ንዘበሉ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ “ሰላምና ምስ ኢትዮጵያ ዘሕመሞም ሓሳዳት እዮም” ስለዝበሎ፡ ደድሕሪኡ ዘዳመቑ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። ነቲ ኩነታት ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ሚኒስተር ዝነበረ፡ ነፍስሄር ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኮይኑ ብትብዓት፡ ንዲክታተር ኢሳያስ“ነቲ ግቡእ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ባይቶን ዘየብሉ ክነሱ፡ በይንኻ ምስ ሃገራት ተካይዶ ዘለኻ ናይ ተብተብ ዝምድና እስትራተጅያዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ ጠጠው ኣብሎ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።
ስለዚ ኤርትራውያን፣ ንናይ ቀረባ ግዜ ስንኩፍናን ጥልመትን ዘንጊዕካ፡ ደድሕሪ ህግደፍ ምዕንዳር ባዕልኻ ምውጻኡ ናብ ዘጸግም መጻወድያ ምእታው ምዃኑ ክንግንዘብ ምተገብአ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብተን ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበራ ውሑዳት ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክረአ ዝጸንሐ ወደኽደኽ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር በይናዊ ተጠቃምነት ዘተኩር እምበር፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ብምዃኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ምኽታሙ ብዘርኣዮ ዘይምርግጋእ ተቓሊዑ እዩ። ኣብዚ እቶም ተዓሽዮም ደድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፡ ወደኽደኽ ክብሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ሰቲ ነስኒሱ ብጫ ምንጻፍ ዘርጊሑ “መጺእካለይዶ ክጽበያካ” እናበለ ባዕሉ ብዝጐተቶ ተመን ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓነን።
ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሸምጠጠ ምስ ሸምጠጠን ክቕጽል ከምዘይክእል ምስተረደአን ድሮ ንኣብይ ኣሕመድ ሕቖኡ ሂብዎ። በዚ ከይተወሰን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካለኦት ኪዳን ክሳብ ምምስራት በጺሑሎ። በዚ ዝተቖተዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይካቲ ብዛዕባ ውደብዶ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክዛረብ ዝውዕሎ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ከይተረፈ፡ ደጊም “ብሕጊ ዝዛመደና እምበር፡ ንግዜኡ ዝብለጸልናን ኤምባሲ ከፊቱ ዶላር ክእክብ ምስ ዝውዕል ኣካል ክንዛመድ ኣይንደልን ኢና” ዝበሎ ናብ መን ዘቕነዐ መልእኽቲ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ነዚ ምጥልላም ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ ክምድሮ ዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር ነፍሰ-ሄር ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ኢሪ-ቲቪ ምስ ጋዜጠኛ ይስሓቕ መሓሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡ “ኢትዮጵያ ንከይትገማማዕን ከይትብተንን ጉዳያ ክትፈትን ከምኡ ድማ ወያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስ ክንሰርሕ እዩ እምነተይ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ መንግስትና እምነት እውን ክኸውን እየ ዝደ” ዝበሎ፡ ክውሰኾ እንከሎ ኣዝዩ ዘገርም ምግልባጥ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ተመኩሮ ዘይተማህሩ፡ ፍቕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ኣይክምለስን’ዩ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ኣሕዲሮም፡ “ዝትንክፈና የለን” ብዝብል ኣጉል ጉርሒ ክሳብ ምውናን ትካላት በጺሖም ዝነበሩ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተዉን እቲ ናይ 1998 ከይድገም ከም ዘስግእን ብዝተፈላለዩ መድያታት ይቃላሕ’ሎ። እዚ ዘተዓዛዝብ እምበር፡ “ፈትዮም ስለ ዝኣተዉዎ ባዕላቶም ይፈልጡ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብሰንኪ ዘይምስትውዓል ዝተወስደ ንቑጽን ርሑስን ዘይፈለየ ስጉምትን ሳዕቤኑን ዘኪሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወስዶ ስጉምቲ ሓላፍነታዊ ንክኸውን ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።
ኤርትራውያን’ውን፡ ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ዕብዳኖም ተመሊሶም፡ ክሳብ መዓስ ኢና ናይቲ “ግጉይ ምርጫ ህግደፍ ከፈልቲ ዕዳ ንኸውን?” ኢሎም፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት’ኳ ከድሕንዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እንተበጽሐ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ካብ ምድጋሙ ክዕቀቡ ይግበኦም።
ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ዝወሃበሉ ኣብ ብሉ ናይል ዝርከብ መደበር ትካል መግቢ ዓለም
ናይ መደበር ሓላፊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም (WFP)፡ ኣብ ሱዳን ግዝኣት ብሉ ናይል ኣብ ሰዓታት ለይቲ ኣብ መደበሮም ብ19 ታሕሳስ 2024 ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ንምንጭታት መንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ ሓቢራ።
ብመሰረት ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ያቡስ ኣብ ዝበሃል፡ ከባቢ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዘሎ ናይቲ ትካል መደበር ብዝተኻየደ ናይ ለይታዊ መጥቃዕቲ እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ። ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ሲንዲ ካይን ብወገኑ እቲ ቅትለት ከም ዘጋጠመ ብምርግጋጽ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ምቅለዖም ከም ዘሕዝኖ ምሕባሩ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ተቒሳ።
ናይቲ ሚኒስትሪ መግለጺ ሞት ናይቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ መንግስቱ ወተሃደራዊ ህላወን ምንቅስቓስን ከም ዘየለ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ንይቲ ቅትለት ተሓታቲ መን ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ምጽራይ የካየዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ወገን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ እቲ ዜና ቢቢሲ ኣመልኪቱ።
ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ምምላሳ ግጉይ ምዃኑ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ተነጊርዋ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሱዳናዊ ራፖርተር፡ ዶር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር
ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ናብ ሃገሮም ምስጓጓ ግጉይ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ፡ ብ16 ታሕሳስ 2014 ከም ዝለኣኸላ ተሓቢሩ። እቲ ሰነድ እቶም ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ተገዲዶም ዝተሰጉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ግህሰታትን ስቓይን ከም ዘጋጥሞም ብምጥቃስ ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ።
እቲ ብሰለስተ ላዕለዎት ራፖርተራት ሰብኣዊ መሰል ተዳልዩ ናብ ቱርኪ ዝተላእከ ሰነድ፡ ንቱርኪ ብዛዕባ ምእሳርን ኣገዲድካ ናብቲ ዝተፈላልዩ ሓደጋ ከጋጥሞም ዝኽእል ኤርትራ ምምላሶምን ዝምልከት መብርሂ ክወሃቦም ከም ዝሓትት’ውን ተሓቢሩ። እቲ ጸገም ናብ ዘጓንፎም ኤርትራ ኣገዲድካ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ምስ መሰረታዊ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ዝጻረር ምዃኑ’ውን እቶም ራፖርተራት ከሲሶም።
እቲ ስጉምቲ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግን ስምምዓት ኣንጻር ምስቓይን ኣገዲድካ ናብ እተስግእ ሃገር ምስጓግን ኮይኑ፡ ቱርኪ ብ1988 ኣብቲ ሰነድ ዝኸተመት ሃገር ምዃና እውን ጠቒሱ። እቶም ራፖርተራት ኣብቲ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ስቓይን ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዘኸትል ጠቒሶም፡ ኣብ ርእሲኡ ንዝይተወሰነ ግዱድ ውትህድርናን ምስዋርን ዘኸትል ምዃኑ ከኣ ኣመልኪቶም።
እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተገዲዶም ዝተሰጉ ኤርትራውያን ከም ዝተራእየ፡ እቶም ራፖርተራት ጠቒሶም፡ በዚ መሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣይዲን ኣብ ዝተባህለ መእከቢ ማእከል ቱርኪ፡ 50 ዝኾኑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ሕጂ’ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ተኣሲሮም ይውቅዑን ምስ ኣዝማዶምን ናይ ሕጊ ኣካላትን ከይራኸቡ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
ድሕሪ ሕጂ ናይ ሰብኣዊ መሰል ክኢላታት፡ ቱርኪ ንመደባት ምስጓግ ኤርትራውያን ንከተቋርጾን መነባብሮ ናይቶም ሒዛቶም ዘላ ከተመሓይሽን ከም ዝጸውዑን ብወገን ቱርኪ ግና ቅልጡፍ መልሲ ከም ዘይተረኽበን ተፈሊጡ። ነቲ ናብ ቱርኪ ዝተለእከ ሰነድ፡ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዘትሓዘ፡ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ባህግና Bahgna Media 17 12 2024: ንዝኽሪ መበል 19 ዓመት መስዋእቲ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ተዳለወ።
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ከባቢና ኮነ ዓለም ዝተፈላለዩ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ለውጥታት ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ለውጥታት ናይ ክብን ለጠቕን ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግን ብቕልጣፈ ዝሕንበብ ዘሎ እዩ። እዚ ቅልጡፍ ለውጥታት ኣብቲ ዘዝተኸስተሉ ኩርነዓት ጥራሕ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጽ ናይ ቀረባን ርሑቕን ተጽዕኖታትን ጽልዋታትን ኣለዎ። እቲ ጽልዋ ብፍላይ ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ዕቤት መራኸቢ ናብ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ዝተለወጠትሉ ዘመን ቅልጡፍን ኣርሒቑ ዝጐዓዝን እዩ።
ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 3ተ ዓመታት ዝኾኖ ኣዕናውን ደማውን ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ዓመቱ ዘሕለፈ ውግእ እስራኤል ኣንጻር ሓማስን ሂዝቡላህን ብቐጥታ፡ ከምኡ ድማ ምስ ኢራን ተፈጢሩ ዘሎ ሓያል ወጥሪ፡ ምርጫ ሓያል ሃገር ኣሜሪካ፡ ደርሓር ድማ ህልዊ ምዕባለ ሲርያ ካብቶም እውናውያን ኣዘራረብትን ጽልወኦም ኣርሒቑ ዝጐዓዝ ኮይኖም ኣለዉ። እዞም ምዕባለታት ጠቕላላ ኣሰላልፋ ሓይልታት ክቕይሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ተረኽቦታት እዮም።
ኣብዚ ቀረባና ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝቕጽል ዘሎ ሕድሕድ ውግኣትን ዘኸትሎ ዘሎ ስደትን ምምዝባላትን ዘሻቕል’ዩ። ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝመስል ዝደኮነኦ “ኪዳን ኣስመራ”፡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ድሕሪ ቃለ መጠይቕ ኢሳያስን ብኢትዮጵያ ኣንጻሩ ዝተዋህበ ግብረ መልስን ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነብርቲ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ዘሎ ምክልባትን ዘቕስን ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ሕምስምስ ኣብ ትግራይን ምርጫ ሶማሊላንድን ናቶም ጸላዊ ብጽሒት ኣለዎም። መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብመንጐኝነት ቱርኪ ፍልልየን ብኢህንምሂን ክፈትሓ ምስምመዕን ናይ ኢሳያስ ጃላነት ዘርኢ ተርእዮ እዩ። እዚ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ፡ ንኢሳያስ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዳግማይ ናይ ውግእ ህርፋኑ ዝኾልፍ ተረኽቦ እዩ።
ናይ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማሊያን ዕጡቓት ሓይልታት ምስራግ፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከም ዘለዎ ከም ዘርኢ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክለዓል ዝጸንሐ እዩ። ከምኡ ድማ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ሓድሽ ኣንጻር’ቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ብልጽግና ዝምድና ክፍጠርዶ ይከኣል?” ዝብል መድረኻዊ መዛረቢ ሕቶ ክኸውን ምጅማሩ ናይቲ ምዕባለታት ምጽልላው፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ጉጅለኡን ሓሊፉ፡ ኣብቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ዘሕድሮ እወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተጽዕኖ’ውን ግቡእ ግምት ክወሃቦ ዝግበኦ እዩ።
ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ዝብድሉን መሰላቱ ግሂሶም ዝረግጹን ዲክታተራት፡ ነቲ ዝፍጽምዎ በደላት ከቢድ ዋጋ ካብ ምኽፋል ከምዘይድሕኑ ኣብ ርእሲ ዝሓለፉ ተመኩሮታት እነሆ ኣብዚ እዋን ኣብ ሲርያ ተጋሂዱ። እዚ ብመንጽር’ቲ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገራት ዓጽዩን መሰላት ህዝቢ ነፊጉን ክዕንድሮ ዝጸንሐን ዘሎን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባና ጽልዋኡ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እቲ ጽልዋኡ “ዲክታተር ኢሳያስን ጉጅለኡን ከም’ቲ ሶርያዊ ቤተሰባዊ ወጻዒ ስርዓት ዕድሚኡ ኣኺሉ፡ በሽር ኣል-ኣሳድን ምምሕዳሩን ክወድቕ ናይ ግድን እዩ” ብዝብል ታራ ኣገላልጻ ጥራይ ዝንገር ኣይኮነን። ናባና ናብቶም ምእንቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ዘለና’ውን ዘመሓላልፎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣለዎ። ወጽዓን ግፍዕን ህዝቢ ሶርያ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ኩሉ ገዲፍካ፡ ኣብ ሲድናያ ዝተባህለን ካለኦትን ኣብያተ ማእሰርቲ ናይታ ሃገር ዘርአ ዘሎ ናይ ግፍዒ ምስክርነት ኣስንባዲ እዩ። እዚ ምስክርነት’ዚ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዒራዒሮን ዓዲ ኣብየቶን ካለኦት ኣብያተ-ማእሰርትን ከም ዝደግመኦ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሎሚ ሱርያውን ኣስማት ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተረሸኑን ዝተሓንቁን ቤተሰቦም ክንገሮም ተሰሪዖም ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ሎሚ ተሓቢኡ ዘሎ ድምጺ ኤርትራውያን ግዳያት ከኣ ጽባሕ ክስማዕን ክረኣን እዩ።
ዲክታተራት “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብዝብል ፖሊሲ ዝምርሑ ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ዝፈጠርዎ በደል ብምውዳቖም ጥራይ ዝውገድ ዘይኮነ፡ ምስተወገዱ ዝገድፍዎ “ሕማም ደሓር” እውን ኣሎ። ኣብ ሱርያ ድሮ ናይዚ ሕማም ደሓር ምልክታት ይረአ’ሎ። ናይ ኢስራኤል ኣብ ገለ ከባብን ትካላትን ሱርያ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ናይቲ ሕማም ደሓር መርኣያ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ናይቲ ኣብ ዓለም ተበቲኑ ዝጸንሐ ኣስታት 14 ሚልዮን ሱርያዊ ስደተኛ ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስ ዕልቕልቕን ዘድልዮ ቀረብን መጽለልን ካልእ በዳሂ መርኣያ እዩ። “እቶም ለውጢ ዘምጽኡ ኣካላትከ ክሳብ ክንደይ ኣሳንዮም ሃገር ክመርሑ እዮም?” ዝብል ድማ፡ ምስ በሽር ኣል-ኣሳድ ሓቢረን ዝተሳዕራ ሃገራት ብዙሓት ምስ ምዃነን ዘሰክፍ እዩ።
ናይዚ ስኽፍታ መሰረታዊ መፍትሒ እምበኣር፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ዲክታተራት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ብዛዕባቲ ድሕሪኡ ዝኽሰት ምዕባለ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ “ ዲክታተር ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ድሕሪኡስ ሽዑ ነርክበሉ” ካብ ዝብል ኣንዊሑ ዘይጥምት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ምውጻእ እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ቀዳምነት ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ምዃኑ ዘየዳዲ ኮይኑ፡ ግን ድማ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ብኸመይን ናበይን?” ናይ ዝብሉ ሕቶታት ዕቱብ መልሲ ምርካብ ካብቲ ምውዳቕ እቲ ዲክታተርን ምምሕዳሩን ፈሊኻ ዝረአ ዋኒን ኣይኮነን። ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ እዩ ከኣ “ቀዳምነታትና ሰሪዕና፡ ፍልልያትና መልክዕ ኣትሒዝና፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና ብሓባር እንቃለሰሉ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት” ዘይስገር ዝኸውን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ኣካላት ለውጥን ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ዝጽዕትሉ ዘልዉ ተደላይን ዘይስገርን ዝኸውን እምበኣር ብመንጽር’ዚ ስለ ዝቃነ እዩ።
ስለዚ ቀዳምነት ቃልስና ነቲ ዘይተርፍ ምውጋድ ዲክታተር ምቅልጣፍ ምዃኑ ኣሚንና ንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ምስኡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱ ክትኮነልና ንብህጎ፡ ብምውጋዱ ጥራይ ስለ ዘይረጋገጽ፡ ንድሕሪ ውድቀት ዝምጥን ኩለ-መዳያዊ ምድላው ከም ዘድልየና ኣይንዘንግዕ። እዚ ድሉውነት ብሓደ ውሱን ኣካል ናይቲ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ንእመን። ናይ ኩልና እቶም ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ተሰኪምና ዘለና ምዃኑ ከኣ ንገንዘብ። ነዚ ተገንዚብና ድማ ብሓባር ክንስጉም ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ምህላውና ንረዳእ።
ስእሊ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን
ፕረሲደንት ኤርደጋን፡ ቱርኪ ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝን ሓድነት ሱዳን ኣብ ምሕላው ዘለዋ ጽኑዕ መርገጽን ብምሉእ ዓቕማ ከም እተሕድሶ ከምኡ’ውን ሱዳንን ሕቡራት ዓረብ ኤመረትን ናይ ምትዕራቕ መደብ ከም ዘለዋ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣፍሊጣ። ፕረሲደንት ቱርኪ ነዚ ዝገለጸ ብ13 ታሕሳስ 2024 ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብተለፎን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ከኣ እታ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጣ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝሸምገለ፡ ፕረሲደንት ጠይብ ኤርዶጋን፡ ድሕሪ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብተለፎን ምዝርራቡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሃገሩ ናብ ሱዳን ዝግበር በረራ ነፋሪት ኣብ ቀረባ ግዜ ንምሕዳስን ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝን ንምቕራብን ቅርብቲ ከም ዘላ’ውን ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምድልዳልን ኣብ ሕርሻ፡ ንግድን ዝኣመሰሉን ቁጠባዊ ሰክተራት ዘለዎም ዝምድና ንምሕያል ዘኽእል ወፍሪ ንምክያድ ሃገሩ ቅርብቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቱርኪ ንሱዳንን ሕቡራት ዓረብ ኤመረት ኣቀራሪብካ ንምትዕራቕ ድልውቲ ምህላዋ ኣብቲ መግለጺ ምጥቃሱ እታ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሳ።
ጀነራል ኣብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ናይ ቱርኪ ደገፍን ምትሕብባርን ተቐቢሉን ንኢዱን፡ ፕረሲደንት ኤርደጋን ብዞባውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ሰላም ንምስፋን ይገብሮ ንዘሎ ጻዕርን ኣብ ጉዳይ ሲርያን ንዘርኣዮ ኣተሓሕዛን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ቱርኪ ነቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪቲ ብጀነራል ሕምቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ዝተላዕለ ዝበሎ ውግእ፡ ኣብ ምውጋድን ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ምትብባዕን ንእትገብሮ ጻዕሪ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ሱዳንን ኤምረትን ናይ ምትዕራቕ መደብ ዘለዎ መራሒ ቱርኪ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ካብ ምእታው ንክቑጠቡ ምጽውዑ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ኣፍሊጣ። ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን መንግስቲ ኤመረት ፍልልይ ዝተፈጥረ፡ ሱዳን ኤመረት ንጀነራል ደጋሎ ዕጥቂ ተቕርብ ኣላ ብዝብል ስለ እትኸሳ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢድ የእትዉ ካብ ዘለዉ ሓደ ጉጅለ ኢሳያስ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ ከምቲ ጉዳይ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ቱርኪ ሰላማዊ መንገዲ ብምሓዙ ተኾሊፍዎ ዘሎ፡ ጉዳይ ሱዳን ካብ ኢዱ ከይወጽ ከም ዘሰንብዶ እውን ፍሉጥ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ኮይና ዘላ ሲርያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም ኢስያ እትርከብ፡ ኣስታት 185,180 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ ሃገር እያ። ዓረብ ረፐብሊክ ሲርያ፡ ብሰሜን ምስ ቱርኪ፡ ብምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ምስ ዒራቕ፡ ብደቡብ ምስ ዮርዳኖስ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ እስራኤል ብምዕራብ ምስ ሊባኖስን ባሕሪ መዲተራንያንን ትዳወብ።
ሲሪያ 14 ምምሕዳራዊ ክልታት ክህልዋ እንከሎ፡ እታ ዝዓበየት ናይታ ሃገር ዋና ከተማ ድማ፡ ደማስቆስ እያ። ምስቲ ኩነታት ኣሃዛት ኣብ ሲሪያ ዝቀያየሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ደማስቆስ ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 2,685,000 ነባሪ ህዝብን 105 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓትን ከም ዘለዋ ይንገረላ።
ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሲሪያ ኣብ 2024 ኣስታት 24,672,760 እዩ። ካብዚ 16.7 ሚልዮን ዝኸውን ካብ ህዝባ ብሰንክቲ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ውግእ ዝተመዛበለ ኮይኑ፡ ካብኡ እቲ 6.7 ሚልዮን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ዝተመዝገበ እዩ። ካብተን ሲርያውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ዝተዓቑቡለን ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ጐረባብታ ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤውሮጳ ድማ ጀርመን ምዃና ይንገረላ። ናብ ቱርኪ ስተሰዱ ጥራይ ክሳብ 3.2 ሚልዮን ይበጽሑ። ናብ ጀርመን ድማ 1.3 ሚልዮን።
ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ በሺር ኣል ኣሳድ፡ ቅድም ኣባል ኣልቃዒዳ ከም ዝነበረ ብዝንገረሉ መሓመድ ኣል-ጀላኒ ዝምራሕ ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም ዝበሃል ጉጅለ ዝለዐለ ኢድ ዘለዎ ኣካል ስልጣን ኣብ ምድልዳል ይርከብ። ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ በሺር ኣልኣሳድ ክግበር ዝጸንሐ ቃልሲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘመሓድር ዝነበረ ተቓዋሚ፡ መሓመድ ኣልበሺር ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ብመሓመድ ኣል-ጀላኒ ተመዚዙ ኣሎ። እዚ መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ክሳብ መጋቢት 2025 ዝጸንሕ ኮይኑ ቀዳምነታቱ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ምስፋንን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ምዃኡ ከኣ ኣዊጁሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሶሪያ ዝተፈጥረ ኩነታት ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ወገናት ተስፋ ዝህብ እዩ። እንተኾነ ምስቲ ኣብታ ሃገር ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን መንግስታትን ኢድ ኣእታውነት ምጽንሑን ምህላዉን፡ ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን ኣዝዩ ሓያል እዩ።